ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሸውዓተ

ኣብቲ ገዛ ዓለወኛ ኣሎዶ ኢዩ፧

ኣብቲ ገዛ ዓለወኛ ኣሎዶ ኢዩ፧

1, 2. (ሀ) የሱስ እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣይሁድ ዘይእሙናት ምንባሮም ንምጕላሕ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ኣብነት ብዛዕባ ኣባጽሕ ወይ ጐራዙት እንታይ ኢና እንማሃር፧

 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ገለ መዓልትታት: ንጕጅለ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣይሁድ ዘመራምር ሕቶ ሓተቶም። ከምዚ በለ:⁠-“ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፤ ወደይ: ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ: በሎ። ንሱ፤ እምቢ: ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ። ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፤ ሕራይ ጐይታይ: ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧” እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ድማ “እቲ ቐዳማይ” ኢሎም መለሱ።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠28⁠-​31

2 ኣብዚ የሱስ እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ዘይእሙናት ምንባሮም ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ። ከምቲ ካልኣይ ወዲ ኢዮም ኰይኖም ነይሮም: ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ቃል ኣትዮም: ቃሎም ግን ኣይሓለዉን። ብዙሓት ወለዲ ግን እቲ የሱስ ዝሃቦ ኣብነት ካብቲ ብዛዕባ ስድራቤት ዝነበሮ ጽቡቕ ምርዳእ እተበገሰ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። ጽቡቕ ገይሩ ብኣብነት ገሊጽዎ ከም ዘሎ: ንኣሽቱ እንታይ ይሓስቡ ከም ዘለዉ ወይ ከምዚ ክገብሩ ኢዮም ኢልካ ኣቐዲምካ ክትዛረብ መብዛሕትኡ እዋን ከቢድ ኢዩ። መንእሰያት ኣባጽሕ ወይ ጐራዙት ከለዉ ብዙሕ ሽግራት ዘምጽኡ ነይሮም ይዀኑ: ደሓር ምስ ዓበዩ ግን ሓላፍነት ዝስምዖምን ክብሮም ዝሓለዉን ዓበይቲ ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብዛዕባ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርአ ናይ ምዕላው ጸገማት ክንመያየጥ ከሎና እዚ ክንዝክሮ ዘሎና ነገር ኢዩ።

ዓለወኛ እንታይ ማለት ኢየ፧

3. ወለዲ ንውላዶም ተቐዳዲሞም ዓለወኛ ኰይኑ ክብሉ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዛዕባ እቶም ኣንጻር ወለዶም ዝዓለዉ ኰተቴ ትሰምዑ ትዀኑ ኢኹም። ሓደ ኰተቴ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነሉ ስድራቤት እውን ትፈልጡ ትዀኑ ኢኹም። ይኹን እምበር: ሓደ ቈልዓ ብሓቂ ዓለወኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትፈልጥ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይከውንን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብ ሓንቲ ስድራቤት እውን ከይተረፈ ስለምንታይ ገሊኣቶም ቈልዑ ዓለወኛታት ገሊኣቶም ድማ እዙዛት ከም ዝዀኑ ክትርድኦ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወለዲ ሓደ ካብ ደቆም ኣጸቢቑ ዓለወኛ ናይ ምዃን መንፈስ የማዕብል ከም ዘሎ ምስ ዝጥርጥሩ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ብመጀመርታ ዓለወኛ እንታይ ማለት ምዃኑ ክንመያየጥ ኣሎና።

4-6. (ሀ) ዓለወኛ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኰተቴ ውላዶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምእዛዝ ምስ ዝኣብዮም ወለዲ እንታይ ኢዮም ክዝክሩ ዘለዎም፧

4 ብቐሊሉ ንምግላጽ: ዓለወኛ ማለት ደይመደይ ኢሉን ብቐጻልን ምእዛዝ ዝኣቢ ወይ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስልጣን ዝጻረርን ዝቃወምን ሰብ ኢዩ። “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ [ከም ዘሎ]” ሓቂ ኢዩ። (ምሳሌ 22:⁠15) ስለዚ ድማ ኵሎም ቈልዑ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ናይ ወለድን ካልእን ስልጣን ይቃወሙ ኢዮም። እዚ ብፍላይ ኣብቲ ኣካላውን ስምዒታውን ዕቤት ዝርኣየሉ ብጽሕና ወይ ጕርዝውና ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን ሓቂ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ህይወቱ ለወጢ ምስ ዘጋጥሞ ጭንቀት ይፈጥረሉ ኢዩ: ዕድመ ብጽሕና ወይ ጕርዝውና ድማ ብዙሕ ለውጢ ዝግበረሉ እዋን ኢዩ። እቶም ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘለዉ ውሉዳትኩም ካብ ቍልዕነት ወጺኦም እኹል ሰብ ናብ ምዃን ገጾም ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብተን ናይ ብጽሕና ወይ ጕርዝውና ዓመታት ገለ ወለድን ውሉዳትን ተሰማሚዖም ክመላለሱ ኣዝዩ ይሽግሮም ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን እቶም ወለዲ ከይተፈለጦም ነቲ ናይ መሰጋገሪ ግዜ ቀስ ከብልዎ ኢዮም ዝፍትኑ: እቶም ኰተቴ ግን ከቀላጥፍዎ ኢዮም ዝደልዩ።

5 ሓደ ዓለወኛ ዝዀነ ኰተቴ ነቲ ናይ ወለዱ መምርሒታት ሕቑኡ ይህቦ። ይኹን እምበር: ውሑድ ናይ ዘይምእዛዝ ተግባራት ዓለወኛ ከም ዘይገብሮ ዘክሩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ድማ ገለ ቈልዑ ኣብ መጀመርታ ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ውሱን ተገዳስነት የርእዩ ወይ ድማ ምንም ዘይግደሱ ይዀኑ: እንተዀነ ግን ዓለወኛታት ከይኰኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከም ወለዲ መጠን: ንደቅኹም ዓለወኛታት ኢዮም ኢልኩም ንምጽዋዕ ኣይትተሃወኹ።

6 ኣብ ግዜ ብጽሕና ወይ ጕርዝውና ኵሎም መንእሰያት ኣንጻር ናይ ወለዶም ስልጣን ብምዕላው ድዮም ዝፍለጡ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። መርትዖታት ከም ዝሕብሮ ውሑዳት ኰተቴ ጥራይ ኢዮም ኣብ እዋን ብጽሓና ወይ ጕርዝውና ክብድ ዝበለ ዕልወት ዘርእዩ። ገና ግን: እቲ ቈልዓ ብትርን ብዘይምቍራጽን ዓለወኛ ምስ ዝኸውንከ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕልወት ንኽህሉ ዘለዓዕል እንታይ ኢዩ፧

ጠንቂ ዕልወት

7. እዚ ናይ ሰይጣን ሃዋሁ ንቘልዓ ከም ዝዓሉ ገይሩ ክጸልዎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

7 እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዕልወት እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ሰይጣን ሃዋሁ ኢዩ። ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ።’ (1 ዮሃንስ 5:⁠19) እታ ኣብ ኢድ ሰይጣን ዘላ ዓለም ክርስትያናት ክቃለስዎ ዘለዎም ጐዳኢ ዝዀነ ልምዲ ኣጥርያ ኣላ። (ዮሃንስ 17:⁠15) ዝበዝሕ ካብዚ ልምዲ እዚ ድማ ዘይጽፉፍ: ኣዝዩ ሓደገኛ: ከምኡውን ካብቲ ናይ ቀደም ንላዕሊ ብሕማቕ ጽልዋታት እተመልአ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1⁠-​5, 13) ወለዲ ንደቆም እንተ ዘይምሂሮምዎም: እንተ ዘይኣጠንቂቖምዎም: ከምኡውን እንተ ዘይተኸላኺሎምሎም እቶም ንኣሽቱ በቲ ‘ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ መንፈስ’ ብቐሊሉ ክዕብለሉ ይኽእሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 2:⁠2) ምስዚ እተተሓሓዘ ድማ ናይ መሳቱ ጸቕጢ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ . . . ሕሱም ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 13:⁠20) ብተመሳሳሊ: ምስቶም ብመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ እተበከሉ ሰባት ዝኸይድ: በቲ መንፈስ እቲ ከም ዝጽሎ ፍሉጥ ኢዩ። መንእሰያት ንኣምላኻዊ ስርዓታት ምእዛዝ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንምርካብ መሰረት ምዃኑ ክርድኡ እንተድኣ ኰይኖም ቀጻሊ ዝዀነ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17, 18

8. ብወገን እቲ ቈልዓ ከም ዝዓሉ ክገብሮ ዝኽእል ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧

8 ካልእ ጠንቂ ዕልወት ክኸውን ዝኽእል ከኣ እቲ ኣብ ገዛ ዘሎ ሃዋሁ ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ካብቶም ወለዲ: ወልፊ ኣልኮል ዘለዎ: ሓሽሽ ዝጥቀም: ወይ ነቲ ካልእ ወላዲ ዝሃርም ምስ ዝኸውን እቶም ኰተቴ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ኣረኣእያ እተዛብዐ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ብተዛማዲ ቅሳነት ዘለዎ ኣባይቲ እውን ከይተረፈ እቲ ቈልዓ ወለዱ ብዛዕብኡ ዘይግደሱ ኰይኑ ምስ ዝስምዖ ዕልወት ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ጠንቂ ዕልወት ኰተቴ ኵሉ ግዜ ደጋዊ ጽልዋ ጥራይ ኣይኰነን። ኣምላኻዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ከምኡውን ካብታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም ጽቡቕ ገይሮም ዝከላኸሉሎም ወለዲ እኳ እንተ ሃለውዎም: ገለ ቀልዑ ነቲ ናይ ወለዲ መምርሒታት ሕቖኦም ይህብዎ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምናልባት ብሰንኪ እቲ ካልእ ምንጪ ሽግራትና ዝዀነ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ:⁠- “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” (ሮሜ 5:⁠12) ኣዳም ስሱዕ ዓለወኛ ኢዩ ነይሩ: ንዅሎም ዘርኡ ድማ ሕማቕ ውርሻ ገደፈሎም። ገለ መንእሰያት ልክዕ ከምቲ ኣባሓጎኦም ዝገበሮ ብዘይ ገለ ምኽንያት ዓለወኛታት ክዀኑ ይመርጹ ኢዮም።

እቲ ሸለል በሃሊ ዝነበረ ኤሊ ከምኡውን እቲ ቀይዲ ዘብዝሐ ሮብዓም

9. እንታይ ኣብ ኣተዓባብያ ሕሉፍ ዝዀነ ነገራት ኢዩ ቈልዓ ዓለወኛ ንክኸውን ዘለዓዕሎ፧

9 ንኰተቴ ከም ዝዓልዉ ዝገብሮም ካልእ ጠንቂ ድማ ወለዲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዓ ሚዛናዊ ዘይኰነ ኣረኣእያ ምስ ዝህልዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 3:⁠21) ገለ ጥንቁቓት ወለዲ ንደቆም ኣጸቢቖም ይሓጽርዎምን ይግስጽዎምን ኢዮም። ካልኦት ድማ ነቶም ተመክሮ ዘይብሎም ኣባጽሕ ወይ ጐራዙት ደቆም ክከላኸለሎም ዝኽእል መምርሒታት ዘይህቡ ሸለል በሃልቲ ኢዮም። ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ጫፋት ዘሎ ሚዛን ክትሕሉ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን። እተፈላለዩ ቈልዑ ድማ እተፈላለየ ነገር ኢዩ ዘድልዮም። ገሊኣቶም ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምክትታል የድልዮም ይኸውን። ቀይዲ ኣብ ምብዛሕ ወይ ሸለል በሃሊ ኣብ ምዃን ዘሎ ሓደጋታት ንምርኣይ ክልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ክሕግዘና ኢዩ።

10. ኤሊ ዋላ እኳ እሙን ሊቀ ካህን እንተነበረ ሰነፍ ወላዲ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ኣብታ ጥንታዊት እስራኤል ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኤሊ ኣቦ ኢዩ ነይሩ። ን40 ዓመታት ዝኣክል ስለ ዘገልገለ ድማ ብሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቑ እተማህረ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኤሊ ነቲ ስርዓታዊ ናይ ክህነት ዕዮ ብተኣማንነት ይፍጽም ከም ዝነበረ: ንደቁ ሆፍንን ፊንሃስን እውን ሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ምሂርዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ርግጽ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኤሊ ንደቁ ኣዝዩ ሸለል ይብሎም ነበረ። ሆፍንን ፊንሃስን ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ: እንተዀነ ግን ንሸውሃቶምን ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ባህግታቶምን ጥራይ ንምዕጋብ ዝግደሱ “ደቂ ብልያል” ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ርኹስ ተግባራት ምስ ገበሩ: ካብቲ ዕዮ ክህነት ከባርሮም ኤሊ ትብዓት ኣይነበሮን። ኣፍኵስ ኣቢሉ ጥራይ ገንሖም። ኤሊ ሸለል ብምባሉ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ንደቁ ኣኽበሮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ደቂ ኤሊ ኣንጻር እቲ ጽፉፍ ኣምልኾ የሆዋ ዓለዉ: ምልእቲ ስድራቤቱ ከኣ መዓት ወረዳ።​—⁠1 ሳሙኤል 2:⁠12⁠-​17, 22⁠-​25, 29፣ 3:⁠13, 14፣ 4:⁠11⁠-​22

11. ወለዲ ካብቲ ናይ ኤሊ ሕማቕ ኣብነት እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧

11 እዚ ፍጻሜታት እዚ ከጋጥም ከሎ እቶም ደቂ ኤሊ ድሮ ኣኹላት ሰባት ኢዮም ነይሮም: እንተዀነ ግን እዚ ታሪኽ እዚ ተግሳጽ ሸለል ምባል ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋ ዘጕልሕ ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 29:⁠21 ኣረኣእይዎ።) ገለ ወለዲ ንጹር: ዘይቀያየር: ከምኡውን ምኽንያታዊ ዝዀነ መምርሒታት ካብ ምውጻእን ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ካብ ምግባርን ስለ ዝሰንፉ ነቲ ኣብ መንጎ ፍቕርን ሸለል ምባልን ዘሎ ፍልልይ ኣይርድእዎን ይዀኑ። ኣምላኻዊ ስርዓታት እናተጣሕሰ ከሎ እውን ከይተረፈ: ፍቕራዊ ዝዀነ ተግሳጽ ምሃብ ሸለል ይብልዎ። ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸለል ምባል: እቶም ቈልዑ ንናይ ወለዲ ይኹን ካልእ ዓይነት ስልጣን ዘየቕልቡ ኰይኖም ይዓብዩ ይዀኑ።​—⁠ምስ መክብብ 8:⁠11 ኣረኣእይዎ።

12. ሮብዓም ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣኑ እንታይ ጌጋ ኢዩ ዝገበረ፧

12 ሮብዓም ድማ ስልጣን ኣብ ምዝውታር ቀይድታት ናይ ምብዛሕ ኣብነት ኢዩ። ናይታ ሕብርቲ ዝነበረት እስራኤል ናይ መወዳእታ ንጉስ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ሕያዋይ ንጉስ ኣይነበረን። ሮብዓም ብሰንኪ እቲ ኣቦኡ ሰሎሞን ዘሰከሞም ጾር ዕግበት ስኢኖም ዝነበሩ ሰባት ዝሓዘት ሃገር ኢዩ ወሪሱ። ሮብዓም ነቲ ሽግር ተረዲእዎዶ፧ ኣይተረድኦን: ልኡኻት መጺኦም ንገለ ካብቲ ጨቋኒ ዝዀነ ነገራት ከርሕቐሎም ምስ ሓተትዎ: ነቲ እቶም ካብኡ ዝዓብዩ ኣማኸርቱ ዝሃብዎ ብሱል ምኽሪ ገዲፉ: ኣርዑት እቶም ህዝቢ ዝያዳ ክኸብድ ኣዘዘ። እዚ ድርቅና እዚ ድማ ነተን ብሰሜን ዝነበራ ዓሰርተ ነገድ ከም ዝዓልዋ ገበረን: እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ክልተ ተኸፍለት።​—⁠1 ነገስት 12:⁠1⁠-​21፣ 2 ዜና መዋእል 10:⁠19

13. ወለዲ ነቲ ሮብዓም ዝገበሮ ጌጋ ብኸመይ ከወግድዎ ይኽእሉ፧

13 ወለዲ ካብዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ሮብዓም ዝገልጽ ጸብጻብ ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ብጸሎት ገይሮም ‘ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ:’ ነቲ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ኣተዓባብያ ቈልዓ ኸኣ ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ክምርምርዎ የድልዮም። (መዝሙር 105:⁠4) መክብብ 7:⁠7 “ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ” ትብል። ኣጸቢቑ እተሓስበሉ መምርሒታት ምውጻእ: ነቶም ኣባጽሕ ወይ ጐራዙት ካብ ጕድኣት እናተኸላኸለሎም በቲ ሓደ ወገን ድማ ንኽዓብዩ ኣጋጣሚ ዝህቦም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ቈልዑ ምኽንያታዊ ዝዀነ ርእሰ⁠-​ምርኰሳን ርእሰ⁠-​ተኣማንነትን ከም ዘየማዕብሉ ዝገብር ኣዝዩ ደረቕን ቀያድን ኣብ ዝዀነ ሃዋሁ ክነብሩ የብሎምን። ወለዲ ነቲ ኣብ መንጎ ምኽንያታዊ ዝዀነ ናይ ምርጫ ናጽነትን ብንጹር እተገልጹ ጽኑዕ ክልክላትን ዘሎ ሚዛን ክሕልዉ ምስ ዝጽዕሩ: መብዛሕትኦም ኰተቴ ናብ ምዕላው ገጾም ኣይክኸዱን ኢዮም።

ነቲ መሰረታዊ ድሌታት ምምላእ ዕልወት ክከላኸል ይኽእል ኢዩ

ወለዲ ነቲ ንደቆም ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘጋጥሞም ግድላት ብዓወት ክዋጽእሉ እንተድኣ ሓጊዞምዎም ዝያዳ ርጉኣት ኰይኖም ከም ዝዓብዩ ርግጽ ኢዩ

14, 15. ወለዲ ንዕቤት ናይ ውሉዶም ብኸመይ ክርእይዎ ኣለዎም፧

14 ወለዲ ደቆም ብኣካል ካብ ቍልዕነት ናብ እኹላት ሰባት ክዓ​ብዩ ክርእይዎም ባህ ዝብሎም እኳ እንተዀነ: እቶም ኣብ ብጽሕና ወይ ጕርዝውና ዘለዉ ደቆም ካብቲ ኣብኦም ጥራይ ዝምርኰስሉ ዝነበረ ደረጃ ሓሊፎም ናብ ግቡእ ዝዀነ ርእሰ⁠-​ምርኰሳ ክኸዱ ክርእይዎም ከለዉ ይሽገሩ ኢዮም። ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን እዚ: እቶም ኰተቴ ሓሓሊፎም ዕቡያት ወይ ድማ ዘይተሓባበሩ እንተዀኑ ኣይትገረሙ። ናይ ክርስትያናት ወለዲ ሸቶ ብሱል: ርጉእ: ከምኡውን ሓላፍነት ዝስምዖ ክርስትያን ንምዕባይ ምዃኑ ኣይትረስዑ።​—⁠ምስ 1 ቈረንቶስ 13:⁠11፣ ኤፌሶን 4:⁠13, 14 ኣረኣእይዎ።

15 ዋላ እኳ ከቢድ እንተዀነ: ወለዲ እቶም ኣባጽሕ ወይ ጐራዙት ደቆም ተወሳኺ ናጽነት ክወሃቦም ንዘቕረብዎ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ኣሉታዊ መልሲ ናይ ምሃብ ልምዲ ከቋርጽዎ የድልዮም ኢዩ። እቲ ቈልዓ ጥዑይ ብዝዀነ መገዲ ከም እኹል ሰብ ኰይኑ ክዓቢ የድልዮ። ገለ ኰተቴ ኣብቲ ብተዛማዲ ንኡስ ዕድሜኦም ናይ ዓበይቲ ኣረኣእያ የማዕብሉ ኢዮም። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ “ገና ቘልዓ ኸሎ [ወዲ 15 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን]: ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ” ይብል። እዚ ብሉጽ ዝነበረ ኰተቴ እዚ ሓላፍነት ዝስምዖ ሰብ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ።​—⁠2 ዜና መዋእል 34:⁠1⁠-​3

16. ቈልዑ እናወሰኸ ዝኸይድ ሓላፍነት ክወሃቦም ከሎ: እንታይ ኢዮም ክግንዘቡ ዘለዎም፧

16 ይኹን እምበር: ናጽነት ምስኡ ተሓታትነት እውን የምጽእ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቶም እኹላት ሰባት ምዃን ዝጅምሩ ዘለዉ ደቅኹም ሳዕቤን ናይቲ ዝገበርዎ ገለ ውሳነታትን ዝወሰድዎ ስጕምትታትን ክምከርዎ ኣፍቅዱሎም። እቲ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዝብል ስርዓት ኣብቶም ኰተቴን እኹላት ሰባትን ዝውዕል ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠7) ቈልዑ ንዘለኣለም ኣብ ትሕቲ ዕቑባ ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ውሉድኩም ፈጺሙ እተኸልከለ ነገር ክገብር ምስ ዝደልኸ እንታይ ይኹን፧ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ወለዲ መጠን “ኣይከውንን ኢዩ” ክትብሉ ኣለኩም። ዋላ እኳ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝበልኩም እንተገለጽኩም: ነቲ ኣይከውንን ኢዩ ዝበልኩምዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ናብ ሕራይ ከቐይሮ የብሉን። (ምስ ማቴዎስ 5:⁠37 ኣረኣእይዎ።) ይኹን እምበር: “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ” ስለ ዝዀነ: ልኡምን ምኽንያታውን ብዝዀነ ኣገባብ “ኣይከውንን ኢዩ” ክትብሉ ጽዓሩ።​—⁠ምሳሌ 15:⁠1

17. ወለዲ ከማልእሉ ዘለዎም ገለ ናይ ኰተቴ ድሌታት እንታይ ኢዮም፧

17 ንኣሽቱ ምስቲ ዝግበረሎም ቀይድታትን መምርሒታትን ኵሉ ግዜ ብቐሊሉ ዝሰማምዑ እኳ እንተዘይኰኑ: እቲ ቀጻሊ ዝዀነ ተግሳጽ ብምሃብ ዝርከብ ዕቑባ ግን የድልዮም ኢዩ። እቲ መምርሒታት ብመሰረት ኵነታት ናይቶም ወለዲ ብተደጋጋሚ ዝቀያየር እንተድኣ ኰይኑ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ ዝኸውን። ብተወሳኺ ኰተቴ ንሕፍረትን ጕድለት ርእሰ⁠-​ተኣማንነትን ምእንቲ ክዋጽእሉ ከከምቲ ዘድሊ ምትብባዕን ሓገዝን ምስ ዝወሃቦም: ዝያዳ ጽኑዓት ኰይኖም ከም ዝዓብዩ ርግጽ ኢዩ። ወለዶም ከም ዝኣምንዎም ምፍላጥ እውን እቶም ኰተቴ የማስውሉ ኢዮም።​—⁠ምስ ኢሳይያስ 35:⁠3, 4፣ ሉቃስ 16:⁠10፣ 19:⁠17 ኣረኣእይዎ።

18. ብዛዕባ ኰተቴ ዘሎ ገለ ዘተባብዕ ሓቅታት እንታይ ኢዩ፧

18 ኣብቲ ቤት ሰላም: ርግኣት: ከምኡውን ፍቕሪ ምህላው መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ቈልዑ ብጽቡቕ ከም ዝዓብዩ ዝገብር ምዃኑ ምፍላጥ ነቶም ወለዲ የጸናንዖም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠31, 32፣ ያእቆብ 3:⁠17, 18) ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ: ማህረምቲ: ወይ ድማ ካልእ ጐዳኢ ጽልዋታት ኣብ ዘለዎ ሕማቕ ናይ ቤት ሃዋሁ ዝዓበዩ ብዙሓት መንእሰያት እውን ከይተረፈ ንፉዓት እኹላት ሰባት ኰይኖም ዓብዮም ኢዮም። ስለዚ ድማ እቶም ኰተቴ ደቅኹም ዕቑባ ከም ዝስምዖም ዝገብር ቤት ከምኡውን ፍቕርን ምፍታውን ኣቓልቦን ከም ዝረኽቡ ምስ ዝፈልጡ​—⁠እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝግበረሎም ደገፍ ምስ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ስርዓታት ብዝሰማማዕ ምኽንያታዊ ዝዀነ ቀይድታትን ተግሳጽን ዘለዎ እንተዀነ እውን​—⁠እትዀርዑሎም እኹላት ሰባት ኰይኖም ከም ዝዓብዩ ርግጽ ኢዩ።​—⁠ምስ ምሳሌ 27:⁠11 ኣረኣእይዎ።

ቈልዑ ሽግር ከጋጥሞም ከሎ

19. ወለዲ ንውሉድ በቲ ክኸደሉ ዘለዎ መገዲ ከላምድዎ እኳ እንተለዎም: እቲ ቈልዓ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎ፧

19 ንፉዓት ወለዲ ምህላው ብሓቂ ለውጢ ዘምጽእ ኢዩ። ምሳሌ 22:⁠6 “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ትብል። ገና ግን: ብዛዕባ እቶም ንፉዓት ወለዲ እናሃለውዎም ከቢድ ግድላት ዘለዎም ቈልዑኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ከምዚ ከጋጥም ይኽእል ድዩ፧ እወ: ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። እዘን ናይ ምሳሌ ቃላት ምስቲ ቈልዓ ንወለዱ ‘ክሰምዕን’ ክእዘዝን ከም ዘለዎ ዘጕልሕ ካልእ ጥቕሲ ኣዛሚድካ ክረኣያ ዘለወን ኢየን። (ምሳሌ 1:⁠8) ውህደት ዘለዋ ስድራቤት ንኽትህሉ ወለድን ውሉዳትን ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክተሓባበሩ ኣለዎም። እቶም ወለድን ውሉዳትን ሓቢሮም እንተዘይዓዮም: ግድላት ክህሉ ኢዩ።

20. ቈልዑ ብዘይ ምፍላጥ ክጋገዩ ከለዉ: እቶም ወለዲ ክጥቀምሉ ዘለዎም ጥበባዊ ኣቀራርባ እንታይ ኢዩ፧

20 እቶም ኰተቴ ክጋገዩን ኣብ ሽግር ክኣትዉን ከለዉ እቶም ወለዲ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ኢዮም እቶም መንእሰያት ሓገዝ ዝደልዩ። እቶም ወለዲ ምስ ተመክሮ ዘይብሎም መንእሰያት ከም ዘለዉ ምስ ዝዝክሩ: ነቲ እቶም መንእሰያት ዘርእይዎ ነገራት ብቐሊሉ ክጻወርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ጳውሎስ ኣብታ ጉባኤ ንዝነበሩ ብሱላት ሰባት “ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ንስኻትኩም መንፈሳውያን: ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ” ብምባል ምዒድዎም ኣሎ። (ገላትያ 6:⁠1) ወለዲ እውን ምስቲ ብዘይፍላጥ እተጋገየ መንእሰይ ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ነዚ ሓሳባት እዚ ክስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ስለምንታይ ጌጋ ምዃኑን እንደገና ንኸይድገም ድማ እንታይ ክግበር ከም ዝኽእልን ኣነጺሮም ብምግላጽ: እቲ ሕማቕ ኰይኑ ዘሎ እቲ መንእሰይ ዘይኰነስ እቲ ጌጋ ኣካይዳ ምዃኑ ብንጹር ከብርህዎ ኣለዎም።​—⁠ምስ ይሁዳ 22, 23 ኣረኣእይዎ።

21. ኣብነት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምስዓብ: ወለዲ ደቆም ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽሙ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧

21 እቲ መንእሰይ ዝፈጸሞ ጌጋ ኣዝዩ ከቢድ ምስ ዝኸውንከ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እቲ መንእሰይ ፍሉይ ዝዀነ ሓገዝን ውሕሉል መምርሕን የድልዮ ኢዩ። ሓደ ኣባል ናይ ጉባኤ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽም: ክናሳሕን ሓገዝ ደልዩ ድማ ናብቶም ሽማግለታት ክኸይድን ኢዩ ዝተባባዕ፧ (ያእቆብ 5:⁠14 ⁠-​16) ሓንሳእ ምስ ተናስሐ እቶም ሽማግለታት ብመንፈስ ንኽመሓየሽ ይዓዩ ኢዮም። ምስቶም ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክመያየጡ ዘድሊ እኳ እንተዀነ: ኣብ ስድራቤት ነቲ እተጋገየ ኰተቴ ምሕጋዝ ናይቶም ወለዲ ሓላፍነት ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ብደቆም እተገብረ ከቢድ ሓጢኣት ካብቶም ኣካል ሽማግለታት ክሓብእዎ ክፍትኑ ከም ዘይብሎም ርግጽ ኢዩ።

22. ንየሆዋ ብምምሳል: ወለዲ ውሉዶም ከቢድ ጌጋ ምስ ዝፍጽም እንታይ ኣረኣእያ ክዕቅቡ ኢዮም ክጽዕሩ ዘለዎም፧

22 ንደቅኻ ዝትንክፍ ከቢድ ግድላት ከጋጥም ብሓቂ ፈታኒ ኢዩ። ወለዲ ጕህዮም ዝገብርዎ ምስ ጠፍኦም: ነቲ ዓለወኛ ውሉዶም ከፈራርህዎ ይፍትኑ ይዀኑ: እዚ ግን ነቲ ኵነታት ዘግድዶ ጥራይ ኢዩ። ናይዚ መንእሰይ እዚ መጻኢ በቲ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ዝረኽቦ ኣተሓሕዛ ዝውሰን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይትረስዑ። ህዝቡ ካብቲ ቅኑዕ ነገራት ክወጹ ከለዉ እንተድኣ ተናሲሖም የሆዋ ይቕረ ክብለሎም ቅሩብ ምንባሩ ዘክሩ። ነቲ “ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት: ይብል እግዚኣብሄር: ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ: ከም በረድ ኪጽዕዱ: ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ: ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ” ዝብል ፍቕራዊ ቃላቱ ጽን ኢልኩም ስምዕዎ። (ኢሳይያስ 1:⁠18) እዝስ ንወለዲ ከመይ ዝኣመሰለ ኣብነት ኰን ኢዩ!

23. ሓደ ካብ ደቆም ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝገብር ወለዲ እንታይ ስጕምቲ ኢዮም ክወስዱ ዘለዎም: እንታይከ ኢዮም ከወግዱ ዘለዎም፧

23 ስለዚ ድማ ነቲ ዓለወኛ ኣካይድኡ ንኽልውጥ ከተተባብዕዎ ጽዓሩ። ካብቶም ተመክሮ ዘለዎም ወለድን ናይ ጉባኤ ሽማግለታትን ጥዑይ ዝዀነ ምኽሪ ድለዩ። (ምሳሌ 11:⁠14) ብሕርቃን ከይትመላለሱ: ነቲ ቈልዓ ንኽምለስ ከም ዝኸብዶ ዝገብር ነገር ከይትበሉ ወይ ድማ ከይትገብሩ ጽዓሩ። ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ሕርቃንን ምረትን ኣርሕቑ። (ቈሎሴ 3:⁠8) ቀልጢፍኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠4, 7) ነቲ ሕማቕ ነገር እናጸላእኩም: ኣብቲ ምስ ውሉድኩም እትገብርዎ ርክብ ተረርትን ሓራቓትን ምዃን ኣወግዱ። ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ድማ ወለዲ ጽቡቕ ኣብነት ክዀኑ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ድማ ኣደልዲሎም ክሕዙ ክጽዕሩ ኣለዎም።

ክዓሉ ዝቘረጸ ውሉድ ምስ ዝህሉ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል

24. ሓድሓደ እዋን እንታይ ዘሕዝን ኵነታት ኢዩ ኣብ ሓንቲ ናይ ክርስትያን ስድራቤት ዝለዓል: ወለዲኸ ብኸመይ ክምልስሉ ኣለዎም፧

24 ኣብ ገለ ጕዳያት እቲ መንእሰይ ዓለወኛ ክኸውንን ንክርስትያናዊ መምርሒታት ፈጺሙ ክገድፍን ንጹር ውሳነ ይገብር ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣብ ምዕቃብ ወይ ድማ ኣብ ምህናጽ ኣትኵሮ ክግበር ኣለዎ። ኵሉ ኣቓልቦኹም ናብቲ ዓለወኛ ብምግባር: ነቶም ካልኦት ቈልዑ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። ነቲ ግድላት ካብቶም ካልኦት ኣባላት እቲ ስድራቤት ክትሓብኡ ኣብ ክንዲ ምፍታን: ነቲ ጕዳይ ክሳዕ እቲ ዝግባእን ብዘተኣማምን መገድን ልክዕን ተመያየጥሉ።​—⁠ምስ ምሳሌ 20:⁠18 ኣረኣእይዎ።

25. (ሀ) ኣገባብ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምስዓብ: ሓደ ቈልዓ ዓለወኛ ንምዃን ምስ ዝቘርጽ እቶም ወለዲ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ (ለ) ሓደ ካብቶም ደቆም ምስ ዝዓሉ: ወለዲ ክዝክርዎ ዘለዎም ነገር እንታይ ኢዩ፧

25 ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ: ሰላምውን ኣይትበልዎ” ብምባል ብዛዕባ ሓደ ኣብታ ጉባኤ ዝነበረ ዘይዕረ ዓለወኛ ተዛሪቡ ኣሎ። (2 ዮሃንስ 10) ወለዲ እውን እቲ ውሉዶም ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐን ፈጺሙ ድማ ዓለወኛን ምስ ዝኸውን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቕዋም ክወስዱ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ስጕምቲ እዚ ከቢድን ኣሸጋርን እኳ እንተዀነ: ነቶም ዝተረፉ ኣባላት እቲ ስድራቤት ንምክልኻል ግን ሓድሓደ እዋን ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቤትኩም ናትኩም ዕቑባን ቀጻሊ ትዕዝብትን የድልያ ኢዩ። ስለዚ ድማ ብንጹር እተገልጸ: ግናኸ ምኽንያታዊ ዝዀነ ናይ ኣካይዳ ደረት ዓቅቡ። ምስቶም ካልኦት ቈልዑ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ። ኣብ ቤት ትምህርትን ጉባኤን ከመይ ምህላዎም ንምፍላጥ ተገደሱ። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ዓለወኛ ውሉድ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዘይትፈትውዎ እኳ እንተዀንኩም: ነቲ ውሉድ ግን ከም ዘይትጸልእዎ ኣፍልጥዎም። ነቲ ውሉድ ዘይኰነስ ነቲ ሕማቕ ተግባራት ኰንንዎ። እቶም ክልተ ደቂ ያእቆብ ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ጭከና ኣብታ ስድራቤት ሽግር ምስ ኣምጽኡ: ያእቆብ ነቲ ጭከና ዝመልኦ ሕርቃኖም ድኣምበር: ነቶም ውሉዳቱ ኣይረገሞምን።​—⁠ዘፍጥረት 34:⁠1⁠-​31፣ 49:⁠5⁠-​7

26. ጻዕረኛታት ወለዲ ሓደ ካብ ደቆም ዓለወኛ ምስ ዝኸውን ካብ እንታይ ኢዮም መጸናንዒ ክረኽቡ ዝኽእሉ፧

26 ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራቤትኩም ዘጋጠመ ነገር ተሓተቲ ኰይኑ ይስምዓኩም ይኸውን። እንተዀነ ግን: ንምኽሪ የሆዋ ብምስዓብን ከም ዓቕምኹም ብጸሎት ዝከኣለኩም ገይርኩም እንተድኣ ኴንኩም: ምኽንያታዊ ብዘይኰነ መገዲ ንገዛእ ርእስኹም ክትወቕሱ ኣየድልን ኢዩ። ዋላ ሓደ እውን ይኹን ጐደሎ ዘይብሉ ወላዲ ክኸውን ከም ዘይክእል: ንስኹም ግን ጥንቁቓት ክትኰኑ ምጽዓርኩም ስለ ዘርኣኹም ዘጸናንዕ ኢዩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠26 ኣረኣእይዎ።) ኣብታ ስድራቤት: ዝወጸሉ ዓለወኛ ክህሉ ብጓሂ ኣሕርር ዘብል ኢዩ: ኣብ ስድራቤትኩም ከምኡ ምስ ዘጋጥም ግን ኣምላኽ ከም ዝርድኣልኩምን ነቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ድማ ፈጺሙ ከም ዘይገድፎምን ኣረጋግጹ። (መዝሙር 27:⁠10) ስለዚ እምበኣር: ንቤትኩም ዝዀነ ይኹን ዝተረፈ ውሉድ ዕቑባን መንፈሳዊ ጸግዒ ዝርከባን ኰይና ክትቅጽል ወስኑ።

27. ናይቲ ኰብላሊ ውሉድ ምሳልያዊ ዛንታ ብምዝካር: ወለዲ ብዛዕባ ሓደ ዓለወኛ ውሉድ ኵሉ ግዜ እንታይ ኢዮም ተስፋ ክገብሩ ዝኽእሉ፧

27 ብተወሳኺ ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ። እቲ ግቡእ ምልምማድ ንምሃብ ኣቐዲምኩም ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ: ጸኒሑ ንልቢ እቲ ዓለወኛ ውሉድ ተንኪፉ ናብ ኣእምርኡ ከም ዝምለስ ይገብሮ ይኸውን ኢዩ። (መክብብ 11:⁠6) ብዙሓት ናይ ክርስትያናት ስድራቤት ከምቲ ናትኩም ሽግር ኣለወን: ገሊኣቶም ድማ ከምቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኰብላሊ ውሉድ ኣብ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቦ: እቶም ዓለወኛታት ደቆም ናብኦም ክምለሱ ርእዮም ኢዮም። (ሉቃስ 15:⁠11⁠-​32) ንዓኹም እውን ከምኡ ከጋጥመኩም ይኽእል ኢዩ።