ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ትንቢት መጽሓፍ

ናይ ትንቢት መጽሓፍ

ናይ ትንቢት መጽሓፍ

ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ይግደሱ ኢዮም። ብዛዕባ ብዙሕ ኣርእስትታት: ካብ ናይ ኣየር ኵነታት ጀሚርካ ክሳዕ ኵነታት ቍጠባ: ክእመን ዝኽእል ትንቢታት ክሰምዑ ሃለው ይብሉ። ይኹን እምበር: ነዚ ከምዚ ዝበለ ትንቢታት ኣሚኖም ክዓዩ ከለዉ መብዛሕትኡ እዋን ተስፋ ይቘርጹ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ነገራት ወይ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። ከምዚ ዝበለ ትንቢታት ክሳዕ ክንደይ ልክዕ ኢዩ፧ ቅድሚ ምዃኑ እተጻሕፈ ታሪኽ ድዩ፧ ወይ ምስ ተፈጸመ ከም ትንቢት ኣምሲልካ እተጻሕፈ ታሪኽ ኢዩ፧

ናይ ሮሜ በዓል ስልጣን: ካቶ: (234⁠-149 ቅ.ኣ.ዘ.) ከምዚ በለ:⁠- “ሓደ ትንቢት ዝነግር ሰብ ካልእ ከምኡ ትንቢት ዝነግር ሰብ ክርኢ ከሎ ዘይምስሓቑ ይገርመኒ ኢዩ።”1 ብሓቂ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጠንቈልቲ: ቈጸርቲ ከዋኽብቲ: ከምኡውን ብዛዕባ ካልኦት ትንቢት ዝነግሩ ሰባት ይጠራጠሩ ኢዮም። ዝበዝሕ እዋን ትንቢቶም ንጹር ብዘይኰነ ቃላት ኢዩ ዝግለጽ: ብዙሕ ትርጕም ንኽዋሃቦ ድማ መገዲ ዝኸፍት ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃል፧ ንምጥርጣር ዝኸውን ምኽንያት ኣሎዶ ኢዩ፧ ወይስ እምንቶ ከነሕድር ዘኽእለና መሰረት ኣሎ ኢዩ፧

ናይ ምሁራት ግምታት ኣይኰነን

ፈላጣት ሰባት ብዛዕባ ዝመጽእ ብልክዕ ንምንጋር ክርአ ዝኽእል ኣንፈታት ይጥቀሙ ይዀኑ: ይኹን እምበር እቲ ዝብልዎ ልክዕ ዝኸውን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። እታ ፊዩቸር ሾክ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ምናልባት ክኸውን ዝኽእል ተኸታታሊ መጻኢ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎ መጻኢ ነገራት: ከምኡውን መጻኢ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ ምምራጽ እውን ምግርጫው የጋጥሞ ኢዩ” ይብል። ወሲኹ “ልክዕ ኢዩ: ብዛዕባ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ ‘ክፈልጥ’ ዝኽእል ሰብ የለን። ንግምትና ብሜላ ክንገብሮን ከነዕምቖን: ከምኡውን ተኽእሎታት ጥራይ ኢና ክንምድበሉ እንኽእል” ይብል።2

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ንዝወሃብ “ግምታት” “ተኽእሎታት” ጥራይ ‘ኣይኰኑን መዲቦምሉ።’ ወይ ድማ እቲ ዝሃብዎ ትንቢታት ብዙሕ ትርጕም ንኽዋሃቦ መገዲ ዝኸፍት ዘይንጹር ሓሳባት ገይርካ ዝውሰድ እውን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ: መብዛሕትኡ ትንቢታቶም ብኣዝዩ ንጹር ዝዀነ ኣገባብ እተነግረ: ከምኡውን ፍሉይን መብዛሕትኡ እዋን ድማ ኣንጻር ናይቲ ትጽቢት እተገብረሉ ነገራት ኢዮም ተነብዮም። ንኣብነት: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ጥንታዊት ባቢሎን ኣቐዲሙ ዝበሎ ርአ።

‘ብመዀስተር ጥፍኣት ክትኵስተር’ ኢያ

ጥንታዊት ባቢሎን “ጌጽ መንግስትታት” ኢያ ነይራ። (ኢሳይያስ 13:⁠19) እዛ እትዓቢ ዝነበረት ከተማ እዚኣ ስትራቴጅያዊ ብዝዀነ መገዲ ኣብቲ ካብ ወሽመጥ ፋርስ ክሳዕ ባሕሪ ሜዲተራንያን ተዘርጊሑ ዝነበረ ናይ ንግዲ መስመር ኢያ እትርከብ ነይራ: ነቲ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዝግበር ዝነበረ ናይ ምድርን ባሕርን ንግዲ ድማ መኽዘን ኰይና ነበረት።

ኣብ ሻብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ባቢሎናዊ ሃጸይ ዘይትሰዓር ከተማ ኢያ ትመስል ነይራ። እታ ኸተማ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ኣሳፊሐ ነበረት: ናይቲ ርባ ማይ ድማ ገፊሕን ዓሚቝን ናይ ማይ ድፋዓት ከምኡውን እተተሓሓዘ መትረባት ንምስራሕ ኣገልጊሉ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እታ ከተማ: ብዙሕ ናይ መከላኸሊ ግምብታት ዘለዎ ኣዝዩ ገዚፍ ብዝዀነ ድርብ ቀጽርታት እተሓጽረት ኢያ ነይራ። እቶም ነበርታ ዑቝባ እንተ ተሰምዖም ዘገርም ኣይነበረን።

ይኹን እምበር: ኣብ ሻምናይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ናብቲ ዝለዓለ ክብራ ከይበጽሐት ከላ: ነብዪ ኢሳይያስ ባቢሎን ‘ብመዀስተር ጥፍኣት ክትኵስተር’ ምዃና ተነበየ። (ኢሳይያስ 13:⁠19፣ 14:⁠22, 23) ኢሳይያስ ባቢሎን ከመይ ኢላ ከም እትወድቕ እውን ከይተረፈ ገሊጹ ኣሎ። እቶም ወረርቲ ነቲ ምንጪ ናይ ማያዊ ድፋዓታ ዝነበረ ርባታት ‘ከንጽፍዎ’: ነታ ከተማ ድማ እተቓልዐት ክገብርዋ ኢዮም። ኢሳይያስ ናይቲ ዝማርኻ ሰብ ስም: እቲ ዓቢ ንጉስ ፋርስ: “ደጌታት ከይዕጸዎ . . . መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ:” እተባህለሉ ‘ቂሮስ’ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ነጊሩ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 44:⁠27⁠-​45:⁠2

እዚ ንጹር ትንቢታት ኢዩ ነይሩ። ግናኸ ተፈጺሙዶ ኢዩ፧ ታሪኽ መልሲ ይህብ ኢዩ።

“ብዘይ ውግእ”

ኢሳይያስ ነቲ ትንቢቱ ምስ ጸሓፎ ድሕሪ ክልተ ክፍለ⁠-​ዘበናት: 5 ጥቅምቲ 539 ቅ.ኣ.ዘ.: ሰራዊት ሜዶንን ፋርስን ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ቂሮስ ዓቢ ኰይኖም ኣብ ጥቓ ባቢሎን ሰፈሩ። ባቢሎናውያን ግን እምንቶ ነበሮም። ብመሰረት እቲ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ: ሄሮዶቱስ (ሓሙሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.) ዝበሎ: ንዓመታት ዘጽንሖም እኹል ዝዀነ ቀለብ ነበሮም።3 ዝከላኸለሎም ርባ ኤፍራጥስን ናይ ባቢሎን ዓበይቲ ቀጽርታትን እውን ነይርዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ብመሰረት እቲ ናይ ናቦኒደስ ዜና መዋእል ኣብታ ለይቲ እቲኣ “ሰራዊት ቂሮስ ብዘይ ውግእ ናብ ባቢሎን ኣተዉ።”4 እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ከኣለ፧

ሄሮዶቱስ: ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ እቶም ህዝቢ “ኣብቲ ዝነበሮም በዓል ይስዕስዑን ይሕጐሱን ነበሩ” ብምባል ገለጸ።5 ይኹን እምበር: ብወጻኢ ቂሮስ ነቲ ማያት ኤፍራጥስ ናብ ካልእ ኣቃንዖ። እቲ ማይ ንታሕቲ ምስ ጐደለ ሰራዊቱ እቲ ማይ ኣብ ሰለፎም እናበጽሐ ብማእከሉ ሰንጢቖም ሓለፉ። ነቲ ነዋሕቲ ቀጽርታት ሓሊፎም: በቲ ሄሮዶቱስ “ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ዝኽፈት ደገታታ” ኢሉ ዝጸውዖ: ብሸለልትነት ክፉት እተገድፈ ደገታታ ኣተዉ።6 (ምስ ዳንኤል 5:⁠1⁠-​4፣ ኤርምያስ 50:⁠24፣ 51:⁠31, 32) ንዜኖፎን (ካብ ከባቢ 431 ክሳዕ ከባቢ 352 ቅ.ኣ.ዘ.) ወሲኽካ ካልኦት ጸሓፍቲ ታሪኽ: ከምኡውን ብተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ እትረኽቡ ናይ ኲኒፎርም ጽሑፋት: ባቢሎን ብሃንደበት ኣብ ኢድ ቂሮስ ምውዳቓ የረጋግጹ ኢዮም።7

ስለዚ እቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ባቢሎን ዝሃቦ ትንቢት ተፈጸመ። ወይስ ብሓቂ እተፈጸመ ትንቢት ኣይኰነን ኢዩ፧ እዚ ትንቢት ዘይኰነስ እቲ ኵነታት ምስ ተፈጸመ እተጻሕፈ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ብሓቂ: ብዛዕባ ካልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት እውን ከምዚ ዝበለ ሕቶታት ክለዓል ይኽእል ኢዩ።

ከም ትንቢት ኣምሲልካ ዝቐረበ ታሪኽ ድዩ፧

ንኢሳይያስ ሓዊስካ: እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነብያት ንታሪኽ ትንቢት ከም ዝመስል ገይሮም እንተድኣ ጽሒፎምዎ ኰይኖም: እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ውሕሉላት መታለልቲ ምዃን ሓሊፎም ካልእ ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ምትላል ንኽገብሩ ዘለዓዕሎም ግን እንታይ ኢዩ፧ ሓቀኛታት ነብያት መማለዲ ክቕበሉ ከም ዘይክእሉ ብግልጺ ተዛሪቦም ኢዮም። (1 ሳሙኤል 12:⁠3፣ ዳንኤል 5:⁠17) እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ (መብዛሕትኦም ነብያት ዝነበሩ) ናይ ገዛእ ርእሶም ዘሕፍር ጌጋታት እውን ከይተረፈ ንምግላጽ ፍቓደኛታት ምንባሮም ድማ ድሮ ዘእምን መርትዖታት ርኢና ኢና። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ንታሪኽ ከም ትንቢት ኣምሲሎም ብምቕራብ ዓቢ ምትላል ይገብሩ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ዘይመስል ኢዩ።

ካልእ ክንርእዮ ዘሎና እውን ኣሎ። ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት: ነቶም ካህናትን መራሕትን ሓዊስካ: ናይቶም ነብያት ህዝቢ ዝገበርዎ ኣዝዩ ዘዋርድ ነገራት እውን ዝሓዘ ኢዩ። ንኣብነት: ኢሳይያስ ሕማቕ ዝዀነ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኵነታት ናይቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕትን ህዝብን ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 1:⁠2⁠-​10) ካልኦት ነብያት ንሓጢኣት ናይቶም ካህናት ኣጸቢቖም ኣቃሊዖምዎ ኢዮም። (ጸፎንያስ 3:⁠4፣ ሚልክያስ 2:⁠1⁠-​9) ኣንጻር ህዝቦም ኣዝዩ መሪር ሓሳባት ዝሓዘ ትንቢት ስለምንታይ ከም ዝኣለሙ: እቶም ካህናት ድማ ኣብ ከምዚ ዝበለ ምትላል ስለምንታይ ከም እተሓባበሩ ንኽትርድኦ ከቢድ ኢዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ነብያት ናይ ሓሶት እንተድኣ ነይሮም ከመይ ኢሎም ነዚ ከምዚ ዝበለ ምህዞ ብዓወት ክፍጽምዎ ይኽእሉ፧ ኣብ እስራኤል ትምህርቲ ይተባባዕ ነይሩ ኢዩ። ቈልዑ ካብ ንእሽትኦም ኣትሒዞም ምንባብን ምጽሓፍን ይማሃሩ ነይሮም ኢዮም። (ዘዳግም 6:⁠6⁠-​9) ቅዱሳት ጽሑፋት ብብሕቲ ምንባብ ይተባባዕ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 1:⁠2) ሰንበት ሰንበት ኣብ ኣብያተ ጸሎት ዝግበር ህዝባዊ ንባብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠21) ብምልኡ እተማህረ ህዝቢ: ንቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዝፈልጥ: ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ክታለል ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይመስል ኢዩ።

ብዘይካ እዚ: ኢሳይያስ ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን እተዛረቦ ተወሳኺ ትንቢት ኣሎ። ገለ ካብቲ ዝርዝር ድሕሪ እቲ ፍጻመ ክጻሓፍ ዘይክእል ኢዩ።

“ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ”

ባቢሎን ድሕሪ ምውዳቓ እንታይ ክትከውን ነበራ፧ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ከምዚ ብምባል ነገረ:⁠- “ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ: ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከሰፍሩላን እዮም።” (ኢሳይያስ 13:⁠20) ብዘይምግናን: ጽቡቕ ኣቀማምጣ ዝነበራ ከተማ ንሓዋሩ ሰብ ዘይነብረላ ክትከውን ኢያ ኢልካ ምዝራብ ዘደንጹ ኢዩ ዝመስል። ኢሳይያስ ንዝባደመት ባቢሎን ምስ ረኣየ ደኾን ጽሒፍዎ ይኸውን፧

ብቂሮስ ምስ ተሳዕረት: ሽሕኳ ብዝተሓተ ደረጃ እንተ ነበረ ሰብ ዝነብረላ ባቢሎን ንዘበናት ዝኣክል ጸኒሓ ኢያ። እቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል ኣብ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ምሉእ መጽሓፍ ኢሳይያስ እውን ሒዙ ከም ዝነበረ ዘክር። ኣብቲ እታ ጥቕላል እተቐድሓትሉ እዋን ኣቢሉ ይኸውን ፋርሳውያን ንባቢሎን ተቘጻጸርዋ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ባቢሎን ዝሰፍሩ ኣይሁዳውያን ነበሩ: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ: ጴጥሮስ: ድማ በጺሕዎም ነበረ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠13) ኣብቲ እዋን እቲ: እቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል ናይ መጽሓፍ ኢሳይያስ ካብ ዝጽሓፍ ድሮ ክልተ ክፍለ⁠-​ዘበናት ገይሩ ነበረ። ስለዚ: ክሳዕ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ምሉእ ብምሉእ ኣይባደመትን ነይራ: መጽሓፍ ኢሳይያስ ግን ብዙሕ ዓመታት ኣቐዲማ ተጻሒፋ ነበረት። a

ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ: ባቢሎን ኣብ መወዳእታ ‘ኵምራ ኣእማን’ ኰነት። (ኤርምያስ 51:⁠37) ብመሰረት እቲ እብራዊ ምሁር: ጀሮም (ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ) ዝበሎ: ኣብ ግዜኡ ባቢሎን “ዝዀነ ዓይነት ኣራዊት” ዝንቀሳቐሰላ ናይ ሃድን ቦታ ኰይና ነበረት።9 ባቢሎን ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ባዲማ ኣላ።

ኢሳይያስ ባቢሎን ክሳዕ ሰብ ዘይነብረላ እትኸውን ኣይጸንሐን። ናይታ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረት ከተማ ፍርስራስ: ኣብ ዘመናዊት ዒራቕ ካብ ባቕዳድ ንደቡብ ዳርጋ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ናይቲ “ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ” ዝበሎ ቃላቱ ዘይዛረብ መርትዖ ኣሎ። ንባቢሎን ናይ ቱሪስት መስሕብ ንምግባራ ተባሂሉ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ምሕዳስ ንበጻሕቲ ይስሕቦም ይኸውን: እቲ ናይ ባቢሎን “ስምን ትርፍን” ግን ንዘለኣለም ጠፊኡ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 13:⁠20፣ 14:⁠22, 23

ስለዚ እምበኣር: ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ መጻኢ ንዝፍጸም ነገር ክሰማማዕ ዝኽእል ዘይንጹር ትንቢታት ኣይተዛረበን። ወይ ድማ ንታሪኽ ትንቢት ከም ዝመስል ገይሩ እንደገና ኣይጸሓፎን። ብዛዕብኡ እሞ ሕሰብ:⁠- ሓደ ናይ ሓሶት ነብዪ ብዛዕባ ሓደ ፈጺሙ ክቈጻጸሮ ዘይክእል ነገር​—⁠ዓባይ ባቢሎን ድሕሪ ደጊም ፈጺሙ ሰብ ኣይኪነብረላን ኢዩ ኢሉ “ብምንባይ” ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱስ ስለምንታይ ኢዩ፧

እዚ ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን ዝዛረብ ትንቢት ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢዩ። b ብዙሓት ሰባት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ትንቢታት ምፍጻሙ: ምንጩ ካብ ሰብ ዝለዓለ ምዃኑ ዝሕብር ገይሮም ይወስድዎ። ምናልባት ንስኻውን ነዚ ናይ ትንቢት መጽሓፍ እዚ እንተወሓደ ክምርመር ዝበቅዕ ምዃኑ ትሰማማዕ ትኸውን። ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ግን ኣሎ:⁠- ኣብ መንጎ እቲ እቶም ትንቢት ዝነግሩ ዘመናውያን ሰባት ዝብልዎ ዘይንጹር ወይ ስምዒታዊ ትንቢታትን እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ንጹር: ረዚን: ከምኡውን ውሱን ትንቢታትን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ንትንቢት ኢሳይያስ ሓዊስካ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ መጻሕፍቲ ቅድሚ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፉስ (ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ) ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ቅድሚኡ ነዊሕ ይገብር እተጻሕፈ ምዃኑ ሓበረ።8 ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ካብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ግሪኽ እተተርጐመ ሰፕቱጀንት ኣብ ሳልሳይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ: ኣብ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተወዲኡ።

b ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ተሰኒዱ ዘሎ ታሪኻዊ ኣፈጻጽምኦም ዝገልጽ ሓቅታትን ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ በጃኻ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 117⁠-​33 ርአ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ነብያት ድዮም ነይሮም ወይስ ውሕሉላት መታለልቲ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ፍርስራሳት