ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሽዱሽተ

ነቶም ኰተቴ ደቅኹም ብጽቡቕ ክዓብዩ ሓግዝዎም

ነቶም ኰተቴ ደቅኹም ብጽቡቕ ክዓብዩ ሓግዝዎም

1, 2. ዕድመ ኰተቴ እንታይ ብድሆታትን ሓጐስን ኢዩ ከምጽእ ዝኽእል፧

 ኣብ ገዛ ሓደ ኰተቴ ቈልዓ ምህላው ካብቲ ወዲ ሓሙሽተ ወይ እውን ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቈልዓ ምህላው እተፈልየ ኢዩ። ዕድመ ኰተቴ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታትን ግድላትን ሒዙ ዝመጽእ እኳ እንተዀነ: ሓጐስን ዓስብን እውን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ከም ዮሴፍ: ዳዊት: ዮስያስ: ከምኡውን ጢሞቴዎስ ዝኣመሰሉ ሰባት: መንእሰያት እውን ሓላፍነት ዝስምዖምን ምስ የሆዋ ድማ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎምን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዘርኢ ኢዩ። (ዘፍጥረት 37:⁠2⁠-​11፣ 1 ሳሙኤል 16:⁠11⁠-​13፣ 2 ነገስት 22:⁠3⁠-​7፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠1, 2) ኣብዚ እዋን እዚ እውን ብዙሓት ኰተቴ እዚ ሓሳብ እዚ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጹ ኢዮም። ገለ ካብዚኣቶም ከም እትፈልጡ ርግጽ ኢዩ።

2 ንገሊኣቶም ግን ዕድመ ኰተቴ ኣሸጋሪ ኢዩ። በጽሕታትን ጐራዙትን ስምዒታዊ ላዕልን ታሕትን የጋጥሞም ኢዩ። ኰተቴ ኣወዳትን ኣዋልድን ብዙሕ ናጽነት ክረኽቡ ይደልዩ: ብሰንኪ እቲ ብወለዶም ዝግበረሎም ቀይድታት ከኣ ሕማቕ ይስምዖም ይኸውን። እንተዀነ ግን: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ገና ተመክሮ ዘይብሎም ብምዃኖም ፍቕራውን ትዕግስቲ እተሓወሶን ሓገዝ ወለዶም የድልዮም ኢዩ። እወ: ዕድመ ኰተቴ ደስ ዘብል ክኸውን ይኽእል: እንተዀነ ግን ንወለድን ነቶም ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘለዉን ዘደናግር ክኸውን እውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን መንእሰያት ብኸመይ ክሕገዙ ይኽእሉ፧

3. ወለዲ ነቶም ኣባጽሕን ጐራዙትን ደቆም ኣብ ህይወቶም እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ክኸፍቱሎም ዝኽእሉ በየናይ መገዲ ኢዮም፧

3 እቶም ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዝስዕቡ ወለዲ ነቶም በጽሕታትን ጐራዙትን ደቆም ነዘን ፈተንቲ ዝዀና ዓመታት ብዓወት ሓሊፎም ሓላፍነት ዝስከሙ እኹላት ሰባት ምእንቲ ክዀኑ እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኢዮም ዝህብዎም። ኣብ ኵሉ ሃገራትን ኣብ ኵሉ ግዜያትን ከም እተራእየ: እቶም ሓቢሮም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ ወለድን ኰተቴን ብዓወት ተባሪኾም ኢዮም።​—⁠መዝሙር 119:⁠1

ቅንዕና ዘለዎን ግልጽን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ

4. ኣብ ዕድመ ኰተቴ ምስጢር ምክፋል ብፍላይ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 15:⁠22) እቶም ቈልዑ ንኣሽቱ ከለዉ ናይ ውሽጥኻ ምዝርራብ ኣድላዪ እንተድኣ ነይሩ: ኣብቲ ቈልዑ ኣብ ገዛ ዝዋሓደ ግዜ: ምስ መማህርቶም ወይ ካልኦት የዕርኹቶም ድማ ዝበዝሐ ግዜ ዘሕልፍሉ ዕድመ ኰተቴ ብፍላይ ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ውሽጥኻ ምዝርራብ​—⁠ኣብ መንጎ ቈልዑትን ወለድን ቅንዕና ዘለዎን ግልጽን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ​—⁠እንተድኣ ዘየለ: እቶም ኰተቴ ኣብ ገዛ ከም ኣጋይሽ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ብኸመይ ክፉት ክትገብሮ ይከኣል፧

5. እቶም ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘለዉ ነቲ ምስ ወለዶም ዝገብርዎ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ብኸመይ ክርእይዎ ኢዮም ተተባቢዖም ዘለዉ፧

5 እቶም ኰተቴን እቶም ወለድን በዚ መዳይ እዚ ነናቶም ግደ ክፍጽሙ ኣለዎም። እቶም ኣባጽሕን ጐራዙትን ከምቲ ንኣሽቱ ከለዉ ዝገብርዎ ዝነበሩ ገይሮም ምስ ወለዶም ክዘራረቡ ዝያዳ ከቢድ ኰይኑ ከም ዝረኽብዎ ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: “ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ: ህዝቢ ይወድቕ: ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ” ምዃኑ ኣይትረስዑ። (ምሳሌ 11:⁠14) እዘን ቃላት እዚኣተን ንንኣሽቱን ዓበይትን ዝምልከታ ኢየን። እቶም ነዚ ዝግንዘቡ ኰተቴ ካብ ቅድም ንላዕሊ እተሓላለኸ ግድላት ስለ ዘጋጥሞም ገና ውሕሉል መምርሒ ከም ዘድልዮም ይርድኡ ኢዮም። እቶም ኣመንቲ ወለዶም ኣብ ህይወት ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም: ንብዙሕ ዓመታት ድማ ፍቕራዊ ሓልዮቶም ዘርኣይዎም ብምዃኖም ምኽሪ ኣብ ምሃብ ብቑዓት ኢዮም። ስለዚ ድማ እቶም ጥበበኛታት ኰተቴ ኣብ ህይወቶም ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጽሑ ካብ ወለዶም ኣይሃድሙን ኢዮም።

6. ምስቶም ኰተቴ ደቆም ሓሳብ ንሓሳብ ብዛዕባ ምልውዋጥ: ጥበበኛታትን መስትውዓልትን ወለዲ እንታይ ኣመለኻኽታ ኢዩ ክህልዎም ዘለዎም፧

6 ግልጺ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ማለት እቲ ኰተቴ ክዛረብ ክደሊ ከሎ እቶም ወለዲ ቅሩባት ኢዮም ማለት ኢዩ። ወለዲ እንተድኣ ኴንኩም: እቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክብ እንተወሓደ ብወገንኩም ክፉት ምዃኑ ኣረጋግጹ። እዚ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” ይብል። (መክብብ 3:⁠7) እቶም ኰተቴ ደቅኹም ክዛረቡ ክደልዩ ከለዉ: ንስኻትኩም ስቕ ክትብልሉ እትደልዩ ግዜ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ግዜ እቲ ምናልባት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር: ንምዕራፍ: ወይ ድማ ኣብቲ ገዛ ንምዕያይ መዲብኩሞ ትዀኑ። ገና ግን እቶም ንኣሽቱ ደቅኹም ክዛረብኹም ምስ ዝደልዩ: መደባትኩም ብምትዕርራይ ጽን ኢልኩም ክትሰምዕዎም ጽዓሩ። እንተዘይኰነ ግን: ካልኣይ ግዜ ክዛረብኹም ኣይፍትኑን ይዀኑ። ናይ የሱስ ኣብነት ዘክሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከዕርፍ መዲቡ ነበረ። ሰባት ክሰምዕዎ ተኣኪቦም ምስ መጹ ግን: ዕረፍቱ ገዲፉ ክምህሮም ጀመረ። (ማርቆስ 6:⁠30⁠-​34) ብዙሓት ኰተቴ ወለዶም ብስራሕ ትሑዛት ምዃኖም ይግንዘቡ ኢዮም: እንተዀነ ግን: ከድልዮም ከሎ ክሕግዝዎም ወለዶም ቅሩባት ምዃኖም መረጋገጺ ይደልዩ ኢዮም። ስለዚ እምብኣር: ቅሩባትን ርዱኣትን ኩኑ።

7. ወለዲ ከወግድዎ ዘለዎም ነገር እንታይ ኢዩ፧

7 ኰተቴ ከለኹም ከመይ ከም ዝነበርኩም ክትዝክሩ ጽዓሩ: ተጻወትቲ ድማ ኩኑ! ወለዲ ምስ ደቆም ምዃን ክሕጐስሉ ኣለዎም። ናጻ ዝዀነ ግዜ ክርከብ ከሎ: ወለዲ ብኸመይ ኢዮም ዘሕልፍዎ፧ ነቲ ዘለዎም ናጻ ግዜ ንስድራቤቶም ኣብ ዘየጠቓልል ነገራት ጥራይ ዘሕልፍዎ እንተድኣ ኰይኖም: እቶም ኰተቴ ነዚ ንምስት​ብሃል ቅልጡፋት ኢዮም። እቶም ኣባጽሕን ጐራዙትን ካብ ወለዶም ንላዕሊ መማህርቶም ከም ዝሓልዩሎም ኣብ ምድምዳም እንተድኣ በጺሖም: ሽግ​ራት ክህልዎም ኢዩ።

ብዛዕባ እንታይ ሓሳብ ንሓሳብ ከም እትለዋወጡ

8. ቈልዑ ንሓቀኛ ምዃን: ኣብርቲዕካ ምዕያይ: ከምኡውን ንግቡእ ኣካይዳ ዝምልከት ኣድላይነቱ ክግንዘቡ ኣብ ኣእምርኦም ከም ዝቕረጽ ክግበር ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

8 እቶም ወለዲ ደቆም ንሓ​ቀኛ ምዃንን ኣብርቲዕካ ምዕያይን ከም ዝግንዘቡ ዘይገበሩ እንተድኣ ኰይኖም: ብእተኻእሎም መጠን ኣብ ዕድመ ኰተቴ ክሰርጹሎም ይግባእ። (1 ተሰ​ሎንቄ 4:⁠112 ተሰሎ​ንቄ 3:⁠10) ውሉዳቶም ስነ⁠-​ምግባር ዝሓለወን ጽፉፍን ናብራ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ብምሉእ ልቦም ይኣምንሉ ምዃ​ኖም ከረጋግጹ እውን ኣገዳሲ ኢዩ። (ምሳሌ 20:⁠11) በዚ መዳይ እዚ እቶም ወለዲ ብዝያዳ ኣብነት ብምዃኖም ኢዮም ዝገብርዎ። ልክዕ ከምቲ ዘይኣመንቲ ሰብኡት “በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ” ዝዀኑ ኰተቴ እውን ካብቲ ኣካይዳ ወለዶም ቅኑዕ ስርዓታት ኣየናይ ምዃኑ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠1) ገና ግን ቈልዑ ንብዙሕ ሕማቕ ኣብነታትን ካብ ገዛ ወጻኢ ንዝመጽእ መስድዒ ፕሮፓጋንዳታትን እተቓልዑ ብምዃኖም ኣብነት ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር ሓለይቲ ወለዲ: እቶም ኰተቴ ደቆም ብዛዕባ እቲ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን ነገራት እንታይ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ክፈልጡ የድልዮም ኢዩ: እዚ ድማ ትርጕም ዘለዎ ምይይጥ ምግባር ይሓትት።​—⁠ምሳሌ 20:⁠5

9, 10. ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክምህርዎም ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም: ብኸመይከ ክገብርዎ ይኽእሉ፧

9 እዚ ብፍላይ ንጾታዊ ርክብ ኣብ ዝምልከት ነገራት ዝውዕል ኢዩ። ወለዲ ምስ ደቅኹም ብዛዕባ ጾታ ክትዘራረቡ ትሓንኩዶ ኢኹም፧ ዋላ ሕነኹ እውን ከምኡ ክትገብሩ ጽዓሩ: ከመይሲ እቶም ንኣሽቱ ደቅኹም ብዛዕብኡ ካብ ካልኦት ክማሃርዎ ኢዮም። ካባኻትኩም እንተድኣ ዘይተማሂሮም: ከመይ ዝበለ ጠዋይ ሓሳባት ከም ዝማሃሩ እንታይ ትፈልጡ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ነቲ ንጾታዊ ነገራት ዝምልከት ጐስይዎ ኣይሓለፈን: ወለዲውን ከምኡ ክገብሩ የብሎምን።​—⁠ምሳሌ 4:⁠1⁠-​4፣ 5:⁠1⁠-​21

10 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ንጹር ዝዀነ መምርሒ ሒዙ ምህላዉ ባህ ዘብል ኢዩ: ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ድማ እዚ መምርሒ እዚ ገና ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም እውን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ምዃኑ ዘርኢ ብዙሕ ሓጋዚ ሓበሬታ ሓቲማ ኣላ። ስለምንታይ ካብዚ ሓገዝ እዚ ዘይትጥቀሙ፧ ንኣብነት: ስለምንታይ ካብዚ ሓገዝ እዚ ዘይትጥቀሙ፧ ንኣብነት: ስለምንታይ ነቲ ኣብ 1ይን 2ይን ጥራዝ እታ መንእሰያ ት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ነዚ ዚምልከት ምዕራፋት ምስ ወድኹም ወይ ጓልኩም ኴንኩም ዘይትዘራረቡሉ፧ በቲ ዘምጽኦ ፍረ ባህ ክብለኩም ኢዩ።

11. ወለዲ ንደቆም ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዘገልግልዎ ንኽምህርዎም እቲ ኣስላጢ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

11 ወለድን ውሉዳትን ክዘራረብሉ ዘለዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እንታይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም” ክብል ከሎ ነዚ ጠቒስዎ ኣሎ። (ኤፌሶን 6:⁠4) ቈልዑ ብዛዕባ የሆዋ ብቐጻሊ ክማሃሩ የድልዮም ኢዩ። ብፍላይ ከፍቅርዎ ከምኡውን ከገልግልዎ ምምሃር ክደልዩ ኣለዎም። ኣብዚ እውን እንተዀነ በቲ እተርእይዎ ኣብነት ብዙሕ ክትምህርዎም ይከኣል ኢዩ። እቶም ኣባጽሕን ጐራዙትን ወለዶም ንኣምላኽ ‘ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ብዅሉ ሓሳቦምን’ ከም ዘፍቅርዎ: እዚ ድማ ጽቡቕ ፍረ ከም ዘምጽኣሎም እንተድኣ ርእዮም: ንሳቶም እውን ከምኡ ንኽገብሩ ክጽለዉ ኢዮም። (ማቴዎስ 22:⁠37) ብተመሳሳሊ: እቶም ንኣሽቱ ወለዶም መንግስቲ ኣምላኽ ብምቕዳም ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም እንተድኣ ተረዲኦም: ንሳቶም እውን ተመሳሳሊ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ከማዕብሉ ክሕገዙ ኢዮም።​—⁠መክብብ 7:⁠12፣ ማቴዎስ 6:⁠31⁠-​33

ስርዓታዊ ዝዀነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ስድራቤት ኣድላዪ ኢዩ

12, 13. ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዕዉት ምእንቲ ክኸውን እንታይ ነጥብታት ኢዩ ክዝከር ዘለዎ፧

12 ንንኣሽቱ መንፈሳዊ ነገራት ከተመሓላልፈሎም ሰሙናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምግባር እቲ ዝበለጸ ሓገዝ ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠33, 34፣ ምሳሌ 4:⁠20⁠-​23) ስርዓታዊ ኴንካ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። (መዝሙር 1:⁠1⁠-​3) ወለድን ውሉዳቶምን ካልእ ነገራት ደድሕሪ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክስራዕ ድኣ እምበር: ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ደድሕሪ እቲ ካልእ ጕዳያት ክስራዕ ከም ዘይብሉ ክግንዘቡ ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተድኣ ኰይኑ ቅኑዕ ኣረኣእያ ክህሉ ኣለዎ። ሓደ ኣቦ ከምዚ በለ:⁠- “እቲ ቀንዲ መፍትሕ ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ፍዅስ ዝበለ: በቲ ሓደ ወገን ከኣ ርዝነት ዘለዎ ሃዋሁ ከም ዝህልዎ ንምግባር እቲ መራሒ ምስ ዘተባብዕ ኢዩ። እቲ ልክዕ ዝዀነ ሚዛን ክትሕልዎ ኵሉ ግዜ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ: እቶም ንኣሽቱ ድማ ብተደጋጋሚ ናይ ኣመለኻኽታ ምትዕርራይ ክገብሩ የድልዮም ኢዩ። ሓንሳእ ወይ ድማ ክልተ ሳዕ እቲ ኵነታት ጽቡቕ እንተድኣ ዘይኰነ: ኣይትተሓለሉ ናብቲ ዝቕጽል ግዜ ድማ ብተስፋ ተጸበዩ።” እዚ ኣቦ እዚ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ቅድሚ ምጅማሮም ኣብ ዝገብሮ ጸሎት: ኵሎም እቶም ዝካፈሉ እቲ ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ንኸማዕብሉ ፈልዩ ሓገዝ ከም ዝሓትት ገሊጹ ኣሎ።​—⁠መዝሙር 119:⁠66

13 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምምራሕ ሓላፍነት ናይቶም ኣመንቲ ወለዲ ኢዩ። ገለ ወለዲ ናይ ምምሃር ክእለት ዘይብሎም: ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ድማ ደስ ዘብል ክገብርዎ ዘይክእሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ነቶም ኰተቴ ደቅኹም “ብግብርን ብሓቅን” ተፍቅርዎም እንተድኣ ኴንኩም: ትሕትናን ቅንዕናን ብዘለዎ መገዲ ብመንፈስ ክዓብዩ ንኽትሕግዝዎም ድሌት ክህልወኩም ኢዩ። (1 ዮሃንስ 3:⁠18) ሓድሓደ እዋን የጕረምርሙ ይዀኑ: ብዛዕባ ድሕንነቶም ዘሎካ ዓሚቝ ተገዳስነት ግን ክርድኦም ኢዩ።

14. ምስቶም ኰተቴ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ዘዳግም 11:⁠18, 19 ኣብ ግብሪ ክትውዕል እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

14 መንፈሳዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት እትዘራረብሉ ኣጋጣሚ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ጥራይ ኣይኰነን። የሆዋ ንወለዲ ዝሃቦም ትእዛዝ ትዝክርዎዶ፧ ከምዚ በሎም:⁠- “ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ: ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ: ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን: ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም: ንደቅኹም ምሀርዎም።” (ዘዳግም 11:⁠18, 19፣ ዘዳግም 6:⁠6, 7 እውን ርኣዩ።) እዚ ወለዲ ንደቆም ብቐጻሊ ክሰብኩሎም ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። እቲ ፈቃር ናይ ስድራቤት ርእሲ ግን ነቲ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ናይታ ስድራቤት ንምህናጽ ኣጋጣሚታት ንምርካብ ኵሉ ግዜ ንቑሕ ክኸውን ኣለዎ።

ተግሳጽን ኣኽብሮትን

15, 16. (ሀ) ተግሳጽ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ተግሳጽ ንምሃብ ሓላፍነት ዘለዎ መን ኢዩ: እቲ ተግሳጽ ኣቓልቦ ከም እተገብሮ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነትከ ናይ መን ኢዩ፧

15 ተግሳጽ: ክእርም ዝኽእል ምልምማድ ክኸውን ከሎ: ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። መቕጻዕቲ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ተግሳጽ ክበሃል ከሎ ካብ ምቕጻዕ ንላዕሊ ምእራም ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘመሓላልፍ። ደቅኹም ንኣሽቱ ከለዉ ተግሳጽ ኣድልይዎም ነይሩ ኢዩ: ሕጂ ኰተቴ ምስ ኰኑ ድማ ገለ ዓይነት ተግሳጽ ምናልባት እውን ካብቲ ናይ ቅድም ንላዕሊ የድልዮም ኢዩ። ጥበብ ዘለዎም ኰተቴ እዚ ሓቂ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም።

16 መጽሓፍ ቅዱስ “ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ: ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 15:⁠5) ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዙሕ ንማሃር ኢና። ተግሳጽ ክወሃብ ከም ዘለዎ ትሕብር ኢያ። ሓደ ኰተቴ እንተድኣ ዘይተዋሂብዎ ‘ዘለፋ ክቕበል’ ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ነቲ ናይ ምግሳጽ ሓላፍነት ንወለዲ: ብፍላይ ድማ ነቦ ኢዩ ሂቡ። ነቲ ተግሳጽ ምስማዕ ግን ናይቶም ኰተቴ ሓላፍነት ኢዩ። ነቲ ኣቦኦምን ኣዲኦምን ዝህብዎም ተግሳጽ እንተድኣ ኣቕሊቦምሉ: ብዙሕ ይማሃሩ ውሑድ ጌጋታት ድማ ይገብሩ። (ምሳሌ 1:⁠8) መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ተግሳጽ ዘይቕበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ: መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር” ይብል።​—⁠ምሳሌ 13:⁠18

17. ወለዲ ተግሳጽ ክህቡ ከለዉ እንታይ ሚዛናውነት ክሕልዉ ኢዮም ዕላማ ክገብሩ ዘለዎም፧

17 ወለዲ ንኰተቴ ክግስጹ ከለዉ: ሚዛናውያን ክዀኑ የድልዮም። ንደቆም ክሳዕ ዘቘጥዕዎም: ምናልባት እውን ነቲ ዘለዎም ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ከም ዝዓኑ ክሳዕ ምግባር ክበጽሑ የብሎምን። (ቈሎሴ 3:⁠21) በቲ ኻልእ ወገን ድማ ወለዲ ኣዝዮም ሸለል በሃልቲ ብምዃኖም እቶም ንኣሽቱ ውሉዳቶም ዘድልዮም ልምምድ ከም ዘይረኽቡ ክገብርዎም የብሎምን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሸለልትነት ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 29:⁠17 “ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ: ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ” ትብል። ይኹን እምበር ቍጽሪ 21 “እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ [“ዘየመስግን:” NW  ] ይኸውን” ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ባርያ ትዛረብ እኳ እንተሃለወት: ኣብቶም ኣብ ቤት ዘለዉ ንኣሽቱ እውን ትውዕል ኢያ።

18. ተግሳጽ ናይ ምንታይ መርትዖ ኢዩ: ወለዲ ቀጻሊ ዝዀነ ተግሳጽ ክህቡ ከለዉ እንታይ ኢዮም ከወግዱ ዘለዎም፧

18 ብሓቂ ክርአ ከሎ ግቡእ ዝዀነ ተግሳጽ ምሃብ እቶም ወለዲ ነቶም ቈልዑ ከም ዘፍቅርዎም ዘርኢ መርትዖ ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠6, 11) ወለዲ እንተድኣ ኴንኩም ሚዛናዊ ዝዀነ ዘየቋርጽ ተግሳጽ ምሃብ ከቢድ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። ምእንቲ ሰላም ኢልኩም: ንሓደ ሃዋኺ ኰተቴ ድላዩ ክገብር ስቕ ኢልካ ምርኣይ ዝቐለለ ኰይኑ ይርኣየኩም ይኸውን። ይኹን እምበር: እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ዝስዕቡ ወለዲ ውዒሉ ሓዲሩ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ስድራቤት ስለ ዝህልዎም ፍሬኡ ይዓጽድዎ ኢዮም።​—⁠ምሳሌ 29:⁠15፣ ገላትያ 6:⁠9

ስራሕን ጸወታን

19, 20. ወለዲ ብዛዕባ ነቶም ኰተቴ ደቆም ዘድልዮም መዘናግዒ ብኸመይ ኢዮም ብጥበብ ክገብርዎ ዝኽእሉ፧

19 ቀደም ቈልዑ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ መሮር ክሕግዙ ትጽቢት ይግበሮም ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ቈልዑ ንበይኖም ዘሕልፍዎ ነዊሕ ናይ ምዝንጋዕ ግዜ ኣለዎም። ነዚ ግዜ እዚ ንምምላእ እቲ ናይ ንግዲ ዓለም ንመዘናግዒ ዝኸውን ኣኽል⁠-​ታርፍ ነገራት የዳሉ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዓለም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባራዊ መለክዒታት ዋጋ ኣይትህበሉን ኢያ: ከጋጥም ዝኽእል ኣዕናዊ ነገራት ድማ ኣንጸላልዩ ኣሎ።

20 ስለዚ ድማ መስተውዓልቲ ወለዲ ብዛዕባ መዘናግዒ ናይ መወዳእታ ውሳነ ንኽገብሩ ዘለዎም መሰል ይዕቅብዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ኰተቴ ይዓቢ ምህላዉ ግን ኣይትረስዑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ንሱ ወይ ንሳ ከም ዓቢ ክርኣዩ ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ። ስለዚ ወለዲ እቶም ኰተቴ እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ እቲ ምርጭኦም መንፈሳዊ ብስለት ዘንጸባርቕ ክሳዕ ዝዀነ ብዛዕባ መዘናግዒ ንኽመርጹ ዝያዳ ኣጋጣሚ ክህብዎም ጥበብ ኢዩ። ሓድሓደ እዋናት እቶም ኰተቴ ብዛዕባ ሙዚቃ: ምሕዝነትን ካልእን ዘይጥበባዊ ምርጫ ይገብሩ ይዀኑ። ከምዚ ከጋጥም ከሎ: ንመጻኢ ዝሓሸ ምርጫ ምእንቲ ክገብሩ ምስቶም ኰተቴ ክትመያየጥሉ ኣለኩም።

21. ኣብቲ ንመዘናግዒ ዝጠፍእ ግዜ ምኽንያታዊ ምዃን ንኰተቴ ክከላኸለሎም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

21 ንመዘናግዒ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ክምደብ ዘለዎ፧ ኣብ ገለ ሃገራት ዘለዉ ኰተቴ ብዘይምቍራጽ ክዘናግዑ ከም ዝፍቀደሎም ገይሮም ከም ዝሓስቡ ኰይኖም ኢዮም። ስለዚ እቶም ኣባጻሕ ወይ ድማ ጐራዙት ካብ ሓደ “መዘናግዒ” ናብቲ ካልእ ንምኻድ መደባት ይገብሩ ይዀኑ። ግዜኦም ምስ ስድራቤት: ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣብ ምግባር: ምስቶም ብመንፈስ ብሱላት ሰባት ኣብ ምሕባር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ከምኡውን ኣብ ገዛ ኣብ ዝግበር ዕዮታት እውን ከሕልፍዎ ከም ዘለዎም ወለዶም ከመሓላልፍሎም ዘለዎም ትምህርቲ ኢዩ። እዚ ድማ ‘ጣዕሚ ንብረት’ ንቓል ኣምላኽ ኸይሓንቆ ይከላኸል።​—⁠ሉቃስ 8:⁠11⁠-​15

22. መዘናግዒ ኣብ ህይወት እቶም ኰተቴ ዘለዎ ቦታ ምስ እንታይ ኢዩ ሚዛናዊ ክኸውን ዘለዎ፧

22 ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ በለ:⁠- “ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።” (መክብብ 3:⁠12, 13) እወ: ምሕጓስ ክፍሊ ናይ ሚዛናዊ ህይወት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣበርቲዕካ ምዕያይ እውን ክፍሊ ሚዛናዊ ህይወት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ብዙሓት ኰተቴ ነቲ ኣበርቲዕካ ካብ ምዕያይ ዝርከብ ዕግበት ወይ ድማ ነቲ ንሓደ ግድል ብምግጣምን ብምፍታሕን ዝመጽእ ርእስኻ ናይ ምኽባር ስምዒት ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ገሊኣቶም ኣብ መጻኢ ህይወቶም ገዛእ ርእሶም ንምድጋፍ ዝሕግዞም ክእለት ወይ ሞያ ንኸጥርዩ ኣጋጣሚ ኣይረኽቡን ኢዮም። ንወለዲ ናይ ሓቂ ብድሆ ዝኸውን ድማ እዚ ኢዩ። እቶም ንኣሽቱ ደቅኹም እዚ ኣጋጣሚ እዚ ምርካቦምን ዘይምርካቦምን ተረጋግጹዶ ኢኹም፧ እቶም ኰተቴ ደቅኹም ኣበርቲዕካ ምዕያይ ኣኽቢሮም ክርእይዎ ከምኡውን ከንጸባርቕዎ ኣብ ምምሃር እንተድኣ ተዓዊትኩም: ንሱ ወይ ንሳ ኣብ ብምልኡ ህይወቶም ክጠቕሞም ዝኽእል ጥዑይ ዝዀነ ኣረኣእያ ከማዕብሉ ኢዮም።

ካብ ኰተቴ ናብ እኹል ሰብ

ነቲ ኣብ ደቅኹም ዘለኩም ፍቕርን ሞሳን ግለጽዎ

23. ወለዲ ነቶም ኰተቴ ደቆም ብኸመይ ከተባብዕዎም ይኽእሉ፧

23 ምስቶም ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘለዉ ደቅኹም ግድላት እንተ ሃለወኩም እውን: እቲ “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” ዝብል ጥቕሲ ገና ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠8) ነቲ ዘለኩም ፍቕሪ ካብ ምንጽብራቕ ፈጺምኩም ኣይተብኵሩ። ንገዛእ ርእስኹም ከምዚ ኢልኩም ሕተቱ:⁠- ‘ግድላት ኣብ ምፍታሕን ዕንቅፋታት ኣብ ምስጋርን ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ይሕግዞዶ ኢየ፧ ንደቀይ ዘሎኒ ፍቕርን ሞሳን ንምግላጽ ዝረኽቦ ኣጋጣሚታት ግዜኡ ከይሓለፈ ከሎ ይጥቀመሉዶ ኢየ፧’ ሓድሓደ እዋናት ዘይምርድዳእ እኳ እንተሃለወ: ከም እተፍቅሮም እንተድኣ ዘረጋግጹ ኰይኖም ነዚ ፍቕሪ እዚ ከም ዝምልስሉ ርግጽ ኢዩ።

24. ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ሓቂ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ኣየናይ ኢዩ: ክርሳዕ ዘይበሉ ነገር ግን እንታይ ኢዩ፧

24 ቈልዑ እኹላት ሰባት ናብ ምዃን ገጾም ክኸዱ ከለዉ: ንገዛእ ርእሶም ዝምልከት ከቢድ ውሳነታት ከም ዝገብሩ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ገለ ጕዳያት እቶም ወለዲ ነቲ ውሳነ ኣይፈትውዎን ይዀኑ። ውሉዳቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ምግልጋል ከቋርጹ ምስ ዝውስኑኸ፧ እዚ ከጋጥም ዝኽእል ነገር ኢዩ። ገለ ካብቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ምኽሩ ነጺጎም: ዓለወኛታት ምዃኖም ድማ ኣርእዮም ኢዮም። (ዘፍጥረት 6:⁠2፣ ይሁዳ 6) ቈልዑ ከምቲ ንሕና እንደልዮም ኰይኖም ክመላለሱ ክንገብሮም እንኽእል ኮምፒዩተራት ኣይኰኑን። በቲ ዝገብርዎ ውሳነ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተቲ ዝዀኑ ናጻ ምርጫ ዘለዎም ፍጡራት ኢዮም። ገና ግን ከም ሓፈሻዊ መምርሒ እቲ ኣብ ምሳሌ 22:⁠6 ዘሎ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ዝብል ሓሳባት ሓቂ ኢዩ።

25. ወለዲ ነቲ ዝረኸብዎ ወላዲ ናይ ምዃን መሰል ንየሆዋ ሞሳኦም ንምግላጽ እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

25 ስለዚ እምብኣር: ንደቅኹም ብዙሕ ፍቕሪ ኣርእይዎም። ከተዕብይዎም ከለኹም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ክትስዕቡ ዝከኣለኩም ኵሉ ግበሩ። ኣምላኻዊ ኣካይዳ ኣብ ምንጽብራቕ ሰናይ ኣብነት ኩኑ። በዚ ኸምዚ ሓላፍነት ዝሰምዖምን ንኣምላኽ ዝፈርሁ እኹላት ሰባትን ኰይኖም ንኽዓብዩ እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ክትከፍቱሎም ኢኹም። ወለዲ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ወላዲ ናይ ምዃን መሰል ሞሳ ከርእይሉ ዝኽእሉ ዝበለጸ መገዲ እዚ ኢዩ።