ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍ

ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍ

ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍ

ምኽሪ ዝህብ መጻሕፍቲ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ግዜኦም ዘሕለፉ ይዀኑ እሞ: ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ ምሕዳስ ወይ ምልዋጥ የድልዮም። መጽሓፍ ቅዱስከ በዚ መዳይ እዚ ከመይ ኢዩ፧ ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር ኢዩ ተጻሒፉ ተወዲኡ። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ፈጺሙ ተመሓይሹ ወይ ድማ ተሓዲሱ ኣይፈልጥን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ መጽሓፍ ንግዜና ዝኸውን ተግባራዊ መምርሒ ክህልዎ ይኽእልዶ፧

ገሊኣቶም ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ ይብሉ። ዶ/ር ኤሊ ኤስ. ቸሰን ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዘሕለፈ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ክገልጽ ከሎ “ንሓደ ብ1924 እተሓትመ ናይ ኬሚስትሪ መጽሓፍ ኣብ ዘመናዊ ቤት ትምህርቲ ከገልግል ኣለዎ ኢሉ ዝጣበቕ ዋላ ሓደ ሰብ የለን” ኢሉ ጸሓፈ።1 እዚ ሓሳባት እዚ ትርጕም ዘለዎ ይመስል ይኸውን። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ዘሎ እዋን ሰባት ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ከምኡውን ሰብኣዊ ባህርያት ብዙሕ ነገራት ተማሂሮም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ከምዚ ዝበለ ጥንታዊ መጽሓፍ ምስ ዘመናዊ ናብራ ከመይ ኢሉ ክሰማማዕ ይኽእል፧

ናይ ግዜ ሓጹር ዘይብሉ ስርዓታት

ግዜ ተለዊጡ ምዃኑ ሓቂ እኳ እንተዀነ: መሰረታዊ ድሌታት ደቅሰብ ግን ኣይተለወጠን። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝነበሩ ኵሎም ሰባት ፍቕርን ምፍታውን ይደልዩ ነይሮም ኢዮም። ክሕጐሱን ትርጕም ዘለዎ ህይወት ከሕልፉን ደልዮም ኢዮም። ንቝጠባዊ ጸቕጥታት ብኸመይ ብዓወት ከም ዝዋጽእሉ: ብኸመይ ሕጕስ ሓዳር ከም ዘሕልፉ: ከምኡውን ኣብ ደቆም ብኸመይ ጽቡቕ ዝዀነ ስነ⁠-​ምግባርን ወግዕን ከም ዘማዕብሉ ዝገልጽ ምኽሪ ደልዮም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም መሰረታውያን ድሌታት እዚኣቶም ዝምልከት ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።​—⁠መክብብ 3:⁠12, 13፣ ሮሜ 12:⁠10፣ ቈሎሴ 3:⁠18⁠-​21፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠6⁠-​10

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ኣብ ባህርያት ደቅሰብ ዘተኰረ ኢዩ። ገለ ካብቲ ንዘመናዊ ናብራ ዝምልከት ዝህቦ ተግባራዊ: ንጹርን ግዜ ዘይሓለፎን ስርዓታት ርአ።

ንሓዳር ዝምልከት ተግባራዊ መምርሒ

እቲ ዩኤን ክሮኒክል እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ስድራቤት “እቲ ናይ ቀደምን ኣዝዩ መሰረታውን ናይ ወድሰብ ትካል ኢዩ፣ ኣብ መንጎ ወለዶታት ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ መትረብ ኢዩ” ይብል። ይኹን እምበር: እዚ “ኣገዳሲ መትረብ” እዚ ብዘሰንብድ ናህሪ ይብተኽ ኣሎ። እቲ መጽሔት “ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብዙሓት ስድራቤታት ነቲ ንኽዓያ: አረ ንኽቕጽላ እውን ከይተረፈ ዘለወን ተኽእሎ ዘስግእ ግድላት የጋጥመን ኣሎ” ብምባል ይገልጽ።2 መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤታት ንኽቕጽላ ዘኽእለን እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝህብ፧

ንምጅማር ዝኣክል: መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ናብርኦም ንሓድሕዶም ብኸመይ ክረኣኣዩ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ብዙሕ ዝብሎ ኣለዎ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሰብኡት “ሰብኡትውን ከምኡ: ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር: ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን” ይብል። (ኤፌሶን 5:⁠28, 29 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሰበይቲ ድማ “ንሰብኣያ ትፍርሀዮ [“ዓሚቝ ኣኽብሮት ተርእዮ:” NW ]” ብምባል ተመኺራ ኣላ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠33 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ከምዚ ዝበለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ርአ። ሓደ ንሰበይቱ ‘ከም ስጋኡ ገይሩ’ ዘፍቅራ ሰብኣይ ኣይጸልኣን ወይ ድማ ብጭከና ኣይሕዛን ኢዩ። ኣይወቕዓን: ወይ ድማ ብቓላት ወይ ብስምዒት ኣይሃስያን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ልክዕ ከምቲ ንገዛእ ርእሱ ዘርእዮ ክብርን ሓልዮትን የርእያ። (1 ጴጥሮስ 3:⁠7) ስለዚ ድማ ሰበይቱ ከም እተፈቕረትን ኣብ ሓዳራ ድማ ዕቑባ ዝረኸበትን ኰይኑ ይስምዓ። ንደቁ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ክተሓዛ ከም ዘለወን ዘርኢ ሰናይ ኣብነት ይገድፈሎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ሓንቲ ንሰብኣያ ‘ዓሚቝ ኣኽብሮት እተርኢ’ ሰበይቲ ብቐጻሊ ንዕኡ ብምንቃፍ ወይ ብምንኣስ ክብረቱ ኣይትገፎን ኢያ። ስለ እተኽብሮ ሕድሪ ዘጽንዕ: ተቐባልነት ዘለዎ: ከምኡውን ሞሳ ዝወሃቦ ኰይኑ ይስምዖ።

ከምዚ ዝበለ ምኽሪ ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም ተግባራዊ ድዩ፧ እቶም ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ስድራቤታት ናይ ምጽናዕ ሞያ ዘለዎም ሰባት: ኣብ ከምዚ ዝበለ ተመሳሳሊ መደምደምታ ምብጽሖም ደስ ዘብል ኢዩ። ናይ ሓደ ንስድራቤት ምኽሪ ዝህብ ፕሮግራም ኣማሓዳሪት ከምዚ በለት:⁠- “እተን ዝፈልጠን ጥዑያት ዝበሃላ ስድራቤታት: እተን ኣብ መንጎ ኣደን ኣቦን ድልዱል: ፍቕራዊ ርክብ ዘለወን ስድራቤታት ኢየን። . . . እዚ ከምዚ ዝበለ ኣብ መጀመርታ ዝህሉ ኣገዳሲ ድልዱል ርክብ ኣብቶም ቈልዑ ዕቝባ ዘስርጽ ኢዩ ዝመስል።”3

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር ዝህቦ ምኽሪ: ካብቲ ብዙሓት ጽቡቕ ሓሳብ ዝነበሮም ናይ ስድራቤት ኣማኸርቲ ዝህብዎ ምኽሪ ዝበልጽ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ቅድሚ ቐረባ ግዜ ብዙሓት ክኢላታት ኣማኸርቲ ንሓደ ዘይሕጕስ ሓዳር ቅልጡፍን ቀሊልን መፍትሒ ፍትሕ ምዃኑ ይዛረቡ ነበሩ። ሎሚ ድማ: መብዛሕትኦም ሓዳር ክቕጽል ዝኽእል እንተድኣ ኰይኑ ክቕጽልዎ የተባብዑ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: እዚ ከምዚ ዝበለ ለውጢ ብዙሕ ዕንወት ምስ ኣስዓበ ጥራይ ኢዩ ተገይሩ።

ብኣንጻሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር ክትኣምኖ እትኽእል: ሚዛናዊ ምኽሪ ይህብ። ኣዝዩ መጠኑ ዝሓለፈ ኵነታት ምስ ዘጋጥም ምፍታሕ ከም ዝከኣል ኣፍልጦ ይህብ። (ማቴዎስ 19:⁠9) ብዘይ ምኽንያት ንዝግበር ፍትሕ ድማ ይዅንን። (ሚልክያስ 2:⁠14⁠-​16) ኣብ ሓዳር ንዝህሉ ዘይምትእምማን እውን ይዅንኖ ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠4) “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።” ስለ ዝብል ሓዳር ግዴታ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። a​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠24 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ማቴዎስ 19:⁠5, 6

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር ዝህቦ ምኽሪ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጸሓፍ ከሎ ዝነበሮ: ሕጂ እውን ክንድኡ ተግባራዊ ኢዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ብፍቕርን ኣኽብሮትን ክረኣኣዩ ከለዉ: ሓዳር ድማ ምሉእ ብምሉእ ርክብ ምግባር ዘድልዮ ከም ዝዀነ ገይሮም ምስ ዝርእይዎ: እቲ ሓዳር​—⁠ምስኡ ኸኣ እቲ ስድራቤት⁠—​ቀጻሊ ንኽኸውን ዝያዳ ኣጋጣሚ ኣለዎ።

ንወለዲ ዝኸውን ተግባራዊ ሓገዝ

ሓያለይ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር: ብዙሓት ወለዲ በቲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ዝገልጽ “ሓድሽ ሓሳባት” ተለዓዒሎም “ምቕጻዕ ክልኩል ኢዩ” ኢሎም ሓሰቡ።8 ንቘልዑ ሓጹር ምግባር ስግኣትን ፍርህን የስዕበሎም ኢዩ ኢሎም ሰግኡ። ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ምኽሪ ዝህቡ ጽቡቕ ሓሳብ ዝነበሮም ሰባት ወለዲ ንደቆም ፍዅስ ዝበለ መአረምታ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ካልእ ከይገብሩ ኣትሪሮም ይዛረቡ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ከምዚኣቶም ዝበሉ ብዙሓት ክኢላታት ሕጂ ነቲ ተግሳጽ ዘለዎ ግደ እንደገና ይምርምርዎ ኣለዉ: ግዱሳት ወለዲ ድማ ብዛዕባ እዚ ንጹር ሓሳባት ክረኽቡ ሃሰስ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ንጹር: ምኽንያታዊ ምኽሪ ይህብ ኢዩ። ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር ከምዚ በለ:⁠- “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም።” (ኤፌሶን 6:⁠4) እታ ‘ተግሳጽ’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስም “ኣተዓባብያ: ምልምማድ: መምርሒ ምሃብ” ማለት ኢያ።9 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝበለ ተግሳጽ: ወይ መምርሒ ምሃብ ናይ ወለዲ ፍቕሪ ዘርኢ መርትዖ ኢዩ ይብል። (ምሳሌ 13:⁠24) ቈልዑ ንጹር ዝዀነ ናይ ስነ⁠-​ምግባር ስርዓታትን ብሱል ዝዀነ ትርጕም ናይ ቅኑዕን ጌጋን ሒዞም ይዓብዩ። ተግሳጽ: ወለዶም ብዛዕብኦምን ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሰባት ይዀኑ ምህላዎምን ከም ዝሓልዩ ዝነግሮም ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ናይ ወለዲ ስልጣን​—⁠“ሸቦጥ መቕጻዕቲ”​—⁠ፈጺሙ ሃሳዪ ክኸውን ኣይግባእን። b (ምሳሌ 22:⁠15፣ 29:⁠15) መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ “ሕልንኦም ምእንቲ ከይዓርብ: ንደቅኹም ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትኣርምዎም” ብምባል የጠንቅቖም። (ቈሎሴ 3:⁠21 ፊሊፕስ [እንግሊዝኛ]) መቕጻዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስላጢ መምሃሪ መገዲ ከም ዘይኰነ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣፍልጦ ይህብ ኢዩ። ምሳሌ 17:⁠10 “ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ: ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይአትዎ” ትብል። ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ መከላኸሊ ዝኸውን ተግሳጽ ምሃብ ጽቡቕ ምዃኑ እውን ይዛረብ ኢዩ። ኣብ ዘዳግም 11:⁠19 ወለዲ ንዝረኽብዎ ኣጋጣሚታት ኣብ ደቆም ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ንምስራጽ ክጥቀምሉ የተባብዕ ኢዩ።​—ዘዳግም 6:⁠6, 7

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ ዝህቦም ናይ ግዜ ሓጹር ዘይብሉ ምኽሪ ንጹር ኢዩ። ቈልዑ ቀጻልን ፍቕራውን ተግሳጽ የድልዮም ኢዩ። ተግባራዊ ተመክሮታት ከም ዝሕብሮ ከምዚ ዝበለ ምኽሪ ብሓቂ ይሰርሕ ኢዩ። c

ነቲ ንሰባት ዝፈላሊ ሓጹራት ምልጋስ

ሰባት ሎሚ ብዓሌት: ብሃገር: ከምኡውን ብቀቢላዊ ሓጹራት ተፈላልዮም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ሓጹራት ኣብ ምልእቲ ዓለም ንጹሃት ሰባት ንኽሕረዱ ምኽንያት ኰይኑ ኢዩ። ነቲ ኣብ ታሪኽ እተገብረ ነገራት ብምርኣይ: እተፈላለየ ዓሌትን ሃገርን ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ከም ማዕረ እናተረኣኣዩ ንኽነብሩ ዘሎ ተስፋ ብርግጽ ሃሲሱ ኢዩ። ሓደ ኣፍሪቃዊ በዓል ስልጣን “እቲ መፍትሒ ኣብ ልብና ኢዩ ዘሎ” ይብል።11 እንተዀነ ግን: ልቢ ሰብ ምልዋጥ ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ብኸመይ ንልቢ ከም ዝትንክፍ: ብኸመይ ድማ ናይ ማዕርነት ሓሳባት ከም ዘተባብዕ ርአ።

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ “ኻብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” ኢሉ ዝምህሮ ትምህርቲ ዝዀነ ይኹን ናይ ዓሌት ልዕልነት ከም ዘየለ ዝገብር ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠26) ብርግጽ ሓደ ዓሌት​—⁠ዓሌት ሰብ​—⁠ጥራይ ከም ዘሎ ኢዩ ዘርኢ። ኣብ ርእሲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ብምባል ዝዛረበሉ ‘ኣምላኽ ሰዓብቱ ክንከውን’ የተባብዓና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35፣ ኤፌሶን 5:⁠1) እዚ ፍልጠት እዚ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚኖም ዝርእይዎ: ከምኡውን በቲ ትምህርትታቱ ብሓቂ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ዘሕብሮም ኢዩ። ነቲ ንህዝብታት ዝፈላሊ ሰብ ዘምጽኦ ሓጹራት ከም ዝጠፍእ ብምግባር ኣብ ሰብኣዊ ልቢ ኣዕሚቑ ኢዩ ዝዓዪ። ኣብነት ርአ።

ሂትለር ኣብ መላእ ኣውሮጳ ውግእ ከካይድ ከሎ: ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ንንጹሃት ሰባት ምሕራድ ብጽንዓት ምክፋል ዝኣበየ ሓደ ጕጅለ ክርስትያናት​—⁠ናይ የሆዋ መሰኻኽር​—⁠ኢዩ ነይሩ። ኣንጻር ከምኦም ሰባት ‘ሰይፊ ኣየልዕሉን’ ኢዮም። ነዚ መትከል እዚ ዝሓዙ ካብቲ ንኣምላኽ ንኸሐጕሱ ዘለዎም ባህጊ ተላዒሎም ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:⁠3, 4፣ ሚክያስ 4:⁠3, 5) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ህዝቢ ወይ ዓሌት ካብ ካልእ ህዝቢ ወይ ዓሌት ኣይበልጽን ኢዩ ብምባል ዝምህሮ ብሓቂ ኣሚኖሞ ኢዮም። (ገላትያ 3:⁠28) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እቲ ዝነበሮም ሰላም ናይ ምፍታው ባህርይ ካብቶም ኣብቲ መዳጐኒ ደምበታት ዝነበሩ ቀዳሞት እሱራት ኢዮም ነይሮም።​—⁠ሮሜ 12:⁠18

እንተዀነ ግን: ኵሎም እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕቦ ኢና ዝብሉ ኣይኰኑን ከምዚ ዝበለ ኣቕዋም ዝወሰዱ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዙሕ ከይጸንሐ: ማርቲን ኔሞለር እተባህለ ጀርመናዊ ናይ ፕሮተስታንት ቀሺ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “በቲ እተገብረ [ውግእ] ንኣምላኽ ክወቅስ ዝደሊ ሰብ ቃል ኣምላኽ ኣይፈልጥን ኢዩ ወይ ድማ ክፈልጥ ኣይደልን ኢዩ። . . . ናይ ክርስትያን ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ብምልኡ ብተደጋጋሚ ንውግእ: ወተሃደራት: ከምኡውን ንኣጽዋራት ክባርኻ ጸኒሐን . . . ከምኡውን ኣብ ውግእ ጸላእተን ንኽጠፍኡ ክርስትያናዊ ብዘይኰነ መገዲ ክጽልያ ጸኒሐን ኢየን። እዚ ዅሉ ጌጋናን ጌጋ ናይ ኣቦታትናን እምበር ኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ዝውቀሰሉ ኣይኰነን። ንሕና: ሎሚ ዘሎና ክርስትያናት ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባዮም: ከምኡውን ሰባት ኣይንቐትልን ኢና ብምባሎም ብኣማእታት ከምኡውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናብ መዳጐኒ ደምበታት ዝኸዱ: አረ ዝሞቱ [እውን ከይተረፈ] ኣንቈራ ዝብሃሉ ትጉሃት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ሓፊርና ኢና።”12

ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንኣዕራብ ምስ ኣይሁዳውያን: ንክሮኤሻውያን ምስ ሰርብያውያን: ንሁቱ ምስ ቱትሲ ከም ዝሓብሩ ዝገብሮም ሕውነት ኣዝዮም ፍሉጣት ኢዮም። ይኹን እምበር: እዚ ከምዚ ዝበለ ሕብረት ክርከብ እተኻእለ ካብ ካልኦት ዝሓሹ ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ: በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ዘለዎ ሓይሊ ስለ እተደረኹ ምዃኖም እቶም መሰኻኽር ኣጸቢቖም ኣፍልጦ ይህቡሉ ኢዮም።​—1 ተሰሎንቄ 2:⁠13

ጽቡቕ ዝዀነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘማዕብል ተግባራዊ መምርሒ

ናይ ሓደ ሰብ ኣካላዊ ጥዕና መብዛሕትኡ እዋን በቲ ዘለዎ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኵነታት ጥዕና ይትንከፍ ኢዩ። ንኣብነት: ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ሕርቃን ዘስዕቦ ጐዳኢ ነገራት ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ናይ ድዩክ ዩኒቨርሲቲ ሕክምናዊ ማእከል ዘሎ ናይ ባህርይ ምርምር ዝግበረሉ ክፍሊ ዳይረክተር ዶ/ር ሬድፎርድ ዊልያምስን በዓልቲ ቤቱ ቪርጂንያ ዊልያምስን ኣብታ ኣንገር ኪልስ እትብሃል መጽሓፎም (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብሉ:⁠- “ካብቲ ዘሎ መርትዖታት እቲ ዝበዝሕ ከም ዝሕብሮ ብእተፈላለየ ምኽንያታት: ውሑዳት ኣዕሩኽ ስለ ዘለዎም: ክሓርቁ ከለዉ ዝውስኽ ኣካላዊ ሳዕቤናት: ከምኡውን ንጥዕና ጐዳኢ ኣብ ዝዀነ ኣመላት ምጥሓሎም እውን ሓዊስካ: እቶም ብቐሊሉ ዝሓርቁ ሰባት ዝያዳ ምስ ልብን ናይ ደም መትንታትን እተተሓሓዘ ንሕማም (ካልእ ዓይነት ሕማማት እውን ምስኡ) እተቓልዑ ምዃኖም ይሕብር።”13

ከምዚ ዝበለ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከይተገብረ ከሎ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ: መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊል ግናኸ ንጹር ብዝዀነ ኣገላልጻ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ: ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ” ብምባል ስምዒታዊ ኵነታትና ምስ ኣካላዊ ጥዕናና እተተሓሓዘ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ምሳሌ 14:⁠30፣ 17:⁠22) መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ: “ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ” ከምኡውን “ብመንፈስካ ንዅራ [ወይ “ንሕርቃን:” ኪንግ ጀምስ ቨርሽን] ኣይትተሀወኽ” ብምባል ይምዕድ።​—⁠መዝሙር 37:⁠8፣ መክብብ 7:⁠9

መጽሓፍ ቅዱስ ሕርቃን ንምቍጽጻር ዘኽእል ጠቓሚ ምኽሪ እውን ይህብ ኢዩ። ንኣብነት: ምሳሌ 19:⁠11 “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ: ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ትብል። እታ “ምስትውዓል” ተባሂላ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ካብታ ናይ ሓደ ነገር “ምኽንያት ምፍላጥ” ዝብል ሓሳባት ዘለዋ ግሲ ዝመጸት ኢያ።14 እቲ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ “ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳድካ ሕሰብ” ዝብል ኢዩ። ካልኦት ከምኡ ዝበልሉ ወይ ዝገበርሉ ምኽንያታት ንምርዳእ ምጽዓር ንሓደ ሰብ ዝያዳ ተጻዋሪ​—⁠ቀልጢፉ ዘይሓርቕ​—⁠ክኸውን ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 14:⁠29

ካልእ ተግባራዊ ማዕዳ ድማ እቲ ኣብ ቈሎሴ 3:⁠13 ዘሎ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: . . . ይቕረ ተባሃሀሉ” ዝብል ኢዩ። ብደቀቕቲ ነገራት ምቅሕሓር ዘሎ ነገር ኢዩ። እቲ “እናተጻወርኩም” ዝብል ኣገላልጻ ነቲ ኣብ ካልኦት እንርእዮ ዘይንፈትዎ ነገራት ምጻር ዘስምዕ ኢዩ። ‘ይቕረ ምባል’ ማለት ድማ ቂም ዘይምሓዝ ማለት ኢዩ። መሪር ስምዒታት ኣብ ክንዲ እንሕዞ: ሓድሓደ እዋን ይኺድ ምሕዳጉ ናይ ጥበብ መገዲ ኢዩ፣ ንሕርቃን ኣብ ውሽጥና ምሓዙ ነቲ ዘሎና ጾር መሊሱ ዘኽብዶ ጥራይ ኢዩ።​—ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ “ንሰብኣዊ ርክባት ዝኸውን ተግባራዊ መምርሒ” እትብል ሳጹን ርአ።

ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ምንጭታት ናይ ምኽርን መምርሕን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ፍሉይ ኢዩ። እቲ ዝህቦ ምኽሪ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ጥራይ ኣይኰነን: ወይ እውን እቲ ዝህቦ ማዕዳ ዝጐድኣና ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ንሱ ዝህቦ ጥበብ “እሙን” ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። (መዝሙር 93:⁠5) ኣብ ርእሲ እዚ ምኽሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ግዜ ሓጹር ዘይብሉ ኢዩ። ዋላ እኳ 2,000 ዓመታት ይገብር ተጻሒፉ እተወድአ እንተዀነ: ቃላቱ ገና ተግባራዊ ኢዩ። ናይ ቈርበትና ሕብሪ ወይ እቲ እንነብረሉ ሃገር ብዘየገድስ ድማ ማዕረ ዝዀነ ውጽኢት ኢዩ ዘለዎ። ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ናብ ዝሓሸ ከም ዝልወጡ ዝገብር ሓይሊ ኣለዎ። (እብራውያን 4:⁠12) ስለዚ: ነዚ መጽሓፍ እዚ ምንባብን ንስርዓታቱ ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ንናብራኻ ዝበለጸ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ ኣብዚ “ይጠብቕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ዳ· ቫክ ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል “ምስ ሓደ ሰብ ብምፍታውን ተኣማንነትን ምልጋብ ዝብል ትርጕም እተስምዕ ኢያ።”4 እታ ኣብ ማቴዎስ 19:⁠5 “ይጣበቕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቃል: ብግሪኽ ምስታ “ምልጋብ” “ምትሕሓዝ” “ኣጸቢቕካ ብሓንሳብ ምሕባር” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ቃል እተዛመደት ኢያ።5

b ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: እታ “ሸቦጥ” (እብራይስጢ ሸ ʹቨት) እትብል ቃል: ከምቲ ጓሳ ዝጥቀመሉ “ስላዕ” ወይ “በትሪ” ማለት ኢያ።10 ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ እታ ናይ ስልጣን ሸቦጥ ንሓደ ሕማቕ ዝዀነ ጭከና ዘይኰነስ ፍቕራዊ መምርሒ እተስምዕ ኢያ።​—⁠ምስ መዝሙር 23:⁠4 ኣረኣእዮ።

c ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወት ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብተን “ንውሉድካ ካብ ሕጻንነት ጀሚርካ ኣለማምዶ:” “ንኰተቴ ውሉድካ ብጽቡቕ ክዓቢ ሓግዞ:” “ኣብታ ቤት ዓለወኛ ኣሎዶ፧” ከምኡውን “ንስድራቤትካ ካብ ኣዕናዊ ዝዀነ ጽልዋታት ተኸላኸለላ” ዝብላ ምዕራፋት ርአ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት ንጹር: ምኽንያታዊ ምኽሪ ይህብ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ባህርያት ናይ ጥዑያት ስድራቤታት

ብዙሕ ዓመታት ይገብር: ሓንቲ ምህርትን ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ኵነታት ኣብ ምጽናዕ ፍሉይ ክእለት ዘለዋን ሰብ: ልዕሊ 500 ዝዀኑ ንስድራቤታት ምኽሪ ዝህቡ ክኢላታት እተሳተፍሉ: ብዛዕባ እቲ ኣብ “ጥዑያት” ስድራቤታት እተዓዘብዎ ባህርያት ሓሳብ ክህቡ እተዓደምሉ ሰፊሕ መጽናዕቲ ገይራ ነበረት። እቲ ዘገርም ድማ: ካብቲ ኣዝዩ ልሙድ ዝዀነ ባህርያት ተባሂሉ እተዘርዘረ ነገራት ነዊሕ ይገብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ዝነበረ ኢዩ።

ነቲ ውጽኢታዊ ዝዀነ ፍልልያት ዝድቅሰሉ መገድታት ሓዊስካ: ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ምህላው ኣብቲ እተዋህበ ዝርዝራት ናይ መጀመርታ ነበረ። እታ ናይቲ መጽናዕቲ ጸሓፊት ኣብ ጥዑያት ስድራቤት ዘሎ ልሙድ ፖሊሲ “ዋላ ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ኰርዩ ከሎ ኣይድቅስን ኢዩ” ዝብል ከም ዝዀነ ገለጸት።6 እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 1,900 ዓመታት ይገብር “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ብምባል ምዒዱ ነበረ። (ኤፌሶን 4:⁠26) ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልትታት ካብቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ክሳዕ እቲ ጸሓይ እትዓርበሉ ኢዩ ዝዕቀን ነይሩ። ስለዚ: ዘመናውያን ክኢላታት ብዛዕባ ስድራቤታት ቅድሚ ምጽንዖም መጽሓፍ ቅዱስ ብጥበባዊ መገዲ: እታ መዓልቲ ተወዲኣ ካልእ ቅድሚ ምጅማራ ዝፈላሊ ነገራት ቀልጢፍኩም ኣደቅስዎ: ብምባል ምዒዱ ኢዩ።

ጥዑያት ስድራቤታት “ካብ ገዛ ቀቅድሚ ምውጽኦም ወይ ድማ ቀቅድሚ ምድቃሶም ዘባእስ ኣርእስትታት ከም ዘየልዕሉ” እታ ደራሲት ብመጽናዕቲ ረኸበቶ። ቀጺላ “ብተደጋጋሚ ‘እቲ ግቡእ ግዜ ዝብል’ መግለጺ ሰሚዐ” በለት።7 ከምዚአን ዝበላ ስድራቤታት ከይተፈለጠን ነቲ 2,700 ዓመታት ይገብር እተመዝገበ “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ ኢየን ኣቃሊሐን። (ምሳሌ 15:⁠23፣ 25:⁠11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ባህ ዘብል ኣዘራርባ እዚ ነቲ ኣብ ናይ ብሩር ጻሕሊ​—⁠ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ክቡርን ጽቡቕን ንብረት​—⁠እተቐመጠ ከም ናይ ሮማን ዝኣመሰለ ቅርጺ ዘለዎ ወርቃዊ ጌጽ ዘመልክት ይኸውን። ኣብ ግቡእ ግዜኡ እተዘርበ ቃላት ዘለዎ ጽባቐን ዋጋን ኢዩ ዘስምዕ። ወጥሪ ኣብ ዘለዎ ኵነታት: ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ እተዘርበ ቃላት ዋግኡ ዘይሽነን ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠19

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]

ንሰብኣዊ ርክባት ዝኸውን ተግባራዊ መምርሒ

“ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ: ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። ” (መዝሙር 4:⁠4) ኣብ መብዛሕትኡ ንደቀቕቲ ምቅሕሓራት ዝምልከት ነገር: ስቕ ምባል ጥበባዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከምዚ ብምግባርካ ስምዒታዊ ምግርጫው ተርሕቕ።

“ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ። ” (ምሳሌ 12:⁠18) ቅድሚ ምዝራብካ ሕሰብ። ከይሓሰብካ ዝዝረብ ቃላት ንኻልኦት ከቝስል: ንዝነበረ ዕርክነት ድማ ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ።

“ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ: ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል። ” (ምሳሌ 15:⁠1) ብልእመት ንምምላስ ርእስኻ ምግታእ ይሓትት: እንተዀነ ግን: ከምዚ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ንግድላት የዝሕል: ሰላማዊ ርክባት ከም ዝህሉ ድማ ይገብር።

“ምጅማር ቈየቛ ኸም ምኽፋት መገዲ ውሒዝ እዩ: ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ። ” (ምሳሌ 17:⁠14) ቅድሚ ምሕራቕካ ካብቲ ዘሕርቕ ኵነታት ገዛእ ርእስኻ ምርሓቕ ጥበብ ኢዩ።

“ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ: ሕርቃንካ ከተውጽእ ኣይትቐልጥፍ። ” (መክብብ 7:⁠9 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል [እንግሊዝኛ]) መብዛሕትኡ ግዜ ስምዒት ንተግባር ይቕድሞ ኢዩ። እቲ ንሕርቃን ቅልጡፍ ዝዀነ ሰብ ዓሻ ኢዩ: ምኽንያቱ ዝወስዶ ስጕምቲ ናብ ሕማቕ ቃላት ወይ ድማ ናብ ሕማቕ ተግባራት ክመርሖ ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኻር ካብቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዝነበሩ ቀዳሞት እሱራት ኢዮም