ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዮብ

ምዕራፋት

ትሕዝቶ

  • 1

    • ንጽህናን ሃብትን እዮብ (1-5)

    • ሰይጣን ንውሽጣዊ ድራኸ እዮብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ (6-12)

    • እዮብ ንብረቱን ደቁን ሰኣነ (13-19)

    • እዮብ ንኣምላኽ ኣይወቐሰን (20-22)

  • 2

    • ሰይጣን መሊሱ ንውሽጣዊ ድራኸ እዮብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ (1-5)

    • ሰይጣን ንሰብነት እዮብ ኪወቅዕ ተፈቕደሉ (6-8)

    • ሰበይቲ እዮብ፡ “ንኣምላኽ ግዳ ረጊምካ ሙት!” በለቶ (9, 10)

    • ሰለስተ ብጾት እዮብ መጹ (11-13)

  • 3

    • እዮብ ብልደቱ ሓዘነ (1-26)

      • ስለምንታይ መከራ ይወርዶ ኸም ዘሎ ሓተተ (20, 21)

  • 4

    • ቀዳማይ ዘረባ ኤሊፋዝ (1-21)

      • ንንጽህና እዮብ ኣላገጸሉ (7, 8)

      • መልእኽቲ ሓደ መንፈስ ኣመሓላለፈ (12-17)

      • ‘ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኣይኣምኖምን’ (18)

  • 5

    • ቀዳማይ ዘረባ ኤሊፋዝ ይቕጽል (1-27)

      • ‘ኣምላኽ ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም’ (13)

      • ‘እዮብ፡ ተግሳጽ ኣምላኽ ኪነጽግ የብሉን’ (17)

  • 6

    • ምላሽ እዮብ (1-30)

      • ኬማርር ምኽንያት ከም ዘለዎ ገለጸ (2-6)

      • መጸናናዕቱ ጠለምቲ እዮም (15-18)

      • “ቅኑዕ ቃላት ዜሳቒ ኣይኰነን!” (25)

  • 7

    • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-21)

      • ህይወት ከም ግዴታዊ ሸቕሊ (1, 2)

      • “ስለምንታይ ኢኻ ዕላማኻ ዝገበርካኒ፧” (20)

  • 8

    • ቀዳማይ ዘረባ ቢልዳድ (1-22)

      • ደቂ እዮብ ከም ዝሓጥኡ ኣመተ (4)

      • ‘ንጹህ እንተ ትኸውን፡ ኣምላኽ መዕቈበካ’ (6)

      • ንእዮብ፡ ኣምላኽ ኸም ዘይብሉ ኣመተ (13)

  • 9

    • ምላሽ እዮብ (1-35)

      • መዋቲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኪማጐት ኣይክእልን (2-4)

      • ‘ኣምላኽ ዘይምርመር ነገራት ይገብር’ (10)

      • ምስ ኣምላኽ ኪማጐት ዚኽእል የልቦን (32)

  • 10

    • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-22)

      • ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚብኣሰኒ፧’ (2)

      • ኣብ መንጎ ኣምላኽን እቲ መዋቲ እዮብን ዘሎ ፍልልይ (4-12)

      • ‘ገለ ራህዋ እርከብ’ (20)

  • 11

    • ቀዳማይ ዘረባ ሶፋር (1-20)

      • ንእዮብ ባዶ ዘረባ ኸም እተዛረበ ገይሩ ኸሰሶ (2, 3)

      • ንእዮብ ካብ እከይ ኪርሕቕ ነገሮ (14)

  • 12

    • ምላሽ እዮብ (1-25)

      • “ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ” (3)

      • “መስሓቒ ዀይነ ኣለኹ” (4)

      • ‘ኣብ ኣምላኽ ጥበብ ኣሎ’ (13)

      • ኣምላኽ ልዕሊ ፈራዶን ነገስታትን እዩ (17, 18)

  • 13

    • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-28)

      • ‘ንኣምላኽ ክዛረቦ ይሕሸኒ’ (3)

      • “ዘይትጠቕሙ ሓካይም ኢኹም” (4)

      • “ቅኑዕ ከም ዝዀንኩ እፈልጥ እየ” (18)

      • ‘ስለምንታይ ከም ጸላኢኻ እትቘጽረኒ፧’ (24)

  • 14

    • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-22)

      • ሰብ ሓጺር ዝዕድሚኡን ሽግር ዝመልኦን (1)

      • “ኦም እኳ ተስፋ ኣለዎ” (7)

      • “ኣየ፡ ኣብ መቓብር እንተ ትሓብኣኒ” (13)

      • “ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” (14)

      • ኣምላኽ ንተግባር ኣእዳዉ ኺናፍቕ እዩ (15)

  • 15

    • ካልኣይ ዘረባ ኤሊፋዝ (1-35)

      • ንእዮብ፡ ‘ንስኻ ንኣምላኽ ኣይትፈርሆን’ በሎ (4)

      • ብዛዕባ እዮብ፡ ተዳፋሪ ኸም ዝዀነ ተዛረበ (7-9)

      • ‘ኣምላኽ ንቕዱሳቱ ኣይኣምኖምን’ (15)

      • ‘እኩይ እዩ ዚሳቐ’ (20-24)

  • 16

    • ምላሽ እዮብ (1-22)

      • “እተሸግሩ መጸናናዕቲ ኢኹም!” (2)

      • ‘ኣምላኽ ዕላማኡ ገይሩ ኣቚሙኒ’ በለ (12)

  • 17

    • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-16)

      • “መላገጽቲ ይኸብቡኒ” (2)

      • “መመሰሊ ገይሩኒ” (6)

      • “መቓብር ቤተይ ኪኸውን እዩ” (13)

  • 18

    • ካልኣይ ዘረባ ቢልዳድ (1-21)

      • ግደ ሓጥኣን (5-20)

      • ብዛዕባ እዮብ፡ ንኣምላኽ ከም ዘይፈልጦ ኣመተ (21)

  • 19

    • ምላሽ እዮብ (1-29)

      • ነቲ ኻብ “ፈተውቱ” ዝመጾ መግናሓቲ ኣይተቐበሎን (1-6)

      • ከም እተሓድገ ተዛረበ (13-19)

      • “ተበጃውየይ ህያው ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ” (25)

  • 20

    • ካልኣይ ዘረባ ሶፋር (1-29)

      • ብእዮብ ከም እተጸርፈ ተዛረበ (2, 3)

      • ብዛዕባ እዮብ፡ እኩይ ምዃኑ ኣመተ (5)

      • ብዛዕባ እዮብ፡ ብሓጢኣት ባህ ከም ዚብሎ ተዛረበ (12, 13)

  • 21

    • ምላሽ እዮብ (1-34)

      • ‘ስለምንታይ እዮም እኩያት ዚብልጽጉ፧’ (7-13)

      • “ንመጸናናዕቱ” የቃልዖም (27-34)

  • 22

    • ሳልሳይ ዘረባ ኤሊፋዝ (1-30)

      • ‘ሰብዶ ንኣምላኽ ኪረብሖ ይኽእል እዩ፧’ (2, 3)

      • ንእዮብ ብስስዐን ብግፍዕን ከሰሶ (6-9)

      • ‘ናብ ኣምላኽ ተመለስ እሞ ዳግም ክትህነጽ ኢኻ’ (23)

  • 23

    • ምላሽ እዮብ (1-17)

      • ነገሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬቕርብ ደለየ (1-7)

      • ንኣምላኽ ኪረኽቦ ኸም ዘይክእል ተዛረበ (8, 9)

      • ‘ከየላገስኩ መገዱ ሓልየ’ (11)

  • 24

    • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-25)

      • ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ግዜ ዘይውስን፧’ (1)

      • ብዛዕባ ኣምላኽ፡ እከይ ከም ዚፈቅድ ይዛረብ (12)

      • ሓጥኣን ጸልማት ይፈትዉ (13-17)

  • 25

    • ሳልሳይ ዘረባ ቢልዳድ (1-6)

      • ‘ሰብ ከመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧’ (4)

      • ንጽህና ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይዛረብ (5, 6)

  • 26

    • ምላሽ እዮብ (1-14)

      • “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ሓጊዝካዮ!” (1-4)

      • ‘ኣምላኽ ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ’ (7)

      • ‘እዚ ጫፍ መገዲ ኣምላኽ ጥራይ እዩ’ (14)

  • 27

    • እዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ቘረጸ (1-23)

      • “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ” (5)

      • እቲ ኣምላኽ ዘይብሉ ተስፋ የብሉን (8)

      • ‘ዘረባኹም ባዶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧’ (12)

      • እኩይ ሓንቲ ዘይብሉ ይተርፍ (13-23)

  • 28

    • እዮብ ንመዛግብቲ ምድሪ ምስ ጥበብ ኣነጻጸሮ (1-28)

      • ሰብ ዚገብሮ ጻዕርታት ዕደና (1-11)

      • ጥበብ ካብ ሉላት ትበልጽ (18)

      • ፍርሃት የሆዋስ ጥበብ እዩ (28)

  • 29

    • እዮብ ቅድሚ ፈተናታቱ ዝነበረ መዓልትታት ሓጐስ ይዝክር (1-25)

      • ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ይኽበር ነበረ (7-10)

      • ብፍትሒ ይመላለስ ነበረ (11-17)

      • ኵሎም ንምኽሩ ይሰምዑ ነበሩ (21-23)

  • 30

    • እዮብ ነቲ እተቐየረ ዅነታቱ ገለጾ (1-31)

      • ዘይረብሑ ሰባት ኣላገጹሉ (1-15)

      • ኣምላኽ ዘይረድኦ ይመስሎ (20, 21)

      • “ቈርበተይ ጸሊሙ” (30)

  • 31

    • እዮብ ንንጽህናኡ ተጣበቐላ (1-40)

      • “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታትየ” (1)

      • ብኣምላኽ ኪምዘን ሓተተ (6)

      • ዘማዊ ኸም ዘይኰነ ተዛረበ (9-12)

      • ፈታው ገንዘብ ከም ዘይኰነ ተዛረበ (24, 25)

      • ኣምላኺ ጣኦት ከም ዘይኰነ ተዛረበ (26-28)

  • 32

    • ኤሊሁ ኣብቲ ምይይጥ ኪሳተፍ ጀመረ (1-22)

      • ንእዮብን ንብጾት እዮብን ተቘጥዖም (2, 3)

      • ቅድሚ ምዝራቡ ብኣኽብሮት ተጸበየ (6, 7)

      • ዕድመ ጥራይ ጥበበኛ ኣይገብርን (9)

      • ኤሊሁ ኺዛረብ ተሃንጠየ (18-20)

  • 33

    • ኤሊሁ ንእዮብ፡ ርእሱ ስለ ዘጽደቐ ገንሖ (1-33)

      • በጃ ተረኽበ (24)

      • ናብ ንእስነት ምምላስ (25)

  • 34

    • ኤሊሁ፡ ኣምላኽ ፍትሓውን መገድታቱ ቕኑዕን ምዃኑ ኣረጋገጸ (1-37)

      • እዮብ፡ ‘ኣምላኽ ፍትሒ ኸሊኡኒ’ በለ (5)

      • እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጠሪሱ እከይ ኣይገብርን (10)

      • እዮብ ፍልጠት ጐዲልዎ ኣሎ (35)

  • 35

    • ኤሊሁ ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዮብ ኣቃልዖ (1-16)

      • እዮብ፡ ‘ካብ ኣምላኽ እጸድቕ’ በለ (2)

      • ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል፡ ብሓጢኣት ዘይጽሎ እዩ (5, 6)

      • እዮብ ንኣምላኽ ኪጽበዮ ይግባእ (14)

  • 36

    • ኤሊሁ ንኣምላኽ ስለቲ ዘይምርመር ዕቤቱ ወደሶ (1-33)

      • እዙዛት ይብልጽጉ፣ ኣምላኽ ዘይብሎም ይድርበዩ (11-13)

      • ‘ከም ኣምላኽ ዝበለ መምህር መን እዩ፧’ (22)

      • እዮብ ንኣምላኽ ኬዕብዮ ኣለዎ (24)

      • “ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ” (26)

      • ኣምላኽ ንዝናምን ንበርቅን ይቈጻጸሮ (27-33)

  • 37

    • ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት፡ ዕቤት ኣምላኽ ይገልጽ (1-24)

      • ኣምላኽ ንተግባር ሰብ ደው ኬብሎ ይኽእል (7)

      • ‘ነቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ሕሰቦ’ (14)

      • ሰባት ንኣምላኽ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም (23)

      • ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ኺመስሎ ኣይግባእን (24)

  • 38

    • የሆዋ፡ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ምዃኑ ይምህር (1-41)

      • ‘ምድሪ ኽትፍጠር ከላ፡ ኣበይ ኔርካ፧’ (4-6)

      • ደቂ ኣምላኽ ብናእዳ ጨዲሮም (7)

      • ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮታት ዝቐረበ ሕቶታት (8-32)

      • “ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት” (33)

  • 39

    • ፍጥረት እንስሳ፡ ድንቍርና ሰብ የርኢ (1-30)

      • ወይጠልን እራብን (1-4)

      • ኣድጊ በረኻ (5-8)

      • ጐባይ (9-12)

      • ሰገን (13-18)

      • ፈረስ (19-25)

      • ተገዳር ሓረስታይን ንስርን (26-30)

  • 40

    • ካብ የሆዋ ዝቐረበ ተወሳኺ ሕቶታት (1-24)

      • እዮብ ዚብሎ ኸም ዘይብሉ ተኣመነ (3-5)

      • “ንፍትሐይዶ ኣብ ሕቶ ኸተእትዎ ኢኻ፧” (8)

      • ኣምላኽ ብዛዕባ ብርታዐ ብሄሞት ገለጸ (15-24)

  • 41

    • ኣምላኽ ነቲ ዜደንቕ ሌዋታን ገለጾ (1-34)

  • 42

    • እዮብ ንየሆዋ ዝሃቦ ምላሽ (1-6)

    • እቶም ሰለስተ ብጾቱ ተዀነኑ (7-9)

    • የሆዋ ንእዮብ ብልጽግናኡ መለሰሉ (10-17)

      • ኣወዳትን ኣዋልድን እዮብ (13-15)