ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ

ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ

ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ

ንዜጋጥመካ ጸገማት ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ብዙሓት ክኢላታት፡ እቲ ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህቦ መልሲ፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለካ ምዃኑ ኸም ዚሕብር ይኣምኑ እዮም። ኵላትና፡ ኣብ ህይወትና ኸቢድ ጸገማት የጋጥመና እዩ። ናይ ገሌና ኸኣ ካብ ናይ ካልኦት ሓለፍ ዝበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም፡ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞም፡ ጸገማቶም ክኢሎም ናብራኦም ኪመርሑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ብተዛማዲ ናኣሽቱ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ተስፋ ዚቘርጹ ስለምንታይ እዮም፧

ንኣብነት፡ ስራሕ ትደሊ ኣለኻ ንበል። ቃለ መጠይቕ ትገብር ግናኸ ተቐባልነት ኣይረኸብካን። ድሕሪኡ እንታይ እዩ ዚስምዓካ፧ ፈጺምካ ኸም ዘይትድለን ኵነታትካ ፍታሕ ከም ዘይብሉን ጌርካ ብምሕሳብ፡ ‘ማንም ሰብ ኣይቈጽረንን እዩ፣ ስራሕ ክረክብ ኣይኰነለይን እዩ’ ኢልካ ትድምድም ትኸውን። ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ሓደ ዅነት ንዅሉ መዳያት ህይወትካ ኸም ዚጸልዎ ጌርካ ብምሕሳብ፡ ‘በቃ ዋጋ የብለይን፡ ንማንም ሰብ ኣይጠቅምን እየ’ ኢልካ ትድምድም ትኸውን። እዚ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዩ።

ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ተቓለሶ

ብኸመይ ኢኻ ኽትቃለሶ እትኽእል፧ መጀመርታ ነቲ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣለልዮ። ቀጺልካ ኸኣ ተቓለሶ። ስለምንታይ ከም ዘይሰለጠካ ርትዓዊ ዝዀነ ምኽንያት ድለ። ንኣብነት፡ ዘይሰለጠካ ብሓቂዶ ማንም ሰብ ኪቘጽረካ ስለ ዘይደለየ እዩ፧ ወይስ እቲ ወሃብ ካልእ ብቕዓታት ዘለዎ ሰብ ኪቘጽር ስለ ዝደለየ እዩ፧

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓቅነት ዘለዎ ነገራት ምስ እትሓስብ፡ እቲ ተሰሚዑካ ዝነበረ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፡ ስምዒታዊ ጥራይ ከም ዝነበረ ኺርድኣካ እዩ። ኣብ ሓደ ዅነታት ተቐባልነት ዘይምርካብካ፡ ፈጺምካ ዘይትረብሕ ኢኻ ማለት ድዩ፧ ክትዕወተሉ እትኽእል ካልእ መዳያት ህይወት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ከም መንፈሳዊ ንጥፈታት፡ ምስ ስድራ ቤትካ ዘሎካ ርክብ፡ ወይ ምሕዝነት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ነቲ ዚመጸካ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ መዕነዊ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ ብምሕሳብ ከተወግዶ ጽዓር። ደሓር ከኣ፡ ፈጺምካ ስራሕ ከም ዘይትረክብ እንታይ መረጋገጺ ኣሎካ፧ ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንምውጋድ ክትገብሮ እትኽእል ካልእ ነገር እውን ኣሎ።

ኣብ ሸቶታት ዘተኰረ ኣወንታዊ ኣረኣእያ

ኣብቲ ቐረባ ዓመታት፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ተስፋ ባህ ዜብል ግናኸ እተቐየደ መግለጺ ሂቦም እዮም። ተስፋ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ዚሕግዘካ እምነት ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። እታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እትሕብሮ፡ ተስፋ ኻልእ ብዙሕ ነገራት እውን ትሓቍፍ እያ። ኰይኑ ግና፡ እዚ መግለጺ እዚ፡ ብብዙሕ መገድታት ጠቓሚ እዩ። ኣብዚ መዳይ ተስፋ እዚ ምትኳርና፡ ሸቶታት ብምውጻእ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኪሕግዘና እዩ።

ሸቶታትና ኽንወቅዕ ከም እንኽእል ምእንቲ ኽንኣምን ሸቶታት ከነውጽእን ክንወቕዖ ኽንዕርን ኣሎና። ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ እተውጽኦ ሸቶታት ኣርዚንካ ኽትሓስበሉ ጠቓሚ እዩ። እሞኸ፡ ሸቶ ኣለካዶ፧ ብመዓልታዊ ናብራና ኣዚና ትሑዛት ስለ እንኸውን፡ ኣብ ህይወትና ብሓቂ እንደልዮን ዝያዳ ዜገድሰናን እንታይ ምዃኑ ኸይሓሰብና ስቕ ኢልና ኽንነብር ቀሊል እዩ። እቲ ነዊሕ ዓመታት ይገብር እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ምስራዕ ዚምልከት ግብራዊ መሰረታዊ ስርዓት፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ብምባል የተባብዕ።—ፊልጲ 1:10

ቀዳምነት እንህቦ ነገራት እንተ ሰሪዕና፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትና፡ ንኣብነት፡ ኣብ መንፈሳውነትና፡ ኣብ ስድራ ቤትና፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሕና ሸቶታት ከነውጽእ ቀሊል እዩ ዚኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ መጀመርታ ብሓንሳእ ብዙሕ ሸቶታት ኣብ ክንዲ እነውጽእ፡ ክንበጽሖ እንኽእል ቀሊል ሸቶታት እንተ ኣውጻእና ዝሓሸ እዩ። ሓደ ሸቶ ኽትወቕዖ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኬጨንቐካን ተስፋ ኼቍርጸካን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ብነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ዓበይቲ ሸቶታት፡ ብሓጺር ግዜ ናብ ዚብጻሕ ናኣሽቱ ሸቶታት ክትመቓቅሎ ዝሓሸ እዩ።

ጻዕሪ እንተ ኣልዩ፡ ዓወት ኣይተርፍን እዩ። ንጹር ዝዀነ ሸቶታት እንተ ኣውጺእና፡ ነቲ ሸቶታት ንምውቃዕ ባህግን ቈራጽነትን ኪህልወና ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ሸቶታት ዘለዎ ጥቕምን ምስ ወቓዕናዮ እንረኽቦ በረኸትን ብምስትንታን ቈራጽነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ዕንቅፋታት ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኺስገር ከም ዚኽእል ብድሆታት ጌርና ደኣ እምበር፡ ከም መሐንኰሊና ጌርና ኽንርእዮ የብልናን።

ይኹን እምበር፡ ሸቶታትና ንምውቃዕ ዚሕግዘና ግብራዊ መገድታት እውን ክንሓስብ ኣሎና። ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ጥቕሚ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝገበረ ደራሲ ሲ ሪክ ሲንደር፡ ሸቶታትካ እትወቕዓሉ እተፈላለየ መገድታት ምሕሳብ፡ ኣገዳሲ ምዃኑ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓደ መገዲ እንተ ዘየዋጺኡ ኻልኣይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ እናበልና ንፍትን።

ብዘይካዚ፡ ሲንደር ንሓደ ሸቶ ብኻልእ ሸቶ ምትካእ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ርእይቶ ሂቡ ኣሎ። ንሓደ ሸቶ ኽንወቅዖ እንተ ዘይክኢልና፡ ብዛዕባኡ ምስቍርቋር ተስፋ ጥራይ እዩ ዜቝርጸና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኪብጻሕ ብዚኽእል ካልእ ሸቶ ምትካኡ ተስፋ ይህበና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዜብርህ ኣብነት ይህበና እዩ። ንጉስ ዳዊት ንኣምላኹ ንየሆዋ ቤተ መቅደስ ኪሃንጸሎ ባህ ዜብል ሸቶ ኣውጺኡ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ግና ንዳዊት እቲ መሰል እቲ እተዋህቦ ንወዱ ሰሎሞን ምዃኑ ነገሮ። ዳዊት በዚ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት እናስቈርቈረ ኻብ ዚነብር ሸቶኡ ኪቕይር መረጸ። ንወዱ ነቲ ፕሮጀክት ህንጸት ኣብ ምዝዛም ምእንቲ ኺሕግዞ፡ ንዋትን ካልእ ንህንጸት ዜድሊ ነገራትን ኣብ ምእካብ እዩ ኣተኲሩ።—1 ነገስት 8:17-19፣ 1 ዜና መዋእል 29:3-7

ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብምስናፍ፡ ኣብ ሸቶ ዘተኰረ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኸኣ ብምምዕባል ንደረጃ ተስፋና ኽብ እኳ እንተ ኣበልናዮ፡ ኣብ ተስፋና ዓብዪ ሃጓፍ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ መብዛሕትኡ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ እዩ። ነዚ ንደቂ ሰብ ዓብሊልዎም ዘሎ ኸም ድኽነትን ውግእን ዘይፍትሓውነትን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኸቢድ ሕማምን ሞትን ክንሓስበሉ ኸለና፡ ብኸመይ ኢና እሞ ተስፋና ኽንዕቅብ እንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ዝደለኻዮ ስራሕ እንተ ዘይረኺብካ፡ ስራሕ ፈጺምካ ኸም ዘይትረክብ ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ዳዊት ኣብ ሸቶታቱ ተዓጻጻፍነት ኣርእዩ እዩ