ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣገልግል

ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣገልግል

ኵላትና ምርጫ ኣሎና። ወይ ንየሆዋ፡ ወይ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ከነገልግል ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ክልቲኡ ግን ክንመርጽ ኣይንኽእል ኢና። ንየሆዋ ምግልጋልሲ ኽሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!

የሆዋ ሰናይ እዩ

ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣጋንንቲ ንሰባት ኬሳቕዩን ኬታልሉን ባህ እዩ ዚብሎም። የሆዋ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ከምቲ ኣቦ ንውሉዳቱ ዜፍቅሮም፡ የሆዋ እውን ንደቂ ሰብ የፍቅሮም እዩ። ወሃቢ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” እዩ። (ያእቆብ 1:17) ብዙሕ መስዋእቲ ዜኽፍሎ እውን እንተ ዀነ፡ ሰናይ ዘበለ ኣይከልኦምን እዩ።—ኤፌሶን 2:4-7

እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ንሕሙማት ብምሕዋይ ንሰባት ፍቕሪ ኣርኣየ

ብዛዕባ እቲ በቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ነገራት እሞ ሕሰብ። የሱስ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ፡ ዕዉራት ከም ዚርእዩ ገይሩ እዩ። ንቘራያት ንሓንካሳት እውን ኣሕውዩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣጋንንቲ ኣውጺኡ፡ ንዅሉ ዓይነት ሕማም ድማ ኣሕውዩ እዩ። ብሓይሊ ኣምላኽ፡ ንምዉታት እውን ኣተንሲኡ እዩ።—ማቴዎስ 9:32-35፣ 15:30, 31፣ ሉቃስ 7:11-15

ኣምላኽ፡ ወትሩ ሓቂ ደኣ እምበር፡ ሓሶት ኣይነግረናን እዩ። ፈጺሙ ኣየታልለናን እዩ።—ዘሁልቍ 23:19

ካብ ርኹስ ተግባራት ርሓቕ

ከምቲ ዓለባ ሳሬት ንሃመማ ዚሕዞ፡ ማሪትን ናይ ሓሶት እምነታትን እውን ንሚልዮናት ሰባት ኣጽኒዑ ሒዝዎም ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ንምዉታትን ንኣጋንንትን ይፈርህዎም እዮም። መርገም፡ ፋል፡ ስራይ እውን ይፈርሁ እዮም። በቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ድያብሎስ ሓሶት መሰረት ዝገበረ እምነታትን ወግዕታትን ተኣሲሮም ኣለዉ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ በዚ ነገራት እዚ ኣይፍንጠሩን እዮም።

የሆዋ ኻብ ሰይጣን ንላዕሊ ሓያል እዩ። ንየሆዋ ተገልግሎ እንተ ዄንካ፡ ካብ ኣጋንንቲ ኼዕቍበካ ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 4:7) ስራይ እውን ጕድኣት ኣይኬውርደልካን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ናይጀርያ ሰለስተ ሓያላት ጠንቈልቲ፡ ነቲ ኻብታ ኸተማ ምውጻእ ዝኣበየ ናይ የሆዋ ምስክር ንምቕታል ስራይ ገበሩ። ፈተነኦም ምስ ፈሸለ፡ ሓደ ኻብቶም ጠንቈልቲ ኣዝዩ ስለ ዝፈርሀ፡ ናብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ከይዱ ምሕረት ኪግበረሉ ለመነ።

ሰብ ኤፌሶን፡ ነቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም ኣንደዱ

ኣጋንንቲ ኺጐድኡኻ ኪፍትኑ ኸለዉ፡ ንየሆዋ ብስሙ ምስ እትጽውዖ፡ ኬዕቍበካ እዩ። (ምሳሌ 18:10) ኰይኑ ግን፡ ዕቝባ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ምስ ሓተታ መናፍስትን ኣምልኾ ኣጋንንትን ካብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ተግባራት ክትርሕቕ ኣሎካ። ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምኡ እዮም ገይሮም። ንዅሉ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣንደድዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19, 20) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም። ስራይ፡ ክታብ፡ መጽሓፍ ጥንቈላ፡ ከምኡውን ካልእ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገራት ኣርሕቕ።

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ተመላለስ

ንኣምላኽ ከተሐጕሶ እንተ ደሊኻ፡ ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምርሓቕን ሕማቕ ነገራት ዘይምግባርን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብንጥፈት ክትካፈል ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክትገብር ከም ዜድልየካ ይገልጽ እዩ።

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኣከብ።—እብራውያን 10:24, 25

መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ።—ዮሃንስ 17:3

ንኻልኦት ስበኸሎም።—ማቴዎስ 24:14

ናብ የሆዋ ጸሊ።—ፊልጲ 4:6, 7

ተጠመቕ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕበር

ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ሕማቕ ነገራት ዚምህሩን ዚገብሩን ሰባት ኣለውዎም። የሆዋ እውን ዜገልግልዎ ህዝቢ ኣለውዎ። እዚኣቶም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። (ኢሳይያስ 43:10) ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ኵሎም ድማ ሰናይ ኪገብሩን ንሰባት ሓቂ ኺምህሩን ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም። ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፣ ሓንጐፋይ ኢሎም ከኣ ኪቕበሉኻ እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼገልግልዎ ይሕግዝዎም እዮም። ኣብ ቤትካ ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑን ንየሆዋ በቲ ቕኑዕ መገዲ ብኸመይ ከተምልኾ ኸም እትኽእል ኪምህሩኻን ይኽእሉ እዮም። ነዚ ኸኣ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ኽፍሊት እዮም ዚገብርዎ። ንየሆዋ ኣምላኽን ንሰባትን ስለ ዜፍቅሩ፡ ሓቂ ኺምህሩ ባህ እዩ ዚብሎም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ከተገልግሎ ኺሕግዙኻ እዮም