ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ይዓዪ ድዩ፧

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ተኣማንነት

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ተኣማንነት

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀሲ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን።”—እብራውያን 13:4

ዜምጽኦ ጥቕሚ፦ ገሊኦም ሰባት ነዘን ቃላት እዚአን፡ ግዜአን ከም ዝሓለፈ ገይሮም ይርእይወን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣዝዮም እዮም ተጋግዮም። ተኣማንነትካ ዘይምሕላው፡ ልክዕ ከም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ እውን ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ።—ምሳሌ 6:34, 35

እቲ ብዓል ሓዳርን ኣቦን ዝዀን ጀሲ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብ ሓዳርና እሙናት ምዃንና፡ ንዓይን ንሰበይተይ ድልዱል ርክብ ከም ዚህልወናን ሕጉሳት ከም እንኸውንን ገይሩና እዩ። ተኣማንነት፡ ኣብ ሓዳር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እሙን ዘይምዃን ግና፡ ንሓዳር ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፣” ኣብ ልዕሊ ውሉዳት እውን፡ ገለ ሳዕቤን ኬምጽእ ይኽእል እዩ።

ሊጋያ * ንሓዳራ ኣብ ሓደጋ ኣእትያቶ ነበረት። “ምስ ዘይጥዑያት ሰባት ክሓብር ጀመርኩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ክሓድርን ንሰብኣየይ ሓዲገ ምስ ካልኦት ሰባት ክድቅስን ጀመርኩ” በለት። እሞኸ ኸምዚ ዓይነት ህይወት፡ ሕጕስቲ ገይሩዋዶ፧ ንሳን ሰብኣያን ኵሉ ሳዕ ይቋየቑ ነበሩ፣ ከርፋሕ ናብራ ድማ ትነብር ነበረት። ሊጋያ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣብ ዜሕፍር ዓዘቕቲ ምስ ኣተኹ፡ ወለደይ፡ ‘ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ’ ኺብሉ ሓቆም ምንባሮም ተገንዘብኩ” በለት።—1 ቈረንቶስ 15:33

ሊጋያ ወሲኻ፡ “ኵነታት ብዝያዳ ኸይገደደ ኸሎ፡ ነቲ ሕማቕ መገዲ ሓዲገ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ነቲ ኻብኡ ዝረኽቦ ትምህርቲ ኽትግብሮን ወሰንኩ” በለት። ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ ሊጋያ ንሓዳራ ኻብ ምብትታን ኣድሓነቶ፣ ሰብኣያ ድማ ብዝያዳ ኺልውሃላን ኬኽብራን ጀመረ። ሊጋያ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ቐዪርዎ እዩ፣ ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይን ነቶም ከም ፈተውተይ ገይረ ዝርእዮም ዝነበርኩ ሰባትን ምሕዳገይ፡ ዋላ ሓንቲ ኣየጣዕሰንን እዩ” በለት።

^ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።