ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተ ሰለስተ

ሓዳር ኣብ ደንደስ ምፍራስ ምስ ዝበጽሕ

ሓዳር ኣብ ደንደስ ምፍራስ ምስ ዝበጽሕ

1, 2. ሓዳር ኣብ ቅልውላው ምስ ዝወድቕ: እንታይ ሕቶ ኢዩ ክሕተት ዘለዎ፧

 ብ1988 ሉችያ እተባህለት ኢጣልያዊት ሰበይቲ ኣዝያ ተጨነቐት። a ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ሓዳራ ናብ ምፍራስ ገጹ ይኸይድ ነበረ። ምስ ሰብኣያ ክትተዓረቕ ብዙሕ ግዜ ጸዓረት: እንተዀነ ግን ኣይሰለጣን። ስለ ዘይተጋጠሙ ድማ ተፈላለየት: ኣብዚ እዋን እዚ ንበይና ክልተ ኣዋልድ ደቃ ተዕቢ ኣላ። ሉችያ: ነቲ እዋን እቲ ብምዝካር “ዋላ ሓደ ነገር ከዐርዮ ዝኽእል ከም ዘይነበረ ርግጸኛ ነበርኩ” ትብል።

2 ኣብ ሓዳርኩም ግድላት ምስ ዝህልወኩም: ናይ ሉችያ ስምዒት ክርድኣኩም ይኽእል ኢዩ። ሓዳርኩም ኣብ ወጥሪ ብምህላዉ: ክቕ​ጽል ድዩ ኣይቅጽልን ትሓስቡ ትህልዉ። ኵነታትኩም ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ: ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ምምርማር ሓጋዚ ኰይኑ ክትረኽብዎ ኢኹም:⁠- ነቲ ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ዝሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣምላኽ ዝሃቦ ኵሉ ጽቡቕ ምኽሪ ስዒበዮዶ ኢየ፧​—⁠መዝሙር 119:⁠105

3. ዋላ እኳ ፍትሕ ልሙድ እንተዀነ: ኣብ ብዙሓት እተፋትሑ ሰባትን ስድራቤቶምን እንታይ ከም ዝርአ ኢዩ ጸብጻብ ዝንገር፧

3 ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብርቱዕ ወጥሪ ምስ ዝህሉ: ነቲ ሓዳር ምፍራሱ እቲ ዝውሰድ ዝቐለለ ስጕምቲ መሲሉ ክርአ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሃገራት ብዙሕ ምፍራስ ስድራቤታት የጋጥመን እኳ እንተሎ: ኣብዚ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ግን ዝዓበየ ሚእታዊት ናይቶም እተፋትሑ ሰብኡትን ኣንስትን ይጣዓሱ ኢዮም። ብዙሓት ካብኣቶም: ካብቶም ሓዳሮም ዘይፈረሰ ንላዕሊ ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ናይ ጥዕና ግድላት ይሳቐዩ ኢዮም። ንደቂ እቶም እተፋትሑ ሰባት ዘጋጥሞም ምድንጋርን ጓህን መብዛሕትኡ እዋን ንዓመታት ዝጸንሕ ኢዩ። ወለድን መሓዙትን ናይቶም ስድራቤቶም ዝፈረሰ ሰባት እውን ይሳቐዩ ኢዮም። እቲ መናጪ ሓዳር ዝዀነ ኣምላኽከ ነቲ ኵነታት ብኸመይ ይርእዮ፧

4. ኣብ ሓዳር ዝፍጠር ግድላት ብኸመይ ኢዩ ክፍታሕ ዘለዎ፧

4 ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋት ከም ዝረኣናዮ: ኣምላኽ ማእሰር ሓዳር ንዘለኣለም ክቕጽል ኢዩ ዕላምኡ። (ዘፍጥረት 2:⁠24) እሞ ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ብዙሕ ሓዳር ዝፈርስ፧ ብሃንደበት ከየጋጥም ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት የርኢ ኢዩ። ኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ንኣሽቱ ግድላት እናዓበዩ ብምኻድ መፍትሒ ዘይብሎም መሲሎም ክረኣዩ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ግድላት እዚ ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ እንተድኣ ተፈቲሑ ግን: ዝበዝሐ ምፍራስ ሓዳር ክውገድ ይከኣል ኢዩ።

ኣብ ክውንነት እትምርኰስ ኩን

5. ኣብ ዝዀነ ይኹን ሓዳር እንታይ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኵነታት ኢኹም ትጽ​ቢት ክትገብርሉ ዘለኩም፧

5 ሓድሓደ እዋን ናብ ግድላት ክመርሕ ዝኽእል ነገር ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ካብ ብጻዮም ኣብ ክውንነት ዘይተመርኰሰ ትጽቢት ምስ ዝህልዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ፍቕሪ ልቢ ወለዳት: ህቡብ መጽሔታት: ናይ ተሌቭዥን ፕሮግራማት: ከምኡውን ፊልምታት ካብቲ ናይ ሓቂ ናብራ ዝረሓቐ ተስፋን ሕልምታትን ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። እዚ ሕልምታት እዚ ጋህዲ ምስ ዘይከውን: እቲ ሰብ እተታለለ: ዘይዕጉብ: ምረት እውን ከይተረፈ ክስምዖ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ክልተ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ሓዳር ብኸመይ ሓጐስ ክረኽቡ ይኽእሉ፧ ዕዉት ርክብ ንምፍጣር ጻዕሪ ይሓትት።

6. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ገለ ምኽንያታት ናይቲ ኣብ ሓዳር ዝፍጠር ዘይምርድዳእ እንታይ ኢዩ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ተግባራዊ ኢዩ። ነቲ ካብ ሓዳር ዝርከብ ሓጐስ ኣፍልጦ ይህበሉ ኢዩ: እንተዀነ ግን እቶም ዝምርዓዉ “ብስጋ መከራ ይረኽቡ” ምዃኖም ድማ የጠንቅቕ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠28) ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ: ክልቲኦም ብጾት ዘይፍጹማትን ንሓጢኣት እተቓልዑን ኢዮም። ናይቶም ክልተ ሰብ ሓዳር ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣሰራርሓ: ከምኡውን ኣተዓባብያ ነንበይኑ ኢዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ሓድሓደ እዋናት ብዛዕባ ገንዘብ: ቈልዑ: ከምኡውን ኣዝማድ ኣይሰማምዑን ኢዮም። ብሓባር ንምዕያይ እኹል ግዜ ዘይምህላው: ከምኡውን ናይ ጾታዊ ርክብ ግድላት ምንጪ ናይ ዘይምስምማዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። b ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንምፍታሕ ግዜ ይወስድ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣጆኹም! መብዛሕትኦም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ግድላት ብዓወት ክዋጽእሉን ናይ ሓባር መፍትሒ ክረኽብሉን ክኢሎም ኢዮም።

ንፍልልያት ተመያየጥሉ

7, 8. ኣብ መንጎ እቶም ናይ መርዓ ብጾት እተጐድአ ስምዒት ወይ ዘይምርድዳእ ምስ ዝህሉ: መፍትሒ ንምርካብ ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ኣየናይ ኢዩ፧

7 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ እተጐድአ ስምዒቶም: ዘጋጠመ ዘይምርድዳእ: ወይ ድማ ብሕታዊ ጕድለታት ክመያየጥሉ ከለዉ ርግእ ክብሉ ይኸብዶም ኢዩ። እቲ ናይ መርዓ ብጻይ ብግልጺ “ብጌጋ እተረዳእካኒ/ክኒ ይመስለኒ” ኣብ ክንዲ ምባል ስምዒታዊ ብምዃን ነቲ ግድል የጋንንኖ ይኸውን። ብዙሓት “ብዛዕባ ገዛእ ርእ​ስኻ/ኺ ጥራይ ኢኻ/ኺ እትሓስብ/ቢ” ወይ “ኣይተፍቅረንን ኢኻ⁠/ኣይተፍቅርንን ኢኺ” ይብሉ። እቲ ኻልእ ናይ መርዓ ብጻይ ድማ ምእንቲ ኣብ ክትዕ ከይኣቱ መልሲ ከይሃበ ስቕ ይብል ይኸውን።

8 ክውሰድ ዘለዎ ዝሓሸ ስጕምቲ ነቲ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ምስዓብ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠26) ሕጕሳት ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር መበል 60 ናይ መርዓኦም ዝኽረ⁠-​ዓመት ከኽብሩ ከለዉ ዕዉት ሓዳር ንኽህልዎም ዝሓገዞም ቀንዲ መፍትሕ እንታይ ምዃኑ ተሓቱ። እቲ ሰብኣይ ከምዚ በለ:⁠- “እቲ ዘይምርድዳእ ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ይኹን ብዘየገድስ: ፍልልያትና ከይፈታሕና ከይንድቅስ ለሚድና ኢና።”

9. (ሀ) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ቀንዲ ክፍሊ ናይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኰይኑ ተገሊጹ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ከምዚ ንምግባር ትብዓትን ትሕትናን ዘድሊ እኳ እንተዀነ: እቶም ናይ መርዓ ብጾት እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧

9 ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ዘይሰማምዑ: ነፍሲ ወከፎም “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ” ክዀኑ የድልዮም ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠19) ጽን ኢሎም ድሕሪ ምስማዕ: ክልቲኦም ይቕረ ክበሃሃሉ ከም ዘድልዮም ይርድኡ ይዀኑ። (ያእቆብ 5:⁠16) ብቕንዕና “ስለ ዝጐዳእኩኻ/ኺ ይቕረታ” ምባል ትሕትናን ትብዓትን ይሓትት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንግድላት በዚ መልክዕ እዚ ምፍታሕ: ነቶም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ግድላቶም ንኽፈትሑ ጥራይ ዘይኰነስ: ሓደ ምስቲ ሓደ ምዃን ደስ ከም ዘብሎም ዝገብር ምውቕን ናይ ማሕርሮን ርክብ ከማዕብሉ ኣብ ምሕጋዝ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኢዩ።

እቲ ናይ ሓዳር ዝግባእ ምግባር

10. ኣብዚ እዋን እዚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን ክዓዪ ዝኽእል ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦም መከላኸሊ እንታይ ኢዩ፧

10 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ: “ብምኽንያት እቲ ግኑን ዝነበረ ምንዝር” ክምርዓዉ ሓሳብ ኣቕረበሎም። (1 ቈረንቶስ 7:⁠2 NW  ) እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም እውን ከምታ ጥንታዊት ቈረንቶስ: አረ ካብኣ ዝገደደት ኢያ። እቲ ዓለማውያን ሰባት ብግልጺ ዝዘራረብሉ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣርእስትታት: እቲ ዘይእርኑብ ኣከዳድና: ከምኡውን እቲ ኣብ መጽሔታትን መጻሕፍትን: ኣብ ተሌቭዥን ከምኡውን ኣብ ፊልምታት ዝቃላሕ ስጋዊ ፍትወት ዘለዓዕል ዛንታታት: ኵሉ ብሓባር ተደሚሩ ዘይግቡእ ጾታዊ ድሌት ዘለዓዕል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝነብሩ ዝነበሩ ሰብ ቈረንቶስ: “ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ” በሎም።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:⁠9

11, 12. (ሀ) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ክገብርዎ ዝግባእ ነገር እንታይ ኢዩ: ብኸመይ ዝበለ መንፈስከ ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ፧ (ለ) እቲ ናይ መርዓ ዘሎ ግቡእ ንግዜኡ ዝቋረጽ ምስ ዝኸውን: እቲ ኵነታት ብኸመይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ፧

11 ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም እተመርዓዉ ክርስትያናት “ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ: ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ” ብምባል ይእዝዞም። (1 ቈረንቶስ 7:⁠3) እቲ ኣብዚ ጐሊሑ ዘሎ ምቕባል ዘይኰነስ ምሃብ ምዃኑ ኣስተብህል። እቲ ኣብ ሓዳር ዝህሉ ጥብቂ ዝዀነ ኣካላዊ ምቅርራብ ዘዕግብ ዝኸውን ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ጽቡቕ ናይቲ ሓደ ምስ ዝሓስብ ኢዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኡት ምስ ኣንስቶም “በእምሮ” ክነብሩ ይእዝዞም ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:⁠7) እዚ ብፍላይ ነቲ ናይ ሓዳር ግቡእ ኣብ ምሃብን ምቕባልን ዝውዕል ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ብለውሃት እንተድኣ ዘይተታሕዘት: ነዚ መዳይ ናይ ሓዳር እዚ ክትሕጐሰሉ ይኸብዳ ኢዩ።

12 ናይ ሓዳር ብጾት ነዚ ናይ ሓዳር ግቡእ እዚ ካብ ምሃብ ንሓድሕዶም ዝከላልእሉ ግዜ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። እታ ሰበይቲ ኣብ ገለ እዋናት ናይ ኣዋርሕ ወይ ድኻም ክስማዓ ከሎ ንሰብኣይ ኣይተፍ ቅደሉን ትኸውን። (ምስ ዘሌዋውያን 18:⁠19 ኣረኣእይዎ።) እቲ ሰብኣይ እውን ኣብ ስራሕ ንዘጋጥሞ ከቢድ ሽግር ንምፍታሕ ክጋደል ከሎ ብስምዒት ምስ ዝመውት: ንሰበይቱ ኣየፍቅደላን ይኸውን። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክህቦ ዝግባእ ነገር ንግዜኡ ክቋረጽ ከሎ: ክልቲኦም ብግልጺ ተዘራሪቦም “ብምስምማዕ” ምስ ዝገብርዎ ብዝበለጸ መገዲ ክግበር ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠5) ከምዚ ምግባር ሓዲኦም ተሃዊኹ ናብ ጌጋ መደምደምታ ንኸይበጽሕ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እታ ሰበይቲ ደይመደይ ኢላ ንሰብኣያ ነዚ ኣብ ሓዳር ዘሎ ግቡእ ምስ እትኸልኦ ወይ እቲ ሰብኣይ ኰነ ኢሉ ብፍቕራዊ መገዲ ካብ ምሃብ ምስ ዝሰንፍ: ንፈተና እተቓልዑ ክዀኑ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣብቲ ሓዳር ግድላት ክለዓል ይኽእል ኢዩ።

13. ክርስትያናት ኣተሓሳስብኦም ንጹህ ገይሮም ክሕዝዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

13 ልክዕ ከም ኵሎም ካልኦት ክርስትያናት እተመርዓዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ርኹስን ዘይባህርያውን ባህግታት ከለዓዕል ዝኽእል ስእለ⁠-​ጽዩፍ ከወግዱ ኣለዎም። (ቈሎሴ 3:⁠5) ምስ ኵሎም ኣንጻር ጾታ ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ድማ ኣተሓሳስብኦምን ተግባራቶምን ክሕልዉ ኣለዎም። የሱስ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (ማቴዎስ 5:⁠28) ሰብ ሓዳር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታ ዝህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ዘምዮም ኣብ ፈተና ካብ ምውዳቕ ክድሕኑ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብቲ ጾታ ካብቲ መናጪ ሓዳር ዝዀነ የሆዋ እተዋህበ ጥዑይ ውህበት ምዃኑ ገይርካ ዝረኣየሉ ሓዳር: ደስ ዘብል ናይ ማሕርሮ ርክብ ምስትምቓር ይከኣል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 5:⁠15-19

ንፍትሕ ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ዝድግፎ ምኽንያት

14. ሓድሓደ እዋን እንታይ ዘሕዝን ኵነታት ኢዩ ዝፍጠር፧ ስለምንታይከ፧

14 እቲ ዘሐጕስ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ክርስትያናት ሓዳር ዝለዓል ዝዀነ ይኹን ግድል ክፍታሕ ዝኽእል ኢዩ። ሓድሓደ እዋናት ግን እቲ ግድል ከይፍታሕ ይኽእል ኢዩ። ሰባት ዘይፍጹማትን ኣብታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ይነብሩ ብምህላዎምን: ገለ ሓዳር ኣብ ደንደስ ምፍራስ ይበጽሕ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ክርስትያናት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ ኵነታት ብኸመይ ክዋጽእሉ ኣለዎም፧

15. (ሀ) እንደገና ክትምርዖ ዘፍቅድ እንኮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ፍትሕ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ገሊኦም ካብቲ ዘይእሙን ዝዀነ ናይ መርዓ ብጻይ ንኸይፋትሑ ዝወሰኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

15 ኣብ ምዕራፍ 2 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ከም እተገልጸ: እቲ ተፋቲሕካ እንደገና ምምርዓው ዝከኣለሉ እንኮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ምንዝር ኢዩ። c (ማቴዎስ 19:⁠9) እቲ ናይ መርዓ ብጻይ ዘይእሙን ምዃኑ ፍሉጥ ዝዀነ መረጋገጺ ምስ ዝህሉ: ከቢድ ውሳነ ምግባር ኢዩ ዘጋጥም። ሓዳርኩም ክትቅጽልዎ ዲኹም ወይስ ክትፋትሑ ኢኹም፧ ነዚ ዝኸውን ስርዓታት የለን። ገለ ክርስትያናት ነቲ ብሓቂ እተናስሐ ብጻዮም ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኢሎምሉ: ሓዳሮም ድማ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኢዩ። ካልኦት ድማ ምእንቲ እቶም ቈልዑ ክብሉ ከይፋትሑ ወሲኖም ኢዮም።

16. (ሀ) ንገሊኦም ነቲ እተጋገየ ናይ መርዓ ብጻዮም ከም ዝፈትሑ ዝገበሮም ገለ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ቅኑዕ ናይ መርዓ ብጻይ ንኽፋታሕ ወይ ድማ ንኸይፋታሕ ክመርጽ ከሎ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ውሳነ ክወቅስ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

16 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: እቲ እተፈጸመ ናይ ሓጢኣት ተግባር ጥንሲ ወይ ድማ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ኣስዒቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ እቶም ቈልዑ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጽ ወላዲ ዕቑባ የድልዮም ይኸውን። ቅድሚ ምውሳን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ብዙሕ ነገራት ምህላዉ ርግጽ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ መርዓ ብጻይካ ዝገበሮ ናይ ዘይተኣማንነት ተግባር ፈሊጥካ ክነስኻ: ምስኡ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ምስ እትቕጽል: ነቲ ናይ መርዓ ብጻይ ይቕረ ከም ዝበልካሉ ሓዳርካ ድማ ክቕጽል ከም እትደሊ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ተፋቲሕካ እንደገና ንምምርዓው ዝነበረካ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ይተርፍ ኢዩ። ኣብ ዘይነገሩ ብምእታው ነቲ እተገብረ ውሳነ ክጸሉ ወይ ነቲ እተገብረ ውሳነ ክወቅስ ዝኽእል ዋላ ሓደ ክህሉ ኣይግባእን። ነቲ ውሳነኻ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ክትዋጽኣሉ ኣሎካ። “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።”​—⁠ገላትያ 6:⁠5

ንምፍልላይ ዝኸውን መሰረት

17. ምንዝር እንተድኣ ዘይተፈጺሙ: ቅዱሳት ጽሑፋት ንምፍልላይ ወይ ንምፍታሕ እንታይ ደረት ኢዩ ዝገብረሉ፧

17 ምንዝር ዋላ ኣይፈጸም ምፍልላይ ወይ ምፍታሕ ከም ዝከኣል ዝገብር ኵነታት ክህሉ ይኽእልዶ፧ እወ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ግን እቲ ክርስትያን ንኻልእ ክምርዖ ኣይክእልን ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠32) መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምፍልላይ ዘፍቅድ እኳ እንተዀነ: እቲ ዝፈላለ ‘በኪ ክነብር ወይ ክተዓረቕ’ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝእዝዝ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠11) ምፍልላይ ኣድላዪ ከም ዝኸውን ዝገብር ሓለፍ ዝበለ ኵነታት እንታይ ኢዩ፧

18, 19. ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ እንደገና ክምርዖ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ዘይብሉ: ኣድላይነት ናይ ብሕጋዊ መገዲ ምፍልላይ ወይ ምፍታሕ ኣብ ግምት ከም ዘእቱ ዝገብሮ ሕሉፍ ኵነታት እንታይ ኢዩ፧

18 ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፈ ትህኪት ወይ ሕማቕ ልምዲ ናይቲ ሰብኣይ እታ ስድራቤት ኣብ ድኽነት ትወድቕ ትኸውን። d ናይታ ስድራቤት ኣታዊ ይጣልዓሉ ወይ ንወልፊ ሓሽሽ ወይ ኣልኮል ይጥቀመሉ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ሓደ እኳ . . . ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ብምባል ይገልጽ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ሰሪሓ ዘምጽኣቶ ገንዘብ እውን እናወሰደ ንሕማቕ ተግባራት ብምጥቃም ለውጢ ዘይገብር እንተድኣ ኰይኑ: እታ ሰበይቲ ብሕጊ ተፈላልያ ናይ ገዛእ ርእሳን ናይ ደቃን ድሕንነት ክትሕሉ ትኽእል ኢያ።

19 እቲ ናይ መርዓ ብጻይ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝጓዳእ: ምናልባት እውን ብተደጋጋሚ ብምህራም ጥዕና: ወይ እውን ህይወት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ከም ዝበጽሕ ምስ ዝገብር ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጋዊ ምፍልላይ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ናይ መርዓ ብጻይ ንበዓልቲ ቤቱ ብገለ መገዲ ሕጊ ኣምላኽ ከተፍርስ ብተደጋጋሚ ምስ ዝፍትና: ብፍላይ ድማ እቲ ጕዳይ ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ዘብጽሕ ምስ ዝኸውን: እቲ ምፍርራህ ዝወርዶ ዘሎ ብጻይ ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ናይ መርዓ ብጻይ እቲ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ . . . ዚግባእ” ምዃኑ እተርእየሉ እንኮ መገዲ ብሕጊ ምፍልላይ ምዃኑ ይድምድም ይኸውን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29

20. (ሀ) ስድራቤት ኣብ ናይ ምፍራስ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ብሱላት ብጾትን ሽማግለታትን እንታይ ኢዮም ክህቡ ዝኽእሉ: እንታይከ ኢዮም ክህቡ ዘይብሎም፧ (ለ) እተመርዓዉ ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕን ዝህቦ ሓሳባት እንታይ ንምግባር ኢዮም ከም ምኽንያት ክጥቀምሉ ዘይብሎም፧

20 እቲ ናይ መርዓ ብጻይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሃሳዪ ኣብ ዝዀነሉ ዝዀነ ይኹን ኵነታት: ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ቅኑዕ ናይ መርዓ ብጻይ ክፈላለ ይኹን ኣብቲ ሓዳር ክቕጽል ጸቕጢ ክገብረሉ ኣይግባእን። ብሱላት ብጾትን ሽማግለታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሪ ክህቡ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ኣብ መንጎ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ዝግበር ዘሎ ኵሉ ዝርዝራት ክፈልጡ ኣይክእሉን ኢዮም። የሆዋ ጥራይ ኢዩ ክርእዮ ዝኽእል። ልክዕ ኢዩ: ሓንቲ ሰበይቲ ካብቲ ሓዳር ምእንቲ ክትወጽእ ቀንጠ⁠-​መንጢ ምኽንያታት ምስ እተቕርብ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ናይ መርዓ ምድላው ዘኽብር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ብቐጻሊ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ኵነታት ብምህላዉ: ክትፈላለ ምስ እትመርጽ ዋላ ሓደ ሰብ ክወቕሳ ኣይግብኦን ኢዩ። እዚ ኣብ ሓደ ክፈላለ ዝደሊ ሰብኣይ እውን ብልክዕ ክውዕል ይኽእል ኢዩ። “ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና።”​—⁠ሮሜ 14:⁠10

ዝፈረሰ ሓዳር ብኸመይ ከም ዝደሓነ

21. እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር ዝህቦ ምኽሪ ተግባራዊ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ተመክሮ ኣሎ፧

21 እታ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናያ ሉችያ እተባህለት ሰበይቲ ምስ ተፈላለየት ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት: ምስኦም መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ድማ ጀመረት። ንሳ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:⁠- “እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ነገር: ነቲ ዝነበረኒ ግድላት ዝኸውን ተግባራዊ መፍትሒ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ። ሓደ ሰሙን ጥራይ ምስ ኣጽናዕኩ: ምስ ሰብኣየይ ክተዓረቕ ደለኹ። ኣብዚ እዋን እዚ የሆዋ ነቲ ኣብ ቅልውላው ዘሎ ሓዳር ብኸመይ ከድሕኖ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ኢዩ ክብል እኽእል ኢየ: ከመይሲ ትምህርትታቱ ነቶም ናይ መርዓ ብጾት ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዝከባበሩ ክማሃሩ ይሕግዞም ኢዩ። እቲ ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራቤታት ይፈላልዩ ኢዮም ዝብልዎ ሓቂ ኣይኰነን። ኣብ ኵነታተይ ኣንጻር ናይዚ ኢዩ ኣጋጢሙ።” ሉችያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ናብራኣ ምውዓል ተማህረት።

22. ኵሎም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ኣብ እንታይ ኢዩ እምንቶ ክህልዎም ዝኽእል፧

22 ሉችያ ፍልይቲ ኣይኰነትን። ሓዳር ጾር ዘይኰነስ በረኸት ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምብጻሕ የሆዋ ቅድሚ ሕጂ ካብ እተጻሕፈ ዝበለጸ ምንጪ ናይ ምኽሪ​—⁠ክቡር ቃሉ​—⁠ሂቡ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንገርሂ የጥብቦ” ኢዩ። (መዝሙር 19:⁠7⁠-​11) ንብዙሓት ኣብ ደንደስ ምፍራስ ዝነበራ ስድራቤታት ከም ዝድሕና: ንኻልኦት ብዙሓት ድማ ዝነበረን ከቢድ ግድላት ከም ዝፈትሓ ገይርወን ኢዩ። ኵሎም ምርዑዋት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓዳር ዝህቦ ምኽሪ ምሉእ እምንቶ ዝህልዎም ይግበሮ። ብሓቂ ተግባራዊ ኢዩ!

a እቲ ስም ተለዊጡ ኢዩ።

b ገለ ካብዚ ነገራት እዚ ኣብተን ዝሓለፋ ምዕራፋት ምይይጥ ተገይርሉ ኢዩ።

c እታ “ምንዝር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስያመ ዝሙት: ግብሪ ሶዶም: ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: ከምኡውን ኰነ ኢልካ ብናይ ጾታ ኣካላት ዝግበር ካልእ ዘይግቡእ ተግባራት እተጠቓልል ኢያ።

d እዚ ግን ሓደ ሰብኣይ ዋላ እኳ ጽቡቕ ድሌት እንተለዎ ብኸም ሕማም ወይ ስራሕ ምስኣን ዝኣመሰለ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት: ነታ ስድራቤት ዘድሊ ምቕራብ ምስ ዝስእን ዝምልከት ኣይኰነን።