ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዘመን መወዳእታ ነቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ምልላዮም

ኣብ ዘመን መወዳእታ ነቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ምልላዮም

ምዕራፍ ዓሰርተ ሸውዓተ

ኣብ ዘመን መወዳእታ ነቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ምልላዮም

1. ብመሰረት እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ተገሊጹ ዘሎ እቶም ውሑዳትን መሃርሃሪ ዘይብሎምን ጕጅለ ሰባት እንታይ ከቢድ ተመክሮ ኢዮም ከሕልፉ፧

 ንኣዝዮም ውሑዳትን መሃርሃሪ ዘይብሎምን ጕጅለ ህዝቢ ካብ ሓንቲ ብርትዕቲ ሓይሊ ዓለም ከቢድ መጥቃዕቲ ይወርዶም። እንተ​ዀነ ግን: ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓይሊ ዘይኰነስ የሆዋ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ስለ ዝርእዮም ዋላ ሓንቲ ከይኰኑ ካብቲ መጥቃዕቲ ደሓኑ: አረ እንደገና እውን ተጠርነፉ። እዚ ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 20 ዘመን ዘጋጠመ ፍጻመታት ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ኢዩ ኣቐዲሙ ተመዝጊቡ እንረኽቦ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን መን ኢዮም፧ እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል እትርከብ ምዕራፍ: ናይቲ “ልዑል” ማለት ናይ የሆዋ ኣምላኽ “ቅዱሳን” ኢላ ትጽውዖም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መወዳእታ ኣብታ መሲሓዊት መንግስቲ ነገስታት ከም ዝዀኑ እውን ትገልጽ ኢያ!​—⁠ዳንኤል 7:⁠13, 14, 18, 21, 22, 25-27

2. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ከመይ ኢዩ ዝስምዖ፧ (ለ) ኣብዚ እዋን እዚ ክንስዕቦ ዘሎና ናይ ጥበብ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

2 ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ከም ዝረኣናዮ ንጉስ ሰሜን ነታ ጽንዕቲ መንፈሳዊት ሃገር ናይዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ከጥቅዕ ምዃኑ ምስ ኣፈራርሀ ኣብ መወዳእታኡ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 11:⁠45፣ ምስ ህዝቅኤል 38:⁠18-23 ኣረኣእዮ።) እወ: የሆዋ ነቶም እሙናት ቅቡኣቱ ኣበርቲዑ ኢዩ ዝከላኸለሎም። መዝሙር 105:⁠14, 15 “ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም: ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም: ኢሉ [የሆዋ] ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም” ትብል። ስለዚ እምበኣር ኣብዚ ህውከት ዝመልኦ ግዜ እዚ እቶም ብቝጽሪ እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” (NW  ) ምስ እዞም ቅዱሳን ብእተኻእሎም መጠን ኣጸቢቖም ክሓብሩ ጥበብ ምዃኑ ኣይምተሰማማዕካሉንዶ፧ (ራእይ 7:⁠9፣ ዘካርያስ 8:⁠23) የሱስ ክርስቶስ እቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ንዕዮ ናይቶም ቅቡኣት መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ብምድጋፍ ምስኦም ክሓብሩ ተማሕጺኑ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:⁠31-46፣ ገላትያ 3:⁠29

3. (ሀ) ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ረኺብካ ምስኦም ጠቢቕካ ክትመላለስ ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) በዚ መዳይ እዚ ዳንኤል ምዕራፍ 12 ብኸመይ ኢያ እትሕግዝ፧

3 ይኹን እምበር: እቲ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም ሰፊሕ ኲናት ኢዩ ከፊቱ ዘሎ። ንዓለም ኣድማዒ ብዝዀነ መገዲ ብናይ ሓሶት ክርስትያናት ከም እትመልእ ብምግባር ናይ ሓሶት ኣምልኾ ከም ዘስፋሕፍሕ ገይሩ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ክታለሉ ክኢሎም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ነቶም ወከልቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ፈጺሞም ክረኽብዎም ከም ዘይክእሉ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ተስፋ ቘሪጾም ኢዮም። (ማቴዎስ 7:⁠15, 21-23፣ ራእይ 12:⁠9, 17) እቶም ነቲ “ንእሽቶ መጓሰ” ረኺቦም ምስኡ ዝሓበሩ ሰባት እውን ከይተረፈ እዛ ዓለም እዚኣ ንዘላቶም እምነት ባሕጒጓ ከተልግሳ ብቐጻሊ ስለ እትጽዕር እምነቶም ንምዕቃብ ክቃለሱ ኣለዎም። (ሉቃስ 12:⁠32) ንስኻኸ፧ ነቶም ‘ናይቲ ልዑል ቅዱሳን’ ረኺብካዮም ከምኡውን ምስኦም ትሓብር ኣሎኻዶ ኢኻ፧ እቶም ዝረኸብካዮም ብሓቂ ኣምላኽ ዝሓረዮም ምዃኖም ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ከም ዘሎ ትግንዘብዶ ኢኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መርትዖ ንእምነትካ ከደልድሎ ኢዩ። ንኻልኦት ሰባት ናይ ሓቂ ትርጕም ናይቲ ሕጂ ኣብ ዓለም ዘሎ ሃይማኖታዊ ሕንፍሽፍሽ ንኽርድኡ ንምሕጋዝ እውን ከዕጥቐካ ኢዩ። ዳንኤል ምዕራፍ 12 ብዙሕ ህይወት ዘውህብ ፍልጠት ሒዛ ኣላ።

እቲ ዓቢ መስፍን ስጕምቲ ይወስድ

4. (ሀ) ዳንኤል 12:⁠1 ብዛዕባ ሚካኤል እንታይ ክልተ እተፈላለየ ነገራት ኢያ እትንበ፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ሓደ ንጉስ ‘ተንሲኡ’ ክበሃል ከሎ ዝበዝሕ ግዜ እንታይ ማለት ኢዩ፧

4 ዳንኤል 12:⁠1 ከምዚ ትንበብ:- “በቲ ዘመንቲ ሚካኤል: እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም [“ዝትንስእ:” NW  ] ዓብዪ መስፍን: ኪትንስእ እዩ።” እዛ ቝጽሪ እዚኣ ብዛዕባ ሚካኤል ክልተ እተፈላለየ ነገራት ትገልጽ። ቀዳማይ: “ዝትንስእ” ተባሂሉ ኣሎ: እዚ ኸኣ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንዝጸንሕ ጕዳያት ዘመልክት ኢዩ። ካልኣይ “ኪትንስእ እዩ” ዝብል ኣገላልጻ ዀይኑ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝግበር ፍጻመ ዘመልክት ኢዩ። መጀመርታ ነቲ ሚካኤል “ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ [ህዝቢ ዳንኤል] ዝትንስእ” ተባሂሉ ዘሎ ዝፍጸመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ክንፈልጥ የድልየና። እቲ ሚካኤል ዝብል ስም ንየሱስ ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን እተዋህቦ ስም ምዃኑ ኣይትረስዕ። እታ “ዝትንስእ” እትብል ቃል ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ካልእ ቦታ ተጠቒሳትሉ ዘላ ኣገባብ ዘዘኻኽረና ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ንጉስ ንዝወስዶ ስጕምቲ: ንኣብነት ናይ ንግስነት ስልጣን ምሓዝ: ዝኣመሰለ ነገራት ኢያ እተመልክት።​—⁠ዳንኤል 11:⁠2-4, 7, 20, 21

5, 6. (ሀ) ሚካኤል ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ግዜ ንውሓት ኢዩ ዝትንስእ፧ (ለ) ሚካኤል መዓስን ብኸመይን ኢዩ “ኪትንስእ:” ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧

5 ኣብዚ እቲ መልኣኽ ኣብ ካልእ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ንውሓት ግዜ ኢዩ ዝሕብር ዘሎ። የሱስ “ህላወ” (NW  ) (ብግሪኽ ፓ·ሩ·ስያ ) ኢልዎ ኣሎ: እዚ ኸኣ ኣብ ሰማይ ከም ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣሉ ግዜ ማለት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠37-39) “ዳሕሮት መዓልትታት” ከምኡውን “ዘመን መወዳእታ” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1፣ ዳንኤል 12:⁠4, 9) እቲ ግዜ እቲ ብ1914 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሚካኤል ከም ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ተንሲኡ ኢዩ ዘሎ።​—⁠ምስ ኢሳይያስ 11:⁠10፣ ራእይ 12:⁠7-9 ኣረኣእዮ።

6 ይኹን እምበር: እቲ ሚካኤል “ኪትንስእ እዩ” እተባህለሉ ደኣ መዓስ ኢዩ ዝፍጸም፧ ፍሉይ ዝዀነ ስጕምቲ ክወስድ ምስ ተንስአ ኢዩ። ነዚ ኸኣ የሱስ ኣብ መጻኢ ኢዩ ዝገብሮ። ራእይ 19:⁠11-16 ንየሱስ ናይ መላእኽቲ ሰራዊት መሪሑ እናጋለበ ዝወጽእ: ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ኣምላኽ ድማ ጥፍኣት ዘውርድ ብርቱዕ መሲሓዊ ንጉስ ገይራ ኢያ እትጠቕሶ። ዳንኤል 12:⁠1 ከምዚ ብምባል ትቕጽል:- “ሽዑ ዘመን ጸበባ ኪኸውን እዩ: ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን።” ክርስቶስ ከም ናይ የሆዋ ቀንዲ ፈጻም ፍርዲ ዀይኑ ኣብ ግዜ እቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” (NW  ) ኣብ ልዕሊ ብምልኡ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ጥፍኣት ከውርድ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠21፣ ኤርምያስ 25:⁠33፣ 2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-8፣ ራእይ 7:⁠14፣ 16:⁠14, 16

7. (ሀ) ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ዘመን ጸበባ” ንዅሎም እቶም እሙናት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) መጽሓፍ የሆዋ እንታይ ኢዩ: ስምካ ኣብኡ ክርከብ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 እቶም እምነት ዘለዎም ሰባት ነቲ ኣጨናቒ ግዜ ብኸመይ ኢዮም ክሓልፍዎ፧ ዳንኤል ብተወሳኺ “በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ: ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኽበ ዘበለ: ኪድሕን እዩ” ተባህለ። (ምስ ሉቃስ 21:⁠34-36 ኣረኣእዮ።) እዚ መጽሓፍ እዚ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ነቶም ፍቓዱ ዝገብሩ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዝክሮም ዘመልክት ኢዩ። (ሚልክያስ 3:⁠16፣ እብራውያን 6:⁠10) እቶም ኣብዚ መጽሓፍ ህይወት እዚ ተመዝጊቦም ዘለዉ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ እቶም ዝያዳ ድሕንነት ዝስምዖም ሰባት ኢዮም: ከመይሲ መለኮታዊ ዕቝባ ኣለዎም። ኣብ ልዕሊኦም ዝዀነ ይኹን ጕድኣት እንተ ወረደ እኳ ክዕረ ይከኣል ኢዩ: ክዕረ ኸኣ ኢዩ። ቅድሚ እዚ መጻኢ “ዘመን ጸበባ” እንተ ሞቱ እውን ከይተረፈ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ መዘከርታ የሆዋ ስለ ዘለዉ ዕቝባ ኣለዎም። ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ እውን ክዝክሮምን ከተንስኦምን ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15፣ ራእይ 20:⁠4-6

እቶም ቅዱሳት ‘ይበራበሩ’

8. ዳንኤል 12:⁠2 እንታይ ባህ ዘብል ተስፋ ኢያ እትህብ፧

8 ተስፋ ትንሳኤ ብሓቂ ዘጸናንዕ ኢዩ። ዳንኤል 12:⁠2 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ትጠቅስ:- “ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት: ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት: ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም።” (ምስ ኢሳይያስ 26:⁠19 ኣረኣእዮ።) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ የሱስ ክርስቶስ ብሓፈሻ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝሃቦ መንፈስካ ዘነቓቕሕ ተስፋ የዘኻኽራና ኢየን። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) ኣየ ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል ተስፋ ኰን ኢዩ! ሕስብ እሞ ኣብሎ: ሞይቶም ዘለዉ እትፈትዎም ብጾትካን ስድራ​ቤትካን ኣብ መጻኢ እንደገና ንኽነብሩ ዕድል ክወሃቦም ኢዩ! ይኹን እምበር እዚ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሱ ዘሎ መብጽዓ ብቐንዱ ንኻልእ ዓይነት ትንሳኤ​—⁠ድሮ ንእተፈጸመ ትንሳኤ​—⁠ዘመልክት ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧

9. (ሀ) ዳንኤል 12:⁠2 ፍጻሜኣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢያ እትረክብ ኢልካ ምጽባይ ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እዛ ትንቢት እዚኣ ነየናይ ዓይነት ትንሳኤ ኢያ እተመልክት: ከመይ ገይርናኸ ንፈልጥ፧

9 ነቲ ትሕዝቶ ርኣዮ። ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናዮ እታ ቀዳመይቲ ቍጽሪ ናይ ምዕራፍ 12 ንመወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ንብምሉኡ ዳሕሮት መዓልትታት እተመልክት ኢያ። አረ ዝበዝሕ ክፋል ናይታ ምዕራፍ ኣብ መጻኢ ኣብ እትህሉ ምድራዊት ገነት ዘይኰነስ ኣብ ግዜ መወዳእታ ዝፍጸም ኢዩ። ኣብዚ ዘመን መወዳእታ እዚ ትንሳኤ ነይሩዶ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ናይቶም “ናይ ክርስቶስ” ክዛረብ ከሎ ኣብ ግዜ “ህላወ ” (NW  ) ከም ዝኸውን ኢዩ ሓቢሩ። ይኹን እምበር: እቶም ንሰማያዊ ህይወት ዝትንስኡ ሰባት ‘ዘይሓልፍ’ ህይወት ሒዞም ኢዮም ዝትንስኡ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠23, 52) ዋላ ሓደ ካብዚኣቶም ናብቲ ኣብ ዳንኤል 12:⁠2 ተጠቒሱ ዘሎ ማለት “ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን” ዝትንስእ የለን። ካልእ ዓይነት ትንሳኤ ኣሎዶ ኢዩ፧ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንሳኤ መንፈሳዊ ትርጕም ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ትንቢት ህዝቅኤልን ራእይ ዮሃንስን ንመንፈሳዊ ምሕዳስ ወይ ምትንሳእ ዘመልክት ትንቢታዊ መልእኽቲ ሒዘን ኣለዋ።​—⁠ህዝቅኤል 37:⁠1-14፣ ራእይ 11:⁠3, 7, 11

10. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ተረፍ ኣብቲ ግዜ መወዳእታ ዝተንስኡ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ገለ ካብቶም ቅቡኣት ‘ናብ ሕፍረትን ዘለኣለማዊ ነውርን’ ዝተንስኡ ብኸመይ ኢዮም፧

10 ኣብ ግዜ መወዳእታ ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምሕዳስ ኣጋጢምዎምዶ ኢዩ፧ እወ: ኣጋጢምዎም ኢዩ! ነቶም ውሑዳት ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ኣብ 1918 ነቲ ብጥርኑፍ መገዲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ህዝባዊ ምስክርነት ዝዘርግ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶም ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ። ድሕርዚ ዋላ እኳ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝመስል እንተነበረ ኣብ 1919 ብመንፈሳዊ መገዲ ህያዋን ኰኑ። እዚ ሓቅታት እዚ ምስቲ ኣብ ዳንኤል 12:⁠2 ዘሎ ብዛዕባ ትንሳኤ እተዋህበ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እትን ድሕሪኡን ገሊኦም ብመንፈሳዊ መገዲ ‘ተበራቢሮም’ ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ መንፈሳዊ ኵነታት ህያዋን ኰይኖም ዝቐጸሉ ኵሎም ኣይኰኑን። እቶም ምስ ተበራበሩ እውን ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ክነጽግዎ ዝመረጹን ንኣምላኽ ምግልጋል ዘቋረጹን ከምቲ ኣብ ዳንኤል 12:⁠2 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ሕፍረትን ዘለኣለማዊ ነውርን’ ኣጋጢምዎም ኢዩ። (እብራውያን 6:⁠4-6) እቶም እሙናት ቅቡኣት ግን ነቲ እተሓደሰ መንፈሳዊ ኵነታቶም ብግቡእ ተጠቒሞምሉ: ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ከኣ ብተኣማንነት ደጊፎምዎ ኢዮም። እቲ ትንቢት ከም ዝገልጾ እቲ ተኣማንነቶም ልዕሊ ዅሉ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት” መሪሕዎም ኢዩ። ሕጂ እውን ምጽራር እናሃለወ ብመንፈስ ህያዋን ምዃኖም ነዞም ሰባት እዚኣቶም ከም እነለልዮም ዝገብረና ኢዩ።

‘ከም ከዋኽብቲ ክበርሁ ኢዮም’

11. ሎሚ “ጠቢባን” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም: ብኸመይ ዝበለ መገዲኸ ኢዮም ከም ከዋኽብቲ ዝበርሁ፧

11 እተን ቀጺለን ዘለዋ ክልተ ቍጽርታት ናይ ዳንኤል ምዕራፍ 12 ነቶም ‘ናይቲ ልዑል ቅዱሳን’ ንኸነለልዮም ኣጸቢቐን ይሕግዛና ኢየን። ኣብ ቍጽሪ 3 እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ከምዚ ኢሉ ይነግሮ:- “እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር: እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ኪበርሁ እዮም።” ሎሚ “ጠቢባን” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም፧ ሕጂ እውን እቲ መርትዖ እቶም ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናዮም ‘ናይቲ ልዑል ቅዱሳን’ ምዃኖም ኢዩ ዝሕብር። ደሓር ከኣ ብዘይ​ካ እቶም እሙናት ቅቡኣት ተረፍ ሚካኤል: እቲ ዓቢ መስፍን ኣብ 1914 ከም ንጉስ ኰይኑ ከም ዝተንስአ ዝፈልጥ መን ኣሎ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት ብምስባኽን ክርስትያናዊ ኣካይዳኦም ብምጽባቕን ኣብዛ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘላ ዓለም ‘ከም ብርሃናት ኣብሪሆም’ ኢዮም። (ፊልጲ 2:⁠15፣ ዮሃንስ 8:⁠12) ብዛዕባኦም የሱስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም።”​—⁠ማቴዎስ 13:⁠43

12. (ሀ) ኣብ ግዜ መወዳእታ እቶም ቅቡኣት ‘ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ኣብ ምምራሕ’ እተኻፈሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዝመርሑ ከምኡውን ‘ከም ከዋኽብቲ ዝበርሁ’ ብኸመይ ኢዮም፧

12 ዳንኤል 12:⁠3 እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክሰርሑ ምዃኖም እውን ከይተረፈ ትነግረና ኢያ። ‘ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ክመርሑ’ ኢዮም። እቶም ቅቡኣት ተረፍ ነቶም ምስ ክርስቶስ ክነግሱ ዘለዎም ተረፍ ናይቶም 144,000 ምእካብ ጀመሩ። (ሮሜ 8:⁠16, 17፣ ራእይ 7:⁠3, 4) እቲ ስራሕ ኣብ መፋርቕ ናይ 1930ታት ምስ ተወድአ ነቶም “ዓቢ ጭፍራ” (NW  ) ናይቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ክእክቡ ጀመሩ። (ራእይ 7:⁠9፣ ዮሃንስ 10:⁠16) እዚኣቶም እውን ኣብቲ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ክርስቶስ እምነት ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽፉፍ ኣቕዋም ኢዩ ዘለዎም። ሕጂ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ክዀኑ ኸለዉ: ነቲ ካብ ጥፍኣት ናይዛ እክይቲ ዓለም ንኽድሕኑ ዘለዎም ተስፋ ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት: የሱስን እቶም 144,000 ሰዓብቱ ነገስታትን ካህናትን ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እዙዛት ደቅሰብ ካብቲ በጅነት ምሉእ ጥቕሚ ከም ዝረኽቡ ክገብርዎም ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም እምነት ዘለዎም ንነፍሲ ወከፍ ካብ ኣዳም ንዝወረስዎ ኣሰር ሓጢኣት ንኸሰንፍዎ ክሕግዝዎም ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13፣ ራእይ 7:⁠13, 14፣ 20:⁠5, 6) ሽዑ እቶም ቅቡኣት ምሉእ ብምሉእ ‘ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ክመርሑ’ ከምኡውን ኣብ ሰማይ ‘ከም ከዋኽብቲ ክበርሁ’ ኢዮም። ነቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ክቡር ዝዀነ ሰማያዊ ምምሕዳር ክርስቶስን መጋዝእቱን ንኽትነብር ዘሎካ ተስፋ ኣኽቢርካ ትርእዮዶ ኢኻ፧ ነዚ ብስራት መንግስቲ እዚ ንምስባኽ ምስቶም “ቅዱሳን” ክትሓብር ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

‘ክምርምሩ’ ኢዮም

13. እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ቃላት ተሓቲሙ ምስጢር ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

13 እቲ ካብ ዳንኤል 10:⁠20 ዝጅምር እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ዝነገሮ መልእኽቲ ሕጂ በዚ ዝስዕብ ልብኻ ዘምውቕ ቃላት ይድምድም:- “ንስኻ ግና: ኣታ ዳንኤል: ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላት እዚኤን ዕጸወን: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማ። ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም: ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።” (ዳንኤል 12:4) ካብቲ ዳንኤል ክጽሕፎ ብመንፈስ እተደረኸ መልእኽቲ መብዛሕትኡ ምስጢርን ሰባት ከም ዘይርድእዎ ኰይኑን ብርግጽ ተሓቲሙ ኢዩ ጸኒሑ። ዳንኤል ቀጺሉ “ኣነ ድማ ሰማዕኩ: ግናኸ ኣየስተውዐልኩን” ኢሉ ጸሓፈ። (ዳንኤል 12:⁠8) ስለዚ ኸኣ መጽሓፍ ዳንኤል ንብዙሕ ዘመናት ተሓቲማ ጸንሐት። ሕጂኸ፧

14. (ሀ) ኣብ “ዘመን መወዳእታ” እቶም ‘እተመራመሩ’ መን ኢዮም: ኣብ ምንታይከ ኢዮም እተመራመሩ፧ (ለ) የሆዋ ነዚ ‘ምርምር’ እዚ ከም ዝባረኾ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

14 ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል “ዘመን መወዳእታ” ተባሂሉ ዘሎ ግዜ ናይ ምንባር መሰል ረኺብና ኢና። ከምቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ብዙሓት እሙናት ሰባት ንቓል ኣምላኽ ‘መርሚሮምዎ’ ኢዮም። እቲ ውጽኢትከ፧ ብበረኸት የሆዋ ናይ ሓቂ ፍልጠት ኣዝዩ በዚሑ ኢዩ። እቶም እሙናት ቅቡኣት መሰኻኽር የሆዋ ወዲ ሰብ ኣብ 1914 ንጉስ ከም ዝዀነ: ንመንነት ናይቶም ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘለዉ ኣራዊት ንምልላይ: ብዛዕባ እቲ “ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር” መጠንቀቕታ ንምሃብ ዘኽእሎም ምስትውዓል ብምርካቦም ተባሪኾም ኢዮም። እዚ ግን ውሑዳት ኣብነታት ጥራይ ኢዩ። (ዳንኤል 11:⁠31) እዚ ኣኽል⁠-​ታርፍ ዝዀነ ፍልጠት እዚ ድማ ካልእ መለለዪ ምልክት ናይቶም ‘ናይ ልዑል ቅዱሳን’ ኢዩ። ዳንኤል ግን ካልእ መረጋገጺ እውን ተቐቢሉ ኢዩ።

‘ጨሪሶም ተሰብሩ’

15. ሕጂ በቲ መልኣኽ እንታይ ሕቶ ኢዩ እተሓተ: እዚ ሕቶ እዚኸ ብዛዕባ መን ኢዩ ዘዘኻኽረና፧

15 ከም እንዝክሮ ዳንኤል ነዚ ብመልኣኽ ኣቢሉ እተዋህቦ መልእኽቲ ኣብቲ ጢግሪስ እውን ተባሂሉ ዝፍለጥ “ዓብዪ ርባ” ሂዴቄል ከሎ ኢዩ ተቐቢልዎ። (ዳንኤል 10:⁠4) ሕጂ ኸኣ ኣብቲ ርባ እቲ ሰለስተ መላእኽቲ ይርኢ እሞ ከምዚ ይብል:- “ኣነ ዳንኤል ከኣ ጠመትኩ: እንሆውን: ክልተ ኻልኦት: እቲ ሓደ ኣብ ክነጀው ገምገም ርባ: እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ። ሓዲኦም ከኣ ነቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ: ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ: እዚ ዜስተንክር ነገር እዝስ መወዳእታኡ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ኢሉ ጠየቖ።” (ዳንኤል 12:⁠5, 6) ሕጂ እውን እታ ኣብዚ እቲ መልኣኽ ዘልዓላ ሕቶ ብዛዕባ እቶም ‘ናይቲ ልዑል ቅዱሳን’ ኢያ እተዘኻኽረና። ኣብ ምጅማር “ዘመን መወዳእታ” ማለት ኣብ 1914 መብጽዓታት ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ክንደይ ግዜ ይጸንሕ ይኸውን ብዝብል ሕቶ ኣጸቢቖም ተጨኒቖም ነይሮም ኢዮም። ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ እተዋህበ መልሲ እቶም ቅዱሳን ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ትንቢት እዚ ምዃኖም ግልጺ ኰነ።

16. እቲ መልኣኽ እንታይ ትንቢት ኢዩ እተዛረበ: ርግጽ ከም ዝፍጸምከ ብምንታይ ኢዩ ዘጕልሐ፧

16 ጸብጻብ ዳንኤል ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ: ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዐለ እሞ: ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ: ነቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ: ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ: ኢሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕክዎ።” (ዳንኤል 12:⁠7) እዚ ረዚን ዝዀነ ጕዳይ ኢዩ። እቲ መልኣኽ ክምሕል ከሎ ንኽልቲኡ ኣእዳዉ ንላዕሊ ኣበሎ: እዚ ኸኣ ምናልባት እቶም ብኽልተ ወገን ናይቲ ገፊሕ ርባ ዝነበሩ ክልተ መላእኽቲ ምእንቲ ክርእይዎ ኢሉ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ትንቢት ከም ዝፍጸም ምሉእ ብምሉእ ርግጽ ምዃኑ ድማ ኣጕልሐ። እዘን ምዱባት ግዜ መዓስ ኢየን፧ መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ከቢድ ገይርካ ትሓስቦ ትኸውን: እንተ​ዀነ ግን ከምኡ ኣይኰነን።

17. (ሀ) ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዳንኤል 7:​25፣ ዳንኤል 12:​7 ከምኡውን ራእይ 11:⁠3, 7, 9 ዘሎ ትንቢታት እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) እተን ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ክንደይ ኢዩ ንውሓተን፧

17 እዚ ትንቢት እዚ ምስ ካልእ ክልተ ትንቢታት ዝመሳሰል ኢዩ። ሓደ ኣብ ዳንኤል 7:⁠25 ዝርከብ ኣብ ምዕራፍ 9 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብ ራእይ 11:⁠3, 7, 9 ዝርከብ ኢዩ። ገለ ካብቲ ምምስሳላት ኣስተብህለሉ። ክልቲኡ ትንቢታት ኣብ ግዜ መወዳእታ ዝፍጸም ኢዩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ቅዱሳን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስደት ከም ዝወርድ ከምኡውን ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝገብርዎ ስብከት ንግዜኡ ክፍጽሙሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ከም ዝበጽሑ ዝገልጽ ኢዩ። ክልቲኡ ትንቢት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝትንስኡን ስርሖም እንደገና ከም ዝጅምሩን: ኣብ ልዕሊ እቶም ስደት ዘውረዱሎም ከኣ ከም ዝዕወቱን የርኢ። ክልቲኡ ትንቢት ኣብ ልዕሊ እቶም ቅዱሳን ዝወርድ ስደት ንኽንደይ ግዜ ከም ዝጸንሕ ይሕብር። ኣብ ዳንኤል ዘሎ ክልቲኡ ትንቢታት (7:⁠25 ከምኡውን 12:⁠7) “ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን” ይጠቅስ። ምሁራት ብሓፈሻ እዚ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ምዃኑ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ራእይ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ዝብል ኣገላልጻ 42 ኣዋርሕ ወይ 1,260 መዓልትታት ምዃኑ ትገልጽ። (ራእይ 11:⁠2, 3) እዚ ኸኣ እተን ኣብ ዳንኤል ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ነፍሲ ወከፈን 360 መዓልትታት ዝሓዛ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ከም ዝዀና ዘረጋግጽ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እዘን 1,260 መዓልትታት መዓስ ኢየን ጀሚረን፧

18. (ሀ) ብመሰረት ዳንኤል 12:​7 መወዳእታ ናይተን 1,260 መዓልትታት ዘመልክት ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) “ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ” ኣብ መወዳእታ ጨሪሱ እተሰባበረ መዓስ ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝዀነ፧ (ሐ) እተን 1,260 መዓልትታት መዓስ ኢየን ጀሚረን: ኣብቲ ግዜ እቲኸ እቶም ቅቡኣት ‘ወጮ ተኸዲኖም እተነበዩ’ ብኸመይ ኢዮም፧

18 እተን 1,260 መዓልትታት መዓስ ከም ዝውድኣ እቲ ትንቢት ኣነጺሩ ኢዩ ገሊጹ። ‘ንሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ’ ኢየን ዝውድኣ። ኣብ መፋርቕ ናይ 1918 ነቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ፕረዚደንት ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እውን ወሲኽካ እቶም ቀንዲ ኣባላት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ብናይ ሓሶት ክሲ ከም ገበነኛታት ተቘጺሮም ንነዊሕ ግዜ ክሕየሩ ተፈርዱ እሞ ተኣስሩ። እቶም ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን ስርሖም ‘ጨሪሱ ተሰብረ:’ ሓይሎም ድማ ተጨፍለቐ። ካብ መፋርቕ 1918 ጀሚርና ንድሕሪት ገጽና ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ እንቘጽር ኣብ መወዳእታ ናይ 1914 ኢዩ ዘብጽሓና። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ውሑዳት ዝነበሩ ቅቡኣት ነቲ ክወርዶም ዝነበሮ ብርቱዕ ስደት ንኽዋጽእሉ ሕቖኦም ይዕጠቑ ነበሩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተጀመረ: ንዕይኦም ዘጋጥሞ ዝነበረ ምጽራር ድማ በርትዐ። ናይ 1915 ናይ ዓመት ጥቕሲ ኣብታ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሓተታ “እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧” እትብል ሕቶ ከም እትምርኰስ ገበርዋ። (ማቴዎስ 20:⁠22) ኣብ ራእይ 11:⁠3 ብትንቢት ተገሊጹ ከም ዝነበረ እተን 1,260 መዓልትታት ነቶም ቅቡኣት ናይ ሓዘን ግዜ ኢየን ነይረን። ልክዕ ወጮ ተኸዲኖም ይንበዩ ከም ዝነበሩ ኸኣ ኢዩ። ዝወርዶም ዝነበረ ስደት በርትዐ። ገሊኦም ተኣስሩ: ገሊኦም ናዕቢ ተላዕሎም: ካልኦት ከኣ ተሳቐዩ። ብዙሓት እቲ ናይ ማሕበር ቀዳማይ ፕረዚደንት ዝነበረ ሲ. ቲ. ራስል ኣብ 1916 ምስ ሞተ ኣዝዮም ሓዘኑ። ይኹን እምበር: እቲ ኣጨናቒ ዝነበረ ዘመን ብቕትለት እቶም ኣባላት ናይዛ ናይ ስብከት ማሕበር ዝነበሩ ቅዱሳን ምስ ተወድአ እንታይ ከጋጥም ነበሮ፧

19. እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 ዘሎ ትንቢት እቶም ቅቡኣት ስቕ ዝብሉ ንነዊሕ ግዜ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጸልና ብኸመይ ኢዩ፧

19 እቲ ኣብ ራእይ 11:⁠3, 9, 11 ዘሎ ትንቢት እቶም ‘ክልተ መሰኻኽር’ ምስ ተቐትሉ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ማለት ንሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ከም ዝሞቱ ድሕሪኡ ግን ከም ዝትንስኡ የርኢ። እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 12 ዘሎ ትንቢት እውን ብተመሳሳሊ እቶም ቅዱሳን ብእኡ ገይሮም ከም ዘይተርፉ: ኣብ ክንድኡስ ብዙሕ ዕዮ ከም ዝጽበዮም ኢዩ ዝሕብር።

‘ጸርዮም: ጻዕድዮም: ከምኡውን ተዀሊዖም’

20. ብመሰረት ዳንኤል 12:​10 እቶም ቅቡኣት ከቢድ ተመክሮታት ምስ ኣሕለፉ እንታይ በረኸታት ክረኽቡ ነበሮም፧

20 ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ ዳንኤል ነዚ ነገራት እዚ እንተ ጸሓፎ እኳ ክርድኦ ኣይከኣለን። አረ “መወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ምሕታቱ እቶም ቅዱሳን ብኢድ እቶም ስደት ዘውርዱሎም ዝነበሩ ይጠፍኡ ደዀን ይዀኑ ኢሉ ይግረም ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። እቲ መልኣኽ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ዳንኤለየ: እዚ ቓላት እዚ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ: ኪድ ደኣ። ብዙሓት ኪጸርዩ: ኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም: እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር: ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።” (ዳንኤል 12:⁠8-10) ነቶም ቅዱሳን ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ነይርዎም ኢዩ! ኣብ ክንዲ ጠሪሶም ዝጠፍኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ጽፉፍ ኣቕዋም ምእንቲ ክህልዎም ክጽዕድዉ ነበሮም። (ሚልክያስ 3:⁠1-3) እቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘጥረይዎ ምስትውዓል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ንኽዀኑ ከኽእሎም ነበሮ። ኣንጻር ናይዚ እቶም እኩያት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምስትውዓል ክኣብዩ ነበሮም። እዚ ዅሉ ግን መዓስ ኢዩ ክኸውን ዝነበሮ፧

21. (ሀ) እቲ ኣብ ዳንኤል 12:11 ኣቐዲሙ እተነግረ ግዜ እንታይ ኵነታት ምስ ተራእየ ኢዩ ዝጅምር፧ (ለ) እቲ “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ” እንታይ ኢዩ: መዓስከ ኢዩ እተወገደ፧ (ነቲ ኣብ ገጽ 298 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

21 ዳንኤል ከምዚ ተባህለሉ:- “ካብቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቘመሉን ዘመን ጀሚሩ: ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ።” እዚ ግዜ እዚ ዝጅምር እምበኣር ገለ ኵነታት ምስ ተፈጸመ ኢዩ። “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ” ወይ “ቀጻሊ ዝቐርብ መስዋእቲ” a ክውገድ ነበሮ። (ዳንኤል 12:⁠11 NW እግረ-ጽሑፍ) እዚ መልኣኽ ነየናይ መስዋእቲ ማለቱ ኢዩ፧ ነቲ ኣብ ምድራዊት ቤት መቕደስ ዝቐርብ መስዋእቲ እንስሳታት ማለቱ ኣይኰነን። ከመይሲ እታ ሓደ ግዜ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ እውን ከይተረፈት “ምስሊ ሓቂ” ናይታ ክርስቶስ ኣብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ሊቀ⁠-​ኻህናት ምስ ኰነ ክትሰርሕ ዝጀመረት ናይ የሆዋ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኢያ ነይራ! ኣብዛ ነቲ ኣምላኽ ንሓቀኛ ኣምልኾ ዝገበሮ ምድላው እተመልክት መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ቀጻሊ ዝዀነ መስዋእቲ ሓጢኣት ምቕራብ ኣየድልን ኢዩ: ከመይሲ ‘ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዝጽበይዎ ሓንሳእ ተሰዊኡ ኢዩ።’ (እብራውያን 9:⁠24-28) እንተ​ዀነ ግን ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብዛ ቤት መቕደስ እዚኣ መስዋእቲ የቕርቡ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እምብኣርስ ብእኡ [ብክርስቶስ] ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ።” (እብራውያን 13:⁠15) ስለዚ እዚ ቀዳማይ ኵነታት ናይቲ ትንቢት ማለት ምውጋድ “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ” ኣብ መፋርቕ 1918 እቲ ናይ ስብከት ንጥፈት ንግዜኡ ደው ምስ በለ ኢዩ ተፈጺሙ።

22. (ሀ) እቲ ዜጥፍእ “ፍንፉን ነገር” እንታይ ኢዩ: መዓስከ ኢዩ ዝቘመ፧ (ለ) እቲ ኣብ ዳንኤል 12:11 ተነጊሩ ዘሎ ናይ ግዜ ንውሓት መዓስ ኢዩ ዝጀመረ: መዓስከ ኢዩ እተወደአ፧

22 ብዛዕባ እቲ ኻልኣይ ኵነታት ማለት ‘ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቘመሉ’ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ ንዳንኤል 11:⁠31 ክንመያየጠላ ኸሎና ከም ዝረኣናዮ እቲ ፍንፉን ነገር መጀመርታ እተኣሳሰራ መንግስታት ጸኒሑ ኸኣ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ኢዩ ተቐልቂሉ። ክልቲአን እዘን ማሕበራት እዚኣተን ኣብ ምድሪ ሰላም ዘምጽኣ እንኮ ተስፋ ኰይነን ስለ እተራእያ ዘፈንፍና ኢየን። ስለዚ ኸኣ እዘን ክልተ ማሕበራት እዚኣተን ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ሰባት ዝነበራ ቦታ ተኪአንኦ ኢየን! እተኣሳሰራ መንግስታት ብወግዒ ዝቘመት ኣብ ጥሪ 1919 ኢያ። ስለዚ ኣብቲ ግዜ እቲ: ክልቲኡ እቲ ኣብ ዳንኤል 12:⁠11 ተጠቒሱ ዘሎ ኵነታት ተጋጠመ። እምበኣር እተን 1,290 መዓልትታት ኣብ መጀመርታ ክፋል ናይ 1919 ጀሚረን ክሳዕ ናይ 1922 ሓጋይ (ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ዓለም) ዘሎ ግዜ ዝዝርጋሓ ኢየን ነይረን።

23. ኣብ እዋን ናይተን ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 12 ተነጊረን ዘለዋ 1,290 መዓልትታት እቶም ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን ጽሩይ ኣቃውማ ናብ ምሓዝ ገጾም ዝኸዱ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧

23 ኣብ እዋን እዘን መዓልትታት እዚኣተን እቶም ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻዕድዮምን ነጺሆምን ንኽርኣዩ ለውጥታት ይገብሩዶ ነይሮም ኢዮም፧ እወ: ብርግጽ! ኣብ መጋቢት 1919 እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንትን ናይ ቀረባ መሳርሕቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጹ። ጸኒሖም ድማ ካብቲ ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክሲ ናጻ ዀኑ። ዕዮኦም ፈጺሙ ከም ዘይተወድአ ብምግንዛብ ብኡንብኡ ነቲ ኣብ መስከረም 1919 ክግበር ዝነበሮ ዓቢ ኣኼባ ንምድላው ብስራሕ ትሑዛት ኰኑ። ኣብታ ዓመት እቲኣ እቲ ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብጻዩ ዝዀነ መጽሔት ተሓትመ። ኣብ መጀመርታ ወርቃዊ መዋእል (ሕጂ ንቕሑ!) ተባሂሉ ተጸውዐ። ኵሉ ግዜ ኸኣ ብትብዓት ንብልሽውና ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ምቅላዕን ንህዝቢ ኣምላኽ ጽፉፋት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ኣብ ምሕጋዝን ንግምቢ ዘብዐኛ ዝድግፍ ኢዩ። እተን ብትንቢት እተነግራ 1,290 መዓልትታት ክውድኣ ኸለዋ እቶም ቅዱሳን ጽፉፍን እተሓደሰን ኣቕዋም ኣብ ምሓዝ ገጾም ኢዮም ዝኸዱ ነይሮም። ልክዕ ኣብቲ እተን 1,290 መዓልትታት እተወድኣሉ መስከረም 1922 ኣብ ሴዳር ፖይንት ኣሃዮ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ጕሉሕ ዝዀነ ዓቢ ኣኼባ ገበሩ። እዚ ኸኣ ኣብ ዕዮ ስብከት ዓቢ ድፍኢት ገበረ። ይኹን እምበር: ተወሳኺ ለውጥታት ምግባር ገና የድሊ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ቀጺሉ ዝህሉ ፍሉይ ግዜ ክኸውን ዝነበሮ ኢዩ።

ሓጐስ ነቶም ቅዱሳን

24, 25. (ሀ) እንታይ ናይ ግዜ ንውሓት ኢዩ ኣብ ዳንኤል 12:​12 ኣቐዲሙ እተነግረ: መዓስ ጀሚሩ መዓስከ ኢዩ ዝወድአ፧ (ለ) ኣብ ምጅማር ናይተን 1,335 መዓልትታት መንፈሳዊ ኵነታት ናይቶም ቅቡኣት ተረፍ ከመይ ነበረ፧

24 እቲ መልኣኽ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ቅዱሳን እተዛረቦ ትንቢት በዚ ዝስዕብ ቃላት ይዛዝሞ:- “እቲ ዚጽበን: ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዚበጽሕን ብጹእ እዩ።” (ዳንኤል 12:⁠12) እዘን እተጠቕሳ ግዜ እዚኣተን መዓስ ከም ዝጅምራ ይኹን መዓስ ከም ዝውድኣ እቲ መልኣኽ ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ኣይሃበን። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ግን እዘን ግዜ እዚአን ደድሕሪ እተን ቅድሚአን ዝነበራ ውሱናት ግዜ ዝመጻ ኢየን። ከምኡ እንተ​ድኣ ዀይኑ ካብ ሓጋይ ናይ 1922 ክሳዕ ዳሕረዋይ ክፋል ጽድያ (ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ዓለም) ናይ 1926 ዘለዋ ግዜ ኢየን ማለት ኢዩ። ኣብ ምውዳእ ናይዘን እተጠቕሳ ግዜ እቶም ቅዱሳን ኣብ ናይ ሓጐስ ግዜዶ ኢዮም ነይሮም፧ እወ: ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ዝፍጸመሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ።

25 ድሕሪ እቲ ኣብ 1922 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ (ኣብ ገጽ 302 ዘሎ ስእሊ) እውን ከይተረፈ ገለ ካብቶም ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን ንድሕሪት ብምጥማት ንዝሓለፈ ነገራት ይናፍቑ ነበሩ። ናይቲ ኣብ ኣኼባታቶም ዘጽንዕዎ ጽሑፋት መሰረት መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ብሲ. ቲ. ራስል እተዳለወ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ዘርእስቱ ጥራዛትን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ 1925 ትንሳኤ ዝጅምረላ: ገነት ከኣ ናብ ምድሪ እትምለሰላ ዓመት ገይርካ ናይ ምውሳድ ሰፊሕ ኣረኣእያ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ብዙሓት ኣብ ኣእምሮኦም ውሱን ዝዀነ ዕለት ሒዞም ኢዮም ዘገልግሉ ነይሮም። ገሊኦም ብትዕቢት ኣብቲ ህዝባዊ ስብከት ምክፋል ኣብዮም ነበሩ። እዚ ኸኣ ዘሐጕስ ኵነታት ኣይነበረን።

26. ኣብ እዋን እተን 1,335 መዓልትታት እቲ መንፈሳዊ ኵነታት ናይቶም ቅቡኣት ብኸመይ ኢዩ እተቐየረ፧

26 ይኹን እምበር: ኣብ እዋን እተን 1,335 መዓልትታት ኵሉ ነገራት ክቕየር ጀመረ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈል ምድላዋት ምስ ተገብረ ስብከት ክጐልሕ ጀመረ። ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንኽጽናዕ ኣኼባታት ተመደበ። ናይ 1 መጋቢት 1925 ሕታም (እንግሊዝኛ) “ምውላድ ናይቲ ህዝቢ” ዝብል ታሪኻዊ ኣርእስቲ ሒዛ ወጸት። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ካብ 1914-19 ኣብ ዝነበረ ግዜ እተፈጸመ ኵነታት ህዝቢ ኣምላኽ ምሉእ ዝዀነ ምርዳእ ከም ዝረኽቡ ገበረ። ዓመት 1925 ምስ ሓለፈት እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣእምሮኻ ውስንቲ ዓመት ሒዝካ ምግልጋል ገደፍዎ። ልዕሊ ዅሉ ዝስራዕ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ምዃኑ ተረድኡ። እዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ኸኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ንላዕሊ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1926 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ንየሆዋ ዘኽብሮ መን ኢዩ፧” ኣብ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ጐልሐ። ኣብቲ ኣብ ግንቦት 1926 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ደሊቨረንስ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ወጸት። (ገጽ 302 ርአ።) እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓንቲ ካብተን ንስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃላ ጥራዛት ንኽትክኣ እተዳለዋ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ኢያ። እቶም ቅዱሳን ካብኡ ንነጀው ንድሕሪት ኣይጠመቱን። ንመጻእን ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ስራሕን ብምትእምማን ኣማዕድዮም ይርእይዎ ነበሩ። ስለዚ እምበኣር: ከምቲ ብትንቢት እተነግረ እተን 1,335 መዓልትታት ነቶም ቅዱሳን ብዘሐጕስ ኣገባብ ኢየን ተወዲአን።

27. ንዳንኤል ምዕራፍ 12 ብሓፈሻ ክንርእያ ኸሎና ነቶም ናይ የሆዋ ቅቡኣት ብልክዕ ከነለልዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

27 ልክዕ ኢዩ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ኵሎም ኣይኰኑን ተጸሚሞም። እቲ መልኣኽ ‘ምጽባይ’ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሓሉ ምኽንያት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እቶም እተጸመሙን እተጸበዩን ብዙሕ በረኸት ረኺቦም ኢዮም። ንዳንኤል ምዕራፍ 12 ብሓፈሻ ምምርማር ነዚ ንጹር ይገብሮ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ እቶም ቅቡኣት ብመንፈሳዊ መገዲ ተሓዲሶም ወይ ተንሲኦም ኢዮም። ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ ምስትውዓል ረኺቦም: ‘ክምርምርዎ’ ሓይሊ ተዋሂብዎም: ከምኡውን ነቲ ንመዋእላት ምስጢር ኰይኑ ዝጸንሐ ኽገልጹ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ኢዮም። የሆዋ ኣጽርይዎም: ብመንፈስ ከኣ ከም ከዋኽብቲ ኰይኖም ከም ዝበርሁ ገይርዎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንብዙሓት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ጻድቕ ዝዀነ ኣቃውማ ከም ዝህልዎም ገይሮምዎም ኢዮም።

28, 29. እቲ “ዘመን መወዳእታ” ክጽንቀቕ ከሎ እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጽነት ክንወስድ ዘሎና፧

28 ነቶም ‘ናይቲ ልዑል ቅዱሳን’ ከነለልየሉ እንኽእል እዚ ዅሉ ትንቢታዊ ምልክታት እናሃለወ ክነሱ ንኸይትፈልጦምን ምስኦም ንኸይትሓብርን ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል እንታይ ኣሎ፧ ነቶም ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ምስቶም ቍጽሮም እናጐደለ ዝኸይድ ዘሎ ቅቡኣት ክፍሊ ዝሓብሩ ዓቢ ጭፍራ ዘደንቕ በረኸት ይጽበዮም ኣሎ። ኵላትና ንፍጻሜ መብጽዓታት ኣምላኽ ምጽባይ ክንቅጽል ኣሎና። (ኣንባቆም 2:⁠3) ኣብዚ ግዜና ሚካኤል እቲ ዓቢ መስፍን ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዝትንስእ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ድሕሪ ቐረባ እዋን ድማ ከም ፈጻሚ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣገባብ እዚ ዝወርድ መለኮታዊ ፍርዲ ኰይኑ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። ከምኡ ኽገብር ከሎ ብወገን መን ኢና ክንጸንሕ፧

29 መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ሕጂ ንጽህናና ኣብ ምሕላውን ዘይምሕላውን እተመርኰሰ ኢዩ። “ዘመን መወዳእታ” እናተጸንቀቐ ክኸይድ ከሎ ንጽህናና ንኽንሕሉ ዘሎና ቈራጽነት ንምሕያል ነታ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘላ ናይ መወዳእታ ቍጽሪ ንመርምራ። ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ምዕራፍ ብዛዕባ እታ ቝጽሪ እቲኣ ኣብ እንገብሮ ምይይጥ: ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ከመይ ዝበለ ኣቕዋም ከም ዝነበሮ ከምኡውን ኣብ መጻኢ ከመይ ዝኣመሰለ ኣቕዋም ከም ዝህልዎ ንኽንርዳእ ክንሕገዝ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት “እቲ መስዋእቲ” ጥራይ ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

ኣበየናይ ግዜ ኢዩ ሚካኤል ኣብ ክንዲ ህዝቡ ‘ዝተንስአ:’ ኣብ መጻኢኸ መዓስን ብኸመይን ኢዩ “ኪትንስእ”፧

ዳንኤል 12:⁠2 ነየናይ ዓይነት ትንሳኤ ኢያ እተመልክት፧

መጀመርታን መወዳእታን ናይዚ ዝስዕብ ግዜያት ዘመልክት ዕለታት መዓስ ኢዩ ነይሩ:-

ኣብ ዳንኤል 12:⁠7 ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን

አብ ዳንኤል 12:⁠11 ኣቐዲሙ እተነግረ 1,290 መዓልትታት

ኣብ ዳንኤል 12:⁠12 ብትንቢት ተነጊሩ ዘሎ 1,335 መዓልትታት

ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 12 ብምቕላብና ነቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ ከነለልዮም ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 298 ዘሎ ሳጹን]

ምውጋድ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ

እታ “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ” እትብል መግለጺት ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ሓሙሽተ ግዜ ኢያ እትርከብ። ነቲ ኣገልገልቱ ንየሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ዘቕርብሉ መስዋእቲ ምስጋና​—⁠“ፍረ ከናፍር”​—⁠ዘመልክት ከኣ ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠15) እዚ መስዋእቲ እዚ ክውገድ ምዃኑ ኣብ ዳንኤል 8:⁠11፣ 11:⁠31፣ ከምኡውን 12:⁠11 ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ።

ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ኣብ ግዝኣት “ንጉስ ሰሜን” ይኹን ግዝኣት ‘ንጉስ ደቡብ’ ንዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ብርቱዕ ስደት ይወርዶም ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 11:⁠14, 15) ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እቲ ዕዮ ስብከት ኣብ መፋርቕ ናይ 1918 ንግዜኡ ዳርጋ ኣብ ምቍራጽ ምስ በጽሐ: እቲ “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ” ተወገደ። (ዳንኤል 12:⁠7) ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን ብተመሳሳሊ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ነቲ “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ” ን2,300 መዓልትታት ‘ኣትሪፍዎ’ ነበረ። (ዳንኤል 8:⁠11-14፣ ምዕራፍ 10 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።) ‘ቀላጽም’ ናዚ እውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘይተጠቕሰ ንውሓት ግዜ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ወጊድዎ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 11:⁠31፣ ምዕራፍ 15 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።

[ኣብ ገጽ 301 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ትንቢታዊ ናይ ግዜ ንውሓት

ሸውዓተ ግዝያት (2,520 ዓመታት):- ካብ ጥቅምቲ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ

ዳንኤል 4:16, 25 ጥቅምቲ 1914 ከ.ኣ.ዘ.

(መሲሓዊት መንግስቲ ቈይማ።

ምዕራፍ 6 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።)

ሰለስተ ዘመንን ፈረቓንካብ ታሕሳስ 1914 ክሳዕ ሰነ 1918

(1,260 መዓልትታት):- (ቅቡኣት ክርስትያናት ተበሳቢሶም።

ዳንኤል 7:25፣ 12:7 ምዕራፍ 9 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።)

2,300 ለይትን ካብ 1 ወይ 15 ሰነ 1938 ክሳዕ

መዓልትን:- 8 ወይ 22 ጥቅምቲ 1944

ዳንኤል 8:​14 (“ዓቢ ጭፍራ” ተቐልቂሎም: በዚሖም።

ምዕራፍ 10 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።)

70 ሰሙናት (490 ዓመታት):- ካብ 455 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 36 ከ.ኣ.ዘ.

ዳንኤል 9:24-27 (ምምጻእ መሲሕን

ምድራዊ ኣገልግሎቱን። ምዕራፍ 11

ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።)

1,290 መዓልትታት:- ካብ ጥሪ 1919 ክሳዕ

ዳንኤል 12:11 መስከረም 1922

(ቅቡኣት ክርስትያናት ተበራቢሮም:

ብመንፈስ ከኣ ዓብዮም።)

1,335 መዓልትታት:- ካብ መስከረም 1922 ክሳዕ ግንቦት 1926

ዳንኤል 12:12 (ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ

ሐጕስ ኵነታት ይበጽሑ።)

[ኣብ ገጽ 287 ዘሎ ስእልታት]

ቀንዲ ኣገልገልቲ የሆዋ ፍትሓዊ ብዘይ​ኰነ መገዲ ናብቲ ኣብ ኣትላንታ: ጆርጅያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ዘሎ ፌደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ተወስዱ። ካብ ጸጋም ናብ የማን:- (ኮፍ ዝበሉ) ኤ. ኤች. ማክሚላን: ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ: ዳብሊው. ኢ. ቫን ኣምበርግ፣ (ደው ዝበሉ) ጂ. ኤች. ፊሸር: ኣር. ጀይ. ማርቲን: ጂ. ዲቼካ: ኤፍ. ኤች. ሮቢሶን: ከምኡውን ሲ. ጀይ. ዉድዎርዝ

[ኣብ ገጽ 299 ዘሎ ስእልታት]

ኣብ 1919 (ኣብ ላዕሊ ዘሎ) ከምኡውን 1922 (ኣብ ታሕቲ ዘሎ) ኣብ ሴዳር ፖይንት ኦሃዮ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ጕሉሕ ዝዀነ ዓበይቲ ኣኼባታት ተገብረ

[ኣብ ገጽ 302፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]