ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ ቓል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜ እዚ ንዘሎና ንዓና ዚኸውን መልእኽቲ ወይ ቃል ኣምላኽ ሒዙ ኣሎ። ከመይ ጌርና ዕዉት ህይወት ክንነብርን ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብን ከም እንኽእል ይገልጸልና እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን ይምልስ፦

ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትረክብ

መጽሓፍ ቅዱስ 66 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ-ኣራማይስጥን (“ብሉይ ኪዳን”) ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን (“ሓድሽ ኪዳን”) ተባሂሉ ኸኣ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ኵሉ መጻሕፍቲ ብምዕራፋትን ፍቕድታትን እተኸፋፈለ እዩ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕሲ ምስ ዚጥቀስ፡ እቲ ደድሕሪ ስም መጽሓፍ ዚርከብ ቀዳማይ ቍጽሪ ንምዕራፍ ኬመልክት ከሎ፡ እቲ ድሕሪኡ ዘሎ ቝጽሪ ወይ ቍጽርታት ከኣ ንፍቕዲ ወይ ንፍቕድታት የመልክት። ንኣብነት፡ ዘፍጥረት 1:1 ኪብሃል ከሎ፡ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ፍቕዲ 1 ማለት እዩ።