ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንኣዕዋፍ እሞ ተመልከትወን’

‘ንኣዕዋፍ እሞ ተመልከትወን’

ኣዕዋፍ ኣብ ኵሉ ኽፋላት ምድሪ እየን ዚርከባ፣ ብቐሊሉ ኽትዕዘበን እትኽእል ፍጥረታት ድማ እየን። ብዘይካዚ፡ ዓይነተንን ሕብረንን መዝሙረንን ዚገብራኦ ዜስሕቕ ነገራትን ጠባየንን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ኣዕዋፍ ምዕዛብ ኣዝዩ ዜሐጕስን ባህ ዜብልን መዘናግዒ እዩ።

ማስክድ ዊቨር

ንመዓልታዊ ንጥፈታት ኣዕዋፍ፡ ኣብ መስኰት ቤትካ ዄንካ እውን ክትዕዘቦ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት፡ ሓሰኻ ንምርካብ ኣብ መሬት ኪጽሕትራ ኸለዋ፡ ሓሸራታት ኣብ ኣየር ከለዉ ንምሓዝ ኪቃለሳ ኸለዋ፡ ምስ መጻምድተን ግዜ ኼሕልፋ ኸለዋ፡ ከይተሓለላ ሰፈረን ኪሰርሓ ኸለዋ፡ ወይ ከኣ ነቶም ዝጠመዩ ደቀን ኪምግባ ኸለዋ ኽትርእየን ትኽእል ኢኻ።

ሀልሜትድ ጊኒ ፎውል

ከም ንስርን ሊላን ኣሞራን ዝኣመሰሉ ኣዕዋፍ ኣብ ሰማይ ኪዝምብዩ ኸለዉ ምስ እትርኢ፡ ኣዚኻ ትግረም ትኸውን። ገሊአን ዓይነት ኣዕዋፍ ከኣ ኬዘናግዓኻ ይኽእላ እየን፣ ንኣብነት፡ ጭሩ ገበላ ብርፍራፍ ምግቢ ኺብኣሳ ኸለዋ፡ ተባዕታይ ርግቢት ነታ ብዙሕ ዘይትግደሰሉ ኣንስተይቲ ንኺማርኻ ኢሉ ኣፍ ልቡ ኺነፍሕ ከሎ፡ ወይ ከኣ እተን ንሕንጻይ ዚመስላ ግላ ዚብሃላ ኣዕዋፍ፡ ሚዛነን ስለ ዝሰሓታ ኣብ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ጠልጠል ኢለን ከለዋ ትርኢ ትኸውን። ገሊአን ዓይነት ኣዕዋፍ ድማ ይምስጣኻ ይዀና፣ ንኣብነት፡ ራዛ፡ ክረይን ዚብሃላ ኣዕዋፍ፡ ወይ ከኣ ዓዓ፡ ብጕጅለ ዀይነን ናብ ካልእ ቦታ ኺግዕዛ ኸለዋ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ብውሽጥኻ ትምሰጥ ትኸውን። ሰባት፡ ኣዕዋፍ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኺግዕዛ ኸለዋ ንኣሽሓት ዓመታት ርእዮም እዮም፣ ብግዜን ብኣንፈትን ዝመጸ ዋላ ሓንቲ ኸይተጋገያ ንነዊሕ ርሕቀት ኪጓዓዛ ኸለዋ ድማ፡ ንዚዕዘበን ሰብ ኣዝየን እየን ዜደንቓኦ። ፈጣሪ እውን እንተ ዀነ፡ “ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፡ ኳትራን ለዃዂቶን ዓያን ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላ እየን” ኢሉ ኣሎ።—ኤርምያስ 8:7

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣዕዋፍ ምዕዛብ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምምሃር፡ ንኣዕዋፍ ብተደጋጋሚ ይጠቕሰን እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንሓደ እዮብ ዝስሙ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ፍጥነት ሰገን ኪገልጸሉ ኸሎ፡ “ብድድ ኢላ ምስ ሸበበት፡ ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቖም” በሎ። a (እዮብ 39:13, 18) ብዘይካዚ፡ “ሊላ ንላዕሊ ዚነፍር፡ . . . ብጥበብካ ድዩ፧ ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግ፡ . . . ብትእዛዝካ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። (እዮብ 39:26, 27) ካብዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ኣዕዋፍ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገራት ኪገብራ ዚኽእላ፡ ንሕና ስለ እንሕግዘን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ዘለወን ክእለት ንጥበብ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ እዩ።

ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ንምምጻእ ጽድያ ዜመልክት “ድምጺ ባሬቶ” ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (መሃልየ መሃልይ 2:12) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ድማ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ንምግልጋል ብዛዕባ ዘለዎ ባህጊ ኺገልጽ ከሎ፡ ለዃዂቶ ጠቒሱ እዩ። ብእኣ ስለ ዝቐንአ ኸኣ፡ “ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ . . . ኣብ ጥቓ እቲ ዓብዪ መሰውኢኻ ዑፍ እኳ ቤት ረኺባ፣ ለዃዂቶ እውን ጨቓዊታ እተንብረሉ ሰፈር ረኺባ!” በለ።—መዝሙር 84:1-3NW።

‘ሰማያዊ ኣቦኹም እዩ ዚምግበን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧’—ማቴዎስ 6:26

ገለ ኻብቲ ብዛዕባ ኣዕዋፍ ዚገልጽ ባህ ዜብል ሓሳባት፡ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ዘረባ እዩ ዚርከብ። ነዚ ዚስዕብ ኣብ ማቴዎስ 6:26 ዚርከብ ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧” እዚ ልቢ ዚትንክፍ ምሳሌ እዚ፡ ንሰዓብቲ የሱስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ምዃኖም ዜረጋግጽን ነቲ ኣብ ህይወት ዜድልዮም ነገራት ንምርካብ ኪጭነቑ ኸም ዘይብሎም ዚምህርን እዩ።—ማቴዎስ 6:31-33

ሎሚ፡ ንኣዕዋፍ ምዕዛብ ህቡብ መዘናግዒ ዀይኑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ዜገርም ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ኣዕዋፍ በቲ ዚገብራኦ ዜስሕቕ ነገራትን ብጽባቐአንን ምስ መጻምድተን ብዘለወን ርክብን ብመዝሙረንን የደንቓና እየን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ተጠንቂቑ ዚዕዘበን ሰብ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣገዳሲ ትምህርቲ ይምህራኦ እየን። እሞኸ ‘ንኣዕዋፍ ክትምልከተን ዲኻ፧’

a ሰገን ካብ ኣዕዋፍ እታ ዝገዘፈት እያ፣ ፈጣን ኣእጋር ድማ እዩ ዘለዋ፣ ኣብ ውሽጢ ሰዓት ኣስታት 72 ኪሎ ሜተር ክትጐዪ ትኽእል እያ።