ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣይኪድንጕን’ዩ!” (መዝሙር ኣኼባ ዞባ 2023)

“ኣይኪድንጕን’ዩ!” (መዝሙር ኣኼባ ዞባ 2023)

(ኣንባቆም 2:3)

ኣራግፍ፦

  1. 1. ኣቤት ፍጥረትካ! ግብርታት ኢድካ፡

    ዝደኰንካዮ ’ወ ብትዕግስትኻ።

    እሙን ብሓቂ፡ ኣርኣያ ፍቕሪ፣

    ትገብር ዓቕሊ ኽትሕድሳ ምድሪ።

    (ኣዝማች)

    ኣቦ፡ ሓግዘና ኽንገብር ትዕግስቲ፡

    ክንጽበ’ታ መዓልቲ።

    ርግጽ ኪወግሕ’ዩ፡ ኣይተርፍን’ዩ መስዩ።

    ’ቲ ግዜ ምዱብ እንድዩ፡

    “ኣይኪድንጕን’ዩ!”

  2. 2. ንጽበ ’ለና ’ወ ብህንጥዮት፣

    ኦ የሆዋ ’ቦ፡ ትንሳኤ ምዉታት።

    ትናፍቕ ኢኻ ንእሙናትካ፣

    ሃበና ዓቕሊ ኽንዕገስ ከማኻ።

    (ኣዝማች)

    ኣቦ፡ ሓግዘና ኽንገብር ትዕግስቲ፡

    ክንጽበ ’ታ መዓልቲ።

    ርግጽ ኪወግሕ’ዩ፡ ኣይተርፍን’ዩ መስዩ።

    ’ቲ ግዜ ምዱብ እንድዩ፡

    “ኣይኪድንጕን’ዩ!”

  3. 3. ተናድዮም’ውን ቅኑዕ ዝልቦም፡

    ህይወት ዘልኣለም መታን ከተውርሶም።

    መዓይይትኻ ስለ ዝዀንና፡

    ዕድሜና ምቝጻር ሕጂ ተማሂርና።

    (ኣዝማች)

    ኣቦ፡ ሓግዘና ኽንገብር ትዕግስቲ፡

    ክንጽበ ’ታ መዓልቲ።

    ርግጽ ኪወግሕ’ዩ፡ ኣይተርፍን’ዩ መስዩ።

    ’ቲ ግዜ ምዱብ እንድዩ፡

    “ኣይኪድንጕን’ዩ!”

    ኣቦ፡ ሃበና ዓቕሊ!

(ቈሎ. 1:11 እውን ርአ።)