ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ

መእተዊ

ኣብ ሰራ ልዮን ዚነብር ዳዉዳ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ተመክሮኡ የዘንቱ፦ “ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት እየ ዓብየ። ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ስድራ ቤትናን ካልእ ስድራ ቤትን ብሰንኪ መሬት ባእሲ ተፈጢሩ ነበረ። ክልቲአን ስድራ ቤታት እቲ መሬት ይብጽሓና ኢለን ተማጐታ። ነቲ ጕዳይ መዕለቢ ንምግባር፡ ንሓደ ፈላጢ ጸውዑ። እቲ ፈላጢ ንሓደ ሰብኣይ መስትያት ሂቡ ብጻዕዳ ኽዳን ሸፈኖ። ቍሩብ ጸኒሑ፡ እቲ ብኽዳን እተሸፈነ ሰብኣይ ኬንቀጥቅጥን ኪርህጽን ጀመረ። ናብቲ መስትያት እናረኣየ፡ ‘ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ኪመጽእ ከሎ ይርኣየኒ ኣሎ! ጻዕዳ ኽዳን ተኸዲኑ ኣሎ። ነዊሕን ብዕድመ ዝደፍአን ሸያብን እዩ፣ ሕጕብ ኢሉ እዩ ዚኸይድ’ በለ።

“ብዛዕባ ኣቦሓጎና እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ራዕራዕ እናበለ ኸኣ፡ ‘እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ንዑ ርኣይዎ!’ ኢሉ ጨደረ። ዋላ ሓደ ኻባና ግን ኪርኢ ዝደፈረ ኣይነበረን። እቲ ፈላጢ ኻብቲ ኣብ ሓምሓም ሒዝዎ ዝነበረ ኣቝጽልትን ማይን እተሓዋወሶ ስራይ ነጺጉ፡ ነቲ ሰብኣይ ኣህድኦ።

“እቲ ብመስትያት ኣቢሉ ዚዛረብ ዝነበረ ‘ኣቦሓጎና፡’ እቲ መሬት ናትና ኸም ዝዀነ ሓበረ። ንዓባየይ ነቲ መሬት ከይተጨነቐት ክትጥቀመሉ ነገራ። እቶም ምሳና እተበኣሱ ስድራ ቤት ነቲ ፍርዲ ተቐበልዎ። እቲ ጕዳይ ከኣ በዚ ኸምዚ መፍትሒ ረኸበ።”

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ልሙድ እዩ። ኣብኡ ዀነ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት፡ ምዉታት ናብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዚኸዱ፡ ኣብኡ ዀይኖም ድማ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ሰባት ኪዕዘብዎምን ጽልዋ ኺገብሩሎምን ከም ዚኽእሉ ይኣምኑ እዮም። እዚ እምነት እዚ ሓቂ ድዩ፧ ንምዃኑ ምዉታት ብህይወት ኣለዉዶ፧ እንተ ዘየልዮም፡ እቶም መናፍስቲ ምዉታት መሲሎም ዚቐርቡ መን እዮም፧ ቅኑዕ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ።