ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራ

ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራ

ምዕራፍ 20

ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራ

1. ዮሃንስ ምሕታም ናይቶም 144,000 ምስ ገለጸ ዝረኣዮም ካልኦት ጕጅለ እንታይ ኢዮም፧

 ዮሃንስ ብዛዕባ ምሕታም ናይቶም 144,000 ምስ ገለጸ: ጸብጻብ ናይ ሓደ ኣዝዩ ዘለዓዕል ራእይታት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ይነግር። ነቲ ዝረኣዮ ከዘንቱ ከሎ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢሉ ክኸውን ኣለዎ: ከምዚ በለ:- “ድሕርዚ ድማ ርኤኹ: እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW]: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ።” (ራእይ 7:9) እወ: ምዕጋት ናይቶም ኣርባዕተ ንፋሳት: ብዘይካ ምድሓን ናይቶም 144,000 ኣባላት ናይ መንፈሳዊት እስራኤል: ምድሓን ናይቶም ካብ ብዙሕ ቋንቋታት: ካብ ብዘላ ዓለም እተኣከቡ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ካልኦት ጕጅለውን የምጽእ ኢዩ። aራእይ 7:1

2. ዓለማውያን ወሃብቲ ርእይቶ ነቶም ዓቢ ጭፍራ ብኸመይ ይገልጽዎም: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ነዞም ጕጅለ እዚኣቶም ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎም ነይሮም፧

2 ዓለማውያን ወሃብቲ ርእይቶ ብዛዕባ እዞም ዓቢ ጭፍራ ትርጕም ክህቡ ኸለዉ: እቶም ብስጋ ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትና እተቐበሉ ወይ እቶም ንሰማይ ዝኸዱ ክርስትያን ሰማእታት ኢዮም ይብልዎም። እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስውን ከይተረፈ ኣብቲ ዝሓለፈ ግዜያት: ካልኣይ ደረጃ ናይ ሰማያዊ ክፍሊ ከም ዝዀኑ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ: እዚ ኸኣ ብ1886 ኣብቲ ጥራዝ 1 ናይ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዀነ መዋእላት መለኮታዊ ውጥን (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ሓሳባት ተገሊጹ ኣሎ:- “ንሳቶም ነቲ ዓስቢ ዝፋንን መለኮታዊ ፍጥረት ናይ ምዃንን መሰል ዘጥፍኡ: ኣብ መወዳእታ ግን ካብቲ መለኮታዊ ፍጥረት ትሕት ዝበለ ቦታ ዘለዎ መንፈሳዊ ውልድነት ዝረኽቡ ኢዮም። ንሳቶም ብሓቂ ህይወቶም ዝወፈዩ እኳ እንተዀኑ: መንፈስ ዓለም ስለ ዝዓብለሎም ህይወቶም ንመስዋእቲ ንምሃብ ዝሰነፉ ኢዮም።” ጸኒሑውን ብ1930 እቲ ሓሳብ ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብርሃን (እንግሊዝኛ) ብኸምዚ ተገልጸ:- “እዞም ነዚ ዓቢ ጭፍራ እዚ ዘቘሙ ሰባት ናይ ጐይታ ቀናኣት መሰኻኽር ክዀኑ ተዓዲሞም ዝኣበዩ ኢዮም።” ንሳቶም ርእሶም ዘጽድቑ: ፍልጠት ሓቂ ኸኣ ዘለዎም: እንተዀነ ግን ብዙሕ ዘይሰብኩ ጕጅለ ተባሂሎም ተገሊጾም ነበሩ። ከም ካልኣይ ደረጃ ኰይኖም ንሰማይ ዝኸዱ: ምስ ክርስቶስ ንምግዛእ ግን ግደ ዘይነበሮም ኢዮም።

3. (ሀ) ጸኒሖም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ቀንኣት ዝዀኑ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ገለ ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ እተነብረሎም፧ (ለ) ግምቢ ዘብዐኛ ብ1923 ነቲ ምስላ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ከመይ ገይሩ ገለጾ፧

3 እንተዀነ ግን: ጸኒሖም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ኣዝዮም ቀናኣት ዝዀኑ ካልኦት ብጾት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነበሩ። እዚኣቶም ንሰማይ ናይ ምኻድ ባህጊ ኣይነበሮምን። ተስፍኦም ምስቲ ህዝቢ የሆዋ ካብ 1918-1922 ዘቕረብዎ ኣርእስቲ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ እዚ “ዓለም ኣብ መወዳእታኣ በጺሓ—ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብል ኢዩ ነይሩ። b ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ እታ ናይ 15 ጥቅምቲ 1923 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ኣጣልን ኣባጊዕን ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ (ማቴዎስ 25:31-46) ከምዚ ኢላ ገለጸት:- “እተን ኣባጊዕ ነቶም ብመንፈስ ዘይተወልዱ ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም: ብኣተሓሳስብኦም ንየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታ ኣፍልጦ ዝህቡ ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝሓሸ ግዜ ክረኽቡ ኣማዕድዮም ዝጥምቱን ተስፋ ዝገብሩን ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝዀኑ ሰባት ኢየን ዘመልክታ።”

4. ብርሃን ብዛዕባ እቶም ምድራዊ ክፍሊ ብ1931: ብ1932: ብ1934 ዝያዳ ዝደመቐ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

4 ድሕሪ ገለ ዓመታት ብ1931 እታ ቐዳመይቲ መጽሓፍ ናይ ምርግጋጽ (እንግሊዝኛ) ንትንቢት ህዝቅኤል ምዕራፍ 9 ብምምይያጥ እቶም ኣብ መወዳእታ ዓለም ንምድሓን ኣብ ግምባሮም ማሕተም ዝግበረሎም: እተን ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣባጊዕ ምዃኖም ኣላለየት። እታ ብ1932 ዝወጸት ሳልሰይቲ መጽሓፍ ናይ ምርግጋጽ ብዛዕባ ቅንዕና ልቢ ናይቲ እስራኤላዊ ዘይነበረ: ነቲ የሁ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሓሶት ሃይማኖት ፍርዲ ንምውራድ ዝነበሮ ቅንኢ ክርኢ ኢሉ ኸኣ ምስቲ ቅቡእ ንጉስ እስራኤል ኣብ ሰረገላ ዝደየበ ዮናዳብ ገለጸት። (2 ነገስት 10:15-17) እታ መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ሓሳብ ትህብ:- “ዮናዳብ ምልክት ወይ ጽላሎት ናይቶም ሎሚ ኣብዚ ዕዮ የሁ [ፍርዲ የሆዋ ናይ ምእዋጅ ዕዮ] ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን ኣብ ምድሪ ዘለዉ: ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም: ምስ ማሕበር ሰይጣን ዘይሓብሩ: ኣቕዋሞም ኣብ ወገን ጽድቂ ዝገብሩ: ከምኡውን እቶም ጐይታ ኣብ እዋን ኣርማጌዶን በቲ ጸበባ ኣሕሊፉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምድሪ ዝህቦም ሰባት ኢዩ። እዚኣቶም ክፍሊ እተን ‘ኣባጊዕ’ ዘቝሙ ኢዮም።” ኣብ 1934 ድማ ግምቢ ዘብዐኛ እዞም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እዚኣቶም ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ክጥመቑ ከም ዝግብኦም ገለጸት። እቲ ብዛዕባ እዞም ምድራዊ ክፍሊ እተረኽበ ብርሃን መመሊሱ እናደመቐ ኣንጸባረቐ።—ምሳሌ 4:18

5. (ሀ) ብ1935 ብዛዕባ እቲ ዓቢ ጭፍራ እንታይ ኢዩ እተጋህደ፧ (ለ) ብ1935 ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ነቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ንምንባር ተስፋ ዘለዎም ተኣከብቲ ሓፍ ክብሉ ምስ ሓተቶም እንታይ ኰነ፧

5 ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ምርዳእ ናይ ራእይ 7:9-17 ዘንጸባርቕ ብርሃን ኣብ ምርካቡ ኢዩ ነይሩ! (መዝሙር 97:11) እቲ ካብ 30 ግንቦት ክሳዕ 3 ሰነ 1935 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ሕ.መ.ኣ. ክካየድ እተመደበ ዓቢ ኣኼባ ነቶም ብዮናዳብ እተመሰሉ “ናይ ሓቂ ምጽንናዕን ረብሓን” ክኸውን ከም ዝዀነ ግምቢ ዘብዐኛ ደጋጊሙ ተስፋ ሃበ። ከምኡ ድማ ዀነ! እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ: 20, 000 ሰባት ኣብ ዝነበሩሉ ኣኼባ “ብዙሓት ሰባት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሃቦ ዘነቓቕሕ ዝርርብ: እቶም ዘመናውያን ካልኦት ኣባጊዕ ምስቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ሓደ ከም ዝዀኑ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ኣቕረበ። ኣብ ምዝዛም ናይ ዝርርቡ እቲ ተዛራባይ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ኵሉዅም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብሩ ተስፋ ዘሎኩም በጃኹም ደውዶ ምበልኩም፧” ሓያለይ ካብቶም ተኣከብቲ ደው ምስ በሉ ድማ: እቲ ተዛራባይ “እንሆ: እቶም ብዙሓት ሰባት!” በለ። እቲ ዝነበረ ጸጥታ ብነጐዳ ዝጥዕም ወኻዕታ ተተክአ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ—ከምኡውን እቲ ጕጅለ ዮናዳብ—ባህ ዝበሎ! ንጽብሒቱ ድማ 840 ሓደስቲ መሰኻኽር: ዝበዝሑ ካብኣቶም ዓቢ ጭፍራ ኢና ዝብሉ ተጠምቁ።

መንነት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ምርግጋጽ

6. (ሀ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ዘመናዊ ጕጅለ ናይቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ውፉያት ክርትስትያናት ኢዮም ኢልና ብግልጺ ክንርዳእ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ ጻዕዳ ክዳውንቲ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ የመልክት፧

6 እቶም ዓቢ ጭፍራስ እቶም ንዘለኣለም ኣብ ናይ ኣምላኽ ምድሪ ክነብሩ ተስፋ ዝገብሩ ዘመናዊ ጕጅለ ናይቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ: ከመይ ገይርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ኣቐድም ኣቢሉ ዮሃንስ ትርኢት ናይቶም ‘ካብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ እተዓደጉ’ ሰማያዊ ጕጅለ ርእዩ ኢዩ። (ራእይ 5:9, 10) እቶም ዓቢ ጭፍራውን ተመሳሳሊ መበቈል ኣለዎም: ብጽሒቶም ግን ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ቍጽሮም ከምቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣቐዲሙ ውሱን ኣይኰነን። ክንደይ ክዀኑ ምዃኖም ኣቐዲሙ ክነግር ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዘለዎም እምነት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅኑዕ ኣቃውማ ከም ዘለዎም ንምምልካት: ክዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉ ኢዮም። (ራእይ 7:14) ነቲ መሲሕ ከም ንጉሶም ንምውዳስ ጨናፍር ስየ ሒዞም ኣለዉ።

7, 8. (ሀ) እቲ ጨናፍር ስየ ምሓዞም ንዮሃንስ ብዘይጥርጥር እንታይ ፍጻመታት ኣዘኻኺርዎ ይኸውን፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ጨናፍር ስየ ምሓዞም እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

7 ዮሃንስ ነዚ ትርኢት እዚ ክርኢ ከሎ: ሓሳቡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ንድሕሪት: ናብቲ መጨረሽታ ሰሙን ናይቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ: መሊስዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ 9 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ብዙሓት ህዝቢ: የሱስ ንየሩሳሌም ክኣቱ ኸሎ “ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፤ ሆሳእና: ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ: በሉ።” (ዮሃንስ 12:12, 13) ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ: እቶም ዓቢ ጭፍራ ጨናፍር ስየ ምሓዞምን ዓው ኢሎም ምጭዳሮምንሲ: ንየሱስ ከም ብየሆዋ እተመዘዘ ንጉስ ንምቕባል ዘለዎም ደረት ዘይብሉ ሓጐስ የመልክት።

8 እቲ ጨናፍር ስየን እቲ ናይ ሓጐስ ወኻዕታን ንዮሃንስ በዓል ዳስ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ከም ዘዘኻኸሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ የሆዋ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦም: ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን: ዕቦል ርባ ኸኣ ውሰዱ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሐጐሱ” ብምባል ኣዚዙ ነበረ። ጨናፍር ስየ ንምልክት ሓጐስ ኢዩ ዝዝውተር ዝነበረ። እቲ ግዜያዊ ዳሳት: የሆዋ ንህዝቡ ኣብ በረኻ ኣብ ድንኳናት ንኽነብሩ: ካብ ግብጺ ከም ዘድሓኖም ዘዘኻኽር ኢዩ። “ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን” ድማ ኣብቲ በዓል ይካፈሉ ነበሩ። ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ‘ምሉእ ሓጐስ ይሕጐሱ ነበሩ።’—ዘሌዋውያን 23:40፣ ዘዳግም 16:13-15

9. ኣብ እንታይ ናይ ሓጐስ ጭድርታ ኢዮም እቶም ዓቢ ጭፍራ ዝሓብሩ፧

9 እቶም ዓቢ ጭፍራ ክፍሊ ናይ መንፈሳዊ እስራኤል እኳ እንተዘይኰኑ: እቲ ዓወትን ድሕነትን ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን ብሓጐስ ከምኡውን ብሞሳ ስለ ዝህቡ ጨናፍር ስየ ክሕዙ ግቡእ ኢዩ: ልክዕ ከምቲ ዮሃንስ እተዓዘቦ ኢዩ:- “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ: እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ።” (ራእይ 7:10) ካብ ኵሎም ዓሌታት እተኣከቡ እኳ እንተዀኑስ: ብሓንሳብ “ዓው ኢሎም ጨደሩ።” ካብ እተፈላለየ ሃገራትን ቛንቋታትን ዝመጹ ክነሶምሲ ብኸመይ ኢዮም ነዚ ክገብርዎ ዝኽእሉ፧

10. ካብ እተፈላለያ ሃገራትን ቋንቋታትን እኳ እንተዀኑ እቶም ዓቢ ጭፍራ ብሓደ ሓቢሮም ‘ዓው ኢሎም ዝጭድሩ’ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

10 እዞም ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም ክፍሊ ናይታ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘላ: ብሓቂ ብዙሕ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ዝሓብሩላ ሓንቲ ማሕበር ኢዮም። ንእተፈላለያ ሃገራት እተፈላለየ ስርዓታት የብሎምን: የግዳስ ነቲ ቅኑዕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ሓደ ኰይኖም ይትግብርዎ። ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ምንቅስቓሳት ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ ብሓቂ ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት ለዊጦምዎ’ ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:4) ከምተን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት ዝገብርኦ: እተደናገረን ንሓድሕዱ ዝጋጮን መልእኽትታት ንምጭዳር ኣብ ኣንቈራታት ወይ ጨናፍር ኣይከፋፈሉን ኢዮም፣ ወይውን እቲ ንሳቶም ክገብርዎ ዝግብኦም ውዳሴ ጕጅለ ኣቕሽሽቲ ክገብሩሎም ኣይገድፉሎምን ኢዮም። ድሕነቶም ካብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ኢሎም ኣይጭድሩን ኢዮም: ከመይሲ ኣምለኽቲ ናይ ሓደ ስላሴ ዝዀነ ኣምላኽ ኣይኰኑን። ኣብ ልዕሊ 232 ኣቢለን ዝዀና ቦታታት ናይ ምድሪ: ነታ ሓንቲ ጽርይቲ ቋንቋ ናይ ሓቂ ክዛረቡ ኸለዉ ስም የሆዋ ንምጽዋዕ ሕቡራት ኢዮም። (ጸፎንያስ 3:9) ድሕነቶም ከኣ በቲ ቀንዲ ናይ ድሕነት ልኡኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ: ካብ የሆዋ እቲ ኣምላኽ ድሕነት ከም ዝመጾም ብግልጺ ኣፍልጦ ይህቡ ኢዮም።—መዝሙር 3:8፣ እብራውያን 2:10

11. ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ድምጺ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ዝያዳ ዓው ክብል ዝሓገዘ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

11 ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ነቲ ዓው ዝበለ ድምጺ ናይቶም ሕቡራት ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ዝያዳ ዓው ክብል ሓጊዝዎ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ካልእ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽንዒ ሓገዛት ብልዕሊ 400 ቋንቋታት ክሓትም ዘድልዮ የለን: ምኽንያቱ ንዅሎም ህዝብታት ናይ ምድሪ ብሓደ ሕብረት ዘለዎ መልእኽቲ ክበጽሖም ዝደሊ ማንም ካልእ ጕጅለ የለን። ነዚ ዝያዳ ንኽሕግዝ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምዕዛብ ናይቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ማልቲላንጐጅ ኤሌክትሮኒክ ፎቶታይፕሰቲንግ ሲስተም (መፕስ) እትባህለ መሳርሒ ተማህዘ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ክትሕተም ከላ ኣብ ልዕሊ 125 ዚርከብ ቦታታት ብእተፈላለየ ዓይነት መፕስ ተዓዩሉ ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ዝወጽእ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደ ግዜ ብ130 ቋንቋታት ክሕተም ኣኽኢሉ ኢዩ። ብተወሳኺውን ህዝቢ የሆዋ ከምዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝበሉ መጻሕፍቲውን ብሓደ ግዜን ብእተፋላለየ ቋንቋታትን ይሓትሙ ኢዮም። በዚ ኸምዚ እቶም መብዛሕትኦም ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዅሉ እቲ ፍሉጥ ዝዀነ ቋንቋታት በብዓመት ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ጽሑፋት ክዕድሉ ክኢሎም ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን ዓሌታትን ዝዀኑ ተወሳኺ ጭፍራ ቃል ኣምላኽ ከጽንዑን ድምጾም ምስ ድምጺ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ክሕውሱን ኣኽኢሉዎም ኢዩ።—ኢሳይያስ 42:10, 12

ኣብ ሰማይዶ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

12, 13. እቶም ዓቢ ጭፍራ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን” ደው ዝብሉ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

12 ‘ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው’ ምባል እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብ ሰማይ ኣለዉ ማለት ከም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ብዙሕ ግሉጽ ዝዀነ መርትዖታት ኣሎ። ንኣብነት እታ ኣብዚ “ኣብ ቅድሚ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል (ኤ·ኖ΄ፒ-ዮን) ቃል ብቓሉ “ኣብ ቅድሚ ዓይኒ” ማለት ኢያ: ብዙሕ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ “ኣብ ቅድሚ” የሆዋ: ወይ “ኣብ ቅድሚ ዓይኒ” የሆዋ ዝነብሩ ደቅሰብ ንምምልካት ተዘውቲራ ኣላ። (1 ጢሞቴዎስ 5:21፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:14፣ ሮሜ 14:22፣ ገላትያ 1:20) ሓደ ግዜ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ ሙሴ ንኣሮን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከምዚ በሎ:- “ንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፤ ምጕርምራምኩም ሰሚዑ ኢዩ እሞ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ በሎም።” (ዘጸኣት 16:9) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ክቐርቡ ንሰማይ ክኸዱ ኣየድለዮምን። (ምስ ዘሌዋውያን 24:8 ኣረኣእዮ።) የግዳስ ኣብኡ ኣብቲ በረኻ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በሉ: ንሱ ኸኣ ኣቓልብኡ ኣብኦም ገበረ።

13 ብተወሳኺ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: . . . ኵሎም ኣህዛብ . . . ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ።” c እዚ ትንቢት እዚ ክፍጸም ከሎ ኵሎም ደቅሰብ ኣብ ሰማይ ኣይኰኑን ዝህልዉ። እቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ” ዝኸዱ ኣብ ሰማይ ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:31-33, 41, 46) ኣብ ክንድኡ ደቅሰብ ኣብ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ የሱስ ይዀኑ: ንሱውን ንኽፈርዶም ኣቓልብኡ ናብኣቶም ይገብር። ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ዓቢ ጭፍራ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን” ኢዮም ዘለዉ: እዚ ማለት ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ የሆዋን እቲ ንጉሱ ክርስቶስ የሱስን ጽቡቕ ፍርዲ ንኽቕበሉ ደው ይብሉ ማለት ኢዩ።

14. (ሀ) “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን” ከምኡውን ‘ኣብ [ሰማያዊ] ደብረ ጽዮን’ ከም ዘለዉ እተገልጹ መን ኢዮም፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ዘገልግልዎ እኳ እንተዀኑ: እዚ ክፍሊ ክህነት ዘይገብሮም ስለምንታይ ኢዩ፧

14 እቶም 24 ሽማግለታትን እቶም ናይ 144,000 ቅቡኣት ጕጅለን “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን” የሆዋ ከምኡውን “ኣብ [ሰማያዊ] ደብረ ጽዮን” ከም ዘለዉ ተገሊጾም ኣለዉ። (ራእይ 4:4፣ 14:1) እቶም ዓቢ ጭፍራ ክፍሊ ክህነት ኣይኰኑን: ነቲ ክብ ዝበለ መዓርግ እቲ ኸኣ ኣይረኽብዎን ኢዮም። ሓቂ ኢዩ ጽንሕ ኢሉ ኣብ ራእይ 7:15 ‘ኣብታ መቕደሱ’ ንኣምላኽ ከም ዘገልግሉ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ግን ነቲ ውሽጣዊ ክፍሊ: ንቕድስተ ቕዱሳን ተመልክት ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት። እታ ኣብዚ ቤት ‘መቕደስ’ ተተርጒማ ዘላ ና·ኦስ΄ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ንብምሉኡ እቲ ንኣምልኾ የሆዋ እተሰርሐ ህንጻ ዘመልክት ሰፊሕ ሓሳባት ኢዩ ዘለዋ። ሎሚ እዚ ንሰማይን ንምድርን ዝሓቁፍ መንፈሳዊ ህንጻ ኢዩ።—ምስ ማቴዎስ 26:61፣ 27:5, 39, 40፣ ማርቆስ 15:29, 30፣ ዮሃንስ 2:19-21 እግረ-ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእዮ።

ኣድማሳዊ ጭድርታ ናይ ውዳሰ

15, 16. (ሀ) ንምቕልቃል ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ኣብ ሰማይ እንታይ መልሲ ነበረ፧ (ለ) ንነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ እተገልጸ ሓድሽ ራእይ እቶም መንፈሳውያን ፍጡራቱ ብኸመይ መሊሶምሉ፧ (ሐ) እቶም ኣብ ምድሪ ዘሎና ኣብቲ ናይ ውዳሰ መዝሙር ክንሓብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 እቶም ዓቢ ጭፍራ ንየሆዋ ይውድሱ ኣለዉ: እንተዀን ግን ካልኦትውን ምስጋንኡ ይዝምሩ ኣለዉ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን [“ህያዋን ፍጡራትን:” NW] ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፤ ኣሜን: ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን: ኣሜን: እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ።”—ራእይ 7:11, 12

16 የሆዋ ንምድሪ ምስ ፈጠረ ኵሎም ቅዱሳት መላእኽቱ ‘ሓቢሮም ኣመስገኑ: ኵሎም ደቂ ኣምላኽ እልል በሉ።’ (እዮብ 38:7) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ እተገልጸ ሓድሽ ራእይ: መላእኽቲ ከምዚ ዝበለ ናይ ምስጋና ጭድርታ ከስምዑ ተለዓዒሎም ክዀኑ ኣለዎም። እቶም 24 ሽማግለታት—ነቶም 144, 000 ኣብ ሰማያዊ ግርምኦም ከም ዘለዉ ዘመልክቱ—ዓው ኢሎም ነቲ ገንሸል ኣፍልጦ ክህብሉ ከለዉ: ኵሎም እቶም ካልኦት ሰማያውያን ፍጡራት ኣምላኽውን ንየሱስን ንየሆዋ ኣምላኽን ኣብ ምምስጋን ይሓብርዎም። (ራእይ 5:9-14) እዞም ፍጡራት እዚኣቶም የሆዋ ነቶም እሙናት ቅቡኣት ሰባት ናብ ግርማዊ ስፍራ ናይ መንፈሳዊ ግዝኣት ብምትንሳእ ዕላምኡ ክፍጽም ብምርኣዮም ድሮ ተሓጒሶም ኢዮም። ሕጂ ኸኣ እቶም ዓቢ ጭፍራ ክቕልቀሉ ከለዉ ኵሎም ናይ የሆዋ እሙናት ሰማያውያን ፍጡራት ብዜማ ገይሮም የመስግኑ። ብሓቂ ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ መዓልቲ ጐይታ ንኽትነብረሉ ባህ ዘብል እዋን ኢዩ። (ራእይ 1:10) ኣብዛ ምድሪ እዚኣውን: ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ብምምስካር ኣብቲ ናይ ምስጋና መዝሙር ክንካፈል ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!

እቲ ዓቢ ጭፍራ ይቕልቀል

17. (ሀ) ሓደ ካብቶም 24 ሽማግለታት እንታይ ሕቶ ኢዩ ዘልዓለ: እቲ ሽማግለ ነቲ መልሲ ክሕብር ምኽኣሉኸ እንታይ የመልክት፧ (ለ) ሕቶ ናይቲ ሽማግለ እተመለሰ መዓስ ኢዩ፧

17 ካብ ግዜ ሃዋርያ ዮሃንስ ጀሚርካ ክሳዕ መዓልቲ ጐይታ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ መንነት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ተደናጊሮም ኢዮም። ሓደ ካብቶም ድሮ ኣብ ሰማይ ንዘለዉ ቅቡኣት ዘመልክቱ 24 ሽማግለታት: ነዚ ዝምልከት ሕቶ ብምሕታቱ ነቲ ናይ ዮሃንስ ሓሳባት ከለዓዕሎ ግቡእ ኢዩ። “ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ: እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት ኢዮም፧ ካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን: ጐይታይ: ንስኻ ትፈልጥ: በልኩዎ።” (ራእይ 7:13, 14ሀ) እወ: እቲ ሽማግለ መልሲ ረኺቡ ንዮሃንስውን ክነግሮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ሎሚ እቶም ዝተንስኡ ጕጅለ ናይቶም 24 ሽማግለታት: መለኮታዊ ሓቂ ኣብ ምንጋር ክካፈሉ ከም ዝኽእሉ ይሕብር። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ክፍሊ ዮሃንስ ብወገኖም የሆዋ ኣብ ማእከሎም ዝገብሮ ዝነበረ ኣጸቢቖም ብምዕዛብ መንነት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ፈለጥዎ። ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ: እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ብ1935 ኣብ ቲኦክራሲያዊ ግዝኣት እተራእየ ድሙቕ ነጸብራቕ ናይ መለኮታዊ ብርሃን ክግንዘብዎ ቅልጡፋት ኢዮም ነይሮም።

18, 19. (ሀ) እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ኣብ 1920ታት ከምኡውን ኣብ 1930ታት ኣብ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘተኵር ነይሩ: እናወሰኸ ዝኸይድ ቍጽሪ ናይቶም ነቲ መልእኽቲ እተቐበሉ ግን ኣየናይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) መንነት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ብ1935 ምፍላጡ ብዛዕባ እቶም 144,000 እንታይ ኣመልከተ፧ (ሐ) ናይ ዝኽሪ ጸብጻብ እንታይ የርኢ፧

18 ኣብ 1920ታት ከምኡውን ኣብ መጀመርታ ናይ 1930ታት እቲ ክፍሊ ዮሃንስ: ብጽሑፋት ይኹን ብስብከት ኣብ ሰማያዊ ተስፋ ኢዩ ዘተኵር ነይሩ። እዚ ኸኣ ቍጽሪ ናይቶም 144,000 ገና ክመልእ ከም ዝነበሮ የርኢ። እንተዀነ ግን: ዝበዝሐ ቍጽሪ ናይቶም ነቲ መልእኽቲ እተቐበሉን ኣብቲ ናይ ምስክርነት ዕዮ ቅንኢ ዘርኣዩን ሰባት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ከም ዝነበሮም ክገልጹ ጀመሩ። ናብ ሰማይ ንምኻድ ድሌት ኣይነበሮምን። እዚ ጽውዓኦም ኣይነበረን። ክፍሊ ናይቲ ሒደት መጓሰ ኣይነበሩን: ኣብ ክንድኡስ ክፍሊ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 10:16) ብ1935 ድማ እዚኣቶም ዓቢ ጭፍራ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ምዃኖም ምስ ተፈልጠ: ምምራጽ ናይቶም 144,000 ኣብ ምምልኡ ከም ዝነበረ ኣመልከተ።

19 ነዚ መደምደምታ እዚ ጸብጻብ ይድግፎዶ ኢዩ፧ እወ: ይድግፎ ኢዩ። ብ1938 ኣብ ብዘላ ዓለም 59,047 መሰኻኽር ናይ የሆዋ ኣብቲ ኣገልግሎት ይካፈሉ ነበሩ። ካብዚኣቶም 36,732 ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ የሱስ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዝወሰዱ ኢዮም: በዚ ኸኣ ሰማያዊ ጽውዓ ከም ዘለዎም ኣመልከቱ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ቍጽሪ ናይቶም ዝወስዱ ብቐጻሊ እናጐደለ መጸ: ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኸኣ እቶም እሙናት መሰኻኽር ናይ የሆዋ ነቲ ምድራዊ ህይወቶም ብሞት ስለ ዝወድእዎ ኢዩ። ኣብ 2005 ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝወሰዱ 8,524 ጥራይ ኢዮም: እዚ ኸኣ 0.05 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ነቲ በዓል ከኽብሩ ተኣኪቦም ዝነበሩ 16,390,116 ሰባት ኢዩ።

20. (ሀ) ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ብዛዕባ እቶም ዓቢ ጭፍራ ብብሕቱ እንታይ ሓሳብ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) እቲ ዓቢ ጭፍራ ብሓቂ ዓቢ ምዃኑ እንታይ መርትዖታት ኣሎ፧

20 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ ሰይጣን ነቲ ምእካብ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ምእንቲ ደው ከብል ብርቱዕ ጻዕሪ ገበረ። ዕዮ የሆዋ ኣብ ሓያለይ ሃገራት ተኣገደ። ኣብቲ ናይ ጸልማት መዓልትታት እትን ብወርሒ ጥሪ ናይ 1942 ቀቅድሚ ሙማቱን ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ከምዚ ክብል ተሰምዐ:- “መቸም . . . እቶም ብዙሓት ሰብ ክሳዕ ክንድቲ ኣዝዮም ብዙሓት ከም ዝዀኑ ኣይመስሉን ኢዮም።” መለኮታዊ በረኸት ግን ናብ ካልእ ገጹ መርሐ! ብ1946 ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘገልግሉ ዝነበሩ መሰኻኽር 176,456 በጽሐ: ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ድማ ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ኢዮም ነይሮም። ብ2005 ከኣ ኣብ 235 ሃገራት ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልግሉ 6,390,022 መሰኻኽር ነበሩ—ብሓቂ ዓቢ ጭፍራ! ቍጽሮም ከኣ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

21. (ሀ) ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዝግበር ዘሎ ምእካብ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ትርኢት ናይ ዮሃንስ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ለ) ገለ ኣገደስቲ ትንቢታት ክፍጸሙ ዝጀመሩ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

21 ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዝግበር ዘሎ ምእካብ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ትርኢት ናይ ዮሃንስ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ዀይኑ ኣሎ:- ቅድም እቶም ተረፍ ናይቶም 144,000 ብድሕሪኡ ኸኣ እቶም ዓቢ ጭፍራ ይእከቡ። ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ ሕጂ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ካብ ኵለን ሃገራት ዝዀኑ ህዝቢ ኣብቲ ጽፉፍ ኣምልኾ የሆዋ ክካፈሉ ይውሕዙ ኣለዉ። ብሓቂ ንሕናውን ነቲ የሆዋ ዝፈጠሮ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ብምምሳው ኣዝዩ ኢዩ ባህ ዝብለና። (ኢሳይያስ 2:2-4፣ 65:17, 18) ኣምላኽ ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ:” ንዅሉ ነገራት እንደገና ይእክቦ ኢዩ ዘሎ። (ኤፌሶን 1:10) እቶም ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዞም ንሓያለይ ክፍለ-ዘበናት እተመርጹ ቅቡኣት ወረስቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኢዮም “ኣብ ሰማይ ዘሎን” ተባሂሉሎም ዘለዉ። ሕጂ ኸኣ: እቶም ዓቢ ጭፍራ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ከም ፈለማ ናይቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎን” እተባህለ ዀይኖም ይቕልቀሉ ኣለዉ። ምስ እዚ ምድላው እዚ ተሰማሚዕካ ምግልጋልካ ድማ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ምርካብ ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

በረኸታት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ

22. ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ ተወሳኺ ሓበሬታ ኢዩ ዝረኸበ፧

22 ዮሃንስ በቲ መለኮታዊ መትረብ ኣቢሉ ብዛዕባ እዞም ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም ተወሳኺ ሓበሬታ ይረክብ:- “ንሱ [እቲ ሽማግለ] ኸኣ፣ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ [“ዓቢ:” NW] ጸበባ ዝመጹ እዮም: ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ: ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም: ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ።”—ራእይ 7:14ሀ, 15

23. እቶም ዓቢ ጭፍራ ‘ዝመጽሉ’ ዓቢ ጸበባ እንታይ ኢዩ፧

23 የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እቲ ብኽብሪ መንግስቱ ዝህልወሉ ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ “መከራ [“ዓቢ ጸበባ:” NW] ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን” ነገራት ከም ዝህሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 24:21, 22) ንመፈጸምታ ናይዚ ትንቢት እዚ: እቶም መላእኽቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣገባብ ንምድምሳስ: ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ክፍንውዎም ኢዮም። ብመጀመርታ እትጠፍእ እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኢያ። እቲ ዓቢ ጸበባ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ምስ በጽሐ የሱስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይ 144,000 ከምኡውን ነቶም ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራ ብሓደ ከድሕኖም ኢዩ።—ራእይ 7:1፣ 18:2

24. ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ብኸመይ ኢዮም ንድሕነት ዝበቕዑ፧

24 ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ወልቀ-ሰባት ብኸመይ ኢዮም ንድሕነት ዝበቕዑ፧ እቲ ሽማግለ “ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ” ብምባል ንዮሃንስ ነገሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ: የሱስ መድሓኒኦም ከም ዝዀነ እምነት ኣርእዮም: ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም: ወፈይኦም ድማ ብማይ ጥምቀት ኣርእዮም: በቲ ቅኑዕ ጠባዮምውን ‘ሰናይ ሕልና ይህልዎም’ ማለት ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:16, 21፣ ማቴዎስ 20:28) በዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽፉፋትን ጻድቃንን ኢዮም። ንገዛእ ርእሶም ከኣ ‘ካብ ርኽሰት ዓለም ይሕልውዋ።’—ያእቆብ 1:27

25. (ሀ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ንየሆዋ ‘ኣብታ መቕድሱ ለይትን መዓልትን’ ዘገልግልዎ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓቢ ጭፍራ ‘ድንኳኑ ዝተክል’ ብኸመይ ኢዩ፧’

25 ብዘይዚውን ቀናኣት መሰኻኽር የሆዋ ዀይኖም ‘ኣብታ መቕደሱ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ።’ ንስኻኸ ሓደ ኻብዞም እተወፈዩ ዓቢ ጭፍራ ዲኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ ብዘይምቍራጽ ኣብ ምድራዊ ኣጸድ ናይታ ዓባይ መንፋሳዊት ቤት መቕደስ ንኸተገልግል መሰል ረኺብካ ኣሎኻ። ሎሚ እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቶም ቅቡኣት ብምዃን ዝዓበየ ክፍሊ ናይቲ ዕዮ ምስክርነት ይፍጽሙ ኣለዉ። ናይ ዓለማዊ ስራሕ ሓላፍነት እኳ እንተለዎም ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብኣቶም ከም ፓይነራት ንምዕያይ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቦታ ሂቦሞ ኢዮም። ካብ እዚኣቶም ኩን ወይስ ኣይትኹን ብዘየገድስ: ከም እሙን ኣባል ናይቶም ዓቢ ጭፍራ መጠን ነዚ ክትሕጐሰሉ ትኽእል ኢኻ: ምኽንያቱ እምነትካን ተግባርካን ጽድቂ ተቖጺሩልካ ዓርኪ ኣምላኽ ኴንካ ኢኻ: ከምኡውን ከም ጋሻ ኴንካ ኣብ ድንኳኑ ክትኣቱ ቅቡል ኢኻ። (መዝሙር 15:1-5፣ ያእቆብ 2:21-26) በዚ ኸምዚ ድማ የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎ ‘ድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ክተኽሎ’ ኢዩ: ከም ሕያዋይ ኣአንጋዲውን ከዕቍቦም ኢዩ።—ምሳሌ 18:10

26. እቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ ካልእ በረኸታት ኢዮም ዘስተማቕሩ፧

26 ቀጺሉውን እቲ ሽማግለ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም: ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም: ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ: ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም: ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ።” (ራእይ 7:16, 17) እወ: የሆዋ ብሓቂ ተቐባል ጋሻ ኢዩ! እዘን ቃላት እዚአን ግን ከመይ ዝበለ ዓሚቝ ትርጕም ኢዩ ዘለወን፧

27. (ሀ) ኢሳይያስ ምስቲ ናይቲ ሽማግለ ዝበሎ ቃላት ዝመሳሰል ነገር እተነበየ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ኣብታ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ክፍጸም ከም ዝጀመረ እንታይ የርኢ፧

27 ተመሳሳሊ ቃላት ዘለዎ ትንቢት እስከ ንርአ:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፤ ብምሽእቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ: ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ። . . . እቲ ዚርሕርሓሎም ኪመርሖም: ኣብ ዓይኒ ማይ ከኣ ኬብጽሖም እዩ እሞ: ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡንውን እዮም: ሃሩር ወይስ ጻሓይ ኣይኪጐድኦምን እዩ።” (ኢሳይያስ 49:8, 10፣ ብተወሳኺ መዝሙር 121:5, 6 ርአ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ገለ ክፍሊ ናይዚ ትንቢት እዚ ጠቒሱ ኣብቲ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ ‘መዓልቲ ምድሓን’ ኣውዓሎ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “[የሆዋ] ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ: ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ: ይብል እዩ እሞ: እንሆ: እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ: እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።”—2 ቈረንቶስ 6:2

28, 29. (ሀ) ናይ ኢሳይያስ ቃላት ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ብኸመይ ተፈጸመ፧ (ለ) እቲ ኣብ ራእይ 7:16 ዘሎ ቃላት ኣብቶም ዓቢ ጭፍራ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧ (ሐ) እቶም ዓቢ ጭፋራ ናብ ‘ዔላታት ማይ ህይወት’ ተመሪሖም ብምኻዶም እንታይ ከስዕብ ኢዩ፧ (መ) እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ፍሉያት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

28 እቲ ኣይክጠምዩን ወይ ኣይክጸምኡን ወይ ሃሩር ኣይክጐድኦምን ኢዩ ተባሂሉ ዝነበረ ተስፋኸ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ተግባራውነት ነበሮ፧ ርግጽ ኢዩ ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ሓድሓደ ግዜ ቃል ብቓሉ ጽምእን ጥምየትን ኣሸጊርዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:23-27) ይኹን እምበር: ብመንፈሳዊ መገዲ ኣኽል-ታርፍ ነበሮም። ብልግሲ ኢዩ ተዋሂብዎም: ስለዚ ብመንፈሳዊ ነገራት ኣይጠምዩን ወይ ኣይጸምኡን ኢዮም ነይሮም። ብዘይዚውን የሆዋ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ነቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ከጥፍኦ ኸሎ: ረስኒ ቝጥዓኡ ኣብኣቶም ከም ዝነድድ ኣይገበረን። ሎሚውን እተን ኣብ ራእይ 7:16 ዘለዋ ቃላት ኣብቶም ዓቢ ጭፍራ ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ፍጻሜ ኣለወን። ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ሓቢሮም ልግሲ ዝመልኦ መንፈሳዊ ምድላዋት የስተማቕሩ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 65:13፣ ናሆም 1:6, 7

29 ካብቶም ዓቢ ጭፍራ እቲኣቶም እንተደኣ ኴንካ: ኣብዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝዓርበሉ ዘሎ ዓመታት ስእነትን ጸቕጥን ክትጽመም እኳ እንተሎካ: ሰናይ ኵነታት ናይ ልብኻ ‘ብሓጐስ እልል ከብለካ’ ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:14) በዚ መገዲ እዚ: ሕጂውን ከይተረፈ: የሆዋ ‘ካብ ኣዒንትኻ ንብዓት ዘበለ ክደርዘልካ’ ይኽእል ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ከኣ እቲ ዘንድድ ‘ጸሓይ’ ናይ ኣምላኽ ፍርዲ ጥፍኣት ኣይከፍርሃካን ኢዩ: ከምኡውን እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ጥፍኣት ምስ ተፈነዉ ካብ ‘ሃሩር’ ቍጥዓ የሆዋ ክትድሕን ኢኻ። እቲ ጥፍኣት ምስ ተወድአ ድማ: እቲ ገንሸል ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትጥቀመሉ ናብቲ ህያው ዝገብር “ዔላታት ማይ ህይወት” ክመርሓካ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክትረክብ ኢሉ ዝገብሮ ኵሉ ምድላዋት ኢዩ ዘመልክት። በብቝሩብ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ብምብጻሕካ እቲ ኣብ ደም ናይቲ ገንሸል ዘሎካ እምነት ክረጋገጽ ኢዩ። ኣቱም ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዘበልኩም ኣብ መንጎ እቶም ዘይሞቱ “ሚልዮናት” ብምዃንኩም ፍሉያት ክትኰኑ ኢኹም! ምሉእ ብምሉእ ከኣ ንብዓት ዘበለ ካብ ኣዒንትኹም ክድረዝ ኢዩ።—ራእይ 21:4

ጽዋዓና ርግጽ ምግባሩ

30. ኣብዚ ናይ ዮሃንስ ትርኢት እዚ ከመይ ዝበለ ድንቂ ነገር ኢና ብሓሳብና ክንርኢ ተኸፊቱልና ዘሎ: እቶም “ደው” ክብሉ ዝኽእሉኸ መን ኢዮም፧

30 ኣየ እዘን ቃላት እዚኣተን ብሓሳብና ከመይ ዝበለ ድንቂ ነገር ክንርኢ ኢየን ዝኸፍታልና! የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ: ኵሎም ሰማያውያን ከምኡውን ምድራውያን ኣገልገልቱ ንዕኡ ኣብ ምውዳስ ይሓብሩ። እቶም ምድራውያን ኣገልገልቱ ኣብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓባራዊ መዝሙር ውዳሴ ክሓብሩ ዝረኸብዎ መሰል ዓቢ ብምዃኑ የማስዉ ኢዮም። ብዝቐልጠፈ ግዜ ድማ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ፍርዲ ከውርዱ ኢዮም: ዓው ዝበለ ድምጺ ኸኣ ክስማዕ ኢዩ:- “እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ: መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧” (ራእይ 6:17) መልሲ ናይዚኸ እንታይ ኢዩ፧ ነቶም ሽዑ ብስጋ ዝህልዉ ዝዀኑ ተረፍ ናይቶም 144,000 ሕቱማትን ነቶም ዓቢ ጭፍራን ሓዊስካ ሒደት ካብ ደቅሰብ ጥራይ ኢዮም “ደው” ዝብሉ: ማለት ዝድሕኑ።—ኤርምያስ 35:19፣ 1 ቈረንቶስ 16:13

31. ፍጻሜ ናይ ዮሃንስ ትርኢት ንክርስትያናት: ቅቡኣት ይኹኑ ዓቢ ጭፍራ: ብኸመይ ኢዩ ክትንክፎም ዝግባእ፧

31 ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ዝዀኑ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣበርቲዖም ‘ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢሎም: ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ይጐዩ ኣለዉ።’ (ፊልጲ 3:14) እቲ ኣብዚ መዓልትታት እዚ ዘሎ ፍጻመታት ብወገኖም ፍሉይ ምጽማም ከም ዝሓትት ምሉእ ብምሉእ ተገንዚቦሞ ኣለዉ። (ራእይ 13:10) ንብዙሕ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ድሕሪ ምግልጋሎም ኣስማቶም “ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ” እናተሓጐሱ ኣብ እምነቶም ይጸንዑ። (ሉቃስ 10:20፣ ራእይ 3:5) እቶም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑውን ‘እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ’ ጥራይ ‘ዝድሕን’ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:13) እቶም ዓቢ ጭፍራ ከም ጕጅለ መጠን ካብቲ ዓቢ ጸበባ ከም ዝድሕኑ’ኳ እንተ ተመልከተ: ንዕኡ ኣቚሞም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ንጹሃትን ንጡፋትን ኰይኖም ንኽቕጽሉ ክጽዕሩ የድልዮም።

32. ኣብ መዓልቲ ቍጥዓ የሆዋ “ደው” ዝብሉ ክልተ ጕጅለታት ጥራይ ምዃኖም እንታይ ህጹጽ ኵነታት ኢዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

32 ብጀካ እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኣቶም: በታ መዓልቲ ቍጥዓ የሆዋ ካልእ “ደው” ክብል ዝኽእል ከም ዘሎ ዝሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ የለን። ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ብምእካብ ነቲ ናቱ መስዋእቲ ገለ ክብሪ ዘርእዩ: እንተዀነ ግን እተወፈዩን እተጠመቑን ኣገልገልቲ የሆዋ ከምኡውን ኣብቲ ኣገልግሎቱ ንጡፋት ክሳብ ምዃን ኣብ ናይ የሱስ መስዋእቲ ገና እምነት ዘየርኣዩ ሰባት: እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብዛዕባ እቶም ሓደ ግዜ ንጡፋት ዝነበሩ እንተዀነ ግን ‘ሓልዮት ሓዳር ንልቦም ክኸብድ’ ዘፍቀዱኸ እንታይ ይኹን፧ ካብቲ ‘ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ’—የሱስ ክርስቶስ—‘ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ክረኽቡ’ ኵሎም ዝነቕሑን ነቒሖም ከኣ ዝቕጽሉን ይግበሮም። እቲ ግዜ ሓጺር ኢዩ!—ሉቃስ 21:34-36

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ እግረ-ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።

b ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ሚያዝያ 1918 ገጽ 98 (እንግሊዝኛ)

c ቃል ብቓሉ “ፊት ንፊቱ” ዘ ኪንግዶም ኢንተርሊንያር ትራንስለሽን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸርስ

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 119 ዘሎ ሳጹን]

ምፍታሕ ናይ ኣምላኽ ኢዩ

ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ብዛዕባ መንነት ናይቲ ዓቢ ጭፍራ መርሚሮም ኢዮም: እንተዀነ ግን ዘዕግብ መግለጺ ኣይረኸቡን። ስለምንታይ፧ መልሱ ኣብቲ “እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰ[ነን]፧” ዝብል ቃላት ናይቲ እሙን ዝነበረ የሴፍ ንረኽቦ። (ዘፍጥረት 40:8) መዓስን ብኸመይን ኢዩ ኣምላኽ ንፍጻሜ ናይ ትንቢታቱ ዝፈትሕ፧ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ምስትውዓል ዝደልዩ ኣገልገልቱ ነቲ መልእኽቲ ብግልጺ ምእንቲ ክርድእዎ ኣብቲ ዝፍጸምሉ ግዜ ወይ ከኣ እናተፈጸሙ ከለዉ ኢዩ ዝገብሮ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ምርዳእ ድማ ‘ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ክዀነልና ንምህሮና ኢዩ’ ተዋሂቡ ዘሎ።—ሮሜ 15:4

[ኣብ ገጽ 124 ዘሎ ሳጹን]

ኣባላት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ

▪ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን እተኣከቡ ኢዮም

▪ ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ደው ይብሉ

▪ ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉ ኢዮም

▪ ድሕነት ካብ የሆዋን የሱስን ከም ዝመጽእ ይኣምኑ

▪ ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝመጹ ኢዮም

▪ ንየሆዋ ኣብ መቕደሱ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ

▪ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ዕቝባን ሓልዮትን ይረኽቡ

▪ የሱስ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ይመርሖም

[ኣብ ገጽ 121፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 127 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዓቢ ጭፍራ ካብ ኣምላኽን ካብቲ ገንሸልን ምድሓን ይረክብ

[ኣብ ገጽ 128 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ገንሸል ነቶም ዓቢ ጭፍራ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ይመርሖም