ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 1

“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!”

“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!”

1, 2. (ሀ) ንኣምላኽ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትቶ እትደሊ፧ (ለ) ሙሴ ንኣምላኽ እንታይ ኢሉ እዩ ሓቲትዎ፧

 ምስ ኣምላኽ ክትዛራረብሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ልዑል ገዛኢ ዩኒቨርስ ኪዛረበካ ኢልካ ኽትሓስቦ ኸለኻ ጥራይ ዜፍርህ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጀመርታ ትጠራጠር ትኸውን፡ ጸኒሕካ ግና ተቢዕካ ትምልሰሉ። ጽን ኢሉ ይሰምዓካ፡ ይምልሰልካ፡ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ኸይተሰከፍካ ኽትሓትቶ እውን የተባብዓካ። እንታይ ሕቶ ኢኻ ኽትሓትቶ እትደሊ፧

2 ነዊሕ ዓመታት ይገብር ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ረኺቡ ነበረ። ስሙ ሙሴ ይብሃል። እቲ ንኣምላኽ ኪሓቶ ደልዩ ዝነበረ ሕቶ ኸይገረመካ ኣይተርፍን እዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ ብዛዕባ መጻኢ፡ ወይ እውን ብዛዕባ ሃለዋት ደቂ ሰብ ኣይኰነን ሓቲትዎ። ኣብ ክንዳኡስ ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ እዩ ሓቲቱ። ሙሴ ድሮ ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ ከምዚ ኢሉ ምሕታቱ ኸይደንጸወካ ኣይተርፍን እዩ። ስለዚ ሕቶኡ ዕምቝ ዝበለ ትርጉም ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። እወ፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣገዳስነት ዘለዋ ሕቶ እዩ ሓቲቱ። መልሲ እታ ሕቶ እቲኣ ንዅላትና ዚትንኪ እዩ። ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትቀርቦ፡ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኽትወስድ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ነቲ ኣገዳሲ ዝርርቦም ነቕልበሉ።

3, 4. ሙሴ ምስ ኣምላኽ ኪዘራረብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ናይቲ ዝርርቡ ፍረ ነገርከ እንታይ እዩ ነይሩ፧

3 ሙሴ ወዲ 80 ዓመት እዩ ነይሩ። ካብቶም ኣብ ግብጺ ኣብ ባርነት ዝነበሩ ኣሕዋቱ እስራኤላውያን ንኣርብዓ ዓመታት ዚኣክል ተፈልዩ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ መጓሰ ሓሙኡ እናጓሰየ ኸሎ፡ መስተንክር ትርኢት ረኣየ። ኣሻዅ ቈጥቋጥ ትነድድ ነበረት፣ እንተዀነ ግና፡ በቲ ሓዊ ኣይተበልዐትን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዚትከል መብራህቲ ብቐጻሊ ትነድድ ነበረት። ሙሴ እንታይ ምዃኑ ኺፈልጥ ቀረበ። ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ድምጺ ምስ ሰምዐ ኣየ ኽንደይ ኣሰምቢድዎ ኪኸውን ኣለዎ! ኣምላኽ ብሓደ መልኣኽ ኣቢሉ ምስ ሙሴ ነዊሕ ተዛራረበ። ከምቲ እትፈልጦ ኸኣ ኣምላኽ ነዚ ብፍርሂ ዜድሓርሕር ዝነበረ ሙሴ ሰላማዊ ናብራኡ ሓዲጉ ናብ ግብጺ ተመሊሱ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ኬውጽኦም ትእዛዝ ሃቦ።—ዘጸኣት 3:1-12

4 ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ሙሴ ንኣምላኽ፡ ዝደለዮ ሕቶ ኺሓትቶ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኺሓትት እዩ መሪጹ፦ “ናብ እስራኤላውያን ከይደ፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፡ ‘ስሙ መን እዩ፧’ እንተ ኢሎምኒ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧”—ዘጸኣት 3:13

5, 6. (ሀ) እቲ ሙሴ ዘቕረቦ ሕቶ እንታይ ቀሊልን ኣገዳስን ሓቂ እዩ ዚምህረና፧ (ለ) ብዛዕባ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እንታይ ዘይቅቡል ነገር እዩ እተገብረ፧ (ሐ) ኣምላኽ ስሙ ንደቂ ሰብ ምግላጹ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 እዛ ሕቶ እዚኣ ብቐዳምነት ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ትምህረና። ነዚ ሓቂ እዚ ኣፍኲስና ኽንርእዮ የብልናን። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ከምኡ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ካብ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉማት ተሓኺኹ፡ ብኸም እኒ “ጐይታ፡” “ኣምላኽ” ዚብል መዓርጋት ከኣ ተተኪኡ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ኻብቲ ብስም ሃይማኖት እተገብረ ኣዝዩ ዜጕህን ዘይቅቡልን ተግባር እዩ። ከመይሲ፡ ምስ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ሌላ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ስሙ ኽትፈልጦ ዜድልየካ ደይኰነን፧ ምስ ኣምላኽ እውን ከምኡ እዩ። ክትፈልጦ ወይ ክትርድኦ ዜሸግር ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚነብር ስም ዘይብሉ ኣካል ኣይኰነን። ሽሕ እኳ ዘይርአ እንተ ዀነ፡ ብሓቂ ግና ኣሎ፣ ንሱ ስም ኣለዎ፡ ስሙ ድማ የሆዋ እዩ።

6 ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ኣምላኽ ስሙ ኺገልጽ ከሎ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቑም ነገር ነይርዎ እዩ። ክንፈልጦ እዩ ዚዕድመና ዘሎ። ኣብ ህይወትና እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምርጫ ኽንገብር፡ ማለት ናብኡ ኽንቀርብ እዩ ዚደልየና። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ስሙ ኻብ ምንጋር ንላዕሊ እዩ ገይሩ። ብዛዕባ መንነቱ እውን ምሂሩና እዩ።

ትርጉም ስም ኣምላኽ

7. (ሀ) ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እንታይ ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ ጌርና ኢና እንርድኦ፧ (ለ) ሙሴ ንኣምላኽ፡ ስሙ ኺሓትቶ ኸሎ ብሓቂ እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዚደሊ ነይሩ፧

7 የሆዋ ንስሙ ባዕሉ እዩ መሪጽዎ፡ ሰፊሕ ትርጉም ከኣ እዩ ዘለዎ። “የሆዋ” ዚብል ስም፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ ጌርና ኢና እንርድኦ። ንዅሉ ነገራት ናብ ህልውና ዘምጽአ ንሱ ብምዃኑ፡ ኣብ ኵሉ ዩኒቨርስ ፍሉይ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኵሉ ዕላማታቱ ኸም ዚፍጸም ይገብር፡ ንዘይፍጹማት ሰብኣውያን ኣገልገልቱ እውን ዝደለዮ የዅኖም እዩ። እዚ ኸኣ ዜደንቕ እዩ። ትርጉም ስም ኣምላኽ ግና ነዚ ሓሳብ እዚ ጥራይ ዝሓዘ ድዩ፧ ሙሴ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዝያዳ ፍልጠት ኪረክብ እዩ ደልዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑን ስም ኣምላኽ መን ምዃኑን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስም ኣምላኽ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓድሽ ኣይነበረን። ሰባት ንዘመናት ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ሙሴ ስም ኣምላኽ ኪሓትት ከሎ ብዛዕባ ነቲ ስም እቲ ወኪልዎ ዘሎ ኣካል እዩ ዚሓትት ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ንህዝብኻ እስራኤል ኣባኻ ዘለዎም እምነት ኬደልድሉ ዚሕግዞም፡ ብሓቂ ኸተድሕኖም ምዃንካ ኸኣ ኬእምኖም ዚኽእል እንታይ ነገራት እየ ብዛዕባኻ ኽነግሮም፧’ እዩ ዚብል ነይሩ።

8, 9. (ሀ) የሆዋ ንሙሴ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሉ፧ እቲ ኣብ መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱሳት ዘሎ ትርጉም እቲ የሆዋ ዝሃቦ መልሲ ጌጋ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ” ዚብል ሓረግ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

8 የሆዋ ንሙሴ ምስ ትርጉም ስሙ እተተሓሓዘ ሓደ ዜደንቕ መዳይ ባህርያቱ ገለጸሉ። “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ” ኢሉ ኸኣ መለሰሉ። (ዘጸኣት 3:14) ኣብ መብዛሕትኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ” ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ብጥንቃቐ እተተርጐመ ትርጉማት ግና ኣምላኽ ህልውናኡ ጥራይ የረጋግጽ ከም ዘይነበረ እዩ ዜርኢ። የሆዋ ንሙሴ—ብሓፈሻ ድማ ንዅልና—ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምእንቲ ኺፍጽም፡ ከምቲ ዚድለ ‘ኪኸውን’ ምዃኑ እዩ ዚሕብሮ ነይሩ። ብጀይ. ቢ. ሮዘርሃርም እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ከምቲ ባህ ዚብለኒ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣነጺሩ ተርጒምዋ ኣሎ። ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተጻሕፈሉ እብራይስጢ ዜጽንዕ ምሁር ነታ ሓረግ እቲኣ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ፦ “ዝዀነ ይኹን ኵነታት ወይ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ . . . ኣምላኽ ነቲ ጸገም እቲ መፍትሒ ‘ኪኸውን’ እዩ።”

9 እዚ ንእስራኤላውያን እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ ኣብ ቅድሚኦም ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት የጋጥሞም ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት ይሃልዉ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኻብ ባርነት ኣውጺኡ ኣብታ ምድሪ ተስፋ ምእንቲ ኼእትዎም፡ ከምቲ ዚድለ ኪኸውን ነይርዎ ማለት እዩ። ብርግጽ እቲ ስም ኣብ ኣምላኽ ተኣማንነት ከም እተሕድር ዚገብር እዩ ነይሩ። ንዓና እውን ከምኡ ኺገብረልና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 9:10) ስለምንታይ፧

10, 11. የሆዋ በብዓይነቱ ዕዮ ንምዕያይ ምስ ኵነታት ዚኸይድ ምዃኑን ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣቦ ኸም ዝዀነን ጌርና ምእንቲ ኽንሓስቦ ስሙ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ መረዳእታ ሃብ።

10 ንመረዳእታ፡ ወለዲ ንደቆም ኪሓልዩ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ምስ ኵነታት ኪለዋወጡ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም። ወለዲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ከም ሓካይምን ከሸንትን መምህራንን ቀጻዕትን ፈረድትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ወለዲ በቲ ኪዀንዎ ትጽቢት ዚግበረሎም ብዙሕ ሓላፍነታት ዓቕሎም ይጸብቦም እዩ። ደቆም ምሉእ ትውክልቲ ኸም ዚገብሩሎም፡ ማለት ኣካላዊ ጕድኣት ኪበጽሖም ከሎ ኺፍውስዎም፡ ኪብኣሱ ኸለዉ ኼተዓርቕዎም፡ መጻወቲኦም ኪስበር ከሎ ኼዐርዩሎም፡ ንዝደንጸዎም እተፈላለየ ሕቶታት ኪምልሱሎም ትጽቢት ከም ዚገብሩሎም ይፈልጡ እዮም። ገሊኦም ወለዲ ነዚ ዅሉ ንምምላእ ዘይብቑዓት ኰይኑ እዩ ዚስምዖም፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ዓቕሞም ድሩት ብምዃኑ ተስፋ የቝርጾም እዩ።

11 የሆዋ እውን ፈቃር ወላዲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ፍጹም ስርዓታቱ ኸይጠሓሰ፡ ንምድራውያን ደቁ በቲ ዝሓሸ መገዲ ንምሕላይ ከምቲ ዚደልዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስሙ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣቦ ጌርና ኸም እንሓስቦ ይገብረና እዩ። (ያእቆብ 1:17) ሙሴን ካልኦት እሙናት እስራኤላውያንን የሆዋ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ ኸም ዚዓዪ ኣብ ህይወቶም ተመኪሮምዎ እዮም። ዘይሰዓር ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ጐይታ ዅሉ ተፈጥሮ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጋጊ፡ ፈራዲ፡ መሃንድስ፡ ወሃብ እኽለ ማይ፡ ዓቃቢ ኽዳንን ሳእንን፡ ከምኡ እውን ካልእ ኪኸውን ከሎ ብምግራም ርእዮምዎ እዮም።

12. ፈርኦን ብዛዕባ የሆዋ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ኻብ ናይ ሙሴ እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

12 ስለዚ፡ ኣምላኽ ብሕታዊ ስሙ ኸም ዚፍለጥ ገይሩ፡ ብዛዕባ መንነቱ ዜደንቕ ነገራት ገሊጹ፡ እቲ ዝገለጾ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ድማ ብተግባር ኣርእዩ እዩ። እወ፡ ኣምላኽ ክንፈልጦ ኸም ዚደልየና ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧ ሙሴ ንኣምላኽ ኪፈልጦ ደለየ። እቲ ኽቱር ድሌቱ ድማ ኣብ ናብራ ህይወቱ ጽልዋ ገበረሉ፣ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኪቐርቦ ኸኣ ሓጊዝዎ እዩ። (ዘሁልቍ 12:6-8፣ እብራውያን 11:27) እቲ ዜሕዝን ግና ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ከምቲ ናቱ ድሌት ኣይነበሮምን። ሙሴ ንፈርኦን ስም የሆዋ ምስ ጠቐሰሉ እቲ ዕቡይ ግብጻዊ ንጉስ ብንዕቀት “የሆዋ መን እዩ፧” ኢሉ መለሰ። (ዘጸኣት 5:2) ፈርኦን ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ፍልጠት ኪረክብ ኣይደለየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣምላኽ እስራኤል ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ገይሩ ብምሽክዕላል ነጸጎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ፡ ሎሚ እውን ኣዝዩ ልሙድ እዩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ንሰባት፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍልጠት ከይረኽቡ፡ ማለት የሆዋ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኸይፈልጡ ኣዕዊርዎም እዩ።

ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ

13, 14. (ሀ) የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ መዓርጋት እተዋህቦ ስለምንታይ እዩ፧ ገለ ኻብኡኸ እንታይ ዚብል እዩ፧ (ኣብ  ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን ርአ።) (ለ) የሆዋ ንበይኑ “ልዑላዊ ጐይታ” ተባሂሉ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

13 የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ኸከም ኵነታቱ ዚገብር ኣምላኽ ብምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ መዓርጋት ተዋሂብዎ ኣሎ። እዚ መዓርጋት እዚ ነቲ ናይ ብሕቲ ስሙ ዚዕብልል ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ስሙ ሓቚፍዎ ዘሎ ነገራት ዝያዳ ዚምህረና እዩ። ንኣብነት፡ “ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ” ተባሂሉ ኣሎ። (2 ሳሙኤል 7:22) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ግዜ ዚርከብ ክብ ዝበለ መዓርግ፡ የሆዋ እንታይ ቦታ ኸም ዘለዎ ይነግረና። ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ዩኒቨርስ ንምግዛእ መሰል ዘለዎ ንሱ ጥራይ እዩ። እዚ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

14 የሆዋ ፈጣሪ ብምዃኑ ፍሉይ ኣምላኽ እዩ። ራእይ 4:11 ኸምዚ ትብል፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።” እዚ ልዑል ቃላት እዚ ኻብ የሆዋ ሓሊፉ ንኻልእ ኣየመልክትን እዩ። ንዅሉ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ነገራት የሆዋ እዩ ፈጢርዎ! ልዑላዊ ጐይታን ፈጣሪ ዅሉን ብምዃኑ ኽብርን ሓይልን ግርማን ዚግብኦ ምዃኑ ዜተሓታትት ኣይኰነን።

15. የሆዋ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

15 ካልእ ንየሆዋ ጥራይ ዚግባእ መዓርግ ከኣ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ዚብል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ ራእይ 15:3) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንኽንርድኦ ዜጸግም እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብኽልቲኡ ሸነኽ ማለት መጀመርታ ይኹን መወዳእታ ስለ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ እዩ። መዝሙር 90:2፡ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ” ትብል። ስለዚ፡ የሆዋ መጀመርታ የብሉን፣ ወትሩ ዝነበረን ዚነብርን ኣምላኽ እዩ። ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ይኹን ህይወት ዘይብሉ ነገራት ቅድሚ ምፍጣሩ ንዘለኣለም ይነብር ስለ ዝነበረ ኸኣ እዩ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ዚብል ብቑዕ ስም እተዋህቦ። (ዳንኤል 7:9, 13, 22) ስለዚ፡ ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ንኺብሃል ዘለዎ መሰል ብመርትዖ ኺቃወሞ ዚኽእል መን እዩ፧

16, 17. (ሀ) ንየሆዋ ኽንርእዮ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ ስለምንታይ እዩ ኼገርመና ዘይብሉ፧ (ለ) የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ክንርእዮ ወይ ክንድህስሶ እንኽእል ነገራት ብዝያዳ ጋህዲ ዝዀነ በየናይ መገዲ እዩ፧

16 ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት ከም ፈርኦን ነዚ መሰል እዚ ይቃወምዎ እዮም። ገለ ኻብቲ ምኽንያት ከኣ ዘይፍጹማት ሰባት ዝያዳ ኣብቲ ብኣዒንቶም ኪርእይዎ ዚኽእሉ ነገራት ዚኣምኑ ብምዃኖም እዩ። ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ኽንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ብኣዒንቲ ሰባት ኪርአ ዘይክእል መንፈሳዊ ኣካል እዩ። (ዮሃንስ 4:24) ብተወሳኺ እውን፡ ስጋን ደምን ዝለበሰ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ደው እንተ ዚብል፡ እቲ ሰብ ብኡብኡ ምሞተ። የሆዋ ንሙሴ፡ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢልዎ እዩ።—ዘጸኣት 33:20፣ ዮሃንስ 1:18

17 እዚ ኼገርመና የብሉን። ሙሴ ኻብ ክብሪ ኣምላኽ ገለ ኽፋል ጥራይ እዩ ርእዩ፣ እዚ ድማ እቲ የሆዋ ዝለኣኾ መልኣኽ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ሳዕቤኑኸ እንታይ ነበረ፧ ድሕሪኡ ንእተወሰነ ግዜ ገጽ ሙሴ ‘ኣንጸባረቐ።’ ኣዝዩ ኻብ ምንጽብራቑ እተላዕለ እኳ እቶም እስራኤላውያን ትኽ ኢሎም ገጹ ኸይጥምትዎ ፈርሁ። (ዘጸኣት 33:21-23፣ 34:5-7, 29, 30) ብርግጽ እምበኣር፡ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ምስ ኵሉ እቲ ኽብሩ ኺርእዮ ዚኽእል ወዲ ሰብ የሎን። ክንርእዮን ክንድህስሶን ዘይንኽእል ምዃንና ግና፡ ብሓቂ የሎን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ከም እኒ ንፋስን ማዕበል ራድዮን ሓሳባትን ዝኣመሰለ ኽንርእዮ ዘይንኽእል፡ ግናኸ ብሓቂ ኸም ዘሎ እንቕበሎ ሓያሎ ነገራት ኣሎ። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ኪቝጸር ንዘይከኣል ቢልዮናት ዓመታት እኳ እንተ ነበረ፡ ዘይኣርግ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ እዩ! በዚ መዳይ እዚ ኺርአ ኸሎ እምበኣር ካብቲ ኽንድህስሶ ወይ ክንርእዮ እንኽእል ነገራት ዝያዳ ኽውንነት ኣለዎ ኺብሃል ይከኣል፡ ምኽንያቱ ዚርአን ዚድህሰስን ነገራት ይኣርግን ይምሽምሽን እዩ። (ማቴዎስ 6:19) ይኹን እምበር፡ ከም ሓደ ረቂቕ፡ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ወይ ባዕሉ እተፈጥረ ኺርድኣካ ዘይክእል ነገር ጌርና ኽንወስዶኸ ይግብኣናዶ፧ እስከ ንርአ።

ባህርያት ዘለዎ ኣምላኽ

18. ህዝቅኤል እንታይ ዓይነት ራእይ እዩ ዝረኣየ፧ ኣርባዕተ ገጻት እቶም ኣብ ጥቓ የሆዋ ዝነበሩ ህያዋን ፍጡራት ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

18 ንኣምላኽ ክንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ዚገልጽ መሳጢ ሓሳባት ንረክብ ኢና። ሓደ ኣብነት ናይዚ ህዝቅኤል ምዕራፍ ሓደ እዩ። ህዝቅኤል ንሰማያዊ ኽፋል እቲ ንምሉእ ዩኒቨርስ ዜጠቓልል ውድብ የሆዋ እተመልክት ሓንቲ ዓባይ ሰማያዊት ሰረገላ ብራእይ ተመልከተ። ዝያዳ ዚምስጥ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዙርያ የሆዋ ዝነበሩ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት እተዋህበ መግለጺ እዩ። (ህዝቅኤል 1:4-10) እዞም “ህያዋን ፍጡራት” እዚኦም ምስ የሆዋ ተተሓሒዞም እዮም ተገሊጾም ዘለዉ፡ ትርኢቶም ከኣ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ዜገልግልዎ ኣምላኽ ገለ ነገር ይነግረና። ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ ኣለዎ፣ እቲ ሓደ ንብዕራይ፡ እቲ ሓደ ንኣንበሳ፡ እቲ ሓደ ንንስሪ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ንሰብ ይመስል ነበረ። እዚ ብፍላይ ነቲ ንዜደንቕ ባህርያት የሆዋ መሰረት ዚኸውን ኣርባዕተ ባህርያት እዩ ዜመልክት።—ራእይ 4:6-8, 10

19. (ሀ) ገጽ ብዕራይ፡ (ለ) ገጽ ኣንበሳ፡ (ሐ) ገጽ ንስሪ፡ (መ) ገጽ ሰብ፡ ነየናይ ባህርይ እዩ ዜመልክት፧

19 ብዕራይ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ገዚፍ እንስሳ ብምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓይሊ እዩ ዜመልክት። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣንበሳ ንፍትሒ እዩ ዜመልክት፡ ከመይሲ ናይ ሓቂ ፍትሒ ትብዓት ዚሓትት እዩ፣ ኣናብስ ከኣ በዚ ባህርይ እዚ ኣጸቢቖም እተፈልጡ እዮም። ንስሪ ኪሎ ሜተራት ዚኣክል ርሒቑ ንዚርከብ ደቀቕቲ ነገራት ከይተረፈ ኺርኢ ዚኽእል ብምዃኑ፡ በዚ ትኩር ናይ ምርኣይ ክእለቱ ኣዝዩ እተፈልጠ እዩ። ስለዚ፡ ገጽ ንስሪ ነቲ ኣርሒቑ ዚጥምት ጥበብ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። ገጽ ሰብከ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሰብ ነታ ዓብላሊት ባህርይ ናይ ኣምላኽ ዝዀነት ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ኣዝዩ እተፈልጠ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) እዘን ክፍሊ ባህርያት የሆዋ ዝዀና ሓይሊ፡ ፍትሒ፡ ጥበብ፡ ፍቕሪ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ጐሊሐን ብምህላወን፡ ከም ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ ጌርና ኽንጠቕሰን ንኽእል ኢና።

20. ባህርያት ኣምላኽ ተለዊጡ ይኸውን ኢልና ኽንጭነቕዶ ኣሎና፧ ስለምንታይ ኢኻ ኸምኡ ኢልካ ዝመለስካ፧

20 ኣምላኽ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ኣሽሓት ዓመታት ተለዊጡ ይኸውን ኢልና ኽንጭነቕዶ ኣሎና፧ ክንጭነቕ የብልናን፣ ከመይሲ፡ ባህርያት ኣምላኽ ኣይልወጥን እዩ። ንሱ ባዕሉ፡ “ኣነስ የሆዋ እየ፣ ኣይልወጥን እየ” ብምባል ይነግረና። (ሚልክያስ 3:6) የሆዋ ብስምዒት ተደፊኡ ብሃውሪ ዚቕየር ዘይኰነስ፡ ኬድሊ ኸሎ ንገዛእ ርእሱ ኸከም ኵነታቱ ኺገብር ዚኽእል ኣቦ እዩ። ነቲ ብዝያዳ ምስቲ ህሉው ኵነታት ዜድሊ ባህርይ እዩ ዜንጸባርቖ። ካብ ኵሉ እቲ ባህርያቱ፡ እታ ዓብላሊት ባህርይ ፍቕሪ እያ። ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ነገራት እትንጸባረቕ ባህርይ ከኣ እያ። ንሓይሉ፡ ፍትሑ፡ ጥበቡ ብፍቕራዊ መገዲ እዩ ዜርእዮ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ብዛዕባ ኣምላኽን እዛ ባህርይ እዚኣን ፍልይ ዝበለ ነገር ይዛረብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 4:8) ኣምላኽ ፍቕሪ ኣለዎ፡ ወይ ከኣ ኣምላኽ ፈቃር እዩ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ ኸም ዝበለ ኣስተብህል። ፍቕሪ ኣብ ኵሉ ዚገብሮ ነገራት እትድርኾ ቐንዲ ባህርዩ እያ።

“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!”

21. ንባህርያት የሆዋ ኣጸቢቕና እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን እንታይ እዩ ዚስምዓና፧

21 ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ብሓጐስን ብሓበንን ናብ ኣቦኡ እናኣመልከተ፡ “እዚ ኣቦይ እዩ” ኢሉ ንኣዕሩኹ ኺነግሮም ከሎ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ብዛዕባ የሆዋ ኸምኡ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት ሰባት፡ “እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!” ዚብሉሉ ግዜ ኺመጽእ ምዃኑ ይነግረና እዩ። (ኢሳይያስ 25:8, 9) ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኣጸቢቕካ እናፈለጥካ ብዝኸድካ መጠን፡ ብሉጽ ኣቦ ኸም ዘሎካ ብዝያዳ እናተሰምዓካ እዩ ዚኸይድ።

22, 23. መጽሓፍ ቅዱስ ንሰማያዊ ኣቦና ብኸመይ እዩ ዚገልጾ፧ ክንቀርቦ ኸም ዚደልየናኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

22 እዚ ኣቦ እዚ ኸምቲ ገሊኦም ሃይማኖታውያንን ፈላስፋታትን ዚምህርዎ ዘይምቕሉል፡ ወይ ዘይግደስ ኣይኰነን። ናብ ሓደ ዘይምቕሉል ወይ ዘይግደስ ኣምላኽ ክንቀርብ ኣይንደልን ኢና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንሰማያዊ ኣቦና ኸምኡ ገይሩ ኣይገልጾን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ ዚብሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ተሪርን ልምሉምን ዓይነት ስምዒታት ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ኣስተውዓልቲ ፍጡራቱ ነቲ ንጥቕሞም ኢሉ ዘውጽኦ መምርሒታቱ ኣብ ዝጠሓሱሉ እዋን፡ “ልቡ . . . ጐሃየ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ዘፍጥረት 6:6፣ መዝሙር 78:41) ምስ ቃሉ ተሰማሚዕና ብጥበብ ምስ እንመላለስ ግና ‘ንልቡ’ ነሐጕሶ ኢና።—ምሳሌ 27:11

23 ኣቦና ኽንቀርቦ ይደልየና እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ሃሰስ ኢልና ኽንረኽቦ’ የተባብዓና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ተራ ሰባት ነቲ ልዑል ኣምላኽ ኪቐርብዎ ዚኽእሉ ግና ብኸመይ እዮም፧