ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 14

ከመይ ጌርካ ገንዘብካ ኸተመሓድር ትኽእል፧

“ጸወታ ዚፈቱ ይደኪ፣ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።”

ምሳሌ 21:17

“ተለቃሒ . . . ባርያ ኣለቃሒ እዩ።”

ምሳሌ 22:7

“መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧ እንተ ዘይኰነስ፡ መሰረት ሰሪቱ፡ ምውዳኡ ይስእን ይኸውን፣ ዝረኣይዎ ዘበሉ ኸኣ፡ ከምዚ እናበሉ ኼላግጹሉ ይጅምሩ፦ ‘እዚ ሰብኣይ እዚ ምህናጽ ጀሚሩስ፡ ምውዳኡ ስኢኑ።’”

ሉቃስ 14:28-30

“ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ሓንቲ እኳ ኸይትባኽን፡ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ’ በሎም።”

ዮሃንስ 6:12