ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓሙሽተ

ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ

ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ

1, 2. ወለዲ ደቆም ኣብ ምዕባይ ካብ መን ኢዮም ሓገዝ ክረኽቡ ዘለዎም፧

 ገለ 3,000 ዓመታት ይገብር ሓደ መማሰዊ ወላዲ “ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም” በለ። (መዝሙር 127:⁠3) ብርግጽ ወላዲ ብምዃን ዝርከብ ሓጐስ ናይ የሆዋ ክቡር ውህበት ኢዩ: እዚ ድማ ዝበዝሑ ምርዑዋት ሰባት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ዝወለዱ: ወላዲ ምዃን ምስቲ ዘምጽኦ ሓጐስ ሓላፍነት እውን ከም ዘስዕብ ብዙሕ ከይጸንሑ ይግንዘቡ ኢዮም።

2 ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ: ቈልዑ ምዕባይ ከቢድ ስራሕ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ብዓወት ተዋጺኦምሉ ኢዮም: እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፍ መዝሙር ድማ “እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ” ኢሉ ብምግላጽ ብኸመይ ክግበር ከም ዝከኣል ሓቢሩ ኣሎ። (መዝሙር 127:⁠1) ንመምርሒታት የሆዋ ዝያዳ ጠቢቕኩም ክትስዕብዎ ከለኹም ዝሓሹ ወለዲ ትዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ብምባል ይዛረብ። (ምሳሌ 3:⁠5) ነዚ 20 ዓመታት ዝወስድ ውሉድ ናይ ምዕባይ ፕሮጀክት ክትጅምሩ ከለኹም ንምኽሪ የሆዋ ክትሰምዑ ፍቓደኛታት ዲኹም፧

ንኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕባል

3. ኣቦታት ቈልዑ ኣብ ምዕባይ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም፧

3 ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ዘለዋ ብዙሓት ስድራቤታት: ሰብኡት ውሉድ ምልምማድ ብቐንዱ ናይ ኣንስቲ ስራሕ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ግደ ናይ ኣቦ ነታ ስድራቤት ምዕንጋል ምዃኑ ከም ዝዛረብ ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ገዛ ሓላፍነት ከም ዘለዎ እውን ይነግር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ: ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ: ደሓር ቤትካ ስራሕ” ይብል። (ምሳሌ 24:⁠27) ብኣረኣእያ ኣምላኽ: ውሉዳት ኣብ ምልምማድ ኣቦን ኣደን ብሓባር ኢዮም ዝዓዩ።​—⁠ምሳሌ 1:⁠8, 9

4. ተባዕትዮ ቈልዑ ካብ ኣንስትዮ ቈልዑ ኣልዒልና ክንርእዮም ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ንውሉዳትኩም ብኸመይ ኢኹም እትርእይዎም፧ ኣብ እስያ “ጓል ምስ እትውለድ መብዛሕትኡ እዋን ሕማቕ ኣቀባብላ ከም ዝግበረላ” ጸብጻባት ይሕብሩ። ብዛዕባ ኣዋልድ ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያ ገና ኣብ ላቲን ኣመሪካ: ኣብተን “ስልጡናት ዝበሃላ ስድራቤታት” እውን ከይተረፈ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣዋልድ ብኻልኣይ ደረጃ ዝረኣያ ውሉዳት ከም ዘይኰና ሓቂ ኢዩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ያእቆብ እተባህለ ፍሉጥ ኣቦ: ነተን ኣዋልድ እውን ሓዊሱ ንዅሎም ዝወለዶም ‘እግዚኣብሄር ዝጸገወኒ ደቂ ኢዮም’ ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ። (ዘፍጥረት 33:⁠1⁠-​5፣ 37:⁠35) ብተመሳሳሊ የሱስ ንዅሎም እቶም ናብኡ ዘምጽእዎም “ቈልዑ” (ኣወዳትን ኣዋልድን) ባሪኽዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠13⁠-​15) ኣረኣእያ የሆዋ ከም ዘንጸባረቐ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ዘዳግም 16:⁠14

5. ሰብ ሓዳር ብዝሒ ውሉዳቶም ክውስኑ ከለዉ ብምንታይ ኢዮም ክምርሑ ዘለዎም፧

5 ኣብቲ ዘለኹምዎ ማሕበረሰብ ሓንቲ ሰበይቲ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ቈልዑ ክትወልድ ትጽቢት ይግበራዶ ኢዩ፧ እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር ክንደይ ቈልዑ ክህልዎም ከም ዘለዎ ምውሳን ብሕታዊ ነገር ኢዩ። እቶም ወለዲ ብዙሓት ቈልዑ ወሊዶም ዘብልዕዎም: ዝኸድንዎም: መምሃሪኦም ምስ ዝስእኑኸ እንታይ ክገብሩ ኢዮም፧ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ብዝሒ ውሉዳቶም ክውስኑ ከለዉ ነዚ ኣብ ግምት ከእትውዎ ከም ዘለዎም ርግጽ ኢዩ። ገለ ሰብ ሓዳር ንዅሎም ውሉዳቶም ክኣልይዎም ምስ ዘይክእሉ: ከዕብይሎም ንገለ ካብ ኣዝማዶም ሓላፍነት ይህብዎም። እዚ ልምዲ እዚ ኣድላዪ ድዩ፧ ብሓቂ ኣድላዪ ኣይኰነን። ነቶም ወለዲ ካብቲ ንደቆም ዘለዎም ግዴታ ናጻ ዝገብሮም ከኣ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ሓላፍነት ዝስምዖም ሰብኣይን ሰበይትን ‘ነቶም ናቶም ክሓልይሎም’ ምእንቲ: ዕቤት ‘ስድራቤቶም’ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎም ይምድቡ ኢዮም። ነዚ ንኽገብሩ ምቍጽጻር ወሊድ ክገብሩ ይኽእሉዶ፧ እዚ እውን እንተዀነ ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ: እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ክገብሩ እንተድኣ ወሲኖም ድማ እቲ ዝጥቀምሉ መከላኸሊ ጥንሲ እውን ብሕታዊ ጕዳይ ኢዩ። “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።” (ገላትያ 6:⁠5) ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ምንጻል ጥንሲ ዘስዕብ መቈጻጸሪ ወሊድ ግን ኣንጻር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ኢዩ። (መዝሙር 36:⁠9) ስለዚ ድማ ድቂ ምስ ተታሕዘ ህይወት ምጥፋእ ንየሆዋ ዘይምኽባር ኢዩ: ከም ቅትለት ከኣ ኢዩ ዝርአ።​—⁠ዘጸኣት 21:⁠22, 23 NW ፣ መዝሙር 139:⁠16፣ ኤርምያስ 1:⁠5

ነቲ ንውሉዳትኩም ዘድልዮም ነገራት ምምላእ

6. ቈልዓ ምልምማድ መዓስ ኢዩ ክጅምር ዘለዎ፧

6 ምሳሌ 22:⁠6 “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ትብል። ንቘልዑ ምልምማድ ካልእ ኣድላዪ ዝዀነ ናይ ወለዲ ዕዮ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ምልምማድ እዚ መዓስ ኢዩ ክጅምር ዘለዎ፧ ቀልጢፉ ክጅመር ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ጢሞቴዎስ ካብ ‘ቍልዕነቱ’ ጀሚሩ ከም እተለማመደ ሓቢሩ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15) እታ ኣብዚ ኣትያ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ወይ ድማ ንዘይተወልደ ሕጻን እውን ከተመልክት ትኽእል ኢያ። (ሉቃስ 1:⁠41, 44፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠18⁠-​20) ስለዚ ጢሞቴዎስ ገና ኣዝዩ ንእሽቶ ከሎ ኢዩ ልምምድ ተዋሂብዎ: እዚ ድማ ብልክዕ ዝግባእ ኢዩ። ውሉድ ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ምልምማድ ክረክብ እቲ ምቹእ እዋን ኢዩ። ንኣሽቱ ሕጻናት እውን ከይተረፈ ናይ ፍልጠት ጽምኢ ኣለዎም።

7. (ሀ) ክልቲኦም ወለዲ ምስቲ እተወልደ ሕጻን ጥብቂ ርክብ ክምስርቱ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ የሆዋን እቲ ሓደ ወዱን እንታይ ዓይነት ርክብ ነበረ፧

7 ሓንቲ ኣደ “ነቲ ዝወለድክዎ ሕጻን መጀመርታ ምስ ረኣኽዎ: ምስኡ ፍቕሪ ሓዘኒ” ትብል። ብዙሓት ኣዴታት እውን ከምኡ ኢየን። እዚ ኣብ መንጎ ኣደን ሕጻንን ዘሎ ብሉጽ ዝዀነ ርክብ: ድሕሪ ምውላድ ኣብ ዘሎ እዋን ብሓንሳብ ግዜ ከሕልፉ ከለዉ እናዓበየ ይኸይድ። ምጥባው ነዚ ናይ ማሕርሮ ርክብ እዚ የዕብዮ ኢዩ። (ምስ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠7 ኣረኣእይዎ።) ነቲ ስምዒታዊ ድሌታት ናይቲ ቈልዓ ንምምላእ ኣደ ክትደርዞን ክትዛረቦን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። (ምስ ኢሳይያስ 66:⁠12 ኣረኣእዮ።) እቲ ኣቦኸ፧ ንሱ እውን ምስቲ ሓድሽ ውሉድ ጥብቂ ዝዀነ ርክብ ክገብር ኣለዎ። የሆዋ ባዕሉ ኣብነት ናይዚ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ የሆዋ ምስቲ “እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ . . . ተገንዘበኒ። . . . ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ከም ዝበለ ኰይኑ ተመሲሉ ዘሎ ሓደ ወዱ ከመይ ዝበለ ርክብ ከም ዝነበሮ ክንማሃር ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 8:⁠22, 30፣ ዮሃንስ 1:⁠14) ብተመሳሳሊ ሓደ ንፉዕ ኣቦ እውን ውሉዱ ብህይወት ምንባር ካብ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ ምስኡ ምዉቕ: ፍቕራዊ ርክብ ይዅስኵስ ኢዩ። ሓደ ወላዲ “ብዙሕ ፍቕሪ ኣርእዩ። ብምሕቋፍን ምስዓምን ዝሞተ ቈልዓ ዋላ ሓደ የለን” ይብል።

8. ወለዲ ነቶም ዝወለድዎም ሕጻናት እንታይ ናይ ኣእምሮ ምንቕቓሕ ኢዮም ቀልጢፎም ክህብዎም ዝግባእ፧

8 እንተዀነ ግን: ሕጻናት ካብኡ ንላዕሊ የድልዮም ኢዩ። ካብታ እተወልዱላ እዋን ኣትሒዞም ኣእምርኦም ፍልጠት ክቕበልን ከቐምጥን ቅሩብ ኢዩ: ብመጀመርታ ደረጃ ነዚ ዝመልእዎ ድማ ወለዲ ኢዮም። ንኣብነት ቋንቋ ንውሰድ። እቲ ቈልዓ ጽቡቕ ገይሩ ምዝራብን ምንባብን ክማሃር “ኣብቲ ንእሽቶ ከሎ ምስ ወለዱ ዝገብሮ ርክብ ኣጸቢቑ እተመርኰሰ” ምዃኑ ተመራመርቲ ይዛረቡ ኢዮም። ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርኩም ንውሉዳትኩም ተዛረብዎምን ኣንብብሎምን። ብዙሕ ከይጸንሑ ክቐድሑ ክፍትኑ ኢዮም: ቀልጢፍኩም ድማ ምንባብ ክትምህርዎም ትኽእሉ። ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሮም ከንብቡ ክጅምሩ ኢዮም። እዚ ብፍላይ ኣብቲ ዋሕዲ መምሃራን ዘለውዎ: መምሃሪ ክፍልታት ድማ ብተማሃሮ ዝመልአ ሃገራት ሓጋዚ ኢዩ።

9. ወለዲ ክዝክርዎ ዘድልዮም ቀንዲ ኣገዳሲ ሸቶ እንታይ ኢዩ፧

9 ንክርስትያናት ወለዲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድሶም ነገር መንፈሳዊ ድሌት ውሉዳቶም ምምላእ ኢዩ። (ዘዳግም 8:⁠3 ርኣዩ።) ከመይ ዝበለ ሸቶ ብምሓዝ፧ ውሉዳቶም እቲ “ሓድሽ ሰብ” ንኽለብሱ ዘድልዮም ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ንኸዕብዩ ክሕግዝዎም ብዝብል ዕላማ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠24) ከምዚ ንምግባር እቲ ጽቡቕ ዝዀነ ናይ መህነጺ ነገራት እንታይ ምዃኑ: ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኸኣ ከም ዝሃንጹ ክሓስቡ ኣለዎም።

ሓቂ ኣብ ውሉዳትኩም ከም ዝሰርጽ ግበርዎ

10. ቈልዑ እንታይ ዓይነት ባህርያት ኢዮም ከማዕብሉ ዘድልዮም፧

10 ዓይነት ናይ ሓደ ህንጻ ብዓቢኡ ኣብቲ ንምህናጽ እትጥቀመሎም ነገራት እተመርኰሰ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናዊ ባህርያት ንምህናጽ እቲ ዝበለጸ መሳርሒታት “ወርቂ: ብሩር: ክቡር እምኒ” ምዃኑ ተዛረበ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠10⁠-​12) እዚ ከም እምነት: ጥበብ: ምስትውዓል: ተኣማንነት: ኣኽብሮት: ከምኡውን ንየሆዋን ሕግታቱን ፍቕራዊ ሞሳ ምርኣይ ዝኣመሰሉ ባህርያት ዘመልክት ኢዩ። (መዝሙር 19:⁠7⁠-​11፣ ምሳሌ 2:⁠1⁠-​6፣ 3:⁠13, 14) ወለዲ ውሉዳቶም ነዚ ባህርያት እዚ ምእንቲ ከማዕብሉ ካብ ግዜ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ፧ ነቲ ነዊሕ ይገብር ዝወጸ መምርሒ ብምስዓብ ይገብርዎ።

11. እስራኤላውያን ወለዲ ውሉዳቶም ኣምላኻዊ ባህርያት ምእንቲ ከዕብዩ ብኸመይ ይሕግዝዎም ነበሩ፧

11 ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምእታዎም: የሆዋ ነቶም እስራኤላውያን ወለዲ ከምዚ በሎም:⁠- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም [“ከም ዝሰርጾም ግበር:” NW  ]: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” (ዘዳግም 6:⁠6, 7) እወ: ወለዲ ኣብነት: ብጾት: ምስኣቶም ሓሳብ ንሓሰብ ዝለዋወጡ: ከምኡውን መምሃራን ክዀኑ ኣለዎም።

12. ወለዲ ሰናይ ኣብነት ክዀኑ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ኣብነት ኩኑ። የሆዋ መጀመርታ “እዚ . . . ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን” በለ። ድሕርዚ ወሲኹ “ንደቅኻ ከም ዝሰርጾም ግበር” በለ። ስለዚ: ኣምላኻዊ ባህርያት መጀመርታ ኣብ ልቢ እቶም ወለዲ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ወለዲ ሓቂ ከፍቅሩን ብእኡ ክነብሩን ኣለዎም። ከምኡ ምስ ዝገብሩ ጥራይ ኢዮም ልቢ ውሉዳቶም ክረኽቡ ዝኽእሉ። (ምሳሌ 20:⁠7) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ቈልዑ ካብ በቲ ዝሰምዕዎ በቲ ዝርእይዎ ኢዮም ዝያዳ ዝጽለዉ።​—⁠ሉቃስ 6:⁠40፣ 1 ቈረንቶስ 11:⁠1

13. ክርስትያናት ወለዲ ንውሉዳቶም ኣቓልቦ ኣብ ምሃብ ናይ የሱስ ኣብነት ክቐድሑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

13 ብጾት ኩኑ። የሆዋ ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ወለዲ ‘ኣብ ቤትካ ኮፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ክትከይድ ከሎኻን ምስ ደቅኻ ብእኡ ተዛረብ’ ኢሉ ነገሮም። እዚ ድማ እቶም ወለዲ ክሳዕ ክንደይ ብስራሕ ትሑዛት ይኹኑ ብዘየገድስ ምስ ደቆም ግዜ ከሕልፉ ዝሓቶም ኢዩ። የሱስ ካብቲ ግዜኡ ምስ ቈልዑ ከሕልፎ ዘለዎ ግዜ ክህሉ ከም ዝግባእ ተገንዚቡ ነበረ። ኣብተን ናይ ኣገልግሎቱ ናይ መወዳእታ መዓልትታት ‘ንቘልዑ ንኽትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም።’ የሱስከ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ “ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።” (ማርቆስ 10:⁠13, 16) ሕስብ እሞ ኣብሎ: እተን የሱስ ዝሞተለን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ኣዝየን ቀሪበን ነበራ። ገና ግን ነቶም ቈልዑ ግዜኡ ሃቦም ኣቓልቦ ድማ ገበረሎም። ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ትምህርቲ ኰን ኢዩ!

14. ወለዲ ምስ ደቆም ግዜ ከሕልፉ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ምስኣቶም ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጡ ኩኑ። ምስ ውሉዳትኩም ግዜ ምሕላፍ ምስኦም ሓሳብ ንሓሳብ ንኽትለዋወጡ ክሕግዘኩም ኢዩ። ብተደጋጋሚ ሓሳብ ንሓሳብ ምስ እትለዋወጡ: ባህርያቶም ብኸመይ ይዓቢ ከም ዘሎ ዝያዳ ተስተውዕሉ። ይኹን እምበር: ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ምዃኑ ኣይትረስዑ። ሓንቲ ኣብ ብራዚል ዘላ ኣደ “ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ: ናይ ምቕላብ ክእለት ከማዕብል ኣሎኒ” በለት። ወዳ ስምዒታቱ ከካፍላ ምስ ጀመረ ድማ ትዕግስታ ፍረ ረኸበ።

15. ንምዝንጋዕ ዝምልከት ኣብ ኣእምሮ ክተሓዝ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧

15 ቈልዑ ‘ንስሓቕ: ንጓይላ:’ ንመዘናግዒ ዝኸውን ግዜ የድልዮም ኢዩ። (መክብብ 3:⁠1, 4፣ ዘካርያስ 8:⁠5) ወለድን ውሉዳትን ብሓባር ኰይኖም ምስ ዘስተማቕርዎ መዘናግዒ ኣዝዩ ውጽኢት ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ መዘናግዒ ክበሃል ከሎ ቴለቭዥን ምርኣይ ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ። ገለ ናይ ቴለቭዥን ፕሮግራማት ዘዘናግዕ እኳ እንተዀነ: ዝበዝሕ ግን ነቲ ዘሎ ጽቡቕ ባህርያት ዘጥፍእ ኢዩ: ኣብ ርእሲ እዚ ቴለቭዥን ምርኣይ ነቲ ናይ ስድራቤት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ዝሓንቆ ኢዩ። ስለዚ እምብኣር: ምስ ስድራቤትኩም ኴንኩም ስለምንታይ ገለ ነገር ዘይትዓዩ፧ ዘምሩ: ተጻወቱ: ምስ መሓዙትኩም ሕበሩ: ደስ ዘብል ቦታታት ብጽሑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ምክፋል ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ።

16. ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢዮም ክምህርዎም ዘለዎም: ብኸመይከ ክገብርዎ ይኽእሉ፧

16 መማህራን ኩኑ። የሆዋ “ንደቅኻ [እዚ ቃላት እዚ] ከም ዝሰርጾም ግበር” በለ። እቲ ትሕዝቶ እንታይ ከም እትምህሮምን ብኸመይ ከም እትምህሮምን ዝሕብር ኢዩ። ብመጀመርታ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ።” (ዘዳግም 6:⁠5) ድሕርዚ “እዚ . . . ቓላት . . . ከም ዝሰርጾም ግበር።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንየሆዋን ሕግታቱን ብምሉእ ልቦም ከም ዘፍቅርዎ ክገብሮም ዝኽእል ትምህርቲ ንኸተመሓላልፈሎም ዕላማ ግበር። (ምስ እብራውያን 8:⁠10 ኣረኣእዮ።) እታ “ምስራጽ” እትብል ቃል ብምድግጋም ምምሃር ማለት ኢያ። ስለዚ ንደቅኹም ኣምላኻዊ ባህርያት ንኸማዕብሉ ክትሕግዝሉ እትኽእሉ ቀዳማይ መገዲ ብዛዕብኡ ብቐጻሊ ምዝራብ ምዃኑ ኢዩ የሆዋ ዝነግረኩም ዘሎ። እዚ ድማ ምስኣቶም ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምግባር እውን የጠቓልል ማለት ኢዩ።

17. ወለዲ ኣብ ደቆም ከዕብይዎ ዘድልዮም እንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይ፧

17 መብዛሕትኦም ወለዲ ኣብ ልቢ ቈልዑ ፍልጠት ከተእቱ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኢዮም ዝረኽብዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ክርስትያናት ብጾት “ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” ኢሉ ኣተባብዖም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠2) እታ “ብሀግዎ ” እትብል ቃል ብዙሓት ብተፈጥርኦም መንፈሳዊ መግቢ ንምውሳድ ከም ዘይጠምዩ እትሕብር ኢያ። ወለዲ ውሉዳቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ባህጊ ንኸሕድሩ ክሕግዝዎም መገድታት ከናድዩ የድልዮም ይኸውን ኢዩ።

18. ወለዲ ክቐድሕዎ ዝተባብዑ ገለ ኣገባብ ኣመሃህራ የሱስ እንታይ ኢዩ፧

18 የሱስ መብርሂታት ብምጥቃም ኣብ ኣልባብ ሰባት ይበጽሕ ነበረ። (ማርቆስ 13:⁠34፣ ሉቃስ 10:⁠29⁠-​37) እዚ ኣገባብ ኣመሃህራ እዚ ብፍላይ ኣብ ቈልዑ ውጽኢታዊ ኢዩ። ጥዑም: ባህ ዘብል ዛንታታት: ምናልባት ኣብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትበሃል ጽሕፍቲ ዘሎ ገይርካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ምሃሮም። a እቶም ቈልዑ ኣብኡ ከም ዝካፈሉ ግበሮም። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜታት ንምስኣልን ብመልክዕ ድራማ ንምቕራብን ናይ ምፍጣር ክእለቶም ከም ዝጥቀሙ ግበሮም። የሱስ ሕቶታት እውን ይጥቀም ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 17:⁠24⁠-​27) ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክትገብሩ ከለኹም ነቲ ናቱ ኣገባብ ቅድሕዎ። ሕጊ ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ምባል ጥራይ ዘይኰነስ ነዚ ዝስዕብ ዝመስል ሕቶታት ሕተቱ:⁠- የሆዋ ነዚ ሕጊ እዚ ዝሃበና ስለምንታይ ኢዩ፧ እንተድኣ ተኣዚዝናዮ እንታይ ንረክብ፧ እንተድኣ ዘይተኣዚዝናዮኸ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ነቲ ቈልዓ ክሓስብ: ሕግታት ኣምላኽ ድማ ተግባራውን ጽቡቕን ምዃኑ ክርዳእ ይሕግዞ።​—⁠ዘዳግም 10:⁠13

19. ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝስዕቡ: እቶም ውሉዳት እንታይ ዓቢ ሓጐስ ኢዮም ዘስተማቕሩ፧

19 ኣብነት: ብጾት: ምስኣቶም ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጡ: ከምኡውን መማህራን ብምዃን: ንውሉዳትኩም ካብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ኣትሒዝኩም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ዝዀነ ጥብቂ ርክብ ንኽምስርቱ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ንውሉዳትኩም ከም ክርስትያናት መጠን ሕጕሳት ክዀኑ ከበራትዖም ኢዩ። ናይ መሳቱ ጸቕጥን ፈተናታትን እናሃለወ እውን ከይተረፈ ምስ እምነቶም ተሰማሚዖም ክነብሩ ክጽዕሩ ኢዮም። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክቡር ርክብ ንኸማስውሉ ኵሉ ግዜ ሓግዝዎም።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

ናይ ተግሳጽ ኣድላይነት

20. ተግሳጽ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ክዋሃብ ዘለዎ፧

20 ተግሳጽ ንኣእምሮን ልብን ዝእርም ልምምድ ኢዩ። እዚ ንቘልዑ ብቐጻሊ የድልዮም ኢዩ። ጳውሎስ ንኣቦታት ንውሉዳቶም ‘ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ከዕብይዎም’ መኺርዎም ኣሎ። (ኤፌሶን 6:⁠4) ወለዲ ከምቲ የሆዋ ዝገብሮ ብፍቕሪ ክቐጽዑ ኣለዎም። (እብራውያን 12:⁠4⁠-​11) ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ተግሳጽ ብምርድዳእ ኢዩ ዝግበር። ስለዚ ድማ ‘ተግሳጽ ስምዑ’ ተባሂልና ኣሎና። (ምሳሌ 8:⁠33) ተግሳጽ ብኸመይ ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ፧

21. ወለዲ ንደቆም ክግስጹ ከለዉ እንታይ ስርዓታት ኢዮም ክዝክሩ ዘለዎም፧

21 ገለ ወለዲ ንደቆም ምግሳጽ ማለት ብዘፈራርህ ድምጺ ምዝራብ: ምቍያቕ: ወይ እውን ምጽራፎም ጥራይ ዘጠቓልል ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ብዛዕባ ተግሳጽ ክዛረብ ከሎ ‘ኣቱም ኣቦታት ነቶም ውሉዳትኩም ኣይተዀርይዎም’ ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (ኤፌሶን 6:⁠4) ኵሎም ክርስትያናት ‘ንዅሉ ለዋሃት ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት ዝገንሑ’ ክዀኑ ተተባቢዖም ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠24, 25) ክርስትያናት ወለዲ ጽኑዕ ምዃን ዘለዎ ኣድላይነት እናተገንዘቡ: ንደቆም ክቐጽዑ ከለዉ ነዘን ቃላት እዚኣተን ክዝክርወን ይጽዓሩ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ እዋን ምርድዳእ ጥራይ ዘይኣክል: ገለ ዓይነት መቕጻዕቲ ድማ ዘድሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 22:⁠15

22. ቈልዓ መቕጻዕቲ ዘድልዮ እንተድኣ ኰይኑ እንታይ ክርዳእ ኢዩ ክሕገዝ ዘለዎ፧

22 እተፈላለዩ ቈልዑ እተፈላለየ ዓይነት ተግሳጽ የድልዮም። ገሊኣቶም “ብዘረባ ኣይቅጽዑን” ኢዮም። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ቈልዑ ዘይእዙዛት ክዀኑ ከለዉ ሓሓሊፉ ዝወሃቦም መቕጻዕቲ ህይወቶም ዘድሕን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 17:⁠10፣ 23:⁠13, 14፣ 29:⁠19) ይኹን እምበር እቶም ቈልዑ ስለምንታይ ይቕጽዑ ከም ዘለዉ ክርድእዎ ኣለዎም። “ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ።” (ምሳሌ 29:⁠15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ እዮብ 6:⁠24) ኣብ ርእሲ እዚ መቕጻዕቲ ደረት ኣለዎ። የሆዋ ንህዝቡ ‘ብልክዕ ደኣ እየ ዝቐጽዓኩም’ በሎም። (ኤርምያስ 46:⁠28ለ ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ቈልዑ ዘቝስልን ዝጐድእን ብሕርቃን ዝግበር ማህረምቲ ወይ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ፈጺሙ ኣየፍቅድን ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 16:⁠32

23. ቈልዓ ወለዱ ክቐጽዕዎ ከለዉ: እንታይ ክርዳእ ኢዩ ክሕገዝ ዘለዎ፧

23 የሆዋ ንህዝቡ ከም ዝቐጽዖም ከጠንቅቖም ከሎ መጀመርታ ‘ኣነ ምሳኹም ኢየ እሞ ኣይትፍርሁ’ በሎም። (ኤርምያስ 46:⁠28ሀ) ናይ ወለዲ ተግሳጽ እውን ብተመሳሳሊ: ብዝዀነ ይኹን ግቡእ መገዲ ይወሃብ ብዘየገድስ ነቶም ቈልዑ ከም እተደርበዩ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዝገብር ክኸውን የብሉን። (ቈሎሴ 3:⁠21) ኣብ ክንድኡ እቶም ቈልዑ ወለዶም ዝግስጽዎም ‘ምስኦም’ ኣብ ጐድኖም ምህላዎም ዘርኢ ምዃኑ ከም ዝርድኡ ክዀኑ ኣለዎም።

ንውሉዳትኩም ካብ ጕድኣት ተኸላኸሉሎም

24, 25. ቈልዑ ክዕቈብሉ ዘለዎም ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሕማቕ ሓደጋ እን​ታይ ኢዩ፧

24 ብዙሓት ኣባጽሕ ግዜ ቍልዕነቶም ዘሐጕስ ከም ዝነበረ ኢዮም ዝዝክሩ። ዝመጸ ይምጻእ ወለዶም ከም ዝሓልዩሎም ርግጸኛታት ብምንባሮም ምዉቕ ናይ ድሕንነት ስምዒት ከም ዝነበሮም ኢዮም ዝዝክሩ። ወለዲ ውሉዳቶም ከምዚ ክስምዖም ኢዮም ዝደልዩ: ኣብዛ ሎሚ ዘላ ርኽስቲ ዓለም ግን ንውሉዳት ድሕንነት ከም ዝስምዖም ገይርካ ምዕባይ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸብድ ኢዩ።

25 ኣብዚ ቀረባ እዋናት እተቐልቀለ ሕማቕ ሓደጋ ንቘልዑ ብጾታዊ ርክብ ምዕማጽ ኢዩ። ኣብ ማለዥያ ብዛዕባ ንቘልዑ ብጾታዊ ርክብ ምዕማጽ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሰኸ። ኣብ ጀርመን ገለ 300,000 ዝዀኑ ቈልዑት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብጾታዊ ርክብ ይህሰዩ ኢዮም: ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ድማ ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ ዓመታዊ ገምጋም ቍጽሪ 9,000,000 ይበጽሕ! እቲ ዘሰንብድ ከኣ: ካብዞም ቈልዑ እዚኣቶም መብዛሕትኦም ኣብ ገዝኦም በቶም ዝፈልጥዎምን ትውክልቲ ዝገብርሎምን ሰባት ኢዮም ብጾታዊ ርክብ ተሃስዮም። ይኹን እምበር: ቈልዑ ካብ ወለዶም ጽኑዕ ዕቝባ ክረኽቡ ኣለዎም። ወለዲ ዝከላኸሉ ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

26. ቈልዑ ክዕቈብሉ ዝኽእሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ: ፍልጠትከ ንሓደ ቈልዓ ዝከላኸለሉ ብኸመይ ኢዩ፧

26 እቶም ብዛዕባ ጾታ ዘይፈልጡ መንእሰያት ነቶም ብጾታዊ ርክብ ቈልዑ ዝዕምጹ ሰባት እተቓልዑ ምዃኖም ተመክሮ ስለ ዝሕብር: እቲ ቀንዲ መከላኸሊ ስጕምቲ ነቲ ቈልዓ ንእሽቶ ከሎ እውን ከይተረፈ ምምሃሩ ኢዩ። ፍልጠት “ካብ ክፉእ መገዲ: ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት” ዕቝባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 2:⁠10⁠-​12) እንታይ ዓይነት ፍልጠት፧ ብስነ⁠-​ምግባር ደረጃ ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይ ድማ ጌጋ ምዃኑ ዝሕብር ፍልጠት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ገለ ዓበይቲ ሰባት ሕማቕ ከም ዝገብሩ: ሰባት ዘይግቡእ ተግባራት ክእዝዙ ከለዉ ድማ ንኣሽቱ ክእዘዙ ከም ዘይብሎም ዝሕብር ፍልጠት እውን ኢዩ። (ምስ ዳንኤል 1:​4, 8፣ 3:​16⁠-​18 ኣረኣእይዎ።) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጥራይ ዝውሃብ ገይርኩም ኣይትውሰድዎ። መብዛሕትኦም ንኣሽቱ ቈልዑ ሓደ ትምህርቲ ንኽዝክርዎ ክደጋገመሎም የድልዮም ኢዩ። ቈልዑ እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ: ሓደ ኣቦ ነቲ ጓሉ ዘለዋ ናይ ብሑትነት መሰል ደስ ኢልዎ የኽብረላ ኢዩ: ኣደ እውን ከምኡ ናይ ወዳ ብሑትነት ተኽብረሉ ኢያ: በዚ ድማ እቶም ቈልዑ ኣየናይ ግቡእ ኣየናይ ድማ ዘይግቡእ ንምርዳእ ዘለዎም ክእለት ይዓቢ። ንኸይዕመጹ እቲ ዝበለጸ ዕቝባ ግን ንስኻትኩም እትገብርዎ ናይ ቀረባ ምክትታል ምዃኑ ሓቂ ኢዩ።

መለኮታዊ መምርሒ ድለዩ

27, 28. ወለዲ ቈልዓ ኣብ ምዕባይ ብድሆታት ምስ ዘጋጥሞም: እቲ ዝዓበየ ሓገዝ ካበየናይ ምንጪ ኢዮም ዝረኽቡ፧

27 ንቘልዑ ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርካ ምልምማድ ብድሆ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ: እቶም ኣመንቲ ወለዲ ግን ነዚ ብድሆ እዚ ንበይኖም ክጋጠምዎ ኣየድልዮምን ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ዘመን መሳፍንቲ እንተድኣ ርኢና: ሓደ ማኖኣ እተባህለ ሰብኣይ ከም ዝወልድ ምስ ፈለጠ: ወዱ ኣብ ምዕባይ መምርሒ ክረክብ ንየሆዋ ሓተተ። የሆዋ ድማ ንጸሎቱ መለሰሉ።​—⁠መሳፍንቲ 13:⁠8, 12, 24

28 ኣብዚ እዋን እዚ እውን ብተመሳሳሊ ኣመንቲ ወለዲ ደቆም ከዕብዩ ከለዉ: ንየሆዋ ብጸሎት ክሓትዎ ይኽእሉ ኢዮም። ወላዲ ምዃን ከቢድ ዕዮ ኢዩ: እንተዀነ ግን ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ። ኣብ ሃዋይ ዘለዉ ክርስትያናት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ይብሉ:⁠- “እተን ጽንኩራት ዝዀና ዕድመ ኰተቴ ቅድሚ ምጅማረን ንውላድካ ከተለማምድ 12 ዓመታት ኣሎካ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣበርቲዕካ እንተድኣ ዓዪኻ ግን: ካብ ልቢ ንየሆዋ ከገልግሉ ከም ዝደልዩ ክውስኑ ከለዉ ሓጐስን ሰላምን እትዓጽደሉ እዋን ኢዩ ዝኸውን።” (ምሳሌ 23:⁠15, 16) ውሉዳትኩም ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ክገብሩ ከለዉ: ንስኻትኩም እውን “ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም” ክትብሉ ክትለዓዓሉ ኢኹም።

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።