ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትሮፒካዊ ጫካ ዚርከባ ኣየር ወለድ ኣታኽልተኛታት

ኣብ ትሮፒካዊ ጫካ ዚርከባ ኣየር ወለድ ኣታኽልተኛታት

ከምቲ ዝዀነ ይኹን ኣታኽልተኛ ዚፈልጦ፡ ካብ ዘርኢ ጽቡቕ ውጽኢት ኪርከብ ዚኽእል፡ ነቲ ዘርኢ ኣብ ግቡእ ቦታን ኣብ ግቡእ እዋንን ብምዝራእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣዝዩ ዜገርም፡ ኣብ ትሮፒካዊ ጫካ፡ ዘርኢ ኣብ እዋን ለይቲ እዩ ዚዝራእ፣ ብዘይካዚ፡ ካብ ኣየር ኴንካ እዩ ዚዝራእ። እተን ነቲ ዘርኢ ዝዘርኣ ኣየር ወለድ ኣታኽልተኛታት ከኣ፡ እተን ኦልድ ዎርልድ ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ እየን፣ ገሊአን ድማ፡ “ዚነፍራ ወኻሩ” ብዚብል ስም እየን ዚፍለጣ። a

ዘርኢ ምብታን

መብዛሕትአን እተን ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ፡ ምቁር ፍረታት ወይ ብዙሕ ጽገ ዘለዎ ዕምባባታት ንምርካብ፡ ለይቲ እየን ኣብቲ ጫካ ዚዝምብያ። ፍረታት ኣብ ዚምእርራሉ እዋን ድማ፡ ዝኣኽለን ምስ በልዓ፡ እቲ ዘይሓቐቐ ገፈልን ዘርእን ምስ ቀልቀለን ተሓዊሱ ይወጽእ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዚፈትዋኦ ዓይነት ጽገ ኺመጽያ ኸለዋ፡ ከም ኣታኽልተኛታት መጠን ንዕምባባታት የዋስባ እየን።

እተን ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ ኣብ እዋን ለይቲ ነዊሕ ስለ ዝጓዓዛ፡ ኣብ ሰፊሕ ቦታ፡ ዘርኢ ኺብትና ይኽእላ እየን። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ገሊኡ ዘርኢ ብስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ እተን መንካዕ ስለ ዚሓልፍ፡ ንምዕባይ እቲ ዘርኢ ዜድሊ “ድዅዒ” እውን ዜጠቓልል እዩ ዚኸውን። ኣብቲ ጫካ ዚርከብ እተፈላለየ ዓይነት ኣትክልትን ዕምባባታትን፡ ንኺባዛሕ ኰነ ንኺዋሰብ ኣብተን መንካዕ ዚውከል ምዃኑ እምበኣር ኣየገርምን እዩ።

እተን ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ፡ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ስለ ዚንቀሳቐሳ፡ ኣንፈተን ናይ ምፍላጥ ክእለትን ትኩር ናይ ምርኣይ ክእለትን የድልየን እዩ። ኣብ ብዙሕ ብርሃን ዘይብሉ ቦታ፡ ካብ ሰባት ንላዕሊ ብንጹር ኪርእያ፡ ከምኡ እውን እተወሰነ ሕብሪ ኺፈልያ ይኽእላ እየን። ብዘይካዚ፡ ለይቲ ዀነ ቐትሪ ኺንቀሳቐሳ ይኽእላ እየን።

ናብራአን

ትፈልጥዶ፧ እተን ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ፡ ካብ ካልኦት መንካዕ ብእተፈልየ መገዲ፡ ብድምጺ ተጠቒመን ዘይኰነስ፡ ብዓይነንን ብሽታን ተጠቒመን እየን ምግበን ዜናድያ። እቲ ዓበይቲ ኣዒንተን፡ ነቲ ብግዜ ለይቲ ዚገብራኦ ንጥፈታት ኣዝዩ እዩ ዚጠቕመን

እተን ሳሞኣን ፍላይንግ ፎክስ ዚብሃል ዓይነት መንካዕ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተን ምስ ሓደ መጻምድቲ ጥራይ እየን ዚነብራ። ኣብ ገሊአን ዓይነት መንካዕ ከም እተራእየ ድማ፡ ንደቀን ብዚግባእ እየን ዚከናኸና፣ ንእተወሰነ ሰሙናት ሓዚለናኦም ይንቀሳቐሳን እኹላት ክሳዕ ዚዀኑ የጥብዋኦምን እየን። ክልተ ዓይነት እተን ፍሩት ባትስ ዚብሃላ መንካዕ እሞ ኸኣ፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ልክዕ ከም “መሕረስቲ” ዀይነን ዚሕግዛአን ብጾት ኣለዋ።

እቲ ዜሕዝን፡ እተን ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ፡ መንበሪአን ይበርስ ስለ ዘሎ፡ ናይ ምጽናት ሓደጋ የጋጥመን ኣሎ። ኣብ ደሴታት ደቡብ ፓሲፊክ፡ እተን ፍሩት ባትስ ዚብሃላ ዓይነት መንካዕ እንተ ጠፊአን፡ ኣዝዩ ኸቢድ ሓደጋ ኼጋጥም ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ኣትክልቲ ብዘይ እተን መንካዕ ኪዋሰብ ኣይክእልን እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ እተን ኣየር ወለድ ዝዀና ኣታኽልተኛታት ዚዓያኦ ዕዮ፡ ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይኰነን።

a እተን መንካዕ፡ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኣውስትራልያን ኣብ እተወሰነ ኽፋል ደሴታት ፓሲፊክን ይርከባ እየን።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

Bat eating fig: © Merlin D. Tuttle, Bat Conservation International, www.batcon.org; small bat: Flickr RF/Getty Images