ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር

ምዕራፋት

ትሕዝቶ

  • 1

    • ኣብ መንጎ ኽልተ መገዲ ዘሎ ንጽጽር

      • ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ዚርከብ ሓጐስ (2)

      • ጻድቃን ከም ፍርያም ኦም እዮም (3)

      • እኩያት ከም ዚብተን ብቝቡቝ እዮም (4)

  • 2

    • የሆዋን ቅቡኡን

      • የሆዋ ንኣህዛብ ይስሕቆም (4)

      • የሆዋ ንጉሱ ይሸይም (6)

      • ንወዲ ኣኽብርዎ (12)

  • 3

    • ኣብ ሓደጋ እኳ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ምሕዳር

      • “ስለምንታይ ተጻረርተይ በዚሖም፧” (1)

      • “ድሕነት ናይ የሆዋ እዩ” (8)

  • 4

    • ብኣምላኽ ዚእመን ሰብ ዝጸለዮ ጸሎት

      • “ተናወጹ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ” (4)

      • ‘ብሰላም ክድቅስ እየ’ (8)

  • 5

    • የሆዋ፡ መዕቈብ ጻድቕ

      • ኣምላኽ እከይ ይጸልእ (4, 5)

      • “ብጽድቅኻ ምርሓኒ” (8)

  • 6

    • ልማኖ ሞገስ

      • ምዉታት ንኣምላኽ ኣይውድስዎን (5)

      • ኣምላኽ ልማኖ ሞገስ ይሰምዕ (9)

  • 7

    • የሆዋ ጻድቕ ፈራዲ እዩ

      • ‘ኦ የሆዋ፡ ፍረደኒ’ (8)

  • 8

    • ክብሪ ኣምላኽን ክብሪ ሰብን

      • ‘ስምካስ ክንደይ ግሩም ኰን እዩ!’ (1, 9)

      • “ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” (4)

      • ንሰብ ግርማ ደፊእካሉ (5)

  • 9

    • ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ምንጋር

      • የሆዋ፡ እምባ (9)

      • ስም ኣምላኽ ዚፈልጥ ብእኡ ይእመን (10)

  • 10

    • የሆዋ፡ ረዳኢ እቶም ረዳኢ ዘይብሎም

      • እኩይ፡ “ኣምላኽ የልቦን” ኢሉ ይምካሕ (4)

      • ረዳኢ ኣልቦ ናብ የሆዋ የብል (14)

      • “የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ” (16)

  • 11

    • ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ

      • “የሆዋ ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ” (4)

      • ኣምላኽ፡ ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ይጸልኦ (5)

  • 12

    • የሆዋ ይትንስእ

      • ቃላት ኣምላኽ ንጹህ እዩ (6)

  • 13

    • ትጽቢት ድሕነት የሆዋ

      • “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” (1, 2)

      • የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቢ ይህብ (6)

  • 14

    • እንታይነት ዓሻ ተገልጸ

      • “የሆዋ የሎን” (1)

      • (3)(3)

  • 15

    • ኣብ ድንኳን የሆዋ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧

      • ብልቡ ሓቂ ዚዛረብ (2)

      • ዘይሓሚ (3)

      • ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ ዚሕሉ (4)

  • 16

    • የሆዋ፡ ምንጪ ሰናይ

      • ‘የሆዋ ግደይ እዩ’ (5)

      • ‘ብለይቲ ሓሳባተይ ይእርመኒ’ (7)

      • ‘የሆዋ ብየማነይ እዩ’ (8)

      • “ንዓይ ኣብ መቓብር ኣይክትሓድገንን ኢኻ” (10)

  • 17

    • ዕቝባ ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • “ንልበይ መርሚርካዮ” (3)

      • “ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ” (8)

  • 18

    • ስለ ድሕነት ንኣምላኽ ምውዳስ

      • ‘የሆዋ ኸውሐይ እዩ’ (2)

      • የሆዋ ምስ እሙናት፡ እሙን ይኸውን (25)

      • መገዲ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ (30)

      • ‘ትሕትናኻ ተዕብየኒ’ 35)

  • 19

    • ፍጥረትን ሕግን ኣምላኽ ይምስክር

      • “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር” (1)

      • ፍጹም ሕጊ ኣምላኽ፡ ሓይሊ የሐድስ (7)

      • “ዘይፈልጦ ሓጢኣት” (12)

  • 20

    • ድሕነት ነቲ ኣምላኽ ዝቐብኦ ንጉስ

      • ገሊኦም ብሰረገላታትን ብኣፍራስን ይእመኑ፡ ‘ንሕና ግና ስም የሆዋ ንጽውዕ’ (7)

  • 21

    • ብየሆዋ ዚእመን ንጉስ ዚረኽቦ በረኸት

      • ነቲ ንጉስ ነዊሕ ዕድመ ተዋህቦ (4)

      • ጸላእቲ ኣምላኽ ኪስዓሩ እዮም (8-12)

  • 22

    • ካብ ቅብጸት ናብ ውዳሰ

      • “ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” (1)

      • ‘ንቐምሸይ ዕጫ የውድቑሉ’ (18)

      • ኣብ ጉባኤ ንኣምላኽ ምውዳስ (22, 25)

      • ብዘላ ምድሪ ንኣምላኽ ከተምልኾ እያ (27)

  • 23

    • “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

      • “ዚጐድለኒ የብለይን” (1)

      • “የሐድሰኒ” (3)

      • “ጽዋአይ ኣጸቢቓ ዝመልአት እያ” (5)

  • 24

    • እቲ ኽቡር ንጉስ ብኣፍ ደገታት ይኣቱ

      • ‘ምድሪ ናይ የሆዋ እያ’ (1)

  • 25

    • መምርሕን ይቕረታን ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • “መገድታትካ ምሃርኒ” (4)

      • ‘ምስ የሆዋ ዚህሉ ናይ ቀረባ ዕርክነት’ (14)

      • ‘ኵሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ’ (18)

  • 26

    • ብንጽህና ምምልላስ

      • “ኦ የሆዋ፡ መርምረኒ” (2)

      • ካብ ሕማቕ ዕርክነት ምርሓቕ (4, 5)

      • ‘ንመሰውኢ ኣምላኽ ክዞሮ እየ’ (6)

  • 27

    • የሆዋ፡ ዕርዲ ህይወተይ

      • ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ ባህ ኢሉካ ምርኣይ (4)

      • ወለደይ እኳ እንተ ጠንጠኑኒ፡ የሆዋ ይሓልየለይ (10)

      • “ብየሆዋ ተስፋ ግበር” (14)

  • 28

    • ጸሎት እቲ ዘማሪ ተሰምዐ

      • ‘የሆዋ፡ ብርታዐይን ዋልታይን’ (7)

  • 29

    • ሓያል ድምጺ የሆዋ

      • ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት ኣምልኹ (2)

      • “እቲ ኽቡር ኣምላኽ ኣንጐድጒዱ” (3)

      • የሆዋ ንህዝቡ የበርትዖ (11)

  • 30

    • ሓዘን ናብ ታሕጓስ ተለወጠ

      • ሞገስ ኣምላኽ ንምሉእ ህይወት እዩ (5)

  • 31

    • ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ

      • “መንፈሰይ ኣብ ኢድካ ብሕድሪ እህብ ኣለኹ” (5)

      • “የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ” (5)

      • ብዙሕ ሕያውነት ኣምላኽ (19)

  • 32

    • ይቕረታ እተገብረሎም ሕጉሳት እዮም

      • “ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ” (5)

      • ኣምላኽ ልቦና ይህበካ (8)

  • 33

    • ውዳሰ ንፈጣሪ

      • “ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ” (3)

      • ብቓልን ብመንፈስን የሆዋ እተፈጥሩ ፍጥረታት (6)

      • ህዝቢ የሆዋ ሕጉስ እዩ (12)

      • እታ እትሕሉ ዓይኒ የሆዋ (18)

  • 34

    • የሆዋ ንገላዉኡ የናግፎም

      • “ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ” (3)

      • መልኣኽ የሆዋ የዕቍብ (7)

      • “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን” (8)

      • ‘ካብ ኣዕጽምቱ ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን’ (20)

  • 35

    • ካብ ጸላእቲ ንምድሓን እተጸለየ ጸሎት

      • ጸላእቲ ይሰጐጉ (5)

      • ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝቢ ንኣምላኽ ምውዳስ (18)

      • ብዘይ ምኽንያት ተጸሊአ (19)

  • 36

    • እቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኽቡር እዩ

      • እኩይ ንኣምላኽ ኣይፈርሆን (1)

      • ኣምላኽ፡ ምንጪ ህይወት (9)

      • “ብብርሃንካ ብርሃን ክንርኢ ኽኢልና” (9)

  • 37

    • ብየሆዋ ዚእመኑ ጽቡቕ ኪረኽቡ እዮም

      • ብእኩያት ኣይትሕረቕ (1)

      • “ብየሆዋ ደስ ይበልካ” (4)

      • “መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ” (5)

      • ‘ትሑታት ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም’ (11)

      • ጻድቕ እንጌራ ኣይስእንን እዩ (25)

      • ጻድቃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም (29)

  • 38

    • ዚንሳሕ ሰብ ዝጸለዮ ጸሎት

      • “ተጨኒቐን እምብዛ ሓዚነን ኣለኹ” (6)

      • የሆዋ ንዚጽበይዎ ይሰምዖም (15)

      • ‘ብሓጢኣተይ ተረቢሸ ነይረ’ (18)

  • 39

    • ህይወት ሓጻር እያ

      • ሰብ ትንፋስ ጥራይ እዩ (5, 11)

      • “ንንብዓተይ ዕሽሽ ኣይትበሎ” (12)

  • 40

    • መወዳድርቲ ንዘይብሉ ኣምላኽ ምምስጋን

      • ግብርታት ኣምላኽ ምጽብጻቡ ዘይከኣል እዩ (5)

      • መስዋእቲ ንኣምላኽ ብቐዳምነት ዜገድሶ ኣይኰነን (6)

      • “ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ” (8)

  • 41

    • ካብ ዓራት ሕማም እተጸለየ ጸሎት

      • ኣምላኽ ንሕሙም ይድግፎ (3)

      • ናይ ቀረባ ብጻዩ ጠሊምዎ (9)

  • 42

    • ዓብዪ መድሓኒ ብምዃኑ ንኣምላኽ ምውዳስ

      • እራብ ማይ ከም እትናፍቕ፡ ንኣምላኽ ምንፋቕ (1, 2)

      • “ነፍሰየ፡ ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧” (5, 11)

      • “ንኣምላኽ ተጸበይዮ” (5, 11)

  • 43

    • ኣምላኽ ፈራዲ ዀይኑ የናግፍ

      • “ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ” (3)

      • “ነፍሰየ፡ ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧” (5)

      • “ንኣምላኽ ተጸበይዮ” (5)

  • 44

    • ረድኤት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • ‘ዘድሓንካና ንስኻ ኢኻ’ (7)

      • “ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ” (22)

      • “ረዳኢና ዄንካ ተንስእ!” (26)

  • 45

    • መርዓ እቲ እተቐብአ ንጉስ

      • ጥዑም ዝዘረባኡ (2)

      • “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ” (6)

      • ንጉስ ንጽባቐ እታ መርዓት ይብህጎ (11)

      • ደቁ ኣብ ኵላ ምድሪ መሳፍንቲ ይዀኑ (16)

  • 46

    • ‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’

      • መስተንክር ተግባራት ኣምላኽ (8)

      • ኣምላኽ ንውግእ ኣብ ኵላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ (9)

  • 47

    • ኣምላኽሲ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ

      • ‘የሆዋ ዜፍርህ እዩ’ (2)

      • ንኣምላኽ ውዳሰ ዘምሩሉ (6, 7)

  • 48

    • ጽዮን፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ

      • ሓጐስ ኵላ ምድሪ (2)

      • ነታ ኸተማን ንግምብታታን መርምሩ (11-13)

  • 49

    • ብሃብቶም ዚእመኑ ዓያሹ እዮም

      • ሰብ ንኻልእ ሰብ ኪብጀዎ ኣይክእልን (7, 8)

      • ኣምላኽ ካብ መቓብር ይብጆ (15)

      • ሃብቲ ኻብ ሞት ኣየድሕንን (16, 17)

  • 50

    • ኣምላኽ ኣብ መንጎ እሙናትን እኩያትን ይፈርድ

      • ብመስዋእቲ ምስ ኣምላኽ እተኣትወ ኺዳን (5)

      • “ኣምላኽ ፈራዲ እዩ” (6)

      • ኵሎም እንስሳታት ናይ ኣምላኽ እዮም (10, 11)

      • ኣምላኽ ንእኩያት የቃልዖም (16-21)

  • 51

    • እተነስሐ ሰብ ዝጸለዮ ጸሎት

      • ካብ ዝጥነስ ኣትሒዘ ሓጥእ እየ (5)

      • ‘ካብ ሓጢኣተይ ኣንጽሃኒ’ (7)

      • “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ” (10)

      • እተደቝሰ ልቢ ንኣምላኽ ባህ የብሎ (17)

  • 52

    • ኣብቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ምውካል

      • ብኽፉእ ንዚምክሑ እተዋህበ መጠንቀቕታ (1-5)

      • ንኣምላኽ ዘይፈርሁ፡ ብሃብቲ ይእመኑ (7)

  • 53

    • እንታይነት ዓሻ ተገልጸ

      • “የሆዋ የሎን” (1)

      • “ጽቡቕ ዚገብር የልቦን” (3)

  • 54

    • ኣብ መንጎ ጸላእቲ ምስ ኰነ፡ ረድኤት ኪረክብ ዝጸለዮ ጸሎት

      • “ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ” (4)

  • 55

    • ፈታዊኡ ምስ ጠለሞ ዝጸለዮ ጸሎት

      • ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ኣባጨወሉ (12-14)

      • “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ” (22)

  • 56

    • ምስ ተሰጕጐ ዝጸለዮ ጸሎት

      • “ብኣምላኽ እእመን እየ” (4)

      • “ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ” (8)

      • “ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” (4, 11)

  • 57

    • ልማኖ ሞገስ

      • ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣምላኽ ዚርከብ ዕቝባ (1)

      • ጸላእቲ ናብ መጻወድያኦም ይወድቁ (6)

  • 58

    • ንምድሪ ዚፈርዳ ኣምላኽ ኣሎ

      • እኩያት ኪቕጽዑ እተጸለየ ጸሎት (6-8)

  • 59

    • ኣምላኽ፡ ዋልታን መዕቈብን

      • ‘ንኸዳዓት ኣይትምሓር’ (5)

      • “ብዛዕባ ብርታዐኻ ኽዝምር እየ” (16)

  • 60

    • ኣምላኽ ንጸላእቱ የምበርክኾም

      • ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ (11)

      • “ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና” (12)

  • 61

    • ኣምላኽ፡ ካብ ጸላኢ ዜዕቍብ ጽኑዕ ግምቢ

      • “ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ክኸውን እየ” (4)

  • 62

    • ናይ ሓቂ ድሕነት ካብ ኣምላኽ ይመጽእ

      • “ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ” (1, 5)

      • ‘ልብኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣፍስሱ’ (8)

      • ሰባት ትንፋስ ጥራይ እዮም (9)

      • ብሃብቲ ኣይትተኣመኑ (10)

  • 63

    • ንኣምላኽ ሃረር ምባል

      • ‘ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኻብ ህይወት ይበልጽ’ (3)

      • ‘ብብሉጽ ግደ ዓጊበ እየ’ (5)

      • ለይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ምስትንታን (6)

      • ‘ናብ ኣምላኽ እለግብ እየ’ (8)

  • 64

    • ካብ ሕቡእ መጥቃዕቲ ዕቝባ ምርካብ

      • ‘ኣምላኽ ኪውርውረሎም እዩ’ (7)

  • 65

    • ኣምላኽ ንምድሪ ዚገብረላ ኽንክን

      • “ሰማዕ ጸሎት” (2)

      • ‘እቲ እትሓርዮ፡ ሕጉስ እዩ’ (4)

      • ብዙሕ ሕያውነት ኣምላኽ (11)

  • 66

    • ዜፍርህ ግብርታት ኣምላኽ

      • ‘ንዑ፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ርኣዩ’ (5)

      • “መብጽዓታተይ ክፍጽመልካ እየ” (13)

      • ኣምላኽ ጸሎት ይሰምዕ (18-20)

  • 67

    • ወሰናት ምድሪ ንኣምላኽ ኪፈርሆ እዩ

      • መገዲ ኣምላኽ ኪፍለጥ እዩ (2)

      • ‘ኵሎም ህዝብታት ንኣምላኽ ይወድስዎ’ (3, 5)

      • “ኣምላኽ ኪባርኸና እዩ” (6, 7)

  • 68

    • ‘ጸላእቲ ኣምላኽ ፋሕ ይበሉ’

      • “ኣቦ ዘኽታማት” (5)

      • ኣምላኽ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ቤት ይህቦም (6)

      • ኣንስቲ የበስራ (11)

      • ውህበት ጌርካ እተወስዱ ሰባት (18)

      • ‘የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ይጸውር’ (19)

  • 69

    • ድሕነት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ” (9)

      • “ቀልጢፍካ መልሰለይ” (17)

      • “ክሰትዮስ መጺጽ ሂቦምኒ” (21)

  • 70

    • ቅልጡፍ ረድኤት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • “ምእንታይ ቀልጥፍ” (5)

  • 71

    • ኣረጋውያን ዘለዎም እምንቶ

      • ካብ ንእስነት ኣትሒዝካ ብኣምላኽ ምእማን (5)

      • “ሓይለይ ምስ ጠለመኒ” (9)

      • ‘ኣምላኽ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዙ ምሂሩኒ’ (17)

  • 72

    • ሰላማዊ ግዝኣት እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ

      • ‘ጻድቕ ኪዕምብብ እዩ’ (7)

      • ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም (8)

      • ካብ ዓመጻ ኼናግፎም እዩ (14)

      • ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን እዩ (16)

      • ስም ኣምላኽ ንዘለኣለም ይወደስ (19)

  • 73

    • ንኣምላኽ ዚፈርሆ ሰብ ናብ መንፈሳዊ ኣረኣእያኡ ተመልሰ

      • “ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን” (2)

      • ‘ምሉእ መዓልቲ ተሸጊረ’ (14)

      • ‘ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝኣቱ’ (17)

      • እኩያት ኣብ መንደልሃጺ ቦታ እዮም (18)

      • “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ” (28)

  • 74

    • ኣምላኽ ንህዝቡ ኺዝክሮ እተጸለየ ጸሎት

      • ግብርታት ድሕነት ኣምላኽ ተዘከረ (12-17)

      • ‘ባጫ ጸላኢ ዘክር’ (18)

  • 75

    • ኣምላኽ ብቕንዕና ይፈርድ

      • እኩያት፡ ጽዋእ የሆዋ ኺሰትዩ እዮም (8)

  • 76

    • ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ጽዮን ዝረኸቦ ዓወት

      • ኣምላኽ ንዓቃላት የድሕኖም (9)

      • ኵሩዓት ጸላእቲ ኺትሕቱ እዮም (12)

  • 77

    • ብመዓልቲ ጭንቂ እተጸለየ ጸሎት

      • ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ምስትንታን (11, 12)

      • ‘ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ ዓብዪ መን እዩ፧’ (13)

  • 78

    • ክንክን ኣምላኽን ጕድለት እምነት እስራኤልን

      • ንዚመጽእ ወለዶ ንገርዎም (2-8)

      • “ብኣምላኽ ኣይኣመኑን” (22)

      • “እኽሊ ሰማይ” (24)

      • ‘ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣሕዘንዎ’ (41)

      • ካብ ግብጺ ናብ ምድሪ ተስፋ (43-55)

      • ‘ንኣምላኽ ይብድህዎ ነበሩ’ (56)

  • 79

    • ኣህዛብ ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ወረርዎም እተጸለየ ጸሎት

      • “መጻረፊ ዄንና” (4)

      • ‘ምእንቲ ስምካ ኢልካ ርድኣና’ (9)

      • “ንጐረባብትና ሸውዓተ ዕጽፊ ፍደዮም” (12)

  • 80

    • ጓሳ እስራኤል ኪመልሶም ደለዩ

      • “ኦ ኣምላኽ፡ ምለሰና” (3)

      • እስራኤል ከም ተኽሊ ወይኒ ኣምላኽ (8-15)

  • 81

    • እዙዛት ኪዀኑ እተዋህበ ምሕጽንታ

      • ጓኖት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ (9)

      • ‘ኣየ፡ እንተ ትሰምዑኒ’ (13)

  • 82

    • ቅኑዕ ፍርዲ ንምርካብ ዝቐረበ ጻውዒት

      • ኣምላኽ ኣብ መንጎ “ኣማልኽቲ” ይፈርድ (1)

      • “ንትሑትን ንዘኽታምን ተጣበቑሎም” (3)

      • “ኣማልኽቲ ኢኹም” (6)

  • 83

    • ምስ ጸላእቲ ምስ ተፋጠጠ ዘቕረቦ ጸሎት

      • “ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል” (1)

      • ንጸላእቲ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ ግበሮም (13)

      • ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ (18)

  • 84

    • ነቲ ዓብዪ ማሕደር ኣምላኽ ሃረር ምባል

      • ሓደ ሌዋዊ ኸም ዑፍ ኪኸውን ይምነ (3)

      • “ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ” (10)

      • “ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ” (11)

  • 85

    • ኪምለሱ እተጸለየ ጸሎት

      • ኣምላኽ ንእሙናቱ ሰላም ኪዛረቦም እዩ (8)

      • ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኪራኸባ እየን (10)

  • 86

    • ከም የሆዋ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን

      • የሆዋ፡ ንይቕረታ ድልዊ (5)

      • ኵሎም ኣህዛብ ንየሆዋ ኼምልኽዎ እዮም (9)

      • “ብዛዕባ መገድኻ ምሃረኒ” (11)

      • “ንልበይ ሓደ ግበረለይ” (11)

  • 87

    • ጽዮን፡ ከተማ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ

      • ኣብ ጽዮን እተወልዱ (4-6)

  • 88

    • ካብ ሞት ንምምላጥ እተጸለየ ጸሎት

      • ‘ህይወተይ ናብ መቓብር ቀሪባ ኣላ’ (3)

      • ‘ንግሆ ንግሆ ናባኻ እጽሊ እየ’ (13)

  • 89

    • ብተኣማንነት ብዛዕባ ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ እተዘመረ መዝሙር

      • ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን (3)

      • ዘርኢ ዳዊት ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ (4)

      • ቅቡእ ኣምላኽ፡ ንዕኡ “ኣቦይ” ኢሉ ኺጽውዖ እዩ (26)

      • ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን ርግጽ እዩ (34-37)

      • ሰብ ካብ መቓብር ኬምልጥ ኣይክእልን (48)

  • 90

    • ዘለኣለማዊ ኣምላኽን ሓጺር ዝዕድሚኡ ሰብን

      • ሽሕ ዓመት ከም ትማሊ (4)

      • ሰብ 70-80 ዓመት ይነብር (10)

      • “መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና” (12)

  • 91

    • ኣብ ስቱር ቦታ ኣምላኽ ዚርከብ ዕቝባ

      • ካብ ኣፈንጣሪ ዑፍ ኬናግፈካ እዩ (3)

      • ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣምላኽ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ (4)

      • ኣሽሓት እኳ እንተ ወደቑ፡ ደሓን ክትረክብ ኢኻ (7)

      • ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ (11)

  • 92

    • የሆዋ ንዘለኣለም ልዕል ዝበለ እዩ

      • ዓብዪ ግብርታቱን ዓሚቝ ሓሳባቱን (5)

      • ‘ጻድቕ ከም ኦም ኪልምልም እዩ’ (12)

      • ኣረጋውያን ይለምዑ (14)

  • 93

    • ዓብዪ ግዝኣት የሆዋ

      • “የሆዋ ነጊሱ!” (1)

      • ‘መዘኻኸሪታትካ እሙን እዩ’ (5)

  • 94

    • ኣምላኽ ሕነ ምእንቲ ኺፈዲ እተጸለየ ጸሎት

      • “እኩያት ክሳዕ መዓስ ኪፍስሁ እዮም፧” (3)

      • መአረምታ ያህ ሓጐስ የምጽእ (12)

      • ኣምላኽ ንህዝቡ ኣይኪጥንጥኖን እዩ (14)

      • ‘ብስም ሕጊ ሽግር ይምህዝ’ (20)

  • 95

    • ናይ ሓቂ ኣምልኾን ተኣዛዝነትን

      • “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም” (7)

      • “ልብኹም ኣይተትርሩ” (8)

      • “ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” (11)

  • 96

    • “ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ”

      • የሆዋ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦ (4)

      • ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም (5)

      • ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት ኣምልኹ (9)

  • 97

    • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ልዕል ኢሉ

      • “የሆዋ ነጊሱ!” (1)

      • ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ (10)

      • ንጻድቃን ብርሃን (11)

  • 98

    • የሆዋ፡ መድሓንን ጻድቕ ፈራድን

      • ድሕነት የሆዋ ተፈሊጡ (2, 3)

  • 99

    • የሆዋ፡ ቅዱስ ንጉስ

      • ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ይቕመጥ (1)

      • ይቕረ ዚብልን ዚቐጽዕን ኣምላኽ (8)

  • 100

    • ንፈጣሪ ምምስጋን

      • “ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ” (2)

      • ‘ዝገበረና ኣምላኽ እዩ’ (3)

  • 101

    • ብንጽህና ዚመላለስ ገዛኢ

      • ‘ትዕቢት ኣይክጻወርን እየ’ (5)

      • “ናብ እሙናት ምድሪ ኽምልከት እየ” (6)

  • 102

    • ጭቁን ምስ ቀበጸ ዚጽልዮ ጸሎት

      • ‘ከምታ በይና ዘላ ዑፍ ኰይነ’ (7)

      • “መዓልትታተይ ከም ዚሃስስ ጽላሎት እየን” (11)

      • “የሆዋ ንጽዮን ዳግም ኪሃንጻ እዩ” (16)

      • የሆዋ ንዘለኣለም ይነብር (26, 27)

  • 103

    • “ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ”

      • ኣምላኽ ንሓጢኣትና የርሕቖ (12)

      • ኣባታዊ ምሕረት ኣምላኽ (13)

      • ኣምላኽ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር (14)

      • ዝፋንን ንግስናን የሆዋ (19)

      • መላእኽቲ፡ ቃል ኣምላኽ ይፍጽሙ (20)

  • 104

    • ንኣምላኽ ስለቲ መስተንክር ፍጥረታቱ ምውዳስ

      • ምድሪ ንዘለኣለም ትነብር (5)

      • ወይንን እንጌራን ንመዋቲ ሰብ (15)

      • “ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!” (24)

      • “መንፈሶም እንተ ወሲድካ፡ ይሞቱ” (29)

  • 105

    • የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ዝገበረሎም ተግባር

      • ኣምላኽ ኪዳኑ ይዝክር (8-10)

      • “ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም” (15)

      • ኣምላኽ ነቲ ባርያ ዝዀነ ዮሴፍ ተጠቕመሉ (17-22)

      • ኣምላኽ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ተኣምራት (23-36)

      • እስራኤል ካብ ግብጺ ወጸ (37-39)

      • ኣምላኽ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ቓል ዘከረ (42)

  • 106

    • እስራኤል ኣይተረድኦን

      • ቀልጢፎም ንተግባር ኣምላኽ ረስዕዎ (13)

      • ንኽብሪ ኣምላኽ ብምስሊ ብዕራይ ለወጥዎ (19, 20)

      • ብተስፋ ኣምላኽ ኣይኣመኑን (24)

      • ኣብ ኣምልኾ በዓል ሓበሩ (28)

      • ደቆም ንኣጋንንቲ ሰውኡሎም (37)

  • 107

    • ንኣምላኽ ስለቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ኣመስግንዎ

      • ብቕኑዕ መገዲ መርሖም (7)

      • ንጽሙእ ኣርወየ፡ ንጥሙይ ኣጽገበ (9)

      • ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጽኦም (14)

      • ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም (20)

      • ንድኻታት ካብ ጭቈና ይከላኸለሎም (41)

  • 108

    • ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ዓወት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ (12)

      • “ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና” (13)

  • 109

    • ኣብ ጭንቂ ዘሎ ሰብ ዝጸለዮ ጸሎት

      • ‘ሓላፍነቱ ኻልእ ይውሰዶ’ (8)

      • ኣምላኽ ኣብ ጐድኒ ድኻ ደው ይብል (31)

  • 110

    • ከም መልከጼዴቅ ዝበለ ንጉስን ካህንን

      • “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” (2)

      • ብፍታው ዚመጹ መንእሰያት ከም ኣውሊ እዮም (3)

  • 111

    • ንየሆዋ ስለቲ ዓብዪ ግብርታቱ ወድስዎ

      • ስም ኣምላኽ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ (9)

      • ፍርሃት የሆዋ ጥበብ እዩ (10)

  • 112

    • ጻድቕ ንየሆዋ ይፈርሆ

      • ብልግሲ ዜለቅሕ፡ ጽቡቕ ይዀነሉ (5)

      • “ጻድቕ ንዘለኣለም ይዝከር” (6)

      • ለጋስ ንድኻታት ይህብ (9)

  • 113

    • እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽ ንትሑት የተንስኦ

      • ስም የሆዋ ንዘለኣለም ይወደስ (2)

      • ኣምላኽ ይደንን (6)

  • 114

    • እስራኤል ካብ ግብጺ ወጸ

      • ባሕሪ ሃደመት (5)

      • ኣኽራን ከም ደዓውል ተሰራሰሩ (6)

      • ከውሒ ኣዝሒት ናብ ዓይኒ ማይ ተለወጠ (8)

  • 115

    • ክብሪ ንኣምላኽ ጥራይ ኪውሃብ ይግባእ

      • ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት (4-8)

      • ምድሪ ንደቂ ሰብ ተዋህበት (16)

      • “ምዉታት ንያህ ኣይውድስዎን እዮም” (17)

  • 116

    • መዝሙር ምስጋና

      • “ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” (12)

      • ‘ጽዋእ ድሕነት ከልዕል እየ’ (13)

      • “ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ” (14, 18)

      • ሞት እሙናት ክቡር እዩ (15)

  • 117

    • ኵሎም ኣህዛብ ንየሆዋ ኺውድስዎ ዝቐረበ ጻውዒት

      • ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእየና ፍቕሪ ዓብዪ እዩ (2)

  • 118

    • ንየሆዋ ስለቲ ዓወቱ ምምስጋን

      • ‘ንያህ ጸዊዐዮ፡ ንሱ ድማ መሊሱለይ’ (5)

      • “የሆዋ ምሳይ እዩ” (6, 7)

      • እተናዕቀ እምኒ፡ ርእሲ እምኒ መኣዝን ኰነ (22)

      • “ብስም የሆዋ ዚመጽእ” (26)

  • 119

    • ኣድንቖት ነቲ ኽቡር ቃል ኣምላኽ

      • “ጐበዝ ንመገዱ ኸመይ ገይሩ ብንጽህና ይሕልዋ፧” (9)

      • “ንመዘኻኸሪታትካ እፈትዎም እየ” (24)

      • “ቃልካ ተስፋይ እዩ” (74, 81, 114)

      • “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ!” (97)

      • “ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ፡ ልቦና ኣሎኒ” (99)

      • ‘ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ እዩ’ (105)

      • “ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ” (160)

      • ሕጊ ኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ሰላም ኣለዎም (165)

  • 120

    • ጓና ሰላም ኪረክብ ዘለዎ ሃረርታ

      • ‘ካብ መታለሊት ልሳን ኣናግፈኒ’ (2)

      • “ኣነ ሰላም እደሊ” (7)

  • 121

    • የሆዋ ንህዝቡ ይሕልዎም

      • ‘ረድኤተይ ካብ የሆዋ እዩ’ (2)

      • የሆዋ ኸቶ ኣይድቅስን (3, 4)

  • 122

    • ምእንቲ ሰላም የሩሳሌም እተጸለየ ጸሎት

      • ናብ ቤት የሆዋ ምኻድ ዜምጽኦ ሓጐስ (1)

      • ብሓደ ተላጊባ እተሰርሐት ከተማ (3)

  • 123

    • ሞገስ ንምርካብ ናብ የሆዋ ምጥማት

      • ‘ከም ግዙኣት ናብ የሆዋ ንጥምት ኣለና’ (2)

      • “ንዕቀት እምብዛ በዚሑና” (3)

  • 124

    • “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ”

      • ካብ እተሰብረ መጻወድያ ኣምሊጥና (7)

      • ‘ስም የሆዋ ረድኤትና እዩ’ (8)

  • 125

    • የሆዋ ንህዝቡ የዕቍቦ

      • “ከምቲ ኣኽራን ንየሩሳሌም ዚኸብባ” (2)

      • “ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን” (5)

  • 126

    • ዜሐጕስ ምምላስ ጽዮን

      • “የሆዋ ዓብዪ ነገር ገይሩልና” (3)

      • ካብ ብኽያት ናብ እልልታ (5, 6)

  • 127

    • ብዘይ ኣምላኽ፡ ኵሉ ኸንቱ እዩ

      • “የሆዋ ንቤት እንተ ዘይሃነጻ” (1)

      • ውሉዳት፡ ካብ ኣምላኽ ዚውሃቡ ዓስቢ (3)

  • 128

    • ንየሆዋ ምፍራህ ዜምጽኦ ሓጐስ

      • ሰበይቲ ኸም ፈራዪት ተኽሊ ወይኒ ትኸውን (3)

      • “ጽቡቕ የሩሳሌም ርአ” (5)

  • 129

    • ኣጥቂዖምኒ፡ ግናኸ ኣይሰዓሩንን

      • ጸላእቲ ጽዮን ኪሓፍሩ እዮም (5)

  • 130

    • “ካብ መዓሙቝ እጽውዓካ ኣለኹ”

      • “ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን” (3)

      • ምስ የሆዋ ናይ ሓቂ ይቕረታ ኣሎ (4)

      • “ንየሆዋ ተሃንጥየ ኽጽበዮ እየ” (6)

  • 131

    • ጡብ ከም ዝሓደገ ሕጻን ዕጉብ እየ

      • እምብዛ ዓብዪ ነገር ኣይተመነኹን (1)

  • 132

    • ዳዊትን ጽዮንን ተሓርዮም

      • “ንቕቡእካ ኣይትእበዮ” (10)

      • ካህናት ጽዮን ድሕነት ይለብሱ (16)

  • 133

    • ብሓድነት ሓቢርካ ምቕማጥ

      • ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣሮን ዚፈስስ ዘይቲ (2)

      • ከም ኣውሊ ሄርሞን (3)

  • 134

    • ብለይቲ ንየሆዋ ምውዳስ

      • “ኣእዳውኩም ብቕድስና ኣልዕሉ” (2)

  • 135

    • ስለቲ ዕቤቱ ንያህ ወድስዎ

      • ኣብ ልዕሊ ግብጺ እተገብረ ትእምርትታትን ተኣምራትን (8, 9)

      • “ስምካ ንዘለኣለም ይነብር” (13)

      • ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት (15-18)

  • 136

    • የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዘለኣለም ይነብር እዩ

      • ንሰማይን ንምድርን ብኽእለት ገበሮ (5, 6)

      • ፈርኦን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሞተ (15)

      • ኣምላኽ ንእተደቝሱ ይዝክር (23)

      • ንዅሉ ህያው ይምግብ (25)

  • 137

    • ኣብ ጥቓ ኣፍላግ ባቢሎን

      • መዝሙራት ጽዮን ኣይዘመርናን (3, 4)

      • ባቢሎን ክትዓኑ እያ (8)

  • 138

    • ኣምላኽ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓላዪ እዩ

      • ‘ጸሎተይ መሊስካለይ’ (3)

      • ‘ካብ ማእከል ሓደጋ እኳ ኣናጊፍካኒ’ (7)

  • 139

    • ኣምላኽ ንገላዉኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦም

      • ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዚሃድም የልቦን (7)

      • ‘ድንቂ ዀይነ ተፈጢረ እየ’ (14)

      • ‘ድቂ ኸለኹ ርኢኻኒ’ (16)

      • ‘ብመገዲ ዘለኣለም ምርሓኒ’ (24)

  • 140

    • የሆዋ፡ ብርቱዕ መድሓኒ

      • እኩያት ከም ኣትማን እዮም (3)

      • ዓመጽቲ ኺወድቁ እዮም (11)

  • 141

    • ዕቝባ ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • ‘ጸሎተይ ከም ዕጣን ይኹን’ (2)

      • መግናሕቲ ጻድቕ ከም ዘይቲ (5)

      • እኩያት ናብ መርበቦም ይወድቁ (10)

  • 142

    • ካብ ሰጐጕቲ ንምንጋፍ እተጸለየ ጸሎት

      • “ዝሃድመሉ ቦታ የብለይን” (4)

      • “ዘለኻኒ ንስኻ ኢኻ” (5)

  • 143

    • ከም ምድሪ ኣጻምእ ንኣምላኽ ምጽማእ

      • ‘ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ ኣጸቢቐ እሓስብ እየ’ (5)

      • “ፍቓድካ ኽገብር ምሃረኒ” (10)

      • ‘ጽቡቕ መንፈስካ ይምርሓኒ’ (10)

  • 144

    • ዓወት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

      • “መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” (3)

      • “ንጸላእቲ ፋሕ ኣብሎም” (6)

      • ህዝቢ የሆዋ ሕጉስ እዩ (15)

  • 145

    • ንኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ምውዳስ

      • ‘ዕቤት ኣምላኽ ክነግር እየ’ (6)

      • “የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ እዩ” (9)

      • ‘እሙናትካ ኺውድሱኻ እዮም’ (10)

      • ናይ ዘለኣለም ንግስና ኣምላኽ (13)

      • ኢድ ኣምላኽ ንዅሉ ተዕግብ (16)

  • 146

    • ብሰብ ዘይኰነስ፡ ብኣምላኽ ተኣመኑ

      • ሰብ ምስ ሞተ፡ ሓሳባቱ ይጠፍእ (4)

      • ኣምላኽ ንዝደነኑ የተንስኦም (8)

  • 147

    • ንኣምላኽ ስለቲ ፍቕራውን ሓያልን ግብርታቱ ምውዳስ

      • ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም (3)

      • ንዅሎም ከዋኽብቲ በብስሞም ይጽውዖም (4)

      • ንውርጪ ኸም ጸምሪ ይሰድዶ (16)

  • 148

    • ኵሉ ፍጥረት ንየሆዋ ይወድሶ

      • “ኵሉኹም መላእኽቱ፡ ወድስዎ” (2)

      • ‘ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ወድስዎ’ (3)

      • ንኣሽቱን ዓበይትን ንኣምላኽ ወድስዎ (12, 13)

  • 149

    • ንዓወት ኣምላኽ ዚውድስ መዝሙር

      • ኣምላኽ ብህዝቡ ባህ ይብሎ (4)

      • ክብሪ ናይቶም ንኣምላኽ እሙናት ዚዀኑ እዩ (9)

  • 150

    • ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ፡ ንያህ ይወድሶ

      • ሃሌሉያ! (1, 6)