ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘፍጥረት

ምዕራፋት

ትሕዝቶ

  • 1

    • ፍጥረት ሰማያትን ምድርን (1, 2)

    • ምድሪ ብሽዱሽተ መዓልቲ ተዳለወት (3-31)

      • ቀዳመይቲ መዓልቲ፦ ብርሃን፡ መዓልትን ለይትን (3-5)

      • ካልአይቲ መዓልቲ፦ ጠፈር (6-8)

      • ሳልሰይቲ መዓልቲ፦ ንቑጽ መሬትን ኣትክልትን (9-13)

      • ራብዐይቲ መዓልቲ፦ ብርሃናት ሰማያት (14-19)

      • ሓምሸይቲ መዓልቲ፦ ዓሳታትን ኣዕዋፍን (20-23)

      • ሻድሸይቲ መዓልቲ፦ እንስሳታት ምድርን ሰባትን (24-31)

  • 2

    • ኣምላኽ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይዓርፍ (1-3)

    • የሆዋ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን (4)

    • ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኤደን (5-25)

      • ሰብኣይ ካብ ሓመድ ተገብረ (7)

      • እታ እተኸልከለት ኦም ፍልጠት (15-17)

      • ኣፈጣጥራ ሰበይቲ (18-25)

  • 3

    • ኣጀማምራ ሓጢኣት ሰብ (1-13)

      • ናይ መጀመርታ ሓሶት (4, 5)

    • ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዓለውቲ (14-24)

      • ትንቢት ብዛዕባ ዘርኢ እታ ሰበይቲ (15)

      • ካብ ኤደን ተሰጕጉ (23, 24)

  • 4

    • ቃየልን ኣቤልን (1-16)

    • ዘርኢ ቃየል (17-24)

    • ሴትን ወዱ ሄኖስን (25, 26)

  • 5

    • ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ (1-32)

      • ኣዳም ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ (4)

      • ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ (21-24)

  • 6

    • ደቂ ኣምላኽ ኣዋልድ ምድሪ ኣእተዉ (1-3)

    • ነፊሊም ተወልዱ (4)

    • ክፍኣት ደቂ ሰብ ንየሆዋ ኣጕሃዮ (5-8)

    • ኖህ መርከብ ኪሰርሕ ተመዘዘ (9-16)

    • ኣምላኽ ማይ ኣይሂ ኸም ዚመጽእ ተነበየ (17-22)

  • 7

    • ናብ መርከብ ኣተዉ (1-10)

    • ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ (11-24)

  • 8

    • እቲ ማይ ኣይሂ ጐደለ (1-14)

      • ርግቢ ተሰድደት (8-12)

    • ካብ መርከብ ወጹ (15-19)

    • ኣምላኽ ንምድሪ ዝኣተወላ ቓል (20-22)

  • 9

    • ንዅሎም ደቂ ሰብ እተዋህበ ትእዛዝ (1-7)

      • ሕጊ ብዛዕባ ደም (4-6)

    • ኪዳን ቀስተ ደበና (8-17)

    • ትንቢት ብዛዕባ ዘርኢ ኖህ (18-29)

  • 10

    • ዝርዝር ኣህዛብ (1-32)

      • ዘርኢ ያፌት (2-5)

      • ዘርኢ ካም (6-20)

        • ኒምሮድ ንየሆዋ ተጻረሮ 8-12)

      • ዘርኢ ሴም (21-31)

  • 11

    • ግምቢ ባቤል (1-4)

    • የሆዋ፡ ቋንቋ ደባለቐ (5-9)

    • ካብ ሴም ክሳዕ ኣብራም (10-32)

      • ቤተ ሰብ ታራ (27)

      • ኣብራም ካብ ኡር ወጸ (31)

  • 12

    • ኣብራም ካብ ካራን ናብ ከነኣን ነቐለ (1-9)

      • ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ (7)

    • ኣብራምን ሳራይን ኣብ ግብጺ (10-20)

  • 13

    • ኣብራም ናብ ከነኣን ተመልሰ (1-4)

    • ኣብራምን ሎጥን ተፈላለዩ (5-13)

    • ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ ተደግመ (14-18)

  • 14

    • ኣብራም ንሎጥ ኣድሓኖ (1-16)

    • መልከጼዴቅ ንኣብራም ባረኾ (17-24)

  • 15

    • ኣምላኽ ንኣብራም ዝኣተወሉ ኺዳን (1-21)

      • ን400 ዓመት ዚወርድ ግፍዒ ኣቐዲሙ ተነግረ (13)

      • ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ ተደግመ (18-21)

  • 16

    • ኣጋርን እስማኤልን (1-16)

  • 17

    • ኣብርሃም ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ከም ዚኸውን (1-8)

      • ኣብራም፡ ኣብርሃም ተባህለ (5)

    • ኪዳን ግዝረት (9-14)

    • ሳራይ፡ ሳራ ተባህለት (15-17)

    • ይስሃቅ ከም ዚውለድ ተስፋ ተዋህበ (18-27)

  • 18

    • ሰለስተ መላእኽቲ ንኣብርሃም በጽሕዎ (1-8)

    • ንሳራ ወዲ ኸም እትወልድ ተስፋ ተዋህባ፣ ሰሓቐት (9-15)

    • ኣብርሃም ንሶዶም ለመነላ (16-33)

  • 19

    • መላእኽቲ ንሎጥ በጽሕዎ (1-11)

    • ሎጥን ስድራ ቤቱን ኪወጹ ተነግሮም (12-22)

    • ሶዶምን ጎሞራን ጠፍኣ (23-29)

      • ሰበይቲ ሎጥ ሓወልቲ ጨው ኰነት (26)

    • ሎጥን ኣዋልዱን (30-38)

      • መበቈል ሞኣብን ዓሞንን (37, 38)

  • 20

    • ሳራ ኻብ ኣቢሜሌክ ደሓነት (1-18)

  • 21

    • ይስሃቅ ተወልደ (1-7)

    • እስማኤል ንይስሃቅ ኣላገጸሉ (8, 9)

    • ኣጋርን እስማኤልን ተሰድዱ (10-21)

    • ኣብርሃም ምስ ኣቢሜሌክ ኪዳን ተኣታተወ (22-34)

  • 22

    • ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውኦ ተነግሮ (1-19)

      • ብዘርኢ ኣብርሃም ዚርከብ በረኸት (15-18)

    • ቤተ ሰብ ርብቃ (20-24)

  • 23

    • ሞት ሳራን መቓብራን (1-20)

  • 24

    • ንይስሃቅ ሰበይቲ ተደልየሉ (1-58)

    • ርብቃ ናብ ይስሃቅ መጸት (59-67)

  • 25

    • ኣብርሃም ከም ብሓድሽ ተመርዓወ (1-6)

    • ሞት ኣብርሃም (7-11)

    • ደቂ እስማኤል (12-18)

    • ያእቆብን ኤሳውን ተወልዱ (19-26)

    • ኤሳው ብዅርናኡ ሸጠ (27-34)

  • 26

    • ይስሃቅን ርብቃን ኣብ ጌራር (1-11)

      • ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንይስሃቅ ጸንዓሉ (3-5)

    • ብዒላታት እተላዕለ ባእሲ (12-25)

    • ይስሃቅ ምስ ኣቢሜሌክ ኪዳን ተኣታተወ (26-33)

    • ክልተ ሔታውያን ኣንስቲ ኤሳው (34, 35)

  • 27

    • ያእቆብ ምርቓ ይስሃቅ ረኸበ (1-29)

    • ኤሳው ዘይተነስሐ ኽነሱ፡ ኪምረቕ ደለየ (30-40)

    • ኤሳው ንያእቆብ ጸልኦ (41-46)

  • 28

    • ይስሃቅ ንያእቆብ ናብ ጳዳን-ኣራም ሰደዶ (1-9)

    • ያእቆብ ኣብ ቤት-ኤል ዝሓለሞ ሕልሚ (10-22)

      • ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንያእቆብ ጸንዓሉ (13-15)

  • 29

    • ያእቆብ ምስ ራሄል ተራኸበ (1-14)

    • ያእቆብ ንራሄል ኣፍቀራ (15-20)

    • ያእቆብ ንልያን ንራሄልን ተመርዓወን (21-29)

    • ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶም ኣርባዕተ ኣወዳት፦ ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌዊ፡ ይሁዳ (30-35)

  • 30

    • ቢልሃ ንዳንን ንፍታሌምን ወለደት (1-8)

    • ዚልጳ ንጋድን ንኣሴርን ወለደት (9-13)

    • ልያ ንይሳኮርን ንዛብሎንን ወለደት (14-21)

    • ራሄል ንዮሴፍ ወለደት (22-24)

    • መጓሰ ያእቆብ በዝሓ (25-43)

  • 31

    • ያእቆብ ተሓቢኡ ናብ ከነኣን ነቐለ (1-18)

    • ላባን ንያእቆብ ኣርከቦ (19-35)

    • ያእቆብ ምስ ላባን ዝኣተዎ ኺዳን (36-55)

  • 32

    • መላእኽቲ ንያእቆብ ረኸብዎ (1, 2)

    • ያእቆብ ንኤሳው ኪረኽቦ ተዳለወ (3-23)

    • ያእቆብ ምስ መልኣኽ ተቓለሰ (24-32)

      • ያእቆብ፡ እስራኤል ተባህለ (28)

  • 33

    • ያእቆብ ምስ ኤሳው ተራኸበ (1-16)

    • ያእቆብ ናብ ሴኬም ዝገበሮ ጕዕዞ (17-20)

  • 34

    • ዲና ተዓመጸት (1-12)

    • ደቂ ያእቆብ ተተናዀሉ (13-31)

  • 35

    • ያእቆብ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሓቐ (1-4)

    • ያእቆብ ናብ ቤት-ኤል ተመልሰ (5-15)

    • ብንያም ተወልደ፣ ራሄል ሞተት (16-20)

    • ዓሰርተው ክልተ ኣወዳት እስራኤል (21-26)

    • ሞት ይስሃቅ (27-29)

  • 36

    • ዘርኢ ኤሳው (1-30)

    • ነገስታትን ሹማምንትን ኤዶም (31-43)

  • 37

    • ሕልምታት ዮሴፍ (1-11)

    • ዮሴፍን ቀናኣት ኣሕዋቱን (12-24)

    • ዮሴፍ ናብ ባርነት ተሸጠ (25-36)

  • 38

    • ይሁዳን ታማርን (1-30)

  • 39

    • ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር (1-6)

    • ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ኣበያ (7-20)

    • ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ (21-23)

  • 40

    • ዮሴፍ ሕልምታት እሱራት ፈትሐ (1-19)

      • ‘ትርጉም ናይ ኣምላኽ እዩ’ (8)

    • ድግስ መዓልቲ ልደት ፈርኦን (20-23)

  • 41

    • ዮሴፍ ሕልምታት ፈርኦን ፈትሐ (1-36)

    • ፈርኦን ንዮሴፍ ልዕል ኣበሎ (37-46ሀ)

    • ዮሴፍ ምግቢ ኣመሓደረ (46ለ-57)

  • 42

    • ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ግብጺ ኸዱ (1-4)

    • ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ ተራኸበ፣ ፈተኖም (5-25)

    • ኣሕዋቱ ናብ ቦታኦም፡ ናብ ያእቆብ ተመልሱ (26-38)

  • 43

    • ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ግብጺ ዝገበርዎ ኻልኣይ ጕዕዞ፣ ብንያም ምሳታቶም ከደ ((1-14)

    • ዮሴፍ ከም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋቱ ተራኸበ (15-23)

    • ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ በልዐ (24-34)

  • 44

    • ጽዋእ ብሩር ዮሴፍ ኣብ ከረጺት ብንያም (1-17)

    • ይሁዳ ምእንቲ ብንያም ለመነ (18-34)

  • 45

    • ዮሴፍ መንነቱ ገለጸ (1-15)

    • ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ያእቆብ ተመልሱ (16-28)

  • 46

    • ያእቆብን ቤተ ሰቡን ናብ ግብጺ ገዓዙ (1-7)

    • ስማት እቶም ናብ ግብጺ ዝገዓዙ (8-27)

    • ዮሴፍ ንያእቆብ ኣብ ጎሼን ተቐበሎ (28-34)

  • 47

    • ያእቆብ ምስ ፈርኦን ተራኸበ (1-12)

    • ዮሴፍ ብጥበብ ኣመሓደረ (13-26)

    • እስራኤል ኣብ ጎሼን ተቐመጠ (27-31)

  • 48

    • ያእቆብ ንኽልቲኦም ደቂ ዮሴፍ መረቖም (1-12)

    • ኤፍሬም ዝዓበየ ምርቓ ረኸበ (13-22)

  • 49

    • ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት (1-28)

      • ሺሎ ኻብ ይሁዳ ኸም ዚወጽእ (10)

    • ያእቆብ ብዛዕባ ቐብሩ ዝሃቦ ትእዛዝ (29-32)

    • ሞት ያእቆብ (33)

  • 50

    • ዮሴፍ ንያእቆብ ኣብ ከነኣን ቀበሮ (1-14)

    • ዮሴፍ ይቕረታኡ ኣረጋገጸሎም (15-21)

    • ናይ መወዳእታ መዓልታትን ሞትን ዮሴፍ (22-26)

      • ዮሴፍ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ ዝሃቦ ትእዛዝ (25)