ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተክኖሎጂ ምስ ካልኦት ንዘሎካ ዕርክነት ብኸመይ ይጸልዎ፧

ተክኖሎጂ ምስ ካልኦት ንዘሎካ ዕርክነት ብኸመይ ይጸልዎ፧

ሳላ ተክስትን ኢ-መይልን ቪድዮ ኮንፈረንስን ማሕበራዊ መራኸብን፡ ክልተ ኣብ እተፈላለየ ኽፍለ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ብቐሊሉ ኺራኸቡ ይኽእሉ እዮም። ተክኖሎጂ ኸምዚኦም ንዝኣመሰሉ ሰባት ጠቓሚ ኣገልጋሊ እዩ።

እንተዀነ ግና፡ ምስ ፈተውቶም ብተክኖሎጂ ጥራይ ኪራኸቡ ዚፍትኑ ገሊኦም ሰባት፦

  • ንፈተውቶም ብዙሕ ኣይድንግጹሎምን።

  • ጽምዋን ባዶነትን ይስምዖም።

  • ኣብ ክንዲ ኣብ ካልኦት፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም የተኵሩ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ድንጋጸ

ድንጋጸ ንምርኣይ፡ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ግዜ ወሲድካ ኽትሓስብ ኣሎካ። ነዚ ግና፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምጽሕሓፍን ተክስት ብምልእኣኽን ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ተክኖሎጂ ኪቘጻጸረካ እንተ ጀሚሩ፡ ፈታዊኻ ንዝሰደደልካ መልእኽቲ ምምላስ ጾር ኪዀነካ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣትኵሮኻ ነቲ እተጸገመ ፈታዊኻ ኣብ ምሕጋዝ ዘይኰነስ፡ መልእኽትታት ኣብ ምምላስ ጥራይ እዩ ዚኸውን።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ምስ ፈተውትኻ ንምርኻብ ተክኖሎጂ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ‘ድንጋጸ’ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧—1 ጴጥሮስ 3:8

ባዶነት

ሓያሎ ሰባት፡ ህቡብ ማሕበራዊ መራኸቢ ድሕሪ ምጥቃሞም ዝያዳ ባዶነት ከም ዚስምዖም ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ ኣሎ። ሓደ ሰብ፡ ግዜኡ ኻልኦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ በብእዋኑ ዚልጥፍዎ ስእልታትን ጽሑፋትን ብምርኣይ ዜጥፍእ እንተ ዀይኑ፡ ዋላ ሓንቲ ዚረብሕ ነገር ከም ዘይገበረ ዀይኑ ኺስምዖ ኸም ዚኽእል ተመራመርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሓደ ሰብ ካልኦት ኪዘናግዑ ኸለዉ ዘርኢ ስእልታት ምስ ረኣየ፡ ንርእሱ ምስ ካልኦት ኬነጻጽራን ኣሉታዊ ስምዒት ኪስምዖን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ካልኦት ሰባት ወትሩ ጽቡቕ ግዜ ኸም ዜሕልፉ፡ ንሱ ግና ዜሰልኪ ህይወት ይመርሕ ከም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽትጥቀም ከለኻ፡ ንርእስኻ ምስ ካልኦት ከይተነጻጽራ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧—ገላትያ 6:4

ርእሰ ኣትኵሮ

ሓንቲ መምህር፡ ገለ ኻብ ተምሃሮኣ ጥቕሚ ኺረኽቡሉ ምስ ዚኽእሉ ሰብ ጥራይ ኪተዓራረኹ ኸም ዚደልዩ ተዓዚባ እያ። ከምዚ ዓይነት ዕርክነት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብቲ ዚረኽብዎ ጥቕሚ ጥራይ እዮም ዜተኵሩ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ንፈተውቶም ኣብ ዜድልዮም እዋን ከም ዚውልዕዎን ዜጥፍእዎን ኣፕሊኬሽን ገይሮም ኪርእይዎም ይጅምሩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ኢንተርነት እትልጥፎ ነገራት ንኻልኦት ከተቕንእ እትጽዕር፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣመና እተተኵር ከም ዝዀንካ ዜርኢ ድዩ፧—ገላትያ 5:26

ክትገብሮ እትኽእል

ነቲ ተክኖሎጂ እትጥቀመሉ መገዲ መርምሮ

ተክኖሎጂ ጐይታኻ ዘይኰነስ ኣገልጋሊኻ እንተ ዀይኑ፡ ምስ ኣዕሩኽካ ኽትራኸብን ነቲ ምስኦም ዘሎኻ ዕርክነት ከተደልድልን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ ጥቕሚ ርእሳ . . . ኣይትደል።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 5

ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኻብ ዘሎ ሓሳባት ነቲ ኽትዓይየሉ እትደሊ ምልክት ግበረሉ፣ ወይ ከኣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብ ጽሓፍ።

  • ምስ ሰባት (ኣብ ክንዲ ብተክስት ወይ ብኢ-መይል ጥራይ ዝራኸብ) ዝያዳ ብኣካል ተራኺበ ኸዕልል

  • ምስ ሰባት ከዕልል ከለኹ፡ ንሞባይለይ ካብ ጥቓይ ከርሕቓ (ወይ ድምጻ ኸጥፍኣ)

  • ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዜሕልፎ ግዜ ደረት ክገብረሉ

  • ጽን በሃሊ ክኸውን

  • ጸገም ምስ ዜሕልፍ ዘሎ ፈታውየይ ክራኸብ