ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ

የሱስ

የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

“ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን።”—ዮሃንስ 1:18

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ሓያሎ ሰባት፡ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ይኣምኑ። ካልኦት ድማ የሱስ፡ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚሕብር ኰይኑ ዚስምዖም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቕሱ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ወይ ማዕረ ኣምላኽ ገይሩ ኣይጠቕሶን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ የሱስ ካብ ኣምላኽ ዝተሓተ ኸም ዝዀነ ብንጹር ይምህር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ባዕሉ፡ ‘ካባይ ኣቦ ይዓቢ’ ኸም ዝበለ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:28) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን” ይብል። (ዮሃንስ 1:18) የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ከመይሲ፡ ሓያሎ ሰባት ንየሱስ ብኣካል ርእዮምዎ እዮም።

ቀዳሞት ክርስትያናት፡ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይተዛረቡን። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ዮሃንስ፡ ነቲ ባዕሉ ዝጸሓፎ ኣመልኪቱ፦ “የሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ . . . እዩ እዚ እተጻሕፈ” በለ።—ዮሃንስ 20:31 a

የሱስ መዓስ እዩ ተወሊዱ፧

“ብለይቲ መጓሰኦም እናሓለዉ፡ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት ነበሩ።”—ሉቃስ 2:8

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ ከም እተወልደ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ልደት የብዕሉ እዮም። ካልኦት ድማ ንበዓል ልደት የሱስ ኣብ መጀመርታ ጥሪ እዮም ዜብዕልዋ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እታ የሱስ እተወልደላ መዓልቲ፡ መዓስ ከም ዝነበረት ፈልዩ ዘይጠቅስ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ የሱስ እተወልደሉ እዋን፡ “ብለይቲ መጓሰኦም እናሓለዉ፡ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት” ከም ዝነበሩ ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 2:8) ኣብ ታሕሳስን ጥርን ለይቲ፡ ጓሶት መጓሰኦም ሒዞም ኣብ መሮር ኪሓድሩ ዘይመስል እዩ። ስለምንታይ፧

እቲ የሱስ እተወልደሉ ኸባቢ፡ ኣብ እዋን ታሕሳስን ጥርን ኣዝዩ ቝሪ ዚበዝሓሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣዋርሕ እቲ ኣመልኪቱ፡ ሰባት ‘በቲ ብርቱዕ ዝናም የንቀጥቅጡ’ ኸም ዝነበሩ ይገልጽ እዩ። (እዝራ 10:9, 13፣ ኤርምያስ 36:22) ስለዚ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጓሶት ምስ መጓሰኦም ‘ኣብ መሮር ኪሓድሩ’ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።

የሱስ ብሓቂዶ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፧

ኣምላኽ ግና ንዕኡ ኻብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 3:15

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ የሱስ እውን ከይተረፈ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ኣይክእልን እዩ ይብሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

የሱስ ንሰዓብቱ “ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ኪቕተል፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ” መሃሮም። (ማቴዎስ 16:21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ምስ ተቐትለን ምስ ተንስአን፡ ንልዕሊ 500 ዝዀኑ ሰባት ከም እተራእዮም ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:6) እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ፡ ዚጠራጠሩሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ምእንቲ እታ እምነት እቲኣ ንሙማት እውን ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 7:51-60፣ 12:1, 2

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞትን ትንሳኤን የሱስ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚህቦ ተስፋ ንኺጥቀሙ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፈተሎም ይምህር እዩ። (መዝሙር 37:11, 29፣ ራእይ 21:3, 4) ሳላ እታ የሱስን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ ኣቦኡን ዘርኣዩና ፍቕሪ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ዜሐጕስን ነባርን ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣሎና።—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 6:23

a መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ቘልዑ እትወልደሉ ሰበይቲ ኸም ዘላቶ ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሱስ “ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖ፡ ከመይሲ፡ የሱስ፡ ከም ናይ ኣቦኡ ባህርያት ሒዙ እዩ ብቐጥታ ብኣምላኽ ተፈጢሩ።