ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ በሊዝ እተገብረ ምብጻሕ

ናብ በሊዝ እተገብረ ምብጻሕ

በሊዝ ንእሽቶ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ እተፈላለየ ዓይነት ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ማለት ትሮፒካዊ ጫካታትን ህስስ ዝበለ ቐጠልያ ብዝሕብሩ ማያት እተኸብባ ሓያሎ ደሴታትን ዘጠቓለለት እያ። ኰይኑ ግና፡ ንበሊዝ ኣዝያ እተደንቕ ሃገር ዚገብራ፡ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣ ጥራይ ኣይኰነን።

ኣብ በሊዝ፡ ብኣማእታት ዚቝጸራ ኣዕዋፍ ጥራይ ዘይኰናስ፡ እተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታትን እውን ኣለዉ። ገለ ኻብቶም ኣብኡ ዚርከቡ እንስሳ ዘገዳም፡ እታ ብሕብሪ ዘጌጸት ኪል-ቢልድ ቱካን እትብሃል ዑፍን ቤርድ ታፒር ዚብሃል ነዊሕ ዝኣፍንጫኡ ዘርኢ ሓርሽን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ፣ እዚ እንስሳ እዚ ኣብ መሬት ኰነ ኣብ ውሽጢ ማይ ብፍጥነት ኪጓዓዝ ይኽእል እዩ። እቲ ብዕስለ ዘይነብር ጃጕዋር እውን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ካብ ዓለም እቲ ናይ መጀመርታ ንመንበሪ ጃጕዋር ተባሂሉ እተሓዝአ ቦታ፡ ኣብ በሊዝ እዩ ዚርከብ።

ካብ ዓለም እቲ ናይ መጀመርታ ንመንበሪ ጃጕዋር ተባሂሉ እተሓዝአ ቦታ፡ ኣብ በሊዝ ይርከብ

ሓደ እዋን፡ በሊዝ ክፋል ስልጣነ ማያ እያ ነይራ። ኣብ መበል 16 ዘመን ስጳኛውያን ወረርቲ ናብቲ ኸባቢ እኳ እንተ መጹ፡ ነቶም ማያ ግና ምሉእ ብምሉእ ኪስዕርዎም ኣይከኣሉን። ጸኒሑ፡ ብሪጣንያውያን ነቲ ኸባቢ ብሓይሊ ተቘጻጸርዎ፣ ብ1862 ድማ በሊዝ ናይ ብሪጣንያ ሆንዱራስ ግዝኣት ከም ዝዀነት ብወግዒ ተኣወጀ። ብ1981 ግና በሊዝ ናጽነታ ረኸበት።

ተቐማጦ በሊዝ ልክዕ ከምቲ ዚነብሩሉ ኸባቢ፡ እተፈላለየ ዓይነት መልክዕ እዩ ዘለዎም። ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ዓሌት፡ መስቲዞን ማያን ኢስት ኢንድያንን ክረዮልን ጋሪፉናን ኪጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። እቶም ህዝቢ ምቕሉላትን ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎምን እዮም። ንኣሽቱ ንዓበይቲ ኺዛረብዎም ከለዉ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣኽብሮታዊ ስያመ እዮም ዚጥቀሙ።

ኣብ ከተማ በሊዝ ዚርከብ ዕዳጋ

ኣብ በሊዝ፡ ብሎው ጀርመንን ብማንዳሪን ቻይንኛን ብማያን (ሞፓን) ብስጳንኛን ብበሊዝ ክረዮልን ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካን ዚግበር ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሎ። ብ2013 ብገምጋም ካብ 40 ተቐማጦ በሊዝ እቲ ሓደ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቡ እዩ።

ትፈልጥዶ፧ ኣብ በሊዝ ዚርከብ መርጀን (ኮራል ሪፍ)፡ 290 ኪሎ ሜተር ንውሓት ኣለዎ። ሓደ ኽፋል እቲ ኻብ ዓለም ብንውሓቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ዝዓበየ መርጀን እዩ። እቲ ቐዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ግሬት ባርየር ሪፍ እዩ።

መርጀን በሊዝ፡ ሓደ ኽፋል እቲ ኻብ ዓለም ብንውሓቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ዝዓበየ መርጀን እዩ