ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ህይወትካ ዜመሓይሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት

ህይወትካ ዜመሓይሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት

ክርስቲና ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓዘ ጸሊም ቦርሳ ምስ ረኸበት ተደመመት። ከመይሲ፡ እቲ ገንዘብ ማዕረ እቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ሰሪሓ ኽትረኽቦ እትኽእል ደሞዛ እዩ ነይሩ። ዋና እቲ ቦርሳ መን ምዃኑ ትፈልጥ ነይራ እያ። እሞኸ፡ እንታይ እያ ኽትገብር ነይርዋ። ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧ እቲ እትህቦ መልሲ ነቲ ብዛዕባ ቕንዕና ዘሎካ ርእይቶን ንምትግባሩ እትገብሮ ጻዕርን ዜንጸባርቕ እዩ።

ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧ እዚ፡ ከም ጽቡቕን ኣገዳስን ጌርና እንርእዮ ስርዓታት እዩ። ይቕረ ምባልን ቅንዕናን ልግስን ፍቕርን ኣኽብሮት ህይወትን ርእሰ ግትኣትን ድማ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትና ንባህርይና፡ ቀዳምነት ንእንህቦ ነገራት፡ ንሰብኣዊ ርክብና፡ ከምኡውን ነቲ ንደቅና እንህቦም ስነ ምግባራዊ መምርሒ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ የንቈልቍል እዩ ዘሎ።

ምንቍልቋል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት

ብ2008፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ተመራመርቲ ብኣማእታት ንዚቝጸሩ መንእሰያት ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎም ቃለ መጠይቕ ገበረሎም። ዴቪድ ብሩክስ ኣብ መጽሔት ኒው ዮርክ ታይምስ፡ እቶም መንእሰያት፡ “ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ክሳዕ ክንድቲ ዘይሓስቡን ዘይዛረቡን ምዃኖም የጕሂ እዩ” በለ። መብዛሕትኦም፡ ብጾታዊ ርክብ ምዕማጽን ቅትለትን ጌጋ ምዃኑ ዚስምዖም እኳ እንተ ዀነ፡ “ብዘይ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ጕዳይ እዚ፡ ብዛዕባ ኻልእ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣይሓሰቡን እዮም፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ብዛዕባ ሰቲኻ ምዝዋር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ምቕዳሕ ወይ ንብጻይካ ብዛዕባ ምትላል ምስ ተላዕለ እኳ ኣኽቢዶም ኣይረኣይዎን እዮም” በለ። ሓንቲ መንእሰይ፡ “ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ክሳዕ ክንድቲ ኣይጭነቕን እየ” በለት። ሓያሎ ኻባታቶም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ፡ ‘ቅኑዕ ኰይኑ እንተ ተራእዩካ፡ ግበሮ። ልብኻ ዝበለካ ግበር’ ዚብል ርእይቶ እዩ ዘለዎም። እዚ ኣተሓሳስባ እዝስ ጥበባዊ ድዩ፧

ልቢ ወዲ ሰብ፡ ፍቕርን ርሕራሐን ኬመንጭው ተኽእሎ እኳ እንተለዎ፡ “ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን” እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 17:9) እዚ ዜጕሂ ዅነታት እዚ፡ ኣብዚ በብግዜኡ ዚለዋወጥ ዘሎ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዓለም ይንጸባረቕ ኣሎ። እዚ ኸም ዜጋጥም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ’ ኸም ዝዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

እዚ ነገራት እዚ፡ ንልብና እውን ከይተረፈ ኽንምርምሮ ደኣ እምበር፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ከይንኣምኖ ኺድርኸና ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ” ብምባል ኣግሂዱ ይገልጸልና እዩ። (ምሳሌ 28:26) ልክዕ ከምቲ ንሓደ ኮምፓስ ከነቃንዖ ዜድልየና፡ ልብና እውን ብግቡእ ምእንቲ ኼገልግለና ብጥዑይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ከነቃንዖ የድልየና እዩ። ነዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዚ ኣበይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበብን ግሉጽነትን ዘለዎ መጽሓፍ ብምዃኑ፡ ሓያሎ ሰባት ይተኣማመኑሉ እዮም።

ዜተኣማምን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት

ስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንደቂ ሰብ ከም እተዳለወ ዚሕብር መርትዖ ይህበና እዩ። ነዚ ዚገልጽ ሒደት ኣብነት፡ ማለት ፍቕርን ለውሃትን ልግስን ቅንዕናን ንርአ።

ፍቕሪ።

ኢንጂነሪንግ ሃፒነስ—ኤ ኒው ኣፕሮች ፎር ብዩልዲንግ ኤ ጆይፉል ላይፍ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ንኻልኦት ከተፍቅር እንተ ተማሂርካ፡ ሓጐስ ኣብ ማዕጾኻ ኽትኵሕኵሕ እያ” በለ። ከም ደቂ ሰብ መጠን፡ ፍቕሪ ተድልየና እያ። ብዘይ ፍቕሪ፡ ክንሕጐስ ኣይንኽእልን ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።” (ቈሎሴ 3:14) እቲ ኸምኡ ዝበለ ጸሓፊ፡ “ፍቕሪ . . . እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ ምዀንኩ” እውን በለ።—1 ቈረንቶስ 13:2

እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ፡ ብመሰረታዊ ስርዓት እትምራሕ ደኣ እምበር፡ ብጾታዊ ስምዒት እትለዓዓል ወይ ምሉእ ብምሉእ ስምዒታዊት ኣይኰነትን። ንሓደ ኣብ ሽግር ዝወደቐ ዘይንፈልጦ ሰብ፡ ዓስቢ ኸይተጸበና ንኽንሕግዞ እትድርኸና ዓይነት ፍቕሪ እያ። ቀዳማይ ቈረንቶስ 13:4-7፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡ ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ . . . ኵሉ ትጻወር” ትብል።

እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ኣብ ስድራ ቤት እንተ ዘየልያ፡ ኵሎም ብፍላይ ከኣ ቈልዑ ይጕድኡ እዮም። ሞኒካ ዝስማ ሰበይቲ፡ ኣብ ግዜ ቝልዕነታ ኣደዳ ኣካላውን ስምዒታውን ጾታውን መጥቃዕቲ ኸም ዝነበረት ጸሓፈት። “ብዘይ ፍቕርን ብዘይ ተስፋን እየ ነይረ” ድማ በለት። ድሕሪኡ፡ ጓል 15 ዓመት ምስ ኰነት፡ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሩ እኖሓጎኣን ኣቦሓጎኣን ክትነብር ጀመረት።

ሞኒካ፡ “ኣብተን ምሳታቶም ዝነበርኩለን ክልተ ዓመታት፡ ነዛ ሓፋር ዝነበርኩ ጓል ሕውስትን ፈቃርን ሓላይትን ክኸውን መሃሩኒ። ኣኽብሮት ዘለዋ ጐርዞ ክኸውን ሓገዙኒ” በለት። እዛ ሕጂ ሕጕስቲ ብዓልቲ ሓዳር ኰይና ዘላ ሞኒካ፡ ምስ ሰብኣያን ሰለስተ ደቃን ኰይና፡ ንሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጋር ፍቕራ ትገልጸሎም ኣላ።

ረቂቕ ጸላእ ፍቕሪ ግና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ፍቕረ ንዋይ እዩ። ፍቕረ ንዋይ ኪብሃል ከሎ፡ ስጋዊ ምሾትን ተድላን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኽብ ዝበለ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ከም ዝዀነ ጌርካ ምእማን ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝያዳ ሃብቲ፡ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዘየምጽእ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ሰባት ንኺሕጐሱ ሒደት ገንዘብ ጥራይ ከም ዜድልዮም ዓለማዊ መጽናዕትታት ብተደጋጋሚ ይሕብር እዩ። ንፍቕረ ንዋይ ከም ኣገዳሲ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ገይሮም ዚርእይዎ ሰባት፡ ሓጐስ ዘይኰነስ፡ ጓሂ ኼጥርዩ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብ መክብብ 5:10፡ “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ” ብምባል ነዚ ሓሳብ እዚ የራጕዶ እዩ። ብዘይካዚ፡ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን” ብምባል እውን ይምዕድ እዩ።—እብራውያን 13:5

ለውሃትን ልግስን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ በርክለይ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዚርከብ ዘ ግሬተር ጉድ ሳይንስ ሰንተር (ማእከል ዝዓበየ ጽቡቕ ስነ ፍልጠት) እተዳለወት ሓንቲ ዓንቀጽ፡ “ኣብ ሓደ መኽዘን ኬድካ ንዕድሜኻ ምልኡ ዚኸውን ሓጐስ እንተ ትዕድግሲ ኣዝዩ ባህ ዜብልዶ ኣይኰነን፧ እትዕድጎ ዘበለ፡ ንኻልእ ሰብ ኢልካ እንተ ዓዲግካዮ፣ እዚ ሕልማዊ ዚመስል ሓሳብ ሕልማዊ ዀይኑ ኣይተርፍን” በለት። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ ዝያዳ የሐጕስ’ ዚብል መልእኽቲ እያ እተመሓላልፍ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ዝበለጸን ዝያዳ ዓስቢ ዘለዎን ምሃብ፡ ገዛእ ርእስና፡ ማለት ግዜናን ጕልበትናን ምሃብ እዩ። ንኣብነት፡ ካረን ዝስማ ሰበይቲ፡ ሰለስተ ኣንስቲ—ኣደ ምስ ክልተ ደቃ—ኣብ ሓንቲ መኽደን ሞተራ ተኸፊቱ ዝነበረት ማኪና ዀፍ ኢለን ረኣየት። እታ ኣደን ሓንቲ ኻብተን ኣዋልድን ንሓንቲ ነፋሪት ኬርክባ መደብ ነበረን። ግናኸ፡ ማኪናአን ክትንቀሳቐስ ኣይትኽልን እያ ነይራ፣ ብዓል ታኽሲ ድማ ደንጕዩወን ነበረ። ሽሕ እኳ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኻብቲ ቦታ 45 ደቒቕ ርሒቑ እንተ ነበረ፡ ካረን ከተብጽሐን ሓተተተን። ንሳተን እውን ፍቓደኛታት ኰና። ካረን ክትምለስ ከላ ንሓንቲ ኻብተን ኣዋልድ ኣብታ ማኪና ዀፍ ኢላ ኽትጽበ ረኣየታ።

እታ ሰበይቲ፡ “ሰብኣየይ ይመጽእ ኣሎ” በለታ።

ካረን ከኣ፡ “እንቋዕ ጥራይ ደሓን ኰንኪ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ወይ ኣብ ቤተ ክርስትያነይ ኣብ ዚርከብ ኣታኽልቲ ኽዓዪ እየ ዝኸይድ ዘለኹ” በለታ።

እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ዲኺ፧” በለታ።

ካረን “እወ” ኢላ መለሰት፣ እዚ ናብ ሓጺር ምይይጥ መርሐ።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ካረን ደብደባ ተቐበለት። ገለ ኽፋል እታ ደብዳበ ኸምዚ ትብል፦ “ኣነን ኣደይን ነቲ ዝገበርክልና ጽቡቕ ነገር ኣይረሳዕናዮን። ሳላኺ፡ ነፋሪት ኣርኪብና ኣብቲ ዝሓሰብናዮ በጺሕና ኢና። ሓፍተይ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንኪ ምስ ነገረትና፡ ስለምንታይ ከም ዝለዋህክልና ተረዲኡና እዩ። ኣደይ ናይ የሆዋ ምስክር እያ፣ ኣነ ግና ዘይንጥፍቲ እየ። ኰይኑ ግና፡ ቀልጢፈ ስጕምቲ ኽወስድ እየ።” ካረን፡ ንኽልተ ኣመንቲ ዝዀና ብጾታ ኽትሕግዝ ብምኽኣላ ኣዝያ ተሓጐሰት። “በኽየ እየ” ድማ በለት።

ቻርለስ ዳድለይ ዎርነር ዚብሃል ደራሲ፡ “ሓደ ሰብ ንኻልእ ኪሕግዝ ከሎ ንርእሱ እውን ዚሕግዝ ምዃኑ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወትና እንከሓሰሉ ብሉጽ መገድታት እዩ” በለ። እዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣምላኽ ንሰባት ፈተውቲ ርእሶም ከም ዚዀኑ ገይሩ ዘይኰነስ፡ ነቲ ተፈታዊ ባህርያቱ ኸም ዜንጸባርቑ ገይሩ ስለ ዝፈጠሮም እዩ።—ዘፍጥረት 1:27

ቅንዕና።

እዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓት እዚ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ምዕቡል ሕብረተ ሰብ ኪንጸባረቕ ዜድልዮ መሰረታዊ ስርዓት እዩ። ዘይቅኑዕ ምዃን፡ ፍርህን ስግኣትን ማሕበራዊ ብልሽውናን እዩ ዜምጽእ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ . . . እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን።” (መዝሙር 15:1, 2) እወ፡ ናይ ሓቂ ቕንዕና፡ ልክዕ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረአናዮ ኻልእ ባህርያት፡ ሰባት ኬማዕብልዎ ዚግባእ ባህርይ ደኣ እምበር፡ ብዅነታት ዚጽሎ፡ ወይ ኪጥዕመካ ኸሎ ጥራይ ዚትግበር ኣይኰነን።

ነታ ገንዘብ ዝመልአት ቦርሳ ዝረኸበታ ክርስቲና እሞ ንርአ። ንኣምላኽ ከተሐጕስ ደኣ እምበር፡ ሃብቲ ኽትድልብ ኣይኰነትን እትደሊ። ስለዚ፡ እቲ ተጨኒቑ ዝነበረ ዋና እታ ቦርሳ ምስ ተመልሰ፡ ገንዘቡ ኸም እተረኸበ ነገረቶ። ብቕንዕናኣ ድማ ተገረመ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣስራሒኣ እውን ተገሪሙ እዩ፣ ከመይሲ ጸኒሑ ንክርስቲና፡ ናብ ተቘጻጻሪት መኽዘን ክብ ኣበላ። እቲ ቦታ፡ ዝያዳ ሓላፍነት ዚሓትት ዕዮ እዩ ነይሩ። እተን ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:10 ዚርከባ፡ ‘እቲ ህይወት ዚፈቱን ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደልን፡ ከናፍሩ ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል’ ዚብላ ቓላትሲ ኣየ ኽንደይ ሓቂ ዀን እየን!

“ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ”

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት፡ ነታ ዓማቝ ፍቕሪ ፈጣሪና እዩ ዜንጸባርቕ። ከመይሲ፡ እዚ ባህርያት እዚ፡ ‘ኣብታ መገዲ ሰናያት ንኽንመላለስ’ ይድግፈና እዩ። (ምሳሌ 2:20, 21፣ ኢሳይያስ 48:17-19) ነዚ መምርሒ እዚ እንተ ስዒብናዮ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ነርኢ፡ ብዙሕ በረኸት ድማ ክንዓጽድ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፡ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፡ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ብምባል ይመባጻዕ።—መዝሙር 37:34

እወ፡ ነቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚስዕቡ ሰባት ብዙሕ በረኸት እዩ ዚጽበዮም ዘሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓንቲ እከይ ዚብሃል ዘይብላ ሰላማዊት ምድሪ ምንባር እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምምርማርና እምበኣር፡ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ።