ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተ

ሓደ ኣባል እታ ስድራቤት ምስ ዝሓምም

ሓደ ኣባል እታ ስድራቤት ምስ ዝሓምም

1, 2. ሰይጣን ንናይ እዮብ ንጽህና ንምብልሻው: ዘሕዝን ፍጻሜታትን ሕማምን እተጠቕመ ብኸመይ ኢዩ፧

 እቲ እዮብ እተባህለ ሰብኣይ ሓደ ካብቶም ሓጐስ ስድራቤት ዘስተማቐሩ ምንባሩ ርግጽ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኻብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ” ነበረ ብምባል ይጽውዖ። ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን: ኵልዅሎም ዓሰርተ ቈልዑ ነበርዎ። ንስድራቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ክኣልየሉ ዝኽእል ሃብቲ እውን ነይርዎ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ዝበለጸ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት መሪሕነት ይወስድ ነበረ: ብዛዕባ እቲ ደቁ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበሮም ኣቕዋም ድማ ይግድስ ነበረ። እዚ ዅሉ ድማ ዝጠበቐን ሓጐስ ዘለዎን ስድራቤት ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ።​—⁠እዮብ 1:⁠1⁠-​5

2 እቲ ቀንዲ ጸላኢ የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን: ነቲ ናይ እዮብ ኵነታት ከይተዓዘቦ ኣይተረፈን። እቲ ብቐጻሊ ንጽህና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምብልሻው ሃለው ዝብል ሰይጣን ነቲ ሓጐስ ዝነበሮ ስድራቤቱ ብምዕናው ንእዮብ ኣጥቅዖ። ድሕርዚ “ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቍስለተ ስጋ ወቕዖ።” ስለዚ ድማ ሰይጣን ነቲ ናይ እዮብ ንጽህና ንምብልሻው ዘሕዝን ፍጻሜታትን ሕማምን ተጠቕመ።​—⁠እዮብ 2:⁠6, 7

3. ምልክታት ናይቲ ንእዮብ ዝሓዞ ሕማም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንእዮብ ዝወረዶ መጥቃዕቲ እንታይ ምንባሩ ሕክምናዊ ስም ኣይህብን ኢዩ። ናይቲ ሕማም ምልክታት ግን ይነግር ኢዩ። ስግኡ ሓሲኹ: ቈርበቱ ኸኣ ይነዝዕን መሽምሹን ነበረ። ትንፋስ እዮብ ዘስገድግድ: ኣካላቱ ድማ ሕማቕ ጨና ይጨኑ ነበረ። ብርቱዕ ቃንዛ ነበሮ። (እዮብ 7:⁠5፣ 19:⁠17፣ 30:⁠17, 30) እዮብ ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ቃንዛ ኣብ ሓሙዅሽቲ ኮፍ ኢሉ ብገልዒ ይሓክኽ ነበረ። (እዮብ 2:⁠8) ብሓቂ ዘሕዝን ትርኢት ኢዩ ነይሩ!

4. ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንታይ ተመክሮ ኢዩ ዘጋጥማ፧

4 ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ሕማም ምስ ዘጋጥመኩም እንታይ ምገበርኩም፧ ኣብዚ እዋን እዚ ሰይጣን ከምቲ ንእዮብ ዝገበሮ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሕማም ኣይወቕዖምን ኢዩ። ገና ግን ብምኽንያት ሰብኣዊ ዘይፍጽምና: ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥም ጸቕጢ: ከምኡውን ብሰንኪ እቲ እናተባላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኣከባቢ ኣባላት ስድራቤት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክሓሙ ይኽእሉ ኢዮም። ዋላ እኳ ከምቲ ናይ እዮብ ዝሳቐዩ ውሑዳት እንተዀኑ: መከላኸሊ ኢልና እንገብሮ ነገራት እናሃለወ እውን ኵላትና ንሕማም እተቓላዕና ኢና። ንቤትና ሕማም ክኣትዋ ከሎ: ብሓቂ ብድሆ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ምስ እዚ ኵሉ ግዜ ዘሎ ጸላኢ ደቅሰብ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ንኽንዕወት: መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ንርአ።​—⁠መክብብ 9:⁠11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

ብዛዕብኡ ከመይ ይስመዓካ፧

5. ግዝያዊ ዝዀነ ሕማም ከጋጥም ከሎ ኣባላት ስድራቤት መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ኢዮም ዝምልስሉ፧

5 እቲ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ካብቲ ልሙድ ዝዀነ ዕዮታትካ ክትዘናበል ኵሉ ግዜ ከቢድ ኢዩ: ብፍላይ ድማ እዚ ሓቂ ዝኸውን እቲ ምዝንባል ብሰንኪ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ሕማም ምስ ዝኸውን ኢዩ። ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ሕማም እውን ከይተረፈ ምትዕርራይ: ነቲ ኵነታት ምቕባል: ከምኡውን መስዋእቲ ምግባር ይሓትት ኢዩ። እቲ ዝሓመመ ሰብ ምእንቲ ከዕርፍ እቶም ጥዑያት ኣባላት እታ ስድራቤት ቀስ ክብሉ የድልዮም ይኸውን። ገለ ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ክሓድጉ እውን የድልዮም ይኸውን ኢዩ። ገና ግን: ኣብ መብዛሕትኡ ስድራቤት ንኣሽቱ እውን ከይተረፉ ዋላ እኳ ሓሓሊፉ ክጥንቀቑ ምዝኽኻሮም ዘድሊ እንተዀነ: ነቲ ዝሓመመ ሓዎም ወይ ሓፍቶም ወይ ድማ ወላዲኦም ይድንግጽሉ ኢዮም። (ቈሎሴ 3:​12) ግዝያዊ ሕማም ምስ ዝኸውን: እታ ስድራቤት ዘድሊ ነገራት ንምግባር ቅርብቲ ኢያ። ብዘይካ እዚ ድማ ዝዀነ ይኹን ኣባል እታ ስድራቤት ምስ ዝሓምም: ከምኡ ሓልዮት ክግበረሉ ኢዩ ተስፋ ዝገብር።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠12

6. ሓደ ኣባል ስድራቤት ከቢድን ነባርን ዝዀነ ሕማም ምስ ዝሓምም: ሓድሓደ እዋን ከመይ ዝበለ ስምዒት ኢዩ ዝርአ፧

6 ይኹን እምበር: እቲ ሕማም ከቢድ: እቲ ዘስዕቦ ምዝንባል ድማ ሃንደበታውን እተናውሐን ምስ ዝኸውንከ፧ ንኣብነት: ሓደ ካብቶም ኣባላት ስድራቤት ሃንደበታዊ ብዝዀነ ወቕዒ ምስ ዝለምስ: ወይ ብሰንኪ ኣልዜመርስ እተባህለ ሕማም ምስ ዝስንክል: ወይ ብገለ ኻልእ ሕማም ሓይሉ ምስ ዝዳኸም እንታይ ይኹን፧ ወይ እውን ሓደ ኣባል እታ ስድራቤት ሽዞፍረንያ እተባህለ ናይ ኣእምሮ ሕማም ምስ ዝሓምምከ፧ ኣብ መጀመርታ እታ ስድራቤት ብሓባር እተርእዮ ነገር ድንጋጽ​—⁠እቲ እተፍቅሮ ሰብ ኣዝዩ ይሳቐ ብምህላዉ ምሕዛን ኢዩ። ይኹን እምበር: ምሕዛን ካልእ ነገራት እውን ክስዕቦ ይኽእል ኢዩ። እቶም ኣባላት ስድራቤት ብሰንኪ ናይ ሓደ ሰብ ሕማም ኣጸቢቖም ምስ ተተንከፉን ዝነበሮም ናጽነት ምስ ተደረተን: ክሓርቁ ይጅምሩ ይዀኑ። “ስለምንታይ ኢዩ ንዓይ እዚ ዘጋጠመኒ፧” ብምባል ይሓቱ ይዀኑ።

7. እዮብ ምስ ሓመመ ሰበይቱ እንታይ ገበረት: ዝረስዓቶ ነገርከ እንታይ ኢዩ፧

7 ኣብ ኣእምሮ ሰበይቲ እዮብ ተመሳሳሊ ነገር ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ደቃ ድሮ ሞይቶም ምንባሮም ዘክሩ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜታት ከጋጥም ከሎ: ብዘይ ጥርጥር ናብ ምዕባድ ገጻ ከይዳ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ መወዳእታ እቲ ንጡፍን ሓያልን ዝነበረ ሰብኣያ ብዘቐንዙ: ዘስገድግድ ሕማም ተወቒዑ ምስ ረኣየቶ: ንዅሉ እቲ ዘሕዝን ፍጻሜታት ኣንጸላልይዎ ዝነበረ ኣገዳሲ ረቛሒ: ማለት ነቲ ንሳን ሰብኣያን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ዝረስዓቶ ኢያ እትመስል ነይራ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሽዑ እታ ሰበይቱ [ንእዮብ]፤ ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር አሎኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት: በለቶ” ይብል።​—⁠እዮብ 2:⁠9

8. ሓደ ኣባል ስድራቤት ኣዝዩ ምስ ዝሓምም: እቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤት እንታይ ጥቕሲ ምስ ዝዝክሩ ኢዮም ግቡእ ኣረኣእያ ክህልዎም ዝሕግዝ፧

8 ብሰንኪ ናይ ሓደ ሰብ ሕማም ናብርኦም ብሃንደበት ምስ ዝል​ወጥ ብዙሓት ተስፋ ይቘርጹ: አረ ይሓርቁ እውን ኢዮም። ገና ግን ብዛዕባ እቲ ኵነታት ዝርዳእ ክርስትያን እቲ ኣጋጣሚ ፍቕሩ ክሳዕ ክንደይ ሓቀኛ ምዃና ንምርግጋጽ ከም ዘኽእሎ ክግንዘብ ኣለዎ። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ‘ዓቃል: ለዋህ ኢያ: ናታ ኣይትደልን: ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትኣምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ ኢያ።’ (1 ቈረንቶስ 13:⁠4 -​7) ስለዚ እምብኣር: ኣሉታዊ ስምዒታት ክዕብልለና ኣብ ክንዲ እነፍቅድ: ንኽንቈጻጸሮ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠21

9. ሓደ ኣባል ስድራቤት ከቢድ ሕማም ምስ ዝሓምም እንታይ መረጋገጺ ምሃብ ኢዩ ነታ ስድራቤት ብመንፈሳውን ስምዒታውን ክሕግዛ ዝኽእል፧

9 ሓደ ኣባል ናይታ ስድራቤት ኣጸቢቑ ምስ ዝሓምም: ነቲ መንፈሳውን ስምዒታውን ድሕንነት ናይታ ስድራቤት ንምሕላው እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ነፍሲ ወከፍ ሕማም ነናቱ ክንክንን ሕክምናን ከም ዘድልዮ ሓቂ ኢዩ: ስለዚ ድማ ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ዝዀነ ይኹን ሕክምናዊ ወይ ድማ ኣብ ገዛ ክግበር ዘለዎ ነገራት ምዝርዛር ቅኑዕ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ የሆዋ “ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም” ኢዩ። (መዝሙር 145:⁠14) ንጉስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ: እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። . . . ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ: እግዚኣብሄር ይድግፎ።” (መዝሙር 41:⁠1⁠-​3) የሆዋ ነገልገልቱ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብስምዒት ምስ ዝፍተኑ እውን ከይተረፈ ብመንፈስ ብህይወት ይዕቅቦም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠7) ኣብ ቤቶም ከቢድ ዝዀነ ሕማም ዘሕልፉ ዘለዉ ብዙሓት ኣባላት ስድራቤት ነቲ “ኣዝየ ተጨነቕኩ: ዎ እግዚኣብሄር: ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር የቃልሕዎ ኣለዉ።​—⁠መዝሙር 119:⁠107

ናይ ምሕዋይ መንፈስ

10, 11. (ሀ) ሓንቲ ስድራቤት ንሕማም ብዓወት ክትዋጽኣሉ እንተድኣ ኰይና ኣገዳሲ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓንቲ ሰበይቲ ንሕማም ሰብኣያ ብዓወት እተዋጽኣትሉ ብኸመይ ኢያ፧

10 ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ሰብ እንተ ሐመመስ: መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል፧” ይብል። (ምሳሌ 18:⁠14) ስንባድ ንመንፈስ ናይታ ስድራቤትን ‘ንመንፈስ [እቲ] ሰብን’ ከጥቅዕ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ።” (ምሳሌ 14:⁠30) ሓንቲ ስድራቤት ንኸቢድ ሕማም ብዓወት ትዋጽኣሉ ድያ ኣይትዋጽኣሉን ብዓቢኡ ኣብ ኣመለኻኽታ ወይ ድማ መንፈስ ናይቶም ኣባላታ እተመርኰሰ ኢዩ።​—⁠ምስ ምሳሌ 17:⁠22 ኣረኣእይዎ።

11 ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ድሕሪ ምምርዓዎም ሽዱሽተ ዓመታት ጥራይ ጸኒሑ ሰብኣያ ብወቕዒ ክሓምም ብምርኣያ ክትጽመም ነበራ። ንሳ ከምዚ ኢላ ትዝክር:⁠- “በዓል ቤተይ ኣዘራርብኡ ኣጸቢቑ ተተንከፈ: ምስኡ ምዝራብ ድማ ዳርጋ ዘይከኣል ኰነ። ነቲ ክብሎ ዝደሊ ዝነበረ ነገራት ንኽትርዳእ ምጽዓር ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ።” እቲ ሰብኣይ ዘሕልፎ ዝነበረ ጓህን ተስፋ ምቝራጽን እውን ሕሰብዎ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ገበሩ፧ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዝዮም ርሒቖም ይነብሩ እኳ እንተነበሩ: እታ ሓብቲ ኵሉ እዋናዊ ሓበሬታ ናይ ማሕበር ብምርካብን በቲ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት እትረኽቦ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ መግብን ተጠቒማ ብመንፈስ ድልድልቲ ክትከውን ጸዓረት። እዚ ድማ ነቲ እትፈትዎ ሰብኣያ ኣርባዕተ ዓመታት ጸኒሑ ክሳዕ ዝመውት ንኽትኣልዮ መንፈሳዊ ብርታዐ ሃባ።

12. ኣብ ኵነታት እዮብ ከም እተራእየ: እቲ ዝሓመመ ሓድሓደ እዋን እንታይ ኣበርክቶ ኢዩ ክገብር ዝኽእል፧

12 ናይ እዮብ ኵነታት እንተረኣና ባዕሉ እቲ ውጹዕ ኢዩ ጸኒዑ ዝቐጸለ። ንሰበይቱ “ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ: ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ፧” ኢሉ ሓተታ። (እዮብ 2:⁠10) እቲ ወደ መዝሙር ያእቆብ ጸኒሑ ንእዮብ ከም ብሉጽ ኣብነት ናይ ትዕግስትን ምጽማምን ገይሩ እንተ ጠቐሶ ዘገርም ኣይኰነን! ኣብ ያእቆብ 5:⁠11 “ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” ዝብል ነንብብ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን ብተመሳሳሊ: እቲ ትብዓት እተሓወሶ ኣረኣእያ ናይቲ ዝሓመመ ኣባል ስድራቤት ነቶም ኣብታ ቤት ዘለዉ ካልኦት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽዕቅቡ ሓጊዝዎም ኢዩ።

13. ከቢድ ሕማም ዘጋጥማ ዘሎ ስድራቤት: ከመይ ዝበለ ምውድዳር ኢያ ክትገብር ዘይብላ፧

13 ኣብ መጀመርታ እቶም ኣባላት ስድራቤት ነቲ ኵነታት ክቕበልዎ ከቢድ ምዃኑ መብዛሕትኦም እቶም ከምዚ ዘጋጠሞም ሰባት ይሰማምዕሉ ኢዮም። እቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣዝዩ ኣገደሲ ምዃኑ እውን ይሕብሩ ኢዮም። ኣብ መጀመርታ እቲ ኣብቲ ቤት ዝግበር ለውጥታትን ምትዕርራያትን ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ጻዕሪ እንተድኣ ገይሩ: ነቲ ዘጋጠመ ሓድሽ ኵነታት ክለምዶ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ክንገብር ከሎና ኵነታትና ምስ ኵነታት እቶም ኣብ ስድራቤቶም ዝሓመመ ሰብ ዘይብሎም ከነወዳድሮ የብልናን: ናብርኦም ቀሊል ከም ዝዀነ ገይርና ብምሕሳብ ድማ እዚ ‘ዘይፍትሓዊ ኢዩ!’ ክንብል ኣይግባእን። ካልኦት እንታይ ጾር ተሰኪሞም ይኸዱ ከም ዘለዉ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ከም ዘየለ ሓቂ ኢዩ። ኵሎም ክርስትያናት ካብቲ የሱስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል እተዛረቦ ቃላት ምጽንናዕ ይረኽቡ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28

ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገራት ምስራዕ

14. እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገር ብግቡእ ምስራዕ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

14 ከቢድ ዝዀነ ሕማም ምስ ዘጋጥም እታ ስድራቤት ነቲ ‘ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ህቃኔታት ይጸንዕ’ ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ክዝክሩ ጽቡቕ ኢዩ። (ምሳሌ 15:⁠22) እቶም ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ኰይኖም ብምኽንያት እቲ ሕማም ዝመጸ ኵነታት ክመያየጡ ይኽእሉዶ፧ ብጸሎትን መምርሒ ደሊኻ ናብ ቃል ኣምላኽ ብምጥማትን ከምዚ ምግባር ብርግጽ ግቡእ ኢዩ። (መዝሙር 25:⁠4) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ምይይጥ ክግበር ዘለዎ፧ ሕክምናዊ: ገንዘባዊ: ከምኡውን ንስድራቤት ዝምልከት ውሳነ ክግበሮ ዘለዎ ነገራት ኣሎ። እቲ ቀንዲ ኣላዪ ክኸውን ዘለዎ መን ኢዩ፧ ነዚ ምእላይ እዚ ንምድጋፍ እታ ስድራቤት ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧ እቲ ዝግበር መደባት ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ስድራቤት ብኸመይ ይትንክፎ፧ መንፈሳውን ካልእ ድሌታትን ናይቲ ነቲ ሕሙም ዝኣሊ ዘሎ ሰብ ብኸመይ ክሕሎ ይከኣል፧

15. የሆዋ ነተን ከቢድ ሕማም ዘጋጥመን ዘሎ ስድራቤታት እንታይ ደገፍ ኢዩ ዝገብረለን፧

15 መምርሒ የሆዋ ደሊኻ ካብ ልቢ ምጽላይ: በቲ ቃሉ ምስትንታን: ከምኡውን በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕብሮ መገዲ ምኻድ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ዝዀነ በረኸታት ዘምጽእ ኢዩ። እቲ ኣባል ስድራቤት ሓሚምዎ ዘሎ ዓይነት ሕማም ኵሉ ግዜ ምምሕያሽ ዘርኢ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ የሆዋ ምምርኳስ ኵሉ ግዜ ናብ ዝበለጸ ውጽኢት ዝመርሕ ኢዩ። (መዝሙር 55:⁠22) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐይታየ: እግረይ ኣንደልሀጸ ምስ በልኩ: ጸጋኻ ደገፈኒ። ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 94:⁠18, 19፣ መዝሙር 63:⁠6⁠-​8 እውን ርኣዩ።

ነቶም ቈልዑ ምሕጋዝ

እታ ስድራቤት ሓቢራ ክትዓዪ ኸላ: ግድላት ክፍታሕ ይኽእል ኢዩ

16, 17. ብዛዕባ ሕማም ናይ ሓደ ካብቶም ውሉድ ምስ ቈልዑ ምይይጥ ክግበር ከሎ እንታይ ነጥብታት ኢዩ ክጥቀስ ዝከኣል፧

16 ከቢድ ሕማም ነቶም ኣብታ ስድራቤት ዘለዉ ቈልዑ ሽግራት ከምጽኣሎም ይኽእል ኢዩ። ወለዲ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኵነታት እንታይ ምግባር ከም ዘድልዮ: ንሳቶም ድማ ንኽሕግዙ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ንኽርድኡ ክሕግዝዎም ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ዝሓመመ ቈልዓ ምስ ዝኸውን: እቲ ዝግበረሉ ዘሎ እተፈልየ ኣቓልቦን ሓልዮትን ካብቶም ካልኦት ንላዕሊ ስለ ዝፍቶ ከም ዘይኰነ እቶም ካልኦት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ክርድኡ ክሕገዙ ኣለዎም። ቂም ወይ ድማ ቅንኢ ክዓቢ ኣብ ክንዲ ዘፍቅዱ: እቶም ወለዲ ነቶም ካልኦት ውሉዳት ኣብ ንሓድሕዶም ጥብቂ ርክብ ክምስርቱ: ብሰንኪ እቲ ሕማም ንእተፈጥረ ኵነታት ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበሩ ከለዉ ድማ ናይ ሓቂ ምፍታው ከርእዩ ክሕገዙ ኣለዎም።

17 እቶም ወለዲ ብዛዕባ እቲ ሕክምናዊ ኵነታት ነዊሕ ወይ ድማ እተሓላለኸ መግለጺታት ኣብ ክንዲ ዝህቡ ስምዒት ክትንክፍ ብዝኽእል መገዲ ገይሮም ምስ ዝዛረብዎም: እቶም ንኣሽቱ መብዛሕትኡ እዋን ጽቡቕ መልሲ ኢዮም ዘርእዩ። ስለዚ ድማ እቲ ዝሓመመ ኣባል ስድራቤት ዘሕልፎ ዘሎ ገለ ነገራት ክገልጹሎም ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ጥዑያት ቈልዑ እቲ ዝሓመመ ቈልዓ ብሰንኪ ጥዕንኡ ነቲ ንሳቶም ዝረኽብዎ ዘለዉ ግን ብዙሕ ዘየስተብህልሉ ነገራት ካብ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ከም እተጠልየ እንተድኣ ተረዲኦም: ብዝያዳ ‘ሕውነት ዘፍቅሩ’ ከምኡውን “ለዋሃት” ከም ዝገብሮም ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠8

18. እቶም ዕብይ ዝበሉ ቈልዑ ነቲ ብሰንኪ ሕማም ስዒቡ ዘሎ ግድላት ንኽርድኡ ብኸመይ ክሕገዙ ይኽእሉ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክጠቕሞም ዝኽእል፧

18 እቶም ዕብይ ዝበሉ ቈልዑ ከቢድ ኵነታት ኣጋጢሙ ምህላዉ: ኣብታ ስድራቤት ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ መስዋእቲ ክገብር ዝሓትት ምዃኑ ክግንዘቡ ክሕገዙ ኣለዎም። ንሓካይምን ኣፋውስን ዝኽፈል ገንዘብ ብምህላዉ: እቶም ወለዲ ነቶም ካልኦት ቈልዑ ከምቲ ዝደለይዎ ኣይገብርሎምን ይዀኑ። እቶም ቈልዑ በዚ ክጕህዩ: ከምኡውን እተረስዑ ኰይኑ ክስምዖም ይግባእዶ ኢዩ፧ ወይስ ነቲ ኵነታት ተረዲኦም እቲ ዘድሊ መስዋእቲ ክገብሩ ኢዮም፧ ብዓቢኡ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኵነታት እተገብረ ምይይጥን ኣብታ ስድራቤት ዘሎ መንፈስን እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ሓደ ካብቶም ኣባላት ስድራቤት ክሓምም ከሎ ነቶም ቈልዑ ነቲ “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ዝብል ምኽሪ ጳውሎስ ንኸላማምድዎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:⁠3, 4

ሕክምና ብኸመይ ክርአ ከም ዘለዎ

19, 20. (ሀ) ሓደ ኣባል ስድራቤት ምስ ዝሓምም እቶም ርእሲ ስድራቤት እንታይ ሓላፍነት ኢዮም ዝስከሙ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ እኳ ናይ ሕክምና መወከሲ መጽሓፍ እንተዘይኰነ: ንሕማም ብዓወት ንኸተሰንፍ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ መምርሒ ዝህብ፧

19 ሚዛናውያን ክርስትያናት ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝጻረር ክሳዕ ዘይኰነ ሕክምና ኣይቃወሙን ኢዮም። ሓደ ኣባል ስድራቤቶም ምስ ዝሓምም: ካብ ስቓዩ ንምንጋፍ ኢሎም ሓገዝ ክረኽቡ ሃለው ኢዮም ዝብሉ። ገና ግን ከነመዛዝኖ ዘሎና ተገራጫዊ ዝዀነ ናይ ክኢላታት ርእይቶ እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ተወሰኽቲ ሓደስቲ ሕማማትን ምዝንባላትን ይቕልቀሉ ኣለዉ: ንመብዛሕትኦም ድማ ብሓፈሻ ተቐባልነት ዘለዎ ሕክምና የብሎምን። ሓድሓደ ግዜ ልክዕ ዝዀነ ምርመራ ምርካብ እውን ከይተረፈ ከቢድ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ሓደ ክርስትያን እንታይ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧

20 ዋላ እኳ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ሓኪም እንተነበረ ከምኡውን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዓርኩ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ሓጋዚ ዝዀነ ሕክምናዊ ምኽሪ እንተሃቦ: ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ሕክምና መወከሲ መጽሓፍ ዘይኰነስ ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን መምርሒታት ዝሓዘ መጽሓፍ ኢዩ። (ቈሎሴ 4:⁠14፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠23) ስለዚ ድማ ንሕክምና ዝምልከት ነገራት እቶም ርእሲ ናይ ክርስትያን ስድራቤት ናይ ገዛእ ርእሶም ሚዛናዊ ውሳነ ክገብሩ ኣለዎም። ምናልባት ካብ ናይ ሓደ ክኢላ ርእይቶ ንላዕሊ ኣድላዪ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 18:⁠17 ኣረኣእይዎ።) እቲ ዝሓመመ ኣባል ስድራቤቶም እቲ ክህሉ ዝኽእል ዝበለጸ ሓገዝ ክረክብ ኢዮም ዝደልዩ: መብዛሕትኦም ድማ ነዚ ካብቶም ስርዓታውያን ናይ ሕክምና ዶክተራት ኢዮም ክረኽብዎ ዝጽዕሩ። ገሊኣቶም ከም ቅያር ኰይኑ ዘገልግል ቴራፒ ክገብሩ ይፈዅሶም ይኸውን። እዚ እውን እንተዀነ: ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ። ገና ግን ክርስትያናት ናይ ጥዕና ግድላት ክዋጽእሉ ከለዉ: ንቓል ኣምላኽ ‘ንእግሮም መብራህቲ ንመገዶም ድማ ብርሃን’ ካብ ምግባር ኣየቋርጹን ኢዮም። (መዝሙር 119:⁠105) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መምርሒታት ምስዓብ ይቕጽሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 55:⁠8, 9) ስለዚ ድማ: ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ ናይ ምርመራ ኣገባባት የወግዱ: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥሕስ ሕክምናታት ከኣ የርሕቑ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 36:⁠9፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29፣ ራእይ 21:⁠8

21, 22. ሓንቲ ጓል እስያ ሰበይቲ ንሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ብኸመይ ኢያ ተረዲኣቶ: እቲ ዝገበረቶ ውሳነ ኣብቲ ኵነታታ ቅኑዕ ምዃኑ እተራእየኸ ብኸመይ ኢዩ፧

21 ኵነታት ናይዛ ጓል እስያ መንእሰይ ሰበይቲ ርኣዩ። ምስ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ብምግባር መጽሓፍ ቅዱስ ክትማሃር ድሕሪ ምጅማራ: ዕድሜኣ ዘይኣኸለ 1,470 ግራም እትምዝን ቈልዓ ወለደት። እታ ቈልዓ ብእእምሮ ዘይትዓቢ: ብእግራ ክትንቀሳቐስ ድማ ዘይትኽእል ምዃና እቲ ሓኪም ምስ ነገራ እታ ሰበይቲ ኣዝያ ጐሃየት። ነታ ቈልዓ ናብ መዕቈቢ ትካል ከተእትዋ መኸራ። ሰብኣያ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ተጠራጠረ። ናብ መን ኢያ ክትጽጋዕ እትኽእል፧

22 ከምዚ ትብል:⁠- “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር  . . . ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ’ ምዃኑ ክማሃር ይዝከረኒ።” (መዝሙር 127:⁠3) ነዛ “ውህበት” እዚኣ ናብ ቤታ ወሲዳ ክትከናኸና ወሰነት። ኣብ መጀመርታ እቲ ኵነታት ከቢድ ኢዩ ነይሩ: ብሓገዝ ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ግን እታ ሰበይቲ ነቲ ኵነታት ክትክእሎን ነታ ቈልዓ ዘድልያ ፍሉይ ደገፍ ክትገብርን ከኣለት። ድሕሪ ዓሰርተ ኽልተ ዓመታት እታ ቈልዓ ኣኼባታት ንምክፋል ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ትኸይድን ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ መንእሰያት ሕብረት ተስተማቕርን ነበረት። እታ ኣደ ከምዚ ኢላ ሓሳብ ትህብ:⁠- “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ንምግባር ስለ ዘለዓዓለኒ ኣዝየ ኢየ ዘመስግን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽጹይ ሕልና ክሕዝን ኣብ ብምሉእ ህይወተይ ምሳይ ዝቕጽል ጣዕሳ ከይህልወንን ሓጊዙኒ ኢዩ።”

23. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዝሓመሙን ነቶም ንዕኦም ዝኣልዩን እንታይ ምጽንናዕ ኢዩ ዝህብ፧

23 ሕማም ንዘለኣለም ምሳና ኣይክነብርን ኢዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ ‘ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሕማቕ [“ሕሙም:” NW  ] ኢየ’ ዘይብለሉ እዋን ኣቐዲሙ ሓቢሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:⁠24) እዚ መብጽዓ እዚ ኣብታ ኣዝያ እናቐረበት እትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓለም ክፍጸም ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ምስ ሕማምን ሞትን ኢና ክንነብር። እቲ ዘሐጕስ ግን ቃል ኣምላኽ መምርሕን ሓገዝን ይህበና ኢዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ናይ ኣነባብራ መሰረታዊ መምርሒ ዘለኣለማዊ ኢዩ: ነቲ ኵሉ ግዜ ዝለዋወጥ ርእይቶታት ናይ ዘይፍጹማት ሰባት ድማ ዝሓልፎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ሓደ ጥበበኛ ሰብ ምስቲ “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። . . . ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ: ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። . . . ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ይሰማማዕ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 19:⁠7, 9, 11