ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ካብ ጸቕጢ ሓራ እትዀነሉ ህይወት

ካብ ጸቕጢ ሓራ እትዀነሉ ህይወት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ካብ ብዙሕ ዘየድሊ ጸቕጢ ኺሰትረካ ይኽእል እዩ። ንሕና ባዕልና ንዅሉ ጸቕጢ ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። ፈጣሪና ግና ይኽእል እዩ። ረዳኢ እውን ሸይሙልና ኣሎ። ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሱስ ካብቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ዝገበሮ ተኣምራት ንላዕሊ፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዜደንቕ ነገራት ኪገብር እዩ። ንኣብነት፦

የሱስ ንሕሙማት ኬሕዊ እዩ።

“ንሳቶም ድማ ኵሎም ሕሙማት . . . ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።”—ማቴዎስ 4:24

የሱስ ንዅሉ ሰብ መንበርን ምግብን ኪህብ እዩ።

“[ተገዛእቲ ክርስቶስ] ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 22

የሱስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ኬምጽእ እዩ።

“ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ ካብቲ ፈለግ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም። . . . ጸላእቱ እውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።”—መዝሙር 72:7-9

የሱስ ንዘይፍትሓውነት ኬወግድ እዩ።

“ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ ህይወት ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ። ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም . . . እዩ።”—መዝሙር 72:13, 14

የሱስ ንመከራን ንሞትን ኬወግድ እዩ።

“ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4