ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንግዜኻ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትጥቀመሉ

ንግዜኻ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትጥቀመሉ

“ግዜ የብለይን።” ክንደይ ሳዕ ከምዚ ኢልካ ትፈልጥ፧ ግዜ ንዅሎም ሰባት፡ ማለት ንሓያላትን ንሃብታማትን ኰነ ንድኹማትን ንድኻታትን ማዕረ እዩ ዚብጽሖም። ብዘይካዚ፡ ሃብታማት ኰኑ ድኻታት ግዜ ኼዋህልሉ ኣይክእሉን እዮም። ግዜ ሓንሳእ ምስ ኣምለጠ፡ ኣይምለስን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዘሎና ግዜ ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ነዚ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧ ንሓያሎ ሰባት ንግዜኦም ብጥበብ ንኺጥቀሙሉ ዝሓገዞም ኣርባዕተ ሜላታት ንርአ።

ሜላ 1፦ ብግቡእ ተወደብ

ቀዳምነት እትህቦ ነገር ስራዕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ ክንምርምር’ ይመኽረና እዩ። (ፊልጲ 1:10) ብዛዕባ ኽትገብሮ ዘሎካ ዜገድስ ወይ ዜሀውኽ ነገራት ወይ ንኽልቲኡ ዚሓቍፍ መደብ ኣዳሉ። ኰይኑ ግና፡ ዜገድስ ነገር ግድን ዜሀውኽ ማለት ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ንኣብነት፡ ንድራር ዚኸውን ምግቢ ምዕዳግ ዜገድስ እኳ እንተ ዀነ፡ ዜሀውኽ ከይከውን ይኽእል እዩ። ዜሀውኽ ዚመስል ነገር ከኣ ዜገድስ ከይከውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እትፈትዎ መደብ ተለቪዥን ዚጅምረሉ ህሞት ዜሀውኽ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ዜገድስ ከይከውን ይኽእል እዩ። a

ኣርሒቕካ ሕሰብ። መክብብ 10:10፡ “ሓጺን እንተ ጐደመ፡ ንብልሑ ኸኣ እንተ ዘይሰሐልካዮ፡ ሓይልኻ ብዙሕ ይደክም። ጥበብ ግና ንምስላጥ ይጠቅም” ትብል። ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ ንግዜኻ ብግቡእ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንሓጺንካ ስሓሎ፡ ማለት ኣርሒቕካ ሕሰብ። ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ንግዜኻን ጕልበትካን ካብ ምህላኽ ሓሊፉ ብዙሕ ፋይዳ ስለ ዘይብሉ፡ ንኻልእ እዋን ኣመሓላልፎ ወይ ከኣ ሰርዞ። ስራሕካ ምስ ወዳእካ ግዜ እንተ ተሪፉካ፡ ንኻልእ እዋን ክትገብሮ ዝሓሰብካዮ ኻልእ ዕዮ ንምንታይ ዘይትዓዪ፧ ኣርሒቕካ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ልክዕ ከምቲ ንሓጺኑ ዚስሕሎ ጥበበኛ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ዕዮኻ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ንናብራኻ ቐሊል ግበሮ። ንግዜኻ ኻብ ምጥፋእ ሓሊፉ ብዙሕ ፋይዳ ንዘይብሉ ነገራት ኣይትቀበሎ። ንጥፈታትን ቈጸራታትን እምብዛ ተብዝሕ እንተ ዄንካ፡ ውጥረትካ ኺውስኽ፡ ሓጐስካ ድማ ኪስረቕ ይኽእል እዩ።

ሜላ 2፦ ግዜ ኻብ ዚሰርቕ ነገራት ርሓቕ

ምድንጓይን ምውልዋልን። “ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ።” (መክብብ 11:4) ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ ምድንጓይ ግዜኻ ስለ ዚሰርቕ፡ ኣብ ዕዮኻ ውጽኢታዊ ኣይትኸውንን ኢኻ። ጽቡቕ ኵነታት ክሳዕ ዚፍጠር ዚጽበ ሓረስታይ፡ ኣይዘርእ ኣይዓጽድ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ህይወት ኬጋጥም ንዚኽእል ዘይተሓስበ ነገራት ከም እንወላወል ንኺገብረና ንፈቕደሉ ንኸውን። ወይ ከኣ፡ ሓደ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ምሉእ ዘይጕዱል ሓበሬታ ኽሳዕ እንረክብ ክንጽበ ኸም ዘሎና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኣገዳሲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርካ፡ ኣቐዲምካ ምርምር ክትገብርን ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቕካ ኽትሓስበሉን ከም ዜድሊ ፍሉጥ እዩ። ምሳሌ 14:15፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን” ትብል። ይኹን እምበር፡ ኣብ እንገብሮ መብዛሕትኡ ውሳነታት፡ ኣቐዲምና ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኰነን።—መክብብ 11:6

ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህርይ። ኣብ ያእቆብ 3:17፡ “እታ ናይ ላዕሊ [ወይ ናይ ኣምላኽ] ጥበብ . . . ልዝብቲ” ኸም ዝዀነት ተገሊጹ ኣሎ። ልዑል ስርዓታት ምውጻእ ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓድሓደ ግዜ ኽንበጽሖ ዘይኽእል ስርዓታት ምስ እነውጽእ፡ ጓህን ውድቀትን ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካልእ ቋንቋ ዚመሃር ሰብ፡ ጌጋታት ኪገብርን ካብ ጌጋኡ ኺመሃርን ኪጽበ ኣለዎ። ፍጽምና ናይ ምጽባይ ባህርይ ዘለዎ ሰብ ግና፡ ከይጋገ ስለ ዚፈርህ፡ ዕቤት ኣይገብርን እዩ። ካብ ርእስና ኣብ እንጽበዮ ነገራት ትሑታት ብምዃን ዓቕምና ኽንፈልጥ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ። ምሳሌ 11:2፡ “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ትብል። ብዘይካዚ፡ ትሑታት ሰባት ብዛዕባ ርእሶም እምብዛ ኣይጭነቑን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ንጌጋታቶም ስሒቖም እዮም ዚሓልፍዎ።

“ንነገራት ብገንዘብካ ዘይኰነስ፡ ብግዜኻ ኢኻ እትዕድጎ።”—ዋት ቱ ዱ ቢትዊን በርዝ ኤንድ ደዝ

ሜላ 3፦ ሚዛናዊ ኹን

ኣብ ስራሕን ኣብ መዘናግዕን ሚዛናዊ ኹን። “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።” (መክብብ 4:6) ወልፊ ስራሕ ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ጻማ “ምሉእ ሕፍኒ” ጻዕሮም ኣይረኽቡን እዮም። ግዜኦምን ጕልበቶምን ጽንቅቕ እዩ ዚብል። ብኣንጻሩ ድማ ሓደ ሃካይ፡ “ምሉእ ሕፍኒ” ኼዕርፍ ስለ ዚመርጽ፡ ነቲ ኽቡር ግዜኡ የጥፍኦ። መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና፡ ማለት እናጸዓርና ኽንሕጐስ እዩ ዜተባብዕና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ከኣ፡ “ውህበት ኣምላኽ” እዩ።—መክብብ 5:19

እኹል ድቃስ ደቅስ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ” በለ። (መዝሙር 4:8) መብዛሕትኦም ሰባት ብኣካላውን ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን መዳያት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ለይቲ ሸሞንተ ሰዓት ኪድቅሱ ኣለዎም። ድቃስ ንግዜኻ ብግቡእ ንኽትጥቀመሉ ዜኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ብፍላይ ምስ ኣእምሮ ብእተተሓሓዘ ኣብ ስራሕካ ንኸተተኵርን ተዘክሮኻ ንኸተመሓይሽን ይሕግዘካ፡ ቀልጢፍካ ፍልጠት ንኽትቀስም ድማ የኽእለካ እዩ። ድቃስ ምስ ዚውሕደካ ግና፡ ፍልጠት ኣብ ምቕሳም ዝሑል ትኸውን፡ ንሓደጋን ንጌጋታትን ትቃላዕ፡ ብቐሊሉ ድማ ትቝጣዕ።

ኪብጻሕ ዚኽእል ሸቶታት ኣውጽእ። “ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ በዒንቲ ምጥማት ይሐይሽ።” (መክብብ 6:9) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ጥበበኛ ሰብ፡ ኣብ ክውንነት ዘይተመስረተ ወይ ኪብጻሕ ዘይክኣል ትምኒት ንህይወቱ ኺቈጻጸሮ ኣይሓድጎን እዩ። ስለዚ፡ መዋዓዋዕቲ ብዜቕርብዎ ረክላም ወይ ብዚቐርበሉ ልቓሕ ኣይሕበልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ኺረኽቦ ዚኽእል ነገራት፡ ማለት ‘በዒንቱ ብምጥማት’ ጥራይ ዓጊቡ ኺነብር ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ።

ሜላ 4፦ ብጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ተመራሕ

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታትካ መርምሮ። እትምርሓሉ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት፡ ጽቡቕን ኣገዳስን ጠቓምን ነገራት ንኽትመሚ የኽእለካ። ህይወትካ ፍላጻ ኸም ዝዀነ ጌርና እንተ ሓሲብና፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትካ ድማ ነቲ ፍላጻ ሸቶኡ ኸም ዚወቅዕ ዚገብር እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት፡ ኣብ ህይወትካ ንጥዑይ ነገራት ቀዳምነት ንኽትህብ፡ ንግዜኻ ኸኣ ኣብ ሰሰዓትን ኣብ መመዓልትን ብግቡእ ንኽትጥቀመሉ የኽእለካ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣበይ ኢኻ ኽትረኽቦ እትኽእል፧ ሓያሎ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብጥበብ ጸብለልታ ኸም ዘለዎ ስለ ዚፈልጡ፡ ነዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ እዮም ዚኣምኑ።—ምሳሌ 2:6, 7

ስነ ምግባራዊ ስርዓትካ፡ ንፍቕሪ ዘማእከለ ይኹን። ቈሎሴ 3:14፡ “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ” ትብል። ብፍላይ ኣብ ስድራ ቤት ፍቕሪ እንተ ዘየልያ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ቅሳነትን ኪስምዓና ኣይክእልን እዩ። ንሃብቲ ወይ ንስራሕ ቀዳምነት ብምሃብ ነዚ ሓቂ እዚ ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት፡ ጓሂ እንተ ዘይኰይኑ ሓጐስ ኣይረኽቡን እዮም። በዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንፍቕሪ ሚእቲ ግዜ ዚኸውን ብምጥቃስ፡ ክብ ዜብላ።—1 ቈረንቶስ 13:1-3፣ 1 ዮሃንስ 4:8

ንመንፈሳውነትካ ግዜ መድብ። ጀፍ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ፈቃር ሰበይትን ክልተ ሕጉሳት ቈልዑን ሕያዎት ፈተውትን ነበርዎ፣ ኣላዪ ሕሙማት ብምዃን ዚሰርሓሉ ባህ ዜብል ስራሕ እውን ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ስራሑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መከራን ሞትን ኬጋጥም ከሎ ብዓይኑ ይርኢ ነበረ። “ዕላማ ህይወት እዚ ጥራይ ድዩ፧” ኢሉ ኸኣ ይሓትት ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበ እሞ፡ ዜዕግብ መልሲ ረኸበ።

ጀፍ ነቲ ዘንበቦ ሓሳባት ንሰበይቱን ንደቁን ይነግሮም ነበረ፣ ንሳቶም እውን ተገዳስነት ኣሕደሩ። በዚ ኸምዚ ዅሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኬተኵሩ ጀመሩ፣ እዚ ኸኣ ንህይወቶም ኣበልጸጋ፡ ንግዜኦም ብግቡእ ኪጥቀሙሉ ኸኣ ኣኽኣሎም። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዖም፡ ከንቱነትን መከራን ኣብ ዘይብላ ዓለም ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ዜደንቕ ተስፋ ረኺቦም እዮም።—ራእይ 21:3, 4

እቲ ጀፍ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ነቲ የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ቓላት እዩ ዜዘኻኽረና። የሱስ፡ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3) ንስኻኸ፡ ንመንፈሳውነትካ ዚኸውን ግዜ ንኽትምድብ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምሉእ ህይወትካ ብጥበብ ንኽትጥቀመሉ ዚሕግዝ ካልእ መገዲ ኸመይ ዘየለ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ።

a ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “ከተዋህልሎ ስለ ዘይትኽእል ብግቡእ ተጠቐመሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።