ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 3

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”

1, 2. ነብዪ ኢሳይያስ እንታይ ራእይ እዩ ዝረኣየ፧ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

 ኢሳይያስ ካብ ኣምላኽ ራእይ ምስ መጾ፡ በቲ ዝረኣዮ ብፍርሂ ተዋሒጡ እዩ። እቲ ራእይ እቲ ህያው እዩ ዚመስል ነይሩ! ጸኒሑ ‘ንየሆዋ ኣብቲ በሪኽ ዝፋኑ ኸም ዝረኣዮ’ ጽሒፉ ኣሎ። ወሰን እቲ ወለል ዚብል ክዳኑ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ዓባይ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።—ኢሳይያስ 6:1, 2

2 ኢሳይያስ ንመሰረት እታ ቤተ መቕደስ ዘናወጸ ሓያል መዝሙር ምስ ሰምዐ እውን ፈርሀ። እቲ መዝሙር ካብቶም ዝለዓለ መዓርግ ዝነበሮም ሱራፌል እዩ ዚመጽእ ነይሩ። እቲ ብሓንሳእ ኰይኖም ዝዘመርዎ መሳጢ መዝሙሮም ንግርማ ዚምልከት ነበረ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። ብዘላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ።” (ኢሳይያስ 6:3, 4) ነታ “ቕዱስ” እትብል ቃል ሰለስተ ግዜ ምዝማሮም ንምጕላሕ ዜመልክት እዩ፡ የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ዜንጸባርቓ ብምዃኑ ኸኣ ከምኡ ኢሎም ምዝማሮም ዚግባእ እዩ። (ራእይ 4:8) ቅድስና የሆዋ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ጐሊሑ ኣሎ። ብኣማእታት ዚቝጸር ጥቕስታት ንስሙ ምስቲ “ቕዱስ” ከምኡ እውን “ቅድስና” ዚብል ቃላት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።

3. ሓያሎ ሰባት ንቕድስና የሆዋ ብጌጋ ምርዳኦም ኣብ ክንዲ ዚቐርብዎ ኸም ዚርሕቕዎ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧

3 ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ብዛዕባኡ ብቐዳምነት ክንፈልጦ ዚደልየና ነገር ቅድስናኡ ምዃኑ ንጹር እዩ። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት እዚ ሓሳብ እዚ ኻብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቑ እዩ ዚገብሮም። ገሊኦም ንቕድስና ምስ ምምጽዳቕ ወይ ኣምሰሉ ምስ ምዃን እዮም ብጌጋ ዜተሓሕዝዎ። ንርእሶም ኣትሒቶም ዚርእዩ ሰባት ከኣ ቅድስና ኣምላኽ ዚማርኽ ዘይኰነስ፡ ዜፍርህ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። ካብ ፍርሂ እተላዕለ ናብዚ ቕዱስ ኣምላኽ እዚ ኪቐርቡ ዘይበቕዑ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል። በዚ ኸምዚ ኸኣ እዮም ሓያሎ ሰባት ብምኽንያት ቅድስናኡ ኻብ ኣምላኽ ዚርሕቁ። እዝስ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ከመይሲ፡ ቅድስና ኣምላኽ ንኽንቀርቦ ዚድርኸና ምኽንያት እዩ። ስለምንታይ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ቅድሚ ምምላስና ናይ ሓቂ ቕድስና እንታይ ማለት ምዃኑ ንርአ።

ቅድስና እንታይ እዩ፧

4, 5. (ሀ) “ቅድስና” እንታይ ማለት እዩ፧ እንታይ ማለትከ ኣይኰነን፧ (ለ) የሆዋ በየኖት ክልተ መገድታት እዩ “እተፈልየ” ዚኸውን፧

4 ኣምላኽ ቅዱስ እዩ ኺብሃል ከሎ ዕቡይ ወይ ንኻልኦት ዚንዕቕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣምላኽ ነዚ ባህርያት እዚ ይጸልኦ እዩ። (ምሳሌ 16:5፣ ያእቆብ 4:6) ስለዚ፡ እታ “ቕዱስ” እትብል ቃል ብሓቂ እንታይ ማለት እያ፧ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቛንቋ እብራይስጢ እታ ቓል “ፍሉይ” ዚብል ትርጉም ካብ ዘለዋ ቓል እያ ወጺኣ። ኣብ ኣምልኾ፡ እታ “ቕዱስ” እትብል ቃል ካብቲ ልሙድ ንእተፈልየ ነገር እያ እተመልክት። ቅድስና ናይ ጽሬትን ንጽህናን ሓሳብ እውን ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ብኸመይ እያ ኣብ የሆዋ እትውዕል፧ ካብዞም ዘይፍጹማት ዝዀንና ሰባት ርሒቑ ወይ ‘ተፈልዩ’ ይነብር ማለት ድዩ፧

5 ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን። እቲ “ናይ እስራኤል ቅዱስ” ዝዀነ የሆዋ ህዝቡ ሓጥኣን እኳ እንተ ነበሩ፡ ‘ኣብ ማእከሎም’ ከም ዚነብር ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ኢሳይያስ 12:6፣ ሆሴእ 11:9) ስለዚ፡ ቅድስናኡ ርሒቑ ኸም ዚነብር ኣይገብሮን እዩ። “እተፈልየ” ዚኸውን ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ብኽልተ ኣገደስቲ መገድታት። ቀዳማይ ካብ ኵሉ ፍጥረት እተፈልየ ዝዀነ፡ ንሱ በይኑ ልዑል ስለ ዝዀነ እዩ። ንጽህናኡ ወይ ጽሬቱ ፍጹም እዩ። (መዝሙር 40:5፣ 83:18) ካልኣይ፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ እዩ። እዚ ድማ ዜጸናንዕ እዩ። ስለምንታይ፧

6. የሆዋ ኻብ ሓጢኣት ፈጺሙ እተፈልየ ምዃኑ ምፍላጥና ምጽንናዕ ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብዛ ናይ ሓቂ ቕድስና ብርቂ ዝዀነላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። እዚ ኻብ ኣምላኽ ርሒቑ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ብዅሉ ነገራቱ እተበላሸወ፡ ብሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ከኣ እተጸየቐ እዩ። ኵልና ኣንጻር እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓጢኣት ክንቃለስ ኬድልየና እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕና ድማ ንዅልና ሓጢኣት ኬሰንፈና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7:15-25፣ 1 ቈረንቶስ 10:12) የሆዋ ኻብዚ እተፈልየ እዩ፡ ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ዝረሓቐ ብምዃኑ ኣሰር ሓጢኣት ዚብሃል ፈጺሙ ኣይትንክዮን እዩ። እዚ ድማ ንየሆዋ ኸም ፍጹም ኣቦ መጠን ምሉእ ብምሉእ ከም እንውከሎ ይገብረና እዩ። የሆዋ ኸምቶም ጠላማት፡ ርጉማት፡ ወይ ሃሰይቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ሓጥኣን ኣቦታት ኣይኰነን። ቅዱስ ብምዃኑ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪገብር ፈጺምና ኣይንጽበዮን ኢና። የሆዋ ብቕድስናኡ ዝመሓለሉ ግዜያት እውን ኣሎ፡ ከመይሲ ኻብዚ ንላዕሊ ንማሕላኡ ኼጽንዖ ዚኽእል የሎን። (ኣሞጽ 4:2) እዝስ ምትእምማን ዜሕድረልና ደይኰነን፧

7. ቅድስና ኽፍሊ ባህርያት የሆዋ እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

7 ቅድስና ኽፍሊ ባህርያት የሆዋ እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንመረዳእታ፦ ነዘን “ሰብ” ከምኡ እውን “ዘይፍጹም” ዚብላ ቓላት ነስተብህለለን። ነታ ቐዳመይቲ ቓል ካብታ ኻልኣይቲ ፈሊኻ ኽትገልጻ ኣይከኣልን እዩ። ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ይጸልዎ እዩ። ሕጂ ኸኣ ካብዘን ቃላት እዚአን ፈጺመን እተፈልያ “የሆዋ” ኸምኡ እውን “ቅዱስ” ዚብላ ኽልተ ቓላት ንርአ። የሆዋ ዅለንትናኡ ብቕድስና ዝመልአ እዩ። ንየሆዋ ዚምልከት ኵሉ ነገራት ጽሩይን ንጹህን ቅኑዕን እዩ። ነታ “ቕዱስ” እትብል ቃል ከይተረዳእናያ ንየሆዋ ብዚግባእ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና።

“ቅድስና ናይ የሆዋ እዩ”

8, 9. የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ብተዛማዲ ቕዱሳት ኪዀኑ ኸም ዚሕግዞም ዜርእየና እንታይ እዩ፧

8 የሆዋ ዅለንትናኡ ቕድስና ዝለበሰ ብምዃኑ ምንጪ ናይ ኵሉ ቕድስና እዩ ኺብሃል ይከኣል። ነዚ ኽቡር ባህርይ እዚ ብስስዐ ንበይኑ ሒዝዎ ስቕ ኣይብልን እዩ፣ የግዳስ፡ ንኻልኦት ብልግሲ ይህቦም እዩ። ኣምላኽ ንሙሴ ኣብታ እትነድድ ዝነበረት ቈጥቋጥ ብመልኣኽ ኣቢሉ ኺዛረቦ ኸሎ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ምድሪ እውን ከይተረፈ ምስ የሆዋ እተተሓሓዘ ነገር ይፍጽም ብምንባሩ ቕዱስ ኰይኑ እዩ።—ዘጸኣት 3:5

9 ዘይፍጹማት ሰባት ብሓገዝ የሆዋ ቕዱሳት ኪዀኑ ይኽእሉ ድዮም፧ እወ፡ ብተዛማዲ መገዲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል፡ “ቅዱስ ህዝቢ” ኪዀንዎ ምዃኖም ተስፋ ሂብዎም እዩ። (ዘጸኣት 19:6) ነቲ ህዝቢ እቲ ቕዱስን ጽሩይን ንጹህን ብዝዀነ ኣገባብ ኣምልኾ ባሪኽዎ እዩ። ስለዚ፡ ቅድስና ኣብ ሕጊ ሙሴ ተደጋጊሙ እዩ ዚጥቀስ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ መጠምጠምያኡ ብሸነኽ ቅድሚት፡ “ቅድስና ናይ የሆዋ” ዚብል ቃላት እተቐርጾ ኻብ ወርቂ እተሰርሐ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ይገብር ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 28:36) ስለዚ፡ ኣምልኾኦምን ኣነባብራኦምን በቲ ኽብ ዝበለ ጽሬቶምን ንጽህናኦምን ኪልለ ነበሮ። የሆዋ፡ “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” በሎም። (ዘሌዋውያን 19:2) እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኽ ንዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ኬማልእዎ ብዚኽእሉ ደረጃ ዝሃቦም ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኸለዉ ብተዛማዲ ቕዱሳት ይዀኑ ነበሩ።

10. ብቕድስና ዝመጸ ኣብ መንጎ ጥንታዎት እስራኤልን ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብን እንታይ ፍልልይ ነበረ፧

10 እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቅድስና ዚርአ ዝነበረ ኣትኵሮ ምስ ኣምልኾ እቶም ጐረባብቲ እስራኤል ዝነበሩ ኣህዛብ ኪርአአ ኸሎ ዓብዪ ፍልልይ እዩ ነይርዎ። ኣህዛብ ነቶም ህልውና ዘይብሎም ክነሶም ብሓሶትን ብምትላልን ከም ዘለዉ ጌርካ ዚቝጸሩ፡ ብዓመጻን ስስዐን ፍኑው ኣነባብራን ከኣ ዚልለዩ ዝነበሩ ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። እቶም ኣማልኽቲ ብዅሉ ነገራቶም ዘይቅዱሳት እዮም ነይሮም። ሰባት ነቶም ኣማልኽቲ ብምምላኾም ዘይቅዱሳት ይዀኑ ነበሩ። ስለዚ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብን ካብቲ ጽዩፍ ሃይማኖታዊ ተግባራቶምን ኪፍለዩ ኣጠንቀቖም።—ዘሌዋውያን 18:24-28፣ 1 ነገስት 11:1, 2

11. ቅድስና እታ ሰማያዊት ውድብ የሆዋ ኣብ (ሀ) መላእኽቲ፡ (ለ) ሱራፌል፡ (ሐ) የሱስ፡ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

11 እቶም ሕሩያት ህዝቢ የሆዋ ዝነበሩ ጥንታዎት እስራኤል ንቕድስና እታ ሰማያዊት ክፋል ውድብ የሆዋ ብኣዝዩ እተወሰነ ደረጃ ጥራይ እዮም ኬንጸባርቕዎ ዚኽእሉ ነይሮም። እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት “ኣእላፋት ቅዱሳት” ተባሂሎም ኣለዉ። (ዘዳግም 33:2፣ ይሁዳ 14) ነቲ ድሙቕን ምልኩዕን ዝዀነ ቕድስና ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቖምዎ እዮም። ነቶም ኢሳይያስ ብራእይ ዝረኣዮም ሱራፌል እውን ዘክሮም። ትሕዝቶ እቲ ዝዘመርዎ መዝሙር፡ እዞም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት እዚኦም ቅድስና የሆዋ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ከም ዚፍለጥ ኣብ ምግባር ዓብዪ ግደ ኸም ዜበርክቱ ዚሕብር እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ኵሎም ክብ ዝበለ ሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ኣሎ። ንሱ ኸኣ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ እዩ። የሱስ ንቕድስና የሆዋ ኽብ ብዝበለ ደረጃ እዩ ዜንጸባርቖ። “ናይ ኣምላኽ ቅዱስ” ተባሂሉ ኸኣ ኣሎ።—ዮሃንስ 6:68, 69

ቅዱስ ስምን መንፈስ ቅዱስን

12, 13. (ሀ) ስም ኣምላኽ ከም ቅዱስ ጌርካ ምግላጹ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ስም ኣምላኽከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ኣብ ምዕራፍ 1 ኸም ዝረኣናዮ እቲ ስም እቲ መዓርግ ወይ መጸውዒ ጥራይ ኣይኰነን። ንዅሉ ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ ዚሓቍፍ ብምዃኑ ስሙ ንዕኡ ዚውክል እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ስሙ ቕዱስ’ ምዃኑ ዚነግረና። (ኢሳይያስ 57:15) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ንስም ኣምላኽ ዜርክስ ብሞት ይቕጻዕ ነበረ። (ዘሌዋውያን 24:16) የሱስ ኣብ ጸሎት ብቐዳምነት ዝሰርዖ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ዚብል ምዃኑ እውን ከነስተብህለሉ ዘሎና ነጥቢ እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ንሓደ ነገር ምቕዳስ ኪብሃል ከሎ፡ ከም ቅዱስ ጌርካ ምፍላዩ ወይ ምኽባሩ ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንጹህ ዝዀነ ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

13 እቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ኣደዳ ሓሶትን ጸለመን ኰይኑ እዩ። ሰይጣን ኣብ ኤደን ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት ብምዝራብ ልዑላውነቱ ቕንዕና ኸም ዘይብሉ ዚእምት ሓሳብ ኣቕረበ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ እዚ ኣምላኽ እዛ ዘይቅድስቲ ዓለም ዝዀነ ሰይጣን ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝጀመሮ ሓሶት እናኣራብሐ ኣብ ኵሉ ኸም ዚንዛሕ ገበሮ። (ዮሃንስ 8:44፣ 12:31፣ ራእይ 12:9) ሃይማኖታት ንኣምላኽ ከም ውልቀ መላኺ፡ ዘይቅረብ፡ ወይ ከኣ ጨካን ከም ዝዀነ ገይረን ኣቕሪበናኦ እየን። ኣብቲ ምፍሳስ ደም ዝዓብለሎ ውግኣተን ደገፉ ኸም ዘለወን ገይረን ይዛረባ እየን። እቲ ዜደንቕ ፍጥረት ኣምላኽ ብዕድል ወይ ብፍልቀት ከም ዝመጸ ጌርካ ኺዝረበሉ ጸኒሑ እዩ። እወ፡ ስም ኣምላኽ በቲ ብእከይ እተኣልመ ጸለመ ኺጥቀን ጸኒሑ እዩ። ስለዚ፡ ኪቕደስ ኣለዎ፣ እቲ ዚግባእ ክብሪ እውን ኪምለሰሉ ኣለዎ። ነቲ የሆዋ ንስሙ ኻብ ኵሉ ጸርፊ ንዘለኣለም ናጻ ዚገብረሉ እዋን ሃረር ንብሎ ኢና። ነዚ ድማ በታ ወዱ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ኣቢሉ እዩ ዚገብሮ። ንሕና ኸኣ፡ እዚ ዓብዪ ዕላማ እዚ ሸቶኡ ምእንቲ ኺወቅዕ ኣብ ዚግበር ንጥፈታት እጃምና ኸነበርክት ባህ እዩ ዚብለና።

14. መንፈስ ኣምላኽ ቅዱስ ዚብሃል ስለምንታይ እዩ፧ ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ከቢድ ሓጢኣት ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

14 ምስ የሆዋ ኣጸቢቑ ዚተሓሓዝ ዳርጋ ዅሉ ግዜ ቕዱስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ነገር ከኣ ኣሎ፡ እዚ ድማ እቲ መንፈሱ ወይ ንጡፍ ሓይሉ እዩ። (ዘፍጥረት 1:2) የሆዋ ነዚ ኻብ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝበርትዐ ሓይሉ ዕላማኡ ንምፍጻም እዩ ዚጥቀመሉ። ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ነገራት ብቕዱስን ብጽሩይን ብጽፉፍን መገዲ ስለ ዝገብሮ፡ እቲ ንጡፍ ሓይሉ መንፈስ ቅዱስ ወይ መንፈስ ቅድስና ተባሂሉ ኣሎ። (ሉቃስ 11:13፣ ሮሜ 1:4) ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ደይ መደይ ኢልካ ኣንጻር ዕላማ ኣምላኽ ምኻድ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ይቕረ ዘይብሃሎ ሓጢኣት እዩ።—ማርቆስ 3:29

ቅድስና የሆዋ ናብኡ ዜቕርበና ስለምንታይ እዩ፧

15. ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎካ ምዃን ንቕድስናኡ ኣኽቢርካ ምርኣይ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂኸ እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧

15 ስለዚ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስና ኣምላኽን ኣብ ሰብ ዘሎ ፍርሃት ኣምላኽን ስለምንታይ ከም ዜተሓሕዞ ምግንዛቡ ኸቢድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ መዝሙር 99:3፡ “ዜፍርህን ቅዱስን እዩ እሞ፡ ነቲ ዓብዪ ስምካ ይወድስዎ” ትብል። እዚ ፍርሃት እዚ ንልዕልናኡ ኻብ ምኽባር ዚምንጭው ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እዩ። ቅድስና ኣምላኽ ካባና ኣዝዩ ኽብ ዝበለ ብምዃኑ ኸኣ ከምኡ ኺስምዓና ግቡእ እዩ። ንጹህን ግርማ ዝመልኦን ከኣ እዩ። እዚ ግና ከም እንርሕቕ ዚገብረና ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብዛዕባ ቕድስና ኣምላኽ ግቡእ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ብዝያዳ ናብኡ ኸም እንቐርብ እዩ ዚገብረና። ስለምንታይ፧

16. (ሀ) ቅድስና ምስ ክብሪ ወይ ጽባቐ ተተሓሒዙ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) እቲ ብራእይ እተራእየ መግለጺ የሆዋ ብዛዕባ ጽሬቱ፡ ንጽህናኡ፡ ብርሃኑ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

16 ቅድም ቀዳድም መጽሓፍ ቅዱስ ንቕድስና ምስ ጽባቐ እዩ ዜተሓሕዞ። ኣብ ኢሳይያስ 63:15፡ ሰማይ ‘ልዑል መንበር ቅድስናን ክብርን [ወይ፡ “ጽባቐ፡” እግረ ጽሑፍ]’ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ክብርን ጽባቐን ይስሕበና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገጽ 33 ዘሎ ስእሊ ርአ። በቲ ትርኢት ኣይተሰሓብካንዶ፧ ኣዝዩ ማራኺ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ እቲ ማይ ክሳዕ ክንደይ ጽሩይ ምዃኑ እሞ ርኣዮ። እቲ ኣየር እውን ንጹህ ከም ዝዀነ ፍሉጥ እዩ፡ እቲ ሰማይ ሕብሩ ሰማያዊ እዩ፡ ዜንጸባርቕ ብርሃን እውን ኣለዎ። ሕጂ ኸኣ ብኣንጻሩ እቲ ትርኢት እንተ ዚቕየር፡ ማለት እቲ ውሒዝ ብጐሓፍ እንተ ዚመልእ፡ እቲ ኣግራብን ኣኻውሕን ጽሕግርጋር እንተ ዚህልዎ፡ እቲ ኣየር ከኣ ብዒግታ እንተ ዚሽፈን እዚ ስእሊ እዚ ፈጺሙ ኣይምሰሓበናን። ንጽባቐ ወይ ንኽብሪ ምስ ጽሬትን ንጽህናን ብርሃንን ኢና እነተሓሕዞ። እዚ ንቕድስና የሆዋ ንምግላጽ ኪውዕል ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገላልጻ ኸም እንሰሓብ እዩ ዚገብረና! እቲ ቕዱስ ኣምላኽና ብብርሃን ኣንጸባሪቑ፡ ከም ክቡር ኣእማን ኣብለጭሊጩ፡ ከም ሓዊ ጕሂሩ፡ ወይ ከኣ ከምቲ ዝጸረየን ዝደመቐን ክቡር ማዕድን ብሪቕሪቕ ኢሉ እዩ ተራእዩ፡ እዚ ድማ ንኽብሩ ወይ ንጽባቐኡ ዚሕብር እዩ።—ህዝቅኤል 1:25-28፣ ራእይ 4:2, 3

ከምቲ ጽባቐ ዚስሕበና፡ ቅድስና እውን ከምኡ ኺስሕበና ኣለዎ

17, 18. (ሀ) ኢሳይያስ ብመጀመርታ በቲ ዝረኣዮ ራእይ እተተንከየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንኢሳይያስ ንምጽንናዕ ሱራፌል እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ሱራፌል ዝወሰዶ ስጕምቲ ትርጉሙ እንታይ እዩ፧

17 ይኹን እምበር፡ ቅድስና ኣምላኽ፡ ንገዛእ ርእስና ምስኡ ብምውድዳር ንርእስና ኣትሕት ኣቢልና ኸም እንርኢ ይገብረና ድዩ፧ እቲ መልሲ፡ ‘እወ’ ዚብል እዩ። ኵላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ትሕት ዝበልና ኢና። እዚ ምፍላጥና ግና ካብኡ ኸም እንርሕቕ ይገብረና ድዩ፧ ኢሳይያስ እቶም ሱራፌል ብዛዕባ ቕድስና የሆዋ ኺእውጁ ምስ ሰምዐ፡ ዝሃቦ ምላሽ እሞ ንርአ፦ “ሽዑ፡ ኣነ፡ ‘ወይለይ! ኣብ መንጎ ርኹስ ዝኸናፍሩ ህዝቢ ዝነብር ርኹስ ዝኸናፍሩ ሰብ እየ፣ ኣዒንተይ ከኣ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየናኦ እየን እሞ ጠፋእኩ!’ በልኩ።” (ኢሳይያስ 6:5) እወ፡ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ቕድስና የሆዋ ንኢሳይያስ ክሳዕ ክንደይ ሓጥእን ዘይፍጹምን ምዃኑ ኣዘኻኺርዎ እዩ። ኣብ ፈለማ እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ዳርጋ ለሚሱ እዩ ነይሩ። የሆዋ ግና ኣብቲ ዅነታት እቲ ኣይሓደጎን።

18 ሓደ ኻብቶም ሱራፌል ነቲ ነብዪ ብኡብኡ ኣጸናንዖ። ብኸመይ፧ እቲ ሓያል መንፈስ ናብቲ መሰውኢ ነፊሩ፡ ጓህሪ ወሲዱ፡ ብእኡ ንኸናፍር ኢሳይያስ ተንከዮ። እዚ ግና ዜጸናንዕ ዘይኰነስ ዝያዳ ስቓይ ዜምጽእ መሲሉ ይርአ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እዚ ምሳልያዊ ትርጉም ዘለዎ ራእይ ምዃኑ ዘክር። እቲ እሙን ኣይሁዳዊ ዝነበረ ኢሳይያስ ኣብ መሰውኢ እታ ቤተ መቕደስ፡ ንሓጢኣት ንምትዕራቕ መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ኸም ዚቐርብ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ነብዪ ሽሕ እኳ ዘይፍጹምን “ርኹስ ዝኸናፍሩ”ን እንተ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኣቕዋም ሒዙ ኺመላለስ ከም ዚኽእል፡ ሓደ ኻብቶም ሱራፌል ብፍቕራዊ መገዲ ኣዘኻኸሮ። a የሆዋ ንሓደ ዘይፍጹም ሓጥእ ሰብ ብተዛማዲ መገዲ ኸም ቅዱስ ገይሩ ኺርእዮ ፍቓደኛ እዩ።—ኢሳይያስ 6:6, 7

19. ሽሕ እኳ ዘይፍጹማት እንተ ዀንና ብተዛማዲ ቅዱሳት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ሎሚ እውን ከምኡ እዩ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ መሰውኢ ዚቐርብ ዝነበረ ዅሉ መስዋእትታት ናይ ዝዓበየ ነገር፡ ማለት ናይቲ ብ33 ድ.ክ. ብየሱስ ክርስቶስ ዝቐረበ ፍጹም መስዋእቲ ጽላሎት ጥራይ እዩ ነይሩ። (እብራውያን 9:11-14) ካብ ሓጢኣትና ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ ነቲ ጌጋ ኸይንደግሞ እንተ ተጠንቂቕና፡ ኣብቲ መስዋእቲ ኸኣ እምነት እንተ ኣሕዲርና፡ ሓጢኣትና ኺሕደገልና እዩ። (1 ዮሃንስ 2:2) ንሕና እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩይ ኣቕዋም ኪህልወና እዩ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “‘ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ’ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ” ብምባል ዜዘኻኽረና። (1 ጴጥሮስ 1:16) የሆዋ ከምቲ ናቱ ዓይነት ቅድስና ኺህልወና ኣይኰነን መኺሩና። ክንገብሮ ዘይንኽእል ነገር ክንገብር ፈጺሙ ኣይጽበየናን እዩ። (መዝሙር 103:13, 14) ኣብ ክንዳኡ ግና ንሱ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ቅዱሳት ክንከውን እዩ ነጊሩና። “ከም ፍቑራት ውሉዳት፡” ዘይፍጹማት ሰባት ኪበጽሕዎ ብዚኽእሉ ደረጃ ኽንመስሎ ኢና እንደሊ። (ኤፌሶን 5:1) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ቅድስና ምብጻሕ፡ ብቐጻሊ ኽንዓይየሉ ዘሎና ነገር እዩ። ብመንፈስ እናዓበና ብዝኸድና መጠን፡ መዓልቲ መዓልቲ ናብ “ፍጹም ቅድስና” ንምብጻሕ ክንዓዪ ኢና።—2 ቈረንቶስ 7:1

20. (ሀ) ኣብ ኣዒንቲ እቲ ቕዱስ ኣምላኽና ንጹሃት ክንከውን ከም እንኽእል ምርዳእና ኣገዳሲ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኢሳይያስ ሓጢኣቱ ኸም እተሓድገሉ ምስ ፈለጠ እንታይ ተሰምዖ፧

20 የሆዋ ቕኑዕን ንጹህን ዘበለ የፍቅር፡ ሓጢኣት ከኣ ይጸልእ እዩ። (ኣንባቆም 1:3) ንዓና ግና ኣይጸልኣናን እዩ። ክፉእ ብምጽላእ ሰናይ ከኣ ብምፍቃር ንሓጢኣት ከምቲ ንሱ ዚርእዮ ጌርና እንተ ደኣ ርኢናዮ፡ ኣስኣሰር እቲ ፍጹም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ ከኣ ንጽዕር እንተ ደኣ ዄንና የሆዋ ሓጢኣትና ይሓድገልና እዩ። (ኣሞጽ 5:15፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ኣብ ኣዒንቲ እቲ ቕዱስ ኣምላኽና ንጹሃት ክንከውን ከም እንኽእል ምስ እንርዳእ፡ እዚ ኣጸቢቑ ኺትንክየና እዩ። ቅድስና የሆዋ ኣብ መጀመርታ ንኢሳይያስ ዘይንጹህ ምዃኑ እዩ ኣዘኻኺርዎ። “ወይለይ” ኢሉ ኸኣ ጨደረ። ሓጢኣቱ ኸም እተሓድገሉ ምስ ተረድኣ ግና ኣረኣእያኡ ቐየረ። የሆዋ ንመን ከም ዚልእኽ ጻውዒት ምስ ኣቕረበ፡ ኢሳይያስ ሽሕ እኳ እቲ ዕዮ እንታይ ከም ዜጠቓልል እንተ ዘይፈለጠ ብኡብኡ ምላሽ ሃበ። “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” በለ።—ኢሳይያስ 6:5-8

21. ናይ ቅድስና ባህርይ ከነማዕብል ከም እንኽእል እምንቶ ኼሕድረልና ዚኽእል እንታይ መሰረት ኣሎና፧

21 ብምስሊ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ስነ ምግባራዊ ባህርያትን ተኽእሎ መንፈሳውነትን ተዋሂቡና እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) ኵልና ቕዱሳት ናይ ምዃን ዓቕሚ እውን ኣሎና። ቅድስና ኸነማዕብል ብቐጻሊ ምስ እንጽዕር፡ የሆዋ ተሓጒሱ ይሕግዘና እዩ። ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ናብቲ ቕዱስ ኣምላኽና ኣጸቢቕና ንቐርብ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ምዕራፋት ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እናመርመርና ምስ እንኸይድ፡ ናብ የሆዋ ኽንቀርበሉ እንኽእል ብዙሕ ኣገዳሲ ምኽንያታት ክንርኢ ኢና።

a እተን “ርኹስ ዝኸናፍሩ” ዚብላ ቓላት ብቑዓት እየን፣ ከመይሲ፡ ከናፍር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ መገዲ ንዘረባ ወይ ንቛንቋ እዩ ዜመልክት። ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት መብዛሕትኡ ዚፍጽምዎ ሓጢኣት ብዘረባኦም እዩ።—ምሳሌ 10:19፣ ያእቆብ 3:2, 6