ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 6

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መሲሕ እንታይ እዩ ተነብዩ፧

ትንቢት

“ኣቲ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡ . . . ካባኺ እቲ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝዀነለይ፡ . . . ኺወጽእ እዩ።”

ሚክያስ 5:2

ፍጻመ

“ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ፡ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ።”

ማቴዎስ 2:1

ትንቢት

“ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይ እውን ዕጫ የውድቑሉ።”

መዝሙር 22:18

ፍጻመ

“እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ገግዲኡ ምእንቲ ኺበጽሖ፡ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፣ . . .  እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ንሓድሕዶም፡ ‘ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጫ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ’ ተባሃሃሉ።”

ዮሃንስ 19:23, 24

ትንቢት

“ንዅለን ኣዕጽምቱ ይሕልወን፣ ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን።”

መዝሙር 34:20

ፍጻመ

“ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ ኣእጋሩ ኣይሰበርዎን።”

ዮሃንስ 19:33

ትንቢት

“ምእንቲ ኣበሳና ተወጊኡ።”

ኢሳይያስ 53:5

ፍጻመ

“ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና፡ ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፣ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ።”

ዮሃንስ 19:34

ትንቢት

“ዓስበይ 30 ብሩር ከፈሉኒ።”

ዘካርያስ 11:12, 13

ፍጻመ

“ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ፡ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡ ‘ንዕኡ ኣሕሊፈ ኽህበኩምሲ፡ እንታይ ትህቡኒ፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ 30 ብሩር ኣቕረቡሉ።”

ማቴዎስ 26:14, 15፣ 27:5