ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ሓደ ዓቢ ምስሊ

ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ሓደ ዓቢ ምስሊ

ምዕራፍ ኣርባዕተ

ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ሓደ ዓቢ ምስሊ

1. ንጉስ ነቡካድነጻር ንዳንኤልን ብጾቱን ማሪኹ ምስ ወሰዶም ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ ብዛዕባ ዝዀነ ኵነታት ክንግደስ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

 ንጉስ ነቡካድነጻር ንዳንኤልን “ንዓበይቲ እታ ሃገርን [ይሁዳ]” ማሪኹ ናብ ባቢሎን ካብ ዝወስዶም ዓሰርተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። (2 ነገስት 24:⁠15) እቲ መንእሰይ ዳንኤል ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ እናኣገልገለ ኸሎ ንህይወት ዘስግእ ኵነታት ኣጋጠመ። እዚ ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኣምላኽ ኣብቲ ኵነታት ኢዱ ምእታዉ ንህይወት ዳንኤልን ካልኦትን ዘድሕን ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ክሳዕ ግዜና ዝበጽሑ ሓይልታት ዓለም ከመይ ኢሎም ከም ዝምዕብሉ እውን ዘርኢ ኢዩ።

ሓደ ንጉስ ከቢድ ግድል የጋጥሞ

2. ነቡካድነጻር ናይ መጀመርታ ትንቢታዊ ሕልሚ ዝሓለመ መዓስ ኢዩ፧

2 ነብዪ ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመ: መንፈሱ ኸኣ ተሀወኸ: ድቃሱ ድማ ካብኡ በረረ።” (ዳንኤል 2:⁠1) እቲ ሓላሚ ኸኣ እቲ ንጉስ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበረ ነቡካድነጻር ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ንኸጥፍእ ምስ ኣፍቀደሉ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ናይ ዓለም ሓያል ኰይኑ። ነቡካድነጻር ናይ ዓለም ሓያል ምስ ኰነ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ (606/605 ቅ.ኣ.ዘ.) ኣምላኽ ዘርዕድ ሕልሚ ኣርኣዮ።

3. ንሕልሚ እቲ ንጉስ ክትርጕምዎ ዘይክኣሉ መን ኢዮም: ነቡካድነጻርከ ብኸመይ መለሰሉ፧

3 እቲ ሕልሚ ንነቡካድነጻር ኣዝዩ ስለ ዝረበሾ ክድቅስ ኣይከኣለን። ትርጕሙ ክፈልጥ ከኣ ተሃንጠየ። እንተ​ዀነ ግን: እዚ ሓያል ንጉስ እዚ ነቲ ሕልሚ ረስዖ! ስለዚ ኸኣ ነቶም ናይ ባቢሎን ፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቈልትን ጸዊዑ ነቲ ሕልምን ትርጕሙን ክነግርዎ ሓተቶም። እዚ ግን ልዕሊ ዓቕሞም ኢዩ ነይሩ። ክፈልጥዎ ብዘይ​ምኽኣሎም ኣዝዩ ስለ ዝሓረቐ ‘ብዘለዉ ጠቢባን ባቢሎን ክጠፍኡ ኣዘዘ።’ እዚ ትእዛዝ እዚ ኸኣ ንዳንኤል ምስቲ ንኽቐትል እተመዘዘ በዓል ስልጣን ገጽ ንገጽ ኣራኸቦ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ንሱን እቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱን​—⁠ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ​—⁠ምስቶም ጠቢባን ባቢሎን ኢዮም ዝቝጸሩ ነይሮም።​—⁠ዳንኤል 2:⁠2-14

ዳንኤል ንኸድሕን ይመጽእ

4. (ሀ) ዳንኤል ንትሕዝቶን ትርጕምን ሕልሚ ነቡካድነጻር ክፈልጦ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ዳንኤል ሞሳኡ ንየሆዋ ኣምላኽ ንምግላጽ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

4 ዳንኤል እቲ ነቡካድነጻር ብሃወኽ ዘውጽኦ ትእዛዝ ምስ ፈለጠ “ናብ ንጉስ ኣትዩ: እቲ ትርጕም ኬፍልጦስ ጊዜ ኺህቦ: ንንጉስ ለመኖ።” እቲ ንጉስ ከኣ ፈቐደሉ። ዳንኤል ናብ ገዝኡ ተመሊሱ ምስቶም ሰለስተ እብራውያን ኣዕሩኽቱ ኰይኑ ናብ የሆዋ ጸለየ: ‘ብዛዕባ እቲ ምስጢር ከኣ ካብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ለመነ።’ በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ የሆዋ ምስጢር ናይቲ ሕልሚ ንዳንኤል ብራእይ ገለጸሉ። ዳንኤል ከኣ ብምምሳው ከምዚ በለ:- “ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ: ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ: ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም: ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝን ሕቡእን ይገልጽ: እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ: ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር።” ዳንኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ብምርካቡ ንየሆዋ ወደሶ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠15-23

5. (ሀ) ዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ምስ ቈመ ብኸመይ ኢዩ ንየሆዋ ክብሪ ዝሃበ፧ (ለ) እቲ ዳንኤል ዝሃቦ መግለጺ ሕጂ ንዓና ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ንጽባሒቱ ዳንኤል ናብቲ ንዅሎም ጠቢባን ባቢሎን ንኽቐትል እተመዘዘ ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣርዮክ ከደ። ነቲ ሕልሚ ከም ዝፈትሖ ምስ ፈለጠ ኣርዮክ ተቐላጢፉ ንዳንኤል ናብ ንጉስ ኣእተዎ። ዳንኤል ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ከይደለየ ንነቡካድነጻር ከምዚ በሎ:- “ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ: ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ።” ዳንኤል ንመጻኢ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ካብ ግዜ ነቡካድነጻር ክሳዕ ግዜና ዝኸውን ፍጻመታት ዓለም ንኽገልጽ ኢዩ ተቐሪቡ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠24-30

እቲ ሕልሚ ይፍለጥ

6, 7. ዳንኤል ነቲ ንጉስ ዘዘከሮ ሕልሚ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

6 ዳንኤል ክነግሮ ኸሎ ነቡካድነጻር ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ከምዚ ኸኣ በሎ:- “ዎ ንጉስ: እንሆ: ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻ። እዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸኣ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቘመ: ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ። እዚ ምስሊ እዚ: ርእሱ ብሉጽ ወርቂ: ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር: ከብዱን ሕቝኡን [“ሰለፉን:” NW  ] ከኣ ኣስራዚ ነበረ: መሓውሩ ሓጺን: ኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሓጺን: ገሊኡ መሬት ነበረ። ንስኻ ትጥምት ነበርካ: እንሆ ኸኣ: ኢድ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ: ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቕዖን ዳዕመኾን። ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬትን ኣስራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመዀ: ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ: ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ: ንብዘላ ምድሪውን መልኣ።”​—⁠ዳንኤል 2:⁠31-35

7 ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ክነግሮ ኸሎ ነቡካድነጻር ከመይ ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ! ግን ሓደ ነገር ተሪፉ ኣሎ! ጠቢባን ባቢሎን ካብ ጥፍኣት ዝድሕኑ ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ምስ ዝትርጕሞ ጥራይ ኢዩ። ዳንኤል ብዛዕብኡን ብዛዕባ እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣዕሩኽቱን ክዛረብ ከሎ “እቲ ሕልሚ እዚ እዩ: ትርጓሜኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንነግሮ ኢና” በለ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠36

ፍልይ ዝበለ ተፈላጥነት ዝነበራ መንግስቲ

8. (ሀ) ዳንኤል ትርጕም ናይቲ ወርቃዊ ርእሲ እቲ ምስሊ መን ወይ እንታይ ምዃኑ ኢዩ ዝገለጸ፧ (ለ) እዚ ወርቃዊ ርእሲ ኣብ ህላወ ዝመጸ መዓስ ኢዩ፧

8 “ዎ ንጉስ: እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ። ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩሉ ዘበለ ኸኣ ኣብ ኢድካ ሀበካ: ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ኣግዝኣካ: እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።” (ዳንኤል 2:⁠37, 38) የሆዋ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ንኸጥፍኣ ምስ ተጠቕመሉ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ነቡካድነጻር ውዒለን ኢየን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ነገስታት ካብ መስመር እቲ ብየሆዋ እተቐብአ ንጉስ ዳዊት ብምንባሮም ኢዩ። የሩሳሌም ርእሲ ኸተማ ናይታ ኣብ ምድሪ ንሉዓላውነት የሆዋ እትውክል ዝነበረት ይሁዳ ኢያ ነይራ። እታ ኸተማ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ጠፍአት: እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝውክል ዝርአ ምምሕዳር ኣቋሪጹ ማለት ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠23፣ 2 ዜና መዋእል 36:⁠17-21) ስለዚ ኸኣ እቶም ብማዕድን ተመሲሎም ዘለዉ ክፍሊ ናይቲ ምስሊ ዝዀኑ ተኸታተልቲ ሓይልታት ዓለም ካብ ምትእትታው መንግስቲ ኣምላኽ ናጻ ኰይኖም ኣብ ዓለም ምልኪ ከዘውትሩ ይኽእሉ ማለት ኢዩ። በቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣዝዩ ክቡር ማዕድን ዝነበረ ወርቂ ዝቘመ ርእሲ ናይቲ ምስሊ: ነቡካድነጻር: ንየሩሳሌም ኣጥፊኡ ነቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝውክል ምምሕዳር ብምግልባጡ ፍሉይ ዝገብሮ ኢዩ።​—⁠ነቲ ኣብ ገጽ 63 ዘሎ “ሓደ ተዋጋኢ ንጉስ ሃጸያዊ ግዝኣት የቕውም” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

9. እቲ ወርቃዊ ርእሲ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

9 እቲ ን43 ዓመታት ዝነገሰ ነቡካድነጻር መጀመርታ ናይቲ ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝመርሕ ዝነበረ ስርወ-ንግስነት ኢዩ። እዚ ስርወ-ንግስነት እዚ ኸኣ ንሰብኣይ ጓሉ ናቦኒደስን ቦኽሪ ወዱ ኤዊል⁠-​መሮዳክን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ስርወ-ንግስነት እዚ ክሳዕ እቲ ቤልሻጽር ወዲ ናቦኒደስ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ዝመውት ተወሳኺ 43 ዓመታት ጸንሐ። (2 ነገስት 25:⁠27፣ ዳንኤል 5:⁠30) ስለዚ እቲ ወርቃዊ ርእሲ ናይቲ ምስሊ ንነቡካድነጻር ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም እቶም ኣብ መስመር ንግስነት ባቢሎን ዝነበሩ ኢዩ ዘመልክት።

10. (ሀ) ሕልሚ ነቡካድነጻር: ባቢሎን ሓይሊ ዓለም ኰይና ከም ዘይትቕጽል ዝሓበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ንባቢሎን ዝስዕር እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ (ሐ) ሜዶንን ፋርስን ካብ ባቢሎን እትትሕት ብኸመይ ኢያ፧

10 ዳንኤል ንነቡካድነጻር “ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ . . . እያ” በሎ። (ዳንኤል 2:⁠39) በቲ ካብ ብሩር እተሰርሐ ደረትን ቀላጽምን ናይቲ ምስሊ ተመሲላ ዘላ መንግስቲ ነቲ ናይ ነቡካድነጻር ስርወ-መንግስቲ ክትክኦ ነበራ። ገለ 200 ዓመታት ኣቐዲሙ ኢሳይያስ እቲ ዝስዕር ንጉስ ስሙ ቂሮስ ከም ዝዀነ እውን ብምጥቃስ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ። (ኢሳይያስ 13:​1-​17፣ 21:​2-9፣ 44:⁠24–45:​7, 13) እዚ ኸኣ ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ኢዩ። ሜዶንን ፋርስን ካብ ናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዘይንእስ ዓቢ ምዕባለታት እኳ እንተገበረት በቲ ካብ ወርቂ ዝሓስር ብሩር ኢያ ተመሲላ ዘላ። ካብታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ባቢሎን ትትሕት ኢያ: ከመይሲ ነታ ምድራዊት መግለጺ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበረት ርእሲ ኸተማ ይሁዳ: የሩሳሌም: ናይ ምጥፋእ ፍሉይ መሰል ኣይረኸበትን።

11. እቲ ናይ ነቡካድነጻር ስርወ-ንግስነት ዘቋረጸ መዓስ ኢዩ፧

11 ነቲ ሕልሚ ምስ ተርጐሞ ድሕሪ 60 ዓመታት ዳንኤል ስርወ-ንግስነት ነቡካድነጻር ከብቅዕ ከሎ ርኣየ። ሜዶንን ፋርስን ብ5/6 ጥቅምቲ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ለይቲ መጺኦም ነታ ዘይትድፈር እትመስል ዝነበረት ባቢሎን ብምስዓር ንንጉስ ቤልሻጽር ክቐትልዎ ከለዉ ኣብኡ ነበረ። ቤልሻጽር ምስ ሞተ እቲ ወርቃዊ ርእሲ ናይቲ ብሕልሚ እተራእየ ምስሊ​—⁠ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን​—⁠ኣቋረጸ።

ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ህዝቢ ብሓንቲ መንግስቲ ናጻ ወጹ

12. እቲ ቂሮስ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ዘውጽኦ ኣዋጅ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ንረብሕኦም ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ሜዶንን ፋርስን ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ብምትካእ ሓይሊ ዓለም ኰነት። ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ ኣብ መበል 62 ዓመቱ ናይ መጀመርታ ገዛኢ ናይታ እተማረኸት ከተማ ባቢሎን ኰነ። (ዳንኤል 5:⁠30, 31) ንሓጺር ግዜ ንሱን ቂሮስ ፋርሳውን ብሓባር ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ነገሱ። ዳርዮስ ምስ ሞተ ግና ቂሮስ በይኑ ርእሲ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኰነ። ምንጋስ ቂሮስ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ: ካብ ባርነት ናጻ ምውጻእ ማለት ኢዩ ነይሩ። ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ቂሮስ ኵሎም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ: ንየሩሳሌምን ቤት መቕደስ የሆዋን ድማ ክሃንጹ ኣወጀ። እንተ​ዀነ ግን: እታ ምድራዊት መግለጺት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነት መንግስቲ ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን እንደገና ኣይተመልሰትን።​—⁠2 ዜና መዋእል 36:⁠22, 23፣ እዝራ 1:1​–2:2ሀ

13. ኣብቲ ነቡካድነጻር ብሕልሚ ዝረኣዮ ምስሊ ዘሎ ካብ ብሩር እተሰርሐ ደረትን ቀላጽምን ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

13 እቲ ብብሩር እተገብረ ደረትን ቀላጽምን ናይቲ ምስሊ ነቲ ካብ ቂሮስ ዓቢ ዝጀመረ መስመር ንግስነት ፋርስ ኢዩ ዘመልክት። እዚ ስርወ-​ንግስነት እዚ ንልዕሊ 200 ዓመታት ጸንሐ። ቂሮስ ብ530 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኸሎ ከም ዝሞተ ኢዩ ዝሕሰብ። ካብቶም ብድሕሪኡ ኣብ ዝፋን ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ እተቐመጡ 12 ነገስታት እንተወሓደ 2 ምስቶም ሕሩያት ህዝቢ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ነበሮም። ሓደ ካብኣቶም ዳርዮስ ቀዳማይ (ፋርሳዊ) ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣርታሕሻስታ ቀዳማይ ኢዩ።

14, 15. ዳርዮስ ዓብን ኣርታሕሻስታ ቀዳማይን ንኣይሁዳውያን እንታይ ሓገዝ ኢዮም ዝገበሩሎም፧

14 ዳርዮስ ቀዳማይ ካብቲ ናይ ፋርስ መስመር ነገስታት ብድሕሪ ቂሮስ ዓቢ መበል ሳልሳይ ኢዩ። እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ክልተ ነገስታት ከኣ ካምባይስ ካልኣይን ሓዉ ባርድያን (ወይ ካብ ዓሌት ካህናት ከም ዝዀነ ዘምስል ዝነበረ ጕማታ ዝስሙ ሰብ ክኸውን ይኽእል) ኢዮም። ዳርዮስ ቀዳማይ: ዳርዮስ ዓቢ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ: ብ521 ቅ.ኣ.ዘ. ክነግስ ከሎ ምህናጽ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ተኣጊዱ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ኣሕመታ ዝነበረ መዛግብቲ ዝቕመጠሉ ቤተ-መጻሕፍቲ: ቂሮስ ዝኣወጆ ኣዋጅ ዝሓዘ ሰነድ ምስ ረኸበ ግን ብ520 ቅ.ኣ.ዘ. ነቲ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልዎ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ገይሩ ኢዩ። ነታ ቤት መቕደስ ንምህናጽ ካብ ናይ ቤተ-መንግስቲ ገንዘብ እውን ከይተረፈ ሂቡ ኢዩ።​—⁠እዝራ 6:⁠1-12

15 ኣብቲ ኣይሁዳውያን ንኽምለሱ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ዝደገፈ ካልእ ፋርሳዊ ገዛኢ ኸኣ እቲ ብ475 ቅ.ኣ.ዘ. ንኣቡኡ ኣሓሽዌሮስ (ዘክሲዝ ቀዳማይ) ዝተክአ ኣርታሕሻስታ ቀዳማይ ኢዩ። ኣርታሕሻስታ የማነይቲ ኢዱ ካብታ ጸጋመይቲ ትነውሕ ብምንባራ ሎንጊማኖስ ዝብል ሳጓ ነበሮ። ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ መበል 20 ዓመት ግዝኣቱ ነቲ ኣሰላፍ ሜሱ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ነህምያ ኣማሓዳሪ ይሁዳ ክኸውንን ንመናድቕ የሩሳሌም ክሃንጽን መዘዞ። እዚ ኸኣ ናይተን ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 9 ተጠቒሰን ዘለዋ ብዓመታት ዝቝጸራ ‘ሰብዓ ሰሙናት’ መጀመርታ ዝሕብር ከምኡውን እቲ መሲሕ ወይ ክርስቶስ: የሱስ በዓል ናዝሬት: ዝመጽኣሉን ዝሞተሉን ግዜ ዝውስን ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዳንኤል 9:⁠24-27፣ ነህምያ 1:⁠1፣ 2:⁠1-18

16. ናይ ሜዶንን ፋርስን ሓይሊ ዓለም መዓስን ኣብ ግዜ እንታዋይ ንጉስን ኢዩ ዘብቅዐ፧

16 ካብቶም ድሕሪ ኣርታሕሻስታ ቀዳማይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኣብ ዝፋን ዝደየቡ ሽዱሽተ ነገስታት እቲ ናይ መወዳእታ ዳርዮስ ሳልሳይ ኢዩ። ኣብ ጎገሚላ: ጥቓ ጥንታዊት ነነዌ: ብኣለክሳንደር ዓቢ ከቢድ ስዕረት ምስ ኣጋጠሞ ንግስነቱ ብ331 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብቅዐ። እዚ ስዕረት እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር ብብሩር ዝቘመ ክፍሊ ናይቲ ምስሊ ዘመልክት ዝነበረ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሓይሊ ዓለም ኣብቅዐ። እቲ ቐጺሉ ክመጽእ ዝነበሮ ሓይሊ ኸኣ ብገለ መገዲ ብሉጽ እኳ እንተነበረ: ብኻልእ መዳያት ግን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝትሕት ኢዩ። እቲ ዳንኤል ንሕልሚ ነቡካድነጻር ክትርጕሞ ኸሎ ዝበሎ ነገራት ምስ እንሰምዖ ኸኣ እቲ ጕዳይ ዝያዳ ንጹር ኢዩ ዝዀነልና።

ዓባይ ግን ከኣ ዝተሓተት መንግስቲ

17-19. (ሀ) እቲ በስራዚ ዝቘመ ከብድን ሰለፍን ንምንታይ የመልክት: እቲ ግዝኣቱ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣለክሳንደር ሳልሳይ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ (ሐ) ግሪኽ ኣህጉራዊ ቋንቋ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ: ንምንታይከ ኢዩ ዝሓገዘ፧

17 ዳንኤል ከብድን ሰለፍን ናይቲ ዓቢ ምስሊ ‘ካልእ ሳልሰይቲ መንግስቲ ኣስራዚ ከም እትትንስእን ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ከም እትገዝእን’ ዘመልክት ምዃኑ ንነቡካድነጻር ነገሮ። (ዳንኤል 2:⁠32, 39) እዛ ሳልሰይቲ መንግስቲ እዚኣ ደድሕሪ ባቢሎን ከምኡውን ሜዶንን ፋርስን እትመጽእ ኢያ ነይራ። ልክዕ ከምቲ ኣስራዚ ካብ ብሩር ዝሓስር: እዛ እትመጽእ ሓዳስ ሓይሊ ዓለም ንህዝቢ የሆዋ ሓራ ምውጻእ ዝኣመሰለ መሰል ስለ ዘይትረክብ ካብ ሜዶንን ፋርስን ዝተሓተት ኢያ። ይኹን እምበር: እዛ በስራዚ ተመሲላ ዘላ መንግስቲ እዚኣ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እትገዝእ” ኢያ: እዚ ኸኣ ካብ ባቢሎን ይኹን ሜዶንን ፋርስን ዝበለጸ ዕቤት ከም ዝህልዋ ዘርኢ ኢዩ። ናይ ታሪኽ ጭብጥታት ብዛዕባ እዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣ እንታይ ይብል፧

18 እቲ ብርቱዕ ናይ ምግዛእ ባህጊ ዝነበሮ ኣለክሳንደር ሳልሳይ ብ336 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ መበል 20 ዓመቱ ኣብ መቄዶንያ ዝፋን ምስ ሓዘ: ነዊሕ ከይጸንሐ ንኻልኦት ሃገራት ክወርር ጀመረ። ኣብቲ ወተሃደራዊ ወፍርታቱ ዕዉት ስለ ዝነበረ ኸኣ ኣለክሳንደር ዓቢ ዝብል መጸውዒ ተዋህቦ። ብተደጋጋሚ እናተዓወተ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ፋርስ ኣስፋሕፍሐ። ንዳርዮስ ሳልሳይ ብ331 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኲናት ጎገሚላ ምስ ሰዓሮ ኸኣ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ክፈራርስ ጀመረ: ኣለክሳንደር ከኣ ንግሪኽ ከም ሓዳስ ሓይሊ ዓለም ገይሩ ኣቘማ።

19 ኣለክሳንደር ኣብ ጎገሚላ ምስ ሰዓረ ነተን ናይ ፋርስ ርእሲ ኸተማታት ዝነበራ ባቢሎን: ሹሻ: ፐርሴፓሊስ: ኣሕመታ ክቈጻጸረን ወጸ። ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ብምእታው ናብ ምዕራባዊ ህንዲ ገጹ ኣስፋሕፍሐ። ኣብተን እተማረኻ ሃገራት ከኣ ናይ ግሪኽ ግዝኣት መስረተ። ስለዚ ኸኣ ቋንቋን ባህልን ግሪኽ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ኣስፋሕፍሐ። እታ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበራ ግሪኽ ከኣ ካብተን ቅድሚኣ ዝነበራ ሃጸያት ንላዕሊ ዓባይ ኰነት። ከምቲ ዳንኤል ኣቐዲሙ እተነበዮ እታ ብኣስራዚ እተመሰለት መንግስቲ ‘ኣብ ኵላ ምድሪ ገዝአት።’ ሓደ ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ቋንቋ ግሪኽ (ኮይን) ኣህጉራዊ ቋንቋ ዀነ። ብልክዕ ሓሳባት ክገልጽ ዝኽእል ቃላት ስለ ዝነበሮ ኸኣ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽጽሓፍን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽዝርጋሕን ኣዝዩ ምቹእ ኰነ።

20. ድሕሪ ሞት ኣለክሳንደር ዓቢ ንሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ እንታይ ኣጋጠሞ፧

20 ኣለክሳንደር ዓቢ ንሸሞንተ ዓመት ጥራይ ኢዩ ንዓለም ገዚኡ። እቲ ወዲ 32 ዓመት ዝነበረ ኣለክሳንደር ዋላ እኳ ንእሽቶ እንተ ነበረ ኣብ ሓደ ድግስ ምስ ተመገበ ሓሚሙ ብዙሕ ከይጸንሐ ብ13 ሰነ 323 ቅ.ኣ.ዘ. ሞተ። ብድሕሪኡ እቲ ዓቢ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ተኸፋፈለ: ነፍሲ ወከፍ ዞባ ኸኣ ብሓደ ካብ ጀነራላቱ ይግዛእ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ካብ ሓንቲ ዓባይ መንግስቲ ኣርባዕተ መንግስታት ወጻ: ንሳተን ከኣ ጸኒሐን ብሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ተዋሕጣ። እዛ ብኣስራዚ ተመሲላ ዝነበረት ሓይሊ ዓለም ክሳብ 30 ቅ.ኣ.ዘ. ጥራይ ኢያ ጸኒሓ። እዚ ኸኣ ካብተን ካብኣ ዝወጻ ኣርባዕተ መንግስታት እታ ናይ መወዳእታ​—⁠ኣብ ግብጺ ዝገዝእ ዝነበረ ስርወ-ንግስነት ናይ ቶሎሚ​—⁠ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሮሜ ምስ ወደቐት ኣብቂዓ ማለት ኢዩ።

እትጭፍልቕን እትሰባብርን መንግስቲ

21. ዳንኤል ነታ “ራብዐይቲ መንግስቲ” ብኸመይ ኢዩ ዝገለጻ፧

21 ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕልሚ እተራእየ ምስሊ ምግላጽ ይቕጽል:- “እታ ራብዐይቲ መንግስቲ [ድሕሪ ባቢሎን: ሜዶንን ፋርስን: ከምኡውን ግሪኽ] ኸም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን: ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ነገር ዚጭፍልቕን ዚሰባብርን: ከምኡ ኸኣ ከም ዚቕጥቅጥን ሓጺን ኰይና: ነዚ ዅሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ።” (ዳንኤል 2:⁠40) እዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣ እቲ ንኽትጭፍልቕ ዘለዋ ብርታዐን ክእለትን ልክዕ ከም ሓጺን ኢዩ ክኸውን። እዚ ኸኣ ካብተን ብወርቂ: ብሩር: ወይ ኣስራዚ ተመሲለን ዘለዋ ሃጸያት ኣዝያ ትብርትዕ ማለት ኢዩ። እታ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበራ ሮሜ ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ኢዩ ነይሩዋ።

22. ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ከም ሓጺን ዝነበረት ብኸመይ ኢዩ፧

22 ሮሜ ነቲ ናይ ግሪኽ ሃጸያዊ ግዝኣት ጨፍሊቓን ሰባቢራን: ነቲ ተረፍ መረፍ ናይተን ሓይልታት ዓለም ዝነበራ ሜዶንን ፋርስን ከምኡውን ባቢሎን ከኣ ከም ዘይነበረ ገይራ ወሓጠቶ። ነታ የሱስ ክርስቶስ ዝእውጃ ዝነበረ መንግስቲ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ኣኽብሮት ከየርኣየት: ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ንየሱስ ኣብ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሰቐለቶ። ሮሜ ነቲ ሓቀኛ ክርስትና ንምጥፋእ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ሰጎጎቶም። ኣብ ርእሲ እዚ: ሮማውያን ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣጥፍእዋ።

23, 24. እቲ ኣእጋር ናይቲ ምስሊ ንናይ ሮሜ ሃጸያዊ ግዝኣት ጥራይ ዘይኰነስ ንመን እውን ኢዩ ዘመልክት፧

23 እቲ ብሓጺን ዝቘመ ኣእጋር ናይቲ ነቡካድነጻር ዝሓለሞ ምስሊ ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ እትገብሮ ዝነበረት ፖለቲካዊ ዕቤት እውን ዘመልክት ኢዩ። ነዘን ኣብ ራእይ 17:⁠10 ዘለዋ ቃላት ኣስተብህለለን:- “ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም: እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም: እቲ ሓደ አሎ: እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን: ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ።” ሃዋርያ ዮሃንስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ክጽሕፍ ከሎ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ብሮማውያን ተሓይሩ ኢዩ ነይሩ። እቶም ዝወደቑ ሓሙሽተ ነገስታት ወይ ሓይልታት ዓለም ግብጺ: ኣሶር: ባቢሎን: ሜዶንን ፋርስን: ከምኡውን ግሪኽ ኢዮም ነይሮም። እቲ ሻድሻይ ዝዀነ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኸኣ ገና ይገዝእ ነይሩ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ሮሜ እውን ክትወድቕ ነበራ: ካብተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝነበራ ዞባታት ከኣ ሻብዓይ ንጉስ ክትንስእ ነበሮ። እዚኣኸ ኣየነይቲ ሓይሊ ዓለም ኢያ ክትከውን፧

24 ብሪጣንያ ሓደ ግዜ ብሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ክፍሊ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኢያ ነይራ። ብ1763 ግን ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ​—⁠ንሸውዓተ ባሕሪ እትገዝእ ዝነበረት ብሪጣንያ​—⁠ኰነት። ብ1776 እተን ኣብ ትሕቲኣ ዝግዝኣ ዝነበራ 13 ሃገራት ኣመሪካ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝብል ኣቝመን ናጽነተን ኣወጃ። ጸኒሐን ግን ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ግዜ ኲናት ይኹን ግዜ ሰላም ክተሓጋገዛ ጀመራ። ስለዚ ኸኣ ኣንግሎ-ኣመሪካ ዝብል ጥሙር ሓይሊ ኣብ ህላወ መጸ: እዚ ኸኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም ዝዛረቦ ትንቢት ፍጻሜኡ ዀነ። ልክዕ ከም ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ “ከም ሓጺን ብርትዕቲ” ምዃና ኣመስከረት: ተሪር ስልጣን ከኣ ነበራ። ስለዚ እቲ ብሓጺን ዝቘመ ኣእጋር ናይቲ ብሕልሚ እተራእየ ምስሊ ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ከምኡውን ነቲ ድርብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዘመልክት ኢዩ።

ተሰባሪ ዝዀነ ሕዋስ

25. ዳንኤል ብዛዕባ ኣእጋርን ኣጻብዕን ናይቲ ምስሊ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

25 ዳንኤል ቀጺሉ ንነቡካድነጻር ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ መሬት: ገሊኡ ሓጺን ዝርኤኻዮ: ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ኽትከውን እያ። ግናኸ: ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዊሱ ዝርኤኻዮ: ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ኺህልዎ እዩ። ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋሩ ገሊኡ ሓጺን: ገሊኡ ኸኣ መሬት ዝነበረ: ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ: ገሊኣ ኸኣ ተሰባሪት ክትከውን እያ። እቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዊሱ ዝርኤኻዮ: ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሓዋወሱ: ግናኸ: ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ: ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።”​—⁠ዳንኤል 2:⁠41-43

26. በቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ተመሲሉ ዘሎ ግዝኣት መዓስ ኢዩ እተራእየ፧

26 እቲ ነቡካድነጻር ዝርኣዮ እተፈላለየ ክፍልታት ብዘለዎ ምስሊ ተገሊጹ ዘሎ ምቅይያር ሓይልታት ዓለም ካብ ርእሲ ጀሚሩ ኣብ እግሪ ኢዩ ዝውድእ። ስለዚ ኸኣ እቲ “ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዊሱ” ተባሂሉ ዘሎ እግርን ኣጻብዕን ነቲ ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ዝህሉ ናይ መጨረሽታ ግዝኣት ሰብ ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ዳንኤል 12:⁠4

27. (ሀ) እቲ ካብ ሓጺንን መሬትን እተሓዋወሰ ክፍሊ ናይቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን እንታይ ኵነታት ዓለም ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) እቲ ዓሰርተ ኣጻብዕ ናይቲ ምስሊ ንምንታይ የመልክት፧

27 ኣብ ምጅማር ናይ መበል 20 ዘመን ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ንሓደ ርብዒ ተቐማጦ ምድሪ ትገዝእ ነበረት። ካልኦት ናይ ኣውሮጳ ሃጸያት ከኣ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ይገዝኣ ነበራ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ግን ኣብ ክንዲ ሃጸያት ብጕጅለ ዝቘማ ሃገራት ከም ዝትንስኣ ገበረ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ እዚ ኣንፈት እዚ ዝያዳ በርትዐ። ሃገራውነት እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ ቍጽሪ ናይተን ኣብ ዓለም ዝነበራ ሃገራት ብቕጽበት ወሰኸ። እቲ ዓሰርተ ኣጻብዕ ናይቲ ምስሊ ነዘን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ህላወ ዝመጻ ሓይልታትን መንግስታትን ዘመልክት ኢዩ: ከመይሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቍጽሪ ዓሰርተ ምድራዊ ምልኣት ዘመልክት ኢዩ።​—⁠ምስ ዘጸኣት 34:⁠28፣ ማቴዎስ 25:⁠1፣ ራእይ 2:⁠10 ኣረኣእዮ።

28, 29. (ሀ) ብመሰረት እቲ ዳንኤል ዝበሎ: እቲ መሬት ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ምትሕውዋስ ናይ ሓጺንን መሬትን እንታይ ክበሃል ይከኣል፧

28 ሕጂ ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ስለ ዘሎና ኣብ ኣእጋር ናይቲ ምስሊ በጺሕና ኣሎና ማለት ኢዩ። ገለ ካብተን በቲ ካብ ሓጺንን መሬትን ተሓዋዊሱ ዝቘመ ኣእጋርን ኣጻብዕን ናይቲ ምስሊ ተገሊጸን ዘለዋ መንግስታት ከኣ ከም ሓጺን ኢየን: እዚ ኸኣ ገሊአን ውልቀ-​መለኽቲ ወይ ጨቈንቲ ኢየን ማለት ኢዩ። ካልኦት ከኣ ልክዕ ከም መሬት ኢየን። ከመይ ኢለን፧ ዳንኤል ነቲ መሬት ምስ “ዘርኢ ሰብ” ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ዳንኤል 2:⁠43) እቲ ተራ ህዝቢ ከምቲ እተሰርሓሉ መሬት ፈርከሽከሽ ናይ ምባል ባህሪ እኳ እንተ ኣለዎ: ኣብ መንግስቲ ተሰማዕነት ንኽረክብ ነቲ ከም ሓጺን ዝርአ ግዝኣታት ኣገዲድዎ ኢዩ። (እዮብ 10:⁠9) እንተ​ዀነ ግን: ልክዕ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ክላገብ ዘይክእል ውልቀ-ምልክነት ዘለዎ ኣገዛዝኣ ምስቲ ተራ ሰብ ክላገብ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ምስሊ ክጠፍእ ከሎ ዓለም ብፖለቲካ ተመቓቒላ ክትጸንሕ ኢያ ማለት ኢዩ!

29 እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን እተኸፋፈለ ብምዃኑ እቲ ምስሊ ብምልኡ ክወድቕ ኢዩ ማለት ድዩ፧ እቲ ምስሊ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧

ዘገርም መዕጸዊ!

30. መዕጸዊ ናይቲ ነቡካድነጻር ዝረኣዮ ሕልሚ ከመይ ከም ዝነበረ ግለጽ።

30 ነቲ ዘገርም መዕጸዊ ናይቲ ሕልሚ ርአ። ዳንኤል ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ይነግሮ:- “ንስኻ ትጥምት ነበርካ: እንሆ ኸኣ: ኢድ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ: ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቕዖን ዳዕመኾን። ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬትን ኣስራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመዀ: ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ: ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ: ንብዘላ ምድሪውን መልኣ።”​—⁠ዳንኤል 2:⁠34, 35

31, 32. ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ሕልሚ ነቡካድነጻር ኣቐዲሙ እንታይ ኢዩ እተነግረ፧

31 ትርጕም ናይዚ ብምግላጽ እቲ ትንቢት ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ። ከምቲ እምኒ: ኢድ ከይተንከዮ: ካብ ከረን ተፈንቂሉ ንሓጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ኪድዕምኾ ኸሎ ዝርኤኻዮ: እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድሕርዚ ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽ: ትርጓሜኡ ኸኣ እሙን እዩ።”​—⁠ዳንኤል 2:⁠44, 45

32 ነቡካድነጻር ነቲ ዝሓለሞ ሕልሚ ከም ዘዘከሮን ከም ዝገለጸሉን ምስ ተረድአ እቲ ዳንኤል ዘምልኾ ኣምላኽ “ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ። ብዘይ​ዚውን እቲ ንጉስ ንዳንኤልን ነቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱን ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ስልጣን ሃቦም። (ዳንኤል 2:⁠46-49) ይኹን እምበር: ዘመናዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ዳንኤል ዝሃቦ ‘እሙን ትርጕም’ እንታይ ኢዩ፧

‘ኸረን ንብዘላ ምድሪ ይመልኣ’

33. እታ “እምኒ” ካብ ኣየናይ “ከረን” ኢያ እተፈንቀለት: እዚ መዓስን ብኸመይን ኢዩ ዝዀነ፧

33 ብጥቅምቲ 1914 ‘ዘመናት ኣህዛብ ምስ ተፈጸመ’ “ኣምላኽ ሰማይ” ነቲ ቕቡእ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ከም ‘ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትን’ ገይሩ ብምቕባእ ሰማያዊት መንግስቲ ኣቘመ። a (ሉቃስ 21:⁠24፣ ራእይ 12:⁠1-5፣ 19:⁠16) ስለዚ እታ ንመሲሓዊት መንግስቲ እተመልክት “እምኒ” ካብቲ “ኸረን” ተባሂሉ ዘሎ ናይ የሆዋ ኣድማሳዊ ሉዓላውነት ተፈንቂላ ዝመጸት ብሰብ ዘይኰነትስ ብመለኮታዊ ሓይሊ ኢያ። እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ኣብ ኢድ እቲ ኣምላኽ ናይ ዘይሙማት መሰል ዝሃቦ የሱስ ክርስቶስ ኢያ ዘላ። (ሮሜ 6:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:​15, 16) ስለዚ ኸኣ እዛ መግለጺ ሉዓላውነት የሆዋ ዝዀነት ‘መንግስቲ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን’ ናብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣይክትመሓላለፍን ኢያ። ንዘለኣለም ክትቀውም ኢያ።​—⁠ራእይ 11:⁠15

34. መንግስቲ ኣምላኽ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም” እተመስረተት ብኸመይ ኢያ፧

34 እታ መንግስቲ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም” ኢያ ተመስሪታ። (ዳንኤል 2:⁠44) እዚኣቶም እቶም በቲ ዓሰርተ ኣጻብዕ ናይቲ ምስሊ ተመልኪቶም ዘለዉ ነገስታት ጥራይ ዘይኰኑስ በቲ ሓጺን: ኣስራዚ: ብሩር: ከምኡውን ወርቂ ተመሲሉ ዘሎ ክፍልታት እውን ተገሊጾም ዘለዉ ኢዮም። እቶም ከም በዓል ባቢሎን: ፋርስ: ግሪኽ: ከምኡውን ሮሜ ዝኣመሰሉ ሓይልታት ዓለም ሓሊፎም እኳ እንተዀኑ ተረፍ መረፎም ግን ገና ክሳዕ 1914 ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ቱርኪ ኦቶማን ሃጸያዊ ግዝኣት ነቲ ባቢሎን እተመሓድሮ ቦታታት ሒዛቶ ነበረት: ኣብ ፋርስ (ኢራን): ግሪኽ: ከምኡውን ሮሜ: ኢጣልያ: ኸኣ ሃገራዊ ምምሕዳራት ነበረ።

35. እታ “እምኒ” ነቲ ምስሊ መዓስ ኢያ እትወቕዖ: እቲ ምስሊኸ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክሕምሸሽ፧

35 ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነቲ ምስሊ ኣብ ኣእጋሩ ክትወቕዖ ኢያ። ስለዚ ኸኣ በቲ እግሪ ተመሲለን ዘለዋ ኵለን መንግስታት ክጠፍኣ ኢየን: መወዳእትአን ድማ ክኸውን ኢዩ። እታ “እምኒ” ኣብታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ክትጭፍልቖ ብምዃና እቲ ምስሊ ከም ብቝቡቝ ክኸውን ኢዩ: እቲ ናይ ኣምላኽ ንፋስ ከኣ ነቲ ብቝቡቝ ዓውዲ ቀውዒ ፋሕ ከብሎ ኢዩ። (ራእይ 16:⁠14, 16) ድሕርዚ ልክዕ ከምቲ እታ እምኒ ዓቢ ኸረን ብምዃን ንምድሪ ዝመልኣታ: መንግስቲ ኣምላኽ ‘ንብዘላ ምድሪ’ እትገዝእ ናይ ምምሕዳር ከረን ክትከውን ኢያ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠35

36. እታ መሲሓዊት መንግስቲ ጽንዕቲ መንግስቲ ኢያ ክትበሃል እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

36 እዛ መሲሓዊት መንግስቲ ሰማያዊት እኳ እንተ​ዀነት: ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እዙዛት ሰባት ንኽትባርኾም ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግዝኣታ ከተስፋሕፍሕ ኢያ። እዛ ጽንዕቲ መንግስቲ እዚኣ ‘ከቶ ዘይትጠፍእ’ ወይ ‘ንኻልእ ህዝቢ ዘይትወሃብ’ ኢያ። ከም ናይ መወቲ ሰባት ምምሕዳራት ዘይኰነስ “ንዘለኣለም ክትቀውም” ኢያ። (ዳንኤል 2:⁠44) ንዘለኣለም ሓደ ካብ ተገዛእታ ናይ ምዃን መሰል ይሃሉኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምዕራፍ 6 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• በቲ እተፈላለየ ክፍልታት ናይቲ ነቡካድነጻር ብሕልሚ ዝረኣዮ ምስሊ ተመልኪቶም ዘለዉ ሓይልታት ዓለም ኣየኖት ኢዮም፧

• እቲ ካብ ሓጺንን መሬትን ተሓዋዊሱ ዝቘመ ኣእጋርን ኣጻብዕን ናይቲ ምስሊ እንታይ ናይ ዓለም ኵነታት ኢዩ ዘመልክት፧

• እታ “እምኒ” መዓስ ከምኡውን ካበየናይ “ኸረን” ኢያ እተፈንቀለት፧

• እታ “እምኒ” ነቲ ምስሊ መዓስ ኢያ እትሕምሽሾ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 63-67 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ሓደ ተዋጋኢ ንጉስ ሃጸያዊ ግዝኣት የቕውም

እቲ ንጉስ ባቢሎን ክኸውን ዝነበሮ መስፍንን ሰራዊቱን ነቶም ብፈርኦን ኔኮ ዝምርሑ ዝነበሩ ሓይልታት ግብጺ ኣብ ከርከሚሽ: ሶርያ: ደምሰስዎም። እቶም እተሳዕሩ ግብጻውያን ንደቡብ ገጾም ናብ ግብጺ ሃደሙ: ባቢሎናውያን ከኣ እግሪ እግሮም ሰዓብዎም። ይኹን እምበር: ነቲ መስፍን ንድሕሪት ንኽምለስ ዝነግር መልእኽቲ ካብ ባቢሎን መጾ። ኣቦኡ ናቦፖለጻር ከም ዝሞተ ተነግሮ። ነቡካድነጻር ነቶም ምሩኻትን ዝዘመትዎ ነገራትን ሒዞም ክመጹ ንጀነራላቱ ሓላፍነት ብምሃብ ቀልጢፉ ናብ ዓዱ ተመልሰ: ዝፋን ኣቡኡ ኸኣ ሓዘ።

ስለዚ ነቡካድነጻር ኣብ ዝፋን ባቢሎን ዝደየበ ብ624 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ: በዚ ኸኣ መበል ካልኣይ ገዛኢ ናይታ ሓዳስ ሃጸያዊት ባቢሎን ኰነ። ኣብቲ ናይ 43 ዓመታት ግዝኣቱ በታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ኣሶር ተታሒዙ ንዝነበረ ዅሉ ግዝኣት ወሰዶ: ነቲ ናይ ሶርያ ሰሜናዊ ክፍሊ ከምኡውን ነቲ ክሳዕ ዶብ ግብጺ ዝነበረ ሰሜናዊ ክፍሊ ጳለስጢና ተቘጻጸሮ።—⁠ካርታ ርአ።

ነቡካድነጻር ኣብ ራብዓይ ዓመት ግዝኣቱ (620 ቅ.ኣ.ዘ.) ንይሁዳ ኣብ ትሕቲኡ እትግዛእ መንግስቲ ገበራ። (2 ነገስት 24:​1) ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ይሁዳ ብምዕላዋ ብባቢሎናውያን ተኸበት። ነቡካድነጻር ንዮያቂም: ዳንኤል: ከምኡውን ካልኦት ሰባት ንምርኮ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። እቲ ንጉስ ንገለ ካብ ኣቑሑ ቤት መቕደስ የሆዋ እውን ወሰደ። ንሓወቦ ዮያቂም: ጼዴቅያስ ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ዝግብር ንጉስ ይሁዳ ገይሩ ሸሞ።​—⁠2 ነገስት 24:⁠2-17፣ ዳንኤል 1:⁠6, 7

ጸኒሑ ግን ጼዴቅያስ እውን ምስ ግብጺ ተሰማሚዑ ካብ ባቢሎን ዓለወ። ነቡካድነጻር ከኣ ንየሩሳሌም እንደገና ከበባ: ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ መናድቓ ኣፍረሰ: ቤት መቕደሳ ኣንደደ: ነታ ከተማ ድማ ኣዕነዋ። ንዅሎም ደቂ ጼዴቅያስ ሓረዶም: ንጼዴቅያስ ከኣ ኣዒንቱ የዕዊሩ ኣሰሮ: ናብ ባቢሎን ከኣ ወሰዶ። ነቡካድነጻር ንዝበዝሑ ካብቶም ህዝቢ ማሪኹ ወሰዶም: ነቲ ዝተረፈ ኣቑሑ ቤት መቕደስ ከኣ ናብ ባቢሎን ኣግዓዞ። “ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።”​—⁠2 ነገስት 24:18–25:21

ነቡካድነጻር ንጢሮስ እውን ን13 ዓመታት ብምኽባብ ኣብ ትሕቲኡ ኣእትይዋ ነበረ። ኣብቲ ተኸቢባትሉ ዝነበረት ግዜ ወተሃደራቱ ነቲ ቍራዕ ርእሲ ስለ ዘየውጽእዎ ርእሶም “ነዂዑ” ከምኡውን ነቲ ከበባ ንምስራሕ ዘድሊ ኣቑሑ ብምስካም “መንኵብ ዘበለ ተመሊጡ” ነበረ። (ህዝቅኤል 29:⁠18) ኣብ መወዳእታ ኸኣ ጢሮስ ኣብ ኢድ ሓይልታት ባቢሎን ወደቐት።

እዚ ባቢሎናዊ ንጉስ እዚ ወተሃደራዊ ስትራተጂታት ኣብ ምንዳፍ እውን ኣዝዩ ክኢላ ኢዩ ነይሩ። ገለ ናይ ስነ-ጽሑፍ መወከሲ መጻሕፍቲ: ብፍላይ ድማ ምንጩ ባቢሎን ዝዀነ: እቲ ንጉስ ፍትሓዊ ምንባሩ ኢዩ ዝጠቕሶ። ዋላ እኳ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈልዩ ነቡካድነጻር ፍትሓዊ ኢዩ ነይሩ እንተ ዘይበለ: ነብዪ ኤርምያስ ግን ጼዴቅያስ እንተዓለወ እኳ ‘ናብቶም መሳፍንቲ ባቢሎን እንተ ኸይዱ’ ምሕረት ክረክብ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (ኤርምያስ 38:⁠17, 18) ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም ከኣ ነቡካድነጻር ንኤርምያስ ብኣኽብሮት ይርእዮ ነበረ። እቲ ንጉስ ብዛዕባ ኤርምያስ “ውሰዶ እሞ ብጽቡቕ ዓይኒ ርአዮ: ከምቲ ዚብለካ ደአ ግበረሉ እምበር: ገለ ኽፉእ ኣይትግበሮ” ኢሉ ኣዘዘ።​—⁠ኤርምያስ 39:11, 12፣ 40:​1-4

ነቡካድነጻር ከም ኣማሓዳሪ መጠን ነቲ ዳንኤልን እቶም ሲድራቕ: ሚሳቅ: ከምኡውን ዓብድ-ኔጎ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሰለስተ ብጾቱን​—⁠ናይ እብራይስጢ ኣስማቶም ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ​—⁠ዝነበሮም ባህርይን ክእለትን ቀልጢፉ ኢዩ ተገንዚብዎ። ስለዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ኣብ መንግስቱ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ቦታ ኣቐመጦም።​—⁠ዳንኤል 1:⁠6, 7, 19-21፣ 2:⁠49

ነቡካድነጻር ብፍላይ ነቲ ማርዱክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቀንዲ ኣምላኽ ባቢሎን ሃይማኖታዊ ተወፋይነት ነበሮ። እቲ ንጉስ በቲ ዝረኸቦ ኵሉ ዓወት ንማርዱክ የመስግኖ ነበረ። ኣብ ባቢሎን ንማርዱክን ካልኦት ኣማልኽቲ ባቢሎንን ዝኸውን ኣብያተ-መቕደስ ሰርሐ: ነቲ ዝነበረ ኸኣ ኣጸባበቖ። እቲ ኣብ ጎልጎል ዱራ ዝቘመ ናይ ወርቂ ምስሊ ንማርዱክ እተወፈየ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቡካድነጻር ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክገብር ክብገስ ከሎ ኣብ ጥንቆላ ኣጸቢቑ ዝውከል ዝነበረ ኢዩ ዝመስል።

ነቡካድነጻር ነታ ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝነበራ እተዓርዳ ከተማታት ዝዓበየት ዝነበረት ባቢሎን ብምሕዳሱ እውን ይሕበን ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኣቦኡ ዝጀመሮ ኣዝዩ ገዚፍ ድርብ መናድቕ ናይታ ኸተማ ብምውዳእ ነታ ኸተማ ዘይትሰዓር ኣምሰላ። ነቲ ኣብ ሕምብርቲ እታ ኸተማ ዝነበረ ዝኣረገ ቤተ-መን​ግስቲ ኣሐደሶ: ካብታ ከተማ ብሰሜን ክልተ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ኸኣ ኣብ ክረምቲ ንመዕረፊ ዝኸውን ቤተ-መንግስቲ ሰርሐ። ነታ ናይ ዓዳ ኵርባታትን ጫካን እትናፍቕ ዝነበረት ሜድዮናዊት ሰበይቱ ንምሕጓስ: ሃንጊን ጋርደንስ​—⁠ሓደ ካብቲ ናይ ጥንታዊት ዓለም ሸውዓተ ኣደነቕቲ ነገራት​—⁠ዝበሃል መናፈሲ ቦታ ሃነጸ።

ሓደ ግዜ እቲ ንጉስ ኣብቲ ናይ ባቢሎን ቤተ-መንግስቲ ሸናዕ እናበለ ኸሎ ከምዚ ኢሉ ተዓበየ:- “እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ⁠-​መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፧” ደሓር ግን “እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ” ተጸለለ። ከምቲ ዳንኤል ኣቐዲሙ እተነበዮ ንሸውዓተ ዓመት ክገዝእ ብቕዓት ኣይነበሮን: ሳዕሪ እውን በልዐ። ኣብ መወዳእታ ናይተን ሸውዓተ ዓመት ከኣ እታ መንግስቲ ናብ ነቡካድነጻር ተመልሰት: ክሳዕ እቲ ብ582 ቅ.ኣ.ዘ. ዝመውት ከኣ ነገሰ።​—⁠ዳንኤል 4:⁠30-36

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

ብዛዕባ እቲ ነቡካድነጻር ኣብዚ ዝስዕብ መዳያት ዝነበሮ ክእለት እንታይ ክበሃል ይከኣል፧

• ናይ ውትህድርና ስትራተጂ ኣብ ምንዳፍ

• ኣማሓዳሪ

• ኣምላኺ ማርዱክ

• ሃናጺ

[ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን

ቀይሕ ባሕሪ

የሩሳሌም

ርባ ኤፍራጥስ

ሩባ ጢግሪስ

ነነዌ

ሹሻ

ባቢሎን

ኡር

[ስእልታት]

ባቢሎን​ —⁠ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝነበራ እተዓርዳ ከተማታት ዝዓበየት ነበረት

[ስእሊ]

ድራጎን ምልክት ማርዱክ ኢዩ ነይሩ

[ስእልታት]

ውሩይ ናይ ባቢሎን “ሃንጊን ጋርደንስ”

[ስእሊ/ኣብ ገጽ 56 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘለዉ ሓይልታት ዓለም

እቲ ዓቢ ምስሊ (ዳንኤል 2:31-45)

ባቢሎን ካብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ

ሜዶንን ፋርስን ካብ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ

ግሪኽ ካብ 331 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ

ሮሜ ካብ 30 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ

ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ካብ 1763 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ

ብፖለቲካ እተመቓቐለት ዓለም ኣብ ዘመን መወዳእታ

[ኣብ ገጽ 47፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 58 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]