ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ!”

“ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ!”

ኣብ ኒው ዮርክ (ሕ.መ.ኣ.) ዝቕመጥ ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ጆናታን ወደይ ኣዕሩኹ ክበጽሕ ሒደት ማይልስ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ቦታ ከይዱ ነበረ። በዓልቲ ቤተይ: ቫለንቲና ናብቲ ቦታ ክኸይድ ኣይትደልዮን እያ ነይራ። እቲ ብዝሒ ማካይን ኵሉ ግዜ ኢዩ ዘሻቕላ ነይሩ። ንሱ ግን ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታት ይፈቱ ነበረ: ኣዕሩኹ ድማ ተግባራዊ ተመክሮ ክረኽበሉ ዝኽእል ቤት ዕዮ ነበሮም። ኣነ ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ማንሃታን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ገዛይ ኢየ ነይረ። በዓልቲ ቤተይ ኣዝማዳ ክትርኢ ንፖርቶ ሪኮ ከይዳ ነበረት። ‘ጆናታን ቀልጢፉ ክምለስ ኢዩ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ድሕርዚ ናይ ገዛ ደወል ተደወለ። ‘ንሱ ክኸውን ኣለዎ’ ኸኣ በልኩ። ንሱ ግን ኣይነበረን። ፖሊስን ናይ ህጹጽ ረድኤት ሓካይምን ኢዮም ነይሮም። እቲ ፖሊስ ‘ነዚ ናይ ማኪና መምርሒ ፍቓድ ትፈልጦዶ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ‘እወ: ናይ ጆናታን ወደይ ኢዩ’ ድማ በልኩዎ። ‘ሓደ ሕማቕ ነገር ክንነግረካ ኢና መጺእና። ሓደጋ ተፈጢሩ ጸኒሑ: . . . ወድኻ . . . ወድኻ ድማ ኣብቲ ሓደጋ ሞይቱ።’ መጀመርታ ‘ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ!’ ዝብል ስምዒት ነበረኒ። እዚ ዘሰምብድ ፍጻመ እዚ: ዓመታት ጸኒሑ እውን ከይተረፈ ኣብ ኣልባብና ገና ዘይሓወየ ቍስሊ ኢዩ ሓዲጉ።””

‘ሓደ ሕማቕ ነገር ክንነግረካ ኢና መጺእና። ሓደጋ ተፈጢሩ ጸኒሑ: . . . ወድኻ  . . . ወድኻ ድማ ኣብቲ ሓደጋ ሞይቱ።’

ኣብ ባርሴሎና (ስጳኛ) ዝርከብ ሓደ ኣቦ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኣብታ ብ1960ታት ዝነበረት ስጳኛ ሕጕሳት ስድራቤት ኢና ነይርና። ማርያ በዓልቲ ቤተይን ነፍሲ ወከፎም 13, 11, 9 ዝዕድሚኦም: ዳቪድ: ፓኲቶ: ከምኡውን ኢዛቤል ምስ ዝበሃሉ ሰለስቲኦም ደቅናን ብሓደ ንነብር ነበርና።

“ኣብ መጋቢት 1963 ሓደ መዓልቲ: ፓኲቶ ርእሰይ ኣሕሚሙኒ ብምባል ካብ ቤት ትምህርቲ ንገዛ መጸ። እቲ ምኽንያት እንታይ ኰን ይኸውን ብምባል ጨነቐና—ነዊሕ ግን ኣይጸንሐን። ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ሞተ። ናይ ሓንጐል መድመይቲ ሃንደበት ንህይወቱ ቈጸያ።

“ናይ ፓኲቶ ሞት ልዕሊ 30 ዓመታት ይገብር እተፈጸመ ነገር ኢዩ። ከምኡ ድኣ ይኹን እምበር: እቲ ብሰንኪ ሞቱ ዝሰዓበ ዓሚቝ ስቓይ ክሳዕ ሎሚ ይስምዓና ኣሎ። ቈልዓ ዝሞቶም ወለዲ—ክንደይ ዝኣክል ግዜ ይሕለፍ ወይ ክንደይ ዝኣኽሉ ካልኦት ቈልዑ ይሃልውዎም ብዘየገድስ—ገለ ክፍሊ ናይ ኣካላቶም ከም ዝጠፍአ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም።”

እዚ ብዛዕባ ደቆም ዝሞትዎም ወለዲ ዘዘንቱ ክልተ ተመክሮታት: ሓደ ቈልዓ ምስ ዝመውት እቲ በሰላ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝን ነባርን ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጽ። “ናይ ቈልዓ ሞት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሞት ናይ ሓደ ዓቢ ሰብ ንላዕሊ ዘሕዝንን ዘሰምብድን ኢዩ: ምኽንያቱ ቈልዓ ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት መወዳእታ ክመውት ትጽቢት ዝግበረሉ ሰብ ኢዩ . . . ናይ ዝዀነ ይኹን ቈልዓ ሞት: ነቲ ገና ዘየስተማቐርካዮ ተስፋታት: ዝምድናታት [ወዲ: ሰበይቲ ወዲ: ደቂ ደቂ]: ተመክሮታት . . . ምስኣን ኢዩ” ብምባል ሓደ ሓኪም እተዛረቦ ቃላትሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ ኢዩ! ከምዚ ዝበለ መሪር ናይ ሓዘን ስምዒት ድማ ጥንሲ ንዝኸዳ ዝዀነት ትኹን ሰበይቲ ክስምዓ ይኽእል ኢዩ።

በዓል ቤታ ዝሞታ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “በዓል ቤተይ: ራስል: ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቲ ናይ ፓስፊክ ዓውዲ ኲናት ናይ ሕክምና ተሓጋጋዚ ብምዃን ኣገልጊሉ ኢዩ። ሕሱም ውግኣት ኣሕሊፉ ኢዩ። ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተመሊሱ ድማ ሰላማዊ ናብራ ክነብር ጀመረ። ጸኒሑ ኣገልጋሊ ቃል ኣምላኽ ኰይኑ ይዓዪ ነበረ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ 60ታት ዕድሚኡ ምልክታት ሕማም ልቢ ኣርኣየ። ንጡፍ ህይወት ክህልዎ ጸዓረ። ድሕርዚ: ኣብ ሓምለ 1988 ሓደ መዓልቲ ብርቱዕ ሕማም ልቢ ሒዝዎ ሞተ። ብሞት ክፍለየኒ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ደሓን ኵን ክብሎ እውን ኣይከኣልኩን። በዓል ቤተይ ጥራይ ኣይነበረን። ዝበለጸ ዓርከይ እውን ኢዩ ነይሩ። 40 ዓመታት ሓቢርና ኣሕሊፍና ኢና። ሕጂ ፍሉይ ዝዓይነቱ ጽምዋ ዘጋጥመኒ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።”

እዚ ካብቲ ኣብ ምልእቲ ዓለም ንዘለዋ ስድራቤታት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘጋጥመን ብኣሽሓት ዝቝጸር ዘሕዝን ፍጻመታት ሒደት ጥራይ ኢዩ። ከምቲ መብዛሕትኦም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ሰባት ዝነግሩኻ: ንውሉድካ: በዓል ቤትካ: በዓልቲ ቤትካ: ዓርክኻ ሞት ክምንጥሎም ከሎ: ብሓቂ ከምቲ ክርስትያን ጸሓፊ ዝነበረ ጳውሎስ ዝጸውዖ ‘ናይ መወዳእታ ጸላኢ’ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንኸም ሞት ዝኣመሰለ ሕማቕ ነገር ምስ ሰማዕካ ኣብ መጀመርታ ዝህልወካ ስምዒት “ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ! ፈጺመ ኣይኣምንን ኢየ” ብምባል ነቲ ነገር ምንጻግ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ቀጺልና እንርእዮ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ካልእ ስምዒታት እውን ይስዕብ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:25, 26

ይኹን እምበር: ናይ ሓዘን ስምዒታት ከመይ ምዃኑ ቅድሚ ምርኣይና: ንገለ ኣገደስቲ ሕቶታት እስከ ንመልስ። ሓደ ሰብ እንተድኣ ሞይቱስ ኣኺልዎ ማለት ድዩ፧ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት እንደገና ክንርእየሉ እንኽእል ገለ ተስፋ ኣሎዶ፧

ናይ ሓቂ ተስፋ ኣሎ

እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ዝነበረ ጳውሎስ ካብቲ ‘ናይ መወዳእታ ጸላኢ:’ ሞት: ዕረፍቲ ናይ ምርካብ ተስፋ ከም ዘሎ ጽሒፉ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ሞት ክጠፍእ ኢዩ።” (NW) “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:26) ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ርግጸኛ ክኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ በቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ስለ እተማህረ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:3-19) ጳውሎስ “ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ዝመጸ: ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምዉታት ብሓደ ሰብ [የሱስ ክርስቶስ] እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ: ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ብምባል ክጽሕፍ ዝኸኣለ እውን በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:21, 22

የሱስ ነታ በዓልቲ ናይን ዝዀነት መበለት ምስ ረኸባን ነቲ ዝሞተ ወዳ ድማ ምስ ረኣዮን ዓሚቝ ሓዘን ተሰሚዕዎ ኢዩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “[የሱስ] ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ [ናይን] ምስ [ቀረበ]: እንሆ: ምዉት ተጾይሩ ወጸ: ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ: ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። ጐይታ ምስ ረአያ: ደንገጸላ እሞ፤ ኣይትብከዪ: በላ። ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ: እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፤ ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ: በሎ። እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ: ምዝራብውን ጀመረ: ነዲኡ ድማ ሀባ። ንዅሎም ፍርሃት ሐዞም፤ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና: ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ: እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።” የሱስ ክሳዕ ክንደይ ብድንጋጽ ተለዓዒሉ ንወዲ እታ መበለት ከም ዘተንስኦ ኣስተብህል! እዚ ንመጻኢ ግዜ እንታይ መልእኽቲ ከም ዘለዎ እሞ ሕሰበሉ!—ሉቃስ 7:12-16

የሱስ ኣብቲ ቦታ: ኣብ ቅድሚ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓደ ዘይርሳዕ ትንሳኤ ፈጸመ። እዚ ናይቲ ድሮ ቅድሚ እዚ ፍጻመ እዚ ተነብይዎ ዝነበረ ትንሳኤ: ማለት ናብታ ኣብ ትሕቲ እቲ ‘ሓድሽ ሰማይ’ እትህሉ ምድሪ ብህይወት ምምላስ: መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ከምዚ በለ:- “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . እሞ: በዚ ኣይትደነቑ።”—ራእይ 21:1, 3, 4፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

ጴጥሮስን ገለ ካብቶም ንየሱስ ሓቢሮምዎ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 12 ሃዋርያት ዝርከብዎም ካልኦትን: ንሓደ እተፈጸመ ትንሳኤ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢዮም። እቲ ዝተንስአ የሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኰይኑ ክዛረቦም ከሎ ሰሚዖምዎ ኢዮም። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “የሱስ ድማ፤ ንዑ ተመስሑ: በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ: ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ: ካባታቶም ሓደ እኳ፤ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን። የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም: ከምኡውን ነቲ ዓሳ። የሱስ ድሕሪ ኻብ ምዉታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳይ ጊዜኡ እዩ።”—ዮሃንስ 21:12-14

ስለዚ እምበኣር: ጴጥሮስ ምሉእ ብምሉእ ብምርግጋጽ “ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ይባረኽ” ኢሉ ክጽሕፍ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 1:3

ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ እናአመንኩ: . . . ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ: ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” ብምባል ንእምንቶ ተስፍኡ ገሊጹ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:14, 15

ስለዚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቶም ዘፍቅርዎም ኣብ ምድሪ እንደገና ናይ ምርኣይ ጽኑዕ ተስፋ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ: እዚ ግን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ እተፈልየ ኵነታት ኢዩ። እቲ ዅነታት እቲ ከመይ ኢዩ ክኸውን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንዝሞቱ ፍቑራትና ዘለዎም ተስፋ ዝምልከት ተወሳኺ ዝርዝራት ኣብቲ “ንምዉታት ዝኸውን ርግጽ ተስፋ” ዘርእስቱ መወዳእታ ክፍሊ ናይዛ ብሮሹር ክዝረበሉ ኢዩ።

መጀመርታ ግን ብሞት ናይ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ኣብ ሓዘን እንተድኣ ኣሊኻ ክመጻካ ንዝኽእል ሕቶታት ንርአ:- ከምዚ ገይረ ምሕዛነይሲ ባህርያዊ ድዩ፧ ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧ ክጻወሮ ምእንቲ ክሕግዙኒ ካልኦት እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ንኻልኦት ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ሰባት ብኸመይ ክሕግዞም እኽእል፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንምዉታት ዝኸውን ርግጸኛ ተስፋ እንታይ ይብል፧ ነቶም ዘፍቅሮም ሰባትሲ እንደገና ክርእዮም ደዀን እኸውን፧ ኣበይከ ኢየ ዝርእዮም፧