ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1 ነገስት

ምዕራፋት

ትሕዝቶ

  • 1

    • ዳዊትን ኣቢሳግን (1-4)

    • ኣዶንያ ኣብ ዝፋን ኪድይብ ደለየ (5-10)

    • ናታንን ባትሴባን ስጕምቲ ወሰዱ (11-27)

    • ዳዊት፡ ሰሎሞን ኪቕባእ ኣዘዘ (28-40)

    • ኣዶንያ ናብ መሰውኢ ሃደመ (41-53)

  • 2

    • ዳዊት ንሰሎሞን መምርሒ ሃቦ (1-9)

    • ዳዊት ሞተ፣ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን ደየበ (10-12)

    • ኣዶንያ ብሰንኪ ውዲቱ ሞተ (13-25)

    • ኣብያታር ተሰጕጐ፣ ዮኣብ ተቐትለ (26-35)

    • ሺምዒ ተቐትለ (36-46)

  • 3

    • ሰሎሞን ንጓል ፈርኦን ተመርዓዋ (1-3)

    • የሆዋ ንሰሎሞን ብሕልሚ ተራእዮ (4-15)

      • ሰሎሞን ጥበብ ኪውሃቦ ለመነ (7-9)

    • ሰሎሞን ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዴታት ፈረደ (16-28)

  • 4

    • ምምሕዳር ሰሎሞን (1-19)

    • ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበረ ብልጽግና (20-28)

      • ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኦም በለሱን ብደሓን ይነብር ነበረ (25)

    • ጥበብን ምስላታትን ሰሎሞን (29-34)

  • 5

    • ንጉስ ሒራም ናውቲ ህንጸት ኣቕረበ (1-12)

    • ሰሎሞን ዜሸቅሎም ዝነበሩ ሸቃሎ (13-18)

  • 6

    • ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ሃነጸ (1-38)

      • ውሽጣዊት ክፍሊ (19-22)

      • ኪሩቤል (23-28)

      • እተቐርጸ ቕርጽታትን መዓጹን እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድን (29-36)

      • ቤተ መቕደስ ብሸውዓተ ዓመት ተፈጸመት (37, 38)

  • 7

    • ቤተ መንግስቲ ሰሎሞን (1-12)

    • እቲ ኽኢላ ሒራም ንሰሎሞን ሓገዞ (13-47)

      • ክልተ ዓንዲ ነሓሲ (15-22)

      • ናይ ፍሲ ባሕሪ (23-26)

      • ዓሰርተ ዓረብያን ገበራ ነሓስን (27-39)

    • ዕዮ ኣቕሑ ወርቂ ተፈጸመ (48-51)

  • 8

    • እቲ ታቦት ናብታ ቤተ መቕደስ ደየበ (1-13)

    • ሰሎሞን ነቲ ህዝቢ ተዛረቦ (14-21)

    • ሰሎሞን እታ ቤተ መቕደስ ክትውፈ ኸላ ዝጸለዮ ጸሎት (22-53)

    • ሰሎሞን ነቲ ህዝቢ ባረኾ (54-61)

    • መስዋእትን በዓል ወፈያን (62-66)

  • 9

    • የሆዋ ንሰሎሞን ከም ብሓድሽ ተራእዮ (1-9)

    • ሰሎሞን ንንጉስ ሒራም ዝሃቦ ህያብ (10-14)

    • እተፈላለየ ዕዮታት ሰሎሞን (15-28)

  • 10

    • ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን በጽሓቶ (1-13)

    • ብዝሒ ሃብቲ ሰሎሞን (14-29)

  • 11

    • ኣንስቲ ሰሎሞን ንልቡ ኣዘንበላኦ (1-13)

    • ተጻረርቲ ሰሎሞን (14-25)

    • የሮብዓም ዓሰርተ ነገዳት ከም ዚውሃቦ ተነግሮ (26-40)

    • ሰሎሞን ሞተ፣ ሮብዓም ነገሰ (41-43)

  • 12

    • ብርቱዕ ምላሽ ሮብዓም (1-15)

    • ዓሰርተ ነገዳት ዓለዉ (16-19)

    • የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ (20)

    • ሮብዓም ምስ እስራኤል ከይዋጋእ ተነግሮ (21-24)

    • የሮብዓም ዘቘሞ ኣምልኾ ምራኽ (25-33)

  • 13

    • ኣንጻር እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ መሰውኢ እተነግረ ትንቢት (1-10)

      • እቲ መሰውኢ ተጨድደ (5)

    • እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ትእዛዝ ጠሓሰ (11-34)

  • 14

    • ኣሒያ ኣንጻር የሮብዓም እተነበዮ ትንቢት (1-20)

    • ንግስና ሮብዓም ኣብ ልዕሊ ይሁዳ (21-31)

      • ወረራ ሺሻቅ (25, 26)

  • 15

    • ኣብያም፡ ንጉስ ይሁዳ (1-8)

    • ኣሳ፡ ንጉስ ይሁዳ (9-24)

    • ናዳብ፡ ንጉስ እስራኤል (25-32)

    • ባዕሳ፡ ንጉስ እስራኤል (33, 34)

  • 16

    • የሆዋ ንባዕሳ ዝፈረዶ ፍርዲ (1-7)

    • ኤላህ፡ ንጉስ እስራኤል (8-14)

    • ዚምሪ፡ ንጉስ እስራኤል (15-20)

    • ዖምሪ፡ ንጉስ እስራኤል (21-28)

    • ኣከኣብ፡ ንጉስ እስራኤል (29-33)

    • ሒኤል ንያሪኮ ዳግም ሰርሓ (34)

  • 17

    • ነብዪ ኤልያስ ደርቂ ኸም ዚኸውን ተነበየ (1)

    • ኳዃት ንኤልያስ ቀለብዎ (2-7)

    • ኤልያስ ናብታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር መበለት ከደ (8-16)

    • ወዲ እታ መበለት ሞተን ተንስአን (17-24)

  • 18

    • ኤልያስ ምስ ኦብድያን ኣከኣብን ተራኸበ (1-18)

    • ኤልያስን ነብያት በዓልን ኣብ ቀርሜሎስ (19-40)

      • “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ እትሕንክሱ” (21)

    • ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝጸንሐ ደርቂ ኣብቅዐ (41-46)

  • 19

    • ኤልያስ ብሰሪ ቝጥዓ ኢዛቤል ሃደመ (1-8)

    • የሆዋ ንኤልያስ ኣብ ከረን ሆሬብ ተራእዮ (9-14)

    • ኤልያስ ንሓዛኤልን ንየሁን ንኤልሳእን ኪቐብኦም ተነግሮ (15-18)

    • ኤልሳእ ንኤልያስ ኪትክኦ ተሸመ (19-21)

  • 20

    • ሶርያውያን ምስ ኣከኣብ ተዋግኡ (1-12)

    • ኣከኣብ ንሶርያውያን ሰዓሮም (13-34)

    • ኣንጻር ኣከኣብ እተነግረ ትንቢት (35-43)

  • 21

    • ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ተተምነዮ (1-4)

    • ኢዛቤል ንናቦት ኣቕተለቶ (5-16)

    • ኤልያስ ንኣከኣብ ዝነገሮ መልእኽቲ ፍርዲ (17-26)

    • ኣከኣብ ርእሱ ኣትሓተ (27-29)

  • 22

    • ዮሳፋጥ ምስ ኣከኣብ ዝነበሮ ኺዳን (1-12)

    • ስዕረት ከም ዜጋጥም ሚካያ እተነበዮ ትንቢት (13-28)

      • ንኣከኣብ ዚሓባብሎ ዜታልል መንፈስ (21, 22)

    • ኣከኣብ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ተቐትለ (29-40)

    • ንግስና ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ (41-50)

    • ኣሓዝያ፡ ንጉስ እስራኤል (51-53)