ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሲሕ ዝመጽኣሉ ግዜ ተጋሂዱ

መሲሕ ዝመጽኣሉ ግዜ ተጋሂዱ

ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ

መሲሕ ዝመጽኣሉ ግዜ ተጋሂዱ

1. ግዜ ብምሕላው ንየሆዋ ዝወዳደሮ ኣካል ስለ ዘየለ: ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

 ግዜ ብምሕላው ንየሆዋ ዝወዳደሮ ኣካል የለን። ምስ ዕዮኡ እተተሓሓዘ ኵሉ ዘመናትን ወርሓትን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠7) ንሱ ዝመደቦ ኵሉ ዘመናትን ወርሓትን ከም ዝኸውን ርግጽ ኢዩ። ኣይፈሽልን ኢዩ።

2, 3. ዳንኤል ናብ ከመይ ዝበለ ትንቢት ኢዩ ዘቕለበ: ኣብቲ ግዜ እቲኸ ንባቢሎን እንታዋይ ሃጸይ ኢዩ ዝገዝኣ ዝነበረ፧

2 ነብዪ ዳንኤል ህርኩት ተማሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ምንባሩ መጠን ኣብቲ የሆዋ መደብ ንኸውጽእን ንኽፍጽሞን ዘለዎ ክእለት እምነት ነይርዎ ኢዩ። ንዳንኤል ብፍላይ ዘገድሶ ዝነበረ እቲ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝምልከት ትንቢታት ኢዩ። ኤርምያስ እታ ቅድስቲ ኸተማ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም እትባድም ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ራእይ ጽሒፉ ኢዩ: ዳንኤል ከኣ ነዚ ትንቢት እዚ ተጠንቂቑ ይምርምሮ ነበረ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ: ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን ከኣ ንጉስ ዝዀነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ: ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ: ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልክዎ: ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ።”​—⁠ዳንኤል 9:1, 2፣ ኤርምያስ 25:⁠11

3 ኣብቲ ግዜ እቲ “ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን” ዳርዮስ ሜዶናዊ ኢዩ ዝገዝእ ነይሩ። እቲ ዳንኤል ኣቐዲሙ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሕፈት ዝሃቦ ትርጕም ብኡንብኡ ኢዩ ተፈጺሙ። ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ድሮ ጠፊኡ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ “ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበ።”​—⁠ዳንኤል 5:24-28, 30, 31

ዳንኤል ብትሕትና ንየሆዋ ይልምኖ

4. (ሀ) ድሕነት የሆዋ ንምርካብ እንታይ የድሊ ነበረ፧ (ለ) ዳንኤል ብኸመይ ኢዩ ናብ የሆዋ ዝቐረበ፧

4 እቲ ናይ 70 ዓመት ምብዳም የሩሳሌም ክውዳእ ከም ዝቐረበ ዳንኤል ተገንዚቡ ነበረ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኢዩ ክገብር፧ ባዕሉ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ብማቕን ብሓመዅስትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ . . . ለመንኩን ተናዘዝኩን።” (ዳንኤል 9:3, 4) ኣምላኽ ብምሕረት ንኸድሕነካ ቅኑዕ ዝዀነ ናይ ልቢ ኵነታት የድሊ። (ዘሌዋውያን 26:31-​46፣ 1 ነገስት 8:​46-​53) እምነት: ትሕትና: ከምኡውን ካብቲ ንምርኮን ባርነትን ከም ዝኸዱ ዝገበሮም ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ምንሳሕ የድልዮም ነበረ። ስለዚ ዳንኤል ኣብ ክንዲ እቶም ሓጢኣተኛታት ህዝቡ ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀረበ። ብኸመይ ኢዩ ዝቐረበ፧ ብጾምን ልማኖን ማቕ ተኸዲኑን ቀረበ: እዚ ኸኣ ምልክት ነስሓን ቅንዕና ልብን ኢዩ።

5. ዳንኤል ኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ከም ዝምለሱ እምንቶ ክህልዎ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ትንቢት ኤርምያስ ኣይሁዳውያን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ናብ ሃገሮም ይሁዳ ክምለሱ ምዃኖም ይሕብር ብምንባሩ ዳንኤል ተስፋ ክገብር ክኢሉ ኢዩ። (ኤርምያስ 25:⁠12፣ 29:⁠10) ቂሮስ ዝበሃል ሰብ ድሮ ከም ንጉስ ፋርስ ኰይኑ ይገዝእ ስለ ዝነበረ ነቶም ተጸቒጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ዕረፍቲ ከም ዝመጽኣሎም ዳንኤል ይተኣማመን ነይሩ ኢዩ። ኣይሁዳውያን ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ንምህናጽ ናጻ ኣብ ምውጻእ ቂሮስ መሳርሒ ከም ዝኸውን ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ተነብዩዶ ኸይነበረ፧ (ኢሳይያስ 44:28–45:3) እዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝኸውን ግን ዳንኤል ምንም ፍልጠት ኣይነበሮን። ስለዚ ኸኣ ንየሆዋ ምልማን ቀጸለ።

6. ዳንኤል ኣብ ጸሎቱ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ኣፍልጦ ዝሃበ፧

6 ዳንኤል ናብቲ ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ፍቕራዊ ሕያውነትን ኣተኰረ። ኣይሁዳውያን ብምዕላዎም: ንትእዛዛት የሆዋ ሕቖኦም ብምሃቦም: ከምኡውን ንነብያቱ ብምንጻጎም ከም ዝሓጥኡ ብትሕትና ኣፍልጦ ሃበ። ኣምላኽ ‘ብሰሪ ጥልመቶም ኣብ ቀረባን ርሑቕን’ ፋሕ ኣበሎም። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “እወ: ጐይታየ: በዲልናካ ኢና እሞ: ንኣና: ንነገስታትና: ንመሳፍንትና: ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ። ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ: ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ። ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን: በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን። ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ: ደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰ። በዲልናዮ ኢና እሞ: ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና።”​—⁠ዳንኤል 9:5-11፣ ዘጸኣት 19:⁠5-8፣ 24:⁠3, 7, 8

7. የሆዋ ንእስራኤላውያን ናብ ምርኮ ክውሰዱ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስ ዘይእዘዝዎን ነቲ ምስኦም ዝገበሮ ኪዳን ዕሽሽ ምስ ዝብልዎን እንታይ ክወርዶም ምዃኑ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 26:31-​33፣ ዘዳግም 28:15፣ 31:17) ዳንኤል ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እቲ ኣምላኽ ዝወሰዶ ስጕምቲ ቅኑዕ ምንባሩ ኣፍልጦ ይህብ:- “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ: ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ: ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠለቖ ቓል ኣጽንዖ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ: እዚ ዅሉ መዓት ወረደና። ግናኸ ካብ ኣበሳና ኽንምለስ: ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ: ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ: ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ።”​—⁠ዳንኤል 9:12-14

8. እቲ ዳንኤል ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ልመና ኣብ እንታይ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ፧

8 ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ህዝቡ ዝገበርዎ ተግባራት ከማኻኒ ኣይፈተነን። “ንሕና አበስና: እኩይ ገበርና” ኢሉ ምእማኑ ናብ ምርኮ ምኻዶም ዝግብኦም ኢዩ ነይሩ። (ዳንኤል 9:15) ዝያዳ ዘተሓሳስቦ ዝነበረ ካብ ስቓይ ቀልጢፎም ብዛዕባ ምግልጋሎም ኣይነበረን። ልመናኡ ኣብ ክብርን ግርማን የሆዋ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንኣይሁዳውያን ይቕረ ብምባልን ናብ ዓዶም ብምምላስን ነቲ ንኤርምያስ ዝኣተወሉ መብጽዓ ብምፍጻም ነቲ ኽቡር ስሙ ይቕድስ። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ለመነ:- “ብሰሪ ሓጢኣትናን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ከም ኵሉ ጽድቅኻ ጌርካ: ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም: እታ ቕድስቲ ደብርኻ: ከተምልስ እልምነካ አሎኹ።”​—⁠ዳንኤል 9:16

9. (ሀ) ዳንኤል ንጸሎቱ ብኸመይ ዝበለ ልመና ኢዩ ዝደምደሞ፧ (ለ) ንዳንኤል ዘጨነቖ እንታይ ኢዩ: ንስም ኣምላኽ ዘለዎ ኣኽብሮት ግን ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧

9 ዳንኤል ዓሚቝ ጸሎት ብምቕራብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ዎ ኣምላኽና: እምበኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ: ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር ስለ ጽድቅና ኣይኰንናን እሞ: ዎ ኣምላኸይ: እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ: ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት። ጐይታየ: ስማዕ: ጐይታየ: ይቕረ በል: ጐይታየ: ኣድህብ: ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ: ኣምላኸየ: ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር: ኣይትደንጕ።” (ዳንኤል 9:17-19) ኣምላኽ ይቕረ ከይበለ ንህዝቡ ኣብ ምርኮ እንተ ዝገድፎም: ነታ ቅድስቲ ከተማኡ የሩሳሌም ጠንጢኑ ንዘለኣለም ባዲማ ክትተርፍ እንተ ዝሓድጋ ኣህዛብ ከም ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገይሮም ምረኣይዎዶ ነይሮም፧ የሆዋ ምስቲ ናይ ባቢሎናውያን ኣማልኽቲ ዝነበሮም ሓይሊ ክነጻጸር ከሎ ድኹም ከም ዝዀነ ገይሮምዶ ኣይምደምደሙን፧ እወ: ስም የሆዋ ምተጸርፈ ነይሩ: እዚ ኸኣ ንዳንኤል መጕሃዮ። እቲ የሆዋ ዝብል መለኮታዊ ስም ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል 19 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ: ካብኡ እቲ 18 ዳንኤል ኣብ ጸሎቱ ዝጠቐሶ ኢዩ!

ገብርኤል ብቕልጡፍ ይመጽእ

10. (ሀ) ናብ ዳንኤል ብቕልጡፍ እተላእከ መን ኢዩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ዳንኤል ንገብርኤል ከም “ሰብኣይ” ገይሩ እተዛረበሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ዳንኤል ገና እናጸለየ ኸሎ ገብርኤል መልኣኽ ይመጽእ። ከምዚ ኸኣ ይብሎ:- “ዳንኤለየ: ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ። ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ: ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምበኣርስ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ: ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ።” ዳንኤል “ገብርኤል: እቲ . . . ሰብኣይ” ኢሉ ዝጸውዖ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ዳንኤል 9:20-23) ዳንኤል ኣቐድም ኣቢሉ ትርጕም ናይቲ ዝረኣዮ ድቤላን ድዑልን ንምፍላጥ ክጽዕር ከሎ “ሰብ ዚመስል” ኢዩ ኣብ ቅድሚኡ እተራእዮ። እዚ ሰብ እዚ እቲ ንዳንኤል ምስትውዓል ንኽህቦ እተላእከ ገብርኤል መልኣኽ ኢዩ ነይሩ። (ዳንኤል 8:15-17) ብተመሳሳሊ ዳንኤል ምስ ጸለየ እዚ መልኣኽ እዚ ሰብ መሲሉ መጾ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ዝዛረቦ ገይሩ ኸኣ ተዛረቦ።

11, 12. (ሀ) ኣብ ባቢሎን: ቤት መቕደስ የሆዋ ወይ ናይ መሰውኢ ቦታ እኳ እንተ ዘይነበረ: እቶም ውፉያት ኣይሁድ ነቲ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ መስዋእቲ ዝሓቶ ነገር ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ፧ (ለ) ዳንኤል “ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ” እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ገብርኤል ኣብ “ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት” ኢዩ ናብ ዳንኤል መጺኡ። እቲ መሰውኢ የሆዋ ምስ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዓንዩ ኢዩ: ኣይሁዳውያን ከኣ ናይቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ባቢሎናውያን ምሩኻት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ናብ ኣምላኽ መስዋእቲ ኣየቕርቡን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ውፉያት ኣይሁድ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ መስዋእቲ አብ ዝቐርበሉ ግዜ ንየሆዋ ከመስግኑን ክልምኑን ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ዳንኤል ንኣምላኽ ውፉይ ብምንባሩ “ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ዝዀነ የሆዋ ብዳንኤል ተሓጒሱ ኢዩ: ገብርኤል ከኣ ነቲ ዳንኤል ዘቕርቦ ናይ እምነት ጸሎት መልሲ ንኽህብ ብቕልጡፍ ተላእከ።​—⁠መዝሙር 65:⁠2

12 ዳንኤል ናብ የሆዋ ምጽላይ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምስ ኰነ እውን ከይተረፈ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ቀጺሉ ኢዩ። (ዳንኤል 6:⁠10, 11) ስለዚ የሆዋ ኣዝዩ ዝፍቶ ኰይኑ እንተረኸቦ ዘገርም ኣይኰነን! ዳንኤል: ኣብ ርእሲ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጸሎት ብቓል ኣምላኽ የስተንትን ብምንባሩ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ክኢሉ ኢዩ። ዳንኤል ብዘይ​ምቍራጽ ይጽሊ ነበረ: ጸሎቱ መልሲ ንኽረክብ ንየሆዋ በቲ ዝግባእ መገዲ ከመይ ኢሉ ክቐርቦ ከም ዘለዎ እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንጽድቂ ኣምላኽ ኣጕሊሑ ኢዩ። (ዳንኤል 9:⁠7, 14, 16) ጸላእቱ ጕድለት ክረኽብሉ እኳ እንተ ዘይክኣሉ: ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጥእ ምዃኑ ይግንዘብ ስለ ዝነበረ ተናሲሑ ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 6:⁠4፣ ሮሜ 3:⁠23

ሓጢኣት ንኽውዳእ “ሰብዓ ሰሙን” ይምደብ

13, 14. (ሀ) ገብርኤል እንታይ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ ንዳንኤል ዝገለጸሉ፧ (ለ) እተን “ሰብዓ ሰሙን” ክንደይ ኢዩ ንውሓተን: ብኸመይከ ንፈልጥ፧

13 እቲ ጸሎት ዘዘውትር ዝነበረ ዳንኤል ኣየ ከመይ ዝበለ መልሲ ኰን ኢዩ ዝረኸበ! የሆዋ ንዳንኤል: ኣይሁድ ንዓዶም ከም ዝምለሱ መረጋገጺ ሂብዎ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ማለት እቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነጊርሉ ዝነበረ መሲሕ መዓስ ከም ዝቕልቀል እውን ኣፍሊጥዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠17, 18፣ ኢሳይያስ 9:⁠6, 7) ገብርኤል ንዳንኤል ከምዚ ይብሎ:- “ንዕልወት መወዳእታ ኺግበሮ: ሓጢኣት ኪውዳእ: ኣበሳ ኺዕረቕ: ዘለኣለማዊ ጽድቂ ኺአቱ: ራእይን ትንቢትን ኪሕተም: ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ: ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ኸተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ። እምበኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን: እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ: መስፍን: ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ: ጊዜ ጸበባ ኽነሱ: ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ።”​—⁠ዳንኤል 9:24, 25

14 እዚ ብሓቂ ብስራት ኢዩ ነይሩ! የሩሳሌም እንደገና ከም እትህነጽን ኣብቲ ሓድሽ ቤት መቕደስ ኣምልኾ ከም ዝምለስን ዝነግር ጥራይ ዘይኰነስ “እቲ መሲህ: መስፍን” ኣብ እተወሰነ ግዜ ክመጽእ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ “ሰብዓ ሰሙን” ክኸውን ነበሮ። ገብርኤል መዓልትታት ስለ ዘይጠቐሰ እዘን ሰብዓ ሰሙን ነፍሲ ወከፈን ሸሸውዓተ መዓልትታት ዝሓዛ ተደሚረን ድማ 490 መዓልትታት ወይ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ጥራይ ዝመጻ ሰሙናት ኣይኰናን። እቲ የሩሳሌም “ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን” እንደገና ከም እትህነጽ ተነጊሩ ዝነበረ ግዜ ልዕሊ 490 መዓልትታት ኢዩ ወሲዱ። እተን ሰሙናት ተባሂለን ዘለዋ ዓመታት ዝሓዛ ሰሙናት ኢየን። ብዙሕ ዘመናዊ ትርጕማት ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሸውዓተ ዓመት ንውሓት ዘለዋ ምዃና ኢዩ ዝሕብር። ንኣብነት: ኣብቲ ታናካህ​—⁠ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ ዘርእስቱ ብማሕበር ሕትመት ኣይሁድ እተዳለወ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እግረ⁠-​ጽሑፍ ናይ ዳንኤል 9:⁠24 “ዓመታት ዝሓዛ ሰብዓ ሰሙናት” ዝብል ትርጕም ተዋሂቡወን ኣሎ። ኣን ኣመሪካን ትራንዝለሽን (እንግሊዝኛ) ድማ “ንህዝብኻን ቅድስቲ ከተማኻን ዓመታት ዝሓዛ ሰብዓ ሰሙናት ተመዲቡ ኣሎ” ይብል። ኣብቲ ሞፋት ከምኡውን ሮዘርሃም ዘዳለውዎ ትርጕማት እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ኢዩ ዘሎ።

15. እተን “ሰብዓ ሰሙን” ኣብ እንታይ ሰለስተ ክፍልታት ናይ ግዜ ኢየን ዝምቀላ: መዓስከ ኢየን ዝጅምራ፧

15 እቲ መልኣኽ ብዝበሎ መሰረት እተን “ሰብዓ ሰሙን” ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ናይ ግዜ ኢየን ዝምቀላ:- (1) “ሾብዓተ ሰሙን” (2) “ስሳን ክልተን ሰሙን” (3) ሓንቲ ሰሙን። እዚ ኸኣ 49 ዓመታት: 434 ዓመታት: ከምኡውን 7 ዓመታት: ኵሉዅሉ 490 ዓመታት ይዀና ማለት ኢዩ። ዘ ሪቫይዝድ ኢንግሊሽ ባይብል (እንግሊዝኛ) “ንህዝብኻን ነታ ቅድስቲ ኸተማኻን ሰብዓ ግዜ ሸውዓተ ዓመት ተመዲቡ ኣሎ” ይብል። ኣይሁዳውያን ን70 ዓመታት ኣብ ናይ ባቢሎን ምርኮን ስቓይን ምስ ጸንሑ ን490 ዓመታት ወይ 70 ዓመታት ዝረብሖ 7 ዝኣክል ካብ ኣምላኽ ፍሉይ ዝዀነ ስምረት ክረኽቡ ነበሮም። መጀመርታ ናይዘን ዓመታት እዚኣተን “እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ” ኣትሒዙ ኢዩ። እዚ መዓስ ኢዩ ነይሩ፧

እተን “ሰብዓ ሰሙን” ይጅምራ

16. ኣብቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ ተገሊጹ ከም ዘሎ ቂሮስ ንኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ዝመለሶም ንምንታይ ዕላማ ኢዩ፧

16 ምስ ምጅማር እዘን “ሰብዓ ሰሙን” ኣተሓሒዝካ ክርአ ዘለዎ ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ቂሮስ ንኣይሁዳውያን ንዓዶም ክምለሱ ምስ ኣወጀ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ዝዀነ ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ: ንሱ ኸኣ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ኸኣ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ኣምላኽ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል: ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ይደይብ። ኣብ ኵለን ቦታ ስደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ: እቶም ሰብ እታ ቦታ: ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዚወሀብሲ: ብብሩርን ወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሐግዝዎ።” (እዝራ 1:⁠2-4) ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣዋጅ እዚ ነታ ቤት መቕደስ​—⁠‘ቤት ኣምላኽ’​—⁠ከምቲ ቀደም ዝነበረቶ ገይርካ ንምህናጽ ምዃኑ ንጹር ኢዩ።

17. እቲ ንእዝራ እተዋህበ ደብዳበ ብዛዕባ ምኽንያት ጕዕዞኡ እንታይ ይብል ነበረ፧

17 እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብ ሻብዓይ ዓመት ንግስነት ፋርሳዊ ንጉስ ኣርታሕሻስታ (ኣርታሕሻስታ ሎንጊማነስ ወዲ ዘክሲዝ ቀዳማይ) ዝዀነ ኢዩ። ሽዑ እዝራ እቲ ጸሓፊ ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጕዕዞ ገበረ። ካብቲ ንጉስ ፍልይቲ ደብዳበ ሒዙ ነበረ: የሩሳሌም እንደገና ክትህነጽ እትእዝዝ ደብዳበ ግን ኣይኰነትን። እዝራ ነታ “ቤት እግዚኣብሄር ኬኽብር [“ከጸባብቕ:” NW  ]” ጥራይ ኢዩ ተመዚዙ። ኣብታ ደብዳብ ብዛዕባ ወርቅን ብሩርን: ቅዱስ ኣቕሑ: ነቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበረ ኣምልኾ ንምድጋፍ እተዋህበ ስርናይ: ወይኒ: ዘይቲ: ጨው ከምኡውን እቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ካብ ዝዀነ ይኹን ግብሪ ናጻ ምዃኖም ዝገልጽ ሓሳብ ጥራይ እተጠቕሰ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ።​—⁠እዝራ 7:⁠6-27

18. ንነህምያ እንታይ ወረ ኢዩ ዝረበሾ: ንጉስ ኣርታሕሻስታኸ ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፈለጠ፧

18 እቲ ሳልሳይ ድሕሪ 13 ዓመታት ማለት ኣብ መበል 20 ዓመት ግዝኣት ፋርሳዊ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝዀነ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነህምያ ኣብ “ግምቢ ሱሳን” ኣሰላፍ ሜሱ ኰይኑ የገልግል ነበረ። የሩሳሌም በቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ተረፍ ብመጠኑ እንደገና ተሃኒጻ ነበረት። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኵነታት ግን ዘዕግብ ኣይነበረን። ነህምያ ‘መካበብያ የሩሳሌም ፈሪሱ: ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ’ ምህላዉ ሰምዐ። እዚ ዅነታት እዚ ኣዝዩ ኣሕዘኖ: ልቡ ድማ ጐሃየ። ነህምያ ስለምንታይ ከም ዝጐሃየ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር: እታ ቤት መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ፈሪሳ: ደጌታታውን ብሓዊ ተወዲኤን ከለዋ ደኣ: ከመይ ገይረ ገጸይ ዘይጽልም” በለ።​—⁠ነህምያ 1:⁠1-3፣ 2:⁠1-3

19. (ሀ) ነህምያ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ምስ ሓተቶ መጀመርታ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ነህምያ እንታይ ክግበረሉ ኢዩ ዝሓተተ: ነቲ ኣምላኽ ኣብቲ ጕዳይ ዝነበሮ ግደኸ ብኸመይ ኢዩ ኣፍልጦ ዝሃበሉ፧

19 እቲ ብዛዕባ ነህምያ ዝገልጽ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እቲ ንጉስ ከኣ፤ እንታይ እሞ ትደሊ፧ በለኒ። ሽዑ ኣነ ኣብ ኣምላኽ ሰማይ ጸሌኹ። ንንጉስ ድማ: ንጉስ ጽቡቕ ኰይኑ እንተ ተራእይዎ: ጊልያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ኣሐጒሰካስ: ነታ ኸተማ መቓብር ኣቦታተይ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ: በልክዎ።” እዚ ሓሳብ እዚ ንኣርታሕሻስታ ኣሐጐሶ: ነቲ ነህምያ ቀጺሉ ዝበሎ ነገር እውን ክግበረሉ ኣዘዘ። ነህምያ ከምዚ በለ:- “እቶም ስግር ክንየው ርባ [ኤፍራጥስ] ዘለዉ መሳፍንቲ: ምድሪ ይሁዳ ኽሳዕ ዝአቱ ምእንቲ ኼሕልፉኒ: ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሰሎ: ናይ ንጉስ ፈቓድ ደብዳበ ይወሀበኒ: ንኣሳፍ ሓላው ዱር ንጉስ ድማ ነታ ቤት ግምብን ደጌታትን: ነታ ኸተማ ኸኣ መካበብያን ኣነ ንዝአትዋ ቤትውን ክሰርሓሉ ኣእዋም ኪህበኒ: ደብዳበ ሀበኒ: በልክዎ።” ነህምያ “ከምታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽይ ምሳይ ዝነበረት ከኣ ንጉስ [ደብዳበታት] ሀበኒ” ምባሉ ነቲ የሆዋ ኣብቲ ጕዳይ ዝነበሮ ግደ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ።​—⁠ነህምያ 2:⁠4-8

20. (ሀ) እቲ “የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን” ዝብል ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) እተን “ሰብዓ ሰሙን” መዓስ ጀመራ: መዓስከ ኢየን እተወድኣ፧ (ሐ) እተን መጀመርታን መወዳእታን ናይ “ሰብዓ ሰሙን” ከም ዝዀና ተገሊጸን ዘለዋ ዕለት ልክዕ ምዃነን እንታይ መርትዖታት ኣሎ፧

20 እቲ ፍቓድ ኣብ መጀመርታ ክፋል ናይ መበል 20 ዓመት ግዝኣት ኣርታሕሻስታ ኣብ ወርሒ ኒሳን እኳ እንተ ተዋህበ: እቲ “የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል” ግን ኣዋርሕ ጸኒሑ ኢዩ ተተግቢሩ። እዚ ነህምያ ኣብ የሩሳሌም በጺሑ ዳግመ ህንጻ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኢዩ ኰይኑ። እዝራ ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ንኽበጽሕ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኢዩ ወሲዱሉ: ከተማ ሱሳን ካብ ባቢሎን ንምብራቕ 322 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ስለ ዝነበረት ከኣ ንየሩሳሌም ንምብጻሕ ዝያዳ ግዜ ኢዩ ዝወስድ። ስለዚ እምበኣር ነህምያ ዳርጋ ኣብ መወዳእታ መበል 20 ዓመት ግዝኣት ኣርታሕሻስታ ወይ ኣብ 455 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ኣብ የሩሳሌም በጺሑ ክኸውን ዝኽእል። ሽዑ ኸኣ ኢየን እተን ኣቐዲመን ተነጊረን ዝነበራ “ሰብዓ ሰሙን” ወይ 490 ዓመታት ዝጀመራ። ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ 36 ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ ይውድኣ።​—⁠ነቲ ኣብ ገጽ 197 ዘሎ “ግዝኣት ኣርታሕሻስታ መዓስ ኢዩ ጀሚሩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

‘መሲሕ እቲ መስፍን’ ይቕልቀል

21. (ሀ) ኣብተን ናይ መጀመርታ “ሾብዓተ ሰሙን” እንታይ ኢዩ ክፍጸም ዝነበሮ: ምስ ከመይ ዝበለ ኵነታትከ፧ (ለ) መሲሕ ኣብ ኣየነይቲ ዓመት ኢዩ ክቕልቀል ነይርዎ: ወንጌል ሉቃስከ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም እተፈጸመ ኢያ እትገልጽ፧

21 የሩሳሌም እንደገና ክሳዕ እትህነጽ ክንደይ ግዜ ኢዩ ሓሊፉ፧ ኣይሁዳውያን ኣብ ንሓድሕዶም ጸገም ስለ ዝነበሮም ከምኡውን ካብ ሳምራውያንን ካልኦትን ምጽራራት ይመጾም ብምንባሩ ዳግመ ህንጻ ናይታ ከተማ ኣብ “ጊዜ ጸበባ” ኢዩ ክፍጸም ነይርዎ። እቲ ዕዮ ኣብ ከባቢ 406 ቅ.ኣ.ዘ. ማለት ኣብ ውሽጢ እተን “ሾውዓተ ሰሙን” ወይ 49 ዓመታት ከም እተወድአ ንጹር ኢዩ። (ዳንኤል 9:25) ድሕርዚ 62 ሰሙናት ወይ 434 ዓመታት ክስዕባ ነበረን። እዘን ግዜ እዚአን ምስ ተወድአ እቲ ነዊሕ ይገብር መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ክመጽእ ነበሮ። ካብ 455 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዝና 483 ዓመታት (49 ተደመሮ 434) ምስ እንቘጽር ኣብ 29 ከ.ኣ.ዘ. የብጽሓና። ሽዑ እንታይ ኰነ፧ እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝነበረ ሉቃስ ከምዚ ይብል:- ‘ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ: ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ ተሸይሙ ኸሎ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ። ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ: ኣብ ኵሉ ወሰነ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ።’ ኣብቲ ግዜ እቲ ‘እቶም ህዝቢ’ መሲሕ ክመጽእ ‘ይጽበዩ’ ነበሩ።​—⁠ሉቃስ 3:1-3, 15

22. የሱስ እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ መሲሕ ዝዀነ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧

22 ዮሃንስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ኣይነበረን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀውዒ ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ናዝሬታዊ ክጥመቕ ከሎ ዝረኣዮ ነገር ግን ከምዚ በለ:- “መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ . . . እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፤ እቲ: መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ: ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ: ኢሉኒ እምበር: ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።” (ዮሃንስ 1:32-34) የሱስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ እቲ ቕቡእ: መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰነ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ንዮሃንስ ወደ መዝሙሩ ዝነበረ እንድርያስ ነቲ ቕቡእ የሱስ ረኸቦ እሞ ንስምኦን ጴጥሮስ “ንመሲህ . . . ረኺብናዮ” ኢሉ ነገሮ። (ዮሃንስ 1:41) ስለዚ ኸኣ ‘መሲህ እቲ መስፍን’ ልክዕ ኣብ ግዜኡ ማለት ኣብ መወዳእታ ናይተን 69 ሰሙናት ተቐልቀለ!

ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዝነበረ ፍጻመታት

23. ‘መሲሕ እቲ መስፍን’ ክመውት ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ መዓስ ኢዩ ክኸውን ዝነበሮ፧

23 ኣብታ መበል 70 ሰሙን እንታይ ኢዩ ክፍጸም ዝነበሮ፧ ገብርኤል እቲ “ሰብዓ ሰሙን” እተመደበ ‘ንዕልወት መወዳእታ ክግበሮ: ሓጢኣት ክውዳእ: ኣበሳ ኽዕረቕ: ዘለኣለማዊ ጽድቂ ኽአቱ: ራእይን ትንቢትን ክሕተም: ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ንኽቕባእ’ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ዅሉ ንኽፍጸም ግን ‘መሲሕ እቲ መስፍን’ ክመውት ነበሮ። መዓስ፧ ገብርኤል ከምዚ በለ:- “ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ: ንርእሱ ግና ኣይኰነን። . . . ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪአቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ።” (ዳንኤል 9:26ሀ, 27) እቲ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ “ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን” ማለት ኣብ ፈረቓ ናይታ ዓመታት ዝሓዘት ናይ መወዳእታ ሰሙን ኢዩ ክኸውን።

24, 25. (ሀ) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ የሱስ መዓስ ሞተ: ሞቱን ትንሳኤኡንከ ንምንታይ ኢዩ መወዳእታ ዝገበረሉ፧ (ለ) ሞት የሱስ እንታይ ከም ዝህሉ ኢዩ ዝገበረ፧

24 እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ ህዝባዊ ምስክርነት ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኢዩ ቀጺሉ። ከምቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ ክርስቶስ ኣብ መጀመርታ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ‘ተቐትለ:’ በዚ ኸኣ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ደቅሰብ በጅነት ሃበ። (ኢሳይያስ 53:⁠8፣ ማቴዎስ 20:⁠28) እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ዋጋ ናይቲ ከም መስዋእቲ ዘቕረቦ ሰብኣዊ ህይወቱ ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ኣቕረቦ እቲ ሕጊ ዝሓቶ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቋሪጹ ኢዩ። እቶም ናይ ኣይሁድ ካህናት ክሳዕ እታ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እትጠፍእ መስዋእቲ ምቕራብ እንተ ቐጸሉ እኳ እቲ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይነበሮን። በቲ ካልኣይ ግዜ ፈጺሙ ዘይድገም ዝሓሸ መስዋእቲ ተተኪኡ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕድሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ: ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት . . . ኣቕረበ።”​—⁠እብራውያን 10:12, 14

25 ዋላ እኳ ሓጢኣትን ሞትን ገና ንደቅ​ሰብ የሳቕዮም እንተሎ: የሱስ ብሙማቱን ናብ ሰማያዊ ህይወት ብምትንስኡን ትንቢት ከም ዝፍጸም ገይሩ ኢዩ። ‘ንዕልወትን ሓጢኣትን ከም ዝውዳእ: ኣበሳ ከም ዝዕረቕ: ጽድቂ ከም ዝኣቱ’ ገይሩ ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ንኣይሁዳውያን ሓጢኣተኛታት ከም ዝዀኑ ገይሩ ዘቃለዖምን ዝዀነኖምን ሕጊ ኪዳን ኣልጊስዎ ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠12, 19, 20፣ ገላትያ 3:⁠13, 19፣ ኤፌሶን 2:⁠15፣ ቈሎሴ 2:⁠13, 14) ሕጂ ሓጢኣት ናይቶም እተናስሑ ሰባት ክድምሰስ ይከኣል ኢዩ: እቲ መቕጻዕቲ ኸኣ ክለዓል ይከኣል ኢዩ። ብመሰረት እቲ መሲሕ ዘቕረቦ ዘተዓርቕ መስዋእቲ: እቶም እምነት ዘርኣዩ ሰባት ምስ ኣምላኽ ክተዓረቑ ይኽእሉ ኢዮም። “ብክርስቶስ የሱስ” ኣቢሎም ካብ ኣምላኽ ህያብ “ዘለኣለም ህይወት” ክረኽቡ ኣማዕድዮም ክጥምቱ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 3:21-26፣ 6:22, 23፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2

26. (ሀ) ሕጊ ኪዳን እንተ ኣልገሰ እኳ: ኣየናይ ኪዳን ኢዩ ‘ንሓደ ሰሙን ከም ዝጸንዕ’ እተገብረ፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ ናይታ መበል 70 ሰሙን እንታይ ተፈጸመ፧

26 ስለዚ የሆዋ ነቲ ሕጊ ኪዳን ብመሰረት እቲ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝዀነ ሞት ክርስቶስ ገይሩ ኣልጊስዎ ኢዩ። እሞ ከመይ ገይሩ ድኣ ኢዩ እቲ መሲሕ “ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪአቱ እዩ” ክበሃል ዝከኣል፧ ነቲ ናይ ኣብርሃም ኪዳን ከም ዝሰርሕ ስለ ዝገበሮ ኢዩ። እታ መበል 70 ሰሙን ክሳዕ እትውዳእ ኣምላኽ በረኸታት እቲ ኪዳን ኣብቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝነበሩ እብራውያን ኣውሪዱ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ናይተን ዓመታት ዝሓዛ “ሰብዓ ሰሙን” ማለት ኣብ 36 ከ.ኣ.ዘ. ግን ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ውፉይ ዝነበረ ቀርኔሎስ ዝበሃል ኢጣልያዊ ሰብኣይ: ቤተሰቡ: ከምኡውን ካልኦት ብስራት ሰበኸሎም። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር እቲ ብስራት ኣብቶም ኣህዛብ እውን ክስበኽ ጀመረ።⁠—⁠ግብሪ ሃዋርያት 3:​25, 26፣ 10:​1-​48፣ ገላትያ 3:​8, 9, 14

27. እንታይ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” ኢዩ እተቐብአ: ብኸመይከ፧

27 እቲ ትንቢት ብዛዕባ ምቕባእ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” እውን ይዛረብ ኢዩ። እዚ ንምቕባእ ቅድስተ ቅዱሳን ወይ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ዘመልክት ኣይኰነን። እዚ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” ዝብል መግለጺ ነቲ ሰማያዊ መቕደስ ኣምላኽ ዘመልክት ኢዩ። የሱስ ንዋጋ ናይ ሰብኣዊ መስዋእቱ ንኣቦኡ ዘቕረበሉ ኣብዚ ቦታ እዚ ኢዩ። ምጥማቕ የሱስ ኣብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ነቲ በታ ኣብ ምድራዊት ማሕደርን ደሓር እተሰርሐት ቤት መቕደስን ዝነበረ ቅድስተ ቅዱሳን ተመሲሉ ዘሎ ሰማያዊ መንፈሳዊ ኵነታት ከም ዝቕባእ ገይሩ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 9:⁠11, 12

እቲ ትንቢት ብኣምላኽ ይረጋገጽ

28. ነቲ ‘ራእይን ትንቢትን ምሕታም’ እንታይ ማለት ኢዩ፧

28 እቲ ገብርኤል መልኣኽ እተዛረቦ መሲሓዊ ትንቢት ብዛዕባ ‘ምሕታም ራእይን ትንቢትን’ እውን ዝዛረብ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ኣቐዲሙ እተነግረ ኵሉ​—⁠ብመስዋእቱ ክፍጽሞ ዘለዎ ዅሉ: ትንሳኤ: ናብ ሰማይ ምድያብ: ከምኡውን ኣብ መበል እታ 70 ሰሙን ዝፍጸም ካልእ ነገራት ኵሉ​—⁠ብመለኮታዊ ደገፍ ክሕተም: ብርግጽ ክፍጸም: ከምኡውን ትውክልቲ ዝግበሮ ኢዩ። እቲ ራእይ ኣብቲ መሲሕ ብምትኳር ክሕተም ነበሮ። ኵሉ እቲ ፍጻሜ ኣብ ርእሱን ኣብቲ ብእኡ ዝፍጸም ዕዮ ኣምላኽን ኢዩ ዝውዕል። ምስቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ መሲሕ ጥራይ ኢና ቅኑዕ ትርጕም ናይቲ ራእይ ክንረክብ እንኽእል። ትርጕሙ ክገልጽ ዝኽእል ካልእ የለን።

29. ነታ እንደገና እተሃንጸት የሩሳሌም እንታይ ከጋጥማ ነበሮ: ብምንታይ ምኽንያትከ፧

29 ገብርኤል ኣቐዲሙ የሩሳሌም እንደገና ክትህነጽ ምዃና ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ኸኣ እታ እንደገና እተሃንጸት ከተማን ቤት መቕደሳን መዓስ ከም እትጠፍእ ኣቐዲሙ ብምዝራብ ከምዚ ይብል:- “ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ኸኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ: ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን: ጥፍኣትውን ምዱብ እዩ። . . . እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ: እዚ ኸኣ ክሳዕ እቲ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።” (ዳንኤል 9:26ለ, 27ሐ) እዚ ምብዳም እዚ ድሕሪ እተን “ሰብዓ ሰሙን” ዝፍጸም እኳ እንተ​ዀነ: ቀጥታዊ ሳዕቤን ናይቲ ኣብታ ናይ መወዳእታ “ሰሙን” ዝዀነ ነገራት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣይሁዳውያን ንክርስቶስ ስለ ዝነጸግዎን ዝቐተልዎን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠37, 38

30. ታሪኻዊ መዛግብቲ ከም ዝሕብሮ: እቲ ግዜ ብምሕላው ዝወዳደሮ ዘይብሉ ኣካል ዝኣወጆ ኣዋጅ ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧

30 ኣብ 66 ከ.ኣ.ዘ. በቲ ሶርያዊ ኣማሓዳሪ ሰስተስ ጋለስ ዝምራሕ ሰራዊት ሮሜ መጺኡ ንየሩሳሌም ከም ዝኸበባ ታሪኻዊ መዛግብቲ ይሕብር ኢዩ። እቶም ኣይሁዳውያን ክከላኸሉ እኳ እንተ ፈተኑ: ሰራዊት ሮሜ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ኣርማታቶም ወይ ምልክታቶም ሒዞም ናብታ ኸተማ ጥሒሶም ኣተዉ: ነቲ ብወገን ሰሜን ዝነበረ ክፋል ናይታ ቤት መቕደስ ከኣ ከዕንውዎ ጀመሩ። ኣብኡ ምእታዎም ከኣ እቲ ምሉእ ጥፍኣት ዘስዕብ “ርኽሰት” ከም ዝዀኑ ገበሮም። (ማቴዎስ 24:⁠15, 16) ኣብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ቲቶስ ከም “ውሒዝ” ኰይኖም ብምምጻእ ነታ ከተማን ቤት መቕደሳን ኣዕነውዋ። እዚ ኣቐዲሙ ብኣምላኽ ተወሲኑ ወይ ‘ተመዲቡ’ ብምንባሩ ደው ከብሎ ዝኸኣለ ኣይነበረን። እቲ ግዜኡ ብምሕላው ተወዳዳሪ ዘይብሉ የሆዋ: ኣብዚ እውን ቃሉ ከም ዝፍጸም ገይሩ ኢዩ!

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• እተን የሩሳሌም ባዲማትለን ዝነበራ 70 ዓመታት ክውድኣ ምስ ቀረባ ዳንኤል ንየሆዋ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝለመኖ፧

• እተን “ሰብዓ ሰሙን” ክንደይ ኢዩ ንውሓተን: መዓስከ ኢየን ዝጀመራን እተወድኣን፧

• ‘መሲሕ እቲ መስፍን’ መዓስ ኢዩ እተቐልቀለ: ኣበየናይ ጽንኩር ግዜኸ ኢዩ ‘እተቐትለ’፧

• ኣየናይ ኪዳን ኢዩ “ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት” ከም ዝቕጽል እተገብረ፧

• ደድሕሪ እተን “ሰብዓ ሰሙን” እንታይ ተፈጸመ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 197 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ግዝኣት ኣርታሕሻስታ መዓስ ኢዩ ጀሚሩ፧

ብዛዕባ ግዝኣት ፋርሳዊ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝጀመረሉ ዓመት ጸሓፍቲ ታሪኽ ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን ኢዮም። ገሊኣቶም ኣቦኡ ዘክሲዝ ኣብ 486 ቅ.ኣ.ዘ. ንግስነት ጀሚሩ ኣብ መበል 21 ዓመት ንግስነቱ ስለ ዝሞተ ኣርታሕሻስታ ኣብ 465 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝነገሰ ይዛረቡ። እንተ​ዀነ ግን ኣርታሕሻስታ ኣብ 475 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝፋን ከም ዝደየበ: ናይ መጀመርታ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ኣብ 474 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝነበረ ዝገልጽ መርትዖ ኣሎ።

ካብታ ፐርሴፖሊስ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ጥንታዊት ፋርስ ተዃዒቱ እተረኽበ እተወቕረ ጽሑፋትን ሓወልትታትን: ዘክሲዝን ኣቦኡ ዳርዮስ ቀዳማይን ሓቢሮም ይገዝኡ ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝሕብር። እዚ ን10 ዓመታት ዝጸንሐ እንተ​ድኣ ነይሩ ኰይኑ: ዘክሲዝ ከኣ ዳርዮስ ኣብ 486 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ንበይኑ ን11 ዓመታት እንተ​ድኣ ገዚኡ ኰይኑ ቀዳማይ ዓመት ንግስነት ኣርታሕሻስታ ኣብ 474 ቅ.ኣ.ዘ. ነይሩ ማለት ኢዩ።

ካልእ መርትዖ ኸኣ እቲ ንሓይልታት ዘክሲዝ ኣብ 480 ቅ.ኣ.ዘ. ዝሰዓረ ወዲ ኣቴንስ ጀነራል ቴሚስቶክለስ ኢዩ። ዳሕራይ ብህዝቢ ግሪኽ ተጸልአ: ብኽሕደት ከኣ ተኸሰ። ቴሚስቶክለስ ሃዲሙ ኣብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ፋርስ ዕቝባ ሓተተ: ኣብኡ ኸኣ ጽቡቕ ኣቀባብላ ተገብረሉ። ብመሰረት እቲ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ቱሰይዲደስ ዝበሎ እዚ ክፍጸም ከሎ ኣርታሕሻስታ “ኣብ ዝፋን ካብ ዝድይብ ነዊሕ ኣይገበረን” ነይሩ። ቴሚስቶክለስ ኣብ 471 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝሞተ እቲ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዲዮደራስ ገሊጹ ኣሎ። ቴሚስቶክለስ ምስ ኣርታሕሻስታ ቅድሚ ምዝርራቡ ንሓደ ዓመት ቋንቋ ፋርስ ክማሃር ስለ ዝሓተተ ኣብ ንእሽቶ እስያ ቅድሚ 473 ቅ.ኣ.ዘ. በጺሑ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ዕለት እዚ ኸኣ በቲ ጀሮም ዘዳለዎ ክሮኒክል ኦቭ ዩሲቤስ ዝብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ዝድገፍ ኢዩ። ቴሚስቶክለስ ኣብ 473 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ እስያ ክበጽሕ ከሎ ኣርታሕሻስታ “ኣብ ዝፋን ካብ ዝድይብ ነዊሕ ኣይገበረን” ነይሩ: ስለዚ ኸኣ እቲ ጀርመናዊ ምሁር አርነስት ሄግስተንበርግ ኣብታ ክሪስቶሎጂ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ ግዝኣት ኣርታሕሻስታ ኣብ 474 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝጀመረ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ: እዚ ድማ ምስቲ ካልኦት ዝበልዎ ዝሰማማዕ ኢዩ። ወሲኹ ድማ “መበል ዕስራ ዓመት ንጉስ ኣርታሕሻስታ 455 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኢዩ” በለ።

[ስእሊ]

ሓወልቲ ቴሚስቶክለስ

[ኣብ ገጽ 188, 189 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

“ሰብዓ ሰሙን”

455 ቅ.ኣ.ዘ. 406 ቅ.ኣ.ዘ. 29 ከ.ኣ.ዘ. 33 ከ.ኣ.ዘ. 36 ከ.ኣ.ዘ.

‘የሩሳሌም ክትሕደስ ዝብል ቃል’ መሲሕ መሲሕ ይቕልቀል መወዳእታ ናይተን

እንደገና ተሃኒጻ መሲሕ ይቕልቀል “ሰብዓ

የሩሳሌም ሰሙን”

7 ሰሙናት 62 ሰሙናት 1 ሰሙናት

49 ዓመታት 434 ዓመታት 7 ዓመታት

[ኣብ ገጽ 180፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 193፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]