ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዳንኤል—ኣብ ፍርዲ ዝቐረበት መጽሓፍ

ዳንኤል—ኣብ ፍርዲ ዝቐረበት መጽሓፍ

ምዕራፍ ክልተ

ዳንኤል​—ኣብ ፍርዲ ዝቐረበት መጽሓፍ

1, 2. መጽሓፍ ዳንኤል ተኸሲሳ ዘላ ብኸመይ ኢያ: ካብቲ ኽሲ ናጻ ንምግባራ ዝቐርብ መርትዖታት ምምርማር ኣገዳሲ ኢዩ ኢልካ እትሓስብከ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ዝምርመረሉ ዘሎ መጋባእያ ከም ዘሎኻ ገይርካ ሕሰብ። ሓደ ሰብ መታለሊ ተባሂሉ ተኸሲሱ ደው ኢሉ ኣሎ። ኣኽባር ሕጊ እቲ ተኸሳሲ ገበነኛ ምዃኑ ኣትሪሩ ይዛረብ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ተኸሳሲ ንጽህናኡ ብምሕላው እተፈልጠ: ጽቡቕ ስም ዘለዎ ሰብ ኢዩ። ነቲ ገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ዘቕርቦ መርትዖታት ንኽትሰምዕ ኣይምተሃንጠኻንዶ፧

2 መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ፍርዲ ቐሪባ ብምህላዋ ኣብ ቅድሜኻ ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። እቲ ጸሓፊኣ ንጽህናኡ ብምሕላው እተፈልጠ ሰብ ኢዩ። እታ ብስሙ እተጸውዐት መጽሓፍ ከኣ ንኣሽሓት ዓመታት ልዑል ግምት ክወሃባ ጸኒሑ ኢዩ። ናይ ሓቂ ታሪኽ ዝሓዘት: ከምኡውን በቲ ኣብ ሻብዓይን ሻድሻይን ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ዳንኤል ዝበሃል እብራዊ ነብዪ ከም እተጻሕፈት እታ መጽሓፍ ባዕላ ትምስክር ኢያ። እታ መጽሓፍ ካብ 618 ክሳዕ 536 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዘሎ ግዜ እተፈጸመ ታሪኽ ዝሓዘት ምዃና: ብ536 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ተጻሒፋ ከም እተወድአት እቲ ልክዕ ዝዀነ መስርዕ⁠-​ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተኸሲሳ ኣላ። ገለ መዝገበ-ፍልጠትን ካልእ ናይ መወከሲ መጻሕፍትን ብምትላል እተጻሕፈት ምዃና ይገልጹ ወይ ይሕብሩ ኢዮም።

3. ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል እንታይ ይብል፧

3 ንኣብነት: ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ እተባህለ መዝገበ-ፍልጠት መጽሓፍ ዳንኤል ሓደ ግዜ “ብሓፈሻ ሓቀኛ ታሪኽን ቅኑዕ ትንቢትን ዝሓዘት መጽሓፍ ኰይና ትርአ ነበረት” ብምባል ኣፍልጦ ይህብ። እቲ ብሪታኒካ ቀጺሉ: ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን መጽሓፍ ዳንኤል “ገለ ግዜያት ምስ ሓለፈ ማለት ኣብቲ ኣይሁዳውያን ኣብ ትሕቲ ኣንቲከስ ራብዓይ ኢፒፋነስ [ሶርያዊ ንጉስ] ብርቱዕ ስቓይ ክወርዶም ከሎ ዝነበረ ሃገራዊ ቅልውላው” ከም እተጻሕፈት ይገልጽ። እቲ መዝገበ-ፍልጠት መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ መንጎ 167 ከምኡውን 164 ቅ.ኣ.ዘ. ከም እተጻሕፈት ኢዩ ዝገልጽ። እዚ መዝገበ-ፍልጠት እዚ ወሲኹ እቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝጸሓፈ “ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ታሪኽ ንመጻኢ ዝፍጸም ትንቢት ኣምሲሉ” ድኣ ኣቕሪብዎ እምበር ብዛዕባ መጻኢ ከም ዘይተነበየ ይገልጽ።

4. ንመጽሓፍ ዳንኤል ምንቃፍ እተጀመረ መዓስ ኢዩ: ኣብዚ ቐረባ ዘመናት ነቲ ነቐፌታታት ዝያዳ ከም ዝብርትዕ ዝገበሮኸ እንታይ ኢዩ፧

4 ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ካበይ ዝመነጨ ኢዩ፧ እዚ ብዛዕባ መጽሓፍ ዳንኤል ዝቐርብ ነቐፌታ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ፖርፊረ ብእተባህለ ፈላስፋ ዝጀመረ ኢዩ። ከምቶም ሽዑ ኣብ ግዝኣት ሃጸይ ሮሜ ዝነበሩ ብዙሓት ካልኦት: በቲ ክርስትና ኣብ ሰባት ዝገብሮ ዝነበረ ጽልዋ ስግኣት ሓደሮ። ነዚ “ሓድሽ” ሃይማኖት እዚ ንምንኣስ ድማ 15 መጻሕፍቲ ጸሓፈ። እታ መበል 12 መጽሓፉ ኸኣ ናብ ትንቢት ዳንኤል ዘቃንዐት ኢያ ነይራ። ፖርፊረ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ሓደ ኣይሁዳዊ ብምትላል ዝጸሓፋ ምዃና ሓበረ። ኣብ መበል 18 ከምኡውን 19 ዘመናት እውን ተመሳሳሊ ነቐፌታታት ቀረበ። ብኣረኣእያ እቶም ሃየር ክሪቲክስ ዝበሃሉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዓይኒ ስነ⁠-​ጽሑፍ ዝምርምሩ ሰባትን ሃይማኖታዊ ሓቂ ኣብ ምኽንያት እተመርኰሰ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ራሽናሊስትን ትንቢት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ፍጻመታት ምዝራብ ዘይከውን ነገር ኢዩ። መጽሓፍ ዳንኤል ከኣ ቀንዲ ናይ መጥቃዕቲ ዒላማ ኰነት። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዳንኤልን መጽሓፉን ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ቐረቡ። ነቐፍቲ እታ መጽሓፍ: ዳንኤል ኣይሁዳውያን ኣብ ምርኮ ባቢሎን ከለዉ ዝጸሓፋ ዘይኰነትሲ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዘመናት ብኻልእ ሰብ ከም እተጻሕፈት ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ከም ዘለዎም ይዛረቡ። a ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ብምብዝሑ ሓደ ጸሓፊ ንመጽሓፍ ዳንኤል ካብ ክሲ ናጻ ንምግባራ ዳንኤል ኣብ መጻወድያ ነቐፍቲ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ጸሓፈ።

5. ንሓቅነት ዳንኤል ዝምልከት ሕቶ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

5 እዞም ነቐፍቲ ነዚ ብምትእምማን ዘቕርብዎ ሓሳብ መረጋገጺ ኣለዎምዶ ኢዩ፧ ወይስ እቲ መርትዖ ኢሎም ዘቕርብዎ ሓቅነት ናይ መጽሓፍ ዳንኤል ኢዩ ዘረጋግጽ፧ ኣብዚ ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ተጠቓሊሉ ኣሎ። ሓቅነት ናይዛ ጥንታዊት መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ መጻኢና እውን እቱው ኢዩ። መጽሓፍ ዳንኤል ብምትላል እተጻሕፈት እንተ​ድኣ ዀይና: እቲ ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብ ዝገልጽ ትሕዝቶኣ ከንቱ ቓላት ጥራይ ማለት ኢዩ። ሒዛቶ ዘላ ናይ ሓቂ ትንቢታት እንተ​ድኣ ዀይኑ ግን ሕጂ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ከም እትህንጠ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮና ብምግባር ንገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ዳንኤል ዝወረደ መጥቃዕቲ ንመርምሮ።

6. ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ታሪኽ እንታይ ክሲ ኢዩ ዝቐርብ፧

6 ንኣብነት: ነቲ ኣብ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና እተባህለ መዝገበ-ፍልጠት ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ርአ:- ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል “ብዙሕ ካብቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ታሪኻዊ ዝርዝራት [ብዛዕባ ምርኮ ባቢሎን ዝገልጽ ዝኣመሰለ ዝርዝራት] ተዛቢዑ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ።” እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ እስከ ጌጋ ኢዩ ንዝበሃል ሰለስተ ነጥብታት በብሓደ ንርኣዮ።

ጕዳይ ናይቲ ዘይተፈልጠ ንጉስ

7. (ሀ) ዳንኤል ብዛዕባ ቤልሻጽር ምጥቃሱ ንነቐፍቲ ዘሐጕሶም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ቤልሻጽር ናይ ፈጠራ ገጸ⁠-​ባህርይ ኢዩ ዝብል ኣምር እንታይ ኣጋጠሞ፧

7 ዳንኤል ባቢሎን ክትወድቕ ከላ ቤልሻጽር “ወዱ” ንነቡካድነጻር ንጉስ ከም ዝነበረ ጽሒፉ ኣሎ። (ዳንኤል 5:⁠1, 11, 18, 22, 30) እቲ ቤልሻጽር ዝብል ስም ብዘይ​ካ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ካልእ ስለ ዘየለ ነቐፍቲ ንነዊሕ ግዜ ከም መርትዖ ክጥቀምሉ ጸኒሖም ኢዮም። ጥንታዎት ጸሓፍቲ ታሪኽ ንነቡካድነጻር ተኪኡ ናይ መወዳእታ ንጉስ ባቢሎን ዝዀነ ናቦኒደስ ምዃኑ ኢዮም ዝጠቕሱ። ስለዚ ኸኣ ብ1850 ፈርዲናንድ ሄሲክ ቤልሻጽር ዝብል ስም ናይቲ ጸሓፊ ፈጠራ ምዃኑ ዘጠራጥር ነገር ከም ዘየለ ገለጸ። እንተ​ዀነ ግን: እዚ ሄሲክ ዘቕረቦ ሓሳብ ናይ ሃወኽ ኰይኑዶ ኣይስምዓካን፧ ደሓር ከኣ እዚ ንጉስ እዚ: ብፍላይ ኣብቲ ብዙሕ ታሪኻዊ መዛግብቲ ዘይነበረሉ ግዜ: ስሙ ስለ ዘይተጠቕሰ ጥራይ ፈጺሙ ከም ዘይነበረ ከረጋግጽ ይኽእልዶ፧ ዝዀነ ዀይኑ ግን: ብ1854 ኣብ ሓንቲ ኡር እትበሃል ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን: ሕጂ ደቡባዊ ኢራቕ: ካብ ካይላ እተሰርሐ ንኣሽቱ ስብርባር ብምርምር ስነ⁠-​ጥንቲ ተረኽበ። እዚ ናይ ንጉስ ናቦኒደስ ናይ ኲኒፎርም ሰነዳት “ንቤልሳርሱር: ቦዅሪ ወደይ” ኢሉ ዝገበሮ ጸሎት እውን ይርከቦ። ነቐፍቲ እውን ከይተረፉ እዚ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሱ ዘሎ ቤልሻጽር ምዃኑ ክኣምኑ ተገዲዶም ኢዮም።

8. ዳንኤል ንቤልሻጽር ከም ዝገዝእ ንጉስ ገይሩ ምጥቃሱ ሓቂ ምዃኑ ብምንታይ ተረጋጊጹ፧

8 እንተ​ዀነ ግን: ነቐፍቲ በዚ መረጋገጺ እዚ ኣይዓገቡን። ሓደ ኤች. ኤፍ. ታልቦት እተባህለ “እዚ ኣዕጋቢ መረጋገጺ ኣይኰነን” በለ። ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ዘሎ ውላድ ንእሽቶ ቘልዓ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ዳንኤል ግን ከም ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ። ይኹን እምበር: ናይ ታልቦት ሓሳብ ተሓቲሙ ምስ ወጸ ድሕሪ ሓደ ዓመት ቤልሻጽር ጸሓፍትን ኣባላት ቤተሰብን ዝነበርዎ ምዃኑ ዝሕብር ካልእ ተወሳኺ ናይ ኲኒፎርም ጽላት ተረኽበ። እዚ ቤልሻጽር እዚ ፈጺሙ ቈልዓ ኣይነበረን! ኣብ መወዳእታ ናቦኒደስ ንዓመታት ዝኣክል ካብ ባቢሎን ርሒቑ ይገይሽ ምንባሩ ዝገልጽ ካልእ ጽላት ስለ እተረኽበ እቲ መርትዖ ዝያዳ ደልደለ። እዚ ጽላት እዚ ናቦኒደስ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ንቦዅሪ ወዱ (ቤልሻጽር) ናይ ባቢሎን “ንግስነት ብሕድሪ ይህቦ ” ምንባሩ ሓበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜያት ቤልሻጽር ንጉስ​—⁠ተሓጋጋዚ ኣቦኡ​—⁠ይኸውን ነበረ። b

9. (ሀ) ዳንኤል ቤልሻጽር ወዲ ነቡካድነጻር ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል፧ (ለ) ነቐፍቲ: ናቦኒደስ ዝበሃል ምንባሩ እኳ ዳንኤል ኣይጠቐሰን ኢሎም ምክትዖም ጌጋ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ገለ ነቐፍቲ በቲ ዝቐረበ መርትዖታት ገና ስለ ዘይዓገቡ መጽሓፍ ቅዱስ ንቤልሻጽር ወዲ ነቡካድነጻር ድኣ እምበር ወዲ ናቦኒደስ ምዃኑ ኣይጠቅስን ኢዩ ይብሉ። ገሊኣቶም ከኣ ዳንኤል ናቦኒደስ ዝበሃል ከም ዘይጠቐሰ ይዛረቡ። ይኹን እምበር: ምስ እንምርምር ክልቲኡ ተቓውሞታት ከንቱ ኢዩ ዝኸውን። ናቦኒደስ ጓል ነቡካድነጻር እተመርዓወ ኢዩ ዝመስል። ስለዚ ኸኣ ቤልሻጽር ወዲ ጓሉ ንነቡካድነጻር ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ። ቋንቋ እብራይስጢ ይኹን ኣረማይስጢ “ኣባሓጎ” ወይ “ወዲ ጓል (ወዲ ወዲ)” ዝብል ቃላት የብሉን፣ ስለዚ ኸኣ “ወዲ እገለ” ተባሂሉ ክጸሓፍ ከሎ “ወዲ ጓሉ (ወዲ ወዱ) ንእገለ” ወይ እውን “ወለዶ እገለ” ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 1:⁠1 ኣረኣእዮ።) ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ ቤልሻጽር ወዲ ናቦኒደስ ምዃኑ ዝሕብር ሓሳብ ኣለዎ። ቤልሻጽር ኣብ መንደቕ እትጽሕፍ ሓንቲ ኢድ ርእዩ ምስ ረዓደ ትርጕም ናይተን እተጻሕፋ ንዝነገሮ ሰብ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ክገብሮ ምዃኑ ተዛረበ። (ዳንኤል 5:⁠7) ኣብ ክንዲ ካልኣይ ገዛኢ ሳልሳይ ገዛኢ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ ቀዳማይን ካልኣይን ቦታ ድሮ ተታሒዙ ምንባሩ ዝሕብር ኢዩ። ቀዳማይን ካልኣይን ቦታ ብናቦኒደስን ወዱ ቤልሻጽርን ተታሒዙ ነበረ።

10. እቲ ዳንኤል ብዛዕባ ነገስታት ባቢሎን ዝሃቦ ጸብጻብ ካብቲ ናይቶም ጥንታዎት ጸሓፍቲ ታሪኽ ንላዕሊ ዝያዳ ዝርዝር ሓሳባት ዝሓዘ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ስለዚ እምበኣር ዳንኤል ንቤልሻጽር ምጥቃሱ “እተዛብዐ” ታሪኽ ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ዳንኤል ቀንዲ ዋኒኑ ታሪኽ ባቢሎን ምጽሓፍ እኳ እንተ​ዘይነበረ: ብዛዕባ ነገስታት ባቢሎን ካብ በዓል ሄሮዳቶስ: ዜኖፎን: ከምኡውን ቤሮሰስ ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ ንላዕሊ ዝያዳ ዝርዝር ሓሳባት ዝሓዘ ታሪኽ ኢዩ ኣቕሪቡ። ዳንኤል ጸሓፍቲ ታሪኽ ክጽሕፍዎ ዘይከኣሉ ጭብጥታት ክጽሕፍ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ ባቢሎን ስለ ዝነበረ ኢዩ። መጽሓፉ ኣብቲ ድሒሩ ዝነበረ ዘመናት ብግምት ዝጸሓፋ ኣይኰነትን: ናይቲ ብዓይኑ ዝረኣዮ ነገራት ጸብጻብ ኢያ ሒዛ ዘላ።

ዳርዮስ ሜዶናዊ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧

11. ብመሰረት እቲ ዳንኤል ዝበሎ ዳርዮስ ሜዶናዊ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ብዛዕብኡ ግን እንታይ ኢዩ እተባህለ፧

11 ባቢሎን ምስ ወደቐት “ዳርዮስ ሜዶናዊ” እተባህለ ንጉስ ክገዝእ ከም ዝጀመረ ዳንኤል ገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 5:⁠31) ዳርዮስ ሜዶናዊ ዝብል ኣብ ዓለማዊ ወይ ስነ⁠-​ጥንታዊ ምንጭታት ኣይተረኽበን። ስለዚ ኸኣ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ እዚ ዳርዮስ ተባሂሉ ዘሎ “ናይ ፈጠራ ገጸ⁠-​ባህርይ ኢዩ” ይብል።

12. (ሀ) ነቐፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ብድብድቡ ዳርዮስ ዝበሃል ፈጺሙ ኣይነበረን ኣብ ክንዲ ምባል እንታይ ኢዮም ክፈልጡ ዘለዎም፧ (ለ) ዳርዮስ ሜዶናዊ መን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል: ነዚኸ ኣየናይ መርትዖ ኢዩ ዝሕብር፧

12 ገለ ምሁራት ዝያዳ ጥንቁቓት ኢዮም። ደሓር ከኣ ነቐፍቲ ንቤልሻጽር እውን “ናይ ፈጠራ” ዝብል ስም ለጢፎምሉ ነይሮም ኢዮም። ናይ ዳርዮስ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ቂሮስ ፋርሳዊ ምስ ሰዓረ ሽዑ ንሽዑ “ንጉስ ባቢሎን” ዝብል ስም ከም ዘይወሰደ ዝሕብር ናይ ኲኒፎርም ጽላት ኣሎ። ሓደ ተመራማሪ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “ዝዀነ ይኹን ‘ንጉስ ባቢሎን’ ዝብል መዓርግ ዝነበሮ ሰብ ቂሮስ ባዕሉ ዘይኰነስ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ንጉስ ኢዩ።” ዳርዮስ ዝብል ስም ናይ ንግስነት ስም ወይ መዓርግ ናይ ሓደ ንባቢሎን ከማሓድር ሓላፍነት እተዋህቦ ሓያል ሜዶናዊ በዓል ስልጣን ክኸውን ይኽእልዶ፧ ገሊኣቶም እዚ ዳርዮስ እዚ ሓደ ጉባሩ እተባህለ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ይብሉ። ቂሮስ ንጉባሩ ኣማሓዳሪ ባቢሎን ገይሩ ከም ዝሸሞ: ኣብ ባቢሎን ከኣ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዝነበሮ ዓለማዊ መዛግብቲ ይሕብር ኢዩ። ሓደ ናይ ኲኒፎርም ጽላት ከም ዝሕብሮ ጉባሩ ኣብ ትሕቲኡ ኰይኖም ኣብ ባቢሎን ዝገዝኡ ኣማሓደርቲ ይሸይም ነይሩ ኢዩ። እቲ ዝገርም ከኣ ዳንኤል እውን ዳርዮስ ንመንግስቲ ባቢሎን ዘማሓድሩ 120 መሳፍንቲ ከም ዝሸመ ጠቒሱ ኣሎ።​—⁠ዳንኤል 6:⁠1

13. ዳርዮስ ኣብ ዓለማዊ መዛግብቲ ዘይኰነስ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ጥራይ ተጠቒሱ ምህላዉ ቅቡል ክዀነሉ ዝኽእል ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

13 ጸኒሑ እዚ ንጉስ እዚ መን ምዃኑ ብንጹር ዝገልጽ መርትዖታት ይርከብ ይኸውን። እቲ ዀይኑ እቲ ግን: ብዛዕባ ዳርዮስ ዝገልጽ ብተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይተረኽበ “ናይ ፈጠራ” ኢዩ ወይ እውን ንመጽሓፍ ዳንኤል ናይ ምትላል ኢያ ንምባል ፈጺሙ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ዳንኤል ጸብጻብ ካብ ዝዀነ ይኹን ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ መዛግብቲ ንላዕሊ ዝርዝር ሓሳባት ዝሓዘ ናይ ዓይኒ ምስክር ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝዀነ ገይርካ ምቕባሉ ዝያዳ ምኽንያታዊ ኢዩ።

ንግስነት ዮኣቂም

14. ነቲ ንጉስ ዮኣቂም ዝነገሰሉ ዓመታት ኣመልኪቶም ዳንኤልን ኤርምያስን ዘቕረብዎ ጸብጻብ ንሓድሕዱ ዘይጋጮ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ዳንኤል 1:⁠1 “ንመንግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ: ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ ከበባውን” ትብል። ነቐፍቲ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስቲ ራብዓይ ዓመት ዮኣቂም ቀዳማይ ዓመት ግዝኣት ነቡካድነጻር ምዃኑ ዝገለጸ ኤርምያስ ዘይትሰማማዕ ገይሮም ብምውሳድ ከም ጌጋ ኢዮም ዝርእይዋ። (ኤርምያስ 25:⁠1፣ 46:⁠2) ዳንኤል ምስ ናይ ኤርምያስ ዝጋጮ ሓሳብ ድዩ ዘቕርብ ዘሎ፧ ኣጸቢቕና ምስ እንምርምር: እቲ ጕዳይ ዝያዳ ግልጺ ምዃኑ ንርዳእ ኢና። ፈርኦን ኔኮ ብ628 ቅ.ኣ.ዘ. ንዮኣቂም ንጉስ ምስ ገበሮ ዮኣቂም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቲ ግብጻዊ ንጉስ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ነቡካድነጻር ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ብ624 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነገሰሉ ዕለት ሰለስተ ዓመት ኣቐዲሙ ማለት ኢዩ። ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ (ብ620 ቅ.ኣ.ዘ.) ነቡካድነጻር ንይሁዳ ወረራ: ንዮኣቂም ከኣ ኣብ ትሕቲ ባቢሎን ዝግዛእ ንጉስ ገበሮ። (2 ነገስት 23:⁠34፣ 24:⁠1) ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ ‘ሳልሳይ ዓመት’ ግዝኣት ዮኣቂም ማለት ኣብ ትሕቲ ንጉስ ባቢሎን ካብ ዝኣቱ ማለት ኢዩ። ዳንኤል በዚ መዳይ እዚ ኢዩ ጽሒፍዎ። ኤርምያስ ግን ብኣረኣእያ ናይቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኢዩ ጽሒፉ። ስለዚ ኸኣ ግዝኣት ዮኣቂም ክብል ከሎ ካብቲ ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ዝገበሮ ዓመት ኣትሒዙ ማለት ኢዩ።

15. ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳንኤል 1:⁠1 ዘሎ ዕለት ወቐሳ ምቕራብ ከንቱ መጐተ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ስለዚ እምበኣር: እዚ ኣብ መንጎ ጸብጻብ ዳንኤልን ኤርምያስን ፍልልይ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ዳንኤል ነታ መጽሓፍ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኰይኑ ከም ዝጸሓፋ ንዘርኢ መርትዖ ዘራጕዶ ኢዩ። ድሓር ከኣ እዚ ኣንጻር መጽሓፍ ዳንኤል ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ካልእ ርኡይ ጕድለት እውን ኣለዎ። እቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝጸሓፈ: መጽሓፍ ኤርምያስ ምስኡ ከም ዝነበረት ከም መወከሲ ኸኣ ተጠቒሙላ ክኸውን ከም ዝኽእል ንጹር ኢዩ። (ዳንኤል 9:⁠2) ከምቲ ነቐፍቲ ዝብልዎ እቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝጸሓፈ ሰብ ዝወጸሉ መታለሊ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ነቲ ከም ኤርምያስ ዝኣመሰለ ብዙሕ ክብሪ ዝወሃቦ ዝነበረ ጸሓፋይ ዝጻረር: እሞ ኸኣ ኣብ መእተዊ ናይ መጽሓፉ: ምጸሓፈዶ፧ ብርግጽ ኣይምጸሓፈን!

ርጡብ ዝዀነ ዝርዝር ሓሳብ

16, 17. ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ መርትዖታት (ሀ) ነቲ ነቡካድነጻር ኵሎም ህዝቡ ንኸምልኽዎ ሃይማኖታዊ ምስሊ ምቛሙ: (ለ) ነቲ ነቡካድነጻር ኣብ ባቢሎን ብዝገብሮ ዝነበረ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት ይዕበ ምንባሩ ዝገልጽ ኣብ ጸብጻብ ዳንኤል ዘሎ ሓሳብ ዝድግፎ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ሕጂ ካብቲ ኣሉታዊ ናብቲ ኣወንታዊ ነገራት ኣቓልቦ ንግበር። ብዛዕባ እቲ ጸሓፊ ጠቒስዎ ዘሎ ግዜ ናይ ዓይኒ ምስክር ምዃኑ ዘርኢ ገለ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ዝርዝር ሓሳባት እስከ ንርአ።

17 ዳንኤል ብዛዕባ ጥንታዊት ባቢሎን ደቀቕቲ ዝርዝራት ምሃቡ እቲ ጸብጻብ ሓቀኛ ምዃኑ ንኽትኣምን ዝድርኽ ኢዩ። ንኣብነት: ዳንኤል 3:⁠1-6 ነቡካድነጻር ኵሎም ሰባት ንኸምልኽዎ ዓቢ ምስሊ ከም ዝገበረ ጸብጻብ ትህብ። ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ተመራመርቲ እዚ ንጉስ እዚ ንህዝቡ ኣብ ሃገራውን ሃይማኖታውን ጕዳያት ኣጸቢቖም ዝዋስኡ ክገብሮም ይደሊ ምንባሩ ዘርኢ መርትዖታት ረኺቦም ኢዮም። ብተመሳሳሊ: ነቡካድነጻር በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብዙሕ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት ይዕበ ምንባሩ ዳንኤል ገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 4:⁠30) ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ተመራመርቲ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት ብነቡካድነጻር ምዃኑ ዘረጋገጹ ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ኢዮም። ስሙ ኣብ ሕጡብ ከም ዝሕተም ምግባሩ ዕቡይ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኢዩ! እቶም ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝነቕፉ ሰባት እቲ ኣብ መዋእል መቃባውያን (167-63 ቅ.ኣ.ዘ.) ዝነበረ መታለሊ ዝብልዎ ሰብ ብዛዕባ እቲ ካብ ዝውዳእ ኣርባዕተ ዘመን ገይሩ ዝነበረ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ከይፈለጥዎ ኸለዉ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ከመይ ኢሉ ክፈልጦ ከም ዝኸኣለ ክገልጽዎ ኣይክእሉን ኢዮም።

18. እቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዝኣት ባቢሎንን ፋርስን ዝነበረ እተፈላለየ ዓይነት ኣቀጻጽዓ ዝሃቦ ጸብጻብ ልክዕነት ዘንጸባርቕ ብኸመይ ኢዩ፧

18 መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ መንጎ ሕጊ ባቢሎናውያንን ሕጊ ሜዶንን ፋርስን መሰረታዊ ፍልልያት ከም ዘሎ እውን ትገልጽ ኢያ። ንኣብነት: ብመሰረት ሕጊ ባቢሎን እቶም ሰለስተ ብጾት ዳንኤል ንትእዛዝ ንጉስ ምፍጻም ምስ ኣበዩ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኢዮም ተደርብዮም። ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ ግን ዳንኤል ነቲ ምስ ሕልናኡ ዘይሰማማዕ ሕጊ ፋርስ ምስ ነጸጎ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኢዩ ተደርብዩ። (ዳንኤል 3:⁠6፣ 6:⁠7-9) ገሊኣቶም ነቲ ብዛዕባ ጕሁር እቶን ሓዊ ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ክነጽግዎ ፈቲኖም ኢዮም: ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ግን ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን እተጻሕፈት ብዛዕባ እዚ ዓይነት መቕጻዕቲ እዚ ፈልያ እትጠቅስ ደብዳበ ረኺቦም ኢዮም። ንሜዶንን ፋርስን ግን ሓዊ ቅዱስ ነገር ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ካልእ ሕማቕ ዓይነት ኣቀጻጽዓ ይጥቀሙ ነበሩ። ጕድጓድ ኣናብስ ምንባሩ ድማ ዘገርም ኣይኰነን።

19. መጽሓፍ ዳንኤል እንታይ ኣብ መንጎ ባቢሎንን ሜዶንን ፋርስን ዝነበረ ፍልልይ ናይ ሕጋዊ ኣገባብ ኢያ እተነጽር፧

19 ካልእ ምንጽጻር እውን ኣሎ። ንጉስ ነቡካድነጻር ከም ድሌቱ ሕጊ ክሕግግን ክልውጥን ከም ዝኽእል ዳንኤል ገሊጹ ኣሎ። ዳርዮስ ግን ነቲ ባዕሉ ዝገበሮ እውን ወሲኽካ ‘ንሕጊ ሜዶንን ፋርስን’ ክልውጥ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ! (ዳንኤል 2:​5, 6, 24, 46-​49፣ 3:​10, 11, 29፣ 6:​12-​16) ጆን ሲ. ዋይትኮም እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ባቢሎን እቲ ሕጊ ኣብ ትሕቲ እቲ ንጉስ ምንባሩ: ኣብ ሜዶንን ፋርስን ግን እቲ ንጉስ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ምንባሩ ጥንታዊ ታሪኽ ነዚ ፍልልያት እዚ ይድግፎ ኢዩ።”

20. ኣብቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ቤልሻጽር ዘዳለዎ ድግስ ዝሃቦ ዝርዝር ንልምዲ ባቢሎን ዝምልከት ብዓይኑ ዝረኣዮ ነገራት ከም ዘሎ ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

20 እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 5 ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ እቲ ቤልሻጽር ዘዳለዎ ድግስ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣኽል⁠-​ታርፍ ዝዀነ ዝርዝር ሓሳባት ኢዩ ሒዙ ዘሎ። ወይኒ ተጠቒሱ ምህላዉ ከም ድላይካ ምብላዕን ምስታይን ምንባሩ ኢዩ ዝሕብር። (ዳንኤል 5:⁠1, 2, 4) አረ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድግሳት ወይኒ ጥራይ ይቐርብ ምንባሩ እውን መርትዖታት ይሕብር ኢዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድግሳት ወይኒ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ድግስ እዚ ናይቲ ንጉስ ኣንስትን ዕቁባትን ከም ዝነበራ ዳንኤል ጠቒሱ ኣሎ። (ዳንኤል 5:⁠3, 23) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ባቢሎን ሓቂ ምዃኑ ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ መርትዖታት ይድግፎ ኢዩ። እቶም ኣብ መዋእል መቃባውያን ዝነበሩ ኣይሁዳውያንን ግሪኻውያንን: ኣንስቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ክካፈላ ከም ነውሪ ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ምናልባት እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ትርጕማት መጽሓፍ ዳንኤል: ኣንስቲ ምንባረን ዘይጠቐሰ በዚ ምኽንያት እዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። c ከም ኣበሃህላ እቶም ነቐፍቲ: እዚ ንመጽሓፍ ዳንኤል ብምትላል ጽሒፍዋ ዝበሃል ዘሎ ሰብ እውን ኣብቲ ናይ ግሪኽ ባህሊ ዝነበረሉ ግዜ: ምናልባት እውን ኣብቲ ሰፕቱጀንት እተሓትመሉ መዋእል: ኢዩ ዝነብር ነይሩ ማለት ኢዩ!

21. ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ባህልን ግዜን ኣጸቢቑ ክፈልጥ ምኽኣሉ ቀንዲ ቅቡል ምኽንያት እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

21 ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝራት ርኢኻ: መዝገበ-ፍልጠት ብሪታኒካ ነቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝጸሓፈ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ነገራት “ውሑድን ዘይቅኑዕን” ፍልጠት ከም ዝነበሮ ገይሩ ምጥቃሱ ዘገርም ኢዩ። ሓደ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ነዊሕ ዘመናት ጸኒሑ ዝነበረ መታለሊ ነቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ናይ ባቢሎናውያንን ፋርሳውያንን ባህሊ ከመይ ኢሉ ኣጸቢቑ ክፈልጦ ይኽእል፧ ክልቲኦም ሃጸያት ቅድሚ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ነዊሕ ይገብር ከም ዝጠፍኡ እውን ኣይትረስዓዮ ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ኣይነበሩን፣ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ከኣ ናይ ካልእ ባህልን ታሪኽን ምፍላጥ ክሳዕ ክንድቲ ኣየገድሶምን ኢዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ እቲ ግዜን ፍጻሜታትን ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ጥራይ ኢዩ ነታ ብስሙ ተጸዊዓ ዘላ መጽሓፍ ክጽሕፋ ዝኽእል።

መጽሓፍ ዳንኤል ብምትላል እተጻሕፈት ምዃና ዘርኢ ደጋዊ መርትዖታት ኣሎዶ፧

22. ነቐፍቲ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘለዋ ቦታ እንታይ ይብሉ፧

22 ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ቀንዲ ወቐሳ: ነቲ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሒዛቶ ዘላ ቦታ ዝምልከት ኢዩ። እቶም ጥንታዎት ራቢታት ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ሰለስተ ጕጅለ​—⁠ሕጊ: ነብያት: ጽሑፋት​—⁠ይምድብዎ ነበሩ። ንመጽሓፍ ዳንኤል ከኣ ምስ ነብያት ዘይኰነስ ምስቲ ጽሑፋት ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ ኢዮም መዲቦምዋ። ስለዚ ኸኣ ነቐፍቲ ከም ዝብልዎ ናይ ካልኦት ነብያት መጻሕፍቲ ክእከብ ከሎ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ፍልጥቲ ኣይነበረትን። እቲ ጽሑፋት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዳሕራይ እተኣከበ ብምዃኑ ምስኡ ኣትያ ኣላ ማለት ኢዩ።

23. ጥንታዎት ኣይሁድ ንመጽሓፍ ዳንኤል ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም: ብኸመይከ ንፈልጥ፧

23 ይኹን እምበር: እቶም ጥንታዎት ራቢታት ንቕዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ገይሮም ድርቕ ብዝበለ መገዲ ምምዳቦም ወይ ንዳንኤል ካብ ነብያት ምውጽኦም ኵሎም ተመራመርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰኑን ዝሰማምዕሉ። እንተ​ዀነ ግን: እቶም ራቢታት ንዳንኤል ዋላ እውን ምስቲ ጽሑፋት ዝበሃል እንተ​ መደብዋ ዳሕራይ ከም እተጻሕፈት መረጋገጺ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ጽቡቕ ስም ዘለዎም ምሁራት እቶም ራቢታት ንመጽሓፍ ዳንኤል ስለምንታይ ካብ ነብያት ከም ዘውጽእዋ ዝገልጽ ብዙሕ ሓሳባት የቕርቡ ኢዮም። ንኣብነት: ነታ መጽሓፍ ስለ ዘይፈተውዋ ወይ ዳንኤል ኣብ ባዕዲ ሃገር ከይዱ ዓለማዊ ስልጣን ምሓዙ ካብ ካልኦት ነብያት እተፈልየ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዀይኑ እቲ ግን: ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- እቶም ጥንታዎት ኣይሁድ ንመጽሓፍ ዳንኤል ዓሚቝ ኣኽብሮት ነይርዎም ኢዩ: ክፍሊ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ከኣ ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ብመርትዖ ከም እተረኽበ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ቅድሚ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ነዊሕ ይገብር ተወዲኡ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ እውን ወሲኽካ ብድሕሪኡ ዝመጸ ዝዀነ ይኹን ጽሑፋት ተቐባልነት ኣይነበሮን።

24. ነታ ክፍሊ መጽሓፍ ኣዋልድ ዝዀነት ኤክለስያስቲከስ እትበሃል መጽሓፍ ኣንጻር ዳንኤል ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙላ: እዚ ሓሳባት እዚ ጌጋ ምዃኑ እንታይ የርኢ፧

24 እቲ ዘገርም ድማ ሓንቲ ካብተን ዳሕራይ እተጻሕፋ ንጹጋት መጻሕፍቲ ኣንጻር መጽሓፍ ዳንኤል ከም መርትዖ ትቐርብ ኢያ። ጂሰስ ቤን ሲራክ ዝጸሓፋ ኤክለስያስቲከስ እትበሃል ኣብ መጽሓፍ ኣዋልድ እትርከብ መጽሓፍ ብ180 ቅ.ኣ.ዘ. ኢያ ተጻሒፋ። ነቐፍቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ዘሎ ነዊሕ ዝርዝር ኣስማት ናይ ጻድቃን ሰባት ዳንኤል የለን ብምባል ይዛረቡ። ዳንኤል ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይፍለጥ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ ኸኣ ይብሉ። ነዚ ሓሳብ እዚ ኸኣ ብዙሓት ምሁራት ይቕበልዎ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ:- ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት እዝራን ማርዶካይን (በቶም ቅድሚ ዘመነ⁠-​ሃዋርያት ዝነበሩ ኣይሁድ ከም ዓበይቲ ሰባት ዝረኣዩ ዝነበሩ): እቲ ንፉዕ ንጉስ ዝነበረ ዮሳፋጥ: ከምኡውን እቲ ብቕንዕንኡ ፍሉጥ ዝነበረ እዮብ የለዉን፣ ካብ ኵሎም መሳፍንቲ ኸኣ ሳሙኤል ጥራይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። d እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ እተማልአ ጸብጻብ ዝሓዘ ምዃኑ ዘይሕብር: ክፍሊ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ዘይኰነ መጽሓፍ ስለ ዘይተጠቕሱ ጥራይ ናይ ፈጠራ ኢዮም ክንብል ንኽእልዶ፧ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዘደንጹ ሓሳብ ኢዩ።

ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝድግፍ ደጋዊ መርትዖ

25. (ሀ) ጆሰፉስ ንሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ብኸመይ ኣረጋገጾ፧ (ለ) እቲ ጆሰፉስ ብዛዕባ ኣለክሳንደር ዓብን መጽሓፍ ዳንኤልን ዝሃቦ ጸብጻብ ምስቲ ፍሉጥ ታሪኽ ዝሰማማዕ ብኸመይ ኢዩ፧ (ነታ ካልኣይቲ እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።) (ሐ) ብናይ ቋንቋ መጽናዕቲ እተረኽበ መርትዖታት ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝድግፍ ብኸመይ ኢዩ፧ (ገጽ 26 ርአ።)

25 እስከ ሕጂ ኸኣ እንደገና ነቲ ኣወንታዊ መዳያት ንርአ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ከም መጽሓፍ ዳንኤል ገይራ ሓቅነታ እተረጋገጸት መጽሓፍ ከም ዘየለ ኢዩ ዝንገር። ንመረዳእታ:- እቲ ውሩይ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፉስ ሓቂ ምዃና መስኪሩ ኢዩ። ኣለክሳንደር ዓቢ ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣንጻር ፋርስ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ኲናት ናብ የሩሳሌም ከም ዝመጸ እሞ እቶም ካህናት ከኣ ቅዳሕ መጽሓፍ ዳንኤል ከም ዘርኣይዎ ጠቒሱ ኣሎ። ኣለክሳንደር እውን እቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ ብዛዕብኡ ዝዛረብ ቃላት ነቲ ንሱ ኣንጻር ፋርስ ዝገበሮ ወተሃደራዊ ወፈራ ከም ዘመልክት ተዛሪቡ ኢዩ። e እዚ ኸኣ ቅድሚ እቲ ነቐፍቲ “መታለሊ” ኢሎምዎ ዘለዉ ሰብ ዝነበረሉ እዋን ዳርጋ ዘመንን መንፈቕን ኣቐዲሙ ማለት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እቶም ነቐፍቲ ንጆሰፉስ እውን ከምዚ ብምባሉ ጸሪፎምዎ ኢዮም። ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ትንቢታት ከም እተፈጸመ ብምግላጹ እውን ጸሪፎምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ጆሴፍ ዲ. ዊልሰን እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝሓበሮ “ካብ ኵሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ነቐፍቲ ንላዕሊ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝፈልጥ [ጆሰፉስ] ኢዩ።”

26. እቲ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ንሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ዝድግፍ ብኸመይ ኢዩ፧

26 እቲ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ኣብቲ ኣብ ቁምራን: እስራኤል: ዘሎ በዓትታት ምስ ተረኽበ እውን ንሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ዝኸውን ተወሳኺ መርትዖ ተረኺቡ ኢዩ። እቲ ዘገርም ድማ ዝበዝሕ ካብቲ ብ1952 እተረኽበ ጥቕላላትን ቍርጽራጻትን ናይ መጽሓፍ ዳንኤል ኢዩ ነይሩ። ካብቲ እተረኽበ እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ኣብ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ኢዩ። ኣብቲ ዕለት እቲ እምበኣር መጽሓፍ ዳንኤል ድሮ ፍልጥትን ሰፊሕ ተቐባልነት ዝነበራን ኢያ ነይራ። እቲ ዘ ዞንደርቫን ፒክቶርያል ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዘ ባይብል እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መዝገበ-ፍልጠት ከምዚ ይብል:- “እቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል ተዋሂቡ ዘሎ ናይ መቃባውያን ዕለት ሕጂ ክግደፍ ኣለዎ: ከመይሲ ኣብ መንጎ እቲ መጽሓፍ ዳንኤል እተቐናበረትሉን ኣብ ናይ መቃባውያን ሃይማኖታዊ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ብመልክዕ ቅዳሕ እተቐመጠትሉን እኹል ዝዀነ ግዜ የለን።”

27. ዳንኤል ኣብ ግዜ ምርኮ ባቢሎን ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ ናይ ሓቂ ሰብ ምዃኑ ዘርኢ ናይ ቀደም መርትዖ እንታይ ኢዩ፧

27 ይኹን እምበር: ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝኸውን ናይ ቀደምን ዝያዳ ትውክልቲ ዝግበሮን መርትዖ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዳንኤል ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ሰብ ነብዪ ህዝቅኤል ኢዩ። ንሱውን ኣብቲ ናይ ባቢሎን ናይ ባርነት ግዜ ነብዪ ኰይኑ የገልግል ነበረ። መጽሓፍ ህዝቅኤል ብዙሕ ግዜ ንዳንኤል ብስሙ ትጠቕሶ ኢያ። (ህዝቅኤል 14:⁠14, 20፣ 28:⁠3) እዚ ኸኣ ዳንኤል ኣብቲ ብህይወት ዝነበረሉ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እውን ከይተረፈ ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኖህን እዮብን ንኽጥቀስ ዝበቅዕ ጻድቕን ጥበበኛን ሰብኣይ ከም ዝነበረ ዘርኢ ኢዩ።

ካብ ኵሉ ዝበለጸ ምስክር

28, 29. (ሀ) መጽሓፍ ዳንኤል ሓቂ ምዃና ዘርኢ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዘእምን መርትዖ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ምስክርነት የሱስ ክንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

28 ኣብ መወዳእታ ንሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ዘረጋግጽ ካብ ኵሉ ዝቐርብ መርትዖታት እቲ ዝበለጸ ምስክር ክኸውን ዝኽእል የሱስ ክርስቶስ እስከ ንርአ። ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ክዛረብ ከሎ ‘ነብዪ ዳንኤል’ ኢሉ ጠቒሱ ኣሎ: ከምኡውን ናብ ሓደ ካብ ትንቢታቱ ሓቢሩ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠15፣ ዳንኤል 11:⁠31፣ 12:⁠11

29 እቲ ናይ መቃባውያን ክልሰ⁠-​ሓሳብ መሰረት ብምግባር ነቐፍቲ እተዛረብዎ ቅኑዕ እንተ​ድኣ ኰይኑ ካብዚ ስዒቡ ዘሎ ክልተ ሓሳባት ሓዲኡ ሓቂ ማለት ኢዩ። የሱስ በዚ መታለሊ ተባሂሉ ዘሎ ተታሊሉ ኣሎ ወይ ድማ እቲ ኣብ ማቴዎስ የሱስ ኢልዎ ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ ፈጺሙ ኣይበሎን። እዚ ኽልቲኡ ግን ሓቂ ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ጸብጻብ ክንኣምኖ እንተ​ድኣ ዘይክኢልና ነቲ ኣብ ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ከመይ ኢልና ክንኣምኖ ንኽእል፧ ነዘን ምሉኣት ሓሳባት እዚኣተን እንተ​ድኣ ኣውጺእናየን: ድሕሪኡኸ ነየኖት ቃላት ኢና ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከነውጽእ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ ንምቕናዕ ይጠቅም ኢዩ’ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ ዳንኤል መታለሊ እንተ​ድኣ ኰይኑ ጳውሎስ እውን ካልእ መታለሊ ማለት ኢዩ! እሞ የሱስዶ ተታሊሉ ይኸውን፧ ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መጽሓፍ ዳንኤል ክትጸሓፍ ከላ ኣብ ሰማይ ብህይወት ነይሩ ኢዩ። የሱስ “ኣነ: ኣብርሃም ከይተወልደ . . . አሎኹ” እውን ኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:58) ክሳዕ ሕጂ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ኵሎም ሰባት ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ንምፍላጥ ክንሓቶ እንኽእል ዝበለጸ ሰብ የሱስ ኢዩ። ክንሓቶ ግን ኣየድልየናን ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ዝሃቦ ምስክርነት ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዝነጸረ ኢዩ።

30. የሱስ መጽሓፍ ዳንኤል ሓቂ ምዃና ወሲኹ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧

30 የሱስ ወሲኹ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ኣረጋጊጹ ኢዩ። ሽዑ መሲሕ ብምዃን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዝነበረ ብዛዕባ እተን 69 ሰሙናት ናይ ዓመታት ዝገልጽ ትንቢት ፈጺምዎ ኢዩ። (ዳንኤል 9:⁠25, 26፣ ምዕራፍ 11 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ እውን ርአ።) እቲ መጽሓፍ ዳንኤል ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ብዙሕ ጸኒሓ ኢያ ተጻሒፋ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ እንተ​ ዝኸውን ነይሩ እውን: እቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝጸሓፈ ሰብ ነቲ ድሕሪ 200 ዓመታት ክኸውን ዝነበሮ ነገራት ኣቐዲሙ ክፈልጥ ክኢሉ ኢዩ። ኣምላኽ ንሓደ መታለሊ ብናይ ሓሶት ስም ገይሩ ትንቢታት ክጽሕፍ ብመንፈስ ከም ዘይድርኾ ግን እተረጋገጸ ኢዩ። እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምስክርነት ብምሉእ ልቦም ይቕበልዎ ኢዮም። ኵሎም ክኢላታት: ኵሎም ነቐፍቲ ናይ ዓለም ሓቢሮም መጽሓፍ ዳንኤል ሓሶት ኢያ እንተ​ ዝብሉ እውን እቲ የሱስ ዝሃቦ ምስክርነት ይጋገዩ ምህላዎም መረጋገጸ: ከመይሲ ንሱ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ኢዩ።​—⁠ራእይ 3:14

31. ብዙሓት ነቐፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ገና ዘይኣመኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

31 እዚ መርትዖ እዚ እውን ከይተረፈ ንብዙሓት ነቐፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየዕገቦምን። ሓደ ሰብ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ጽቡቕ ገይሩ ምስ መርመረ: እምበርዶ ከእምኖም ዝኽእል ገለ መርትዖ ኣሎ ኢዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገብሮ የለን። ሓደ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ፕሮፌሰር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “‘እቲ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ዝዀነ ትንቢት ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ’ ዝብል ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ዝንባለ ክሳዕ ዘሎ ነቲ ዝቐርብ ተቓውሞ መልሲ ምሃብ ዋላ ሓንቲ ዋጋ የብሉን።” ስለዚ እቲ ዘለዎም ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ዝንባለ አዐዊርዎም ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ምርጭኦም ኢዩ: ጥፍኣቶም ከኣ ኢዩ።

32. ንመጽሓፍ ዳንኤል ከነጽንዕ ከሎና እንታይ ኢዩ ዝጽበየና ዘሎ፧

32 ንስኻኸ፧ ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ከም እትጠራጠር ዝገብር ቅቡል ምኽንያት ከም ዘየለ እንተ​ድኣ ክትርዳእ ክኢልካ: ሓደ ዘሐጕስ ምርምር ክትገብር ተቐሪብካ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ጸብጻባት ዘሐጕስ: እቲ ትንቢታት ከኣ ዘደንቕ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ክትውድኣ ኸሎኻ እምነትካ እናዓበየት ትኸይድ ምህላዋ ክርድኣካ ኢዩ። ንትንቢት ዳንኤል ኣጸቢቕካ ስለ ዘቕለብካሉ ፈጺሙ ኣይከጣዕሰካን ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ነቐፍቲ ነቲ ምትላል ኢዩ ኢሎም ዘቕርብዎ ክሲ እቲ ጸሓፊ ዳንኤል ዝብል ናይ ብርዒ ስም ከም እተጠቕመ ይዛረቡ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ወጻኢ ዝዀነ ገለ ናይ ጥንቲ መጻሕፍቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ፈርዲናንድ ሄሲክ እተባህለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነቓፊ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኣለዎ:- “መጽሓፍ ዳንኤል ካልእ [ጸሓፊ] ከም ዝጸሓፋ ኰይና እንተ​ድኣ ቐሪባ እቲ ጕዳይ እተፈልየ ኢዩ ዝኸውን። ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣንበብቲ ንምጥቃም ተባሂሉ ብምትላል እተጻሕፈት ትኸውን ኣላ ማለት ኢዩ።”

b ባቢሎን ክትወድቕ ከላ ናቦኒደስ ገይሹ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ቤልሻጽር ኣብቲ ግዜ እቲ ንጉስ ከም ዝነበረ ብልክዕ ተጠቒሱ ኣሎ። ነቐፍቲ ግን ካልእ ዓለማዊ መዛግብቲ ንቤልሻጽር ናይ ንጉስ ሽመት ከም ዝነበሮ ገይሮም ኣይጠቐስዎን ብምባል ይማጐቱ። ይኹን እምበር: ጥንታዊ መርትዖታት ከም ዝሕብሮ ኣማሓዳሪ እውን ከይተረፈ በቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ከም ንጉስ ይጽዋዕ ነይሩ ኢዩ።

c ሲ. ኤፍ. ከይል እተባህለ እብራዊ ምሁር ብዛዕባ ዳንኤል 5:⁠3 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ትርጕም LXX. [ሰፕቱጀንት] ነቲ ናይ መቄዶናውያን: ግሪኻውያን: ከምኡውን ሮማውያን ባህሊ ብምስዓብ ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ከምኡውን ካብ ቍጽሪ 23 ነቲ ብዛዕባ ኣንስቲ ዝጠቅስ ሓሳብ ኣውጺእዎ ኢዩ።”

d እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ኣቕሪብዎ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም እሙናት ተባሂሎም እተጸውዑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ዳንኤል ዘሎ ጸብጻብ እውን ዝሓዘ ኢዩ ዝመስል። (ዳንኤል 6:⁠16-24፣ እብራውያን 11:⁠32, 33) እንተ​ዀነ ግን: ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝርዝር እውን ምሉእ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ከም እኒ ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ከምኡውን ህዝቅኤል ሓዊስካ ኣብቲ ዝርዝር ዘይተጠቕሱ ብዙሓት ኣለዉ። እዚ ግን ፈጺሞም ኣብ ህላወ ኣይነበሩን ማለት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

e ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ: እዚ ሓሳባት እዚ ኣለክሳንደር ነቶም ንነዊሕ እዋን ፈተውቲ ፋርሳውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ሕያውነት ዘርኣዮም ምኽንያት ክገልጽ ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣለክሳንደር ንዅሎም ፈተውቲ ፋርስ ዝነበሩ ህዝብታት ንምጥፋእ ኢዩ ተዓጢቑ ነይሩ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• መጽሓፍ ዳንኤል ብምንታይ ኢያ ተኸሲሳ፧

• እቲ ነቐፍቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ዳንኤል ዘቕርብዎ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

• እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑ እንታይ መርትዖ ኢዩ ዝድግፍ፧

• መጽሓፍ ዳንኤል ሓቂ ምዃና ዘርኢ ዝበለጸ መረጋገጺ እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]

ንቛንቋ ዝምልከት ጕዳይ

መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ከባቢ 536 ቅ.ኣ.ዘ. ኢያ ተጻሒፋ ተወዲኣ። ውሑድ ናይ ግሪኽን ፋርስን ቃላት ብእተሓወሶ ቋንቋ እብራይስጥን ኣረማይስጥን ኢያ ተጻሒፋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትሕውዋስ ቋንቋታት ልሙድ እኳ እንተ​ዘይኰነ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ሓድሽ ኣይኰነን። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዝራ እውን ብእብራይስጥን ኣረማይስጥን ኢያ ተጻሒፋ። ገሊኦም ነቐፍቲ ግን እቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል ዝጸሓፈ ሰብ ነዚ ቋንቋታት እዚ ክጥቀም ከሎ ከምቲ ድሕሪ 536 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ መልክዕ ኢዩ ተጠቒሙ ይብሉ። ሓደ ነቓፊ ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ናይ ግሪኽ ቃላት ምእታዉ ድሒራ ኢያ ተጻሒፋ ዘብል ምዃኑ ከም እተዛረበ ብዙሓት ኢዮም ዝጠቕሱ። እብራይስጢ ምህላዉ ዳሕራይ ከም እተጻሕፈት ዝድግፍ: ኣረማይስጢ ኸኣ ዳሕራይ​—⁠ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ.​—⁠ኢያ ተጻሒፋ ዘብል ምዃኑ ተዛረበ።

ይኹን እምበር: ኵሎም ናይ ቋንቋ ምሁራት ኣይኰኑን ነዚ ዝሰማምዕሉ። ገለ ምሁራት እቲ ዳንኤል እተጠቐመሉ እብራይስጢ ምስቲ ዳሕራይ ዝመጸ ከም ኤክለስያስቲከስ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ኣዋልድ እተጻሕፈሉ ዘይኰነስ ምስቲ ህዝቅኤልን እዝራን እተጠቕምሉ እብራይስጢ ከም ዝመሳሰል ይዛረቡ። ብዛዕባ እቲ ዳንኤል እተጠቐመሉ ኣረማይስጢ ኸኣ ነቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ አብ እተረኽበ ጥቕላላት ዝጸንሐ ክልተ ሰነዳት ንርአ። ክልቲኡ እቲ ሰነዳት ብኣረማይስጢ ኰይኑ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመናት ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ መታለሊ ዝበሃል ዘሎ ዳንኤል ምስ ጸሓፈ ብዙሕ ከይጸንሐ ማለት ኢዩ። ምሁራት ግን ኣብ መንጎ እቲ ኣብዚ ሰነዳት እዝን ኣብ መጽሓፍ ዳንኤልን ዘሎ ኣረማይስጢ ጕሉሕ ፍልልይ ከም ዘሎ ኢዮም ኣስተውዒሎም። ስለዚ ኸኣ ገሊኣቶም መጽሓፍ ዳንኤል ካብቲ እቶም ነቐፍቲ ዝብልዎ ዕለት ዘመናት ኣቐዲማ እተጻሕፈት ኢያ ይብሉ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ “ኣሸጋሪ” ዝዀነ ናይ ግሪኽ ቃላትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እቲ ቓላት ብምሉኡ ግሪኽ ዘይኰነስ ገሊኡ ናይ ፋርስ ቃላት ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ! እቲ ክሳዕ ሕጂ ግሪኽ ምዃኑ ተፈሊጡ ዘሎ ኣስማት ናይ ሰለስተ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ጥራይ ኢዩ። እዘን ሰለስተ ቃላት እዚኣተን ስለ ዘለዋ ጥራይ መጽሓፍ ዳንኤል ናይ ግድን ዳሕራይ ኢያ ተጻሒፋ ክትበሃል ትኽእልዶ፧ ፈጺሙ ኣይከኣልን ኢዩ። ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ: ግሪኽ ሓይሊ ዓለም ቅድሚ ምዃና ዘመናት ኣቐዲሙ ባህሊ ግሪኽ ኣብ ካልእ ቦታታት ጽልዋ ከም ዝነበሮ ኣረጋጊጾም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብቲ ባህልን ቋንቋን ግሪኽ ኣስፋሕፊሕሉ ዝነበረ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈት እንተ​ድኣ ዀይና ሰለስተ ናይ ግሪኽ ቃላት ጥራይዶ ምሓዘት፧ ፈጺሙ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ። ብዙሕ ናይ ግሪኽ ቃላት ምሃለወ ነይሩ። ስለዚ እቲ ብናይ ቋንቋ መጽናዕቲ እተረኽበ መርትዖ እውን ንሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ዝድግፍ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 12፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእልታት]

(ላዕለዋይ ) ነቡካድነጻር ንናይ ህንጻ ፕሮጀክትታቱ ኣመልኪቱ እተዛረቦ ናይ ትዕቢት ቃላት ዝሓዘ እተወቕረ ጽሑፍ

(ታሕተዋይ ) ኣስማት ንጉስ ናቦኒደስን ወዱ ቤልሻጽርን ዘለዎ ናይ ባቢሎን ናይ ቤት መቕደስ ስሊንደር

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብመሰረት እቲ ናይ ናቦኒደስ ጸብጻብ: ሰራዊት ቂሮስ ከይተዋግአ ኢዩ ናብ ባቢሎን ኣትዩ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእልታት]

(የማናይ ) ናቦኒደስ ነቲ ናይ ንግስነት ስልጣን ንቦዅሪ ወዱ ሕድሪ ከም ዝሃቦ እዚ “ቨርስ ኣካውንት ኦቭ ናቦኒደስ ” ዝበሃል ጽሑፍ የርኢ

(ጸጋማይ ) ነቡካድነጻር ንይሁዳ ከም ዝወረራ ዝገልጽ ናይ ባቢሎናውያን መዝገብ