ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እተገብረ ዕልወት

ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እተገብረ ዕልወት

ሰይጣን ንሄዋን፡ ብተመን ገይሩ ምስ ኣዘራረባ፡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝገበሮ ዕልወት ሓበረቶ

ኵሎም እቶም የሆዋ ዝፈጠሮም መንፈሳውያን ፍጡራት፡ ቅኑዓት እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ሓደ መልኣኽ እኩይ ኰነ። እዚ መልኣኽ እዚ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ፡ ንዕኡ ኼምልኽዎ ደለየ። እዚ ብኸመይ ከም እተፈጸመ እስከ ንርአ፦

ኣብ ገነት ኤድን፡ ንምብላዑ ዝጥዑም ብዙሕ ኣእዋም ነበረ። የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋን ሰበይቱን፡ ካብዚ ኣእዋም እዚ ኸም ድላዮም ኪበልዑ ነገሮም። ኰይኑ ግን፡ ካብ ሓንቲ ኦም ከይበልዑ ኸልከሎም። ካብኣ እንተ በሊዖም ከም ዚሞቱ ድማ ነገሮም።—ዘፍጥረት 2:9, 16, 17

ሓደ መዓልቲ፡ ሄዋን በይና ኸላ፡ ተመን ኪዛረባ ጀመረ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ተመን ኣይኰነን ዚዛረባ ነይሩ፣ የግዳስ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ነቲ ተመን ከም መዛረቢ ገይሩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ሰይጣን ንሄዋን፡ ካብታ እተኸልከለት ኦም እንተ በሊዓ፡ ከም ኣምላኽ ጥበበኛ ኸም እትኸውን ነገራ። ከም ዘይትመውት እውን ሓበራ። እዚ ሓሶት እዩ ነይሩ። ሄዋን ግን ንዕኡ ኣሚና ኻብታ ኦም በልዐት። ጸኒሓ ድማ ንኣዳም ሃበቶ፡ ንሱ እውን በልዐ።—ዘፍጥረት 3:1-6

እዚ ናይ ሓቂ ታሪኽ እዚ፡ ሰይጣን ዓለወኛን ሓሳውን ምዃኑ እዩ ዚምህረና። ሰይጣን ንሄዋን፡ ዋላ እውን ትእዛዝ ኣምላኽ እንተ ኣፍሪሳ፡ ኸም ዘይትመውት ነገራ። እዚ ሓሶት እዩ ነይሩ። ንሳ ዀነ ኣዳም ሞይቶም እዮም። ሰይጣን ኣብቲ ግዜ እቲ እኳ እንተ ዘይሞተ፡ ሓጢኣተኛ ስለ ዝዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሙማቱ ኣይተርፎን እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ብህይወት ይቕጽልን ንደቂ ሰብ የታልልን ኣሎ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሓሳዊ እዩ፣ ሰባት ንሕጊ ኣምላኽ ከም ዚጥሕሱ ኺገብሮም ድማ ይጽዕር እዩ።—ዮሃንስ 8:44

ካልኦት መላእኽቲ ዓለዉ

ድሕሪ ግዜ፡ ካልኦት መላእኽቲ እውን እኩያት ኰኑ። እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም፡ ነተን ኣብ ምድሪ ዝነበራ ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ረኣይወን፡ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ደለዩ። ናብ ምድሪ መጺኦም ድማ ሰብኣዊ ኣካል ለበሱ። ድሕሪኡ፡ ካብተን ኣብ ምድሪ ዚነብራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣንስቲ ወሰዱ። እዚ ግን ምስ ዕላማ ኣምላኽ ዚጻረር እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 6:1, 2፣ ይሁዳ 6

እኩያት መላእኽቲ ምስ ኣንስቲ ጾታዊ ርኽሰት ኪፍጽሙ፡ ናብ ምድሪ መጹ

እዚ ነገር እዚ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ጸገም ኣስዓበሎም። እተን ኣንስቲ ነቶም መላእኽቲ፡ ውሉዳት ወለዳሎም፣ እቶም ውሉዳት ግን ፍልይ ዝበሉ እዮም ነይሮም። ዓመጸኛታትን ጨካናትን ንጉዓት እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምድሪ ብዓመጻ ስለ ዝመልአት፡ የሆዋ ንእኩያት ሰባት ብማይ ኣይሂ ኼጥፍኦም ወሰነ። እቲ ጻድቕ ዝነበረ ኖህን ስድራ ቤቱን ጥራይ እዮም ካብቲ ማይ ኣይሂ ድሒኖም።—ዘፍጥረት 6:4, 11፣ 7:23

ይኹን እምበር፡ እቶም እኩያት መላእኽቲ ኣይሞቱን፣ የግዳስ፡ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ተመልሱ። ኰይኑ ግን፡ ናብታ ብጻድቃን መላእኽቲ ዝቘመት ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት ስድራ ቤት ኪምለሱ ስለ ዘይተፈቕደሎም፡ ተቐጺዖም እዮም። ብዘይካዚ፡ የሆዋ፡ እንደገና ሰብኣዊ ኣካል ኪለብሱ ኣይፈቐደሎምን። ውዒሎም ሓዲሮም ድማ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኺሞቱ እዮም።—ይሁዳ 6

ሰይጣን ካብ ሰማይ ተሰጕጐ

ሰይጣንን እኩያት መላእኽቱን ካብ ሰማይ ተሰጕጉ

ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ኣብ ሰማይ ውግእ ተገብረ። መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን [ማለት እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ] መላእኽቱን [እቶም ቅኑዓት] ምስቲ ገበል [ማለት ሰይጣን] ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን [እቶም እኩያት] ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን [እቶም እኩያት] ምስኡ ተደርበዩ።”

ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ” ይብል። እቶም እኩያት መላእኽቲ ወይ መናፍስቲ ምስ ሰይጣን ካብ ሰማይ ስለ እተሰጕጉ፡ እቶም ቅኑዓት መላእኽቲ ኺሕጐሱ ኸኣሉ። እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባትከ እንታይ ኰኑ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም” ይብል።—ራእይ 12:7-9, 12

ሰይጣንን እኩያት ብጾቱን ንሰባት የታልልዎምን ኣብ ምድሪ ብዙሕ መዓት የውርዱን ኣለዉ። እቶም እኩያት መላእኽቲ፡ ኣጋንንቲ ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ። ጸላእቲ ኣምላኽ እዮም። ኵሎም ከኣ እኩያት እዮም።