ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስነ ምግባር ሃንደበት ዘንቈልቈለሉ እዋን

ስነ ምግባር ሃንደበት ዘንቈልቈለሉ እዋን

ስነ ምግባር ሃንደበት ዘንቈልቈለሉ እዋን

ስነ ምግባር ሃንደበት ከንቈልቍል ዝጀመረ እዋን መዓስ እዩ ምበልካ፧ ኣብ ዕድሜኻ ወይስ ኣብ ዕድመ ኻባኻ ዚዓብዩ ኣዝማድካን ፈተውትኻን፧ ገሊኦም እቲ ብ1914 እተወልዐ ቐዳማይ ውግእ ዓለም፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስነ ምግባራዊ ውድቀት ከም ዘስዓበ ይዛረቡ እዮም። ፕሮፌሰር ሮበርት ዎል ኣብታ ጀነሬሽን ኦቭ 1914 ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቶም ነቲ ውግእ ዝረኣዩ ሰባት፡ ኣብ ነሓሰ 1914 ሓንቲ ዓለም ብኻልእ ዓለም ከም እተቐየረት እዮም ዚኣምኑ” በለ።

ጸሓፍ ታሪኽ ዝዀነ ኖርማን ካንቶር ከኣ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ኵሉ ቦታታት፡ እቲ ዜንቈልቍል ዝነበረ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት፡ ሽዑ ምሉእ ብምሉእ ተበላሽዩ እዩ። እቶም ፖለቲከኛታትን ጀነራላትን ነቶም ዚመርሕዎም ዝነበሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንማሕረዲ ኸም ዚኸይድ እንስሳ ኻብ ቈጸርዎ፡ ኣየናይ ሃይማኖታዊ ወይ ስነ ምግባራዊ ስርዓት እዩ እሞ ንሰባት ንሓድሕዶም ከም ኣራዊት ከይጨኻኸኑ ኪኽልክሎም ዚኽእል፧ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም [1914-18] እተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ህይወት ሰብ ሓሲሩ እዩ።”

እንግሊዛዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝዀነ ኤች. ጂ. ዌልስ ኣብቲ ዘ ኣውትላይን ኦቭ ሂስትሪ ዘርእስቱ ጽሑፉ፡ “ናይ ሓቂ ስነ ምግባራዊ ውድቀት ዘጋጠመ፡” ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢሉ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ሰብ ካብ እንስሳ ቝሩብ ዝማዕበለ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። እቲ ብፍልቀት ዚኣምን ዌልስ ብ1920፡ “ሰብ ከምቲ ኣብ ህንዲ ዚርከብ ሃዳናይ ከልቢ፡ ብሓባር ዚነብር እንስሳ ኸም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ . . .  ስለዚ፡ እቶም ዝበርትዑን ዝሓየሉን ንኻልኦት ምጭቋኖምን ምግዛኦምን ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣዮም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።

እምበኣር፡ ከምቲ ካንቶር ዝበሎ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንስነ ምግባር ሰባት ኣበላሽይዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ንዅሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ትውልዲ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ኣብ ኣከዳድና፡ ኣብ ጾታዊ ጕዳያት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣነኣኢሶምዎ እዮም” ይብል። እተን ንክርስትያናዊ ትምህርትታት ብኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ዜራኸሳን ንውግእ ዚባረኻን ኣብያተ ክርስትያናት፡ ስነ ምግባር ንኼንቈልቍል ዓብዪ ግደ ነይርወን እዩ። እንግሊዛዊ ብርጋዴር ጀነራል ፍራንክ ክሮዝየር፡ “ከም ኣብያተ ክርስትያናት ጽምኢ ደም ዘለዎ የለን። ንሕና ድማ ነዚ ተጠቒምናሉ ኢና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።

ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዕሽሽ ተባሂሉ

ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝነበረ ዜጕርዕ ዕስራታት ተባሂሉ ዚፍለጥ ዓሰርተ ዓመት፡ ‘ብስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ክንዲ እትቕየድ፡ ቅኑዕ መሲሉ እተራእየካ ግበር’ ዚብል ኣተሓሳስባ ተኣታትዩ እዩ። ጸሓፍ ታሪኽ ፍረድሪክ ልዊስ ኣለን ከምዚ በለ፦ “እተን ድሕሪ ውግእ ዝነበራ ዓሰርተ ዓመት፡ ስድነት ዝሰፈነለን ዓመታት ተባሂለን ኪጽውዓ ይከኣላ እየን። እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ስርዓት ዓለም፡ ምስቲ ንህይወት ዜጸብቖን ትርጉም ዚህቦን ስርዓታት እውን ምስ ጠፍአ፡ ድሕሪኡ ንዕኡ ዚትክእ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣይተረኽበን።”

እቲ ብ1930ታት ዘጋጠመ ቕልውላው፡ ንብዙሓት ናብ ሕሱም ድኽነት ብምሽማም፡ ቍጡባት ኪዀኑ ገይርዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ እተን ዓሰርተ ዓመት፡ እቲ ዝያዳ ኣዕናዊ ዝዀነ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ተወልዐ። ሽዑ መንግስትታት ኣዝዩ ዜፍርህ ኣጽዋራት ኪሰርሓ ጀመራ። እዚ ንዓለም ካብ ቍጠባዊ ቕልውላው እኳ እንተ ኣውጽኣ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ስቓይን ራዕድን ኣእተዋ። ኣብ መወዳእታ እቲ ውግእ፡ ብኣማእታት ዚቝጸራ ኸተማታት ዓንየን እየን። ንኣብነት፡ ክልተ ኣብ ጃፓን ዚርከባ ኸተማታት፡ ብኽልተ ኣቶማዊ ቦምባታት ከም ዘይነበራ ዀይነን እየን። ሚልዮናት ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ብዜስካሕክሕ መገዲ ተቐቲሎም እዮም። ብሓፈሻ እቲ ውግእ፡ ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ቈልዑ ዚርከብዎ ህይወት ኣስታት 50 ሚልዮን ሰባት ኣጥፊኡ እዩ።

ሰባት ኣብቲ ዜስግእ እዋናት ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ክንዲ በቲ ንነዊሕ እዋን ተቐባልነት ዝነበሮ ስርዓታት ዚምርሑ፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓታት ኪምርሑ ጀመሩ። ነዚ ኣመልኪታ እታ ላቭ፡ ሴክስ፡ ኤንድ ዎር-ቼንቺንግ ቫልዩስ፡ 1939-45 ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “ኣብተን ውግእ ዝነበረን ዓመታት፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ዚርአ ፋሉልነት ናብ ንቡር ማሕበረ ሰባዊ ህይወት ስለ እተኣታተወ፡ ጾታዊ ምሕራም እተረስዐ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ እዋን ውግእ ዝነበረ ህንዳደን ሆይሆይታን ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣጥፊእዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብዙሓት ስድራ ቤታት ንህይወት ልክዕ ከም ኣብ ዓውደ ውግእ ዘላ ሕስርትን ሓጻርን ገይረን ኪርእያ ጀመራ።”

እቲ ‘ኽመውት እየ’ ዚብል ስግኣት፡ ሰባት ንስምዒታዊ ርክባት፡ ዋላ እውን ግዝያዊ ይኹን፡ ሃረር ከም ዚብሉ ገይርዎም እዩ። ሓንቲ እንግሊዛዊት ብዓልቲ ሓዳር፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጾታዊ ፋሉልነት መመኽነይታ ኸተቕርብ ከላ፡ “ብዕሉጋት ኣይነበርናን፣ እዋን ውግእ እዩ ነይሩ” ትብል። ሓደ ኣመሪካዊ ወተሃደር ከኣ፡ “ብመለክዒታት ብዙሓት ሰባት፡ ብዕሉጋት ኢና ኔርና። ኰይኑ ግና፡ መንእሰያት ኢና ኔርና፣ ጽባሕ ክንመውት ከም እንኽእል እውን ንፈልጥ ኔርና ኢና” በለ።

ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ብዙሓት ሰባት፡ በቲ ዝረኣይዎ ዜስካሕክሕ ኵነታት ተሳቕዮም እዮም። ክሳዕ ሎሚ ገሊኦም ሰባት፡ እቶም ሽዑ ቘልዑ ዝነበሩ እውን፡ እቲ ሕማቕ ተዘክሮታት ስለ ዚርኣዮም፡ ስምዒታዊ ስቓይ ኣለዎም። ናይ ብዙሓት ሰባት እምነትን ስነ ምግባራዊ ኮምፓስን እውን ጠፊኡ እዩ። ሰባት፡ መዐቀኒታት ቅኑዕን ጌጋን ንዜውጽእ ዝዀነ ይኹን ስልጣን ኣኽብሮት ስለ ዘይብሎም፡ ‘ንነገራት ከከም ኵነታቱ ኽትወስዶ ኣሎካ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሎም እዮም።

ሓድሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ንጾታዊ ጕዳያት ዚምልከት እተገብረ መጽናዕትታት ተሓቲሙ እዩ፣ ሓደ ኻብዚ መጽናዕቲ ብ1940ታት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ ልዕሊ 800 ገጽ ዘለዎ ኪንዚ ሪፖርት እዩ። እቲ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኺዛረቡሉ ዜሰክፎም ዝነበረ ጾታዊ ነገራት፡ ደሓር ብዘይ ስክፍታ ኺዛረቡሉ ጀሚሮም እዮም። ኣብቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቶም ግብረ ሶዶማውነትን ካልእ ዘይልሙድ ጾታዊ ተግባራትን ዚፍጽሙ ሰባት ዝወጸ ኣሃዝ፡ ተጋኒኑ ኸም ዝነበረ ጸኒሑ እኳ እንተ ተፈልጠ፡ እቲ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ ግና ድሕሪ እቲ ውግእ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣንቈልቍሉ እዩ።

ንእተወሰነ እዋን፡ ቅኑዕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንምዕቃብ ጻዕሪ ይግበር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ረድዮ፡ ኣብ ፊልምታት፡ ኣብ ተሌቪዥን፡ ዚመሓላለፍ ነገራት ብዕሉግ ትሕዝቶ ኸይህልዎ ይጻረ ነይሩ እዩ። እዚ ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን። ጸሓፊ ትምህርቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ዊልያም በነት ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብ1960ታት ኣመሪካ ዘይስልጡን ኪብሃል ናብ ዚከኣል ኵነታት ብፍጥነት ኣንቈልቊላ እያ” በለ። እዚ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት እውን ተራእዩ እዩ። ኣብ 60ታት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣመና ዘንቈልቈለ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብቲ ዓሰርተ ዓመታት እቲ፡ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮን እቲ ነቲ ሓድሽ ስነ ምግባር ዘተኣታተወ ጾታዊ ሰውራን፡ ዳርጋ ማዕረ እዩ ጀሚሩ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ውጽኢታዊ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ተሰሪሑ። በዚ ኸምዚ፡ ጥንሲ ኸይፈራህካ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ልሙድ ኰነ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ፡ ሚድያታት፡ ፊልምታት፡ ተለቪዥን፡ ነቲ ዝነበሮም ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዕሽሽ በልዎ። ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ቤት ምኽሪ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ዞበግንየቭ ብራዚንስኪ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ኣብ ተለቪዥን ዚቐርብ ዝነበረ ነገራት ኪዛረብ ከሎ፡ “ርእሰ ዕግበት ይውድሱ፡ ዜስካሕክሕ ዓመጻን ጭካነን ከም ንቡር ገይሮም የቕርቡ፡ ከምኡ እውን ጾታዊ ብዕልግና የተባብዑ ነይሮም እዮም” ኢሉ እዩ።

ኣብ 1970ታት መጻወቲ ቪድዮ ካሴት ተፈላጥነት ረኺቡ ነይሩ እዩ። ሰባት፡ እቲ ቕድሚኡ ኣብ ሲነማታት ኪርእይዎ ዜሕፍሮም ዝነበረ ብዕሉግን ንጹር ጾታዊ ስእልታትን ዚርኣዮ ፊልምታት፡ ሕጂ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ኪርእይዎ ጀሚሮም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋናት ከኣ፡ ኣብ ዝዀነ ኽፋል ዓለም ዚነብር ኮምፒዩተር ዘለዎ ሰብ፡ ብኢንተርነት ኣቢሉ ኣዝዩ ዜፈንፍን ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ ይኽእል እዩ።

ብብዙሕ መዳያት ኪርአ ኸሎ፡ እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ዜፍርህ እዩ። ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዚ በለ፦ “ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝረኽቦም ዝነበርኩ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ክዛረቦም እኽእል ነይረ። እዞም ሕጂ ዚመጹ መንእሰያት ግና፡ ብዛዕባ እንታይ እዛረብ ከም ዘለኹ እኳ ኣይርድኦምን እዩ።”

መምርሒ ኻበይ ኪርከብ ይከኣል፧

ስነ ምግባራዊ መምርሒ ኻብ ኣብያተ ክርስትያናት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ ኣብያተ ክርስትያናት ከም የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ዝነበሩ ሰዓብቱን ንጽድቃዊ ስርዓታት ኣይደገፋን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ክፍሊ ዓለምን እቲ እኩይ ተግባራታን ኰይኖም እዮም። ሓደ ጸሓፊ ኸም ዝበሎ ኸኣ፡ “ኣየናይ ውግእ እዩ እሞ ተጻባእቲ ኣምላኽ ኣብ ጐድኖም ከም ዘሎ ዘይተዛረቡሉ፧” ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚነብር ሓደ ቐሺ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብዛዕባ ምድጋፍ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ዓለም ከም ቤተ ክርስትያን ዝተሓተ መዐቀኒ ዘለዋ ውድብ የላን፣ ከመይሲ፡ ናብ ኣውቶቡስ ንምእታው እኳ እተወሰነ መዐቀኒ ኸተማልእ ትሕተት ኢኻ።”

ኣብ ዓለም፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣዝዩ እናኣንቈልቈለ ምኻዱ፡ ገለ ነገር ኪግበር ከም ዘለዎ ዜርኢ እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ እንታይ ዓይነት ለውጥታት እዩ ዜድሊ፧ ነዚኸ መን ኪገብሮ ይኽእል፧ ብኸመይከ ኺግበር ይከኣል፧

[ፍረ ሓሳብ]

“ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም [1914-18] እተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ህይወት ሰብ ሓሲሩ እዩ”

[ስእሊ]

ሎሚ፡ ብዕሉግ መዘናግዒ ፈቐዶኡ እዩ ዚርከብ