ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መቕድም

መቕድም

ክቡር ኣንባቢ፦

ናብ ኣምላኽ ዝቐረብካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ መብዛሕትኦም ሰባት እዚ ዘይከኣል ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ገሊኦም፡ ንሱ ኻባና ኣዝዩ ርሑቕ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፡ ካልኦት ከኣ ንምቕራቡ ብቕዓት ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ብፍቕሪ ይላበወና። (ያእቆብ 4:8) ኣምላኽ ከኣ ንኣምለኽቱ፡ “ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” በሎም።—ኢሳይያስ 41:13

ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቀረባ ርክብ ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዕርክነት ክንገብር ከለና፡ እቲ ርክብ ዝምስረት፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኣብ ዘሎና ፍልጠትን ነቲ ፍሉይ ባህርያቱ ኣብ እነርእዮ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ባህርያት ኣምላኽን መገድታቱን ከነጽንዖ ኣሎና። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ባህርዩ ብኸመይ ከም ዝገለጾ ምስትንታንና፡ የሱስ ክርስቶስ ብፍጹም መገዲ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቖ ምግንዛብና፡ ንሕና እውን ብኸመይ ከነማዕብሎ ኸም ዘሎና ምርዳእና ናብ ኣምላኽ ኬቕርበና እዩ። የሆዋ ልዑላዊ ገዛኢ ዩኒቨርስ ከም ዝዀነ፡ ነዚ እውን ብዓል መሰልን ኣጸቢቑ ብቑዕን ምዃኑ ኽንርኢ ኢና። ብዘይካ እዚ እውን ንዅላትና ዜድልየና ኣቦ እዩ። ሓያልን ፍትሓውን ጥበበኛን ፈቃርን ብምዃኑ ኸኣ ነቶም እሙናት ደቁ ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንየሆዋ ንዘለኣለም እናወደስካዮ ምእንቲ ኽትነብር፡ ብዝያዳ ናብኡ ኽትቀርብን ፈጺሙ ዘይብተኽ ነባሪ ዕርክነት ክትምስርትን ክትሕግዘካ ተስፋ ንገብር።

ኣሕተምቲ