ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 5

‘እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ’ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ

‘እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ’ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ

1, 2. የሆዋ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ ኣብ ጸሓይ ብኸመይ እዩ ዚርአ፧

 ኣብ ሓደ ቘራሪ ለይቲ ኣብ ጥቓ ሓዊ ኾፍ ኢልካ ስሒንካዶ ትፈልጥ፧ ኣጸቢቕካ እንተ ደኣ ቐሪብካ፡ ነቲ ምቘት ክትጻወሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣመና እንተ ደኣ ርሒቕካ ኸኣ፡ እቲ ቝሪ የኸርድደካ።

2 ቀትሪ ንሰብነትና እተምውቕ “ሓዊ” ኣላ። እታ “ሓዊ” እቲኣ፡ ካብ ምድሪ 150 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ጸሓይ እያ። a እዛ ኽንድዚ ዚኣክል ርሕቀት ዘለዋ ጸሓይ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ሰብ ሙቐት ምእንቲ ኽትህብ ብርቱዕ ሓይሊ ኺህልዋ ኣለዎ! ይኹን እምበር፡ ምድሪ ኻብዛ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዋ ጸሓይ ማእከላይ ርሕቀት እዩ ዘለዋ። ኣጸቢቓ እንተ ትቐርብ ነይራ፡ እቲ ማያታ ምሃፈፈ፣ ኣጸቢቓ እንተ ትርሕቕ ከኣ፡ ናብ በረድ ምተቐየረ። ኣጸቢቓ ዝቐረበት ወይ ዝረሓቐት እንተ ትኸውን፡ ንህይወት ዘይትምሽእ ምዀነት። ብርሃን ጸሓይ ባህ ዜብል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዚብክል ዘይብሉ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ዜድሊ ጠቓሚ ነገር እዩ።—መክብብ 11:7

3. ጸሓይ ነየናይ ኣገዳሲ ሓቂ እያ እተረጋግጸልና፧

3 ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ህይወቶም ኣብ ጸሓይ እተመርኰሰት እኳ እንተ ዀነት፡ ንጸሓይ ግና ኣቕሊሎም እዮም ዚርእይዋ። ስለዚ ነቲ ኻብ ጸሓይ ዚርከብ ትምህርቲ ኣይርድእዎን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ንስኻ ንብርሃንን ንጸሓይን ጌርካ” ይብል። (መዝሙር 74:16) እወ፡ ጸሓይ ነቲ ‘ንሰማይን ምድርን ዝገበረ’ ኣምላኽ ክብሪ ተምጽኣሉ እያ። (መዝሙር 19:1፣ 146:6) ሓንቲ ኻብቶም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ ዚምህሩና ሰማያውያን ኣካላት እያ። ንገለ ኻብዞም ሰማያውያን ኣካላት ተጠንቂቕና ንርኣዮም እሞ ናብ ምድርን ናብቲ ኣብኡ ዘሎ ህይወትን ነተኵር።

የሆዋ ‘ብርሃንን ጸሓይን ገይሩ’

“ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ”

4, 5. ጸሓይ ክሳዕ ክንደይ እያ ሓያልን ዓባይን፧ ምስ ካልኦት ከዋኽብቲ እትነጻጸር ግና ብኸመይ እያ፧

4 ከም እትፈልጦ ጸሓይ ኰዀብ እያ። ምስቶም ብለይቲ እንርእዮም ከዋኽብቲ ኽትነጻጸር ከላ ኸኣ ብዝያዳ ናብ ምድሪ ዝቐረበት ብምዃና ዓባይ ኰይና እያ እትረኣየና። ሓይላ ግና ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ እዩ፧ ኣብ ማእከላ 15,000,000 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ሙቐት ኣለዋ። ካብዚ ማእከል እዚ ሓንቲ ኽንዲ ርእሲ መርፍእ ወረቐት እትኸውን ኣዝያ ደቃቕ ክፋል ወሲድካ ኣብዛ ምድሪ ኾፍ እንተ ተብላ፡ 140 ኪሎ ሜተር ርሒቕካ ደው ክትብል እኳ ኣይምኸኣልካን! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ጸሓይ እተውጽኦ ጸዓት ምስቲ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር ኑክልየሳዊ ቦምባታት ኪነትጕ ከሎ ዜውጽኦ ሓይሊ ዚመዓራረ እዩ።

5 ጸሓይ ኣዝያ ዓባይ ካብ ምዃና እተላዕለ ኣብ ውሽጣ ኸክንዲ ምድርና ዚዀኑ ልዕሊ 1,300,000 ፕላነታት ክትሓቍፍ ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ካብ ኵለን ካልኦት ከዋኽብቲ ዝዓበየት እያ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን፡ ተመራመርቲ ስነ ኰዀብ እኳ ንእሽቶ ብጫ ኰዀብ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብኽብርስ ኰዀብ ካብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 15:41) ከምዚ ኺብል ዝኸኣለ ብመንፈስ ተመሪሑ ደኣ እዩ እምበር፡ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ኣብዚ ሕጂ ጸሓይና ዘላቶ ስፍራ እንተ ዚነብር ንምድርና ኣብ ውሽጡ ኺሕዝ ዚኽእል ሓደ ዓብዪ ኰዀብ ኣሎ። ኣብ ቦታ ጸሓይ እንተ ዚነብር ክሳዕ ሳተርን ኪበጽሕ ዚኽእል ዓብዪ ኰዀብ እውን ኣሎ። ሳተርን ካብ ምድሪ ኣዝያ ዝረሓቐት ፕላነት ብምዃና ሓንቲ መንኰርኰር ካብ ፍጥነት ጥይት ብ40 ዕጽፊ ብዚዛይድ ፍጥነት እናተጓዕዘት ኣብ ሳተርን ንምብጻሕ ኣርባዕተ ዓመት እዩ ዚወስደላ።

6. ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዚነግረና ብኸመይ እዩ፧

6 ከዋኽብቲ ግዝፎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዝሖም እውን ኣዝዩ ዜደንጹ እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ልክዕ ከምቲ “ሑጻ ባሕሪ” ኽትቈጽሮ ዜጸግም፡ ከዋኽብቲ እውን ዳርጋ ኪቝጸሩ ኸም ዘይክእሉ እዩ ዚነግረና። (ኤርምያስ 33:22) እዚ ሓሳባት እዚ ብዓይንና ኽንርእዮም ዘይንኽእል ብዙሓት ከዋኽብቲ እውን ከም ዘለዉ እዩ ዚነግረና። ከም ኤርምያስ ዝኣመሰለ ሓደ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ለይቲ ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ኸዋኽብቲ ኪቘጽር እንተ ዚፍትን፡ ሰለስተ ሽሕ ኣቢሉ ጥራይ እዩ ኪቘጽር ዚኽእል። ደበና ኣብ ዘይብሉ ለይቲ፡ ሰብ ብዘይ ገለ መሳርሒ ኪቘጽሮ ዚኽእል ብዝሒ ኸዋኽብቲ ኽንድዚ ጥራይ እዩ። እዚ ቝጽሪ እዚ ኽንዲ ዕማኾ ሑጻ እዩ። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግና ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ልክዕ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። b እሞ መን ደኣ እዩ ኪቘጽሮ ዚኽእል፧

“ብስሞም ይጽውዖም”

7. ነቲ ኣብ ጋላክሲና ዘሎ ብዝሒ ኸዋኽብቲ ወይ ነቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ብዝሒ ጋላክሲታት ብኸመይ ትገልጾ፧

7 ኢሳይያስ 40:26 ነዛ ሕቶ እዚኣ ኸምዚ ብምባል ትምልሳ፦ “ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ። ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብቝጽሪ ዜውጽኦም እዩ፣ ብስሞም ይጽውዖም።” መዝሙር 147:4፡ “ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር” ትብለና። “ቍጽሪ ኸዋኽብቲ” ኽንደይ እዩ፧ እዚ ብቐሊሉ ኺምለስ ዚኽእል ሕቶ ኣይኰነን። ተመራመርቲ ስነ ኰዀብ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ጋላክሲ ሊሐ ጥራይ ልዕሊ 100 ቢልዮን ከዋኽብቲ ኸም ዘለዉ ይግምቱ። c ገሊኦም ድማ ካብዚ ዚበዝሑ ኸም ዘለዉ እዮም ዚኣምኑ። ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ጋላክሲ ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ብዙሓት ከዋኽብቲ ዝሓዙ ሓያሎ ጋላክሲታት እዮም ዘለዉ። ክንደይ ጋላክሲታት እዮም ዘለዉ፧ ተመራመርቲ ስነ ኰዀብ ኣማእታት ቢልዮናት፡ ምናልባት እውን ትሪልዮናት ከም ዘለዉ እዮም ዚግምቱ። ስለዚ እምበኣር፡ ሰብ ይትረፍዶ ነቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ ኪቘጽርሲ ኽንደይ ጋላክሲታት ከም ዘለዉ እኳ ኪቘጽር ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ግና ብዝሒ ኸዋኽብቲ ኽንደይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ኰዀብ ነናቱ ስም ሂብዎ ኣሎ!

8. (ሀ) ስፍሓት ጋላክሲ ሊሐ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) የሆዋ ንምንቅስቓስ ሰማያዊ ኣካላት ብምንታይ ገይሩ እዩ ስርዓት ዜትሕዞ፧

8 ብዛዕባ ዕቤት ጋላክሲታት ምስ እነስተንትን፡ እቲ ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ስፍሓት ጋላክሲ ሊሐ ብናይ ብርሃን ፍጥነት 100,000 ዓመታት ኪወስድ ዚኽእል ምዃኑ እዩ ዚግመት። ብዛዕባ ኣብ ሓንቲ ኻልኢት ጥራይ 300,000 ኪሎ ሜተር ዚጐዓዝ ጩራ ብርሃን እሞ ሕሰብ። እቲ ጩራ ብርሃን ካብ ሓደ ጫፍ እዚ እንነብረሉ ጋላክሲ ናብቲ ሓደ ጫፍ ንምብጻሕ 100,000 ዓመታት ይወስደሉ! ገሊኡ ጋላክሲታት ከኣ ብስፍሓቱ ኻብዚ እንነብረሉ ጋላክሲ ብዙሕ ግዜ እተዓጻጸፈ እዩ። የሆዋ ነዚ ገዘፍቲ ሰማያዊ ኣካላት እዚ ኸም ዓለባ ‘ዚዝርግሖ’ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (መዝሙር 104:2) ነቲ ዚገብሮ ምንቅስቓስ እውን ከይተረፈ ስርዓት ኣትሒዝዎ እዩ። ካብታ ዝነኣሰት ኰዀብ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ዓበይቲ ጋላክሲታት፡ ኵሉ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ባህርያዊ ሕግታት እዩ ዚጐዓዝ። (እዮብ 38:31-33) ስለዚ ኸኣ እዮም ሊቃውንቲ ንምንቅስቓስ ሰማያዊ ኣካላት ምስ ሓደ ብግቡእ እተወደበ ዓይነት ሳዕስዒት ዜተሓሕዝዎ። ብዛዕባ እቲ ነዚ ዅሉ ዝፈጠረ እሞ ሕሰብ። ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ናይ ምፍጣር ክእለትን ሓይልን ዘለዎ ኣምላኽሲ ኸም እትፈርሆ ዚገብረካ ደይኰነን፧

“ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ”

9, 10. ሓይሊ የሆዋ ኣብ ኣቀማምጣ ስርዓተ ጸሓይና፡ ጁፒተር፡ ምድሪ፡ ወርሒ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧

9 እቲ የሆዋ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ ኣብዛ እንነብረላ ምድሪ እውን ተራእዩ እዩ። ንምድሪ ኣብዚ ሰፊሕ ዩኒቨርስ እዚ ብጥንቃቐ እዩ ኣንቢርዋ። ገለ ሊቃውንቲ መብዛሕትኡ ጋላክሲታት ከም ምድርና ዝኣመሰለት ህይወት ዘለዎም ነገራት ክትሕዝ እትኽእል ፕላነት ከም ዘይብለን እዮም ዚኣምኑ። መብዛሕትኡ ኽፍሊ እዚ ምድርና እትርከቦ ጋላክሲ ሊሐ ህይወት ኺነብረሉ ተባሂሉ ኸም ዘይተዳለወ እውን ፍሉጥ እዩ። ማእከል እቲ ጋላክሲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ እዩ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ጸርጊ ኣዝዩ ብርቱዕ እዩ፣ ከዋኽብቲ ኣብ ዚገብርዎ ምንቅስቓሳት ከኣ ኣዝዮም እተቐራረቡ እዮም። ወሰናስን እቲ ጋላክሲ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት እውን የብሉን። ስርዓተ ጸሓይና ግና በዚ ዅነታት እዚ ኣብ ዘይትንከየሉ ምሹእ ቦታ እዩ ዘሎ።

10 ምድርና ኻብቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ገዚፍ ተኻላኻላይ ዝዀነ ጁፒተር ዚብሃል ፕላነት ትጥቀም እያ። እዚ ብግዝፉ ኻብ ምድሪ ብኣሽሓት ግዜ ዚተዓጻጸፍ ጁፒተር ብርቱዕ ስሕበት እዩ ዚፍኑ። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብ ህዋ ብናህሪ ዚጐዓዝ ነገራት የዝሕሎ ወይ ኣንፈቱ የቐይሮ። ሊቃውንቲ ኸም ዚብልዎ ጁፒተር እንተ ዘይህሉ ነይሩ እቲ ናብ ምድርና ዚውንጨፍ ነገራት ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ብ10,000 ዝያዳ ምኸበደ። ብዘይዚ እውን ምድርና ኻብ ሓንቲ ፍልይ ዝበለት ሳተላይት፡ ማለት ወርሒ ረብሓ ትረክብ እያ። ወርሒ ብጽባቐኣ ባህ እተብል ናይ ለይቲ መብራህቲ ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ንምድሪ ስሩዕ ብዝዀነ መገዲ ቕንን ከም እትብል እውን ትገብራ እያ። በዚ ምቕናን እዚ ኸኣ ምድርና ስሩዕ ወቕትታት ይህልዋ፡ እዚ ድማ ንህይወት ኣገዳሲ እዩ።

11. ኣብ ምድርና ዘሎ ኣየር ከም መከላኸሊ ዀይኑ ኼገልግል እተወጠነ ብኸመይ እዩ፧

11 እቲ የሆዋ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ ኣብ ኵሉ መዳያት ምድርና ተራእዩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኸም መከላኸሊ ዋልታ ዀይኑ ዜገልግል ኣየር እውን ንርአ። ጸሓይ ንጥዕና ዚጠቅምን ዚጐድእን ጩራ ትፍኑ እያ። እቲ ሓደገኛ ጩራ ኣብቲ ላዕለዋይ ናይ ምድርና ኣየር ኪዓርፍ ከሎ፡ ንኦክስጅን ናብ ኦዞን ይቕይሮ እሞ እቲ እተፈጥረ ኦዞን ከኣ ንመብዛሕትኡ እቲ ጩራ ይመጽዮ። ስለዚ ምድርና ንገዛእ ርእሳ እትከላኸለሉ ጽላል ከም እትዝርግሕ ኰይና እያ ተዳልያ!

12. ናይ ማይ ዑደት ነቲ የሆዋ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ መረዳእታ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

12 ናይቲ እተፈላለየ ጋዛት ዝሓዘ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ጥቓኣ ንዚነብሩ ህያዋን ፍጥረታት ከኣ ዚጠቅም ኣየርና ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢና ጠቒስና። ካብ ኣየርና ዚርከብ ካልእ ዜደንቕ ነገር ድማ ናይ ማይ ዑደት እዩ። ጸሓይና ዓመት ዓመት ካብ ናይ ምድሪ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን 200 ብ2,000 ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ 1 ኪሎ ሜተር ከኣ ዝምብራኹ መዕቈር ኪመልእ ዝኽእል ማይ ትስሕብ እያ። እቲ ማይ ናብ ደበናታት ይቕየር፡ ብንፋስ ከኣ ክሳዕ ርሑቕ ቦታታት ይብተን። ሽዑ እቲ ማይ ተጻርዩ ኸም ዝናብን በረድን ኰይኑ ብምውራድ ነቲ ዝጐደለ ማያት ይትክእ። ልክዕ ከምቲ መክብብ 1:7 እትብሎ፡ “ኵሉ ወሓይዝ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፣ ባሕሪ ግና ኣይመልእን። ከም ብሓድሽ ኪውሕዝሲ፡ ናብቲ ወሓይዝ ኪውሕዝ ዝጀመረሉ ቦታ ይምለስ።” ነዚ ዑደት እዚ ኸም ዚቕጽል ኪገብሮ ዚኽእል የሆዋ ጥራይ እዩ።

13. ኣብ ናይ ምድሪ ኣትክልትን ሓመድን ብዛዕባ ሓይሊ ኣምላኽ እንታይ ኢና እንርኢ፧

13 እቲ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ፡ ህይወት ኣብ ዘለዎ ነገራት እውን ንርእዮ ኢና። ካብቲ ቝመቱ ልዕሊ 30 ደርቢ ኻብ ዘለዎ ህንጻ ዚነውሕ ኣብ ካሊፎርንያ ዚበቍል ገረብ ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ኣብ ውቅያኖሳት ዚበቍል ብማይክሮስኮፕ እንተ ዘይኰይኑ ብዓይኒ ኺርአ ዘይክእል ኣትክልቲ፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ እዚ ፍጥረታት እቲ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ ተራእዩ እዩ። ሓመድ እውን ንገዛእ ርእሱ ኸም እኒ ሓሳኹ፡ ዕሲ፡ ማይክሮብ ብዝኣመሰሉ ህያዋን ፍጥረታት ዝመልአ እዩ። ኵሎም እዞም ህያዋን ፍጥረታት እዚኦም ከኣ ሓቢሮም ንዕቤት ኣትክልቲ ዚጠቅም ዕዮ ይዓዩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓመድ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሩ እንተ ተዛረበሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ዘፍጥረት 4:12፡ እግረ ጽሑፍ።

14. ኣብታ ደቃቕ ኣቶም እውን ከይተረፈ ኸመይ ዝበለ ድጉል ሓይሊ እዩ ዘሎ፧

14 “ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ” የሆዋ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ኤርምያስ 10:12) ሓይሊ ኣምላኽ ኣብቲ ደቀቕቲ ፍጥረታት እውን ከይተረፈ ተራእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ብሚልዮናት ዚቝጸር ኣቶም ተር ኣቢልካ እንተ ዚስራዕ ርጕዱ ኽንዲ ሓንቲ ጸጕሪ ርእሲ እኳ ኣይከውንን እዩ። ከምኡ እውን ሓንቲ ኣቶም ክሳዕ 14 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ እንተ ትዝርጋሕ እውን እታ ኣብ ማእከላ እትርከብ ኑክልየስ ኣብ ሻውዓይ ደርቢ ኸም ዘላ ደቃቕ ጨው ምዀነት። ይኹን እምበር፡ እታ ደቃቕ ኑክልየስ እቲኣ ምንጪ እቲ ኣብ ናይ ኑክልየሳዊ ነታጒ ዘሎ ብርቱዕ ሓይሊ እያ!

“ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ”

15. የሆዋ ንእዮብ ብዛዕባ እተፈላለየ እንስሳታት ብምዝራብ እንታይ ትምህርቲ እዩ ምሂርዎ፧

15 የሆዋ ንምፍጣር ዘለዎ ሓይሊ ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እንስሳታት እውን ኪርአ ይከኣል እዩ። መዝሙር 148 ንየሆዋ ዚውድስ ሓያሎ ነገራት ድሕሪ ምዝርዛራ፡ ፍቕዲ 10፡ “ኣቱም እንስሳታት ዘገዳምን ኵልኹም እንስሳታት ዘቤትን” ዚብል ሓሳባት ሒዛ ኣላ። የሆዋ ንእዮብ፡ ሰብ ስለምንታይ ንፈጣሪ ኺፈርሆ ኸም ዘለዎ ኺምህሮ ኢሉ ብዛዕባ ኣንበሳ፡ ኣድጊ በረኻ፡ ጐባይ፡ ብሄሞት (ጉማረ)፡ ሌዋታን (ሓርገጽ) ዝኣመሰሉ እንስሳታት ተዛሪብዎ ኣሎ። እንታይ እዩ ኼጕልሓሉ ደልዩ፧ ሰብ ነዞም ሓያላትን ዜርዕዱን ዘይጽዓዱን እንስሳታት ዚፈርሆም ካብ ኰነ፡ ብዛዕባ እቲ ንዓታቶም ዝፈጠረ ደኣኸ ኸመይ ኪስምዖ ኣለዎ፧—እዮብ ምዕራፍ 38-41

16. ብዛዕባ እተን የሆዋ ዝፈጠረን ገሊአን ዓይነት ኣዕዋፍ ዚምስጠካ ነገር እንታይ እዩ፧

16 መዝሙር 148:10 ብዛዕባ ‘ኣኽናፍ ዘለወን ኣዕዋፍ’ እውን ትጠቅስ እያ። ብዛዕባ እዘን ብዙሕ ዝዓይነተን ኣዕዋፍ እሞ ሕስብ ኣብል! የሆዋ ንእዮብ ብዛዕባ እታ ‘ንፈረስን ንተወጣሒኡን እትስሕቆም’ ሰገን እውን ነጊርዎ እዩ። እዛ ኽልተ ሜተርን ፈረቓን ዝቝመታ ዑፍ ክትነፍር ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብ ሓንቲ ስጕምቲ ጥራይ ኣርባዕተ ሜተርን ፈረቓን ብምሽፋን ኣብ ሰዓት 65 ኪሎ ሜተር ክትጐዪ ትኽእል። (እዮብ 39:13, 18) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣልባጥሮስ እትብሃል ጻዕዳ ዑፍ መብዛሕትኡ ህይወታ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እያ እተሕልፎ። እዛ ዑፍ እዚኣ ብዙሕ ሓይሊ ኸየውጽአት ንምንስፋፍ ዜኽእላ 3 ሜተር ዚኸውን ኣኽናፍ ኣለዋ። ኣኽናፋ ኸየንገብገበት ንሰዓታት ዚኣክል ከተንሳፍፍ ትኽእል እያ። ካብዘን ዝረኣናየን ኣዕዋፍ ኣዝያ እተፈልየት ከኣ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣዕዋፍ እታ ዝነኣሰት ማለት 5 ሰንቲ ሜተር ዝቝመታ ሃሚንግበርድ እትብሃል ዑፍ እያ። እዛ ዑፍ እዚኣ ኣብ ሓንቲ ኻልኢት ጥራይ ኣኽናፋ 80 ግዜ ተንገብግብ! እዘን ኣዕዋፍ እዚአን ከም ሄሊኮፕተር ኬንሳፍፋን ንድሕሪት እውን ከይተረፈ ኺነፍራን ይኽእላ እየን።

17. ዓሳ ኣንበሪ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዓብዪ፧ ብዛዕባ እቶም ፍጥረት የሆዋ ዝዀኑ እንስሳታት ድሕሪ ምስትንታንና ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ ዚግብኣና፧

17 መዝሙር 148:7፡ “እንስሳታት ባሕሪ” እውን ከይተረፉ ንየሆዋ ኸም ዚውድስዎ ትነግረና። ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ምድርና እቲ ዝዓበየ እንስሳ ተባሂሉ ዚሕሰብ ብሉ ወይል ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ እውን እሞ ንሕሰብ። እዚ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዚርከብ እንስሳ እዚ 30 ሜተር ወይ ካብኡ ዚዛይድ ንውሓት ኣለዎ። ክብደቱ ማዕረ ኽብደት 30 ዓበይቲ ሓራምዝ እዩ። መልሓሱ ጥራይ እኳ ኽንዲ ሓደ ሓርማዝ ይምዘን። ዓቐን ልቡ ማዕረ ንእሽቶ ማኪና እዩ። እቲ ገዚፍ ልቡ ኣብ ደቒቕ 9 ግዜ ጥራይ እዩ ዚወቅዕ። ምስቲ ኣብ ደቒቕ 1,200 ግዜ ዚወቅዕ ልቢ ሃሚንግበርድ እተባህለት ዑፍ ኪነጻጸር ከሎ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘለዎ። ንሓደ ቘልዓ ኣብ ውሽጡ ኼንፋሕዅ ዜኽእል ገዚፍ ሰራውር ደም እውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ነቲ “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ፡ ንያህ ይወድሶ” ዚብል ኣብ መደምደምታ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ማዕዳ ንምቅላሕ ልብና ይድርኸና እዩ።—መዝሙር 150:6

ካብቲ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ ንመሃር

18, 19. የሆዋ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝፈጠሮም ህይወት ዘለዎም ነገራት ክሳዕ ክንደይ እተፈላለዩ እዮም፧ ፍጥረትከ ብዛዕባ ልዑላውነት የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

18 ካብቲ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧ እቲ እተፈላለየ ዓይነት ፍጥረት ብዙሕ እዩ ዚምስጠና። ሓደ ዘማሪ፡ “ኦ የሆዋ፡ . . . ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ” በለ። (መዝሙር 104:24) እዝስ ኣየ ኽንደይ ሓቂ ዀን እዩ! ናይ ስነ ህይወት ምሁራት፡ ኣብ ምድሪ ልዕሊ ሚልዮን ዝዀኑ ጅር (ስፒሽስ) ከም ዘለዉ እዮም ዚገልጹ፣ ይኹን እምበር፡ ክንደይ ሚልዮን ከም ዘለዉ በበይኑ ግምታት እዩ ዚውሃብ። ሓደ ስነ ጥበበኛ ሓድሓደ ግዜ እንታይ ከም ዚምህዝ ይጠፍኦ እዩ። ኣብ የሆዋ እንተ መጺና ግና፡ እቲ ናይ ምምሃዝ ክእለቱ፡ ማለት ሓድሽን እተፈላለየን ነገራት ናይ ምምሃዝን ናይ ምፍጣርን ተኽእሎኡ ፈጺሙ መወዳእታ የብሉን።

19 እቲ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ ብዛዕባ ልዑላውነቱ ይምህረና እዩ። እታ “ፈጣሪ” እትብል ቃል ንየሆዋ ኻብ ኵሉ እቲ “ፍጥረት” ዚብሃል ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ነገራት እትፈልዮ እያ። እቲ ኣብ ግዜ ፍጥረት “ክኢላ ሰራሕተኛ” ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓደ ወዲ የሆዋ እውን ከይተረፈ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጣሪ ተባሂሉ ፈጺሙ ኣይተጸውዐን። (ምሳሌ 8:30፣ ማቴዎስ 19:4) ኣብ ክንዳኡስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እዩ ተባሂሉ ዘሎ። (ቈሎሴ 1:15) የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ልዑል ሓይሉ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዩኒቨርስ ከም ድላዩ ኺጥቀመሉ መሰል ኣለዎ።—ሮሜ 1:20፣ ራእይ 4:11

20. የሆዋ ምድራዊ ፍጥረት ካብ ዚውድእ ንነጀው በየናይ መገዲ እዩ ዝዓረፈ፧

20 የሆዋ ነቲ ንምፍጣር ዜውዕሎ ሓይሊ ኻብ ምጥቃም ኣቋሪጹ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ነቲ ናይ ምፍጣር ዕዮኡ በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ምስ ወድአ፡ “ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ . . . ካብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ግብሩ ኺዓርፍ ጀመረ” ኢሉ ይዛረብ እዩ። (ዘፍጥረት 2:2) ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ግዜ እውን እታ ሻውዐይቲ “መዓልቲ” ትቕጽል ስለ ዝነበረት፡ ኣሽሓት ዓመታት ንውሓት ከም ዘለዋ ሓቢሩ ኣሎ። (እብራውያን 4:3-6) ይኹን እምበር ‘ዕረፍቲ’ ኺብሃል ከሎ፡ ዕዮኡ ምሉእ ብምሉእ ኣቋሪጹ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ፈጺሙ ዕዮኡ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። (መዝሙር 92:4፣ ዮሃንስ 5:17) ስለዚ፡ ዕረፍቱ ነቲ ምስ ምድሪ እተተሓሓዘ ግኡዝ ነገራት ናይ ምፍጣር ዕዮኡ ኸም ዘቋረጾ እዩ ዜመልክት። ንዕላማታቱ ናብ ፍጻመ ንምብጻሕ ዚገብሮ ዕዮ ግና ኣይተቋረጸን። እዚ ዓይነት ዕዮ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመንፈስ ከም ዚጸሓፍ ምግባር እውን ዜጠቓልል እዩ። ዕዮኡ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 19 እንመያየጠሉ “ሓድሽ ፍጥረት” ኣብ ህልውና ኸም ዚመጽእ ምግባር እውን ዜመልክት እዩ።—2 ቈረንቶስ 5:17

21. እቲ የሆዋ ንምፍጣር ዘለዎ ሓይሊ ነቶም እሙናት ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪጠቕሞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

21 እቲ የሆዋ ዚዓርፈሉ መዓልቲ ዝዛዘመሉ ግዜ ምስ መጸ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ዕዮኡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ዝበሎ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ኺገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:31) ድሕሪኡ፡ ነቲ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ብኸመይ ከም ዚዓይየሉ ሽዑ ዝርአ ነገር እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ በቲ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ ወትሩ እናተመሰጥና ኸም እንነብር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካብቲ ዝፈጠሮ ነገራት ብዛዕባ የሆዋ ንዘለኣለም እናተምሃርና ኽንነብር ኢና። (መክብብ 3:11) ብዛዕባኡ ዝያዳ ፍልጠት እናረኸብና ብዝኸድና መጠን ንዕኡ ዘሎና ፍርሃት እናዓበየ ይኸይድ፡ ብዝያዳ ድማ ናብኡ ንቐርብ።

a እዚ ቝጽሪ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑ ምእንቲ ኽትግንዘብ በዚ መገዲ እዚ ጌርካ ሕሰበሉ፦ ኣብ ሰዓት ብ160 ኪሎ ሜተር ፍጥነት ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ማኪና እናዘወርካ ኽንድዚ ዚኣክል ርሕቀት ንኽትጐዓዝ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ይወስደልካ!

b ‘ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝነበሩ ሰባት ጥንታዊ ዓይነት ተሌስኮፕ ይጥቀሙ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም’ ኢሎም ዚሓስቡ ሰባት ኣለዉ። ‘ተሌስኮፕ እንተ ዘይህልዎም ነይሩ፡ ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብሰባት ኪቝጸር ኣይክእልን እዩ ኢሎም ሓሳብ ኪህቡ ኣይምኸኣሉን ነይሮም’ ብምባል ይማጐቱ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሰረት ዘይብሉ ጥርጠራ ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ዜኽብር ኣይኰነን።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

c ን100 ቢልዮን ከዋኽብቲ ኽትቈጽር ክንደይ ግዜ ኸም ዚወስደልካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሓንቲ ኰዀብ ክትቈጽር እንተ ትኽእል፡ እሞ ኸኣ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት እንተ ትቘጽር 3,171 ዓመታት ምወሰደልካ ነይሩ።