ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ሀ2

መዋቕር እዚ ትርጉም

ብእንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ብ1950 እዩ ወጺኡ፣ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከኣ ብ1961 እዩ ወጺኡ። ካብኡ ንነጀው፡ ልዕሊ 210 ቋንቋ ዚዛረቡ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣንበብቲ ኻብዚ ኻብ በዅሪ ቛንቋታት እተተርጐመ ልክዕነቱ ዝሓለወን ንምንባቡ ቐሊል ዝዀነን ትርጉም ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሞም እዮም።

ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም ንልቢ እቶም ሎሚ ዘለዉ ኣንበብቲ ንምትንካፍ ዜኽእል ቋንቋ ምጥቃም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣሚኑሉ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሸቶታት ንምውቃዕ፡ ኣብዚ ትርጉም እዚ እተሳዕበ ናይ ኣጸሓሕፋን ቃላትን ስርዓታት ኣሎ፦

  • ዘመናውን ርዱእን ቋንቋ ምጥቃም። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት “ሳህሊ” ተባሂላ እትትርጐም ዝነበረት ቃል፡ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጣ ብምዃና፡ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ወይ ነዘን ቃላት እዚአን ብዝሓቘፈ ረባሕታ ተተርጒማ ኣላ። (መዝሙር 33:5) “ተጋዊ” ወይ “በሪ ተጎ” ዚብላ ቓላት እውን ብተመሳሳሊ፡ “ኣካብ ቀረጽ” ወይ “መደበር ቀረጽ” ተባሂለን ተተርጒመን ኣለዋ። (ሉቃስ 5:27) “ኤጲስቆጶስ”ን “ድያቆናት”ን ዚብላ ቓላት ድማ ካብ ግሪኽኛ ዝመጻ እኳ እንተ ዀና፡ ብዙሕ ሰብ ትርጉመን ዘይርድአን ብምዃኑ ሕጂ ብዝነጸረ መገዲ “ሓላዊ”ን “ኣገልገልቲ ጉባኤ”ን ተባሂለን ተተርጒመን ኣለዋ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1, 8) ብዘይካዚ፡ እታ “ጓይላ” ተባሂላ ተተርጒማ ዝነበረት ቃል ርድእቲ እኳ እንተ ዀነት፡ ነቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እተሓለነሉ ሓሳብ ስለ ዘይተመሓላልፍ “ፈንጠዝያ” ወይ “ቀይዲ በተኽ ድግስ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።—ገላትያ 5:21

  • መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓላት ምንጻር። ኣብ ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዚዝውተር ገሊኡ ቓላት፡ ብግቡእ ንምርዳኡ ብዙሕ ሳዕ መግለጺ የድልዮ እዩ። ንኣብነት፡ እታ “ሲኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን እታ “ሃደስ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ ንምምልካት ተዓይዩለን ኣሎ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ንብዙሓት ሰባት ርዱኣት ኣይኰናን፣ ብዘይካዚ፡ እታ “ሃደስ” እትብል ቃል፡ ብሰንኪ ጽውጽዋያት ግሪኻውያን ካልእ ትርጉም እውን ኣለዋ። ስለዚ፡ ክልቲአን ቃላት ከምቲ እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬመሓላልፍዎ ዝሓለኑ መልእኽቲ “መቓብር” ተባሂለን ተተርጒመን ኣለዋ። እተን “ሲኦል”ን “ሃደስ”ን ዚብላ ቓላት ከኣ ኣብ እግረ ጽሑፍ ሰፊረን ኣለዋ።—መዝሙር 16:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:27

    ኣብ ገሊኡ ትርጉማት፡ እታ ነፈሽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን እታ ፕሲኺ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ነፍሲ” ተባሂለን ተተርጒመን ኣለዋ። ብዛዕባ እዛ “ነፍሲ” እትብል ቃል ብዙሕ ግጉይ ምርዳእ እኳ እንተሎ፡ ብስሩዕ ክትኣቱ ኸላ ግና እቶም ብድራኸ መንፈስ ነተን በዅሪ ቓላት እተጠቕሙ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ማለቶም ምንባሮም ንጹር ይኸውን እዩ። እዘን በዅሪ ቓላት እዚአን፡ (1) ንሰብ፡ (2) ንህይወት ሰብ፡ (3) ንህያው ፍጡር፡ (4) ንትምኒትን ንሸውሃትን ሰብ፡ ወይ ኣብ ገሊኡ መዳያት (5) ንምዉት ኬመልክታ ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር፡ “ነፍሲ” እትብል ቃል ብትግርኛ ነዚ መልእኽትታት እዚ ኸም እተመሓላልፍ ብንጹር ርዱእ ስለ ዘይከውን፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት እተን በዅሪ ቓላት ከከም ኣሰዃዅዓአን ኪትርጐማ እሞ፡ “ወይ፡ ‘ነፍሲ’” ዚብል እግረ ጽሑፍ ኪግበረለን ውሳነ ተገይሩ ኣሎ። (ንኣብነት፡ ዘፍጥረት 1:20፣ 2:7፣ ዘሌዋውያን 19:28፣ መዝሙር 3:2፣ ምሳሌ 16:26፣ ማቴዎስ 6:25 ርአ።) ግናኸ፡ ኣብ ገሊኡ ቐደም ብግጥሚ መልክዕ እተጻሕፈ ቦታታት ወይ ኣብ ኣዝዩ ፍሉጥ ቦታታት፡ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ኣብቲ ቐንዲ ሓሳብ ተታሒዛ ኣላ፣ ኣብ እግረ ጽሑፍ ድማ ናብ ማህደረ ቓላት ዚሕብር ወይ ካልእ ኣተራጕማ ዚገልጽ እግረ ጽሑፍ ኣትይዋ ኣሎ።—ዘዳግም 6:5፣ መዝሙር 131:2፣ ምሳሌ 2:10፣ ማቴዎስ 22:37

    ብተመሳሳሊ፡ እታ “ዅሊት” እትብል ቃል፡ ነታ ኣካሊት ከተመልክት ከላ፡ ከም ዘላቶ ተታሒዛ ኣላ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከም መዝሙር 7:9ራእይ 2:23 ዝኣመሰለ ቦታታት ብምሳልያዊ መገዲ ኽትኣቱ ኸላ፡ ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ ከምቲ ኸተመሓላልፎ እተሓለነ ሓሳብ “ውሽጣዊ ስምዒት” ወይ “ውሽጣዊ ሓሳብ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ፣ ቃል ብቓሉ እንታይ ከም እትብል ከኣ ኣብ እግረ ጽሑፍ ኣትዩ ኣሎ።

    ቃል ብቓሉን ምሳልያውን ትርጉም ዘለዎ ኸም “ስቡሕ፡” “ስጋ፡” ወይ “ቀርኒ” ዚብል ቃላት እውን፡ ከከም ኣሰዃዅዓኡ ኸም ዚንጽር ተገይሩ ኣሎ። (ዘፍጥረት 49:20፣ መክብብ 5:6፣ እዮብ 16:15) ገለ ኻብዚ ቓላት እዚ፡ ኣብ “ማህደረ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ” ተገሊጹ ኣሎ።

  • ንንባብ ቀሊል ከም ዚኸውን ምግባር። እዚ ናይ ትግርኛ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እዚ፡ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ሰባት ኪዛረቡ ወይ ሓሳቦም ብጽሑፍ ኪገልጹ ኸለዉ፡ ከምቲ ተራ ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ ዜዘውትርዎ ቛንቋ ተጠቒሙ ኣሎ። ኬዘንትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ከምቲ ተራ ሰባት ኬዘንትዉ ኸለዉ ዚጥቀሙሉ ቛንቋ ተጠቒሙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዘፍጥረት 3:9-13 ርአ።

ተወሳኺ መዋቕር እዚ ትርጉም፦

እዚ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ እግረ ጽሑፍ ኣለዎ። እቲ እግረ ጽሑፍ ብሓፈሻ ኣብዚ ዚስዕብ ክፋላት ኪኽፈል ይከኣል፦

  • “ወይ” እቲ ናይ እብራይስጢ፡ ኣራማይስጢ፡ ወይ ግሪኽኛ ቓል ዚትርጐመሉ ብመሰረቱ ተመሳሳሊ ሓሳብ ዘለዎ ኣማራጺ ትርጉም ዝሓዘ።—ዘፍጥረት 1:2፡ እግረ ጽሑፍ ኣብ “ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ”፣ እያሱ 1:8፡ “ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ።”

  • “ወይ፡ . . . ኪኸውን ይኽእል” እቲ ጽሑፍ ኪትርጐመሉ ዚኽእል ብቑዕ መሰረት ዘለዎ፡ ግናኸ ብመሰረቱ እተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ኣማራጺ ትርጉም ዝሓዘ።—ዘፍጥረት 21:6፡ “ምሳይ ኪስሕቕ”፣ ዘካርያስ 14:21፡ “ከነኣናዊ።”

  • “ቃ.ቃ.” ቃል ብቓል ትርጉም እቲ ናይ እብራይስጢ፡ ኣራማይስጢ፡ ወይ ግሪኽኛ ቓል፡ ወይ ከኣ መሰረታዊ ትርጉም እቲ በዅሪ ቛንቋ።—ዘፍጥረት 30:22፡ “ጥንሲ ኽትሕዝ ኣኽኣላ”፣ ዘጸኣት 32:9፡ “ተሪር።”

  • ትርጉም ስማትን ድሕረ ባይታዊ ሓበሬታን ኣብዚ ትርጉም እዚ፡ ትርጉም ስማት (ዘፍጥረት 3:17፡ “ኣዳም”፣ ዘጸኣት 15:23፡ “ማራ”)፡ ብዛዕባ ኣሃዱ ሚዛንን መስፈርን ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ (ዘፍጥረት 6:15፡ “እመት”)፡ መንነት እቲ ተውላጠ ስም (ዘፍጥረት 38:5፡ “ንሱ”)፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍን ኣብ ማህደረ ቓላትን ዚርከብ ሓጋዚ ሓበሬታን ይርከብ።—ዘፍጥረት 37:35፡ “መቓብር”፣ ማቴዎስ 5:22፡ “ገሃነም።”

እቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኽፋል፡ ኣስተዋጽኦ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ትምህርትታት ሒዙ ኣሎ። ኣብ ድሕሪት ክፋል እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ሰሌዳ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡” “መሐበሪ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡” “ማህደረ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ” ኣሎ። እቲ ማህደረ ቓላት ድማ ነቲ ገሊኡ እተሓርየ ቓላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ትርጉም የረድእ። መመላእታ ጽሑፍ ሀ ኸኣ እዚ ዚስዕብ ክፋላት ሒዙ ኣሎ፦ “ስርዓታት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡” “ መዋቕር እዚ ትርጉም፡” “መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧” “ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡” “ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡” “ሰሌዳ፦ ኣብ ይሁዳን እስራኤልን ዝነበሩ ነብያትን ነገስታትን፡” “ቀንዲ ፍጻመታት ምድራዊ ህይወት የሱስ።” ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ለ ድማ፡ ንትጉሃት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ዝዀነ ካርታታትን ሰሌዳታትን ካልእ ሓበሬታን ኣሎ።

ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነናይ መጽሓፍ ትሕዝቶን እዚ ዚርከበሉ ምዕራፍን ፍቕድን ሰፊሩ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንኣንባቢ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ኪርዳእ ይሕግዞ። ኣብ ማእከላይ ዓምዲ እቲ ቐንዲ ጽሑፍ ከኣ፡ ናብቲ ምስኡ ዚዛመድ ኣገዳሲ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብር ሕድጋታዊ መወከሲታት ኣሎ።