ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ክልተ ነገስታት መንነቶም ይቕይሩ

እቶም ክልተ ነገስታት መንነቶም ይቕይሩ

ምዕራፍ ዓሰርተ ኣርባዕተ

እቶም ክልተ ነገስታት መንነቶም ይቕይሩ

1, 2. (ሀ) ኣንቲከስ ራብዓይ ንትእዛዝ ሮሜ ከም ዝምእዘዝ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሶርያ ግዝኣት ሮሜ ዝዀነት መዓስ ኢያ፧

 ሶርያዊ ንጉስ ኣንቲከስ ራብዓይ ንግብጺ ወረራ: ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ንጉስ ግብጺ ገይሩ ሾማ። እቲ ግብጻዊ ንጉስ ቶሎሜ ሻድሻይ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ሮሜ ንኣምባሳደር ካዩስ ፖፒሊዩስ ሌናስ ናብ ግብጺ ልኣኸት። ምስኡ ብዙሓት መራኽብ ውግእ ከምኡውን ካብ ላዕለዋይ ባይቶ ሮሜ እተላእከ ኣንቲከስ ራብዓይ ንግስነቱ ገዲፉ ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝእዝዝ መልእኽቲ ሒዙ ነበረ። እቲ ሶርያዊ ንጉስን ሮማዊ ልኡኽን ኣብታ ኣብ ከባቢ ኣለክሳንድርያ እትርከብ ኢሉሰስ እትበሃል ቦታ ገጽ ንገጽ ተራኸቡ። ኣንቲከስ ራብዓይ ምስ ኣማኸርቱ ክላዘብ ግዜ ክወሃቦ ሓተተ: ሌናስ ግን በታ ሒዝዋ ዝነበረ በትሪ ነቲ ንጉስ ኣብ ዙርያኡ ክቢ ብምሕንጻጽ ካብኣ ቅድሚ ምውጽኡ መልሲ ክህብ ነገሮ። ኣንቲከስ ራብዓይ ነቲ ሮሜ ዝሃበቶ ትእዛዝ ተቐቢሉ ኣብ 168 ቅ.ኣ.ዘ. ብውርደት ናብ ሶርያ ተመልሰ። በዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጎ ሶርያዊ ንጉስ ሰሜንን ግብጻዊ ንጉስ ደቡብን ዝነበረ ምስሕሓብ ተወድአ።

2 ሮሜ ኣብ ጕዳያት ማእከላይ ምብራቕ ዓብላሊ ተራ ብምጽዋት ንሶርያ ከም ድላያ ክትእዝዛ ጀመረት። ስለዚ ኸኣ ኣንቲከስ ራብዓይ ኣብ 163 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ካብ ስርወ⁠-​ንግስነት ሴሉሲድ ዝመጹ ነገስታት ኣብ ሶርያ ይገዝኡ እኳ እንተ ነበሩ: ቦታ ናይ “ንጉስ ሰሜን” ግን ክሕዙ ኣይከኣሉን። (ዳንኤል 11:⁠15) ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሶርያ ኣብ 64 ቅ.ኣ.ዘ. ግዝኣት ሮሜ ኰነት።

3. ሮሜ መዓስን ብኸመይን ኢያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ጸብለልትነት ክህልዋ ዝኸኣለ፧

3 ድሕሪ ሞት ኣንቲከስ ራብዓይ ንልዕሊ 130 ዝኸውን ዓመታት እቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ናይ ቶሎሜ ስርወ⁠-​ንግስነት ‘ንጉስ ደቡብ’ ኰይኑ ቀጸለ። (ዳንኤል 11:⁠14) ኣብቲ ኣብ 31 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኣክሽየም እተገብረ ኲናት እቲ ሮማዊ ገዛኢ ኦክተቭያን ነቶም ሕቡራት ሰራዊት ናይታ ካብ መስመር ንግስነት ቶሎሜ ዝነበረት ንግስቲ ክልዮፓትራ ሻብዐይትን ሮማዊ ፈታዊኣ ማርክ ኣንቶኒን ሰዓሮም። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ክልዮፓትራ ርእሰ⁠-​ቕትለት ምስ ፈጸመት ግብጺ እውን ግዝኣት ሮሜ ኰነት: ከም ንጉስ ደቡብ ዝነበራ ተራ ኣቋረጸት። ኣብ 30 ቅ.ኣ.ዘ. ድማ ሮሜ ኣብ ልዕሊ ሶርያን ግብጽን ጸብለልትነት ነበራ። ካልኦት ነገስታት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ኰይኖም ክትንስኡ ክንጽበ ይግብኣናዶ ኢዩ፧

ሓደ ሓድሽ ንጉስ ‘መጨነቒ’ ይልእኽ

4. ካልእ ገዛኢ ከም ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ክትንስእ እንጽበ ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣብ ጽድያ ናይ 33 ቅ.ኣ.ዘ. የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም . . . ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።” (ማቴዎስ 24:⁠15, 16) የሱስ ካብ ዳንኤል 11:⁠31 ብምጥቃስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዘለዎ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣጠንቀቖም። እዚ ብዛዕባ ንጉስ ሰሜን ዝዛረብ ትንቢት ብድሕሪ ሞት ናይቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ሰሜን ዝነበረ ሶርያዊ ንጉስ ኣንቲከስ ራብዓይ: ገለ 195 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ ኢዩ ተዋሂቡ። ስለዚ እምበኣር ብርግጽ ካልእ ገዛኢ ከም ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ክትንስእ ነበሮ። እዚ መን ኢዩ ክኸውን፧

5. ነቲ ሓደ ግዜ ኣንቲከስ ራብዓይ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታ ብምትካእ ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ዝተንስአ መን ኢዩ፧

5 መልኣኽ የሆዋ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ከምዚ በለ:- “ሽዑ ኣብ ክንዳኡ [ኣብ ክንዲ ኣንቲከስ] ሓደ ኻልእ ኪትንስእ: ኣብታ ኽብርቲ መንግስቲ ኸኣ ንመጨነቒ ኣሕሊፉ ኺሰዶ እዩ። ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት ግና ኪጠፍእ: ብቝጥዓ ኣይኰነን: ብዂናትውን ኣይኰነን።” (ዳንኤል 11:20) ከምዚ ዝኣመሰለ ተራ ሒዙ ‘ዝተንስአ’ እቲ ቄሳር ኣውጉስጦስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ መጀመርታ ሮማዊ ሃጸይ ኦክተቭያን ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።​—⁠ነቲ ኣብ ገጽ 248 ዘሎ “እቲ ሓደ ይኸብር: እቲ ሓደ ኸኣ ይናዓቕ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

6. (ሀ) ኣብታ ‘ኽብርቲ መንግስቲ መጨነቒ ኣሕሊፉ እተሰደደ’ መዓስ ኢዩ: ኣገዳስነት ናይዚኸ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣውጉስጦስ ‘ብቝጥዓን ኲናትን’ ኣይሞተን ክባሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ኣብ መንነት ናይ ንጉስ ሰሜን እንታይ ለውጢ ኢዩ እተገብረ፧

6 እታ “ኽብርቲ መንግስቲ” ኣውጉስጦስ ነታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት “ኽብርቲ ሃገር” ይሁዳ እውን ተጠቓልል ነበረት። (ዳንኤል 11:⁠16) ኣብ 2 ቅ.ኣ.ዘ. ኣውጉስጦስ ኵሉ ሰብ ክምዝገብ ብምእዛዙ ‘መጨነቒ’ ለኣኸ። እዚ ትእዛዝ እዚ ዘውጽኦ ምናልባት ኣብ ምኽፋል ግብርን ምኽታብ ወተሃደራትን ምእንቲ ክጥ​ዕሞ ቍጽሪ ህዝቢ ክፈልጥ ስለ ዝደለየ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ነዚ ትእዛዝ እዚ ንምኽባር ዮሴፍን ማርያምን ንኽምዝገቡ ናብ ቤት⁠-​ልሄም ከዱ: እዚ ኸኣ የሱስ ኣብቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ ቦታ ከም ዝውለድ ገበረ። (ሚክያስ 5:⁠2፣ ማቴዎስ 2:⁠1-12) ኣብ ነሓሰ 14 ከ.ኣ.ዘ.​—⁠“ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት” ወይ እቲ ናይ ምዝገባ ትእዛዝ ምስ ወጸ ነዊሕ ከይጸንሐ​—⁠ኣውጉስጦስ ኣብ መበል 76 ዓመቱ “ብቝጥዓ” ናይ ቀታሊ ወይ ኣብ ‘ኲናት’ ዘይኰነስ ሓሚሙ ሞተ። ንጉስ ሰሜን ብርግጽ መንነቱ ለወጠ! ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ንጉስ ሰሜን ኰነ። እቶም እተፈላለዩ ሃጸያት ከኣ ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝውክሉ ነበሩ።

‘እቲ ንዑቕ ሰብ ይትንስእ’

7, 8. (ሀ) ከም ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ኣብ ክንዲ ኣውጉስጦስ ዝተንስአ መን ኢዩ፧ (ለ) እቲ ንኣውጉስጦስ ቄሳር ዝተክአ ብዘይ​ፍታው “ክብሪ መንግስቲ” እተዋህበ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 እቲ መልኣኽ ነቲ ትንቢት ክቕጽሎ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ክንዳኡ [ኣብ ክንዲ ኣውጉስጦስ] ኸኣ ክብሪ መንግስቲ ዘይህብዎ ሓደ ንዑቕ ሰብ ኪትንስእ እዩ: ቀስ ኢሉ ኺመጽእ: ነታ መንግስቲ ድማ እናቃባጠረ ኺሕዛ እዩ። ብቐላጽም ውሒዝ ካብ ቅድሚኡ ኺድምሰሱን ኪስበሩን እዮም: ኤረ መስፍን ቃል ኪዳን እኳ ኸይተረፈ።”​—⁠ዳንኤል 11:​21, 22

8 እቲ “ንዑቕ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ ጢቤርዮስ ቄሳር: ወዳ ነታ ሳልሰይቲ ሰበይቲ ኣውጉስጦስ ዝነበረት ሊቭያ ኢዩ። (ነቲ ኣብ ገጽ 248 ዘሎ “እቲ ሓደ ይኸብር: እቲ ሓደ ኸኣ ይናዓቕ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።) ኣውጉስጦስ ነዚ ወዲ ሰበይቱ ሕማቕ ጠባይ ስለ ዝነበሮ ይጸልኦ ብምንባሩ ብድሕሪኡ ቄሳር ክኸውን ኣይደልዮን ኢዩ ነይሩ። ኵሎም እቶም ነገስታት ክዀኑ ዝኽእሉ ካልኦት ስለ ዝሞቱ ግን ብዘይ​ፍታው “ክብሪ መንግስቲ” ተዋህበ። ኣውጉስጦስ ንጢቤርዮስ ኣብ 4 ከ.ኣ.ዘ. ከም ወዱ ገይሩ ወሰዶ: ወራሲ ዝፋን ከኣ ገበሮ። ድሕሪ ሞት ኣውጉስጦስ እቲ ወዲ 54 ዓመት ዝነበረ ጢቤርዮስ​—⁠ንዑቕ ሰብ​—⁠‘ተንስአ:’ ሃጸይ ሮሜን ንጉስ ሰሜንን ድማ ኰነ።

9. ጢቤርዮስ ‘ነታ መንግስቲ እናቀባጠረ ዝሓዛ’ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ጢቤርዮስ ነቲ ላዕለዋይ ባይቶ ብውሕሉል ኣገባብ ኢዩ ሒዝዎ: [ድሕሪ ሞት ኣውጉስጦስ] ድማ ዳርጋ ክሳዕ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ሃጸይ ገይሮም ክሸምዎ ኣየፍቀደን።” ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ንምምራሕ ዓቕሚ ዘለዎ ኣውጉስጦስ እንተዘይኰይኑ ካልእ ከም ዘየለ ነቲ ባይቶ ብምሕባር ሕጂ እቲ ስልጣን ኣብ ክንዲ ንሓደ ሰብ ንጕጅለ ሰባት ክወሃብ ንኣባላት እቲ ባይቶ ሓተቶም። ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት “ነቲ ዝበሎ ክቕበልዎ ስለ ዘይደፈሩ: ክሳዕ ንሱ ነቲ ስልጣን ዝቕበሎ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ምስኡ ተላዘቡ” ይብል። ዱራንት ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ክልቲኦም ወገናት ነቲ ጕዳይ ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ሒዞምዎ። ጢቤርዮስ ፕሪንሲፐይት ዝበሃል ዓይነት ኣመራርሓ ክህሉ ወይ ስልጣኑ ክገድፎ ደልዩ ነበረ፣ እቲ ባይቶ ድማ ንዕኡ ይፈርሆን ይጸልኦን እኳ እንተነበረ: ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ጥራይ እተመርኰሰ ስልጣን ዘለዎ ላዕለዋይ ባይቶ ምምስራት ግን ኣስግኦ።” ስለዚ ኸኣ ጢቤርዮስ ‘ነታ መንግስቲ እናቀባጠረ ሓዛ።’

10. ‘ቐላጽም ውሒዝ እተሰብሩ’ ብኸመይ ኢዩ፧

10 እቲ መልኣኽ ብዛዕባ እቶም ‘ቀላጽም ውሒዝ’ ተባሂሎም ዘለዉ ሰራዊት ናይተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መንግስታት “ኺድምሰሱን ኪስበሩን እዮም” በለ። ጢቤርዮስ ንጉስ ሰሜን ክኸውን ከሎ ወዲ ሓዉ ጀርመኒከስ ቄሳር ናይቲ ኣብ ርባ ሪነ ዝነበረ ሰራዊት ሮሜ ኣዛዚ ነበረ። ኣብ 15 ከ.ኣ.ዘ. ጀርመኒከስ ምስቲ ናይ ጀርመን ጎብለል ኣርሚናስ ክዋጋእ ሰራዊቱ መሪሑ ወጸ: ብመጠኑ ኸኣ ተዓወተ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ዝረኸቦ ውሱን ዓወት ብዙሕ መስዋእቲ ኢዩ ኸፊልሉ: ድሕርዚ ጢቤርዮስ ነቲ ኣንጻር ጀርመን እተጀመረ ወፍሪ ኣቋረጾ። ኣብ ክንድኡ ንዓሌታት ጀርመን ንሓድሕደን ከም ዝዋግኣ ብምግባር ከም ዘይሓብራ ገበረን። ጢቤርዮስ ብሓፈሻኡ ምክልኻል ዝብል ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኢዩ ነይርዎ: ዶባት ኣብ ምድልዳል ድማ የተኵር ነበረ። እዚ ኸኣ ዕዉት ኢዩ ነይሩ። በዚ መገዲ እዚ እቶም ‘ቀላጽም ውሒዝ’ ተገትኡን ‘ተሰብሩን።’

11. እቲ ‘መስፍን ቃል ኪዳን እተሰብረ’ ብኸመይ ኢዩ፧

11 እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሎም ስድራ​ቤታት ምድሪ ክባርኾም ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ “መስፍን ቃል ኪዳን” እውን ከይተረፈ ‘ተሰይሩ’ ኢዩ። ኣብቲ ኪዳን መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣብርሃም: የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠18፣ ገላትያ 3:⁠16) ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ናይ የሩሳሌም ቤተ⁠-​መንግስቲ ዝነበረ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ደው በለ። እቶም ኣይሁዳውያን ካህናት ንየሱስ ነቲ ሃጸይ ከም ዝኸሓደ ገይሮም ኢዮም ከሲሶምዎ። የሱስ ግን ንጲላጦስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። እቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ነቲ ዋላ ሓንቲ ገበን ዘይፈጸመ የሱስ ምእንቲ ከይፈትሖ እቶም ኣይሁዳውያን “ነዚ እንተ ፈታሕካዮ: ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ” ኢሎም ጨደሩ። የሱስ ክቕተል ምስ ጠለቡ “ብዘይ​ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” በሉ። ነቲ ጢቤርዮስ ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ቄሳር ንዝወርድ ጸርፊ ከም ዘጠቓልል ገይሩ ዘስፍሖ “ንግርማውነት ምድፋር” ዝብል ሕጊ መሰረት ብምግባር ጲላጦስ ንየሱስ ‘ንኽስበር’ ወይ ኣብ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ንኽስቀል ኣሕሊፉ ሃቦ።​—⁠ዮሃንስ 18:⁠36፣ 19:⁠12-16፣ ማርቆስ 15:⁠14-20

ሓደ ጨቋኒ ‘ይህቅን’

12. (ሀ) ምስ ጢቤርዮስ ኪዳን እተኣታተዉ መን ኢዮም፧ (ለ) ጢቤርዮስ ‘ብሒደት ጭፍራ ዝሰዓረ’ ብኸመይ ኢዩ፧

12 እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ጢቤርዮስ ወሲኹ ብምንባይ ከምዚ ይብል:- “ኪዳን ምስኡ ምስ ተኣታተወ ኸኣ: ብተንኰል ኪገብር እዩ። ኪወጽእን ብሒደት ጭፍራ ኺስዕርን እዩ።” (ዳንኤል 11:⁠23) እቶም ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ሮሜ ብመሰረት እቲ ቅዋም ምስ ጢቤርዮስ ‘ኪዳን ተኣታትዮም’ ነበሩ: ንማለቱ ኸኣ ኣብኦም ተመርኲሱ ነበረ። እዚ ግን ምትላል ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ‘ብሒደት ጭፍራ ይስዕር’ ነበረ። እዞም ሒደት ጭፍራ ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ኣብ ጥቓ ሮሜ ሰፊሮም ዝነበሩ ነቲ ሃጸይ ዝሕልዉ ወተሃደራት ኢዮም። ኣብ ቀረባ ሰፊሮም ብምንባሮም ነቶም ኣባላት ባይቶ ኣስግኦም: ንጢቤርዮስ ከኣ እቶም ህዝቢ ኣንጻር ስልጣኑ ንኸይለዓሉ ንምቍጽጻር ጠዓሞ። ስለዚ ኸኣ ጢቤርዮስ በቶም 10,000 ዝዀነ ሓለውቱ ሰዓረ።

13. ጢቤርዮስ ኣቦታት ኣቦታቱ ዘይገበርዎ ዝገበረ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

13 እቲ መልኣኽ ብትንቢታዊ መገዲ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ቀስ ኢሉ ናብተን ልምሉማት ቦታታት እታ ኣውራጃ ኺአቱ እዩ: እቶም ኣቦታቱ: ኤረ እቶም ኣቦታት ኣቦታቱ እኳ ከቶ ዘይገበርዎ ኺገብር እዩ። ብዝበዛን ምርኮን ገንዘብን ኬማቕሎም: ነተን ጽኑዓት ከተማታት ኪህቅነለን እዩ: እዚውን ንቕሩብ ጊዜ እዩ።” (ዳንኤል 11:24) ጢቤርዮስ ኣዝዩ ጠርጣሪ ኢዩ ነይሩ: ኣብቲ ንሱ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ግዜ ኸኣ ብትእዛዝ ምቕታል ልሙድ ነበረ። እቲ ዳሕረዋይ ክፋል ንግስነቱ በቲ ኣዛዝ እቶም ሓለውቲ ንጉስ ዝነበረ ሴጃን ስለ እተጸልወ ራዕዲ ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ሴጃን ንባዕሉ እውን ስለ እተጠርጠረ ተቐትለ። ንህዝቢ ብምጭቋን ጢቤርዮስ ኣቦታት ኣቦታቱ ዘይገበርዎ ገበረ።

14. (ሀ) ጢቤርዮስ ነቲ “ብዝበዛን ምርኮን ገንዘብን” ኣብ ብምልኡ ግዝኣት ሮሜ ዝመቐሎ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ጢቤርዮስ ክመውት ከሎ ብኸመይ ይርአ ነበረ፧

14 ይኹን እምበር: ጢቤርዮስ ነቲ “ብዝበዛን ምርኮን ገንዘብን” ኣብ ብምልኡ ግዝኣት ሮሜ መቐሎ። ክሳዕ ግዜ ሞቱ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝግዝኡ ዝነበሩ ህዝብታት ሃብታማት ነበሩ። ብዙሕ ግብሪ ኣይከፍሉን ኢዮም ነይሮም: ነቶም ሽግር ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ይሕግዞም ነበረ። ወተሃደራት ወይ ሰበ⁠-​ስልጣን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ዝጭቍኑ ወይ ኣብ ገለ ጕዳያት ምስ ዘዳልዉ ካብቲ ሃጸይ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶም ነበረ። ንስልጣኑ ጽቡቕ ገይሩ ሒዝዎ ስለ ዝነበረ ኣብቲ ህዝቢ ርግኣት ነበረ: እቲ ዝነበረ ስልጡን መራኸቢታት ከኣ ንግድ ከም ዝምዕብል ገበረ። ጢቤርዮስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሮሜ ዝግበር ጕዳያት ብዘይ​ኣድልዎን ብጽፉፍን ከም ዝሳለጥ ይገብር ነበር። ሕግታት ተመሓይሹ: ማሕበራውን ስነ⁠-​ምግባራውን ቅጥዕታት ከኣ በቲ ኣውጉስጦስ ቄሳር ዘተኣታተዎ ናይ ተሓድሶ መስርሕ ይሰፍሕ ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: ጢቤርዮስ ‘ህቃነ’ ነይርዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጸሓፍ ታሪኽ ታሲተስ ንጢቤርዮስ ግቡዝ: ኣምስሉ ብምዃን ክኢላ ምንባሩ ዝገለጸ። ጢቤርዮስ ኣብ መጋቢት 37 ከ.ኣ.ዘ. ክመውት ከሎ ከም ሓደ ጨቋኒ ኢዩ ዝርአ ነይሩ።

15. ኣብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይን መጀመርታ ናይ ካልኣይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ሮሜ ከመይ ነበረት፧

15 ካብቶም ብድሕሪ ጢቤርዮስ ዝመጹ: ናይ ንጉስ ሰሜን ቦታ ኸኣ ሒዞም ዝነበሩ ጋዮስ ቄሳር (ካሊጉላ): ቅላውዴዎስ ቀዳማይ: ኔሮ: ቨስፓስያን: ቲቶስ: ዶሜሽያን: ነርቫ: ትራጃን: ከምኡውን ሃድርያን ይርከብዎም። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “ዝበዝሑ ካብቶም ብድሕሪ ኣውጉስጦስ ዝመጹ ገዛእቲ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ናይ ምምሕዳር ፖሊሲታትን ናይ ህንጻ ፕሮግራማትን ኢዮም ቀጺሎምዎ፣ ካብቲ ዘተኣታተውዎ ሓድሽ ነገራት ከኣ ጃህራኦም ጐሊሑ ይርአ ነበረ።” እዚ መዝገበ⁠-​ፍልጠት እዚ ወሲኹ “ኣብ መወዳእታ ናይ 1ይን መጀመርታ ናይ 2ይን ዘመን ሮሜ ኣብቲ ዝለዓለ ጠርዚ ናይ ዕቤትን ብዝሒ ህዝብን በጺሓ ነበረት” ይብል። ኣብቲ ግዜ እቲ ሮሜ ኣብ ዶባት ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣታ ገለ ጸገማት እኳ እንተነበራ: እቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ምስ ንጉስ ደቡብ ክህልዋ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዘይምቅዳው ግን ክሳዕ ሳልሳይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣየጋጠመን ነበረ።

ኣንጻር ንጉስ ደቡብ ትለዓዓል

16, 17. (ሀ) ቦታ ናይቲ ኣብ ዳንኤል 11:⁠25 ተጠቒሱ ዘሎ ንጉስ ሰሜን ዝሓዘ መን ኢዩ፧ (ለ) ቦታ ንጉስ ደቡብ ክሕዝ ዝመጸ መን ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኰነ፧

16 እቲ መልኣኽ ከምዚ ዝስዕብ ትንቢት ብምንጋር ይቕጽል:- “[ንጉስ ሰሜን] ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ ሓይሉን ትብዓቱን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ኬተንስእ እዩ። ንጉስ ደቡብ ከኣ ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራዊት ሒዙ ንውግእ ኪትንስእ: ግናኸ ምኽሪ ኺጣበቡሉ እዮም እሞ: [ንጉስ ሰሜን] ኣይኪቐውምን እዩ። እቶም ኣብ መኣዱ ዚበልዑ ኸኣ ኪጭፍልቕዎ እዮም: ሰራዊቱ ኺውሕዝ እዩ: ብዙሓትውን ተወጊኦም ኪወድቁ እዮም።”​—⁠ዳንኤል 11:⁠25, 26

17 ኦክተቭያን ንግብጺ ኣብ ትሕቲ ሮሜ ከም እትግዛእ ምስ ገበራ ዳርጋ 300 ዓመታት ጸኒሑ ሮማዊ ሃጸይ ኣውረልየን ከም ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ተንስአ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰፕቲማ ዜኖብያ: ንግስቲ ናይታ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት ፓልሚራ: ቦታ ንጉስ ደቡብ ሓዘት። a (ነቲ ኣብ ገጽ 252 ዘሎ “ዜኖብያ​—⁠ተዋጋኢት ንግስቲ ፓልሚራ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።) ሰራዊት ፓልሚራ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ሮሜ ከም እትግዛእ ምግባር ብዝብል ምስምስ ንግብጺ ኣብ 269 ከ.ኣ.ዘ. ተቘጻጸርዋ። ዜኖብያ ንፓልሚራ ኣብ ምብራቕ ዓብላሊት ከተማ ክትገብራ ከምኡውን ንግስቲ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮሜ ክትከውን ደለየት። ኣውረልየን በቲ ናይ ዜኖብያ ህርፋን ሰንቢዱ ኣንጻራ ንምኻድ “ሓይሉን ትብዓቱን” ኣተንስአ።

18. ናይቲ ኣብ መንጎ ንጉስ ሰሜን ዝነበረ ሃጸይ ኣውረልየንን ንግስቲ ደቡብ ዝነበረት ዜኖብያን እተፈጥረ ግጭት ውጽኢት እንታይ ነበረ፧

18 ንጉስ ደቡብ ብመሪሕነት ዜኖብያ ኣንጻር ንጉስ ሰሜን ኲናት ንምኽፋት ‘ተንስአ።’ ዘብዳስ ከምኡውን ዘባይ ብዝበሃሉ ክልተ ጀነራላት ዝምራሕ “ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራዊት” ሒዛ ኸኣ ወጸት። ኣውረልየን ግን ንግብጺ ተቘጻጸራ: ናብ ንእሽቶ እስያን ሶርያን ኣቢሉ ኸኣ ኣምርሐ። ዜኖብያ ኣብ ኤሜሳ (ሕጂ ሆምስ) ተሳዕረት: ናብ ፓልሚራ ኸኣ ተመልሰት። ኣውረልየን ንኸተማ ፓልሚራ ምስ ከበባ: ዜኖብያ ኣበርቲዓ እኳ እንተ ተቓለሰት ኣይተዓወተትን። ንሳን ወዳን ናብ ፋርስ ገጾም ሃደሙ: እንተ​ዀነ ግን ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ብሮማውያን ተማረኹ። ከተማ ፓልሚራ ኣብ 272 ከ.ኣ.ዘ. ተማረኸት። ኣውረልየን ንዜኖብያ ኣይቀተላን: ኣብቲ ኣብ 274 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሮሜ ዝገበሮ ናይ ዓወት ዑደት ከኣ ከም መርኣያ ዓወቱ ገይሩ ኣቕረባ። ዝተረፈ ህይወታ ሞግዚት ሮሜ ኰይና ኣሕለፈቶ።

19. ኣውረልየን ብሰንኪ እቲ ‘እተጣበብሉ ምኽሪ’ ዝወደቐ ብኸመይ ኢዩ፧

19 ኣውረልየን ብሰንኪ እቲ ‘እተጣበብሉ ምኽሪ’ ኣብ ስልጣኑ ኣይቀጸለን። ኣብ 275 ከ.ኣ.ዘ. ኣንጻር ፋርሳውያን ወፍሪ ገበረ። ናብ ንእሽቶ እስያ ንምስጋር ኣጋጣሚ ንኽረክብ ኣብ ዝረይስ ክጽበ ኸሎ እቶም “ኣብ መኣዱ ዚበልዑ” ኣንጻሩ ተጣበቡ እሞ ‘ተጨፍለቐ።’ በቲ እተገብረ ነገራት ነቲ ጸሓፊኡ ዝነበረ ኢሮስ ክቐጽዖ ሓሲቡ ነበረ። ኢሮስ ግን ክቕተሉ ናይ ዘለዎም ሰበ⁠-​ስልጣን ናይ ሓሶት ስም ዝርዝር ኣቕረበ። እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን እዚ ስም ዝርዝር እዚ ምስ ረኣዩ ንኣውረልየን ክቐትልዎ ተጣበቡ።

20. ‘ሰራዊት’ ንጉስ ሰሜን ብኸመይ ኢዩ ‘ዝወሓዘ’፧

20 ንጉስ ሰሜን ዝነበሮ ቦታ ብሞት ሃጸይ ኣውረልየን ኣይብቀዐን። ካልኦት ሮማውያን ገዛእቲ እውን ስዒቦምዎ ኢዮም። ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ሓሓደ ሃጸያት ነይሮም ኢዮም። ኣብ ትሕቲ እዞም ገዛእቲ እዚኣቶም ‘ሰራዊት’ ንጉስ ሰሜን ‘ውሒዙ’ ወይ “ፋሕ ኢሉ ኢዩ፣” b ብዙሓት ከኣ ብምኽንያት እቲ ብሰሜን ካብ ዓሌታት ጀርመን ዝወረዶም መጥቃዕቲ ‘ተወጊኦም ወደቑ።’ ኣብ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ጎታውያን ኣብ ዶባት ሮሜ ጥሒሶም ኣተዉ። ተኸታታሊ ወራራት ከኣ ቀጸለ። ኣብ 476 ከ.ኣ.ዘ. ጀርመናዊ መራሒ ኦደኤሰር ነቲ ኣብ ሮሜ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ሃጸይ ኣልገሶ። ኣብ መጀመርታ ናይ ሻድሻይ ዘመን እቲ ኣብ ምዕራብ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ፋሕ በለ: ጀርመናውያን ነገስታት ከኣ ኣብ ብሪጣንያ: ጉዋል: ኢጣልያ: ሰሜን ኣፍሪቃ: ከምኡውን ስጳኛ ክገዝኡ ጀመሩ። እቲ ኣብ ምብራቓዊ ወገን ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ግን ክሳብ መበል 15 ዘመን ጸንሐ።

ሓንቲ ዓባይ ሃጸያዊት ግዝኣት ትመቓቐል

21, 22. ቆስጣንጢኖስ ኣብ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ለውጥታት ኢዩ ዝገበረ፧

21 መልኣኽ የሆዋ ብዛዕባ ምፍርራስ እቲ ንነዊሕ ዘመናት ዝጸንሐ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዘየድሊ ዝርዝራት ከይወሰኸ ብዛዕባ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዝገብርዎ ተወሳኺ ብዝበዛታት ኣቐዲሙ ይዛረብ። እንተ​ዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝዀነ ገለ ምዕባለታት ኣሕጽር ኣቢልና ምስ እንምርምር ነቶም ዳሕራይ ዝትንስኡ ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ክልተ ነገስታት ንምልላይ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

22 ኣብ ራብዓይ ዘመን ሮማዊ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ነቲ ናይ ክሕደት ክርስትና ሃገራዊ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ገበሮ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣብ 325 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ኒቅያ: ንእሽቶ እስያ: ነቲ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ቤት ምኽሪ ክእከብ ጻውዒት ብምግባር ኣቦ⁠-​መንበር ኰይኑ መሪሕዎ ኢዩ። ጸኒሑ ቆስጣንጢኖስ ነቲ ኣብ ሮሜ ዝነበረ ሃጸያዊ ቤተ⁠-​መንግስቱ ናብ ቢዛንትዩም ብምግዓዝ ንቢዛንትዩም ወይ ቆስጣንጢኖፓል ሓዳስ ርእሲ ኸተማ ገበራ። እቲ ናይ ሮሜ ሃጸያዊ ግዝኣት ሃጸይ ቴዎዶሲዩስ ቀዳማይ ብ17 ጥሪ 395 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ዝመውት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃጸይ ይመሓደር ነበረ።

23. (ሀ) ድሕሪ ሞት ቴዎዶሲዩስ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እንታይ ምክፍፋል ኢዩ እተራእየ፧ (ለ) እቲ ኣብ ምብራቕ ዝነበራ ሃጸያዊ ግዝኣት ዘቋረጸ መዓስ ኢዩ፧ (ሐ) ኣብ 1517 ንግብጺ መን ይገዝኣ ነበረ፧

23 ድሕሪ ሞት ቴዎዶሲዩስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ መንጎ ደቂ ቴዎዶሲዩስ ተመቓቐለ። ኦኖርዮስ ምዕራባዊ ክፋል ክወስድ ከሎ ኣርካድዮስ ከኣ ንቆስጣንጢኖፓል ርእሲ ኸተማኡ ብምግባር ነቲ ምብራቓዊ ክፋል ወሰደ። ብሪጣንያ: ግዋል: ኢጣልያ: ስጳኛ: ከምኡውን ሰሜን ኣፍሪቃ ምስቲ ምዕራባዊ ክፋል ኢየን ነይረን። ማሴዶንያ: ዝረይስ: ንእሽቶ እስያ: ሶርያ: ከምኡውን ግብጺ ኸኣ ምስቲ ምብራቓዊ ክፋል ነበራ። ኣብ 642 ከ.ኣ.ዘ. እታ ናይ ግብጺ ርእሲ ኸተማ ዝነበረት ኣለክሳንድርያ ኣብ ኢድ ሳርሲያውያን (ኣዕራብ) ኣተወት: ግብጺ ኸኣ ግዝኣት ናይ ከሊፋት ኰነት። ኣብ ጥሪ 1449 ቆስጣንጢኖስ መበል ዓሰርተ ሓደ: ናይ መወዳእታ ሃጸይ ምብራቓዊ ክፋል ኰነ። ብ29 ግንቦት 1453 ቱርካውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሱልጣን መመት ካልኣይ ኰይኖም ንቆስጣንጢኖፓል ተቘጻጸርዋ: በዚ ኸኣ እቲ ምብራቓዊ ክፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብቅዐ። ኣብ 1517 ከኣ ግብጺ ግዝኣት ቱርኪ ኰነት። ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜ እዛ ሃገር ጥንታዊ ንጉስ ደቡብ ዝነበረት ኣብ ትሕቲ ኻልእ ካብቲ ምዕራባዊ ክፋል ዝመጸ ሃጸይ ክትከውን ነበራ።

24, 25. (ሀ) ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዝበልዎ መሰረት ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ብኸመይ ኢዩ ዝጀመረ፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ ነቲ “ሃጸይ” ዝብል ናይ ሮሜ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት መዓርግ እንታይ ኣጋጠሞ፧

24 ኣብቲ ምዕራባዊ ወገን ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ሓደ ጳጳስ ልዮ ቀዳማይ ተባሂሉ እተፈልጠ ናይ ሮሜ ካቶሊክ ኣቡን ተስአ። እዚ ጳጳስ እዚ ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ንጳጳስ ስልጣን ከም ዝህልዎ ኣብ ምግባር ናይ መጀመርታ ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ። ጸኒሑ እቲ ጳጳስ: ሃጸይ ናይ ምዕራባዊ ክፋል ምሻም ኣብ ኢዱ ገበሮ። እዚ ኸኣ ኣብ 800 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ግዜ በዓል ልደት: ጳጳስ ልዮ ሳልሳይ ንፍራንካዊ ንጉስ ቻርለስ (ሻርልማኝ) ኣብቲ ሓድሽ ምዕራባዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ሃጸይ ክኸውን ምስ ሸሞ ኢዩ ተፈጺሙ። እዚ ድማ ኣብ ሮሜ ኣገዛዝኣ ሃጸይ ከም ዝምለስ ገበረ: ከም ኣበሃህላ ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ከኣ መጀመርታ ናይቲ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኰነ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ምብራቓዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ከምኡውን ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝበሃል ኣብ ህላወ መጸ: ክልቲኦም ወገናት ከኣ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ነበሩ።

25 ግዜ እናሓለፈ ምስ መጸ እቶም ብድሕሪ ሻርልማኝ ዝነበሩ ነገስታት ብቕዓት ዘይብሎም ምዃኖም ክረጋገጽ ጀመረ። አረ ንገለ ግዜስ ቦታ ናይቲ ሃጸይ ዝሕዝ እውን ተሳኢኑ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጀርመናዊ ንጉስ ኦቶ ቀዳማይ ንዝበዝሕ ሰሜናውን ማእከላይን ኢጣልያ ይቈጻጸር ነበረ። ንጉስ ኢጣልያ ምዃኑ ኸኣ ኣወጀ። ብ2 ለካቲት 962 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ጳጳስ ዮሃንስ መበል ዓሰርተ ኽልተ ንኦቶ ቀዳማይ ሃጸይ ናይቲ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ገይሩ ሸሞ። ርእሲ ኸተማኡ ጀርመን ኰይኑ: እቶም ሃጸያት ከኣ ጀርመናውያን ነበሩ። መብዛሕትኦም ተገዛእቶም እውን ጀርመናውያን ኢዮም ነይሮም። ሓሙሽተ ዘመናት ጸኒሑ እቶም ደቂ ኦስትርያ ዝነበሩ ቤት ሃስበርግ ነቲ ናይ “ሃጸይ” መዓርግ ወሰድዎ: ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝቐጸለሉ ዝተረፈ ዓመታት ከኣ ኣብ ኢዶም ነበረ።

እቶም ክልተ ነገስታት እንደገና ብንጹር ይልለዩ

26. (ሀ) ብዛዕባ መወዳእታ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ (ለ) ከም ንጉስ ሰሜን ኰይኑ እተቐልቀለ መን ኢዩ፧

26 ናፖልዮን ቀዳማይ ኣብ 1805 ደድሕሪ እቲ ኣብ ጀርመን ዝዓተሮ ዓወታት ንህላወ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣፍልጦ ከም ዘይህበሉ ምስ ገለጸ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ከቢድ ጽፍዒት ኣውረደ። ሃጸይ ፍራንሲስ ካልኣይ ነቲ ዝፋን ክከላኸለሉ ስለ ዘይከኣለ ካብቲ ናይ ሮሜ ሃጸያዊ ስልጣን ብ6 ነሓሰ 1806 ኣልገሰ: ናብታ ናይ ሃገሩ መንግስቲ ብምኻድ ከኣ ሃጸይ ኦስትርያ ኰነ። ድሕሪ 1,006 ዓመታት ከኣ እቲ ናይ ሮሜ ካቶሊካዊ ጳጳስ ልዮ ሳልሳይን ፍራንካዊ ንጉስ ሻርልማኝን ዝመስረትዎ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብቅዐ። ኣብ 1870 ሮሜ ካብ ቫቲካን ተፈልያ ርእሲ ኸተማ መንግስቲ ኢጣልያ ኰነት። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ጀርመናዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ጀመረ: እቲ ቄሳር ተባሂሉ እተጸውዐ ቪልሀልም ቀዳማይ ድማ ሃጸይ ኰነ። ስለዚ ኸኣ እዚ ዘመናዊ ንጉስ ሰሜን​—⁠ጀርመን​—⁠ኣብ መድረኽ ዓለም ተቐልቀለ።

27 እንተ​ዀነ ግን: መንነት ዘመናዊ ንጉስ ደቡብከ፧ ብሪጣንያ ኣብ መበል 17 ዘመን ሃጸያዊ ሓይሊ ከም ዝሓዘት ታሪኽ ይነግር ኢዩ። ናፖልዮን ቀዳማይ ነቲ ናይ ብሪጣንያ ናይ ንግዲ መስመር ንምትዕንቓፍ ኣብ 1798 ንግብጺ ተቘጻጸራ። ኲናት ተኸፍተ: እቲ ብብሪጣንያን ኦቶማንን ዝቘመ ጥሙር ሓይሊ ኸኣ ንፈረንሳውያን ካብታ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ግጭት ከም ንጉስ ደቡብ ትፍለጥ ዝነበረት ግብጺ ከም ዝወጹ ገበሮም። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዘመን እቲ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝነበራ ጽልዋ ወሰኸ። ድሕሪ 1882 ግብጺ ምሉእ ብምሉእ ጽግዕተኛ ብሪጣንያ ኰነት። ኣብ 1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክጅምር ከሎ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ቱርኪ ነበረት: ብወኪል ናይ ንጉስ ቱርኪ ኸኣ ትምራሕ ነበረት። ኣብቲ ውግእ ቱርኪ ምስ ጀርመን ምስ ወገነት ግን ብሪጣንያ ነቲ ናይ ቱርኪ ኣገዛዝኣ ኣልጊሳ ግብጺ ኣብ ትሕቲኣ ምዃና ኣወጀት። ቀስ እናበላ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጥብቂ ዝዀነ ርክብ ብምፍጣር ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ኣቘማ። ብሓባር ከኣ ቦታ ንጉስ ደቡብ ሓዛ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ “ንጉስ ሰሜን” ከምኡውን “ንጉስ ደቡብ” ዝብል ስያመታት መዓርግ ስለ ዝዀነ: ንዝዀነ ይኹን መሪሕ ተራ ዘለዎ ኣካል ማለት ንንጉስ: ንንግስቲ: ወይ ንጕጅለ ሃገራት ከመልክት ይኽእል ኢዩ።

b ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ናይ እንግሊዝኛ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም​—⁠ምስ መወከሲኡ ናይ ዳንኤል 11:⁠26 እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• ከም ንጉስ ሰሜን ኰይኑ መጀመርታ ዝተንስአ ኣየናይ ሮማዊ ሃጸይ ኢዩ: ከም ‘መጨነቒ’ ኰይኑ ዝመጸኸ መዓስ ኢዩ፧

• ድሕሪ ኣውጉስጦስ ቦታ ንጉስ ሰሜን ዝሓዘ መን ኢዩ: ‘መስፍን ቃል ኪዳንከ’ ብኸመይ ኢዩ ‘እተሰብረ፧’

• ውጽኢት ናይቲ ኣውረልየን ከም ንጉስ ሰሜን: ዜኖብያ ኸኣ ከም ንጉስ ደቡብ ኰይኖም ዝገበርዎ ኲናት እንታይ ነበረ፧

• ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እንታይ ኰነ: ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 19 ዘመን ቦታ ናይቶም ክልተ ነገስታት ዝሓዙ ሓይልታት መን ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

27. (ሀ) ግብጺ ጽግዕተኛ ብሪጣንያ ዝዀነት ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ቦታ ንጉስ ደቡብ ዝሓዘ መን ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 248-251 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እቲ ሓደ ይኸብር: እቲ ሓደ ኸኣ ይናዓቕ

እቲ ሓደ ነታ ፋሕፋሕ ኢላ ዝነበረት ሪፓብሊክ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ገዛኢት ከም እትኸውን ገበራ። እቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ውሽጢ 23 ዓመታት ንሃብታ ዕስራ ዕጽፊ ከም ዝኸውን ገበሮ። እቲ ሓደ ክመውት ከሎ ከበረ: እቲ ሓደ ግን ተናዕቐ። እዞም ክልተ ሃጸያት ሮሜ እዚኣቶም ኣብቲ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝፍጽመሉ ዝነበረ ግዜ ዝነበሩ ኢዮም። እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ እቲ ሓደ ዝኸበረ እቲ ሓደ ግን እተናዕቐ ስለምንታይ ኢዩ፧

‘ንሮሜ ብሕጡብ ተሰሪሓ ተረከባ: ግን ብእምነ⁠-​በረድ ሃነጻ’

ኣብ 44 ቅ.ኣ.ዘ. ጁልየስ ቄሳር ክቕተል ከሎ: እቲ ወዲ ጓል ሓብቱ ዝዀነ ጋዩስ ኦክተቭያን ወዲ 18 ዓመት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ መንእሰያ ኦክተቭያን: ጁልየስ ቄሳር ዘዕበዮን ቀንዲ ወራሲኡን ብምንባሩ ብኡንብኡ ወራሲ ሮሜ ምዃኑ ገለጸ። ናይ መጀመርታ ወራሲ ኢየ ዝብል ሓደ ቀንዲ ተጻራሪ​—⁠ማርክ ኣንቶኒ ዝበሃል ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ቄሳር ዝነበረ⁠—​ኣጋጠሞ። እቲ ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ሸፈጥን ሓይሊ ንምጭባጥ ዝነበረ ቃልስን ን13 ዓመታት ጸንሐ።

ኦክተቭያን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ገዛኢ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኰይኑ ዝተንስአ ነቶም ጥሙራት ሓይልታት ግብጻዊት ንግስቲ ክልዮፓትራን ፈታዊኣ ዝነበረ ማርክ ኣንቶኒን (ኣብ 31 ቅ.ኣ.ዘ.) ምስ ሰዓሮም ጥራይ ኢዩ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ኣንቶኒን ክልዮፓትራን ባዕሎም ርእሶም ቀተሉ: ኦክተቭያን ከኣ ንግብጺ ኣብ ግዝኣቱ ጠቕለላ። እቲ ናይ መወዳእታ ኣሰር ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ኣልገሰ: ሮሜ ኸኣ ሓይሊ ዓለም ኰነት።

ንጁልየስ ቄሳር ከም ዝቕተል ዝገበሮ እቲ ዘውርዶ ዝነበረ ጭቈና ምንባሩ ብምዝካር: ኦክተቭያን ተመሳሳሊ ጌጋ ከይደግም ኣዝዩ ጥንቁቕ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ሮማውያን ሪፓብሊካዊ መንግስቲ ከም ዝፈትዉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንመንግስቱ ብስም ሪፓብሊክ ኢዩ ዘካይዶ ነይሩ። ነቲ “ንጉስ” ከምኡውን “መላኺ” ዝብል መዓርጋት ነጸጎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንዅሉ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ባይቶ ሮሜ ከም ዝገብሮን ዘለዎ ዅሉ ስልጣን ክገድፍ ምዃኑን ሓበረ። እዚ ሜላ እዚ ኸኣ ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ። እቶም መማሰውቲ ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ንኦክተቭያን ስልጣን ከይገድፍ ከምኡውን ንገለ ካብቲ ግዝኣታት ሮሜ ክቈጻጸሮ ተማሕጸንዎ።

ኣብ ርእሲ እዚ ብ16 ጥሪ 27 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ባይቶ ንኦክተቭያን “ልዑል: ቅዱስ” ዝትርጕሙ “ኣውጉስጦስ” ዝብል መዓርግ ሃቦ። ኦክተቭያን ነዚ መዓርግ እዚ ተቐቢልዎ ጥራይ ዘይኰነስ ሓንቲ ወርሒ እውን ብስሙ ከም እትጽዋዕ ገይሩ ኢዩ። ነታ ብስሙ እተጸውዐት ብእንግሊዝኛ ኦገስት እትበሃል ወርሒ ነሓሰ ክንድታ ብስም ጁልየስ ቄሳር እተጸውዐት ብእንግሊዝኛ ጁላይ እትበሃል ወርሒ ሓምለ ምእንቲ ክትከውን ኢሉ ካብ ወርሒ ለካቲት ሓንቲ መዓልቲ ብምውሳድ ወሰኸላ። ስለዚ ኸኣ ኦክተቭያን ናይ መጀመርታ ሃጸይ ሮሜ ኰነ: ቄሳር ኣውጉስጦስ ወይ “ኦገስት ሓደ” ተባሂሉ ድማ ተጸውዐ። ጸኒሑ ኸኣ “ፖንቲፊከስ ማክሲመስ ” (ሊቀ⁠-​ኻህናት) ዝብል መዓርግ ወሰደ: ኣብ 2 ቅ.ኣ.ዘ. ማለት ኣብታ የሱስ እተወልደላ ዓመት ድማ እቲ ባይቶ “ኣቦ ሃገሩ” ዝትርጕሙ ፓተር ፓትርያ ዝብል መዓርግ ሃቦ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ “ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ: ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። . . . ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ: ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ።” (ሉቃስ 2:⁠1-3) ብምኽንያት እዚ ኣዋጅ እዚ ኸኣ የሱስ ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ተወልደ: በዚ ድማ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጸመ።​—⁠ዳንኤል 11:⁠20፣ ሚክያስ 5:⁠2

ምምሕዳር ኣውጉስጦስ ሓቀኝነትን ርጉእ ባጤራን ከም ዝነበሮ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣውጉስጦስ ስሉጥ ዝዀነ ኣገልግሎት ጶስጣ ከም ዝህሉ ገይሩ: ጽርግያታትን ድንድላትን ከኣ ሃኒጹ ኢዩ። ነቲ ሰራዊት ከም ብሓድሽ ወዲብዎ: ቀዋሚ ዝዀነ ሓይሊ ባሕሪ መስሪቱ: ፕሪቶርያን ጋርድ ዝበሃሉ ነቲ ሃጸይ ዝሕልዉ ብሉጻት ወተሃደራት ከኣ ኣቘመ። (ፊልጲ 1:⁠13 NW  ) ከም በዓል ቪርጅልን ሆራስን ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ኣብ ትሕቲ ዕቝባኡ ኰይኖም ማዕበሉ: ቀረጽቲ ድማ ነቲ ሕጂ ጥንታዊ ቅዲ ዝበሃል ውቁብ እተጸርበ ሓወልትታት ኣቘሙ። ኣውጉስጦስ ነቲ ጁልየስ ቄሳር ዝጀመሮ ህንጻታት እውን ኣብ መፈጸምትኡ ኣብጺሕዎ ከምኡውን ብዙሕ ኣብያተ⁠-​መቕደስ ኣሐዲሱ ኢዩ። እቲ ዘተኣታተዎ ፓክስ ሮማና (ናይ ሮሜ ሰላም) ዝበሃል ፖሊሲ ኸኣ ንልዕሊ 200 ዓመታት ጸንሐ። ብ19 ነሓሰ 14 ከ.ኣ.ዘ. ኣውጉስጦስ ወዲ 76 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ: ብድሕሪኡ ኸኣ ከም ኣምላኽ ይርአ ነበረ።

ኣውጉስጦስ “ሮሜ ብሕጡብ ተሰሪሓ ተረከብክዋ: ኣነ ግን ብእምነ⁠-​በረድ ገይረ ሃነጽክዋ” ኢሉ ይሕበን ነይሩ ኢዩ። ሮሜ ከምቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ቅድም ሪፓብሊካዊ ምምሕዳር ከላ ዝነበረቶ ዕግርግር ምእንቲ ከይትምለስ ድማ ነቲ ስዒቡ ሃጸይ ክኸውን ዝደልዮ ክሸይም መደበ። መን ከም ዝትካእ ኣብ ምውሳን ግን ብዙሕ ምርጫ ኣይነበሮን። ወዲ ሓብቱ: ክልተ ደቂ ጓሉ: ሰብኣይ ጓሉ: ከምኡውን ወዲ ሰበይቱ ኵላቶም ሞይቶም ኢዮም። እቲ ኻልእ ወዲ ሰበይቱ ዝነበረ ጢቤርዮስ ጥራይ ኢዩ ክወርስ ዝኽእል ነይሩ።

እቲ “ንዑቕ ሰብ”

ድሕሪ ሞት ኣውጉስጦስ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ እቲ ላዕለዋይ ባይቶ ሮሜ ነቲ ወዲ 54 ዓመት ዝነበረ ጢቤርዮስ ሃጸይ ገይሩ ሸሞ። ጢቤርዮስ ክሳብ መጋቢት 37 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ብህይወት ጸኒሑን ገዚኡን። ስለዚ ኸኣ ኣብቲ የሱስ ምድራዊ ህይወቱ ዝፈጸመሉ እዋን ጥራይ ኢዩ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ።

ጢቤርዮስ ከም ሃጸይ መጠን ጽቡቕን ሕማቕን ጐድኒ ነይርዎ ኢዩ። ገለ ካብቲ ጽቡቕ ጐድንታቱ ኣብ መዘናግዒታት ገንዘብ ስቕ ኢሉ ኣየጥፍእን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣቱ በልጸገ: ባህርያዊ ዕንወትን ካልእ ሓደጋታትን ከጋጥም ከሎ ንዝህሉ ሕማቕ ኵነታት ከሕዊ ዝኽእል ገንዘብ ድማ ነበሮ። እቲ ኣዝዩ ዘንእዶ ኸኣ ጢቤርዮስ ንገዛእ ርእሱ ከም ተራ ሰብ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ ነይሩ: ብዙሕ መዓርጋት ኣብዩ: ኣምልኾ ሃጸይ እውን ናብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ ናብ ኣውጉስጦስ ከም ዝቐርብ ገበረ። ከምቲ ኣውጉስጦስን ጁልየስ ቄሳርን ዝገበርዎ ሓንቲ ወርሒ ብስሙ ከም እትጽዋዕ ኣይገበረን ወይ እውን ካልኦት ከምኡ ገይሮም ንኸኽብርዎ ኣይፈቐደሎምን።

ይኹን እምበር: እቲ ጢቤርዮስ ዝገበሮ ክፉእ ነገራት ካብቲ ዝገበሮ ጽቡቕ ነገራት ዝገድድ ኢዩ። ኣብቲ ምስ ሰባት ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ካብ መጠን ንላዕሊ ተጠራጣርን ግብዝን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ግዜ ኸኣ ብትእዛዙ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ኢዮም: ብዙሓት ካብቶም ቅድም ኣዕሩኽቱ ዝነበሩ ኸኣ ካብ መንጎ እቶም ግዳያት ነበሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ምንዓብ ተግባራት: ኣንጻሩ ንዝዝረብ ሕማቕ ቃላት እውን ከም ዘጠቓልል ንምግባር ከኣ ነቲ ለዝ⁠-​ማዤስቴ (ንግርማውነት ምድፋር) ዝብል ሕጊ ኣስፍሖ። ኣይሁዳውያን በዚ ሕጊ እዚ ተኣማሚኖም ኢዮም ነቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንየሱስ ክቐትሎ ጸቕጢ ዝገበርሉ።​—⁠ዮሃንስ 19:⁠12-16

ጢቤርዮስ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ መናድቕ ናይታ ኸተማ እተዓርደ ባራካታት ብምህናጽ ነቶም ፕሪቶርያን ጋርድ ዝበሃሉ ሓለውቲ ወተሃደራት ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ኣስፈሮም። እቶም ሓለውቲ ኣብ ቀረባ ምንባሮም ነቶም ኣንጻር ጢቤርዮስ ዝነበሩ ናይ ሮሜ ባይቶ ኣስግኦም። ንዝዀነ ይኹን ኣብቲ ህዝቢ ዝርአ ናይ ዕልወት ኣንፈት ከኣ ይቈጻጸሮ ነበረ። ጢቤርዮስ ስለያ እውን ከም ዘስፋሕፍሕ ገይሩ ስለ ዝነበረ እቲ ዳሕረዋይ ክፋል ግዝኣቱ ራዕዲ ዝመልኦ ነበረ።

ጢቤርዮስ ክመውት ከሎ ከም ጨቋኒ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ምስ ሞተ ሮማውያን ተሓጐሱ: እቲ ባይቶ ኸኣ ከም ኣምላኽ ገይሩ ንኸይቅበሎ ወሰነ። በዝን ብኻልእን ምኽንያታት እቲ ‘ንዑቕ ሰብ’ ከም “ንጉስ ሰሜን” ኰይኑ ክትንስእ ምዃኑ ዝገልጽ ትንቢት ኣብ ጢቤርዮስ ተፈጸመ።​—⁠ዳንኤል 11:​15, 21

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• ኦክተቭያን ናይ መጀመርታ ሃጸይ ሮሜ ክኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧

• መንግስቲ ኣውጉስጦስ ብዛዕባ ዝዓመሞ ነገራት እንታይ ክበሃል ይከኣል፧

• ጽቡቕን ሕማቕን ጐድንታት ጢቤርዮስ እንታይ ነበረ፧

• እቲ ብዛዕባ “ንዑቕ ሰብ” ዝገልጽ ትንቢት ኣብ ጢቤርዮስ እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧

[ስእሊ]

ጢቤርዮስ

[ኣብ ገጽ 252-255 ዘሎ ስእልታት/ሳጹን]

ዜኖብያ​—⁠ተዋጋኢት ንግስቲ ፓልሚራ

“ከደረይቲ ኢያ ነይራ። . . . ኣስናና ሓቒቕ ዝመስል ጻዕዳ: እቲ ፍሩይ ጸሊም ኣዒንታ ምስቲ ምጭውቲ ምዃና ተሓዊሱ ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። ድምጻ ሓያል ኰይኑ ቃና ዘለዎ ኢዩ። እቲ ዝነበራ ጽኑዕ ምርዳእ ብትምህርቲ እተደገፈን ዝወቀበን ኢዩ ነይሩ። ቋንቋ ላቲን ጥራይ ዘይኰነስ ቋንቋታት ግሪኽ: ስሪያክ: ከምኡውን ቋንቋ ግብጺ ትፈልጥ ነይራ ኢያ።” እዚ: ጸሓፍ ታሪኽ ኤድዋርድ ጊቦን ነታ ንግስቲ ከተማ ፓልሚራ: ሶርያ: ዝነበረት ተዋጋኢት ዜኖብያ ክንእዳ ኸሎ እተጠቐመሉ ቓላት ኢዩ።

እቲ ኣዲናቲስ ዝበሃል በዓል ቤታ ንዜኖብያ ናይ ፓልሚራ ብሉጽ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኰይኑ ኣንጻር ፋርሳውያን ዕዉት ዝዀነ ወፍሪ ብምግባሩ ኸኣ ኣብ 258 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሮሜ ናይ ቆንስል መዓርግ ተዋህቦ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ካብቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ ዝነበረ ጋሊነስ ኮሬክተር ቶትዩስ ኦርየንቲስ (ኣማሓዳሪ ናይ ብምሉኡ ምብራቕ) ዝብል መዓርግ ተቐበለ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ሻፓር ቀዳማይ ናይ ፋርስ ዝጨበጦ ዓወት ኣፍልጦ ንምሃብ ኢዩ ነይሩ። ኣዲናቲስ ቀስ እናበለ ንገዛእ ርእሱ “ንጉሰ ነገስት” ዝብል መዓርግ ሰየማ። እዚ ኣዲናቲስ ዝረኸቦ ዓወት ብዓቢኡ ብምኽንያት እቲ ዜኖብያ ዝነበራ ትብዓትን ብልሓትን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

ዜኖብያ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ምምስራት ሕልሚ ኣሕደረት

ኣብ 267 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ስርሑ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምስ በጽሐ ኣዲናቲስን ቦኽሪ ወዱ ዝነበረ ወራሲኡን ተቐትሉ። ወዳ ንኽነግስ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዝነበረ ዜኖብያ ነቲ ናይ ሰብኣያ ስልጣን ባዕላ ሓዘቶ። ጽብቕቲ: ህንጥይቲ: ክእለት ምምሕዳር ዝነበራ: ምስ ሰብኣያ ኣብ ወፍርታት ትኸይድ: ከምኡውን ብዙሕ ቋንቋታት ትፈልጥ ስለ ዝነበረት እቶም ኣብ ትሕቲኣ ዝነበሩ ከኽብርዋን ክድግፍዋን ክኢሎም ኢዮም። ዜኖብያ ፍቕሪ ትምህርቲ ነይርዋ ኢዩ: ብምሁራት እተኸበበት ከኣ ኢያ ነይራ። ሓደ ካብቶም ኣማኸርታ እቲ ፈላስፋ ከምኡውን ክኢላ ጸሓፍን ተዛራባይን ዝነበረ ካስዩ ላንጀይነስ ኢዩ። “ህያው ቤተ⁠-​መጻሕፍትን መኽዘን ፍልጠትን” ዝብል ቅጽል ስም ነበሮ። ደራሲ ሪቻርድ ስቶንማን ኣብታ ፓልሚራ ኤንድ ኢትስ ኢምፓየር​—⁠ዜኖብያስ ሪቮልት ኤጌንስት ሮም ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለ:- “ድሕሪ ሞት ኣዲናቲስ ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመት . . . ዜኖብያ ኣብ መንጎ ህዝባ ንግስቲ ምብራቕ ኰይና ነበረት።”

ኣብ ሓደ ወገን ግዝኣት ዜኖብያ እታ ንሳን በዓል ቤታን ዘዳኸምዎ ፋርስ: በቲ ኻልእ ወገን ከኣ እታ ትወድቕ ዝነበረት ሮሜ ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ኵነታት ክገልጽ ከሎ ጸሓፍ ታሪኽ ጀይ. ኤም. ሮበርትስ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሳልሳይ ዘመን . . . ንሮሜ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ግንባራት ኣይሰልጣን ኢዩ ነይሩ: ኣብ ውሽጣ ኸኣ ሓድሽ ውግእ ሓድሕድን ጐንጽታትን ጀሚሩ ነበረ። ዕስራን ክልተን ሃጸያት (ነቶም ኣምሰሉታት ከይሓወስካ) ኣብ ስልጣን ደይቦምን ወሪዶምን ነበሩ።” እዛ ናይ ሶርያ ንግስቲ ግን ኣብ ግዝኣታ ድልዱል መሰረት ነበራ። ስቶንማን “ንኽልተ ሃጸያዊ ግዝኣት [ፋርስን ሮሜን] ሚዛኑ ከም ዝሕሉ ገይራ ብምቍጽጻር ንኽልቲኦም ዝዕብልል ሳልሳይ ሃጸያዊ ግዝኣት ክትምስርት ትብህግ ነበረት” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።

ኣብ 269 ከ.ኣ.ዘ. ንናይ ሮሜ ግዝኣት ዝጻረር ኣብ ግብጺ ምስ ተንስአ ዜኖብያ ሓይላ ከም ዘስፋሕፍሕ ክትገብረሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ረኸበት። ሰራዊት ዜኖብያ ቅልጣፈ ብዘለዎ መገዲ ናብ ግብጺ ከዱ: ነቲ ዓለወኛ ደምሰስዎ: ነታ ሃገር ከኣ ተቘጻጸርዋ። ንግስቲ ግብጺ ከም ዝዀነት ብምእዋጅ ብስማ ሰናቲም ኣሕተመት። መንግስታ ኸኣ ካብ ርባ ናይል ክሳዕ ርባ ኤፍራጥስ ዝበጽሕ ኰነ። ኣብ ህይወታ ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጽሐት ከኣ ኢያ ዜኖብያ ቦታ “ንጉስ ደቡብ” ዝሓዘት።​—⁠ዳንኤል 11:⁠25, 26

ዜኖብያ እትጥቀመላ ዝነበረት ርእሲ ኸተማ

ዜኖብያ ነታ ከም ርእሲ ኸተማ ገይራ እትጥቀመላ ዝነበረት ፓልሚራ ምስተን ኣብ ሮሜ ዝነበራ ዓበይቲ ከተማታት ክሳዕ እትወዳደር ገይራ ኣዕበየታ። ብዝሒ ህዝባ ብግምት ልዕሊ 150,000 በጽሐ። ፓልሚራ እጹብ ህንጻታት: ኣብያተ⁠-​መቕደስ: መናፈሲ ቦታታት: ኣዕኑድ: ከምኡውን ሓወልትታት ብብዝሒ ነበራ። 21 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ ዙርያ መንደቕ ከም ዝነበራ ኢዩ ዝንገረላ። ኣብቲ ቀንዲ ጐደና ገለ 1,500 ዝኸውን ልዕሊ 15 ሜትሮ ዝንውሓቱ ብመስርዕ እተቐመጠ ኣዕኑድ ቈረንቶስ ነበራ። ሓወልትን ቅርጽታትን ጐብለላት ከምኡውን ሃብታማት ገበርቲ ሰናይ ኣብታ ኸተማ ብብዝሒ ነይሮም ኢዮም። ኣብ 271 ከ.ኣ.ዘ. ዜኖብያ ናይ ገዛእ ርእሳን ናይቲ ዳሕረዋይ በዓል ቤታን ሓወልቲ ተኸለት።

እቲ ናይ ጸሓይ ቤት መቕደስ ሓደ ካብቲ ኣብ ፓልሚራ ዝነበረ ዝጸበቐ ቅርጺ ዝነበሮ ህንጻታት ኢዩ: ነቲ ኣብታ ከተማ ዝነበራ ሃይማኖታዊ ሃዋሁ ዓብሊልዎ ምንባሩ ኸኣ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዜኖብያ እውን ምስ ኣምላኽ ጸሓይ እተተሓሓዘ ኣምልኾ ኢዩ ነይርዋ። እታ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረት ሶርያ ግን ብዙሓት ሃይማኖታት ዝነበራ ሃገር ኢያ ነይራ። ኣብ ግዝኣት ዜኖብያ ኣምሰሉ ክርስትያናት: ኣይሁድ: ከምኡውን ኣምለኽቲ ጸሓይን ወርሕን ነይሮም ኢዮም። ዜኖብያ ብዛዕባ እዚ እተፈላለየ ዓይነት ኣምልኾ እንታይ ኣረኣእያ ነበራ፧ ስቶንማን እተባህለ ደራሲ ከምዚ ይብል:- “ሓንቲ ጥበበኛ መራሒት ንህዝባ ዝሰማማዕ መሲሉ ዝረኣያ ዝዀነ ይኹን ልምዲ ዕሽሽ ኣይትብሎን ኢያ። . . . እቶም ተስፋ እተገብረሎም ኣማልኽቲ . . . ሓቢሮም ኣብ ጐኒ ፓልሚራ ተሰሊፎም ኢዮም።” ብርግጽ: ዜኖብያ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ተጻዋርነት ነይርዋ ኢዩ።

ዜኖብያ ዘደንቕ ባህርያት ስለ ዝነበራ ብዙሓት ሰባት ከድንቕዋ ክኢሎም ኢዮም። ነቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ምቛም ዝነበራ ተራ ብፍላይ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ኢዩ። ግዝኣታ ግን ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣይጸንሐን። ሮማዊ ሃጸይ ኣውረልየን ኣብ 272 ከ.ኣ.ዘ. ንዜኖብያ ሰዓራ: ንፓልሚራ ኸኣ ከም ዘይትዕረ ገይሩ ደምሰሳ። ዜኖብያ ምሕረት ተገብረላ። ንሓደ ኣባል ባይቶ ሮሜ ከም እተመርዓወት: ዝተረፈ ህይወታ ኸኣ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይና ከም ዘሕለፈቶ ኢዩ ዝንገር።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• ባህርያት ዜኖብያ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

• ገለ ካብቲ ዜኖብያ ዝገበረቶ ጅግንነት እንታይ ነበረ፧

• ዜኖብያ ብዛዕባ ሃይማኖት እንታይ ኣረኣእያ ነበራ፧

[ስእሊ]

ንግስቲ ዜኖብያ ንወተሃደራታ ክትዛረቦም ከላ

[ኣብ ገጽ 246 ዘሎ ስእልታት/ሰሌዳ]

ኣብ ዳንኤል 11:20-​26 ተጠቒሶም ዘለዉ ነገስታት

ንጉስ ንጉስ

ሰሜን ደቡብ

ዳንኤል 11:20 ኣውጉስጦስ

ዳንኤል 11:21-24 ጢቤርዮስ

ዳንኤል 11:25, 26 ኣውረልየን ንግስቲ ዜኖብያ

እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ:

ምምቕቓል ጀርመን ብድሕሪኣ

ሃጸያዊ ግዝኣት ሓይሊ ዓለም

ሮሜ ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ

እዚ ዝስዕብ ኣምጺኡ

[ስእሊ]

ጢቤርዮስ

[ስእሊ]

ኣውረልየን

[ስእሊ]

ሓወልቲ ሻርልማኝ

[ስእሊ]

ኣውጉስጦስ

[ስእሊ]

ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነበራ መራኽብ ውግእ ብሪጣንያ

[ኣብ ገጽ 230፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 233 ዘሎ ስእሊ]

ኣውጉስጦስ

[ኣብ ገጽ 234 ዘሎ ስእሊ]

ጢቤርዮስ

[ኣብ ገጽ 235 ዘሎ ስእሊ]

ብምኽንያት እቲ ኣውጉስጦስ ዘውጽኦ ኣዋጅ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት⁠-​ልሄም ተጓዕዙ

[ኣብ ገጽ 237 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ብትንቢት እተነግረ የሱስ ብሞት ‘ተሰብረ’

[ኣብ ገጽ 245 ዘሎ ስእሊ]

1. ሻርልማኝ 2. ናፖልዮን ቀዳማይ 3. ቪልሀልም ቀዳማይ 4. ወተሃደራት ጀርመን: ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም