ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኢሳይያስ

ምዕራፋት

ትሕዝቶ

  • 1

    • ኣቦን ዓለውቲ ደቁን (1-9)

    • የሆዋ ልባዊ ዘይኰነ ኣምልኾ ይጸልእ (10-17)

    • “ነገር ነቕንዕ” (18-20)

    • ጽዮን ተመሊሳ እምንቲ ኸተማ ዀነት (21-31)

  • 2

    • ከረን የሆዋ ልዕል በለ (1-5)

      • ኣስያፍ ናብ ማሕረሻታት (4)

    • መዓልቲ የሆዋ ንዕቡያት ተዋርዶም (6-22)

  • 3

    • መራሕቲ ይሁዳ ነቲ ህዝቢ ኣስሓትዎ (1-15)

    • እተን ተዃሸምቲ ኣዋልድ ጽዮን ተፈርዳ (16-26)

  • 4

    • ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ (1)

    • እቲ የሆዋ ዜጠጥዖ ግሩም ኪኸውን እዩ (2-6)

  • 5

    • መዝሙር ኣታኽልቲ ወይኒ የሆዋ (1-7)

    • ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ የሆዋ ዚወርድ ወዮ (8-24)

    • ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ህዝቡ ይነድድ (25-30)

  • 6

    • የሆዋ ኣብ ቤተ መቕደሱ ኸሎ እተራእየ ራእይ (1-4)

      • “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ” (3)

    • ከናፍር ኢሳይያስ ነጽሀ (5-7)

    • ኢሳይያስ ተመዘዘ (8-10)

      • “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” (8)

    • “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” (11-13)

  • 7

    • ናብ ንጉስ ኣሓዝ እተላእከ መልእኽቲ (1-9)

      • ሸኣር-ያሹብ (3)

    • ትእምርቲ ኣማኑኤል (10-17)

    • ሳዕቤናት ጥልመት (18-25)

  • 8

    • ምምጻእ ወራር ኣሶር (1-8)

      • ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ (1-4)

    • ኣይትፍርህዎም–“ኣምላኽ ምሳና እዩ!” (9-17)

    • ኢሳይያስን ደቁን ትእምርቲ ይዀኑ (18)

    • ካብቲ ሕጊ ሕተቱ እምበር፡ ንኣጋንንቲ ኣይትሕተቱ (19-22)

  • 9

    • ምድሪ ገሊላ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ (1-7)

      • ልደት እቲ “መስፍን ሰላም” (6, 7)

    • ኢድ ኣምላኽ ኣንጻር እስራኤል ኰነት (8-21)

  • 10

    • ኢድ ኣምላኽ ኣንጻር እስራኤል ኰነት (1-4)

    • ኣሶር–ሻቦጥ ቍጥዓ ኣምላኽ (5-11)

    • ኣብ ኣሶር ዚወርድ መቕጻዕቲ (12-19)

    • ተረፍ ያእቆብ ይምለስ (20-27)

    • ኣምላኽ ንኣሶር ኪፈርዶ እዩ (28-34)

  • 11

    • ጽድቂ ዝመልኦ ግዝኣት እቲ ውልዶ እሴይ (1-10)

      • ተዅላን ገንሸልን ብሓባር ይዀኑ (6)

      • ምድሪ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ (9)

    • ተረፍ ኪምለሱ እዮም (11-16)

  • 12

    • መዝሙር ምስጋና (1-6)

      • ‘ያህ የሆዋ ብርታዐይ እዩ’ (2)

  • 13

    • ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-22)

      • መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ! (6)

      • ሜዶናውያን ንባቢሎን ኪግልብጥዋ እዮም (17)

      • ሰብ ኣብ ባቢሎን ከቶ ኣይኪነብርን እዩ (20)

  • 14

    • እስራኤል ኣብ ምድሮም ኪቕመጡ እዮም (1, 2)

    • ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን እተዘርበ ባጫ (3-23)

      • እቲ ብሩህ፡ ካብ ሰማይ ኪወድቕ እዩ (12)

    • ኢድ የሆዋ ነቲ ኣሶራዊ ኺሕምሽሾ እዩ (24-27)

    • ኣንጻር ፍልስጥኤም እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (28-32)

  • 15

    • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-9)

  • 16

    • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ መልእኽቲ ይቕጽል (1-14)

  • 17

    • ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-11)

    • የሆዋ ንኣህዛብ ኪገንሖም እዩ (12-14)

  • 18

    • ኣንጻር ኢትዮጵያ እተዘርበ መልእኽቲ (1-7)

  • 19

    • ኣንጻር ግብጺ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-15)

    • ግብጺ ንየሆዋ ኽትፈልጦ እያ (16-25)

      • ኣብ ግብጺ ንየሆዋ መሰውኢ ኺህሉ እዩ (19)

  • 20

    • ምልክት እቲ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ኢትዮጵያን ዚወርድ ነገር (1-6)

  • 21

    • ኣንጻር በረኻ ባሕሪ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-10)

      • ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዄንካ ምሕላው (8)

      • “ባቢሎን ወዲቓ!” (9)

    • ኣንጻር ዱማን ጐልጐል ምድረ በዳን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (11-17)

      • “ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧” (11)

  • 22

    • ብዛዕባ ስንጭሮ ራእይ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-14)

    • ሸብና እቲ ኣመሓዳሪ ቤት፡ ብኤልያቂም ተተክአ (15-25)

      • ምሳልያዊ ሽንካር (23-25)

  • 23

    • ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-18)

  • 24

    • የሆዋ ነታ ምድሪ ጥራያ ይገብራ (1-23)

      • የሆዋ ኣብ ጽዮን ነጊሱ (23)

  • 25

    • ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት (1-12)

      • የሆዋ ዝገበሮ ድግስ ብሉጽ ወይኒ (6)

      • ሞት ኣይኪህሉን እዩ (8)

  • 26

    • ብዛዕባ እምንቶን ድሕነትን እተዘመረ መዝሙር (1-21)

      • ያህ የሆዋ፡ ናይ ዘለኣለም ከውሒ (4)

      • ነበርቲ ምድሪ ጽድቂ ይምሃሩ (9)

      • “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም” (19)

      • ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ተሓብኡ (20)

  • 27

    • የሆዋ ንሌዋታን ኪቐትሎ እዩ (1)

    • ብዛዕባ እስራኤል እታ ኣታኽልቲ ወይኒ እተዘመረ መዝሙር (2-13)

  • 28

    • ሰኽራማት ኤፍሬም ወይለኦም! (1-6)

    • ካህናትን ነብያትን ይሁዳ ሰንከልከል ኪብሉ እዮም (7-13)

    • “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና” (14-22)

      • ክቡር እምኒ መኣዝን ኣብ ጽዮን (16)

      • ዘይልሙድ ዕዮ የሆዋ (21)

    • ተግሳጽ የሆዋ ጥበብ ዝመልኦ ምዃኑ ዚሕብር ምሳሌ (23-29)

  • 29

    • ኣቲ ኣርኤል፡ ወይለኺ! (1-16)

      • ብኸናፍር ጥራይ ዚቐርብ ኣገልግሎት ተዀነነ (13)

    • ጸማማት ኪሰምዑ፡ ዕዉራት ኪርእዩ እዮም (17-24)

  • 30

    • ረድኤት ግብጺ ኸቶ ዘይጠቅም (1-7)

    • ሰባት ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ይነጽግዎ (8-14)

    • ብርታዐ ኣብ ምውካል ኪኸውን እዩ (15-17)

    • የሆዋ ንህዝቡ ሞገስ ኬርእዮ እዩ (18-26)

      • የሆዋ፡ እቲ ዓብዪ መምህር (20)

      • “እታ መገዲ እዚኣ እያ” (21)

    • የሆዋ ኣብ ኣሶር ፍርዱ ኺፍጽም እዩ (27-33)

  • 31

    • ናይ ሓቂ ረድኤት ካብ የሆዋ እምበር፡ ካብ ሰባት ኣይርከብን (1-9)

      • ኣፍራስ ግብጺ ስጋ እዮም (3)

  • 32

    • ንጉስን መሳፍንቱን ምእንቲ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም (1-8)

    • ንሸለልተኛታት ኣንስቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ (9-14)

    • መንፈስ ምስ ፈሰሰ ዚርከብ በረኸት (15-20)

  • 33

    • ንጻድቕ ዚፍረደሉ ፍርድን ዚረኽቦ ተስፋን (1-24)

      • የሆዋ ፈራድን ሓጋግ ሕግን ንጉስን እዩ (22)

      • ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ (24)

  • 34

    • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዚፈድዮ ሕነ (1-4)

    • ኤዶም ክትባድም እያ (5-17)

  • 35

    • ገነት ክትምለስ እያ (1-7)

      • ዕዉራት ኪርእዩ፡ ጸማማት ኪሰምዑ እዮም (5)

    • ብጁዋት ብመገዲ ቕድስና ኺመላለሱ እዮም (8-10)

  • 36

    • ሰናክሪብ ንይሁዳ ወረራ (1-3)

    • እቲ ራብሳቀ ንየሆዋ ኣባጨወሉ (4-22)

  • 37

    • ህዝቅያስ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ኻብ የሆዋ ረድኤት ደለየ (1-7)

    • ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣስግኣ (8-13)

    • ጸሎት ህዝቅያስ (14-20)

    • ኢሳይያስ ምላሽ ኣምላኽ ኣመሓላለፈ (21-35)

    • ሓደ መልኣኽ 185,000 ኣሶራውያን ቀተለ (36-38)

  • 38

    • ህዝቅያስ ሓመመን ሓወየን (1-22)

      • መዝሙር ምስጋና (10-20)

  • 39

    • ካብ ባቢሎን ልኡኻት መጹ (1-8)

  • 40

    • ንህዝቢ ኣምላኽ ኣጸናንዕዎ (1-11)

      • ድምጺ ኣብ በረኻ (3-5)

    • ዕቤት ኣምላኽ (12-31)

      • ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል (15)

      • ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ “ኸባብ ምድሪ” ይቕመጥ (22)

      • ንኸዋኽብቲ ብስሞም ይጽውዖም (26)

      • ኣምላኽ ከቶ ዘይደክም እዩ (28)

      • ብየሆዋ ተስፋ ምግባር ሓድሽ ብርታዐ ይህብ (29-31)

  • 41

    • ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝተንስአ ሰዓሪ (1-7)

    • እስራኤል ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪኸውን ተሓርየ (8-20)

      • “ኣብርሃም ፈታውየይ” (8)

    • ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብድሆ ቐረበሎም (21-29)

  • 42

    • ጊልያ ኣምላኽን ተልእኾኡን (1-9)

      • ‘ስመይ የሆዋ እዩ’ (8)

    • ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ውዳሰ (10-17)

    • እስራኤል ዕዉራትን ጸማማትን ኰይኖም (18-25)

  • 43

    • የሆዋ ንህዝቡ መሊሱ ኺእክቦም እዩ (1-7)

    • ኣማልኽቲ ኣብ ፍርዲ ቐረቡ (8-13)

      • “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” (10, 12)

    • ካብ ባቢሎን ክትወጹ ኢኹም (14-21)

    • “ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ነገር ነቕርብ” (22-28)

  • 44

    • እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽቦ በረኸት (1-5)

    • ብዘይካ የሆዋ፡ ኣምላኽ የልቦን (6-8)

    • ሰብ ዚገብሮም ጣኦታት፡ ስራሕ ዕሽነት እዮም (9-20)

    • የሆዋ፡ ተበጃዊ እስራኤል (21-23)

    • ቂሮስ ዳግም ኪሃንጽ እዩ (24-28)

  • 45

    • ቂሮስ ንባቢሎን ኪሕዝ ተቐብአ (1-8)

    • ካይላ ምስ ሰራሕ ካይላ ኺከራኸር ኣይክእልን (9-13)

    • ካልኦት ኣህዛብ፡ እንታይነት እስራኤል ይፈልጡ (14-17)

    • ኣምላኽ ዜተኣማምን ፈጣርን ገላጽን እዩ (18-25)

      • ምድሪ ኺንበረላ ተፈጢራ (18)

  • 46

    • ኣብ መንጎ ጣኦታት ባቢሎንን ኣምላኽ እስራኤልን ዘሎ ንጽጽር (1-13)

      • የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኺነግር ይኽእል (10)

      • ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጽእ ኣሞራ (11)

  • 47

    • ውድቀት ባቢሎን (1-15)

      • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ተቓልዑ (13-15)

  • 48

    • እስራኤል ተገንሐን ጸረየን (1-11)

    • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዚወስዶ ስጕምቲ (12-16ሀ)

    • ትምህርቲ ኣምላኽ ጠቓሚ እዩ (16ለ-19)

    • “ካብ ባቢሎን ውጹ!” (20-22)

  • 49

    • ንጊልያ የሆዋ እተዋህበ ዕዮ (1-12)

      • ብርሃን ኣህዛብ (6)

    • ንእስራኤል እተዋህበ መጸናንዒ (13-26)

  • 50

    • ሓጢኣት እስራኤል ጸገማት ይፈጥር (1-3)

    • እዙዝ ጊልያ የሆዋ (4-11)

      • ልሳንን እዝንን እተማህሩ (4)

  • 51

    • ጽዮን ከም ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን ክትከውን እያ (1-8)

    • ንጽዮን ካብቲ ብርቱዕ ገባሪኣ እተዋህባ መጸናንዒ (9-16)

    • ጽዋእ ቍጥዓ የሆዋ (17-23)

  • 52

    • ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ! (1-12)

      • ጽቡቓት ኣእጋር እቶም ብስራት ዜበስሩ (7)

      • ሓለውቲ ጽዮን ብሓደ እልል ይብሉ (8)

      • እቶም ኣቕሑ የሆዋ ዚጾሩ ንጹሃት ኪዀኑ ይግባእ (11)

    • ጊልያ የሆዋ ልዕል ኪብል እዩ (13-15)

      • መልክዑ ተጸይቑ (14)

  • 53

    • መከራን ሞትን ኣቀባብራን ጊልያ የሆዋ (1-12)

      • ንዑቕን እተጐስየን (3)

      • ሕማምናን ስቓይናን ጾረ (4)

      • “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ” (7)

      • ሓጢኣት ብዙሓት ተሰከመ (12)

  • 54

    • እታ መኻን ጽዮን፡ ብዙሓት ውሉዳት ኪህልውዋ እዮም (1-17)

      • የሆዋ፡ ንጽዮን ሰብኣያ (5)

      • ደቂ ጽዮን ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም (13)

      • ኣንጻር ጽዮን እተሰርሐ ኣጽዋር ኪፈሽል እዩ (17)

  • 55

    • ብናጻ ንምብላዕን ንምስታይን ዝቐረበ ዕድመ (1-5)

    • ንየሆዋን ነቲ ዜተኣማምን ቃሉን ድለዩ (6-13)

      • መገድታት ኣምላኽ ካብ መገድታት ሰብ ይልዕል (8, 9)

      • ቃል ኣምላኽ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ (10, 11)

  • 56

    • ጓኖትን ስሉባትን ዚረኽብዎ በረኸት (1-8)

      • ንዅሎም እትኸውን ቤት ጸሎት (7)

    • ዕዉራት ሓለውቲ፡ ዓባሳት ኣኽላባት (9-12)

  • 57

    • ጻድቕን እሙናትን ጠፍኡ (1, 2)

    • መንፈሳዊ ምንዝርና እስራኤል ተቓልዐ (3-13)

    • ንትሑታት እተዋህበ መጸናንዒ (14-21)

      • እኩያት ከም ዚናወጽ ባሕሪ እዮም (20)

      • ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን (21)

  • 58

    • ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ጾም (1-12)

    • ሰንበት ብምሕላው ደስታ ምርካብ (13, 14)

  • 59

    • ሓጢኣት እስራኤል ካብ ኣምላኽ የርሕቕ (1-8)

    • ኑዛዜ ሓጢኣት (9-15ሀ)

    • የሆዋ ንዚንስሑ ይድግፎም (15ለ-21)

  • 60

    • ክብሪ የሆዋ ኣብ ጽዮን በሪሁ (1-22)

      • ናብ ኣባይተን ከም ዚነፍራ ረገቢት (8)

      • ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ (17)

      • እቲ ሒደትሲ ሽሕ ኪኸውን እዩ (22)

  • 61

    • ከበስሮም ተቐቢአ (1-11)

      • “ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋ” (2)

      • “ዓበይቲ ኣእዋም ጽድቂ” (3)

      • ጓኖት ኪሕግዙ እዮም (5)

      • “ካህናት የሆዋ” (6)

  • 62

    • ሓድሽ ስም ጽዮን (1-12)

  • 63

    • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዚፈድዮ ሕነ (1-6)

    • የሆዋ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ (7-14)

    • ጸሎት ንስሓ (15-19)

  • 64

    • ጸሎት ንስሓ ይቕጽል (1-12)

      • የሆዋ፡ “ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ” (8)

  • 65

    • የሆዋ ንኣምለኽቲ ጣኦት ዝፈረዶም ፍርዲ (1-16)

      • ኣማልኽቲ ጽቡቕ ዕድልን ጽሕፍቶን (11)

      • ‘ገላዎይ ኪበልዑ እዮም’ (13)

    • ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን (17-25)

      • ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ (21)

      • ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን (23)

  • 66

    • ናይ ሓቂ ኣምልኾን ናይ ሓሶትን (1-6)

    • ጽዮንን ደቃን (7-17)

    • ህዝቢ ኣብ የሩሳሌም ንኣምልኾ ኺእከቡ እዮም (18-24)