ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 2

ንኣምላኽ ብሓቂዶ ኽትቀርቦ ትኽእል ኢኻ፧

ንኣምላኽ ብሓቂዶ ኽትቀርቦ ትኽእል ኢኻ፧

1, 2. (ሀ) ንብዙሓት ሰባት ዘይከኣል ኰይኑ ዚስምዖም እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እንታይ ብምባል እዩ ዜረጋግጸልና፧ (ለ) ኣብርሃም ከመይ ዝበለ ናይ ቀረባ ዕርክነት እዩ ኺምስርት ዝኸኣለ፧ ስለምንታይከ፧

 እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ “ዓርከይ” ኢሉ እንተ ዚዛረበልካ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ሓያሎ ሰባት እዚ ዘይከኣል ነገር ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ‘ተራ ወዲ ሰብ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ እዩ ዕርክነት ኪምስርት ዚኽእል፧’ ዚብል ሕቶ እዩ ዚመጾም። እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኸም እንኽእል የረጋግጸልና እዩ።

2 እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ኣብርሃም ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቅርራብ ነይርዎ እዩ። የሆዋ ነዚ ሓደ ኻብቶም ኣበው፡ “ፈታውየይ” ብምባል ፈልዩ ተዛሪቡሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 41:8) እወ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ከም ናይ ብሕቱ ዓርኩ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ኣብርሃም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርት ዝኸኣለ፡ ‘ብየሆዋ ስለ ዝኣመነ’ እዩ። (ያእቆብ 2:23) ሎሚ እውን የሆዋ ምስቶም ዜገልግልዎ ሰባት ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራትን ‘ፍቕሩ ንምግላጽን’ ኣጋጣሚ ይደሊ እዩ። (ዘዳግም 10:15) ቃሉ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ይላበወና። (ያእቆብ 4:8) በዚ ቓላት እዚ ገይሩ ዕድመ ኣቕሪቡልና፡ ቃል እውን ኣትዩልና ኣሎ።

3. የሆዋ እንታይ ዕድመ እዩ ኣቕሪቡልና፧ ምስኡ ኣተሓሒዙኸ እንታይ ቃል እዩ ኣትዩልና፧

3 የሆዋ፡ ክንቀርቦ ይዕድመና እዩ። ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ኪቕበለና ኸኣ ድሉውን ፍቓደኛን እዩ። ምስናይዚ እውን ስጕምትታት ብምውሳድ እንተ ቐሪብናዮ፡ ንሱ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ብምውሳድ ኪቐርበና ምዃኑ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስኡ “ናይ ቀረባ ዕርክነት” ንምስርት። (መዝሙር 25:14) ኣብዚ “ናይ ቀረባ ዕርክነት” ኪብሃል ከሎ፡ ንፍሉይ ፈታዊኻ ምስጢር ምስ ምክፋል ምትእስሳር ኣለዎ።

4. ንናይ ቀረባ ዓርኪ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ የሆዋኸ ነቶም ዚቐርብዎ ኸምዚ ዓይነት ዓርኪ ዚዀኖም ብኸመይ እዩ፧

4 ምስጢርካ እተካፍሎ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኣሎካዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓርኪ ይሓልየልካ እዩ። እሙን ስለ ዝዀነ ኣይትጥርጥሮን ኢኻ። ሓጐስካ ኸተካፍሎ ኸለኻ ዝያዳ ባህ ይብለካ። ዜጕሂ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ ብድንጋጽ ጽን ኢሉ ስለ ዚሰምዓካ ኸም ዚፈዅሰካ እዩ ዚገብር። ካልኦት ሽግርካ ዘይርድኡልካ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሱ ግና ይርድኣልካ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ክትቀርቦ ኸለኻ እውን፡ ኣኽቢሩ ዚርእየካ፡ ኣጸቢቑ ዚሓልየልካ፡ ምሉእ ብምሉእ ከኣ ዚርድኣካ ፍሉይ ዓርኪ ትረክብ ኣለኻ ማለት እዩ። (መዝሙር 103:14፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ምስቲ እሙን፡ እሙን ምዃኑ ስለ እትፈልጥ ውሽጣዊ ስምዒታትካ ኸይሓባእካ ኢኻ እትነግሮ። (መዝሙር 18:25) ይኹን እምበር፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ናይ ምምስራት መሰል ክንረክብ ዝኸኣልና፡ ንሱ ባዕሉ ስለ ዝሃበና ጥራይ እዩ።

የሆዋ መገዲ ኸፈተ

5. የሆዋ፡ ክንቀርቦ ምእንቲ ኽንክእል እንታይ እዩ ገይሩልና፧

5 ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ ብገዛእ ርእስና ንኣምላኽ ክንቀርቦ ፈጺምና ኣይምኸኣልናን ኔርና። (መዝሙር 5:4) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:8) እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ ወዱ የሱስ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ምድላው ገበረ። (ማቴዎስ 20:28) ኣብቲ መስዋእታዊ በጃ ዘሎና እምነት ንኣምላኽ ክንቀርቦ የኽእለና እዩ። ኣምላኽ ‘ቅድም ስለ ዘፍቀረና’ ምስኡ ዕርክነት ክንገብር መሰረት ኣንቢሩ እዩ።—1 ዮሃንስ 4:19

6, 7. (ሀ) የሆዋ ሕቡእን ዘይፍለጥን ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ለ) የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ዝገለጸ በየናይ መገድታት እዩ፧

6 የሆዋ ኻልእ ስጕምቲ እውን ወሲዱ እዩ። ገዛእ ርእሱ ገሊጹልና እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕርክነት ምቅርራብ ዚምስረት ነቲ ሰብ እቲ ብምፍላጥን ንባህርያቱን መገድታቱን ከኣ ኣኽቢርካ ብምርኣይን እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ሕቡእን ዘይፍለጥን ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ፈጺምና ኽንቀርቦ ኣይምኸኣልናን ኔርና። ይኹን እምበር፡ ክንፈልጦ ደኣ እዩ ዚደልየና እምበር፡ ኣይሕባእን እዩ። (ኢሳይያስ 45:19) ብተወሳኺ ብዛዕባ ርእሱ ንዅላትና፡ እንተላይ ነቶም ብመዐቀኒታት ዓለም ክንርአ ኸለና ኸም ዘይንጠቅም እንቝጸር ሰባት እውን ከይተረፈ ገሊጹልና እዩ።—ማቴዎስ 11:25

የሆዋ በቲ ዝፈጠሮ ነገራትን በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን ብዛዕባ ርእሱ ገሊጹልና

7 የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ዝገለጸልና ብኸመይ እዩ፧ እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ነገራት ንገለ መዳያት ባህርያቱ፡ ማለት ዕቤት ሓይሉ፡ ዕምቈት ጥበቡ፡ ብዝሒ ፍቕሩ ይገልጸልና እዩ። (ሮሜ 1:20) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ በቲ ዝፈጠሮ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ገሊጹልና። ፍልጠቱ ንምምሕልላፍ እቲ ዝበለጸ መገዲ ዚጥቀም ኣምላኽ ብምዃኑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብጽሑፍ ገሊጹልና ኣሎ።

የሆዋ ኣብ ቃሉ ብኸመይ እዩ ገዛእ ርእሱ ገሊጹ ዘሎ፧

8. መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እዩ። ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሱ ብቐሊሉ ኺርድኣና ብዚኽእል መገዲ እዩ ገሊጹልና። እዚ ድማ የፍቅረና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንፈልጦን ከነፍቅሮን እውን ከም ዚደልየና ዜረጋግጸልና እዩ። ኣብዚ ኽቡር መጽሓፍ እዚ እነንብቦ ነገራት ናብኡ የቕርበና እዩ። (መዝሙር 1:1-3) ንገለ ኻብቲ የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝገልጸሉ ልቢ ዚትንኪ መገድታቱ እስከ ንመያየጠሉ።

9. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ንባህርያት ኣምላኽ ዚገልጽ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

9 ቅዱሳት ጽሑፋት ንባህርያት ኣምላኽ ዜጕልሕ ሓያሎ ዘየማትእ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። “የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ።” (መዝሙር 37:28) ኣምላኽ “ብሓይሊ ዓብዪ እዩ።” (እዮብ 37:23) “‘ኣነ እሙን እየ’ . . . ይብል የሆዋ።” (ኤርምያስ 3:12) “ንሱ ጥበበኛ ዝልቡ . . . እዩ።” (እዮብ 9:4) “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” እዩ። (ዘጸኣት 34:6) “ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ።” (መዝሙር 86:5) ኣብታ ቐዳመይቲ ምዕራፍ ከም እተገልጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻብተን ባህርያቱ ዓብላሊት እያ። እወ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) ብዛዕባ እዚ ባህ ዘብል ባህርያቱ ኸተስተንትን ከለኻ፡ ናብዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣምላኽ እዚ ኣየቕርበካንዶ፧

10, 11. (ሀ) ንባህርያቱ ኣነጺርና ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ የሆዋ ኣብ ቃሉ እንታይ እዩ ሂቡና ዘሎ፧ (ለ) ኣየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት እዩ ሓይሊ ኣምላኽ ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ዚሕግዘና፧

10 የሆዋ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎ ነጊሩና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ባህርያት እዚ ብተግባር ዝገለጸሉ ኣብነታት እውን ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩልና ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ፡ ነቲ እተፈላለየ መዳያት ናይ ባህርያቱ ብዝያዳ ኣነጺርና ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ይሕግዘና እዩ። እዚ ድማ ብግዲኡ ብዝያዳ ናብ ኣምላኽ ንኽንቀርብ ይሕግዘና። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ፦

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ይሕግዘና

11 ኣምላኽ ‘ዜፍርህ ሓይሊ’ ኣለዎ ዚብል ሓሳብ ከተንብብ ከለኻ፡ ገለ ፍልጠት ተጥሪ ኢኻ። (ኢሳይያስ 40:26) ንእስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ መሪሑ ብኸመይ ከም ዘድሓኖምን ኣብ በረኻ ን40 ዓመታት ዚኣክል ብኸመይ ከም ዘናበሮምን ምስ እተንብብ ግና፡ ዝሰፍሐ ፍልጠት እዩ ዚህልወካ። እቲ ባሕሪ ኣብ ክልተ ኺምቀል ከሎ፡ እቶም ብጠቕላላ 3,000,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ህዝቢ በቲ ንቑጽ ባሕሪ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ከምኡ እውን እቲ ማይ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። (ዘጸኣት 14:21፣ 15:8) ኣምላኽ ኣብቲ በረኻ የዕቍቦም ከም ዝነበረ ዚገልጽ መርትዖ እውን ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። ማይ ካብቲ ኸውሒ የውጽኣሎም፡ ጻዕዳ እኽሊ ዚመስል ምግቢ እውን ኣብ መሬት ይዝርግሓሎም ነበረ። (ዘጸኣት 16:31፣ ዘሁልቍ 20:11) ኣብዚ የሆዋ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓይሉ ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ኸም ዚጥቀመሉ እውን ኣርእዩ እዩ። ጸሎትና ናብቲ “መዕቈቢናን ብርታዐናን ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤትን” ዝዀነ ሓያል ኣምላኽ ዚዓርግ ምዃኑ ምፍላጥና ዜተባብዕ ደይኰነን!—መዝሙር 46:1

12. የሆዋ በቲ ኺርድኣና ዚኽእል መግለጺታት ተጠቒሙ ብምሳልያዊ መገዲ ኽንርእዮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ ዘይገበሮ ነገር የሎን። ከም ሰባት መጠን ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ዚኽእል ነገራት ጥራይ ኢና ኽንርኢ እንኽእል እምበር፡ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ መንፈሳዊ ስያመታት እናተጠቕመ እንተ ዚገልጸልና ነይሩ፡ ልክዕ ከምቲ ንሓደ ብዕውሩ እተወልደ ሰብ ብዛዕባ መልክዕካን ሕብሪ ዓይንኻን ሕብሪ ቘርበትካን ክትገልጸሉ ኢልካ ምፍታን ምዀነ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግና የሆዋ በቲ ኺርድኣና ዚኽእል ስያመታት ገይሩ እዩ ብምሳልያዊ መገዲ ምእንቲ ኽንርእዮ ብሕያውነት ዚገልጸልና። ሓድሓደ ግዜ ንገዛእ ርእሱ ምስቲ ንሕና ብቐሊሉ ኽንፈልጦ እንኽእል ነገራት ብምትሕሓዝ ምሳልያዊ መግለጺታት እዩ ዚጥቀም። ሰብኣዊ ኽፍሊ ኣካላት ከም ዘለዎ ገይሩ እውን ከይተረፈ ይገልጸልና እዩ። a

13. ኢሳይያስ 40:11 እንታይ እያ ኣብ ኣእምሮና እትስእለልና፧ እዚኸ ንዓኻ ብኸመይ እዩ ዚትንክየካ፧

13 ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:11 ብዛዕባ የሆዋ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ኣስተብህለሉ፦ “ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ኺከናኸነን እዩ። ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡ ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ። ነተን ዜጥብዋ ብህድኣት ኪመርሐን እዩ።” ኣብዚ የሆዋ ምስ ሓደ ንዕያውቱ ኣብ “ቅልጽሙ” ዚእክብ ጓሳ እዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። እዚ ኸኣ የሆዋ ንህዝቡ፡ ነቶም ተነቀፍቲ እውን ከይተረፈ፡ ንምዕቋብን ንምድጋፍን ክእለት ከም ዘለዎ እዩ ዜመልክት። ኣብቲ ድልዱል ቅልጽሙ ዕቝባ ኺስምዓና ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ ንዕኡ እሙናት እንተ ደኣ ዄንና ፈጺሙ ኣይኪሓድገናን እዩ። (ሮሜ 8:38, 39) እቲ ዓብዪ ጓሳ ንዕያውቱ “ኣብ ሕቝፉ” ገይሩ እዩ ዚስከመን። እዚ ድማ ነቲ ሓደ ጓሳ ሓድሓደ ግዜ ንዕየት ዚሓቝፈሉ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ ዜመልክት እዩ። የሆዋ ኸም ዚሓልየልናን ከም ዚግደሰልናን መረጋገጺ ሂቡና እዩ። ክንቀርቦ ምድላይና ድማ ባህርያዊ እዩ።

‘ወዱ ኺገልጾ ይደሊ እዩ’

14. የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ገይሩ ዝገለጸ ብየሱስ ኣቢሉ እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

14 የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ በቲ ዚፈትዎ ወዱ የሱስ ኣቢሉ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ። ንኣተሓሳስባን ንስምዒትን ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሩ ኼንጸባርቖ ወይ ኪገልጾ ዚኽእል የሱስ ጥራይ እዩ። እቶም ካልኦት መንፈሳውያን ፍጥረታትን እዚ ግኡዝ ዩኒቨርስን ከይተፈጥሩ ኸለዉ፡ እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ነይሩ እዩ። (ቈሎሴ 1:15) የሱስ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ “ወዲ መን ምዃኑ . . . ብዘይካ ኣቦ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፣ ኣቦ መን ምዃኑ እውን ብዘይካ ወድን ወዲ ኺገልጸሉ ዚደልን፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን” ኪብል ዝኸኣለ። (ሉቃስ 10:22) የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኣቦኡ ብኽልተ ኣገደስቲ መገድታት ገሊጽዎ እዩ።

15, 16. የሱስ ንኣቦኡ በየናይ ክልተ መገድታት እዩ ዝገለጾ፧

15 ቀዳማይ፡ ትምህርትታት የሱስ ንኣቦኡ ኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። የሱስ ንየሆዋ በቲ ንልብና ኺትንኪ ዚኽእል መገዲ እዩ ገሊጽዎ። ንኣብነት፡ ንዚንስሑ ሰባት ዚቕበል መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኼረድእ ኢሉ፡ ምስቲ ንዘራዊ ወዱ ብድንጋጽ ጐይዩ ብኽሳዱ ሓኒቑ ዝሰዓሞ ኣቦ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ሉቃስ 15:11-24) የሱስ ንየሆዋ ኸም ሓደ ንቕኑዓት ሰባት በብውልቂ ስለ ዘፍቀሮም ናብኡ ‘ዚስሕቦም’ ኣምላኽ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 6:44) የሆዋ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጭሩ ናብ ምድሪ ኽትወድቕ ከላ እውን የስተብህል እዩ። የሱስ፡ “ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 10:29, 31) እወ፡ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላዪ ኣምላኽ ብርግጽ ክንቀርብ ንኽእል ኢና።

16 ካልኣይ፡ እቲ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚመስል እውን የርእየና እዩ። ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘንጸባረቖ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ስለዚ፡ ኣብ ወንጌላት ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝነበሮ ስምዒታትን ምስ ካልኦት ዝነበሮ ርክብን ከነንብብ ከለና፡ ንኣቦኡ ንርኢ ኸም ዘለና እዩ ዚቝጸር። የሆዋ ብዛዕባ ባህርያቱ ኻብዚ ንላዕሊ ገይሩ ኺገልጸልና ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧

17. የሆዋ እንታይ ከም ዚመስል ምእንቲ ኽንርድኦ ኢሉ ኻብ ዝገበሮ ነገራት መረዳእታ ሃብ።

17 ንመረዳእታ፦ ለውሃት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምግላጽ እሞ ፈትን። ምናልባት ብቓላት ትገልጾ ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ለውሃት ብግብሪ ዘርኣየ ሰብ እንተ ትረክብ እሞ “እዚ ናይ ለውሃት ኣብነት እዩ፡” እንተ ትብል፡ እታ “ለውሃት” እትብል ቃል ተወሳኺ ትርጉም ይህልዋ፡ ንኽትርድኣ ኸኣ ዝቐለለ ይኸውን። የሆዋ እንታይ ከም ዝመስል ምእንቲ ኺርድኣና ኢሉ እውን ተመሳሳሊ ነገር ገይሩ ኣሎ። ንገዛእ ርእሱ ብቓላት ኣብ ርእሲ ምግላጹ ንወዱ ብምልኣኽ ህያው ኣብነት ሂቡና እዩ። ባህርያት ኣምላኽ ኣብ የሱስ ብተግባር ተራእዩ እዩ። በቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ገይሩ የሆዋ “ኣነ ነዚ እየ ዝመስል” ይብል ከም ዘሎ ጌርካ ኺሕሰብ ይከኣል እዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ የሱስ ብኸመይ እዩ ዚገልጾ፧

18. የሱስ ንሓይሊ፡ ንፍትሒ፡ ንጥበብ ብኸመይ እዩ ገሊጽወን፧

18 የሱስ ነተን ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሩ ኣንጸባሪቕወን እዩ። ኣብ ልዕሊ ሕማም፡ ጥሜት፡ ሞት እውን ከይተረፈ ዝነበሮ ሓይሊ ኣርእዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቶም ንሓይሎም ብዘይግቡእ ዚጥቀሙሉ ስሱዓት ሰባት ብዘይምዃኑ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሱ ወይ ንኻልኦት ንምጕዳእ ኢሉ ተኣምራዊ ሓይሊ ፈጺሙ ተጠቒሙ ኣይፈልጥን እዩ። (ማቴዎስ 4:2-4) ፍትሒ የፍቅር ነበረ። ስሱዓት ነጋዶ ነቶም ህዝቢ ኺምዝምዝዎም ምስ ረኣየ፡ ካብ ልቡ ጽድቃዊ ቝጥዓ ተቘጢዑ እዩ። (ማቴዎስ 21:12, 13) ነቶም ድኻታትን እተደቝሱን ሰባት ንነፍሶም ‘ዕረፍቲ ኺረኽቡ’ ምእንቲ ኺሕግዞም ብዘይ ኣድልዎ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። (ማቴዎስ 11:4, 5, 28-30) እቲ “ኻብ ሰሎሞን ዚዓቢ” የሱስ መወዳድርቲ ብዘይብሉ ጥበብ እዩ ዚምህር ነይሩ። (ማቴዎስ 12:42) ኣቓልቦ ሰባት ናብ ገዛእ ርእሱ ንምስሓብ ኢሉ ግና ንጥበቡ ተጠቒሙሉ ኣይፈልጥን። ትምህርትታቱ ንጹርን ቀሊልን ግብራውን ስለ ዝነበረ፡ ቃላቱ ናብ ኣልባብ ተራ ሰባት ይበጽሕ ነይሩ እዩ።

19, 20. (ሀ) የሱስ ፍሉይ ኣብነት ናይ ፍቕሪ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ዝገልጽ ጸብጻብ ከነንብብን ከነስተንትነሉን ከለና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

19 ብፍቕሪ ዝመጸ የሱስ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት እዩ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ከም እኒ ሓልዮትን ድንጋጽን ዝኣመሰለ ባህርያት እውን ብምርኣይ ነታ ሰፋሕ ፍቕሪ ብብዙሕ መዳያታ ኣንጸባሪቕዋ እዩ። ሰባት ኪሳቐዩ ኺርኢ ኸሎ ይድንግጸሎም ነበረ። ብዙሕ ግዜ ኸም እተራእየ ኸኣ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ድንጋጽ ብግብሪ ኺሕግዞም ይድርኾ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 14:14) ብድንጋጽ ተላዒሉ ሕሙማት የሕዊ ንጥሙያት ከኣ ይምግብ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኻብዚ ብዚበልጽ ኣዝዩ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ እዩ ኣንጸባሪቕዋ። ሰባት ብዛዕባ እታ ንደቂ ሰብ ነባሪ በረኸት እተምጽኣሎም መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ኺፈልጡ፡ ኪቕበሉ፡ ኬፍቅሩ ሓጊዝዎም እዩ። (ማርቆስ 6:34፣ ሉቃስ 4:43) ልዕሊ ዅሉ ግና ነፍሱ ብፍታው ኣብ ክንዲ ኻልኦት በጃ ብምሕላፍ ጥቕሚ ርእስኻ ኸም እትስውእ እትገብር ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ኣርእዩ እዩ።—ዮሃንስ 15:13

20 ስለዚ እምበኣር፡ እተፈላለየ ዕድመን መበቈልን ዘለዎም ሰባት ናብዚ ለዋህን ደንጋጽን ዝነበረ ሰብኣይ እንተ ቐረቡ ዜገርም ኣይኰነን። (ማርቆስ 10:13-16) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ህያው ኣብነት ከነንብብን ከነስተንትንን ከለና ኣብዚ ወዲ እዚ ንጹር ነጸብራቕ ኣቦኡ ንርኢ ምህላውና ኽንዝክር ይግባእ።—እብራውያን 1:3

ክትሕግዘና እተዳለወት መጽሓፍ

21, 22. ንየሆዋ ምድላይ እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧ እዛ ንመጽናዕቲ ተባሂላ እተዳለወት መጽሓፍከ ኣብዚ መዳይ እዚ ምእንቲ ኽትሕግዘና እንታይ እያ ሒዛ ዘላ፧

21 የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ብምግላጽ ክንቀርቦ ይደልየና ምዃኑ ኣርእዩ ኣሎ። ምስናይዚ ግና ምስኡ ስምረት ዘለዎ ርክብ ክንምስርት ኣየገድደናን እዩ። ንየሆዋ “በቲ ዚርከበሉ ግዜ” ኽንደልዮ ዘሎና ንሕና ኢና። (ኢሳይያስ 55:6) ክንደልዮ ኺብሃል ከሎ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ንባህርያቱን ንመገድታቱን ምፍላጥ ዜጠቓልል እዩ። እዛ ሕጂ እተንብባ ዘለኻ መጽሓፍ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽትሕግዘካ እያ ተዳልያ።

22 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብመሰረት እተን ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት የሆዋ—ሓይሊ፡ ፍትሒ፡ ጥበብ፡ ፍቕሪ—ኣብ ኣርባዕተ ኽፍልታት ከም እተመቓቐለት ከተስተብህል ኢኻ። ኣብ መእተዊ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ጽማቝ ሓሳባት እታ ዚዝረበላ ባህርይ ቀሪቡ ኣሎ። ካብቲ መእተዊ ቐጺለን ዘለዋ እተወሰና ምዕራፋት ከኣ የሆዋ ነታ ባህርይ እቲኣ ብእተፈላለየ መዳያት ከመይ ገይሩ ኸም ዜንጸባርቓ ይገልጻ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ፡ የሱስ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቓ እትገልጽ ሓንቲ ምዕራፍን ንሕና ብወገንና ነታ ባህርይ እቲኣ ብኸመይ ኣብ ህይወትና ኸም እነንጸባርቓ እትገልጽ ካልእ ምዕራፍን ሒዛ ኣላ።

23, 24. (ሀ) እቲ “ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት” ዚብል ፍሉይ ሳጹን ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ግለጽ። (ለ) ምስትንታን ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንቀርቦ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

23 ካብዛ ምዕራፍ እዚኣ ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ “ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት” ዚብል ፍሉይ ሳጹን ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ  ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን ርአ። እቲ ጥቕስታትን ሕቶታትን ንኽለሳ እታ ምዕራፍ ተባሂሉ ዘይኰነስ፡ ንኻልእ ምስቲ ጕዳይ ዚተኣሳሰር ኣገዳሲ መዳያት ምእንቲ ኸተስተንትነሉ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ነዚ ሳጹን እዚ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ፍረ ብዘለዎ መገዲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል፧ ንነፍሲ ወከፍ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ተጠንቂቕካ ኣንብቦ። ቀጺልካ ነቲ ድሕሪ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሕቶ ኣንብቦ። ብዛዕባ እቲ መልሲ ኣስተንትን። ገለ ምርምር ምግባር የድልየካ ይኸውን። ከም እኒ ‘እዚ ሓበሬታ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧ ንህይወተይ ብኸመይ እዩ ዚትንክዮ፧ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ እየ ዝጥቀመሉ፧’ ዚብል ተወሳኺ ሕቶታት ሕተት።

24 ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ኣጸቢቕና ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስትንታን ምስ ልቢ እዩ ተተሓሒዙ ዘሎ። (መዝሙር 19:14) ብዛዕባ ኣምላኽ እተምሃርናዮ ነገራት ብሞሳ ምስ እነስተንትነሉ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ምሳልያዊ ልብና ይሰርጽ እሞ ንኣተሓሳስባና ይትንክዮ፡ ንስምዒታትና የለዓዕሎ፡ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ይድርኸና። እታ ምስ የሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እናዓመቘት ትኸይድ እሞ ከም ፍቱው ዓርክና መጠን ከነሐጕሶ ትድርኸና። (1 ዮሃንስ 5:3) ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ምእንቲ ኺህልወና ግና ንባህርያት የሆዋን ንመገድታቱን ክንፈልጦ የድልየና። ብመጀመርታ ግና ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኻብ ዚድርኸና ባህርያቱ ሓንቲ ዝዀነት ቅድስናኡ ንርአ።

a ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ገጽ፡ ዓይኒ፡ እዝኒ፡ ኣፍንጫ፡ ኣፍ፡ ኢድ፡ እግሪ ኸም ዘለዎ ይዛረብ እዩ። (መዝሙር 18:15፣ 27:8፣ 44:3፣ ኢሳይያስ 60:13፣ ማቴዎስ 4:4፣ 1 ጴጥሮስ 3:12) ልክዕ ከምቲ ንየሆዋ ንምምልካት ተዋሂቡ ዘሎ “ኸውሒ” ወይ “ዋልታ” ዚብል መግለጺታት ቃል ብቓሉ ዘይንወስዶ፡ ነዚ እውን ቃል ብቓሉ ኣይኰንናን እንወስዶ።—ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 84:11