ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቅድሚ እቲ መስፍን መሳፍንቲ ደው ክብል ዝኽእል መን ኢዩ፧

ኣብ ቅድሚ እቲ መስፍን መሳፍንቲ ደው ክብል ዝኽእል መን ኢዩ፧

ምዕራፍ ዓሰርተ

ኣብ ቅድሚ እቲ መስፍን መሳፍንቲ ደው ክብል ዝኽእል መን ኢዩ፧

1, 2. እቲ ዳንኤል ኣብ ሳልሳይ ዓመት ግዝኣት ቤልሻጽር ዝረኣዮ ራእይ ንዓና ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ፧

 እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ የሆዋ ካብ ዝዓኑ ሓምሳን ሸውዓተን ዓመታት ገይሩ ነበረ። ቤልሻጽርን ኣቡኡ ናቦኒደስን ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ብሓባር የማሓድሩ ነበሩ። እዚ ግዝኣት እዚ ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ሳልሳይ ሓይሊ ዓለም ኢዩ። a እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ዳንኤል ኣብ ባቢሎን ኣብ ምርኮ ነበረ። “ንግዝኣት ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ” የሆዋ ንዳንኤል ብዛዕባ ምምላስ ሓቀኛ ኣምልኾ ገለ ዝርዝር ሓበሬታታት ብራእይ ገለጸሉ።​—⁠ዳንኤል 8:1

2 ዳንኤል እቲ ዝረኣዮ ራእይ ዓሚቝ ጽልዋ ገይርሉ ኢዩ: ነዞም ኣብዚ “ጊዜ መወዳእታ” ንነብር ዘሎና ኸኣ ኣዝዩ ዘገድሰና ኢዩ። ገብርኤል መልኣኽ ንዳንኤል “እዚ ብዛዕባ እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ እሞ: እንሆ: ነቲ ኣብ መወዳእታ ጊዜ ቝጥዓ ዚኸውን ከፍልጠካ እየ” በሎ። (ዳንኤል 8:​16, 17, 19, 27) ስለዚ እምበኣር ዳንኤል እንታይ ከም ዝረኣየን ንዓና ዘለዎ ትርጕምን ንምፍላጥ ብዓሚቝ ተገዳስነት ንመርምሮ።

ክልተ ቐርኒ ዘለዎ ድዑል

3, 4. ዳንኤል ኣብ ገማግም ባሕሪ ደው ኢሉ ዝረኣዮ እንስሳ እንታይ ዓይነት ኢዩ: ንምንታይከ የመልክት፧

3 ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ብራእይ ከኣ ርኤኹ: ክርኢ ኸሎኹ ድማ: ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ነበርኩ። ብራእይ ርኤኹ: ኣብ ጥቓ ርባ ኡላይ ከኣ ነበርኩ።” (ዳንኤል 8:⁠2) ዳንኤል ኣብታ ካብ ባቢሎን ብምብራቕ 350 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ርእሲ ኸተማ ናይ ኤላም ዝነበረት ሱሳን (ሹሻን) ብኣካል ድዩ ነይሩ ወይስ ብራእይ ጥራይ ኣይተገልጸን።

4 ዳንኤል ቀጺሉ “ኣዒንተይ ኣልዒለ ርኤኹ: እንሆ ኸኣ: ክልተ ዝቐርኑ ድዑል ኣብ ቅድሚ እቲ ርባ ደው ኢሉ ነበረ” ይብል። (ዳንኤል 8:⁠3) መንነት ናይቲ ድዑል ንዳንኤል ምስጢር ኣይነበረን: ከመይሲ ጸኒሑ ገብርኤል መልኣኽ “እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም” ኢሉ ገሊጽሉ ኢዩ። (ዳንኤል 8:⁠20) ሜዶናውያን ካብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ከበሳታት ናብ ምዕራባዊ ኣሶር ገጾም ዝወረዱ ክዀኑ ኸለዉ ፋርሳውያን ከኣ ብመሰረቱ ኣብቲ ሰሜናዊ ክፍሊ ወሽመጥ ፋርስ ሰበኽ ሳግማዊ ናብራ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ምስ ዓበየ ግን እቶም ተቐማጦ እዚ ዘይበሃል ምቾት ዘለዎ ናብራ ከስተማቕሩ ጀመሩ።

5. እታ ድሒራ ‘ዝወጸት’ ቀርኒ ዝነውሐት ብኸመይ ኢያ፧

5 ዳንኤል “እተን ክልተ ኣቕርንቲ ድማ ልዕል ዝበላ እየን: እታ ሓንቲ ግና ካብታ ሓንቲ ልዕል ዝበለት እያ: እዛ ኣውራ ልዕልቲ ኸኣ ደሓር እያ ዝወጸት” ይብል። (ዳንኤል 8:⁠3) እታ ድሒራ ዝወጸት ነዋሕ ቀርኒ ንፋርሳውያን እተመልክት ክትከውን ከላ እታ ሓንቲ ኸኣ ንሜዶናውያን ኢያ እተመልክት። ኣብ መጀመርታ ሜዶናውያን ኢዮም ዓብለልቲ ነይሮም። ኣብ 550 ቅ.ኣ.ዘ. ግን እቲ ንፋርስ ዝገዝእ ዝነበረ ቂሮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስትያጀስ ዝበሃል ሜዶናዊ ንጉስ ብቐሊሉ ተዓወተ። ቂሮስ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ባህልን ሕግታትን ሓዊሱ ንኽልቲአን መንግስታት ኣሕበረን: ንግዝኣተን ድማ ኣስፍሖ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ድርብ ሓይሊ ዓለም ኰነ።

እቲ ድዑል ይፍልስ

6, 7. ኣብ ቅድሚ እቲ ድዑል ‘ክቐውም ዝኽእል’ ኣራዊት ዘይነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ድዑል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቲ ድዑል ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ: ንሰሜን ኣቢሉ: ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ: ኪቃወሞ ዚኽእል ኣራዊት ኣይነበረን: ካብ ኢዱ ኼናግፍ ዚኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ: ዓብዪ ድማ ዀነ።”​—⁠ዳንኤል 8:⁠4

7 ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ: ባቢሎን በቲ ኣኽናፍ ንስሪ ዘለዎ ካብ ባሕሪ ዝወጸ ከም ኣንበሳ ዝዓይነቱ ኣራዊት ኢያ ተመሲላ ዘላ። (ዳንኤል 7:⁠4, 17) እዚ ምሳልያዊ ኣራዊት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብዚ ሓድሽ ራእይ እተራእየ “ድዑል” ደው ክብል ኣይከኣለን። ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ኣብ ኢድ ቂሮስ ዓቢ ወደቐት። ብድሕሪኡ ዳርጋ ን50 ዓመታት ዝኸውን ነቲ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ራብዓይ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ተገሊጹ ዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ክቃወሞ ዝኽእል “ኣራዊት” ወይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር “ኣይነበረን።”

8, 9. (ሀ) “እቲ ድዑል” ‘ንምዕራብ ንሰሜን ንደቡብ ገጹ ዝፍልስ’ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ኣስቴር ብዛዕባ እቲ ንንጉስ ዳርዮስ ቀዳማይ ፋርሳዊ ዝተክአ እንታይ ትብል፧

8 ሓይሊ ዓለም ሜዶንን ፋርስን ካብ “ምብራቕ” መጺኡ ‘ንምዕራብ ንሰሜን ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ እናፈለሰ’ ባህ ዝበሎ ነገራት ገበረ። (ኢሳይያስ 46:⁠11) እቲ ንቂሮስ ዓቢ ተኪኡ ኣብ ዝፋን ዝደየበ ንጉስ ካምባይሲስ ካልኣይ ከኣ ንግብጺ ተቘጻጸራ። እቲ ንዕኡ ዝተክኦ ፋርሳዊ ንጉስ ዳርዮስ ቀዳማይ ብ513 ቅ.ኣ.ዘ. ብወሽመጥ ቦስቦረስ ኣቢሉ ንምዕራብ ገስገሰ: ነታ ኣብ ኣውሮጳ እትርከብ ኣብቲ ግዜ እቲ ርእሲ ኸተማ ቢዛንትዩም (ሕጂ ኢስታንቡል) ዝነበረት ዝረይስ ድማ ወረራ። ብ508 ቅ.ኣ.ዘ. ንዝረይስ ኣንበርከኻ: ንማሴዶንያ ኸኣ ብ496 ቅ.ኣ.ዘ. ተቘጻጸራ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ግዜ ዳርዮስ እቲ ንሜዶንን ፋርስን ዘመልክት “ድዑል” ብሰለስተ ቀንዲ ወገናት ማለት ብሰሜን ክሳዕ ባቢሎንን ኣሶርን: ብምዕራብ ኣብ ንእሽቶ እስያ: ብደቡብ ከኣ ክሳዕ ግብጺ ንዝነበረ ቦታታት ተቘጻጸሮ።

9 መጽሓፍ ቅዱስ ንዕቤት ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ብምርግጋጽ ብዛዕባ እቲ ንዳርዮስ ዝተክአ ንጉስ ዘክሲዝ ቀዳማይ “ኣሓሽዌሮስ . . . እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝኤ እዩ” ይብሎ። (ኣስቴር 1:⁠1) እንተዀነ ግን: እዚ ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት እዚ ብኻልእ ክትካእ ነበሮ: ብዛዕባ እዚ ኸኣ እቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ ነቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዘሎና እምነት ዘደልድል መሳጢ ዝርዝራት ዝሓዘ ኢዩ።

እቲ ድቤላ ነቲ ድዑል ይወቕዖ

10. ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ ነቲ “ድዑል” ዝወቐዖ እንስሳ ኣየናይ ኢዩ፧

10 ዳንኤል በቲ ቐጺሉ ዝርእዮ ነገር ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረመ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኣነ ኸስተብህል ከሎኹ: እንሆ: ድቤላ ኻብ ምዕራብ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ መጸ: ንምድሪ ኸኣ ኣይተንከያን። እዚ ድቤላ እዚ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቐርኒ ነበረቶ። ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ ድዑል መጸ: ብነድሪ ሓይሉውን ጐየዮ። ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ርኤኽዎ: ኣዝዩ ኸኣ ተቘጥዖ: ነቲ ድዑል ወቕዖ እሞ ክልቲኤን ኣቕርንቱ ሰበሮ: ናብ ምድሪ ኣውደቖን ረገጾን። እቲ ድዑል ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰአነ: ነቲ ድዑል ካብ ኢዱ ኼናግፎ ዝኸአለ ኸኣ ኣይነበረን።” (ዳንኤል 8:​5-7) እዚ ዅሉ እንታይ ማለት ኢዩ፧

11. (ሀ) ገብርኤል መልኣኽ ነቲ ‘ጨጓር ድቤላን ነታ ምርእይቲ ቐርኑን’ ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) በታ ምርእይቲ ቐርኒ ተመሲሉ ዘሎኸ መን ኢዩ፧

11 ዳንኤል ይኹን ንሕና ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ክንግምት ኣየድልየናን ኢዩ። ገብርኤል መልኣኽ ንዳንኤል ከምዚ በሎ:- “እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ [“ግሪኽ:” NW  ] እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ” በሎ። (ዳንኤል 8:21) ብ336 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ማለት ዳርዮስ ሳልሳይ (ኮዶማነስ) ነገሰ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣለክሳንደር ኣብ ማሴዶንያ ነገሰ። ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ኣለክሳንደር ዓቢ ናይ መጀመርታ “ንጉስ ግሪኽ” ኰነ። ኣለክሳንደር ብ334 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ “ምዕራብ” ተበጊሱ ቅልጣፈ ብእተሓወሶ ኣገባብ ኣስፋሕፍሐ። ከምዛ ‘ንምድሪ ከይተንከያ’ ዝንቀሳቐስ ኰይኑ ኸኣ ዞባታት ተቘጻጸረ: ነቲ “ድዑል” ከኣ ወቕዖ። ነቲ ንኽልተ ዘመናት ዝኣክል ዝጸንሐ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ከም ዘብቅዕ ብምግባር ድማ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ግሪኽ ሓሙሸይቲ ሓይሊ ዓለም ኰነት። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘገርም ፍጻመ መለኮታዊ ትንቢት ኰን ኢዩ!

12. እታ “ምርእይቲ ቐርኒ” ናይቲ ምሳልያዊ ድቤላ ‘እተሰብረት’ ብኸመይ ኢያ: ኣብ ክንድኣ ዝወጻ ኣርባዕተ ኣቕርንትኸ እንታይ ኢየን፧

12 ስልጣን ኣለክሳንደር ግን ንሓጺር እዋን ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ራእይ ወሲኹ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ድቤላ ግና እምብዛ ዓብዪ ዀነ። ምስ በርትዔ ድማ: እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰብረት: ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ወጻ።” (ዳንኤል 8:⁠8) ገብርኤል ትርጕም ናይቲ ትንቢት ብምግላጽ “ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ዝተንስኣን: ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ኪትንስኣ እየን: ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረያኣን እየን” ይብል። (ዳንኤል 8:22) ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ: ኣለክሳንደር ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዓወቱ ምስ በጽሐ ወዲ 32 ዓመት ጥራይ ከሎ ‘ተሰብረ’ ወይ ሞተ። ቀስ እናበለ ኸኣ እቲ ዝመስረቶ ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣብ ኣርባዕተ ጀነራላቱ ተመቓቐለ።

ምስጢራዊት ንእሽቶ ቐርኒ

13. ካብ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ እንታይ ኢያ ዝወጸት: እንታይከ ገበረት፧

13 እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ክፍሊ ናይቲ ራእይ ንልዕሊ 2,200 ዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ ፍጻሜኡ ክሳዕ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ዝበጽሕ ኢዩ። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ካብ ሓንቲኤን [ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ] ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት: ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ኽብርቲ ሃገርን ኣቢላ ኣዝያ ዐበየት። ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዐበየ እሞ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከኣ። ኤረ ኽሳዕ ነቲ ሓለቓ ሰራዊት እኳ ተዐበየሉ። ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኸኣ ካብኡ ኣትረፎ: እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት። እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ: ገበረ ሰለጠሉ ኸኣ።”​—⁠ዳንኤል 8:​9-12

14. ገብርኤል መልኣኽ ብዛዕባ ንጥፈታት ናይታ ምሳልያዊት ንእሽቶ ቐርኒ እንታይ ኢዩ ዝበለ: ነታ ቐርንኸ እንታይ ኢዩ ከጋጥማ፧

14 ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቓላት ክንርድኦ ቅድሚ ምኽኣልና ነቲ መልኣኽ ኣምላኽ ዝብሎ ዘሎ ከነቕልበሉ ይግብኣና። ገብርኤል መልኣኽ ካብ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣለክሳንደር ኣርባዕተ መንግስታት ክትንስኣ ምዃነን ድሕሪ ምዝራቡ ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ መወዳእታ መንግስቶም ከኣ: እቶም ኣበሰኛታት መስፈሮም ምስ መልኡ: ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኰል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእ እዩ። ሓይሉ ኺብርትዕ እዩ: ብሓይሉ ግና ኣይኰነን: መስተንክር ዝዀነ ጥፍኣት ኪገብር እዩ። ኪገብር ኪሰልጦውን እዩ: ንሓያላትን ንህዝቢ ቅዱሳንን ድማ ኬጥፍኦም እዩ። ብጥበቡ ኸኣ ምጥባር ኣብ ኢዱ ኼስልጥ: ብልቡ ኺዕበ: ብድንገት ንብዙሓት ኬጥፍእ: ኤረ ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ኺትንስኦ እዩ: ግናኸ ብዘይ ኢድ ሰብ ኪስበር እዩ።”​—⁠ዳንኤል 8:​23-25

15. እቲ መልኣኽ ነቲ ራእይ ብዝምልከት ንዳንኤል እንታይ ክገብር ኢዩ ዝነገሮ፧

15 እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “እዚ ራእይ ንርሑቕ ዘመን እዩ እሞ: ሕተሞ” በሎ። (ዳንኤል 8:26) ኽፋል ናይዚ ራእይ እዚ ፍጻሜኡ “ንርሑቕ ዘመን” ስለ ዝነበረ ዳንኤል ‘ክሓትሞ’ ወይ ምስጢር ገይሩ ክሕዞ ነበሮ። ትርጕሙ ንዳንኤል እውን ምስጢር ኰይንዎ ኢዩ። ሕጂ ግን እቲ ‘ርሑቕ ዘመን’ ተባሂሉ ዝነበረ ከም እተወድአ ርግጽ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ኢልና ንሓትት:- ‘ብዛዕባ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢታዊ ራእይ እዚ ታሪኽ ዓለም እንታይ ኢሉ ይገልጽ፧’

እታ ንእሽቶ ቐርኒ ሓያል ትኸውን

16. (ሀ) እታ ንእሽቶ ቐርኒ ካብ ኣየነይቲ ምሳልያዊት ቀርኒ ኢያ ዝወጸት፧ (ለ) ሮሜ ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ሻድሸይቲ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት ብኸመይ ኢያ: ነታ ምሳልያዊት ንእሽቶ ቀርኒ ከተመልክት ዘይትኽእል ግን ስለምንታይ ኢያ፧

16 ብመሰረት ታሪኽ እታ ንእሽቶ ቐርኒ ካብ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ምሳልያውያን ኣቕርንቲ ማለት ካብታ ብምዕራብ ኣብ ርሑቕ ዝነበረት ቐርኒ ዝወጸት ኢያ። እዛ ቐርኒ እዚኣ ነታ ሄለናዊት መንግስቲ ናይቲ ኣብ ማሴዶንያን ግሪኽን ዝገዝእ ዝነበረ ጀነራል ካሳንደር እተመልክት ኢያ። ዳሕራይ እዛ መንግስቲ እዚኣ ብመንግስቲ ናይቲ ኣብ ዝረይስን ንእሽቶ እስያን ንጉስ ዝነበረ ጀነራል ላይሰሚከስ ተዋሕጠት። ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘመንና እዘን ብወገን ምዕራብ ዝነበራ ሄለናውያን ግዝኣታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሮሜ ኣተዋ። ብ30 ቅ.ኣ.ዘ. ድማ ሮሜ ንዅለን ሄለናውያን መንግስታት ተቘጻጺራ: እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ሻድሸይቲ ሓይሊ ዓለም ኰነት። እንተዀነ ግን: ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እታ ኣብቲ ዳንኤል ዝራኣዮ ራእይ ተገሊጻ ዘላ ንእሽቶ ቐርኒ ኣይኰነትን: ከመይሲ ሮሜ ክሳዕ “እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ” ኣይቀጸለትን።​—⁠ዳንኤል 8:⁠19

17. (ሀ) ብሪጣንያ ምስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እንታይ ርክብ ነበራ፧ (ለ) ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ምስተን ናይ ማሴዶንያን ግሪኽን ሄለናውያን መንግስታት እንታይ ርክብ ኢዩ ዝነበራ፧

17 እሞ ታሪኽ ድኣ እዚ ጐነጽ ዝፈቱ ‘ጨካን ዝገጹ ንጉስ’ መን ምዃኑ ኢዩ ዝምስክር፧ ብሪጣንያ ካብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ብሰሜናዊ ምዕራብ እተቐልቀለት ሓይሊ ኢያ። ክሳዕ መጀመርታ ናይ ሓሙሻይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብዚ ሕጂ ብሪጣንያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ሮሜ እትቈጻጸሮ ቦታታት ነይሩ ኢዩ። ጸኒሑ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እናወደቐ እኳ እንተመጸ ጽልዋ ምዕባለታት ግሪኽን ሮሜን ግን ኣብ ብሪጣንያን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ካልእ ክፍልታት ኣውሮጳን ነይሩ ኢዩ። ፍሉጥ ሜክሲካዊ ጸሓፍ ግጥምን ደራስን ከምኡውን ናይ ኖበል ሽልማት እተቐበለ ኦክታብዮ ፓዝ “ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ምስ ወደቐ: ቤተ⁠-​ክርስትያን ነቲ ቦታ ሓዘቶ” ይብል። ወሲኹ ኸኣ “እቶም ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣቦታትን ድሕሪኦም ዝመጹ ምሁራትን ነቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ኣብ ሰረተ⁠-​እምነት ክርስትና ከም ዝኣቱ ገበርዎ” በለ። ናይ መበል 20 ዘመን ፈላስፋን ናይ ቍጽሪ ክኢላን በርትራንድ ራስል ድማ ከምዚ ይብል:- “እቲ ካብ ግሪኽ ዝመነጨ ናይ ምዕራብ ምዕባለ: ኣብቲ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት ይገብር ኣብ ሚልተስ [ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ናይ ግሪኽ ከተማ] ዝጀመረ ፍልስፍናውን ስነ⁠-​ፍልጠታውን ባህሊ እተመስረተ ኢዩ።” ስለዚ ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ካብተን ኣብ ማሴዶንያን ግሪኽን ዝነበራ ሄለናውያን መንግስታት ዝመነጨ ኢዩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።

18. እታ ኣብ “ጊዜ መወዳእታ” ናብ ‘ጨካን ዝገጹ ንጉስ’ እተቐየረት ንእሽቶ ቐርኒ ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧ ግለጽ።

18 ኣብ 1763 እታ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበራ ብሪጣንያ ነተን ሓያላት ተቐናቐንታ ዝነበራ ስጳኛን ፈረንሳን ሰዓረተን። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚራ ኸኣ ንግስቲ ባሕሪ ከምኡውን እታ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ሻብዐይቲ ሓይሊ ዓለም ምዃና ኣርኣየት። እተን ኣብ ኣመሪካ ዝነበራ 13 ግዝኣታታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምምስራት ኣብ 1776 ካብኣ ምስ ወጻ እውን ከይተረፈ ንርብዒ ምድርን ንርብዒ ህዝቢ ዓለምን እትቈጻጸር ሃጸያዊት ግዝኣት ኰይና ኢያ። ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ዝበሃል ድርብ ሓይሊ ዓለም ንምቛም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ብሪጣንያ ምስ ሓበረት ከኣ እቲ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም ዝያዳ ደልደለ። እዚ ሓይሊ እዚ ብቝጠባ ይኹን ብውትህድርና ብሓቂ ‘ጨካን ዝገጹ ንጉስ’ ኰይኑ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እታ ኣብ “ጊዜ መወዳእታ” ጨካን ፖለቲካዊት ሓይሊ ዝዀነት ንእሽቶ ቐርኒ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ኢያ።

19. ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ ‘ኽብርቲ ሃገር’ ተባሂላ ዘላ መን ኢያ፧

19 ዳንኤል እታ ንእሽቶ ቐርኒ ‘ናብታ ኽብርቲ ሃገር ኣቢላ ኣዝያ ክትዓቢ’ ርኣያ። (ዳንኤል 8:⁠9) እታ የሆዋ ንህዝቡ ዝሃቦም ምድሪ ተስፋ ኣዝያ ጽብቕቲ ብምንባራ “ካብ ኵለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር” ተባሂላ ተጸዊዓ ነይራ ኢያ። (ህዝቅኤል 20:⁠6, 15) ብሪጣንያ ንየሩሳሌም ብ9 ታሕሳስ 1917 ከም ዝሓዘታ: ብ1920 ከኣ እተኣሳሰራ መንግስታት ፍልስጤም ኣብ ትሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ ክትመሓደር ከም ዝወሰነ: እዚ ኸኣ ክሳዕ 14 ግንቦት 1948 ከም ዝጸንሐ ሓቂ ኢዩ። እቲ ራእይ ግን ብዙሕ ምሳልያዊ ነገራት ዝሓዘ ትንቢት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እታ ‘ኽብርቲ ሃገር’ ተባሂላ ዘላ የሩሳሌም ዘይኰነትስ ንዅነታት ናይቶም ኣብ እዋን እቲ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም ዝነበሩ ኣምላኽ ከም ቅዱሳት ገይሩ ዝርእዮም ህዝቢ እተመልክት ኢያ። ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ነቶም ቅዱሳን ብኸመይ ከተፈራርሆም ከም ዝፈተነት እስከ ንርአ።

‘ማሕደር መቕደሱ’ ፈረሰት

20. እታ ንእሽቶ ቐርኒ ከተወድቖም ዝጸዓረት ‘ሰራዊት ሰማይን ከዋኽብትን’ ንምንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧

20 እታ ንእሽቶ ቐርኒ ‘ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዓበየት እሞ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቐቶም።’ እቲ መልኣኽ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት እታ ንእሽቶ ቐርኒ ከተውድቖም ዝፈተነት “ሰራዊት ሰማይ” ከምኡውን ‘ከዋኽብቲ’ እቶም ‘ህዝቢ ቅዱሳን’ ኢዮም። (ዳንኤል 8:​10, 24) እዞም ‘ቅዱሳን’ እዚኣቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኢዮም። ብመሰረት እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ኪዳን ኣቢሎም ምስ ኣምላኽ ርክብ ስለ ዝገበሩ እተቐደሱ: ጽሩያት: ከምኡውን ምሉእ ብምሉእ ንኣገልግሎት ኣምላኽ እተወፈዩ ኢዮም። (እብራውያን 10:⁠10፣ 13:⁠20) ኣብቲ ሰማያዊ ውርሻ ምስ ወዱ ክወርሱ ስለ ዝመደቦም የሆዋ ከም ቅዱሳን ገይሩ ኢዩ ዝርእዮም። (ኤፌሶን 1:​3, 11, 18-​20) ስለዚ ኣብቲ ዳንኤል ዝራኣዮ ራእይ “ሰራዊት ሰማይ” ተባሂሎም ዘለዉ ነቶም ምስቲ ገንሸል ኣብ ሰማይ ክነግሱ ዘለዎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍ ናይቶም 144,000 ‘ቅዱሳን’ ዘመልክት ኢዩ።​—⁠ራእይ 14:⁠1-5

21. ኣብታ እቲ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም ከጥፍኣ ዝሓሰበ ‘መቕደስ’ ዝነበሩ መን ኢዮም፧

21 ኣብዚ እዋን እዚ ተረፍ ናይቶም 144,000 ምድራውያን ወኪላት ናይታ ከም ከተማ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይና እተገልግል ‘ሰማያዊት የሩሳሌምን’ ቤት መቕደሳን ኢዮም። (እብራውያን 12:⁠22, 28፣ 13:⁠14) በዚ መሰረት እዚ እቲ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም ክረግጻን ከባድማን ዝጸዓረ ‘መቕደስ’ የቝሙ። (ዳንኤል 8:⁠13) ዳንኤል ነቲ ቅዱስ ቦታ ከም ‘ማሕደር መቕደስ’ የሆዋ ገይሩ ብምጽዋዕ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኸኣ ካብኡ [ካብ የሆዋ] ኣትረፎ: እታ ማሕደር መቕዱሱውን ፈረሰት። እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ: ገበረ ሰለጠሉ ኸኣ።” (ዳንኤል 8:⁠11, 12) እዚ ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧

22. እቲ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ርኡይ ዝዀነ “ዕልወት” ዝፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧

22 ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኵነታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ይመስል ነበረ፧ ከቢድ ስደት ይወርዶም ነይሩ ኢዩ! እቲ ስደት ኣብቲ ናይ ናዝን ፋሽስትን ምምሕዳር ዝነበሮ ሃገራት ኢዩ ጀሚሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣብቲ ሰፊሕ ግዝኣት ናይታ ‘በርቲዓ ዝነበረት ንእሽቶ ቐርኒ’ እውን ከይተረፈ ‘ሓቂ ናብ ምድሪ ተደርበየት።’ እቶም ከም “ሰራዊት” ተጸዊዖም ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስትን “ወንጌል” ናይ ምስባኽ ስርሖምን ኣብ ኵሉ እቲ ሓባራዊ ሃብቲ ብሪጣንያ ተኣገደ። (ማርቆስ 13:⁠10) እዘን ሃገራት እዚኣተን ንውትህድርና ክኸትባ ኸለዋ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዝገብርዎ ናይ ኣገልግሎት ስራሕ ርእየን ናጻ ክገድፍኦም ኣይደለያን: በዚ ኸኣ ነቲ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተዋህቦም ቲኦክራሲያዊ መዝነት ኣኽብሮት ኣየርኣያን። እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዓመጽን እተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ውርደትን ኣጓነፎም። በዚ ኸኣ እቲ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም ነቲ ንህዝቢ የሆዋ ክፍሊ ኣምልኾኦም ዝዀነ “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ” ማለት መስዋእቲ ምስጋና​—⁠“ፍረ ኸናፍር”​—⁠ክወስዶ ጸዓረ። (እብራውያን 13:⁠15) ስለዚ ኸኣ ነቲ ሕጋዊ ዝዀነ ግዝኣት ናይቲ ኣዝዩ ልዑል ኣምላኽ​—⁠‘ማሕደር መቕደሱ’​—⁠ብምውራር “ዕልወት” ፈጸመ።

23. (ሀ) ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ኣንጻር እቲ “መስፍን መሳፍንቲ” ዝተንስአት ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) “መስፍን መሳፍንቲ” መን ኢዩ፧

23 እታ ንእሽቶ ቐርኒ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቶም ‘ቅዱሳን’ መስጐጕቲ ብምውራድ “ነቲ ሓለቓ ሰራዊት” እውን ከይተረፈ ተዓበየትሉ። ወይ ከም ኣገላልጻ ገብርኤል መልኣኽ እዛ ንእሽቶ ቐርኒ ‘ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ተንሲኣቶ’ ኢያ። (ዳንኤል 8:⁠11, 25) እቲ “መስፍን መሳፍንቲ” ዝብል መዓርግ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዝውዕል ኢዩ። እታ “መስፍን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ሳር እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ምስታ “ምልከት ምርኣይ” እትብል ግሲ እትመሳሰል ኢያ። እታ ቃል ኣብ ርእሲ እቲ ንወዲ ንጉስ ወይ ናይ ንግስነት መዓርግ ንዘለዎ ሰብ እተመልክት ምዃና ንርእሲ ወይ እውን ንሓደ ኣዛዚ ተመልክት ኢያ። መጽሓፍ ዳንኤል ከም በዓል ሚካኤል ዝኣመሰሉ ካልኦት መልኣኽቲ እውን መሳፍንቲ ምዃኖም ትጠቅስ ኢያ። ኣምላኽ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መሳፍንቲ ኣዛዚ ኢዩ። (ዳንኤል 10:​13, 21፣ ምስ መዝሙር 83:18 ኣረኣእዮ።) ኣንጻር እቲ መስፍን መሳፍንቲ ዝዀነ የሆዋ ክትንስእ ዝኽእል ኣሎ ኢልና ክንሓስብ ንኽእልዶ፧

‘እታ መቕደስ’ ትነጽህ

24. ዳንኤል 8:⁠14 እንታይ መረጋገጺ ኢያ እትህበና፧

24 ኣብ ቅድሚ እቲ መስፍን መሳፍንቲ ደው ክብል ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን። እቲ ‘ጨካን ዝገጹ’ ንጉስ ተባሂሉ ዘሎ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ እውን እንተዀነ ደው ክብል ኣይክእልን ኢዩ! እዚ ንጉስ እዚ ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ንምጥፋእ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን። ድሕሪ “ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን . . . እታ መቕደስ ክትነጽህ” ወይ ብመሰረት ትርጕም ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል (እንግሊዝኛ) “ዕውቲ ኰይና ክትቅልቀል” ምዃና እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ዝሃቦ መልእኽቲ ይገልጽ።​—⁠ዳንኤል 8:⁠13, 14

25. ንውሓት ናይተን ትንቢታውያን 2,300 መዓልትታት ክንደይ ኢዩ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍጻመኸ ኢየን ክተሓሓዛ ዘለወን፧

25 እተን 2,300 መዓልትታት ትንቢታዊ ንውሓት ናይ ግዜ ዝሓዛ ኢየን። ስለዚ 360 መዓልትታት ዝሓዘ ትንቢታውያን ዓመታት ኢየን። (ራእይ 11:​2, 3፣ 12:​6, 14) ስለዚ እተን 2,300 መዓልትታት 6 ዓመትን 4 ወርሕን 20 መዓልትታትን ኢየን። እዚ ግዜ እዚ መዓስ ኢዩ ነይሩ፧ ኣብ 1930ታት ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት እናበርትዐ ዝኸይድ ስደት የጋጥሞም ነይሩ ኢዩ። ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ኣብተን ድርብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ እትቈጻጸረን ዝነበረት ሃገራት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብርቱዕ ስደት ይወርዶም ነይሩ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ‘ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ምእዛዝ’ ስለ ዝቐጸሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29) ስለዚ ኸኣ እተን 2,300 መዓልትታት ምስቲ ውግእ እቲ እተተሓሓዛ ክዀና ኣለወን። b እንተዀነ ግን ብዛዕባ መጀመርታን መወዳእታን ናይዚ ትንቢታዊ ግዜ እዚ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧

26. (ሀ) መጀመርታ ናይተን 2,300 መዓልትታት መዓስ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) እተን 2,300 መዓልትታት መዓስ ኢየን እተወድኣ፧

26 ‘እታ መቕደስ ክትነጽህ’ ወይ ናብቲ ዝነበረቶ ኽትምለስ እንተድኣ ዀይና እተን 2,300 መዓልትታት እታ መቕደስ ብዓይኒ የሆዋ ‘ኣብ ንጹህ’ ኵነታት ከላ ዝጀመራ ክዀና ኣለወን። ናይዚ መጀመርታ ኸኣ ኣብ ናይ 1 ሰነ 1938 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ናይታ “ማሕበር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ክፍሊ 1 ክትወጽእ ከላ ኢዩ። ክፍሊ 2 ኣብ ናይ 15 ሰነ 1938 ሕታም ወጸት። ካብ 1 ወይ 15 ሰነ 1938 ጀሚርና 2,300 መዓልትታት (ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ዓውደ⁠-​ኣዋርሕ 6 ዓመታትን 4 ኣዋርሕን 20 መዓልትታትን) ምስ እንቘጽር ኣብ 8 ወይ 22 ጥቅምቲ 1944 ንበጽሕ። ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ናይቲ ብ30 መስከረምን 1 ጥቅምትን 1944 ኣብ ፒትስበርግ: ፔንሲልቫንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: እተገብረ ፍሉይ ኣሰምብሊ እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት “ሎሚ ዘሎ ቲኦክራሲያዊ ምትዕርራይ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ኣብቲ ብ2 ጥቅምቲ እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ናይቲ ትካል ሕጊ ክሳዕ ዝፈቕዶ ምስ ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኣጸቢቑ ከም ዝቀራረብ ንምግባሩ እቲ ናይ ማሕበር ቻርተር ተመሓየሸ። ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓቶ ብቕዓታት ሓድሽ ምርዳእ ክርከብ ከሎ ኣብ ጽሑፋት ተሓቲሙ ክወጽእ ምስ ጀመረ ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቲኦክራሲያዊ ኣመሓዳድራ ቀልጢፉ ምሉእ ብምሉእ ክተኣታቶ ጀመረ።

27. እቲ ‘ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ’ ኣብቲ ብዙሕ ስደት ዝነበረሉ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተቐይዱ ምንባሩ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

27 እተን ኣብ 1939 ዝጀመራ 2,300 መዓልትታት ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም እኳ እንተ ተወድኣ: ነቲ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ዝቐርብ ዝነበረ ‘ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ’ ብምኽንያት ስደት ኣጸቢቑ ተቐይዱ ነበረ። ኣብ 1938 ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣልያ 39 ኣብያተ⁠-​ጨንፈር ነበርኣ: ኣብ 1943 ግን 21 ጥራይ ተረፋ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ወሰኽ ናይ ኣወጅቲ መንግስቲ እውን ውሑዱ ኢዩ ነይሩ።

28, 29. (ሀ) ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ምውድኡ ገጹ ክኸይድ ከሎ ኣብ ማሕበር የሆዋ እንታይ ምዕባለታት ኢዩ ዝነበረ፧ (ለ) ጸላኢ ነታ ‘መቕደስ’ ንምብዳምን ንምዕናውን ብዛዕባ ዝገበሮ እኩይ ፈተነ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧

28 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ኰይኖም ብምግልጋል ግዝኣት የሆዋ ክብ ንምባል ዘለዎም ቈራጽነት ደጊሞም ኣረጋገጹ። ነዚ ዕላማ እዚ ብምሓዝ ድማ ኢዮም ኣብ 1944 ንዕዮታቶም እንደገና ምውዳብን ናይ ምምሕዳር መዋቕር ከተኣታትዉን ዝጀመሩ። እታ ናይ 15 ጥቅምቲ 1944 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ነቲ ናይ መደምደምታ ዕዮ ንምፍጻም እተመሓደሩ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ሒዛ ወጸት። እዛ ዓንቀጽ እዚኣን ካልእ ኣብቲ እዋን እቲ ዝወጸ ኣብ ኣገልግሎት ዘተኰረ ዓንቀጻትን እተን 2,300 መዓልትታት ከም እተወድኣ: “እታ መቕደስ” እውን እንደገና ‘ከም ዝነጽሀት’ ሓበራ።

29 እቲ ጸላኢ ነታ “መቕደስ” ንምብዳምን ንምጥፋእን ዝገበሮ እኩይ ፈተነታት ምሉእ ብምሉእ ፈሸለ። እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ተረፍ ናይቶም ‘ቅዱሳንን’ ብጾቶም ‘ዓቢ ጭፍራን’ ከኣ ብርግጽ ሰዓርቲ ኰይኖም ወጹ። (ራእይ 7:⁠9 NW ) እታ መቕደስ ከኣ በቲ ልክዕ ቲኦክራሲያዊ ኣገባብ ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ ቀጸለት።

30. ድሕሪ ቐረባ እዋን ነቲ ‘ጨካን ዝገጹ ንጉስ’ እንታይ ከጋጥሞ ኢዩ፧

30 ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ገና ቦታኡ ኣይገደፈን። ገብርኤል መልኣኽ ግን “ብዘይ ኢድ ሰብ ኪስበር እዩ” በለ። (ዳንኤል 8:⁠25) ድሕሪ ቐረባ ግዜ እቲ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሻብዓይ ሓይሊ ዓለም​—⁠‘ጨካን ዝገጹ ንጉስ’​—⁠ክስበር ኢዩ። እዚ ግን ብኢድ ሰብ ዘይኰነስ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ብዝዀነ ሓይሊ ኣብ ኣርማጌዶን ኢዩ ክኸውን። (ዳንኤል 2:​44፣ ራእይ 16:​14, 16) ሉዓላውነት ናይቲ መስፍን መሳፍንቲ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሽዑ ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ ምዃኑ ምፍላጥ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ትርጕም እተዋህበን ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም ግብጺ: ኣሶር: ባቢሎን: ሜዶንን ፋርስን: ግሪኽ: ሮሜ: ከምኡውን ድርብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ኢየን። እዚኣተን ኵለን ክስትብሃለለን ዘለወን ኢየን ከመይሲ ምስ ህዝቢ የሆዋ ብገለ መገዲ ርክብ ነይርወን ኢዩ።

b ዳንኤል 7:⁠25 እውን እቶም ‘ናይ ልዑል ቅዱሳን ዝጸንቱሉ’ ናይ ግዜ ንውሓት ትዛረብ ኢያ። ኣብዛ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ ኸኣ እዚ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ኵነታት እተተሓሓዘ ኢዩ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• እዚ ዝስዕብ ነገራት ንምንታይ የመልክት:-

‘ክልተ ዝቐርኑ ድዑል’

“ዓባይ ቀርኒ” ዝነበረቶ “ጨጓር ድቤላ”

ኣብ ክንዲ እታ “ዓባይ ቀርኒ” ዝወጻ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ

ካብ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ዝወጸት ንእሽቶ ቐርኒ

• ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ነታ ‘መቕደስ’ ከጥፍኣ ዝጸዓረ ብኸመይ ኢዩ: ተዓዊቱዶኸ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ካርታ/ኣብ ገጽ 166 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን

ማሴዶንያ

ግብጺ

ሞፍ

ኢትዮጵያ

የሩሳሌም

ባቢሎን

ኣሕመታ

ሹሻ

ፐርሴፓሊስ

ህንዲ

[ካርታ/ኣብ ገጽ 169 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ

ማሴዶንያ

ግብጺ

ባቢሎን

ርባ ኣንደስ

[ኣብ ገጽ 172 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ

ብሪጣንያ

ኢጣልያ

ሮሜ

የሩሳሌም

ግብጺ

[ኣብ ገጽ 164፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 174 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ዝነበሩ ገለ ውሩያት ሰባት :-

1. ጆርጅ ዋሽንግተን: ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. (1789-97)

2. ንግስቲ ቪክቶርያ ናይ ብሪጣንያ (1837-​1901)

3. ውድሮው ዊልሰን: ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. (1913-​21)

4. ዴቪድ ሎይድ ጆርጅ: ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ (1916-​22)

5. ዊንስተን ቸርቺል: ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ (1940-​45, 1951-​55)

6. ፍራንክሊን ዲ. ሩዝቨልት: ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. (1933-​45)