ክፍሊ 1
“ዜፍርህ ሓይሉ”
ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ነቲ የሆዋ ንምፍጣር፡ ንምዕናው፡ ንምዕቋብ፡ ንምሕዳስ ዘለዎ ሓይሊ ዜረጋግጸልና ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኢና። እቲ ‘ዜፍርህ ሓይሊ’ ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ን“ዕቤት ብርታዐኡ” ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ምፍላጥና፡ ንልብና ብትብዓትን ብተስፋን ይመልኦ እዩ።—ኢሳይያስ 40:26።
ኣብዚ ኽፋል እዚ
ምዕራፍ 4
‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’
ሓይሊ ኣምላኽ ከም እንፈርሆ ኺገብረናዶ ይግባእ እዩ፧ ‘እወ’ ኸምኡ እውን ‘ኣይፋልን’ ኢልና ኽንምልስ ንኽእል ኢና።
ምዕራፍ 5
‘እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ’ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ
ፍጥረታት ኣምላኽ፡ ካብታ ገዛፍ ጸሓይ ክሳብ እታ ዝደቐቐት ሃሚንግበርድ እትብሃል ዑፍ ብዛዕባ ኣምላኽ ይምህሩና እዮም።
ምዕራፍ 7
‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’—ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ
ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ብኽልተ መገድታት የዕቍቦም፣ እቲ ሓደ ዓይነት ዕቝባ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ምዕራፍ 8
እቲ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ዝበለ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ
የሆዋ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ገይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኣብ ዚመጽእ እንታይ ናይ ምሕዳስ ዕዮ እዩ ኺፍጽም፧
ምዕራፍ 10
ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልኹም “ንኣምላኽ ምሰልዎ”
ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ሓይሊ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ንሓይልኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧