ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧

ናይ ሓቂ ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧

ናይ ሓቂ ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧

ሰዓትካ፡ ተበላሽያ ምስራሕ ኣቋሪጻ ንበል። ከተዓርያ ኽትሓስብ ከለኻ ድማ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ትፈልጥ። ብዛዕባ ሰዓት ምዕራይ ብዙሕ መወዓውዒ ይቐርብ። ኵሉ እቲ መወዓውዒ ኸኣ ጽቡቕ ተስፋ ዚህብ እኳ እንተዀነ፡ ገሊኡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሰዓትካ ዝነደፋ ሓደ ኻብቶም ጐረባብትኻ ኸም ዝዀነ እንተ ትሰምዕከ፧ ወረግ ብናጻ ኸዓርየልካ ኸም ዚደሊ እውን ትፈልጥ። መሸም እንታይ ከም እትመርጽ ንጹር እዩ።

ነታ ሰዓት፡ ምስቲ ተስፋ ንምግባር ዘሎካ ብቕዓት ኣነጻጽሮ። ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ብዙሓት ሰባት ተስፋ የብሎምን። ንስኻ እውን ሓደ ኻባታቶም እንተ ዄንካ፡ ካበይ ኢኻ ሓገዝ ክትረክብ እትኽእል፧ ነዚ ጸገም እዚ ኺፈትሕዎ ኸም ዚኽእሉ ዚዛረቡ ሓያሎ ሰባት ኣለዉ። እቲ ዚህብዎ ማእለያ ዘይብሉ ርእይቶታት ግና፡ ዜደናግርን ንሓድሕዱ ዚጋጮን እዩ። ስለዚ፡ ብቐዳምነት ናብቲ ምንጪ ተስፋን ነዳፊ ደቂ ሰብን ዝዀነ ፈጣሪ ቝሊሕ ዘይትብል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑን ኪሕግዘና ኸኣ፡ ኣዝዩ ኸም ዚደልን ይገልጽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:27፣ 1 ጴጥሮስ 5:7

ዝሰፍሐ ትርጉም ተስፋ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተስፋ ዚህቦ ትርጉም፡ ካብቲ ሎሚ ሓኻይምን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሳይኮሎጀኛታትን ዚህብዎ ትርጉም ዝሰፍሐ እዩ። ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “ተስፋ” ተባሂለን ዚትርጐማ ቓላት ብሃንቀውታ ምጽባይን ጽቡቕ ምጽባይን ዚብል ትርጉም እዩ ዘለወን። ብመሰረቱ፡ እታ ተስፋ እትብል ቃል፡ ክልተ ሓሳባት ዝሓቘፈት እያ። ንጽቡቕ ነገር ምብሃግን እቲ ጽቡቕ ነገር ከም ዚመጽእ ንዘሎካ እምነት ዚኸውን መሰረትን ዝሓቘፈት እያ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ ተስፋ፡ ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ጭቡጥ ነገርን ኣብ መርትዖን እተመርኰሰ ድልዱል መሰረት ኣለዎ።

በዚ መዳይ እዚ፡ ተስፋ ምስታ ኣብ ብዓይኒ ዕሙተይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መርትዖ እተመስረተት እምነት ትመሳሰል እያ። (እብራውያን 11:1) ምስናይዚ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነትን ተስፋን ፈላልዩ ይጠቕሰን እዩ።—1 ቈረንቶስ 13:13

ንመረዳእታ፡ ንሓደ እትኣምኖ ፈታዊኻ ሓደ ነገር ኪገብረልካ ትሓትቶ ንበል፣ ከም ዚገብረልካ ኸኣ ተስፋ ትገብር ኢኻ። ተስፋኻ መሰረት ዘይብላ ኣይኰነትን። ከመይሲ፡ ኣብ ፈታዊኻ እምነት ኣሎካ፣ ኣጸቢቕካ ድማ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብ ዝሓለፈ ንዝገበሮ ለውሃትን ልግስን ከኣ ርኢኻ ኢኻ። ስለዚ፡ እምነትን ተስፋን ንሓድሕደን ኣጸቢቐን እተኣሳሰራ እየን። ግናኸ፡ ፍልልይ እውን ኣለወን። እሞኸ፡ ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ተስፋ ኺህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

መሰረት ተስፋ

ምንጪ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣምላኽ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ተስፋ እስራኤል” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (ኤርምያስ 14:8) ኵሉ እቲ ህዝቡ ዝነበሮም ዜተኣማምን ተስፋ፡ ካብኡ እዩ ዚመጾም ነይሩ። ስለዚ፡ ተስፋኦም እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ፡ ትምኒት ጥራይ ኣይነበረን። ኣምላኽ ንተስፋኦም ድልዱል መሰረት ሂብዎም እዩ። ንዘመናት ዚኣክል ምስኦም ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዙሕ ተስፋታት ሂብዎም፡ ኵሉ ተስፋታቱ ኸኣ ፈጺሙ እዩ። እቲ ንእስራኤላውያን ዚመርሖም ዝነበረ እያሱ ኸምዚ በሎም፦ “ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ . . . ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።”—እያሱ 23:14

ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ጸብጻብ እቲ ሓቅነቱ ኣይተቐየረን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ጕሉሕ ተስፋታትን ብልክዕ ከም እተፈጸመ ዚገልጽ ታሪኻዊ ጸብጻብን ሒዙ ኣሎ። እቲ ትንቢታዊ ተስፋታቱ ኸም ዚፍጸም ርግጽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ገሊኡ ጸብጻባት ከም እተፈጸመ ዀይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መጽሓፍ ተስፋ ጌርና እንዛረበሉ። ንጸብጻብ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዝገበሮ ርክብ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ኣብኡ ዘሎካ ተስፋ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ” በለ።—ሮሜ 15:4

ኣምላኽ እንታይ ተስፋ እዩ ሂቡና፧

ተስፋ ብፍላይ ዜድልየና መዓስ እዩ፧ ምስ ሞት እተተሓሓዘ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎዶ ኣይኰነን፧ መብዛሕትኦም ሰባት ግና፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንኣብነት፡ ሰቦም ኪሞቶም ከሎ ተስፋኦም ይጽልምት እዩ። ደሓር ከኣ፡ ካብ ሞት ንላዕሊ ተስፋ ኬቝርጽ ዚኽእል እሞ እንታይ ኣሎ፧ ሞት ንዅላትና ይሃድነና እዩ። ካብኡ ኸነምልጥ ከኣ ኣይንኽእልን ኢና። ክንትንስእ እውን ሓይሊ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት፡ “ናይ መወዳእታ ጸላኢ” ኺብሎ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 15:26

እሞ ደኣ ምስ ሞት እተተሓሓዘ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና ተስፋ ኽንረክብ እንኽእል፧ እታ ንሞት ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኢላ እትጠቕሶ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ከም “ዚሰዓር” እውን ትገልጽ እያ። የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሞት ይሕይል እዩ። ነዚ ኸኣ፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣርእይዎ እዩ። ብኸመይ፧ ንምዉታት ብምትንሳእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ሓይሉ ተጠቒሙ ምዉታት ከም ዘተንስአ ዚገልጽ፡ ትሸዓተ እተፈላለየ ጸብጻባት ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣጋጣሚ፡ የሆዋ ንወዱ የሱስ ነቲ ኻብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ዝነበረ ዜፍቅሮ ፈታዊኡ ኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምእንቲ ኼተንስኦ፡ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። የሱስ ነዚ ብሕቡእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ብጋህዲ እዩ ገይርዎ።—ዮሃንስ 11:38-48, 53፣ 12:9, 10

‘ሰባት ዝተንስኡ ስለምንታይ እዮም፧ ኣሪጎም እንደገና ሞይቶም ደይኰኑን፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እወ ሞይቶም እዮም። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜተኣማምን ጸብጻብ ተስፋ ትንሳኤ ስለ ዘሎና፡ ብሞት እተፈለዩና እነፍቅሮም ሰብና ኺትንስኡ ንብህግ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዚትንስኡ ዜእምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣሎና።

የሱስ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” በለ። (ዮሃንስ 11:25) ብደረጃ ዓለምለኸ፡ ምዉታት ኬተንስእ ካብ የሆዋ ሓይሊ ዚቕበል ንሱ እዩ። የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ ክርስቶስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ . . . ሽዑ . . . ኺወጹ እዮም” በለ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እወ፡ ኵሎም እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ሰባት፡ ተንሲኦም ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።

ነብዪ ኢሳይያስ፡ ንትንሳኤ በዚ ዚስዕብ ማራኺ ስእላዊ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም። ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ፡ እልል እውን በሉ! ኣውልኻስ ኣውሊ ንግሆ እዩ፣ ምድሪ ድማ ነቶም ብሞት እተሰነፉ፡ ህያዋን ኪዀኑ ኽትሓድጎም እያ።”—ኢሳይያስ 26:19

እዝስ ዜጸናንዕዶ ኣይኰነን! ልክዕ ከምቲ ሓደ ሕጻን ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዚዕቈብ፡ ምዉታት እውን ኣብ ውሑስ ቦታ ተዓቚቦም እዮም ዘለዉ። እወ፡ እቶም ኣብ መቓብር ኣዕሪፎም ዘለዉ ምዉታት፡ ኣብ ተዘክሮ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተዓቂቦም እዮም ዘለዉ። (ሉቃስ 20:37, 38) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ፈቃር ስድራ ቤት ንሓደ ዚውለድ ሕጻን እትቕበሎ፡ ሕጉሳትን ፈቃራትን ሰባት ነቶም ዚትንስኡ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዎም እዮም። ስለዚ፡ ምስ ሞት እተተሓሓዘ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን፡ ተስፋ ኣሎ።

ተስፋ ብኸመይ እያ እትጠቕመካ፧

ጳውሎስ፡ ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ጥቕሚ ይምህረና እዩ። ንተስፋ ኸም ቍራዕ ርእሲ ማለት፡ ኣገዳሲ ኽፋል መንፈሳዊ ኣጽዋር ገይሩ ጠቒስዋ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ከምኡ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ወተሃደር ኣብ ውግእ ቍራዕ ርእሲ ይገብር ነይሩ እዩ። እቲ ቖብዕ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ውሽጡ ጸምሪ ወይ ቈርበት እተለበጦ ብረት እዩ ነይሩ። እቲ ቝራዕ ናብቲ ርእሲ ንዚውርወር ኵሉ ፍላጻታት ነጢሩ ኸም ዚምለስ ይገብሮ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ወተሃደር ካብ ሞት ኬምልጥ ይኽእል። ጳውሎስ እንታይ እዩ ኼጕልሕ ደልዩ፧ ልክዕ ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ዚከላኸለሉ፡ ተስፋ እውን፡ ንኣእምሮና ወይ ንኣተሓሳስባና ይከላኸለሉ እዩ። ምስ ዕላማታት ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ድልዱል ተስፋ እንተ ኣልዩካ፡ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ናይ ኣእምሮ ሰላምካ ኣይኪናወጽን እዩ። ከምዚ ዓይነት ቍራዕ ርእሲ ዘየድልዮ እሞ መን ኣሎ፧

ጳውሎስ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ንዚተሓሓዝ ተስፋ ዜብርህ ካልእ ህያው መብርሂ ሂቡ ኣሎ። “እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ” በለ። (እብራውያን 6:19) ጳውሎስ ኣብ እተፈላለየ ግዜ ምስባር መርከብ ኣጋጢምዎ ስለ ዝነበረ፡ መልህቕ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ባሕረኛታት ዜናውጽ ማዕበል ኬጋጥሞም ከሎ፡ ንመልህቕ እታ መርከብ ንታሕቲ የውርድዎ እዮም። እቲ መልህቕ ኣብ ባይታ እቲ ባሕሪ እንተ ተሸኺቱ ኸኣ፡ እታ መርከብ በቲ ማዕበል እናተደፍአት ምስ ኣኻውሕ ከይትጋጮ ይሕግዛ።

ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ “ርግጽን ጽንዕትን” ተስፋ እንተ ኣልያትና፡ እዛ ተስፋ እዚኣ፡ ነዚ ዜናውጽ እዋናት እዚ ኽንሰግሮ ኽትሕግዘና እያ። የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ካብ ውግእን ገበንን ሓዘንን ካብ ሞት እውን ከይተረፈ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓራ ዝወጽሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ የተስፉ እዩ። (ኣብ ገጽ 10 ዘላ ሳጹን ርአ።) ነዛ ተስፋ እዚኣ ዓትዒትና ምሓዝና፡ ብስርዓታት ኣምላኽ እናተመራሕና፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ርኹስ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኽንሕሎ ኺሕግዘና እዩ።

እቲ የሆዋ ዚህቦ ተስፋ፡ ንዓኻ እውን ይምልከት እዩ። ንህይወት ከምቲ ዝዓለሞ ጌርካ ኸተስተማቕራ የድልየካ እዩ። “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕን” እዩ ዚደሊ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧ መጀመርታ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእ” ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ኣሕተምቲ እዛ ሕታም እዚኣ፡ ብዛዕባ ሓቂ ቓል ኣምላኽ፡ ህይወት ዚህብ ፍልጠት ክትቀስም የተባብዑኻ እዮም። እቲ ኣምላኽ ዚህበካ ተስፋ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኽትረኽቦ እትኽእል ተስፋ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ እዩ።

እዛ ተስፋ እዚኣ እንተ ደኣ ኣልያትካ፡ ፈጺምካ ተስፋ ኣይክትቈርጽን ኢኻ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ንዘውጻእካዮ ሸቶታት ክትወቅዕ፡ ዜድልየካ ሓይሊ ኺህበካ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:13) ከምዛ ዓይነት ተስፋ ደይኰነትን እተድልየካ፧ ስለዚ እምበኣር፡ ተስፋ ተድልየካ እንተ ዀይና፡ ትደልያ እንተ ደኣ ኔርካ፡ ኣጆኻ ኣብ ኢድካ እያ ዘላ፣ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ!

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት እዚ ንተስፋኻ የደልድሎ እዩ፦

ኣምላኽ ዜሐጕስ መጻኢ ኣተስፍዩ ኣሎ።

ቃሉ፡ ምድሪ ገነት ከም እትኸውንን ብሕጉሳትን ሓድነት ብዘለዎምን ስድራ ቤት ከኣ ከም እትመልእን ይገልጽ እዩ።—መዝሙር 37:11, 29፣ ኢሳይያስ 25:8፣ ራእይ 21:3, 4

ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ።

ንሱ ንዅሉ ዓይነት ሓሶት ይጸልእ እዩ። የሆዋ ኣዝዩ ቕዱስ ወይ ንጹህ ስለ ዝዀነ ኺሕሱ ኣይክእልን እዩ።—ምሳሌ 6:16-19፣ ኢሳይያስ 6:2, 3፣ ቲቶስ 1:2፣ እብራውያን 6:18

ኣምላኽ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ።

የሆዋ ጥራይ እዩ ዅሉ ዚኽእል። ተስፋታቱ ኸይፍጽም ኪኽልክሎ ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን።—ዘጸኣት 15:11፣ ኢሳይያስ 40:25, 26

ኣምላኽ ንዘለኣለም ክትነብር ይደልየካ እዩ።

​—ዮሃንስ 3:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

ኣምላኽ ብኣና ተስፋ ይገብር እዩ።

ኣብ ጕድለትናን ድኽመትናን ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያትናን ጻዕርታትናን እዩ ዜተኵር። (መዝሙር 103:12-14፣ 130:3፣ እብራውያን 6:10) ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ተስፋ ይገብር እዩ፣ ክንገብሮ ኸለና ኸኣ ይሕጐስ እዩ።—ምሳሌ 27:11

ኣምላኽ ምስ ዕላማኡ ብዚተሓሓዝ ኣብ እተውጽኦ ሸቶታት ከም ዚሕግዘካ ኣተስፍዩ እዩ።

ኣገልገልቱ ተስፋ ኪቘርጹ ኣየድልዮምን እዩ። ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ብልግሲ ኻብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ፡ ማለት መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ።—ፊልጲ 4:13

ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ምግባር ዓስቢ ዘይብሉ ኣይኰነን።

ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክትውከሎ እትኽእልን እሙንን ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኣይኬሕፍረካን እዩ።—መዝሙር 25:3

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ዚከላኸለሉ፡ ተስፋ እውን ነእምሮ ትከላኸለሉ እያ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም መልህቕ፡ ድልድልቲ ተስፋ እውን ከተጽንዓና ትኽእል እያ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy René Seindal/Su concessione del Museo Archeologico Regionale A. Salinas di Palermo