ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከምቲ መእለዪ ንጃልባ ኣንፈታ ዜሐልዋ፡ ተግሳጽ ድማ ንውሉድ ይመርሖ

ንወለዲ

6፦ ተግሳጽ

6፦ ተግሳጽ

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

እታ ምግሳጽ እትብል ቃል፡ ምምራሕ ወይ ምምሃር ዚብል ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ተግባር እዚ፡ ነቲ ግጉይ ጠባይ ውሉድ ምእራም የጠቓልል። ብዙሕ ግዜ ግና፡ ነቲ ውሉድ ካብ ፈለማኡ ጽቡቕ ምርጫታት ኪገብር ዚሕግዞ ስነ ምግባራዊ ስልጠና ምሃብ የጠቓልል።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ወለዲ ንውሉዶም እንተ ኣሪሞምዎ፡ ርእሰ ምትእምማኑ ኸየጥፍእ ኢሎም ስለ ዚሓስቡ፡ ተግሳጽ ካብ ገሊኡ ኣባይቲ ይጠፍእ ኣሎ። ለባማት ወለዲ ግና ንውሉዳቶም ሚዛናዊ ሕግታት የውጽኡሎም፡ ብእኡ ኪቕየዱ እውን የሰልጥንዎም እዮም።

“ውሉዳት ዓብዮም ብሱላት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ቀይድታት የድልዮም እዩ። ውሉዳት ብዘይ ተግሳጽ እንተ ተሓዲጎም፡ መእለዪ ኸም ዘይብላ መርከብ እዮም ዝዀኑ፣ ንሳ ድማ ኣብ መወዳእታኡ መገዳ ትስሕት ወይ ትግልበጥ እያ።”—ፓመላ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

መርገጽካ ኣይትቐያይር። ውሉድካ ንስርዓትካ እንተ ዘይስዒብዎ፡ ካብ ሳዕቤናቱ ኸም ዜምልጥ ኣይትግበር። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ውሉድካ ንስርዓትካ ኺሕልዎ ኸሎ፡ ንምንኣዱ ኣይትደንጒ።

“ተኣዛዝነት ዳርጋ ጠፊኡላ ኣብ ዘሎ ዓለም፡ ደቀይ እዙዛት ብምዃኖም ብዙሕ ሳዕ እንእዶም እየ። ናእዳ ኸኣ፡ መአረምታ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ንምቕባሉ ኸም ዚቐልሎም ይገብር እዩ።”—ክሪስቲን።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7

ሚዛናዊ ኹን። ንውሉድካ ኽትግስጽ ከለኻ፡ ዕድሚኡን ዓቕሙን ደረጃ በደሉን ኣብ ግምት ኣእቱ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሳዕቤናት ሓደ ተግባር ምስቲ እተገብረ በደል ዚዛመድ ምስ ዚኸውን ዝሓሸ ውጽኢት ይህልዎ እዩ፣ ንኣብነት፡ ሓደ ውሉድ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ተሌፎን ንእተዋህቦ ስርዓት እንተ ጥሒሱ፡ ንእተወሰነ እዋን ተሌፎን ከይጥቀም ኪኽልከል ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንዜበሳጭወካ ንእሽቶ ነገር፡ ዓብዪ ጕዳይ ኣይትግበሮ።

“ውሉደይ ኰነ ኢሉ ትእዛዝ ይጥሕስ እንተ ኣልዩ ወይ ኬመዛዝን ጥራይ እንተ ዘይክኢሉ ኽርዳእ እፍትን እየ። ኣብ መንጎ ኻብ ሱሩ ኺምሖ ዘለዎ ሕማቕ ጠባይን ኣብ መንጎ ኺሕበሮ ዘለዎ ጌጋን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ።”—ወንደል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣቱም ኣቦታት፡ ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጹ፡ ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።”—ቈሎሴ 3:21፣ እግረ ጽሑፍ።

ፈቃር ኩን። ውሉዳት፡ ወለዶም ብቐንዱ ብፍቕሪ ኸም ዚድረኹ እንተ ፈሊጦም፡ ንዚውሃቦም ተግሳጽ ምቕባልን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ይቐልሎም እዩ።

“ወድና ምስ ተጋገየ፡ ብዅሉ እቲ ቕድሚኡ ዝገበሮ ጽቡቕ ውሳነታት ከም እንሕበን ኣረጋጊጽናሉ ኢና። መአረምታ ኽሳዕ ዝገበረ እቲ ጌጋ ንእንታይነቱ ኸም ዘይውስኖ፡ ንሕና እውን ንምሕጋዙ ኣብ ጐድኑ ኸም ዘለና ገሊጽናሉ ኢና።”—ዳንኤል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4