ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 1

“ዜፍርህ ሓይሉ”

“ዜፍርህ ሓይሉ”

ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ነቲ የሆዋ ንምፍጣር፡ ንምዕናው፡ ንምዕቋብ፡ ንምሕዳስ ዘለዎ ሓይሊ ዜረጋግጸልና ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኢና። እቲ ‘ዜፍርህ ሓይሊ’ ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ን“ዕቤት ብርታዐኡ” ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ምፍላጥና፡ ንልብና ብትብዓትን ብተስፋን ይመልኦ እዩ።—ኢሳይያስ 40:26

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 4

‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’

ሓይሊ ኣምላኽ ከም እንፈርሆ ኺገብረናዶ ይግባእ እዩ፧ ‘እወ’ ኸምኡ እውን ‘ኣይፋልን’ ኢልና ኽንምልስ ንኽእል ኢና።

ምዕራፍ 5

‘እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ’ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ

ፍጥረታት ኣምላኽ፡ ካብታ ገዛፍ ጸሓይ ክሳብ እታ ዝደቐቐት ሃሚንግበርድ እትብሃል ዑፍ ብዛዕባ ኣምላኽ ይምህሩና እዮም።

ምዕራፍ 6

እቲ “ሓያል ተዋጋኢ” ዝዀነ የሆዋ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ሓይሊ

“ኣምላኽ ሰላም” መለኮታዊ ውግእ ዚዋጋእ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 7

‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’—ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ብኽልተ መገድታት የዕቍቦም፣ እቲ ሓደ ዓይነት ዕቝባ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ምዕራፍ 8

እቲ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ዝበለ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

የሆዋ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ገይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኣብ ዚመጽእ እንታይ ናይ ምሕዳስ ዕዮ እዩ ኺፍጽም፧

ምዕራፍ 9

“ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ”

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝመሃሮ ትምህርትታትን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

ምዕራፍ 10

ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልኹም “ንኣምላኽ ምሰልዎ”

ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ሓይሊ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ንሓይልኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧