ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ መጽሓፍ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት

እቲ መጽሓፍ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት

እቲ መጽሓፍ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት

ሓደ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቤተ -መጻሕፍቲ ዝኣቱ ሰብ እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መጻሕፍቲ የደናግሮ ኢዩ። እቲ መጻሕፍቲ ብኸመይ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ምስ ዝግበረሉ ግን ነቲ መጻሕፍቲ ብኸመይ ከም ዝረኽቦ ክፈልጥ ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ነገር ንምርካብ እትገብሮ ምድላይ እውን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት ብኸመይ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ምስ እትርዳእ ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን።

እታ “ባይብል” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ካብታ “ናይ ፓፒረስ ጥቕላላት” ወይ ድማ “መጻሕፍቲ” ዝትርጕማ ቢ·ብል ʹያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ።1 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ክርአ ከሎ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ​—⁠ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ​—⁠ኢዩ: እተጻሕፈሉ ግዜ ድማ ገለ 1,600 ዓመታት ዝኸውን ንውሓት ዘለዎ ኰይኑ: እዚ ድማ ካብ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ከባቢ 98 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ።

እተን ናይ መጀመርታ 39 መጻሕፍቲ: ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ: ዝበዝሓ ብቛንቋ እብራይስጢ ስለ እተጻሕፋ: ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ተባሂለን ይፍለጣ። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ክፍሊ ክኽፈላ ይኽእላ ኢየን:⁠- (1) ታሪኽ ዝሓዛ: ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ኣስቴር: 17 መጻሕፍቲ፣ (2) ብመልክዕ ግጥሚ እተጻሕፋ: ካብ እዮብ ክሳዕ መሃልየ መሃልይ: 5 መጻሕፍቲ፣ (3) ትንቢት ዝሓዛ: ካብ ኢሳይያስ ክሳዕ ሚልክያስ: 17 መጻሕፍቲ። ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ናይ መጀመርታ ታሪኽ ምድርን ደቅሰብን: ከምኡውን ካብቲ ከም ሃገር ዝቘምሉ ክሳዕ ሓሙሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዘሎ ታሪኽ ጥንታውያን እስራኤል ዝሓዘ ኢዩ።

እተን ዝተረፋ 27 መጻሕፍቲ በቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዓለምለኻዊ ቋንቋ ዝነበረ ግሪኽኛ ስለ እተጻሕፋ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተባሂለን ይፍለጣ። ብመሰረቱ ድማ በቲ ሒዘንኦ ዘለዎ ትሕዝቶ እተሰርዓ ኢየን:⁠- (1) እተን 5 ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ​—⁠ወንጌላትን ግብሪ ሃዋርያትን: (2) እተን 21 መልእኽትታት: ከምኡውን (3) ራእይ ኢየን። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ትምህርትታትን ንጥፈታትን የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ዘተኰራ ኢየን።