ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣንብብ

ንትሕዝቶ ትርጉም ሓዳስ ዓለም መርምሮ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብቐሊሉ ኸተንብቦን ክትርድኦን ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣንብብ

ንትሕዝቶ ትርጉም ሓዳስ ዓለም መርምሮ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብቐሊሉ ኸተንብቦን ክትርድኦን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ቀረባ ግዜ እተወሰኸ ቪድዮታትን ሙዚቃን ዓንቀጻትን ዜናን ርአ።

ሓድሽ ነገር ርአ

ነዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ፈትኖ

ብሓገዝ ናይ ብሕቲ መምህር ብናጻ እትምሃረሉ ኣሳታፊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕተት።

ክትብጻሕ ሕተት

ብዛዕባ ሕቶ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥ፡ ወይ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ፍለጥ።

ኣብ ኣኼባ ተኣከብ

ብዛዕባ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ መአከቢ ቦታ ድለ።

ቪድዮታት

ነቲ “ቕዱስ ቃል ኣምላኽ” ንምትርጓም ሕድሪ እተዋህቦም—ሮሜ 3:2

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓለፈ ዘመን እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም። ብዘመናዊ ቛንቋ እንግሊዝኛን ብኻልእ ቋንቋታትን ናይ ገዛእ ርእሶም ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ኬዳልዉ ዘድለዮም ደኣ ስለምንታይ እዩ፧

ነዛ ቪድዮ እዚኣ ርኣያ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እንታዎት ኢና፧

ብኣማእታት ካብ ዚቝጸር ዓሌትን ቋንቋን ዝመጻና እኳ እንተ ዀንና፡ ብሓደ ሓባራዊ ሸቶ ግና ስሙራት ኢና። ልዕሊ ዅሉ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎን ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረን የሆዋ ኸነኽብሮ ንደሊ ኢና። ንየሱስ ክርስቶስ ንኽንመስሎ ዚከኣለና ንገብር ኢና፣ ክርስትያናት ምዃንና እውን የሐብነና እዩ። ነፍሲ ወከፍና ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን መንግስቲ ኣምላኽን ኪምሃሩ ኣብ ምሕጋዝ ኣዘውቲርና ግዜ ነሕልፍ ኢና። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን መንግስቱን ስለ እንምስክር ወይ ስለ እንዛረብ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና ኢና እንፍለጥ።

ንወብ ሳይትና መርምሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣንብብ። ብዛዕባናን ብዛዕባ እምነትናን ብዝያዳ ፍለጥ።

 

Two of Jehovah's Witnesses preaching to a man in a rice paddy.