ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 4

‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’

‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’

1, 2. ኤልያስ ኣብ ህይወቱ እንታይ ዜገርም ነገራት እዩ ርእዩ፧ ኣብቲ ኣብ ከረን ሆሬብ ዝነበረ በዓቲ ግና እንታይ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ዜደንጹ ፍጻመ እዩ ዝረኣየ፧

 ኤልያስ ብዙሕ ዜገርም ነገራት ርእዩ እዩ። ተሓቢኡ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕ ኳዃት ምግቢ ኼምጽኡሉ ኸለዉ፡ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጥሜት፡ ዘይውዳእ ሓርጭ ዝሓዘ ዕትሮን ዘይጐድል ዘይቲ ዝሓዘ መቐርሰሚቶን ርእዩ እዩ፣ ከምኡ እውን ብመሰረት እቲ ዝጸለዮ ጸሎት ካብ ሰማይ ሓዊ ኺወርድ ከሎ ርእዩ እዩ። (1 ነገስት ምዕራፍ 17, 18) ይኹን እምበር፡ ካብዚ ዅሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ዜደንጹ ነገር እውን ርእዩ እዩ።

2 ኣብ ከረን ሆሬብ ኣብ ዚርከብ በዓቲ ኣብቲ መእተዊ ኸሎ እተፈላለየ ተኣምራዊ ፍጻመታት ርእዩ እዩ። መጀመርታ ንፋስ ረኣየ። እቲ ንፋስ፡ ኣኽራን ይሰናጥቕ፡ ኣኻውሕ ድማ ይሰባብር ስለ ዝነበረ፡ እዝንኻ ዜደንቍር ብርቱዕ ድምጺ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ ኣብ ከብዲ ምድሪ ተዓፊኑ ንዝነበረ ሓይሊ ዚፍኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተራእየ። ቀጺሉ ሓዊ ወጸ። እቲ ኸባቢ ምስ ተባርዐ ኸኣ፡ ናይቲ ሓዊ ሃፈጽታ ተሰሚዕዎ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ።—1 ነገስት 19:8-12

3. ኤልያስ ናይ ከመይ ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርይ መረጋገጺ እዩ ብግህዶ ዝረኣየ፧ ንሕናኸ ናይዚ ባህርይ እዚ መረጋገጺ ኣበይ ኢና ኽንርእዮ እንኽእል፧

3 ኵሉ እዚ ኤልያስ ዝረኣዮ እተፈላለየ ፍጻመታት ሓደ ናይ ሓባር ነገር እዩ ነይርዎ። እዚ ኸኣ መግለጺ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ዝለዓለ ሓይሊ እዩ ነይሩ። ርግጽ እዩ፡ ኣምላኽ ነዚ ባህርይ እዚ ኸም ዘለዎ ንምስትውዓል ሓደ ትእምርቲ ኽንርኢ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ኣብ ከባቢና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍጥረት ብዛዕባ እቲ ‘ናይ ዘለኣለም ሓይልን ኣምላኽነትን’ የሆዋ ዜረጋግጽ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 1:20) ዓይንኻ ኼዕውር ዚኽእል ማሕማሕታ በርቅን ብርቱዕ ድምጺ ዘለዎ ነጐዳን፡ ጽባቐ ዜንጸባርቕ መንጫዕጫዕታ ማይ፡ ዕቤት ናይቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማይ እሞ ሕሰብ! ኣብዚ ነገራት እዚ ሓይሊ ኣምላኽ ኣይርኣየካንዶ፧ ይኹን እምበር ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ንሓይሊ ኣምላኽ ዚፈልጥዎ እንተ ደኣ ኣልዮም ሒደት እዮም። ነቲ ሓይሊ እቲ ብግቡእ ዚርድእዎ እሞ ኸኣ ኣዝዮም ሒደት እዮም። ይኹን እምበር፡ ነዚ መለኮታዊ ባህርይ እዚ ምርዳእ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኽንቀርብ ብዙሕ ምኽንያታት እዩ ዚህበና። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሊ የሆዋ ብዝርዝር ከነጽንዕ ኢና።

“እንሆ ድማ፡ የሆዋ ይሓልፍ ነበረ”

ሓደ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ባህርይ የሆዋ

4, 5. (ሀ) ስም የሆዋ ብኸመይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) የሆዋ ንብዕራይ፡ ንሓይሉ ንምምልካት ኪጥቀመሉ ምምራጹ ግቡእ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ብሓይሊ ፍሉይ እዩ። ኤርምያስ 10:6 ኸምዚ ትብል፦ “ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን። ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ እውን ዓብይን ሓያልን እዩ።” ስም የሆዋ ዓብይን ሓያልን ተባሂሉ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። እዚ ስም እዚ፡ “የኽውን” ማለት ምዃኑ ዘክር። የሆዋ ዚደልዮ ዘበለ ኺፈጥርን ከምቲ ዝመረጾ ኪኸውንን ዜኽእሎ እንታይ እዩ፧ ብመጀመርታ ደረጃ፡ ሓይሊ እዩ። እወ፡ እቲ የሆዋ ስጕምቲ ንምውሳድ ዘለዎ ኽእለት ደረት የብሉን። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ሓደ ኻብቲ ኣገዳሲ ባህርያቱ እዩ።

5 ንሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ስለ ዘይንኽእል፡ የሆዋ ኺሕግዘና ኢሉ ምሳሌታት ተጠቒሙ ኣሎ። ከምቲ ዝረኣናዮ ኸኣ፡ ንሓይሉ ንምምልካት ብዕራይ ተጠቒሙ ኣሎ። (ህዝቅኤል 1:4-10) ብዕራይ ገዚፍን ሓያልን ፍጥረት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ምሳሌ እቲ ብቑዕ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ካብዚ ዚሕይል እንስሳ ኣጓኒፍዎም ኣይፈልጥን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዘይርከብ ሓደ ኻብቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ ዝበርትዐ ሓይሊ ዘለዎ ዓሌት ብዕራይ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (እዮብ 39:9-12) ዩልዮስ ቄሳር ዚብሃል ገዛኢ ሮሜ፡ እዚ ዓሌት ብዕራይ እዚ ኻብ ሓራምዝ ብዙሕ ዘይንእስ ከም ዝዀነ ገለጸ። “ሓይሉ ዓብዪ እዩ፡ ቅልጣፈኡ እውን ዓብዪ እዩ” ኢሉ እውን ጸሓፈ። ኣብ ቅድሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጥረት ደው ክትብል ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶን ድኹምን ከም ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካስ ሕስብ እሞ ኣብሎ!

6. የሆዋ በይኑ ጥራይ “ኵሉ ዚኽእል” ተባሂሉ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

6 ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ሰብ ምስቲ ኣምላኽ ሓይሊ ዝዀነ የሆዋ ኺወዳደር ከሎ ድኹምን ሓይሊ ዘይብሉን ፍጥረት እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተን ሓያላት ሃገራት እውን ከይተረፋ ኸም ደሮና ኣብ ሚዛን እየን ዚቝጸራ። (ኢሳይያስ 40:15) የሆዋ ንሱ በይኑ ጥራይ ‘ኵሉ ዚኽእል’ ብምዃኑ ኸም ካልእ ፍጥረት ዘይኰነስ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሊ እዩ ዘለዎ። a (ራእይ 15:3) የሆዋ መስተንክር ‘ዕቤት ብርታዐን ዜፍርህ ሓይልን’ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 40:26) ምንጪ ናይቲ ማእለያ ዘይብሉን ዘይውዳእን ሓይሊ እዩ። ሓይሊ ንምርካብ ኢሉ ኣብ ካልእ ምንጪ ሓይሊ ኣይውከልን እዩ፡ ከመይሲ፡ “ብርታዐስ ናይ ኣምላኽ እዩ።” (መዝሙር 62:11) ይኹን እምበር፡ የሆዋ በየናይ መገዲ እዩ ሓይሊ ዚህብ፧

የሆዋ ሓይሊ ዚህበሉ መገዲ

7. ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እተን ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ዘለዋ ቓላትከ እንታይ ርእይቶ እዩ ቐሪቡ ዘሎ፧

7 መንፈስ ቅዱስ ካብ የሆዋ ብዘይ ዓቐን እዩ ዚፈስስ። ብግብሪ ዚርአ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ኣብ ዘፍጥረት 1:2 “ንጡፍ ሓይሊ” ኢልዎ ኣሎ። እቲ “መንፈስ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ዘሎ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ግሪኽኛን እብራይስጥን ዘሎ ቓላት፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት “ንፋስ፡” “ትንፋስ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። ኣዳለውቲ መዝገበ ቓላት ብዝበልዎ መሰረት እቲ በዅሪ ቓላት ይዓዪ ንዘሎ ዘይርአ ሓይሊ እዩ ዜመልክት። መንፈስ ኣምላኽ ልክዕ ከም ንፋስ ብዓይንና ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ሳዕቤኑ ግና ግሁድን ከተስተውዕሎ ዚከኣልን እዩ።

8. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስ ኣምላኽ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እንታይ ተባሂሉ እዩ ተጸዊዑ ዘሎ፧ እዚኸ ብቑዕ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

8 ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ዓይነት ዕዮ ኺዓዪ ዚኽእል እዩ። የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ዕላማ ንምስላጥ ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስ ኣምላኽ ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ‘ኣጻብዑ፡’ ‘ሓያል ኢዱ’ ወይ ‘ዝርግሕቲ ቕልጽሙ’ ተመሲሉ እንተ ተጸውዐ ብቑዕ እዩ። (ሉቃስ 11:20፣ ዘዳግም 5:15፣ መዝሙር 8:3) ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንኢዱ እተፈላለየ ሓይልን ክእለትን እናተጠቕመ እተፈላለየ ዕዮ ንምፍጻም ዚጥቀመሉ፡ ኣምላኽ እውን ንመንፈሱ ኸምቲ ቕድሚ ሕጂ ኣዝዩ ደቂቕ ኣቶም ንምፍጣር፡ ወይ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ንምምቃል፡ ወይ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኻልእ ቛንቋ ኸም ዚዛረቡ ብምግባር እተጠቕመሉ፡ ዕላማኡ ንምፍጻም ከም ድላዩ ገይሩ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

9. የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ ስልጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ ሰፊሕ፧

9 የሆዋ ናይ ዩኒቨርስ ልዑላዊ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ስልጣኑ እዚ እውን ይጥቀመሉ እዩ። ትእዛዝካ ንምፍጻም ሃረር ዚብሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኽኢላታት ሰባት ኣብ ትሕቴኻ ኸም ዘለዉ ጌርካ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምግዛእ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ጭፍራ ወይ ሰራዊት ዚጥቀሱ ሰብኣውያን ኣገልገልቲ ኣለውዎ። (መዝሙር 68:11፣ 110:3) ሰብ ምስ መልኣኽ ኪወዳደር ከሎ ግና ድኹም ፍጥረት እዩ። ሰራዊት ኣሶር ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ኣጥቅዕዎም፡ ሓደ መልኣኽ ብሓንቲ ለይቲ 185,000 ወተሃደራት ኣሶር ቀቲሉ እዩ። (2 ነገስት 19:35) መላእኽቲ ኣምላኽ ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ ኣለዎም።—መዝሙር 103:19, 20

10. (ሀ) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ካብ ፍጥረታት የሆዋ እቲ ዝሓየለ መን እዩ፧

10 ክንደይ መላእኽቲ እዮም ዘለዉ፧ ነብዪ ዳንኤል ልዕሊ 100 ሚልዮን ዚዀኑ መንፈሳውያን ፍጥረታት ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ደው ኢሎም እኳ እንተ ረኣየ፡ ንዅሎም መንፈሳውያን ፍጥረታት ከም ዝረኣዮም ዚሕብር ነገር ግና የሎን። (ዳንኤል 7:10) ስለዚ ኸኣ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ኺህልዉ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እተባህለ። እዚ መዓርግ እዚ ነቲ ኸም ኣዛዚ እቶም ብዙሓትን እተወደቡን ሓያላት መላእኽቲ መጠን ዘለዎ ዝለዓለ ቦታ ይገልጾ እዩ። ነቲ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ዝዀነ ሓደ ፍቑር ወዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንፈሳውያን ፍጥረታት ሸይምዎ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:15) የሱስ ሊቀ መላእኽቲ፡ ማለት ሓለቓ ዅሎም መላእኽትን ሱራፌልን ኪሩቤልን ብምዃኑ፡ ካብ ኵሎም ፍጥረታት የሆዋ ዝሓየለ እዩ።

11, 12. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ዚህብ በየናይ መገድታት እዩ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ዕቤት ሓይሊ የሆዋ እንታይ በለ፧

11 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ሓይሉ ዚጥቀመሉ ኻልእ ኣገባብ እውን ኣለዎ። እብራውያን 4:12፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን [ወይ፡ “ሓያልን፡” እግረ ጽሑፍ] እዩ” ትብለና። እቲ ሕጂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂቡ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ወይ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መልእኽቲ ዘለዎ ሓይሊ ኣቕሊብካሉዶ ኣለኻ፧ ሓይሊ ኺህበና፡ ንእምነትና ኼደልድላ፡ ኣብ ናብራ ህይወትና ኸኣ ኣገዳሲ ለውጥታት ክንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ ካብቶም ኣብ ከቢድ ዘይስነ ምግባራዊ ተግባራት እተጸምዱ ሰባት ኪሕለዉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። ድሕርዚ ቐጺሉ “ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም” በለ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) እወ፡ “ቃል ኣምላኽ” ሓይሊ ሂቡ ኺልወጡ ሓጊዝዎም እዩ።

12 ሓይሊ የሆዋ ኣዝዩ ዓብዪ፡ እቲ ንኻልኦት ሓይሊ ንምሃብ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ከኣ ኣዝዩ መስለጢ ብምዃኑ ኺዓናቕፎ ዚኽእል ማንም የሎን። የሱስ፡ “ብኣምላኽ . . . ኵሉ ይከኣል እዩ” በለ። (ማቴዎስ 19:26) የሆዋ ንሓይሉ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዚጥቀመሉ፧

ብዕላማ ዚምራሕ ሓይሊ

13, 14. (ሀ) የሆዋ ኣካል ዘይብሉ ምንጪ ሓይሊ ኣይኰነን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) የሆዋ ንሓይሉ በየናይ መገድታት እዩ ዚጥቀመሉ፧

13 መንፈስ የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሓይሊ ዚብርትዕ እዩ። የሆዋ ኣካል ዘይብሉ ምንጪ ሓይሊ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ንሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸር ዚኽእል ኣካል ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ንሓይሉ ኺጥቀመሉ ዚድርኾ ግና እንታይ እዩ፧

14 ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ኣምላኽ ንሓይሉ ንምፍጣር፡ ንምዕናው፡ ንምዕቋብ፡ ንምሕዳስ፡ ኰታስ ብሓጺሩ ምስቲ ፍጹም ዕላማኡ ኺሰማምዓሉ ብዚኽእል ዝዀነ ይኹን መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ። (ኢሳይያስ 46:10) ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ነቲ ኣገዳሲ መዳያት ናይ ባህርያቱን ስርዓታቱን ንምግላጽ እውን ይጥቀመሉ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ፍቓዱ ንምፍጻም ይጥቀመሉ እዩ። በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ነቲ ቕዱስ ስሙ ንምቕዳስ እዩ ዚጥቀመሉ፣ እዚ ኸኣ ኣገዛዝኣኡ ብሉጽ ምዃኑ የርኢ። ነዚ ዕላማ እዚ ኺዓናቕጾ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሓይሊ የሎን።

15. የሆዋ ምስ ኣገልገልቱ ኣብ ዚገብሮ ርክብ ንሓይሉ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዚጥቀመሉ፧ እዚኸ ኣብ ኵነታት ኤልያስ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧

15 የሆዋ ንሓይሉ ኸም ውልቀ ሰባት መጠን ንኽረብሓና እውን ይጥቀመሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ 2 ዜና መዋእል 16:9 እትብሎ ኣስተብህለሉ፦ “ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቐሰ ኤልያስ ዘሕለፎ ተመክሮ ነዚ ኣብነት ይዀነና እዩ። የሆዋ ነዚ ዜፍርህ ናይ መለኮታዊ ሓይሊ መግለጺ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧ እታ እክይቲ ንግስቲ ኢዛቤል ንኤልያስ ከተቕትሎ ጠሊቓትሉ ነበረት። እቲ ነብዪ ህይወቱ ንምድሓን ይሃድም እዩ ነይሩ። በይኑ ዝተረፈ ዀይኑ ተሰምዖ፡ ፈርሀ፡ ተስፋ ድማ ቘረጸ። ብሓጺሩ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኸንቱ ዀይኑ እዩ ተራእይዎ። የሆዋ ነዚ ኣብ ሽግር ወዲቑ ዝነበረ ኣገልጋሊኡ ንምጽንናዕ ኢሉ ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ሓይሊ ብንጹር ኣዘኻኸሮ። እቲ ዝረኣዮ ንፋስ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሓዊ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘሎ ዅሉ ዝሓየለ ኣካል ምስኡ ኸም ዝነበረ እዩ ዚሕብሮ ነይሩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ጐድኑ ኽነሱ፡ ካብ ኢዛቤል ፈሪሁ እንታይ ዜህድም ነበሮ፧—1 ነገስት 19:1-12 b

16. ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ሓይሊ የሆዋ ብምስትንታን ምጽንናዕ ክንረክብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 የሆዋ ሽሕ እኳ ሎሚ ተኣምራት ዚፍጽመሉ ግዜ እንተ ዘይኰነ፡ ካብ መዓልትታት ኤልያስ ንነጀው ኣይተለወጠን። (1 ቈረንቶስ 13:8) ንሓይሉ ኣብ ክንዲ እቶም ዜፍቅርዎ ኺጥቀመሉ ሃረር እዩ ዚብል። ኣብ ልዕል ዝበለ መንፈሳዊ ስፍራ ዚነብር እኳ እንተ ዀነ፡ ካባና ዝረሓቐ ኣይኰነን። ሓይሉ ደረት ስለ ዘይብሉ፡ ርሕቀት ዕንቅፋት ኣይገብረሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡ እኳ ደኣ፡ “የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ . . . ቐረባኦም እዩ።” (መዝሙር 145:18) ነብዪ ዳንኤል ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ምስ ጸለየ፡ ገና ጸሎቱ ኸይወድአ ኸሎ ሓደ መልኣኽ ተራእዮ። (ዳንኤል 9:20-23) የሆዋ ነቶም ዜፍቅሮም ካብ ምሕጋዝን ሓይሊ ኻብ ምሃብን ዚኽልክሎ ነገር የሎን።—መዝሙር 118:6

እቲ ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ኸም ዘይቅረብ ዚገብሮ ድዩ፧

17. ሓይሊ የሆዋ እንታይ ዓይነት ፍርሃት እዩ ኣብ ውሽጥና ዜሕድረልና፧ እንታይ ዓይነት ፍርሂኸ እዩ ዘየሕድረልና፧

17 ሓይሊ ኣምላኽ ከም እንፈርሆ ኺገብረናዶ ይግባእ እዩ፧ ‘እወ’ ከምኡ እውን ‘ኣይፋልን’ ኢልና ኽንምልስ ንኽእል ኢና። እዚ ባህርይ እዚ ኸምቲ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፍ ዝረኣናዮ ፍርሃት ኣምላኽ ንኺህልወናን ብዕምቈት ንኸነኽብሮን ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዚህበና፡ ‘እወ’ ኢልና ንምልስ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት “መጀመርታ ጥበብ እዩ” ይብለና። (መዝሙር 111:10) ይኹን እምበር፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኡ ብራዕዲ ንኸነንቀጥቅጥ ወይ ንኸይንቐርቦ ምኽንያት ስለ ዘይኰነና ድማ ‘ኣይፋልን’ ኢልና ኽንምልስ እውን ንኽእል ኢና።

18. (ሀ) መብዛሕትኦም ሰባት ነቶም ስልጣን ዘለዎም ዘይኣምንዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) የሆዋ እቲ ዘለዎ ስልጣን ብልሽውና ኸም ዚፍጽም ኪገብሮ ኸም ዘይክእል ብኸመይ ንፈልጥ፧

18 ታሪኽ ከም ዚምስክሮ ዘይፍጹማት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንሓይሊ ወይ ንስልጣን ብዘይግቡእ እዮም ዚጥቀሙሉ። ስልጣን ንሰባት ብልሹዋት ከም ዝዀኑ ዚገብሮም እዩ ዚመስል፡ ዝያዳ ስልጣን ብዝረኸቡ መጠን ከኣ ዝያዳ እዮም ብልሹዋት ዝዀኑ። (መክብብ 4:1፣ 8:9) ስለዚ ኸኣ መብዛሕትኦም ሰባት ነቶም ስልጣን ዘለዎም ኣይኣምንዎምን፡ ካባታቶም ድማ ይርሕቁ። የሆዋ ምሉእ ስልጣን እኳ እንተ ኣለዎ፡ ስልጣኑ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብልሽውና ኸም ዜርኢዶ ገይርዎ እዩ፧ ፈጺሙ ኣይገበሮን! ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ብልሽውና ዚብሃል ዘይብሉ ቕዱስ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ኸምቶም ኣብዛ ብልሽውና ዝመልኣ ዓለም ዚነብሩ ስልጣን ዘለዎም ዘይፍጹማት ሰብኡትን ኣንስትን ኣይኰነን። ንስልጣኑ ወይ ንሓይሉ ብዘይግቡእ ተጠቒሙሉ ኣይፈልጥን፡ ንዚመጽእ እውን ኣይኪጥቀመሉን እዩ።

19, 20. (ሀ) የሆዋ ንሓይሉ ምስ ኣየኖት ካልኦት ባህርያት ብምስምማዕ እዩ ዚጥቀመሉ፧ እዚኸ ኸም እንተኣማመነሉ ዚገብረና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ናይ የሆዋ ርእሰ ግትኣት ብኣብነት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ዚስሕበካ፧

19 ባህርይ የሆዋ ሓይሊ ጥራይ ከም ዘይኰነ ግና ንዘክር። ንፍትሑ፡ ጥበቡ፡ ከምኡ እውን ፍቕሩ ኸነጽንዕ የድልየና እዩ። የሆዋ ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ባህርይ ጥራይ እናኣርኣየ ብትሪ ዚቐርብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብቲ ዚቕጽል ምዕራፋት ከም እንርእዮ የሆዋ ንሓይሉ፡ ኵሉ ግዜ ምስ ፍትሑ፡ ጥበቡ፡ ፍቕሩ ብምስምማዕ እዩ ዚጥቀመሉ። ኣብ ዓለማውያን ገዛእቲ ሳሕቲ ጥራይ ዚርአ፡ ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ ባህርይ፡ ማለት ርእስኻ ናይ ምግታእ ባህርይ ንርአ።

20 ምስ ሓደ ዜፍርሃካ ገዚፍን ሓያልን ሰብ ከም እተራኸብካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግና ሕያዋይ ኰይኑ ትረኽቦ። ብፍላይ ነቶም ኪከላኸሉ ዘይክእሉን ብቐሊሉ ዚጥቅዑን ሰባት ንምሕጋዝን ንምዕቋብን ሓይሉ ኺጥቀም ድሉው እዩ። ንሓይሉ ፈጺሙ ብዘይግቡእ ተጠቒሙሉ ኣይፈልጥን። ካልኦት ብዘይብቑዕ ምኽንያት ከም ዘካፍእዎ እኳ እንተ ፈለጥካ፡ ህዱእን ክብረቱ ዚሕሉን ሕያዋይን ኰይኑ ትረኽቦ። ከምኡ ሓያል ነይረ እንተ ዚኸውንሲ ኸምቲ ናቱ ዓይነት ለውሃትን ርእሰ ግትኣትን ከርኢ ምኸኣልኩዶ ኢልካ ትግረም ትኸውን! ነዚ ሰብ እዚ እናፈለጥካዮ ምስ ከድካ ናብኡ ኽትቀርብ ኣይትድረኽንዶ፧ ናብቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ንኽንቀርብ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ኣርእስቲ እዛ ምዕራፍ እዚኣ እተወስደትላ ጥቕሲ፡ “የሆዋ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ” ትብል። (ናሆም 1:3) የሆዋ ንሓይሉ ብሃወኽ ኣንጻር ሰባት፡ ኣንጻር እቶም እኩያት እውን ከይተረፈ ኺጥቀመሉ ኣይደልን እዩ። ትሑትን ሕያዋይን እዩ። ብዙሕ ዜሕርቕ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ “ንቝጥዓ ደንጓዪ” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—መዝሙር 78:37-41

21. የሆዋ ንሰባት ፍቓዱ ኺገብሩ ዘየገድዶም ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

21 ነቲ ናይ የሆዋ ርእሰ ግትኣት ብኻልእ መልክዑ እውን ርኣዮ። ምሉእ ስልጣን ወይ ሓይሊ እንተ ዚህልወካ፡ ሓድሓደ ግዜ ንሰባት ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ኺገብሩ ንኸተገድዶም ኣይምተፈተንካንዶ፧ የሆዋ እዚ ዅሉ ሓይልን ስልጣንን እናሃለዎ፡ ንሰባት ኬገልግልዎ ኣገዲድዎም ኣይፈልጥን እዩ። ንየሆዋ ምግልጋል ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚመርሕ እንኮ መገዲ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ክንፍጽም ኣየገድደናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ብሕያውነት እዩ ዜኽብሮ። ሕማቕ ምርጫ ዜምጽኦ ሳዕቤን እናኣጠንቀቐ ጽቡቕ ምርጫ እንታይ ዓስቢ ኸም ዘለዎ ይነግረና። ነቲ ምርጫ ግና ኣባና እዩ ዚገድፎ። (ዘዳግም 30:19, 20) ተገዲድና ወይ ነቲ ዜደንቕ ሓይሉ ፈሪህና ብእንገብሮ ኣገልግሎት ባህ ኣይብሎን እዩ። ነቶም ብፍታው ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም ዜገልግልዎ እዩ ዚደልዮም።—2 ቈረንቶስ 9:7

22, 23. (ሀ) የሆዋ ንኻልኦት ሓይሊ ወይ ስልጣን ብምሃብ ዝመጸ ኸም ዚሕጐስ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

22 ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ክንፈርሆ ኸም ዘየድልየና ዜርኢ ናይ መወዳእታ ምኽንያት ንርአ። ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ስልጣን ምሃብ ይፈርሁ እዮም። የሆዋ ግና ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ስልጣን ምሃብ ባህ እዩ ዚብሎ። ንኸም ወዱ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ፍጡራቱ እውን እተወሰነ ስልጣን ይህቦም እዩ። (ማቴዎስ 28:18) የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኻልእ መገዲ እውን ስልጣንን ሓይልን ይህቦም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ሓይልን ጽባቐን ግርማን ክብርን ናትካ እዩ። . . . ኣብ ኢድካ ሓይልን ብርታዐን ኣሎ፣ ኢድካ ኸኣ ንዅሉ ኸተዕብን ከተበርትዕን ትኽእል እያ።”—1 ዜና መዋእል 29:11, 12

23 እወ፡ የሆዋ ሓይሊ ኺህበካ ባህ እዩ ዚብሎ። ነቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” እውን ከይተረፈ ይህቦም እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ናብቲ ንሓይሉ ብሕያውነትን ስርዓት ብዘለዎ መገድን ዚጥቀመሉ ኣምላኽ ዝቐረብካ ዀይኑ ኣይስምዓካንዶ፧ ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ የሆዋ ንሓይሉ ኸመይ ገይሩ ንምፍጣር ከም ዚጥቀመሉ ኽንርኢ ኢና።

a እታ፡ “ኵሉ ዚኽእል” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዚገዝእ፡ ኵሉ ሓይሊ ዘለዎ” ተባሂላ ኣላ።

b መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ግና ኣብቲ ንፋስ . . . ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ . . . ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን” ይብለና። ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምቶም ናይ ተፈጥሮ ኣማልኽቲ ዜምልኹ ሰባት ኣብ ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት ኪረኽብዎ ሃሰስ ኣይብሉን እዮም። እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ዝዀነ ይኹን ነገራት ኪሕዞ ኣይክእልን እዩ።—1 ነገስት 8:27